Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ቤት ሔማ

Tuesday 07, August 2012, by Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኣብ ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ወዮ፣ ርጉእ ልቢ ኣይተረኽበን ምበር ኣጥሊሉ ዝጸዊ ሃብታም ባህላዊ ብዙሕነት ከምዘሎ ካብ ማንም ዝተሰውረ ኣይኮነን። ሰባት ነቲ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዝነበሩ ኣነባብራ ባህሊን፣ ልምዲ ኣብ ምምዕዳው ይርከቡ። እቲ ኣቦታቶም ዝገብርዎ ዝነበሩ፣ ብመንጽር ግዜ ዓቒኖም ድማ፣ ኣቤት ጭውነት ይብሉ። እዚ ጥራይ ግና ኣኻሊ ኣይኮነን። ንምንባሩን ምስዓቡን ግዲ ይኾነና። ነቶም ኣብ ገጠራት ዝዓበኹም ሓዲስ ከምዘይኾነ እኣምን፣ ነቶም ውልዶ መንእሰያት ደቕናን፣ ነቶም ብጽልዋ ከተማዊ ኣተዓባብያ ዝተማእዘኑ ድማ፣ ምህሮ ብምዃኑ ክጽሕፎ ደፊረ ኣለኹ። ኣብ ሕብረተሰብ ትግርኛ፣ ኣብ ግዜ መርዓ፣ ካብ መጀመርታ ካብታ ዓይንኻ ዘውደቕካላ መናብርቲ ንእትኾነካ ክሳብ መርዓን ኪንኡን ዝኸይድ፣ ርእሱ ዝከኣለ ውግዕታት ኣሎ። ሰፊሕ ምስ ሙዃኑ ሕጂ ኣብዚ ብጥቕሉል ጥዕም ጥዕም ከነብሎ ግርም ኣይኮነንሞ፣ ንሓደ ክፋሉ ንመልከት።

ቤት ሔማ

ኣብ ዕለተ መርዓ፣ ወራዶ መርዓ መጺኦም፣ መርዓቶም ሒዞም ንዓዶም ኪኸዱ፣ መርዓት ካብቲ ዝዓበየትሉ ከባቢ፣ ተሰናቢታ፣ ናብቲ ሓድሽ ጎጆኣ፣ እናሓሙኣ ምስ ከደት። ብውግዕን ልምድን፣ ብሄረ ትግርኛ፣ ትኽ ኢላ ኣብ ቤት እንዳ ሓሙኣ ኣይትኣቱን እያ።

ኣበይ ደኣ ትብሉ ኣለኹ።

ንሳልስቲ፣ ኣብቲ ዓዲ ናብ ዝርከቡ፣ ሔማ (ዘየተፋትሑ) ጎረቤት እያ ትኣቱ። ኣብዚ መርዓት እት ኣትዎ፣ መጀመርታ ብየማን፣ ወሰን ኢላ፣ ኣብ ዘይተፋትሑ (ሔማ) ትኣቱ። ኣብዚ ኣብቲ ብየማን ጸጋም ተር ዝበለ ጎሮባብቲ፣ (ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም) ሔማ ዘይተፋትሑ ምስ ዝሰኣኑ፣ ድማ ናብ ርሑቕ ጎረቤት ክትከይድ ትክእል። ዝኾነ ኾይኑ፣ እቲ ቀንዲ ኣብ ቤት ሔማ እትኣትወሉ ምኽንያት፣ ሓደ ቀደም ዘመን፣ ከምዚ ሎሚ መርዓትን መርዓውን ዕሰለ ኣይብሉን እዮም ዝነበሩ። ኣብታ ዘኣተውላ ቤት መርዓትን መርዓውን ዓርኪ ርእስን ይተርፉ ዝተረፉ ኣዕሩክ ድማ ጋይላ ሂር ይብሉ። ኣብ ከምዚ ዘኣመሰለ፣ ኩነት ክብረ ንጽንህነኣ’ (ድንግልናኣ) ሽዑ ይረኽባሞ፣ እተደኣ ዕዉት ኾይኑ፣ ምስ ንጽህንኣ እንተደኣ ጸኒሓ ኣዕሩኽ ኣብ ደም ዝጠልቐየት ጨርቒ ኣብ በትሮም ኣንጠልጢሎም ተኣማኒት………….. “እናበሉ፣ ነቲ ብሃንቀውታ ክጽበ ዝጸንሐ ሓፋሽ የበስሩ።

እዚ ድማ ኣብ ጎረቤት እት ኣትወሉ (ቤት ሔማ) እቶም ስድራቤት መርዓዊ( እንዳ ሓሙኣ) እምንትን ዘይእምንትን ከየረጋገጹ ኣብ ቤቶም ክእትዉ (ባህልን ወግዕን) ስለዘይፈቕድ በቲ ሓደ ድማ፣ መርዓውን መርዓትን (ኣብ ቤት ሔማ) ዘይተፋትሑ ዘኣትውሉ ከምቶም ዘይተፋትሑ ጽኑዓት ሰብ ኪዳን ንኪኾኑ ብዝብል ጽኑዕ እምነት እዩ። ከም ሳልሳይ ድማ ኣብ ገጠራት ህድሞን መረባዕን እዩ መንበሪ (ኣብዚ ህሞት ናይ መርዓ ግዜ ኩሉ ህድሞኡ መረባዑ ብናይ ውራይ ጋዕ ገልጠም ጋሕመጥመጥ ስለዝብል ንክጸፈሎም ተባሂሉ እዩ።

ሳልስቲ ድማ ይጸንሑ።

እዚ ባህሊ ኣብ ዝበዝሐ ገጠራት ኤርትራ (ብሄረ ትግርኛ) ዝውቱር ወግዒ ነይሩ። ሕጂ ኣብ ሓደ ሓደ ሳሕቲ እንተዘይኾይኑ ኣሎ ኢልኻ (ኣፍካ መሊእካ ክትጽዊ) ዝከኣል ኣይኮነን።

ንዝያዳ መብርሂ ድማ፣ ግዱሳት ዘለኹም ተወከፉ


Write a comment

Comments: 0

Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ምዝራፍ መርዓት

Monday 06, August 2012, by Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ምዝራፍ መርዓት ሓደ ወዲ ነታ ክምርዓዋ ዝደለየ ጓል (ጎርዞ) ካብ ገዝኣ ወይ ወን ኣብ ግዳም ተኸታቲሉ ጨውዩ ክወስዳ እንከሎ (ምዝራፍ) ይብሃል። እዚ ፍጻሜ ካብ ታሪኽ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝውቱር እዩ። ሎሚወን እንተኾነ ኣብ ሃገራት ማእከልይ ኤስያ ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃ፣ ድቡባዊ ምብራቕ ኤስያ (ህሞንግ) ሜክሲኮን፣ ኣብ ኣውሮጳ ድማ ኣብ ሮማንያ ግሊሑ ዝር ፍጻመ እዩ።

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ምዝራፍ መርዓት ኣብ ክንዲ ቅቡል መርዓ ከም ጾታዊ (sex crime) እኳዝርአ እንተኾነ፣ እተን ዘዘትረኦ ሃገራት ግን ንምውጋዱ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዳ ኣይረኣያን። ኣብ ውሑዳት ኣብነታትወን ኣብ መንጎ ግዱድ መርዓን ሕጋዊ መርዓን ዘሎ ፍልልይ ብዘይ ምስትውዓል ብክልቲኡ መልክዕ ዝጥምትዎ ኣይተሳእኑን። ምዝራፍ ሓደ ሓደ ግዜ ብዘይካ ምጭዋይ፣ (ምጽላቕወን) የስምዕዩ። ምጽላቕ ማለት ክልቲኦም መጻምድቲ ካብ ከባቢኦም ኮብሊሎም ይጸንሑ ናይ ወለዶም ስምምዕ ወይ ፍቓድ ምስ ረኸቡ ናብ ገዝኦም ይምለሱ። ስለዚ ምዝራፍ መርዓት ብምጭዋይ ክፍጸም ከሎ ዘይቕቡል (nonconsensual) ብጽልቛ (elopement) ክፍጸም እንከሎ ድማ ቅቡል (consensual) ኢሎም ኣብ ክልተ ዝምድብዎ ኣለዉ። በዚ ኮነ በቲ፣ ምዝራፍ መርዓት ዘይሕጋዊ ተግባር እንተኾነ፣ ፍርዳዊ ትካላት ግን ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ዝዘንግዓ (ሸለል ዝበላ) እየንዝመስላ። ብፍላይ ኣብ ኪርጂስታን ቸችንያን ጆርጅያን።

ምዝራፍ መርዓት (bride kidnapping) ንምዕጋት ወይ ምምራኽ (rapton) ዝተፈላለየ ተግባራት እዮም። ኣብ ግዜ ምዝራፍ፣ ብሓደ ሰብኣይ (ምስ ኣዕሩኽ ኾይኑ) ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጎርዞ ዝፍጸም ምጭዋይ ክኸውን እንከሎ ምዕጋት ግን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣንስቲ (ጎራዙ) ብጉጅለታት ሰብኡት ዝፍጸም ጭውያ እዩ። እዚ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ኩናት ዝፍጸም እዩ።

ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን፣ ኣብ ገለ ውሑዳት ልምድታት ሕብረተሰብ ኣብ ቅንያት መርዓ (ጥሪ) ምዝራፍ መርዓት ብመርዓዊ ከም ምዕቃብ ሓደ ዘሐብን ወግዕን ባህልን ናይቲ ሕብረተሰብ ገይሮም ዝወስድዎ ኣለዉ። ሓደ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብርዎ፣ ሕጽኖት ንባዕሉ ሓደ ቅርሲ (relice) ናይ ግዱድ መርዓ ከም ዝኾነ እዮም ዝገልጹ። ምኽንያቱ፣ ኣብ ግዜ ሕጽኖት፣ መርዓዊ ምስ መርዓቱ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሎም (ተሓቢኦም) ዘሕልፍዎ፣ ካብ ሕብረተሰብ መርዓት ክመጽእ ንዝኽእል ሕነ (reptisal) ንምውጋድተባሂሉ እዩ። እዚ ከኣ መርዓት ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ እንተኾይና፣ ስድራኣ ኣብ ግዜ ሕጽኖት ጥንሲ ከይትሕዝ ብምስጋእ ክከላከሉ ዝፈጥርዎ ጸቕጢ ማለት እዩ።

ዋላ እቶም ንምዝራፍ መርዓት ዝድርኹ ነገራት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተፈላለዩ እንተኾኑ፣ ኣብቶም ብምዝራፍ መርዓ ናይ ምፍጻም ልምዲ (ባህሊ) ዘለዎም ሕብረተሰባት፣ ብሓፈሻ ብሽምግልና ዝፍጸሙ እዮም። ከም ውጺኢቱ ድማ፣ ዓቢ ማሕብራዊ ኢንታ ኣብ ልዕሊ ካብ መርዓ ወጻኢ ዘጋጥሙ ጥንስን ወሊድን ክንጸባረቕ ይርአ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ውሑዳት ኣብነታት ክልቲኦም መጻምድቲ ብጉልባብ ምዝራፍ መርዓት ተታሒዞም ብምኹብላል ንወለዶም ዓቢ ጸገም ገዲፎምሎም ይከዱ።

ኣብ ዝበዝሕ ኣጋጣሚታት ግን እቶም ብምዝራፍ ክምርዓዉ ዝደልዩ ደቒ ተባዕትዮ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ትሑት ደረጃ መነባብሮ (lower social status) ዘለዎም እዮም። ምእንቲ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ስድራ መሮኣት ገንዘብ ኣብ ዝሕተትሉ ሕብረተሰብ ዝርከቡ ድኻታት ደቒ ተባዕትዮ፣ ዋጋ መርዓት ንምኽፋል ስለዝስእኑ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ንዐኦም እትኸውን መጻምድቲ ካብ ምሕታት ይዕንቀጹ ኣብ ምዝራፍ (abduction) ይኣትዉ።

ኣብቶም ብርእሰ ቀቢላን ሕርሻዊ ንጥፈታት ዝመሓደሩ ሕብረተሰብ (ምዝራፍ መርዓት) ዝዝውተረሎም ቆልዑ ኩሎም ዘይተመርዓዉ ንስድራኦም እዮም ዝሰርሑ። ስለዚ ከኣ ሓንቲ ጓል ምስ እትምርዖ፣ ስድራኣ ሓዲጋ ኣባል ስድራቤት እንዳ ሓሙኣ ትኸውን። በዚ ምኽንያት እንዳ ጓል ሓንቲ ጓሎም ብጉበት (ስራሕ) ይከስርዋ ስለዘለዉ፣ ጓሎም ብንእሽተኣ ከመርዕውዋ ኣይመርጹን ወይወን ቁጠባዊ ካሕሳ ይሓቱ።

እንድሕር ክትምርዖ ኾይና እዚ ድማ ምስቲ ብንእሽቶኻ ናይ ምምርዓው ድሌት ደቂ ተባዕትዮ (ወይ ድማ እንዳ ወዲ) ኣይሰማማዕንዩ።ምኽንያቱ መንእሰያት ኣወዳት እንድሕር ተመርዕዮም ማሕብራዊ ድረጃኦም ከም ዝውስኽ ስለ ዝኣምኑ ተወሳኺ ናይ ስራሕ ኣባል (ጉልበት) ይረኽቡ ስለዘለዉ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕብረተሰብ እትነብር ጓል ኣነስተይቲ በቲ ሕግን ስሮኣትን ናይቲ ሕብረተሰብ ተቀይዳ ስለትከይድ፣ ውሳነ (ፋቓድ) ናይታ ጓል ኣብ ምውሳን ተቀባልነት ናይቲ መርዓ ከም ወሳኒ ረቛሒ ከይውሰድ ይከኣል እዩ።

ብዘይካ ግዱድ መርዓ ብተወሳኪ ምዝራፍ መሮኣት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ሕብረተሰብን፣ ካልእ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምጽእ ይኻል እዩ። ንኣብነት ከይተዝረፍ ምፍራሕ፣ ሓደ ምኽንያት ንትሑት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምኻኑ ኣብተ ምዝራፍ ዝዝውተረለን ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።

መስርሕ ምዝራፍ መርዓት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ። እዚ ጽሑፍ ድማ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ሓባራዊ ባህላዊ ረቛሒታት ብምግንዛብ፣ ኣብነት ወሲዱ፣ ብፍላይ ብሃገር ደረጃ ዝርአ ፍልልያት እዩ ዝትንትን። ብናይ ኣፍሪቓ ኣብነት እምበኣር ክንጅምር።

ኣፍሪቃ

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ስለስተ ሃገራት ምዝራፍ መሮኣ ብሓፈሻ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ይፍጸም። ኣብ ሰለስቲ አን ሃገራት ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ ድሕሪ ምጭዋይ መርዓት ጾታዊ ዓመጽ (rape) ይፍጸም። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝርዝር ተመክሮ ይስዕብ።

ሩዋንዳ

ኣብ ሩዋንዳ ምዝራፍ መሮኣት ኣብ መብዛሕት ከባቢታት እታ ሃገር ልምዲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዘራፊ፣ ነታ ጓል ካብ ገዝኣ እዩ ዝጨውያ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንግዳም ክትወጽእ እንከላ ተኸታቲሉ ይጨውያ።

ንሱን ኣዕሩኽቱን ኮይኖም ድማ ይዕምጽዋ ክሳብ ንመርዓ ፍቓደኛ ትኸውን፣ ስድራ ናይታ ጓል መሮኣ ንክግበር ምስምምዖም ይገልጹ። ብሕልፊ ጓሎም ድቒ ከም ዘለዋ እንድህር ፈሊጦም ክሰማምዑ ይግደዱ። ምኽንያቱ ጥንስቲ ጓል ኣነስተይቲ ንመርዓ ብቕዕቲ ስለዘይኾነት (ብመሰረት ባህሊ ናይቲ ሕብረተሰብ) ድሕሪ ምዝራፍ ሓያለ መዓልታት ጸኒሁ ብዝግበር ጽምብል ከኣ እቲ መርዓ ወግዓውነት ይለብስ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ጽምብላት እቲ ዘራፊ (መርዓዊ) ንስድራ መርዓት ጓሎም ጨውዩ ብምውሳዱ ይቕሬታ ክሓትት ይግደድ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ መርዓዊ ንስድራ መሮኣት ላም ገንዘብ ወይወን ካልእ ንዋት ብመልክዕ ካሕሳ የወፊ።

ኣብ ርዋንዳ ብምዝራፍ (ምጭዋይ) ዝፍጸሙ መርዓታት መብዛሕትኦም ሕማቕ ውጽኢት እዮም ዘርእዩ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሕብርዎ ኣብታ ሃገር ብምጭዋይ ካብ ዝምሮኣዉ ደቂ ተባዕትዮ እቶም ሓደ ሲሶ ነተን ዝጨወይወን ደቂ ኣንስትዮ ብድሕሪኦም ክምርዓዋ ከምዘይክእላ እናፈለጡ ብዘይሓጋዚ ራሕሪሖመን ብምኻድ ኦኣቢ በደል እዮም ዝፍጽሙ። ብተወሳኺ ምስዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምጭዋይ መርዓት ገለ ገለ ደቂ ተባዕትዮ መርዕኦም ክጽምብሉ ብፍጹም ኣይደልዩን እዮም። ኣብ ክንድ ኡስ ነታ ዝዘረፍዋ ጓል ከም ሰበይቲ ወሰን (ውሽማ) ክሕዝዋ ይመርጹ፣ ኣብ ገዛ ዝፍጸም ዓመጽወን ልሙድ እንተኾነ ከም ዘይሕጋዊ ተግባር ግን ኣይቁጸርን።

ምጭውይ መርዓት ኣብ ሩዋንዳ ዳርጋ ሕጋዊ እዩ ክብሃል ዝከኣል፣ ዋላ ብጎነጽ ዝፍጸም ምዝራፍ መርዓት ብጾታዊ ዓመጽ ዘቕጽዕ እንተኾነ ክትግበሩ ግን ኣይተራእዩን። ብመሰረት ሓደ ሓበሬታ ኣባላት (ሰብ ሕጊ ሃገር) ጨወይቲ (ዘረፍቲ) ይእሰሩ ድሕሪ ነዊሕ ወይ ወን ሓጺር ግዜ ይፍትሑ ደኣምበር፣ ብግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ዝተቀጽዑ ዘጊት ከም ዘየለዉ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ

ኣብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ ሓደ ወዲ ምስ ኣዕሩኽቱ ብምትሕብባር ንሓንቲ ዝደለያ ጓል፣ ፈርስ ብምጥቓም (ነቲ ህድማ ንምስላጥ) ክጨውይዋ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ብድሕሪ እቲ ዘራፊ (ጨዋይ) ነታ መርዓቱ ክትኮኖ ዝጨወያ ጓል ክሳብ ድቒ ትሕዝ ኣብ ገዝኡ ሓቢኡ ክዕምጻ ይቕኒ። ብድሕሪኡ ኣቦ ናይቲ ዝውለድ ቆልዓ ብምኻን ነታ ዝዘረፋ ሰበይቲ ከም ሕጋዊት ሰበይቱ ይወስዳ፣ ኣስዒቡ ድማ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ተላዚቡ ካሕሳ (ዋጋ መርዓት) ብምኽፋል ንመርዕኡ ሕጋውነት ከልብሶ ይፍትን። ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ደቂ 11 ኦኣመት ኣዋልድ ከይተረፋ ንመርዓ ከም ዝዝረፋ ይፍለጥ። ዋላ ኢትዮጵያ ኣብ 2004 ምጭዋይ መሮኣት ብምኹናን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ክልኩል ምዃኑ እንተኣወጀት ካብ ሕጂ እዚ ሕጊ ከም ዘይተተግበረ እዩ ዝግለጽ።

እዛ ግዳይ ናይ ግዱድ መሮኣ ዝኾነት ትሕቲ ዕድመ ጓል ኣነስተይቲ ንብዙሕ ሳዕቤናት ዝተቓልዐት እያ። ኣብነት ኣብ ልዕሊኣ ብዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ዝስዕብ ኣካላዊ ጉድ ኣትን ትሕቲ ዕድመ ጥንስን ከም ወን ቀልጢፋ ትምህርቲ ናይ ምቁራጽን ዕጫን ሒደት ካብ ዘጋጥሙ ጸገማት እዮም። ምዝራፍ ተማሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ሕጂወን ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝውቱር እዩ። ስለዚ ተጨውየን ዝምርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሕማም መውስቦ ንክጥቕዓ ዝለዓለ ዕድል እዩ።

ኬንያ

ግዱድ መሮኣ ኣብ ኬንያ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዓቢ ጸገም እዩ። ኮይኑወን ዘሎ፣ ሓደ ኣደ ግዜ ቆልዑ ደቂ ኣንስትዮ (10 ዓመትን ልዕሊኡን) ምስ ብክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝዓብይወን ሰብ ኡት ክምርዓዋ ክትዕዘብ ዘገርም ጥራይ ዘይኾነ ዘይንቡርወን እዩ።

ኣብ ኬንያ ኣብ ቀቢላ ኪሲ ምጭዋይ መርዓት ቀደም ዝውቱር እዩ ነይሩ፣ ሕጂወን እንተኾነ ብመጠኑ ዝረኣ እዩ። ኣብ ኣገባብ ኣጨዋውያኦም እቲ ዝጨዎ ነታ ዝደለያ ጓል ብሓይሊ ዘሪፉ ይወስዳ ድቂ ክሳብ ትሕዝ ኣብ ልዕሊኣ ብሓይሊ ጾታዊ ርክብ ይፍጽም። ብድሕሪኡ እታ ጓል ድቒ ሒዛ ስለዘላ ኢንታ ተረኺብዋ እዩ ነቲ ጨዋይኣ ክትምርዖ ትግደድ (ትቕሰብ) ኣዚ ብምዝራፍ መርዓ ካብ መውዳእታ 19 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ክሳብ 1960ታት ኣዝዩ ዝውቱር ዝነበረ ኾይኑ ሕጂወን ብመጠኑ ዝፍጸም ተግባር እዩ።

ኤስያ

ኣብ ማእከላይ ኤስያ ካብ ኺጂስታን ካዛኽስታን ቱርክመስታን ካራካልፓልስታንን ኡዝበኪስታን፣ ምጭዋይ መርዓት ዝዝውተረለን ከባቢታት ኤስያ እየን። ኣብዚ ከባቢ መበቆል ነይዚ ባህሊ ኣካታዒ እንተኾነ መጠን ናይ ዘይቕቡል ምዝራፍ መርዓት ኣብ መብዛሕተአን እዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ምስ ኩነታት ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጥታት ዝኸይድ ወሰኽ (ዕብየት) የርኢከም ዘሎ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ካብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ኤስያ ንሓንቲ ከም ኣብነት እስከ ንመልከት።

ኪርጂስታን

ኣብ ብዙሓት ርሑቓት ገጠራት ኪርጂስታን (ala kachuu) መንዚዕካ ምህዳም ተባሂሉ ዝፍለጥ ምጭዋይ መርዓት ቅቡልን ልሙድን ኣገባብ መርዓ እዩ። እዚ ኣገባብ ዋላ ብሀገር ደረጃ ዘይሕጋዊ እንተኾነ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ዳርጋ ፍርቒ ኪርጃውያን ዝገብርዎ መርዓታት በዚ ኣገባብ እዮም ዝፍጽሙ። ክልተ ሲሲ ካብዚኣቶም ድማ ዘይቕቡላት (non consensual) እዮም።

ኣብ ሓደ ዓይነት ካብቶም ኣብ ኪርጂስታን ዝፈሙ ምጭዋይ መርዓት እቲ ወዲ ክምሮኦ ከም ዝደለየ ብምሕባር ወለዱ ንዕኡ እትሰማምዖ ጓል ክመርጽሉ ይውከሶም ወይ ድማ ባዕሉ ይሓቶም ንዕኡ እትበቕዕ ክሓሪ ጓል ይሓቶም።

ብድሕሪ እቲ መርዓውን ኣወዳት ኣዝማዱን ወይ ኣዕሩኽቱን ብምትሕብባር ነታ ጓል ይዝርፍዋ።

እዚ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዝተፈላለ ኣገባብ ኣዘራርፋ መርዓት ኣብ ኤርትራ ወን ዝውቱር እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ብሄረ ትግርኛ እዚ ባህሊ (ልምዲ) ዝውቱር እዩ ነይሩ፣ ብተምሳሳሊ ኣብ ካልእ ብሄራት ኤርትራ ወን፣ ልሙድ እካ እንተኾነ፣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ብሄር ናብ ብሄር ነናይ ባዕሉ ፍልልይ ኣለዎ። ከም ኣብነት፣ ኣብ ብሄረ ናራ፣ ዘሪፍካ ምምርዓው ብዙሕ ዝውቱር ኣይኮነ ግዳ ሳሕቲ የጋጥም፣ ከምዚ ዘኣመሰለ ኩነት ምስ ዘጋጥም ድማ፣ እቲ ዘራፊን እታ ዝተዘረፈት መርዓት ካብቲ ከባቢ ይርሕቑ ከም ቅቡል ስለዘይሕሰብ ቤተሰብ (ክልቲኦም) ስለዝሃድንዎም፣ ከርሕቑ ይግደዱ።


Write a comment

Comments: 1
  • #1

    ኣንባቢ (Thursday, 13 September 2012 22:23)

    ሰላም ቪቭያና ጹሁፋትኪ ደስ እዮም ዝብሉኒ። ትህዝትኦም፣ ቃላቶም፣ ኣቃራርባ ኩሉ ጹቡቕ። ማሃሪን ኣዛናጋዕን።
    ርውየት ክኣ ዕብየት ይምነየላ።