ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ‘መንነቱ ባህሉ’ዩ፣ ክንዲ ዝኾነ’ ሓደ ካብቲ ሓደ ክንፈል’ዩ ባህሉ ከነጽንዕ ይግባእ። ኣብ ማሕብረሰብ ትግርኛ ሓደ ሰብ ምስ ዝቕተል እቲ ቅትለት መታን ናብ ሕነ ምፍዳይ ከይምዕብል ካብ ወገን ቀታሊ ጓል ንወገን ተቐታሊ ተዋሂቡ ደማዊ ምትእስሳር ይፍጠር። ብጓልን ጋርን ወይ ድማ ደመ ሕየት (ጠረቕ) ተዋሂቡ ይደቓቐስ። ኣብ መዓልቲ መርዓ ምናልባት ኣዴታት ነቲ ካብ ኣባል’ታ ስድራቤት ዝተቐትለ’ዶ ጓልና ንህቦ ብማለት ገለ ሓደጋ ከየውርዳ ተባሂሉ፣ ኣብ መዓልቲ መርዓ ብዋዕታ ዞማ፣ ኣጎስማ (ሓው ንመርዓትን ወዲ ሓውቱ ነቲ መርዓዊ ካብ ወገን እታ መርዓት) ተጸዊዖም ምስ መርዓዊ ከም ዝቕረቡ ይግበር። ከምኡ ክግብረሉ ዘድለየ ምኽንያት ከኣ እተን መግቢ ዘዳልዋ ኣሕዋተን ምስ መርዓዊ ስለ ዝቕረቡ ዘለው፣ ነሓተን ከይልክማ ክብላ ጥዑይ መግቢ ንኸዳልዋ ስለ ዝግደዳ’ እዩ። እንድሕር ብገንዘብ ክዳቐስ ተወሲኑ ከኣ በቶም መኻፍልቲ ጋር ተባሂሎም ዝፍለጡ (በብዓዱን ወረዳታቱን ወይ ‘ወን ዓሌትን) ተኣኻኺቡ ብሓደ ጋር ይኽፈል።
ኣቤት ጭውነት!
ኣብ እዋን መውስቦ እንዳ ወዲ ነታ ንወዶም ከምጽእሉ ዝደለዩ መበቆላ ዓደ በቦኣን በዲኣን ኣጻርዮም ምስ ፈለጡ ንእንዳ ጓል ይሓቱ። እንዳ ጓል ብወገንም ኣብ ዝሕተትሉ ክንዝቲ መዓልቲ ሃቡና ኢሎም ብተመሳሳሊ ዓዲ ንእንዳ ወዲ በቦን በደን ኣጻርዮም ምስ ፈለጡ ርኸቡ ኣይትስኣኑ ይብልዎም።
እምበር ሃንድፍ ኢልካ ዝግበር መውስቦ ኣይነበረን።...[......]
ኣቤት'ወ ቀደም ዘመን ከምዚ ሎሚ 'ስርዓት ከይተሳዕረ፣ ኩሉ ብባህልን ወግዕን ተቀይዱ 'ዩ ዝኸይድ ዝነበረ። ካብዚ ባህልና ስርዓት ፈልከት ዝበለ ድማ፣ በቲ ዝወርዶ ዝነበረ (ዒደረ) ዓዱ ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ይብል ነበረ። እዚ ድማ፣ እቲ ባህሊ ይሕመቕ ይጸብቕ' ኣተግበርቱ ግና፣ በቲ ስርዓት'ዮም ዝቕየዱ ዝነበሩ። ከምዚ ክብሃል ከሎ ግና፣ ብፍቕሪ ዝተሳዕሩ' ባህላዊ ጸቕጢ ከይዓጀቦም' ጉጅም ዝብሉ ኣይነበሩ ማለት ኣይኮነን።
ሓደ እዋን'ዩ ኣብ ሩባ ዓዲ ዝተቓጸሩ ፍቑራት፣ ጓልያት ብመስረት ቆጸራኦም ኣብ ጥቓኡ ምስ ቀረበት፣ ኣማዕድያ ማይ ዝወርዳ ኣዋልድ ረኣየት፣ ክትመጾ ከም ዘይትኽእል ንምግላጽ ድማ፣
"ኣብ ሩባ ሽተነ ዘሎኻ ተመነ
ሎምስ ኣይጠዓመን ኣዋልድ ወሪደነ"
በለቶ።
ነቲ ዜማ ዝሰምዐ ኣፍቓሪ ክትመጽእ ከም ዘይትኽእል ተረድኦ። ካብቲ ተሓቢእሉ ዝነበረ ቦታ ወጺኡ ክኸይድ እንከሎ፣ እተን ማይ ክወርዳ ዝወረዳ ኣዋልድ ርኣየኦ። ሓንቲ ካብ ኣተን ድማ፣ ኣጋውሉ ተዓዚባ፣
"እዞም ክልተ ሸዊት
ኣብ ሩባ ሽተነ ዝውዕሉ ትጽውት"
በለቶም።
ወያ ኣፍቓሪት ድማ፣ ዝተጎጠየቶ ከተሕዊ
"ብሰማይ ሓዊ
ብምድሪ ሓዊ
ሰብ'ዶ ከይረኣየ ይጸዊ"
ኢላ ኣዝየመት።
ኣብቲ ሕሱም እዋን እዋን ጥምየት ኣዲኡ ዝሞተኦ ወዲ በጃኽን ጎበዝ። ዘመን ተቐይሩ እኹል ትሩፍ እኽሊ ምስ ኣፍረየ። እተን ኣብ ሕማቕ እዋን ብጥምየት ዝሞታ ኣዲኡ ቅጅል በላኦ'ሞ እንጌራ ኣብ ኢዱ ብምሓዝ ከኣ እናስቆርቆረ ..
"ሓመር ፈረስ ናይ ባውይ ደንገዘ
ጮማ ስጋ መብልዒኡ ኣዋዘ
እኖይ ንዕነ ቀታሊኽን ሒዘ"
በለ ይብሃል።
ዓሱር መርዓ፣ ወግዒ መርዓ ድሕሪ ምክያዱ፣ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልታት ሕጽኖት (ዓሱር መርዓ ዝብሃል ወግዒ ኣሎ) እዚ ወግዒ’ዚ ምናልባሽ መበገሲኡ ከመይ ሙዃኑን’ ኣበይ ከም ዝጀመረን ‘ዝበጻሕክዎ ‘ኳ እንተዘይብለይ፣ እቲ ወግዒ ግና ከምዚ ይመስል። ድሕሪ ወግዒ መርዓ ፣ መርዓዊ መርዓቱ ሒዙ፣ ኣብ እንዳ ዓለብኡ ምስ ኣተው፣ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ (ዓሱር መርዓ) ይግበር። እዚ ዓሱር፣ ዓዲ ተኣኪቦም (ሓውቦታቱ………ወዘተ……..) ሙዃኑ’ዩ፣ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ቅርዓት ዓዲ ተኣኪቦም፣ ኣብ ሓደ ብርኽ ዝበለ (ጥርሙዝ) ይሰቕሉ’ሞ፣ ንመርዓዊ ሰለሰተ እምኒ ይህብዎ። መርዓዊ ድማ’ እተን እምኒ ሓደ ድሕሪ ሓደ ይድርብየን ክሳብ እታ ጥርሙዝ እትስበር። እታ ጥርሙዝ እንተሰይርዋ’ ድማ፣ ከም ዓቢ ህያብ ተሓሲቡ’ ወዲ ክቡኮር ሙዃኑ’ ይእመነሉ። ኣብዚ (ጸወታ) ቃርሳ’ዮም ዝብልዎ። ካብተን ዝተዋህበኦ ኣእማን ኣብ ዕላማአን እንተዘይ ወቒዑ ግና፣ (ቤተሰቡ’ ዓዲ በበዘለውዎ’ ነታ ጥርሙዝ ንምስባር ኣእማን ይድርብዩ።
ኣካ ‘ዚ ባህሊ ጥዑም።
ኣብዚ ወግዒ’ዚ ከበሮ ከምቲ ንቡር ብ ኢድካ ኣይውቓዕን’ ብዕንጸይቲ እዮም ዝወቕዕዎ (ኣወቓቕዓ ድማ’ ስጡም ናብ ጓይላ ዝእንፍት ዘይኾነ’ ሓደ ክልተ እናበሉ ‘ ዲም ዲም ዲም የብልዎ። ካልእ ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ፣ ኣብዚ ወግዒ ‘ፍሉጣት መራሕቲ’ ወግዒ ዓሱር (ኣንበሳ ወደንበሳ እናበሉ) ንመርዓውን ‘ንቤተሰብ መርዓውን ዝውድስ’ ዜማ (ግጥሚ) እናገበሩ’ ነቲ ወግዒ የድምቕዎ።
መመላእታ ወይ ወን መኣረምታ እንተሊኩም ጽሓፉልና
|
|
ጥንታውያን ኣስማት ኣስመራ |
ሩባ መስሓል: |
|
ገዛ ታኒኻ |
ሩባ ኣጉሳዕና: |
ብሎኾ ምጽዋዕ ኣስመራ ሓሊፍካ ዘሎ ስንጭሮ |
|
`መርዓቶ: |
ብሎኮ ምጽዋዕ ኣጂፕ ሒዝዎ ዘሎ ቦታ |
|
ግርሁ ኣግማል: |
ኣርባዕተ ኣስመራ ተሃኒጽሉ ዘሎ ጎላጉል ብምልኡ |
|
ማይ ሽግያት: |
መደበርን ከባቢኡን |
|
ኣጋ ሕገር: |
ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ነበር፣ ናይ ሕጂ ቤት ትምህርቲ ኣዱሊስ ..ክሳብ ፋብሪካ ጸባ |
|
ቤተ ኣንበሳ: |
ናይ ሎሚ ብስም ማይ ኣንበሳ ዝጽዋዕ ዘሎ ሰሜናዊ ክፋል ኣኽርያ |
|
ምሕራድ ጉሒላ: |
ኣብ ገዛ ኣጣል ዘሎ ንእሽቶ ኩርባ ትሕቲ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል |
ባህላዊ ምግብታት
ጥሕሎ
ጥሕሎ ኣብ ዞባ ደቡብ ብፍላይ ድማ ከባቢ ደቡባዊ ምብራቕ ዝውቱር መግቡ እዩ ፣ ጥሕሎ ከም ኣብ ማእከል ዝርከባ ዓድታት ንጋሻ ወይ’ውን ኣብ ኣገዳሲ በዓላት ከም መርዓ ካልእን ልክዕ ከም ጸብሒ ደርሆ ብኽብሪ ተጠሚቱ ይቅረበልካ። ካብ ቀደም ዝጸንሐ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ ስለዘለዎ፣ ኣብዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ከባቢ ድማ ከም ኣብ ማእከል ጥሕሎ ብኽብሪ ንጋሻ ኣብ መርዓ ዝቐርብ ናይ ክብሪ መግቢ እዩ። እዚ ማለት ግን ካልእ ግዜ’ውን ኣይብላዕን ማለት ኣይኮነን። ጥሕሎ ካብ ተኽሊ ስገም‘ዩ ዝስራሕ፣ ልከዕ ከም ጥሕኒ ተጣሒኑ ምስ ተዳለወ፣ ብልቡጥ ማይ ጨውን ዘይትን ወይ ጠስሚ ብዘለዎ ማይ ምስ ተዳወሰ ኣመና ከይለምለመ ልክዕ ከም ኣበላልዓ ቦሶ ዝጭበጥ ምስ ኮነ ትገድፎ፣ ሻቡ እንተሎካ ኣብ ጻሕሊ ጦቕ ዝበለ ቋንጣ ስጋ እንተዘይብልካ ድማ ብጸብሒ ስልሲ ጌርካ እናጠማዕካ ይብላዕ። ንኩነታት ኣበላልዓ ጥሕሎ ብዝምልከት ድማ ኣብ ማእከል ቅርጫት(ዓቢ ሰፍኢ መሰል መቀረቢ መኣዲ) እታ ጻሕሊ ጸብሒ ቋንጣ ድያ ወይ ስልሲ ኣብ ማእከል እቲ ቅርጫት ኮፍ ምስ ኣበልካያ ብዙርያ ከም ናይ መኣዲ ኣገባብ ከቢብካ ካብቲ
ልክዕ ከም ቦሶ ዝኾነ ጥሕኒ እና ኣክበብካ ትበልዕ (ኣብ ከም መርዓ ካልእ ኣገዳሲ በዓላት ምስ ዝኸውን ግን፣ ብመደብ እና ኣኽበባ ኣብቲ ቅርጫት ዘቐብላኻ ኣዋልድ ኣለዋ። ንስካ እና ጠማዕካ ምብላዕ ጥራይ ይኸዉን ስራሕካ። ጥሕሎ ኣዝዩ ተፈታዊን ክቡርን መግቢ ሃገርና እዩ ብፍላይ ድማ ኣብ ብሄረ ትግርኛ ኣብ ዞባ ደቡብ እዩ፣ እዚ መግቢ ኣብዚ ግዜ‘ዚ ዳርጋ እና ጠፈኣ ይመጽ ኣሎ።
ጉዶ ጉዶ መግቢ “ቐቢላ ሃውሳ”
ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ዚርከቡ ተወለድቲ ቐቢላ “ሃውሳ” (ተዃሪር) ዝፈትዉኻ ጋሽኦም እንተደኣ ኮይንካ፣ “ልሕሉሕን ባምያን (ጉዶ ጉዶ) ክቕርቡልካ ዕግብት ይፈጥረሎም። ኣብ ካልእ ከባቢ ዝነበሩ፣ ተወለድቲ’ዚ ቀቢላ’ወን እዚ ልምዲ ልሙድ እዩ። “ጉዶ ጉዶ” ካብ ዘርኢ ብልቱግ ዝተሰርሐ፣ ቢሑቕ ኮይኑ፣ ልክዕ ከም ብርኹታ፣ ብክቢ ዝዳሎ መግቢ እዩ፣ እዚ ዓይነት መግቢ፣ ብሽኮርን ማይን ገርካ በጽቢጽካ ልክዕ ከም ፈሳሲ እዩ ዝስተ፣ ንሕቖ ድማ መድሃኒት እዩ። ክዳሎ ከሎ፣ መጀመርታ ብልቱግ ይጥጠቕ፣ ካብኡ፣ ክሳብ ቢሑቕ ዝኸውን ይልንቐጥ፣ ኣክቢብካ ድማ ይዳሎ”።
ፍትሕን ኣመጻጽእኡን ብባህልና
ኣብ ዓዲ እገለ፣ ሓደ ንቑሕ ቛንቛ እንስሳታት ዝሰምዑ ሰብኣይ ነበሩ ይብሃል። እዞም ሰብኣይ፣ ብበዓልቲ እንደኦም ወርትግ ይጠርጥወን ነበሩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ፣ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፣ “ ብህይወት እንከለኹ፣ ተዝካረይ ክበልዕ ስለዝደለኹ ኣተዝክሪ” በልወን። ብዓልቲ እንደኦም፣ ዘረባኦም፣ ጉጥያ ስለ ዝነበረ፣ ኣይተበረሀንን። ግዳ ፍቓዶም ኪመልኣ ከምታ ፍታዎም ደኣ ክገብራ ተሰናደኣ።
ድግስ ተኻየደ።
ዓጽመ ስግኦም ድሕሪ ምፍናው፣ ኣብቲ ገበላ ኮፍ ኢሎም። ንጎፋር ከልብም ካብቲ ክጉሓፍ ዝተዳለወ ኣዕጽምቲ ሃብዎ። ሽታ ስጋ ዝመዶም ኣኽላብ ድማ ኣሰር ከልቦም፣ ኣብ ደንቤኦምመልኡ፣ ከልቦም ነቲ ዝተመጠወሉ ስጋ ብዘይ ተቓጻጺ ክበልዕ፣ “ሎሚ ተዝካር ናይ ጎይታይ’ዩ” በሎም ነቶም ኣሕዋቱ ናይ ዓዲ ኣኽላባት ። ሓደ ካብቶም ኣኽላባት ዓዲ፣ “ጎይታኻ፣ ደኣ እንታይ ኮይኖም ብህይወት ከለዉ ዝትዝከሩ” ክብል ጠየቆ። “ ንብዓልቲ እደኦም ስለዘአምንወን” በሎ ዋና ። እቲ ናይ ዓዲ ድማ፣” ንሕና’ኳ ዘለናዮ፣ ካብ ናብ ንሳገር፣ ነዛ መንብሮና’ዶ ኣቅሊበምላ ይፈልጡ። ደሓር ድማ፣ ፍትሕ’ኮ ፍታሕ’ዩ “ በሎ። ሻቡ፣ እቶም ንቑሕ ቛንቛ እንስሳ ዘስተውዕሉ፣ ሰብኣይ ኩሉ እቶም ኣኽላባት ክብልዎ ዝጸንሑ ድሕሪ ምስትውዓል። ብርግጽ፣ ፍትሕ ፍታሕ ቢሎም ። ገዛእ ርእሶም ካብ ማሕነቂ ኣድሓንዋ ይብሃል። ካብቲ ግዜ’ቲ ንደሓር ድማ፣ ፍትሕ ከም ፍታሕ ኣብ ባህሊ ሰረጸ ይብሃል።
Write a comment