Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ማሓራይ ሓወይ፣ ማሓራይ ሓወይ

ኣጥፊኦምኻ ናብ ናኹራ ቀላይ

ሸመትካ ኣምበር ኮነት ኣደዳ ትግራየ

ሕነ ከይፈድየልካ ኮይነ ዘባጥ ብዕራየ

 

እዚ መልቀስ ኣሕዋት ደግያት መሓራይ መጎስ (ዓዲ ወገራ) ‘ማሕራይ 1894 ኣብ ናኹራ ምስ ተኣሰሩ ዘልቀስዎዩ።

~~~~~~~~~~~{}~~~~~~~~~~~

 

ሓደ መርዓዊ ምስ ኣዕሩኽቱ ነፍጢ ስለ ዝርኣይሎም ክዘምቱ ከትርዎም፣ ኣነ መንገደኛ' ኢሉ ስለ ስላሴ ስለ ማርያም እናበሉ ኣጥቢቖም ለመንዎም' ምስ ኣበይዎም በብሓደ ቆሊቦም ቀቲሎም ተዓዝሩ ሻቡ'ቱይ ቀብሪ ምስ ኮነ መላቐሳይ

እገላየ ጋዶ እዩ ጋዶ

ንመንገደኛ' ክንዲ ሽሻይ ጥይት ተአንግዶ

ስለ ስላሴ ስለ ማርያም ኣይበልኩምን'

ንማሕራይ' መቑሕ ጣልያን እኳ ዘይቀየዶ

ኣይ ናኹራ ሰቢሩ እንድዩ ባሕሪ ዝቐደዶ

እገላየ (ደገብሲ ትግራይ) ግብርኹም' ጋዶ እዩ ጋዶ

በልሎም ይብሃል።

~~~~~~~~~~~{}~~~~~~~~~~~

 

ሃጸይ ዮሃንስ፣ ንኩናት መተማ ከይዶም ነበሩ 10 መጋቢት 1889 ተሳዒሮም ምስ ሞቱ። ሽዑ ስራዊቶም ዋና ስኢኑ ተበታተነ በዚ ዝሓዘነት ትግራወይቲ

ተካል ዓዲ እየሱስ ዘይብላ

ኣልጋ ፈረሱ ወሰድዋ ጋላ

ኣበይ ገዲፍኩሞም ኣባ ይለቕ ካሳ

ጓል ህበይ፣ኳ ዘይትድርቢ ሬሳ

 

~~~~~~~~~~~{}~~~~~~~~~~~

 

ደግያት ባህታ ሓጎስ ከብቲ ናይ ሰገነይቲ ካብ ከባቢ ዓላ ተዘሚተን ንትግራይ ምስ ከዳ ዝበልዎ ኣሻሕ ላመይ ኣንቲ ኣሻሕ ላመይ

ደሓን ወዓል ዘይትብልኒ ከመይ

ኣይምወሰዱኽን ከይተሳገሩ ደመይ

ኣሻሕ ላመይ ኣንቲ ኣሻሕ ላመይ

ባዕለይ ከይውዕለኪ ከመይ ቀደመይ

ተሳጊርክያ ንዘምዘመይ

ኣትን መዓል ኣሻሕ መዓል ዳዕቦ

ወሰዱኽን ሰኣን ሓደ ደርባይ ኩቦ

ኣሕ፡አፍክንዶ ኣሓና ተጸጊዖም ጎቦ

ኣጥፋእናክን ኣሓና ሰኣን ጉቦ

ወሰዱኽን ተምቤን ሰኣን ሓደ ካዕቦ

በሉ።

 

ደግያት ባህታ ንፊተውራሪ እምባየ ምስ ቀተሉ ኣይተምሑር (ውርሒ ለይቶ) ዝተባህሉ ካብ ገዛ መኼዳ ማዕረባ ዝደረስዎ

እንተ ምቕጣን ባህታ ደኣ ይቐጥን

ንወዲ ንጉስ ክቐትል ዘይብል ዕጥንጥን

ህጡር ጎበዝ ንእንዳባ ዝዓጥን

ንሓዋሩ ዝኸውን ደኣ ኣይፈልጥን

 

~~~~~~~~~~~{}~~~~~~~~~~~

 

ወይዘሮ ሰይተንበሳ

ብሓደ ዝብ ከይትንከሳ

ይሕሸን መልኩ ክምኩሳ

እዛ መልቀስ ሓደ መላቓሳይ ንሰይቲ ሎሬንዞ ታእዛዝ ዘልቐስዋ

 

~~~~~~~~~~~{}~~~~~~~~~~~

 

ሓደ ቆራይ ዝተባህለ ዘይተፈልጠ ማሰኛ' ብሃጸይ ዮሓንስ ዝእሰሩ በዚሖም ምስ ረኣየ ዝበሎ።

ነዞም ንጉስ'ከታ ዘይጸዊ ምንታይ ወራይ

መጻውይቶም ገብሩይ ኣሉላይ

መባልዕቶም ቀሽይ ደብተራይ

መጻልእቶም በዓል ጽምዲ ብዕራይ

ከይገፋኒ እታ ጨርቀይ ብላይ

ከይቆርጹኒ ሓንቲ ኢደይ ቆራይ

ኣዚኣ ጸውየ ንዓደምሓራይ"

 

ብተመሳሳሊ ሓንቲ ሰብ ኣያ ዝተኣስራ ሰበይቲ ዝበለቶ

ወይለይ እኒ ገረኪዳን ኣኒ ኣሉላ

መሶብ እንተ ኣዩ ንዒ በላ

መስተ እንተ ኣዩ ንዒ በላ

ስቡሕ እንተረኣዮ ንዒ በላ

ጥርዓን እንተረኣዮ ወድያ በላ

ለካ ካሳስ ደግያት ጉሒላ

መንግስትኻ ብዝብዝ የብላ

ምስትንፋስካ ንሽኦል ይግበራ።

ቢለን ኣልቀሳ።

 

~~~~~~~~~~~{}~~~~~~~~~~~

 

ኣይተ ዳንግሽ ዝተባህሉ ብዓል ረጋሒት ከንቲባታት ምስ በዝሑ ኣብ ሓደ መልቀስ ዝበልዎ።

ኣቱይ ከታ መን ከንቲባኡ

እዚ ከታ መን ከንቲባኡ

ቀሚስ ዝኽንትቱ ከም መራዑ

ንብላዕ ንብላዕ ቢሎም ዝጸዋውዑ

ንዓደቦ ቢሎም ዘይጠርዑ

እቲ ተጸጊዑ ሰብ ወዲኡ

መሳርዕ ምስ ጠፍአ ኣብ ምሕባኡ

እንጌራ እንጌራ ምስ በሉ ቆላዑ

ሽዑ ዘይወጽእ ነስሓኡ

ደው ኢለ ኮይነ እምበር ምኽሪ እንካኡ

ቢሎም ኣልቀሱ ይብሃል

Write a comment

Comments: 0