Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ዋሕዲ ካሎሪ (ጸዓት ኣካላት) ኣብ እንስሳታት ዕድመ ወሲኹ መኻንነት ከም ዘስዕብሎም ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብመጽናዕቲ ተረጋጊጽ እዩ። ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ኣቶኩሮም ምርምሮም ክቕጽሉ ዝጸንሑ ተመራመርቲ ዩንቨርስቲ ያለ ኣመሪካ “ጥምየት መኻንነት ከም ዝቕስቕስ” ፈሊጥና ክብሉ ከም ዝገለጹ ተሌግራፍ ትገልጽ።

በዚ መሰረት፣ ኣብ እዋን ከቢድ ጥመይት መስርሕ መፍረ ዓጽዩ መኻንነት ዘስዕብ “ኤም ሲ ኤች” (MCH) ዝተባህለ ሆርሞን፣ በቶም ተመራመርቲ ተረኺቡ ከም ዘሎ ወሲኻ ትገልጽ።

ኤም ሲ ኤች ሆርሞን፣ ኣብ ሓንጎል ዝርከብ ኮይኑ፣ ኣብ ግዜ ክቱር ጥመየት ዝያዳ እናፍረየ፣ ንመስርሕ ስርዓተ መፍረ ከም ዘይሰርሕ ዝገብርን፣ ከምኡ’ወን ቀንዲ ጠንቂ ከስዐ፣ ወልፊ ሓሽሽን ጸቕጥን ከም ዝኾነ እቶም ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ምግላጾም ተፈሊጡ።

 

ኤም ሲ ኤች ሆርሞን ዘፍርዩ ናይ ሓንጎልና መትንታት፣ ዝበዝሕ እዋን ዉሑዳት እዮም። ኣካላትና ኣሉታዊ ሓይሊ ሚዛን እንተደኣ ገጢሚዎ ግን ብዝተዓጻጸፈ ስለዝውስኽ፣ ንመስርሕ መፍረ ክዓግትዎ ይኽእሉ

ትብል ፕሮፈሰር ስነ ኣእምሮን ክኢላ ስነ መትንን ኣብ ዩንቨርስቲ ያለ መናክቪ ኣልረጃ።

 

ፕሮፈሰር መናክቪ ኣልረጃ ኣስዒባ፣ ኤም ሲ ኤች ሆርሞን ነቲ ቀንዲ ናይ መፍረ ሞለኩቶል ዝኾነ ኪስፐፕቲን (kisspetin) ካብ ምንጣፍ ዝዓግትን’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ጥምየት ወይ ልዕሊ ዓቐን ምንቅስቓስ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፣ ኤም ሲ ኤች ሆርሞን ስለዝነቓቓሕ ብብዝሒ ስለዘፍርን ንኪስፐፕቲን ዓጊቱ ንመስርሕ ጎብዝና ከምዘደናጉዮን ፍርያምነት ከም ዝዓጹን ሓቢራ። ኪስፐፕቲን ጉብዝና ዘቀላጥፍን ፍርምየምነት ንኽዕቀብ ዝሕግን ሞለኩቶን እዩ።

ሳይንቲስትን ኩባንያታት መድሃኒትን፣ ኣብ ኤም ሲ ኤች ሆርሞን ብዙሕ ተገዳስነት ከምዘርእዩ’ዩ ዝግለጽ። ምኽንያቱ እዚ ሆርሞን ከም ጠንቂ ጸቕጥን ወልፊ ሓሽሽን ስለዝጥቀስ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፣ ተመራመርቲ እዚ ሆርሞን ዘይብሉ መግቢ ን ኣናጹ ምስ ቀለብወን ዕባራታትን ፈረይትን ኮይነን ስለዝተረኽባ’ወን ካብዚ ተበጊሶም ጸረ ከስዐ መድሃኒት ክሰርሑ ከም ዝኸኣሉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ ኤም ሲ ኤች ሆርሞን ዝካየድ ተወሳኺ ምርምር፣ ከስዐን ጸቕጥን ንምፍዋስ ጥራይ ዘይኮነ ሳይነሳዊ ቃልሲ ‘ውን ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ፕሮፈሰር ኣልረጃ ብተወሳኺ ትገልጽ።

Write a comment

Comments: 0