Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ሽንቶ ጥንታዊ ሃይማኖት ጃፓናውያንዩ። እቲ ሃይማኖት ካብ ቅድመ ታሪኽ ኣትሒዙ ኣብቲ ቦታ ኣምላኽ ምንባሩ ይንገር። ሽንቶ መንገዲ ጣኦት ማለትዩ። ኣመንቲ ሽንቶ ኣብ ሓያሎ ጣኦታትዮም ዝኣምኑ። ኣብ ሩባ ኣብ ገረብ ኣብ ከውሒ ኣብ ጎቦ ወዘተ።

ጃፓናውያን ንሽንቶ ከም ኣገልጋሊ መንግስቶም፣ መደልደሊ ሓድነት ሃገሮም ገይሮም ይቖጽርዎ። ኣብ 1868 . መንግስቲ ጃፓን ስቶት ሽንቶ ዝተባህለ ሃገራዊ ሃይማኖት መስረተ። ስቶት ሽንቶ ንንጉስ ከም መለኮታዊ ሓይሊ ዝርኢ ሃይማኖትዩ።

ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ስቶት ሽንቶ ብወግዒ ብመንግስቲ ተአጊዱ ንጉስ መለኮታዊ ሓይሊ ከም ዘይኮነ ድማ ኣነጸረ

ልዕሊ 90% ጃፓናውያን ሽንቶ ዝብሃል መንግስታዊ ሃይማኖት ይስዕቡ። ናይ ቡድሃ ኣመንቲ 75% ናይቲ ህዝቢ ክኾኑ እንከለው ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም ንሃይማኖት ሽንቶ ዝስዕቡዮም። ኣብታ ሃገር ኮንፊሾስ ናይ ዝተባህለ እምነት ሰዓብቲወን ብብዝሒ ይርከቡዮም።

እምነት ቡድሃ ኣብ 552 .. ካብ ቻይናን ኮርያን ናብ ጃፓን ተኣታትዩ ብሓፈሻኡ ቡድሃ:

ሓደ ሰብ ሰላምን ሓጎስን ዝረክብ፣ ንጹህ ልቦና ዝዓብለሎ ህይወት ምስ ዝመርሕ

ኢሉ ይኣምን።

እቲ ኣብ ራብዓይ /ዘመን ካብ ቻይና ዝተኣታተወ ናይ ኮንፊሾስ እምነት ንምምሕዳራዊ ህይወቶም ጸልይዎ ክርስትና ዝስዕቡ ጃፓናውያን ኣስታት 1% ጥራይዮም።

ምንጪ ኢንሳክሎፔድያ

Write a comment

Comments: 1
  • #1

    melace (Sunday, 14 April 2013 15:52)

    መሃሪ ኣዘናጋዒ ዝኾነ ጽሑፍ