የውሃንስ ወዲ ዞሞ

By Vivana Amanuel June 10, 2012

 

ዛንታ የውሃንስ ወዲ ዞሞ ካብ ምጥፋእን ረስዓን ንስክላ ዝወጸ መሳጢ ዛንታ እዩ። ንዛንታ የውሃንስ ህይወት ንኽዘርእ ዝሓገዞ እቲ ብመሰንቆ ተሰንዩ ዝድረፍ ኣስቆንቛኒ ዜማ እዩ። ነዚ ዜማ እናክትሰምዕ መንነት የውሃንስን ዝፈጸሞ ድፍዕን ንምፍላጥ ትቕሰብ። ካብዚ ኣሕዛኒ ዜማ ተበጊስካ ኸኣ የውሃንስ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ዛንታ ህይወቱ ትቛቑል።

ኣባ ይስሓቕ ገብረ የሱስ፣ ኣብቲ “ ስነ ተረትን መግለጺታቱን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዉዎ መጽሓፎም፣ ንዛንታ የውሃንስ ወዲ ዘሞ ግሩም ጌሮም ገሊጾሞ ኣለው። ኣብ መጽሓፍ ዝሰፈረ ኮነ፣ ወለዲ ኣብ ዘዘንትውዎም ኣፈ ታሪኽ፣ የውሃንስ ንፉዕ ሃዳናይ ከም ዝነበረ’ዩ ዝትረኽ።

እዚ ጨሚቱ ዘይስሕት እንተልዒሉ ዘይምጎት ንፉዕ ሃዳናይ፣ ኣብ ዱርን ገሓሕርንን ዓዱ መዓልቱ ዝሃቦ፣ እንተስ ዓጋዜን እንተስ ጤለ በዱ ሒዙ፣ ዓውል ጣሕሲሱ ተመን ጓሲሱ ቤቱ ዝኣቱ ዘናግር ዓርጣም በጽሒ’ዩ ዝነበረ። ከምዚ ሎሚ ኾይኾነ ኣብ ህልም ዝበለ ሃውሽቶ በረኻ፣ ወረ ገለ ገለ እዋን’ወን ኣብ ከብዲ ዕእድን ወሰናስኑን ፣” ደቂ ሕድርትና ወይ ስርኤል በረኻ” ዝብሃላ ሕቡኣን ፍጥረት ይነብራ ነበራ። እዘን መልክዐን ከም ማርያም ፣ ስርሐን ከም መናፍስቲ ዝቑጸራ ደቒ ሕድርትና፣ ስሕት ኢለን ንውሑዳት ሰባት ደኣ’ምበር ዝበዝሐ ግዜ’ስ ይርኣያ ኣይነበራን። ንበይኑ በረኻ ዝወፈረ፣ ወጋሕታ ወይ ምሸት ማይ ከምጽእ ሩባ ዝወረደ፣ ማይ ክቐድሓ፣ ክሕጸባ ወይ’ወን ጓይላ ተኺለን ሂር ክብላ ይጸንሕኦ፣ እንተዘይተበሪህወን ድማ ይለኽዕኦ። ( ማሪታዊ እምነት’ዩ) ህዝቢ ደቒ ሕድርትና ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓበይቲ ኣእዋም፣ ኣብ ደንደስ ሩባ ኣብ ሰውሕን ሸኻን ኣብ ጸምጸም በረኻን እየን ዝጸንሓ ኢሉ’ዩ ዘኣምን። ኣብ ፈቐዶ ሩባን ኩርባን በቲ ሕልሚ ዝጥዕም ድሃየን እናሓደማ( እናደረፋ) ልቢ ደቒ ሰብ ይሰልባ። ንደቒ ሕድርትና ኩሉ ኣብ በረኻ ዝበቑል ገረብ ፣ ገረበን፣ ኩሉ ኣብ በረኻ ዝነብራ እንስሳታት ጥሪተን እየን። ልክዕ ከም ሰብ ከኣ ከም ሰስሓ፣ ጤለበዱ፣ ዘኣመሰለ እንስሳ ዘገዳም እናጓሰያ ስጋኤን እናበልዓ ጸብአን እናሓንፈፋ ይነብራ። በዘን ጥሪት እዚኤን ድማ እዩ ዛንታ የውሃንስ ወዲ ዞሞ ምስ ደቒ ሕድርትና ዝተኣሳሰር።

ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ፣ የውሃንስ ወዲ ዞሞ ከም ልማዱ ዝናሩ ተኣንጊቡ፣ ብረቱ ወላዊሉ ክሃድን ናብ በረኻ ዓዱ ወፈረ።

ግልጽ ምልጽ እናበለ ከሎ፣ ኣብቲ ብሳዕሪ ዝተኸድነ ጸምጸም በረኻ ሓደ ኣብ ክሳዱ ደወል ዝተኣሰረሉ ኣርሓ ዓጋዜን ኣስተብሃለ። እቲ ፈጣን የውሃንስ ብኡንብኡ ብርኩ ዓጺፉ ኣብሮኸ። ጠበንጃኡ ኣቀባቢሉ፣ ዓይኑ ዓሚቱ ልጓም ስሒቡ ክትኩስ እናተቀራረበ እንከሎ፣” ግደፍ ግደፍ” ዝብል ሕልሚ ዝጥዕም ድምጺ ኣብ እዝኑ ህሩግ በሎ። የውሃንስ ክኣምን ኣይከኣለን። ድጊሙ ንወዮ ዓጋዜን ንምቕታል ቦታኡ ኣጠዓዓመ። እንደገና፣ “ግደፍ ግደፍ” ዝብል ድምጺ ተደግመ። የውሃንስ ደንጺዎ። ግልጽ ግልጽ ኢሉ ነቲ ቀጢን ድምጺ ጓል ኣነስተይቲ ክረኽብ ሃቀነ። እንተኾነ ግን ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ ክርኢ ኣይከኣለን። ውራይ ሃድኑ ብምግባር ዓይኑ ጸቒጡ፣ ብርኩ ዓጺፉ፣ ሕጂ’ወን ንወዮ ዓጋዜን ንምቕታል ተዳለወ። ሽዑ ወያ ጓል ሕድርትና ከምዚ ብምባል ገንሓቶን ኣጠንቐቐቶን።

“ግደፍ በልዎ ኣሕዋቱ

ግደፍ በልዎ ኣሕዋቱ

ከይትምእምን ሰበይቱ

ከይስበር ዓራቱ

ከይዝኽትሙ ደቓቱ

ከይትዓኑ እታ ቤቱ

ከይትጠፍእ እታ ርስቱ

ከይትቓድር ግራቱ

ከይደፍእዎ ደረቱ”

ወዮ ዓርጣም በጽሒ የውሃንስ ወዲ ዞሞ ካብ ዘንቀዶ ክምለስ ኣይደለየን። ሓቦ ስብእነት ከም ሓረግ ጠምጢሙ ዝደለዮ ክገብር ኣስድዖ። ነታ ብድምጺ እምበር ብዓይኑ ዘይረኣያ ጓል ሕድርትና ኸኣ፣ ከምዚ ክብል መለሰላ።

“ጠበንጃይ ለጉመያ

ዓይነይ’ወን ጸቒጠያ

ብርከይ ዓጺፈያ

ንመሬት ሓቑፈያ

ሳዕሪ ተጎልቢበያ

ሕጂ’ዶ ገፈያ

እታ ዕድለይ ክርእያ”

ወያ ጓል ሕድርትና ብመልሲ የውሃንስ ብሕርቓን ጣዕ በለት፣ ብቑጥዐን ነድርን ኸኣ “እንተቐቲልካዮ ክትቕተል ኢኻ” በለቶ። ካልእ ነዚ ትምልከት ዝነበረት ጓል ሕድርትና፣ ንየውሃንስ “ ኣይትጃጁ ቕተሎ” ብምባል ኣተባብዓቶ። እታ ዋና ዓጋዜን “ግደፍ” በለት። እታ መጻርርታ ፈታዊት የውሃንስ ድማ ደጊማ “ቅተሎ” በለት።

‘ቀቲሉ’ሞ ኣበይ ከይኣቱ” በለት እታ ዋና ዓጋዜን፣ “ ኣብ ከርመድ’ዶ ዘይእቶ ኾይኑ” በለት እታ ፈታዊት የውሃንስ። ኮይኑ” ደገመት እታ ንየውሃንስ ዘጠንቀቐት ‘ስርኤል። እታ ደጋፊቱ ከኣ “ ዕንጸይቲ ከርመድ ሰሊዕካ’ዶ ዘይውሰድ ኾይኑ” ብምባል ንየውሃንስ ኣጉርሓቶ’ሞ የውሃንስ ብኡንብኡ ንወዮ ኣርሓ ዓጋዜን ግንባሩ ዘበጦ። ቀተሎ። ከምቲ እታ ፈታዊቱ ጓል ሕድርትና ዘጉርሓቶ ከኣ ፣ ኣብ ገረብ ከርመድ ብጉያ ተዓቑበ። እዘን ሎሚ ደሃየን ጠፊኡ ዘሎ ደቒ ሕድርትና ወልዲ ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን መዋዕልትና እየን ነይረን እናበሉ እዮም ዘዕልሉለን። ደቂ ሕድርትና ናይ ምጽባእ ባህሪ ኣለወን ተባሂሉ ስለ ዝእመነለን።

 

ንሰን ዘይፈትውኦ ኣይግበርን’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣዴታት ኣብ መኣዲ ቁራስ እንጌራ ንደቂ ሕድርትና ኢለን ይገድፋ ነይረን። መቸም ኩሉ ፍጡር ዝፈትዎን ዝጸልኦን ወረ ክሳዕ ናብ ሞት ዘብጽሐን ነገራት ከም ዘሎ ወለዲ ብ ኣፈ ታሪኽ የዘንትው እዮም። ከምቲ ኣባ ይስሓቕ ገብረኢዮሱስ’ወን ኣብ መጽሓፎም ግሩም ጌሮም ዝገለጽዎ፣ ደቒ ሕድርትና ንገረብ ከርመድ ኣይፈትወኦን እየን። ካብ እንስሳታት እወን ን ኣድጊ ከምዘይፈትዋ ይንገረለን። ካብዚ ብምንቃል እያ እምበኣር እታ ፈታዊቱ ንየውሃንስ ወዲ ዞሞ ናብ ዕንጸይቲ ከርመድ ተዓቖብ ኢላ ዘጉርሓቶ። የውሃንስ እወን ምኽራ ተቐቢሉ ኣብ ገረብ ከርመድ ተዓቑቡ ደሓነ። ካብ ዕንጸይቲ ከርመድ ሰሊዑ ናብ ቤቱ ስለ ዝተማልአ ድማ ንነዊሕ እዋን ብ ኣማን ይነብር ነበረ።

ካብ ዕለታት ሃደ መዓልቲ ኣብ ሃድን ውዒሉ ከዕርፍ ነታ ካብ ነብሱ ፈልይዋ ዘይፈልት ዕንጸይቲ ከርመድ ሓቑፍዋ ደቂሱ እንከሎ፣ ቐሸም መንደዲ ሓዊ ሃሰው ትብል ዝነበረት ቦኣልቲ ቤቱ፣ ማንም ቀሸም ዕንጸይቲ መሲልዋ ንወያ ዕንጸይቲ ከርመድ መእጎዲ ሓዊ ገበረታ።

የውሃንስ ድሓን ዘሎ መሲልዎ በረኻ ምስ ወፈረ፣ ወያ ጽላኢቱ ስርኤል ቀተለቶ። ሬሳኡ ከኣ ጉማ በልዕዎ፣ እታ ፈታዊቱ ጓል ሕድርትና ብሞት የውሃንስ ኣዝያ ስለ ዝጎሃየት።

“ኣታ ጉማ ካሕዳየ

ጉማ በረኻ

የውሃንስ’ዶ ርኢኻ” ኢላ እናልቀሰት ኣብ ኩሉ ሕሉም ተናድዮ ነበረት ይብሃል። ብኻልእ ወገን እወን እታ ዕንጸይቲ ከርመድ የውሃንስ ኣብ ገዛ ሒዝዋ ዘይኾነ ክሕጸብ ምስ ከደ ኣብ ደንደስ ሩባ ምስ ገደፋ እያ ኣታ ተጻባኢቱ ጓል ሕድርትና ዝቐተለቶ ዝብል ብሂል ኣሎ።

 

ገለ ሰብ ብ ኣፈ ታሪኽ ዝገልጽዎ ድማ፣

የውሃንስ ወዲ ዞሞ ኣብ ከባቢ ተኹሎ፣ እገላ ሃጺን፣ መንብሮ ፣ ቀላይ ብዓልቴት፣ ኣብ ዝብሃላ ዓድታት ይነብር ከም ዝነበረ እዮም ዝትርኹ። ከም ኣበሃህላ ፣ እዞም ዓበይቲ እዚ ዛንታ ዝተፈጸመሉ ኣብ ከባቢ ተኹሎ እዩ። መርዓ የውሃንስ ቀሪቡ ኣብ ሳልስቱ ኣንስቲ ንውራይ ዝኸውን ጣይታ ይስንክታን ስዋ ይጸምቛን ነበራ። ቤት እንዳ ዓለቡኡ ከኣ ብጓይላን ሳዕስዒትን ማሚቓ ብመቕርብን ፈተውትን ተጎቢኣ ነበረት። ሻቡ የውሃንስ ንውራይ ዝኸውን ዕንጸይቲ ንምእራይ ናብ በረኻ ዓዱ ምስ ወፈረ ክትወልድ ዝቐረበት ዓጋዜን ረኺቡ ክትኩስ ምስ ተዳለው፣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝተመልከትናዮ ጓል ሕድርትና “ግደፍ ከይትትኩስ” ብምባል ገንሓቶን ኣጠንቐቐቶን። የውሃንስ ግን ንዘረብኣ ግዲ ከይሃበ ነታ ዓጋዜን ተኩሱ ቀተላ። ብኡንብኡ የውሃንስ ወቕዒ ረኺብዎ ሓሚሙ ዓረፈ። ወዩ ንመርዑኡ ዝጠፍአ ሽሻይ መተዝከሪኡ ኾነ፣ ቤቱ ከኣ ካብ ሓጎስን ዕልልታን ሓዘንን ዋይዋይታን ተጎበአት። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ የውሃንስ ወዲ ዞሞ “ወዝኖ” ኾይኑ ይብልዎ።

‘ወዝኖ” ዝብል ቃል ምስ ሞት የውሃንስ ወዲ ዞሞ ተኣሳሲሩ ዝመጸ ቃል ከም ዝኾነ ወለዲ ይትርኹ። “ወዝኖ” ማለት ከም ገንኢ ዕትሮ ጻሕሊ ሓፈሻዊ ስርሓት መሬት፣ ኣብ ሓዊ ኣቶ ዘይበሰለ ሓድጋ ዘይጻወር ማለት’ዩ።

ወለዲ ካብዚ ተበጊሶም መርዕኡ ንዝቐረበ መንእሰያ ፣ ወዝኖ’ዩ ፣ በይኑ ኣይትስደድዎ ዘይረኻቢኡ ከይረኽቦ፣ ወቕዒ ከይወቕዖ፣ ጋኔን ከይለኽዖ፣ ብምባል መርዓዊ ይኹን መርዓት ዋላ ንክሸኑ ብዘይ መሰነይታ ኣይሰድዎምን እዮም።

ዛንታ የውሃንስ ናይ ኣፈ ታሪኽ ዛንታ ብምዃኑ ዝተፈለለየ ኣገላልጻ ክውሃቦ ናይ ግድን’ዩ። ኣብ ጽሑፍ እናሰፈረ ምስ ዝኸይድ ግን ናይ ሓባር መረዳእታ ክጥረን ብዛዕባ እዚ መሳጢ ዛንታ ዓሚቕ ኣፍልጦ ክርከብን ይከኣል’ዩ።

ዛንታ የውሃንስ ብገለ ሸነኹ ምስ ዛንታ ራእሲ ወልደ ሚካኤል፣ ንጉስ እልፋን ይመሳሰል’ዩ። ህዝቢ ከምቲ ንራእሲ ወልደሚካኤልን ንጉስ ወዲ እልፋን ብደርፊ ጌሩ ዝገንሖምን ዝመዓዶምን ዝጎሃየሎምን፣ ንየውሃንስ ወዲ ዞሞ’ወን በቲ ኣሕዛኒ ዜማን ሓያል ግጥምን ኣቢሉ ፣ ንዝወድዮ ሳእኒ ነቲ ተተቲዑ ዘው ዝበለ ዛብያ ወላምኡ ንዝነበሮ ከባቢ እናልዓለ ኣልቒስሉን ዓሚቕ ፍቕሩ ገሊጹሉን’ዩ ። ገለ ካብቲ ንየውሃንስ ብህዝቢ ዝተገጠመሉ ፣

“ የውሃንስ ወዲ ዞሞ

ብዓል ዛብያ ወላሞ

ብዓል ሳእኒ ኩቱሞ

ብዓል ጎልጎል ሃዞሞ

እንታይ’ሞ እንታይ’ሞ

ኣዛ ኦኣለም እዚኣ’ሞ

የውሃንስ ፋኑሰይ ሕደግ ኣይትተኩስ

ከይትከውን ብላሸ።

ንስምዒት መዋቲ የውሃንስ ወዲ ዞሞ ዝገልጽ፣ ድሕሪ ሞቱ የውሃንስ ከም ዝበሎ ኣምሲሎም ዝደርፍዎ ግጥሚ እወን ፣

“ሓማተይ ብቑንንታ

መርዓተይ ብቑንንታ

ድራረይ ብግዕታ

ሓሞይ ዝኣዘዙኒ

ጎይታይ ዝኣዘዙኒ

ምክተይ በሪሩኒ

ዓርከይ ግን ጠሊሙኒ

ዓርኪ ጠላም ኩኒ።”

 

በዚ ድማ የውሃንስ ህዝቢ ዝገደሰሉ ናይቲ እዋን’ቲ ህቡብ ሰብ ከም ዝነበረ ከነስተውዕልን ክንግምትን ንኽእል። የውሃንስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካልእ ዝፈጸሞ ቅያን ተፈላጥነቱ ንክዓዝዝ ዝገበሮ ሞያ ክህሉ ስለ ዝኽእል ካብዚ ዛንታ’ዚ ነቒልና ነባሪ ዝኾነ ዓሚቕ ምርምር ክንገብር ዝግብኣና እመስለኒ