Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ናይ ገጽ መግለጺ ስምዒት (facial expression) ኣብ ገጽ ዝርከቡ ጭዋዳታት ዝፈጥርዎ መግለጺ ውሽጣዊ ስምዒት እዩ። እዚ ናይ ገጽ መግለጺ ወዲ ሰብ ብኣፉዊ ቛንቋ ክረዳዳእ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ከም መግለጺ ስምዒታት ይጥቀም ነይሩ። ናይ ገጽ መግለጺ ግን ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይኾኑ እንስሳታትወን ይጥቀምሉ እዮም። ደቂ ሰባት ንናይ ገጽ መግለጺ ወይ ምልክት ብወለንታኦም ክፈጥርዎ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕታኡ ግዜ ግን እዚ ዓይነት መግለጺ ኣብ ውሽጢ ብዝብገስ ስምዒታት ስለዝፍጠር ብዘይ ድሌት ዝንጸባረቕ። ንሓንሳእወን ገለ ገለ ናይ ገጽ መግለጺታት ክትዓግቶም እናደለኻወን ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ ይንጸባረቑ እዮም።

ሓደ ሰብ ብውሽጡ ሓሪቑ እንከሎ ውሽጣዊ ስምዒቱ ሓቢኡ ክስሕቕ ይፍትን እዩ። እንተኾነ ዋላ ውሽጣዊ ስምዒት ሓቢእካ ካልእ ስምዒት ናይ ምንጽብራቕ ክእልተ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ እንተኾነ፣ ኣብ ገጽ ናይ ሓደ ሰብ ክልተ ዓይነት መግለጺ ኣብ ሓደ እዋን ክንጸባረቕ ከቢድ ስለዝኾነ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ናይ ብሓቂ ውሽጣዊ ስምዒት እዩ ዝንጸባረቕ።

ገለ ናይ ገጽ መግለጺታት ብቐሊሉ ክንበብ ይኽእል እዩ። ደቂ ሰብ ናይ እንስሳታት ወይ ወን እንስሳታት ናይ ደቂ ሰብ ገጽታዊ መግለጺ ኣብ ምርዳእ ግን ይሽገሩ እዮም። ገለ ናይ ገጽ መግለጺታት ከኣ ዋላወን ኣብ ደቂ ሰባት ርዱኣት ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ፍርሒን ጽልኣትን መግለጺታት ምፍላዮም ኣሸጋሪ እዩ። ናይ ገጽ መግለጺ ኣብ ናይ ገጽ ጭዋዳታት ስለዝፍጠር፣ ኣብዞም ጭዋዳታት ገለ ምምዝባል ምስ ዘጋጥም ብእኡ መንጽር እቲ ናይ ገጽ መግለጺ (ምልክት) ወን ክመዛብል ይኽእል እዮ። እዚ ደጋዊ ጠንቂናይ ጭዋዳታት ምጭምዳድ ኣብ ዘጋጥም ሰባት ርኡይ ጸገም እዩ። ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘለዎ ሰብ ሕጉስ ከሎወን ዝበኪ ዘሎ እዩ ዝመስል። ብዘይካ ናይ ገለ ሰባት ኣቃውማ ጭዋዳታት ፍሉይ ጸገም ክህሉዎ ስለዝኽእል ብዘይካ ንዝተወሰነ ስምዒታት ካልእ ከንጸባርቁ ዘይኽእሉ ኣለዉ። ወይወን ኣብ ኣይ ሰሓቕ ህሞት ከለው ንሕርቃን ዝመሳሰል ናይ ገጽ መግለጺ የንጸባርቑ።

እዚ ይኹንምበር ገለ ገለ ናይ ገጽ መግለጺ ኣብ ኩሎም ደቂ ሰባት ወይ እንስሳታት ብዘየጋጊ መገዲ ይንጸባረቕ እዩ። ከም ኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ዝሓርቀሉ ግዜ እቲ ኣብ ገጹ ዝንጸባረቕ ስእሊ ሓሪቑ ከም ዘሎ ብንጹር እዩ ዝርአ። ብተመሳሳሊ ሓጎስ ዝፍጠር ናይ ገጽ መግለጺ ወን ፍጹም ዘጋጊ ኣይኮነን።


Write a comment

Comments: 0