Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ዕስክርና ትሩቡሊ እምብዛ መሪርን ሕሱምን ምንባሩ ዝገልጹ ሓያሎ ደርፍታትን ግጥምታትን ኣለዉ። ኣውራ ኣወራ ድማ ኣብ ባሕሪ ጠፊኣ ትብሃል ኣብ ምድረ በዳ ጠፊኣ ሊብያ ብጽም ማይ ሃሊቖምወን ይብሃል (ሻምነይቲ ቦጦሎኒ) ኣብነት እዛ 500 መብዛሕት ኦም ኤርትራውያን ዓሳክር ዝቆመት ቦጦሎኒ ምንባራን ይግለጽ።
ኢሌና ረጂና ትብሃል መርከብ ንሊብያ እናተጓዕዘት ኣብ ባሕሪ ጥሒላ ከም ዝጠፍአት ይግልጽ። ዝኾነ ኾይኑ ብዛዕባ ቦጦሎኒ ህቡባት ግጥምታት ንዓኹም ክቡራት ኣንበብቲ።

ከም ስቲም ዝረኸበ ?

ብቀያሕቶም መሲሎም ጸለሎ

ኣንቲ ኢሌና

ለኪምክዮም ከይድኪ ጀጋኑ ኣሕዋትና

……………………………….

ናይ ስቲም ንበይኑ ዕጫ

ንፈረስ ኮይኖ መራሃጫ

ንጉራደ ኾይኖም መጋሃጫ

ኣብ ቀላይ ሎምዘመን

ዓሚ ኣብ ሑጻ

ታሪኽ ብጭልፍላፍ ስለዝተኣኻኸብ ካልእ ብንባብ ድዩ ብዛንታ ዝረኸብኩሞ ከተካፍሉና ዕድመና


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ዋልታ መድሓኒት

Updated Thursday 10, January 2013, by Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኣውሮጳውያን፣ ን ኣፍሪቃ ክገዝኡ ከንግሁ ኸለዉ፣ ብድንቁርናን ጥሜትን ዝተሓመሰ ህዝቢ’ምበር፣ ኮማንደራቶም ብምንሽር ረጪኑ ክፍንሽር ዝኽእል ሰብ ዝጸንሖም ይመስሎም ኣይነበረን። ፍላይ ነታ ንሊብያ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትገዝእ ዝነበረት ኢጣላ ዘጋጠማ ስዕረታት ካዕቦ እዩ ነይሩ። እቲ ዝ ኣክል ውዳበ ዘይነበሮ ተቓውሞ ኤርትራውያን፣ ኣብ ፈቐድኡ እስትሂና! ኣቢልዎም’ዩ። ዘማት ወድ ኡክድ ኣብ ላዕላይ ባርካ፣ ደግያት ኣበራ፣ ማሕራይን ኣባ ጥመርን ኣብ ከበሳታት፣ እኩ ተቓውሞ ዓሊ መሓመድ ዑስማን ቡሪ (ሰባር ናኹራን) ብጾቱን ካልኦትን ክንጠቅስ ንኽእል።

ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ ግን፣ ብዛዕባ ኣብ 1840 ኣቢሉ ኣብ ጸዓዘጋ ዝተወልደ ደግያት ኣበራን እታ ውዕሎኡ ዝፈጸመላ ዋልታ መድሓኒትን ኢና ክንርኢ። ደግያት ኣበራ ኣብ’ዛ ብዋልታ መድሓኒትን እትፍለጥ ኣብ መሬት ደቂ ሽሓይ ( ምስ ቃል ነብሪ) እትርከ ቦታ ቅያኡ ምስ ፈጸመ ንደቡብ ገጹ እዩ ዶብ ሰጊሩ። ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሃጸይ ምኒልክ ተሰሊፉ ኸኣ ኣብ ኩናት ዓድዋ( 1896) ውዒሉ። ንሃጸይ’ወን “ ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ” ክሳብ ዝብሉ ገይርዎም’ዩ ይብሃል።

ደግያት ኣበራን ብጾቱን ጥልያን ነስመራ ክድይብ ከሎ ከይተረፈ ክዓግትዎ ፈቲኖም ነይሮም’ዮም ። የግዳስ፣ ምስቲ ዝነበረ ዓቕሚ ጥልያን ክብድሁ ኣይከኣሉን። ድሕሪ’ዚ ድማ እዮም ናይ ደባይ ዝመስል ቅዲ ክኽተሉ ዝመረጹ።

በዚ ዝሰግአት መንግስቲ ጥልያን፣ ንደግያት ኣበራ ሓባቢላ ክትሕዞ ፈተነት። በታ ንብዙሓት ገርሀኛታት እተስድዕ ሽመት ከይተረፈ ኸኣ ፈተነቶ። ድግያት ግን ኣይተዳህለለን። ኣይተዳህለለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተገልቢጡ ንዓኣቶም ኣዳህሊልዎም’ዩ።

ሚእቲ ዝኾኑ ሰራዊት ጥልያን ካፒታኖ ቤቲኒ መሪሕዎም ናብ መሬት ደቂ ሽሓ ወሪዶም። ኣብዛ ዋልታ መድሓኒት ትብሃል ከኣ በጺሖም። ኣድብዩ ዝጸንሐ ድግያት ንውዮም ካፒተኖ ጥልያን ካብ ፈረሶም ጨርጊፉ ባይታ ኣዝበጦም። ወዮም ተኸቲሎም ዝነበሩ ሰራዊት ከኣ ብህድማ ፣ ድሕነት ካ እግሮም ደለይዎ። ፋሕ ጭንግራሕ ከኣ ኣተዎም። ካፒታኖ ኣየምለሱን። ኣብዛ ሕጂ” ሞት ቤቲኒ” ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ፣ ጥልያን ንዝኽሪ ኢሎም መስቀል ተኺሎምላ ዘለዉ ቦታ ዓረፉ።

“ሞት ቤቲኒ” ግን እቲ”ዋልታ መድሓኒት” ዝብል ጥንታዊ ስማ’ወን ብኸንቱ ዝወጸ ኣይነበረን። ኣብ ጥንቲ እቶም ኣዋልድ ብምፍታዎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ቱርካውያን፣ ንሓንቲ መድሓኒት ዝስመን ፈላሲት ኣጓይዮመን’ሲ ኣብታ ኣብቲ ከባቢ እትርከ ፍሉይ ቅርጺ ዘለዋ እምኒ ተዓቑበን ድሒነን ይብሃል። እዚ ድማ እዩ። “ዋልታ መድሓኒት ብዓልቲ ድርብ ቅያ” ዘብላ።

ብልክዕ መዓስ ከም ዝተፈጸመ እንተዘይተረጋገጸ ሽዑ ናይ ኤርትራ ገዛኢ ዝነበረ ( ጀነራል በራቴሪ) ብዛዕባ ሞት ካፒታኖ ባቲኒብ 18 መጋቢት 1892 ናብ ኢጣልያ ሚኒስተር ኩናት ዝጸሓፎ ጸብጻብ ስለዘሎ እቲውግእ ካብ መጀመርያ መጋቢት 1892 ዝድሕር ኣይመስልን።


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኣፋዊ ያታታትና

ኣፋዊ ያታታት ተባሂሎም ዝግለጹ ፣ እቶም ኣብ ኣእምሮ ሰባት ጥራይ ተኸዚኖም ዝርኸቡን ካብ ወለዶ ናብ ውለዶ ብኽኢላታት ናይቲ ዓውዲ ብ ኣፍ ዝመሓላለፉን ኣካላት ያታዊ ባህልና እዮም። ንሕና ኤርትራውያን ብሳላ ሃብታም ብዙሕነትና ኣብ ውሽጢ ባህሊ ናይ ነፍሲ ወከፍ ብሄር ዝሕቖፉ ማእለያ ዘይብሎም ኣፋዊ ያታታት’ዮም ዘለዉና። ምስ ብዝሖም ንዝርዝራቶም ኣብዚ ምቕማጥ፣ ስለዘይከኣል፣ ሓፈሻዊ መረዳእታ ንምሃብ ኣሃዱ ክንብል።

ን ኣብነት ንኣፋዊ ያታታት ትግርኛ ፣ እንተደኣ ወሲድና፣ ንማሰ( ኣውሎ) ንወየ( መልቀስ) ዘጠቓልል ኣፋዊ ስነ ግጥሚ፣ ምስላታት፣ ጽውጽዋይ ፣ሕንቕል ሕንቕሊተይ፣ ያላኻ፣ ኣዝግነኒ፣ ኣብ መስርሕ ማሕረስ ፣ ጻህያይ፣ ዓውድን ወፈራታትን ዝዝውተሩ ወግዕታትን ድርፍታትን፣ ኣብ መርዓ ይኹን ሓዘን ዝዝየሙን ዝዝንተዉን ያታታት፣ ጨፈራታት፣ ኣፋዊ ታሪኽ፣ ንመበቖልን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ደቂ ሰብ ዝገልጹ ሓረግ ወለዶታት፣ ንሕብረተ ሰብ ብሕጂ ተማእዚዙ ከም ዝኸይድ ገይሮም፣ ዓመጽ ኣወጊዶም ፍትሒ ብምናስ ርጉእ ህይወት ንኽመርሕ ዝሕግዙ ሕግታት እንዳባ፣ ኣብ ሃይማኖታውያን ህዝባውያን ብዓላት ዝዝውተሩ ደርፍታትን ኣበሃህላታትን፣ ከም ኣብ ቤት ምሕጻን፣ እንዳ ሓራስን ፣ ምፍዋስ ሕሙማትን ዝመሰሉ ውሱን ክፋል ናይቲ ሕብረትሰብ ዝሳተፎም ዕጽዋት ኣጋጣሚታት ዝብሃሉን….ገለ ካብቶም ዝጥቐሱ እዮም።

ን ኣገዳስነት ኣፋዊ ያታታትና ኣብዚ እዋን’ዚ ዘዕዝዙ ማእለያ ዘይብሎም ረቛሒታት’ኳ እንተ’ለዉ ፣ክልተ ነጥብታት ግን ጎሲኻዮም ዝሕለፉ ኣይኮኑን።

እቲ ሓደ ዕዙዝ ኣገዳስነቶም፣ ኣፋዊ ያታታትና ንዝበዝሐ ክፋል ባህልና ምስ ታሪኽና ደሪቦም ዓቂቦም ዘለዉ ሃብትና ብምዃኖም እዩ። ብሕጽር ዝበለ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ን ኤርትራዊ መንነትና ዝገልጽ ባህልና ብታሪኽ ተህንዝዩ፣ ኣብ ከርሶም’ዩ ዘሎ። እቲ ኤርትራዊ ኤርትራዊ ዝሽትት መበቆላዊ ስነጥበብና’ውን ኣብኦም’ዩ ዘሎ። ዝተባህለ እንተተባህለ፣ ዝተማህዘ እንተ ተማህዘ፣ “ኣብ ሓቐኛ ሰራውር ዘይተተኽለ ኤርትራዊ ስነ ጥበብ ከፍሪ እየ” ኢሉ ዝሃልል ስነ ጥበባኛ እንተ ሃለወ ኸኣ፣ ካብቲ” ማንቲለስ ዘሊላ ዘሊላ………..” ዝብል ምስላን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ኩሎም ካብ ካልኦት እንልቅሖም መመላእታታት ነቲ ናትና ዘጎልብቱ ደኣ’መበር ንባዕሎም ናትና ክኾኑ ኣይክእሉን’ዮም። እዚ ኸኣ እቶም ንናይ ስግር ባሕሪ ስነ ጥበብ ከድንቑን እቲ “ምዕቡል”

ዝብሃል ንሱ ምዃኑን ብቐንዱ ድማ ንዕ ኡ መወከሲ ጌርካ ወይ ብሀሁ ናይ ወጻእተኛታት ጥራይ ክትምዕብል ከም እትኽእልን ጌሮም ዘምልኹ ገለ ካብ ስነጥበበኛታትና ኣተኩሮ ክገብርሉ ዘለዎም ኣገዳሲ ኩርናዕ’ዩ ። እቲ ቐዳማይ ጠመተና ናብ ሰራውር ባህልና ክኸውን ይግባእ። ኣብዚ ኣካል ሰራውር ባህልና ዝኾነ፣ ኣፋዊ ያታታትና ታሪኽ፣ ጽባቐ፣ ቋንቋ፣ ብዓቢኡ ድማ ባህላዊ መንነት ተሓቑፉ ኣሎ። እስከ ነዛ ሓንቲ ብኣፍ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰት ዝመጸት፣ ብግምት ካብ 1795-1885 ዓ.ም ከም ዝነበሩ ዝዝንተወሎም ኤርትራዊ ፣ ኣቦ ማሰን መልቀስን ዝኾኑ ብዓል መስሓል ወደከለ ( ን ኡስ ዞባ ሰንዓፈ) ኣይተ ወልደ ድንግል ቀሺ ገድሉ ኣብ ቀብሪ ናይ ሓደ ናይቲ ከባቢ ኣመሓዳሪ ዝነበሩ አብ ናይ ዝበልዋ ወየ ገለ ክፍላ ንመልከታ፣ መጠን ክንደይ ሓይሊ ከም ዝነበሮ።

እምባዶ ኽብለካ እምባ ሳይም

ዝባን ሰብኣይ ጸጊእካ ትኣይም

ኩርንዒት ትህቦም ከም ሓያይም።

እምባዶ ኽብለካ እምባ ናይ ሰንዓፈ

ካብ ኣቦታቱ ዘይሓለፈ፣

ካብ መሓዙቱ ዘይተረፈ።

እምባዶ ኽብለካ ናይ ምራራ

ኣርዑት ሓጺን መጽረዩ ፍራራ

ለይቲ ዝሓሰባ ቀትሪ ገበራ።

እምባዶ ኽብለካ ናይ ኸሽዓት

ብኽሳዶም ትሕዞም ከም መንደዓት

ጠጠቕሊልካ ትውሕጦም ከም ገዓት።

እምባዶ ኽብለካ እምባ ቤት ሽማዕቲ

ጥዑም ቃና ከም ስርኤል ለይቲ።

እምባዶ ኽብለካ እምባ ዳልኽ

ብሓደ ጉራደ ሽሕ ዝመልኽ

ሜትካ’ዶ ተውዲኡ ህልኽ።

ኣቱም ዓድና ዓድና

ትብሉ ኔርኩም በርቲዑና

ዝኽእል እንተሎስ ሕጂ ይፍተና

እንተ ተኻኢሉስ ሕጂ ሂና።

እምባዶ ኽብለካ እምባ ዘርኢ ሞሲ

ሰይጣን ቀላይ ራዛ ዘየናሕሲ።

እምባዶ ኽብለካ እምባ ጉረረ

ብ እጉሞም ዝጎብጦም ከየንፈረ።

ስለዚ ዜርና ዜርና፣ ሱር መሰረት ባህልናን ታሪኽናን ንምእላሽ፣ ኣፋዊ ያታታትና ንፈትሽ።


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ማመት

 

ብዛዕባ ማመት ብዙሕ ይብሃል። ኩሉ ግን ዳርጋ ካብ ኣፋዊ ብሂል ዝሓልፍ ዘይሙዃኑ፣ ምልኡነት ትስእነሉ። ዝኾነ ኮይኑ፣ ካብ መጽሓፍ ድርፍታት ትግርኛ ኮንቲ ሮሲኒ ዝተጻሕፈ ብዛዕባ ማመት ዝጸዊ፣ ውሑድ ማመት ጓል ጸባኡ እትብሃል ቀላይ ብዓልቴት (ኣከለ ጉዛይ) ዝዓዳ ኣመንዝራ፣ ንገዛእ ርእሳ፣ መሰንቆ እናሃረመት ዝደረፈቶ፣

 

ማመት ማመት ስኒ ሮጾ፣

ከናፍራ ከም መዓር ዝጽጾ፣

ስለፋታ ከውሒ መንደልህጾ።

ጓል ኣገላ ጓል ዕዳጋ ረቡዕ

ውሰድዮ’ቲ ዓጓ ዝራብዕ

ጽጉሪ ርእሳ ኣዳጉራ ዘሕብእ

ቅርኒብ ዓይና ድብኦ ማይ ዘድብእ

እንጉይ እንጉይ ወድኡኒ ኣዛብእ

ነቲ ማዕጾ ኣብልዮ ኣግባእብእ

ከይርኢ ዝሓልፍ ዝገብእ።

ማመቴ ጓል ጸባኡ ነብሪ

ከም ኳደረ ለይቲ ተዛውሪ

ከም ወደባይ ለይቲ ተናግሪ

ሳግላ ይመክን ኣፈከሜ ይፈሪ

ዕስራ ናብ ቤት ሳላሳ ናብ ቁሪ፣

ከም ምሕዳርና ኣሕድርና እምበሪ

ገለ ማይ ንወርድ ዕጭ ንኣሪ

ከም እዝግና ትቐትሊ ትምሕሪ።

ጓል እገላ ጓለያ እንቀፉ

ጸጉሪ ርእሳ ባላ መደገፉ

ቅርኒብ ዓይና ኩሕሊ መራግፉ

እንኳን ዓለም ኣቕሽቲ ሓነፉ።

ጓል ጨዓሎ ጓል ሩባ ሃዳድም

ቆቋሕ ኩኒ ክኸውን ጽግድም

ሒዘኪ በረኻይ ክሃድም።

ጓል መረታ ጓል ሩባ ሰበነ፣

ትኾብለይ ማርያም ትሃብክነ

ብዘይ ሎሚ ዘይፈልጥ ለሚነ።

ጓል እገላ ጓል እገላ ሓጺን

ኣፋ መጣቐሻ ልባ ሳጹን

ነቦኺ ‘ዶ ንኖኺ ከማሕጸን

ገዛ ከይበጻሕኩስ ኣይቀብጽን።

ወዮ ዙቦይ ጅጎ ዙዕዋኖ፣

ንማመት ፈጢሩ ከይኮኖ

ግምጃ ባጽዕ መረባዕ ድኾኖ።

ብዘይ መሰነይታ ዘይትወጽእ

ከም መኮነን ብዓይና ትቐጽዕ

ጻዕዳ ዝኽዳና ከም ሰብ ባጽዕ።

ጓል እገላ ጓል እንዳ ኣርባእንሳ

ሰብኡትኪ ክልተ ሓምሳ

ከይጠፍኡ ግበርሎም ጓሳ።

ናበቦይ ናብ ኖይ ካብ በልኪሲ

ፍቕሪ ክንማቐል ሃቢ ዕሲ

ንኣይ ብፍቒ ንኣኺ መሰለሲ

ነምበሳኸ ይብለኪ ንጎራሲ

ንተመን’ከ ይብለኪ ንነኻሲ

ንውሕጅ ይብለኪ ንጎሳሲ።