ቪቭያና ኣማኑኤል

ያታዊ ወግዒ

By Viviana Amanuel 17 January 2012

 

ብዓልቲ ቤቶም ዝነዓቕኦም፣ ክመልክወን ዘይከኣሉ ሽማግለ፣ ብምስቑርቓር ንገዛእ ርእሶም ዝበልዎ:

እርጋን መጸት ከመይ ምዃናየ

ቁሊሕ እንተበልኹ ከዐሽዋ

ዓመት ሓረመኒ ዋንጫ ስዋ!

ቁሊሕ እንተበልኩ ክምኩሮ

ዓመት ሓረመኒ ጸብሒ ሽሮ!

ቁሊሕ እንተበልኩ ከም ዝመልኽ

ዓመት ሓረመኒ ጸብሒ ድልኽ!


Date: 09/12/2011

(ያታ)

ያታዊ መርዓ ብሄረ ዓፋር

መርዓ ብሄረ ዓፋር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቀቢላ ዝፍጸም ኮይኑ፣ ርሒቑ እንተተባህለ ብገለ ኣጋጣሚታት ኸኣ ሓንቲ ቀቢላ ምስ ካልእ ቀቢላ ክግበር ይኽእል።

ደቒ ተባዕትዮ መርዓ ክሓስቡ ከለው፣ ካብ ደቒ ሓወቦታቶም ይመርጹ። እተን ደቒ ኣንስትዮ ግን ክመርጻ ዕድል ስለ ዘይውሃበን ወለደን ዘምጽኡለን ይምርዓዋ። ከምዚ ይኹን ‘ምበር እታ ጓል ኣነስተይቲ ፍቓድኛ እንተዘይ ኮይና ኣይትግደድን።

መስርሕ መርዓ ብሄረ ዓፋር፣ ሓደ ሓወቦ ንስድራ ቤት እንዳ ጓል ብሽማግለ ዓበይቲ ልኢኹ የዘራርብዎም፣ ትብጻሕኩም ተባሂሉ ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ፣ኣግማል ፣ከብቲ ወይ’ወን ኣጣል ንእንዳ ጓል ይዋሃቦም። ብከምዚ ድማ ይሕጸዩ።

ሕጺያት ዝመራዓውሉ ግዜ ምስ ኣኸለ ብክልቲኡ ሸነኽ ምቕርራባት ይጅመር። ኣብዚ ምቕርራብ’ዚ ንመርዓ ዘድሊ ወጻኢታት እንዳ ጓል ፣ ብእንዳ ወዲ ይሽፈን። እንዳ ጓል ብወገኖም ንመሕጸኒ ዝኸውን “ ኣዩንታ” ዝተባህለ መዘናግዕን መደቀስ መርዓውትን ኣብ ክልተ ዝተኸፍለት ከቢብ ቅርጺ ዘለዋ ብተንኮበትን ዕንጸይትን ዝተሰርሐት ቤት መርዓውቲ ይሰርሑ።መርዓ ኣብ ዝቀራረበሉ ግዜ፣ ሕጽይቲ ካብ ሳላሳ(30) ክሳብ ስሳ( 60) መዓልታት መርዓዊ ንኸይርእያ ትሕባእ።

ኣብ ዕለተ መርዓ ፣ መርዓዊ ቅድሚ ናብ እንዳ ጓል ምኻዱ፣ ብኣዕሩክቱ ጸጉሪ ርእሱ ይላጸ። ኣካላቱ’ወን ብሒና ይሕጸብ። ያታዊ ልብሲ መርዓዊ ለቢሱ ድማ ናይ ክብሪ መርዓዊ ብትሪ ብዓበይቲ ዓዲ ይውሃብ። ንመስጊድ ብምዃድ ብቓዲ ምስ ተባረኸ፣ ( ሆራ’ መላቦ፣ ትርትራ፣ ደበልን፣ ዲንካራም) ብዝተባህሉ ጽወታታት ብሄረ ዓፋር እናተጻወቱ ናብ እንዳ ጓል ይጓዓዙ።

ኣብታ ንክልተ ወርሒ ዝሕጸነላ፣”ኣዩንታ”( ቤት መርዓዊ) ምስ በጽሐ፣ ኣብ ኣፋፌት “ኣዩንታ” ንክብሪ መርዓዊ ወጠጦ ይሕረድ። መርዓት ተሰሊማ ኣብ ውሽጢ ክፋሊ ኣዩንታ’ያ ትጸንሖ። መርዓዊ ነቲ ዝተሓርደ ወጠጦ ሰጊሩ ንውሽጢ ፣ኣዪንታ ይኣቱ’ሞ ምስ መርዓቱ ይራኸብ።

ሕጽነቶም ድማ ኣሃዱ ኢሎም ይጅምርዎ።

________________________________________________________________________________

Date: 07/12/11

ሓኔታ

ብተደጋጋሚ ሓኔታ ክብሃል ንሰምዕ! ዋላ’ኳ መብዛሕትና ኣይንኹን ትርጉሙ ኣይንስሕቶን። ብዛዕብ ኡ ‘ወን ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ክህልወና ይኽእል እዩ።

ሓኔታ፣ ከም ኣንበሳ፣ ነብሪ፣ ሓርማዝ፣ ዝኣመሰሉ ሓያላት እንስሳታት ንዝቐተለ ሰብ ዝውሃብ ዝነበረ ያታዊ ሽመት እዩ። ሓኔታ ዝተባህለ ድማ ብሰፊሕ’ዩ ዝውረየሉ ብዛዕባ ጅግንነቱ። ኣብ ውራያት ድማ፣ ”ስጋ መንጉዳ ከብቲ” ሓኔታታት እዮም ዝምገብዎ ዝነበሩ። ተረፍ ጽጋቦም እንተተረኺቡ ኸኣ፣ ተመቲሩ ኣብ መኣድታት ከም ዝባጻሕ ይግበር ምንባሩ ኣበው የዘንትዉልና።

“ሓኔታ መቕርብካ፣ ናብ መርዓ ተዓዲሙ ክብገስ ሙዃኑ እንተደኣ ፈሊጥካ፣ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ተሳሊምካ ምስኡ ክማልኣካ ትምሕጸኖ። እትምንታይ’ሲ እቲ ኣብቲ ውራይ ዝግበር፣ ነቲ ሓኔታ ዝውድስ ወግዒ ከይሓልፈኻ፣ …ንሱ ወን ተኾነ ኣይኣብየካን።

ኣብ ውራይ ዝተዓደመ ሓኒታ እንተሎ፣ ሓደ ካብ ዕዱማት ተንስኡ፣ ”ሓረዶ ጎመዶ እንታይ ሻቡ ከይዱ? ሓረዶ ክኸይድ’ሲ ርእየዮ’ዶ“ ይብል’ሞ እቲ ሓኔታ ድማ ተንስኡ ይፍኽር ከም ዝነበረ ይዝንቶ።

ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ሓኔታታት ነይሮምን ኣለዉን፣ እንተኾነ ሎሚ እዚ ከምዚ ዝበለ ወግዒ ዘሎ ኣይመስለንን።

ግዝኣተ ተገስ

ኣብ ኤርትራ፣ ጨካን ግዝኣት፣ ንዘርኢ ወገን ወይ ግለ ሰብ፣ ወይ’ወን ምሕረት ኣልቦ ንዝኾነ ፍርዲ፣ እንታይ‘ዩ ኣንታ’ዚ? ግዝኣት ቱርኪ!” ምባል ልሙድ’ዩ።

ኣብ ገለ ከባቢታት’ወን ንተመሳሳሊ ኩነታት፣ ”እዝስ ሓይሊ ጉራዕ ተደቢርካ ሕራእ’ዩ” ይብሃል’ዩ። ዋላ’ኳ ናይዚ ዳሕረዋይ ኣበሃህላ ጽዋ( ዛንታ) ርዱእ እንተዘይኮነ፣ ምስ’ዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ቀጥታዊ ምምስሳል ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ብሄረ ትግረ ተገይሩ ዝብሃል ‘ዩ።

እዚ ተገስ ዝብሃል ቀቢላዊ ገዛኢ ስረኻ ብርእስኻ ኣውጸኣያ” ምባል ዝልማዱ ሓያል ኣመሓዳሪ ምንባሩ እዩ ዝዝንቶ። ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነብሩ ግዙኣቱ ኸኣ ጸባ፣መዓር፣ ጠስሚ፣ ጥሪት….ኩሉ ዝሓዝዎን ዝረምሰስዎን ክቡር ነገር ከቕርቡሉ እናሓተተ ሞኽታኦም ኣብልዖም። እቶም ህዝቢ ግን ብዘይ ዕጽይ-ምጽይ ንኹሉ ዝበሎም ተማእዘዝዎን ተግበሩሉን።

ብዚ ዝሻደነ ሰብኣይ፣ ዝእዝዞም ጨነቖ። ንኩሉ ነገር “ሕራይ “ካብ በሉኒ ደኣ ገለ ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገር ክእዝዞም ኣለኒ” ኢሉ ሓሰበ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ነቶም ህዝቢ ኣከቦም። በሉ ስምዑ! ሕጂ ብሑጻ ጌርኩም ገመድ ፍሒስኹም፣ ከምኡ’ወን ካብ ላም፣ ርግኦ ሓሊብኹም ተምጽኡለይ!” ክብል ኣዘዞም። ዓዲ ተጨነቐት።” ሑጻ ምፍሓስ፣ ርግኦ ምሕላብ ከመይ ኣቢልካ ይከኣል?” ንኩሎም ጊር በሎም። ካብ ሰሪ መዓት ገዛኢኦም ክገላገሉ እንተ ኾኖኢም ግን ግድን ቃሉ ክመልኡ ኣለዎም።

ዝጨነቖ እንታይ ዘይጣበብ! ንሳቶም’ወን ተጣቢቦም! ሑጻ ብምኹማር ኣብ ልዕሊኡ ጸባ ቖልቛል ኣፍሰሱሉ። እቲ ጸባ ከም ኮላ ኾይኑ ስለ ዘተሓሕዞ ድማ ጠውዮም ጠውዮም ፈሓስዎ። ንወዮ “ርግኦ ሕለቡ!” ዝተባህልዎ’ወን፣ ፍረ ናይ ሓንቲ “ፍንጭጭ” ዝተባህለት መልግዒ ተኽሊ ኣብ ጓጉድ ብምእታው ክሓልቡ ጀመሩ። እቲ ዝተሓልበ ድማ ንእለቱ ናብ ርግኦ ተቐየረ።

በዚ ድማ፣ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ስግንጢር ትእዛዝ ተግበርዎ። እቲ ገዛኢ’ወን በቲ ዘርኣይዎ ብልሓት ተገረመ። ብድሕሪኡ’ወን ኣተሓሕዛኡ ኣብ ልዕሊኦም ኣመሓየሸ ይብሃል።

እንተኾነ፣ እታ “ሕክም ተገስ” ሑጻ ፍተሎ፣ ወውጨር ሕለቦ” እትብል ምስላ፣ ኣካል ምስላታት ቛንቋ ትግረ ኾይና ምቕጻላ ኣይተረፈን።

 

“ሰገንሲ ርእሳ እንተ ቐበረት ምሉእ ኣካላታ ዝተሓብአት ይመስላ” ግጉይ ኣበሃህላ

ኣብ ሓያሎ ናይ ስነ ቃል ዛንታታትን ሓደ ንየዋህነት እንገልጸሉ ኣበሃህላ ኣሎ።” “ ሰገንሲ ርእሳ እንተ ቐበረት ምሉእ ኣካላታ ዝተሓብአት ይመስላ” ዝብል’ዩ።

እዚ ቃል ብቃሉ፣ ኣብ ብዙሕ ካብ ቋንቋታትና’ወን ከም ምስላ ኾይኑ ይዝውተር’ዩ እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ድዩ? ሰገን ካብ ጸላእታ ንኸተምልጥ ርእሳ ድያ ኣብ ሑጻ ትቐብርስኽእ Lእ ብልሓት’ያ ትጥቐም? እቲ ኣበሃህላ ግጉይ እንተ ኾይኑ ደኣ መንቀሊኡ’ኸ እንታይ’ዩ?

ሰገን እንተ ፈሪሓ ወይ’ወን ኣዝያ እንተ ሰጊኣ፣ ናብ ባይታ ብምስፋሕ’ያ ምስ መሬት እትልሓግ። ነቲ ነዊሕ ክሳዳ ድማ ንቕድሚት ትውጥሮ። ነዚ ትገብረሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፣ ንኸባቢኣ ብምሉእ ኣቓልቦ ንኽትካታተሎ ንኽጥዕማ እዩ።

ርእሲ ሰገን ምስ ካልእ ኣካላታ ብምንጽጻር ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ። ስለ ዝኾነ ናብ መሬት ከትሳፍሕ እንከላ ነቲ ብማዕዶ ዝርኢ ተዓዛቢ፣ ርእሳ ኣብ ባይታ ዘተቐብረ ክመስሎ ባህርያዊ እዩ። ሰገን ግን ኣብ ግዜ ጸገም ይኹን ራህዋ ፈጺማ ርእሳ ኣይትቐብርን’ያ ኣብ ወጣሪ ግዜ ኣብ እብጽሓሉ ድማ፣ ርእሳ ዘይኮነት ትቀብርሲ ብህድማ እያ ትምርቀፍ። ነፍሰ ምክልኻል ክትገብር እንተደኣ ኮይና ድማ፣ ብህድማን ኣእጋራ ብምንዳሕን እያ። ክንዲ ዝኾነ እዚ ብሂል፣ ካብቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ዝነቀለ ደኣ’መበር ሓቐኛ ምስሊ “ወይ ብርግጽ ርእሳ ስለ እትቀብር ኣይኮነትን።

 

ብዕራይ ማህጺ ( ድኻታት ናይ ምሕጋዝ ወግዒ፣ ኣብ ብሄረ ትግርኛ)

ማህጺ ፣ብመሰረት ባህሊ ሕብረተሰብና፣ ጽሩይ ዕለት ስራሕ ዘይኮነ’ወይ’ወን ዕለተ ከቢድ በዓል ዘይኮነ መዓልቲ ኮይኑ፣ ኣብቲ ወሳኒ ናይ ዘርኢ እዋን፣ ከምዚ ዝመሰለት መዓልቲ ትልለ’ሞ ኣብዛ ዝተመርጸት መዓልቲ ኩሎም ናይታ ዓዲ ኣብዑር ተጠርኒፎም ነቶም ኣብዑር ዘይብሎም (ድኻታት) ደቂ ዓዲ ንኽሕርስዎም ዝውሃበሉ ኣገባብ’ዩ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ድማ፣ ገለ ክፋል መሬት ዓዲ ንሕዛእቲ ብዕራይ ይምደብን ካብታ ዓዲ ሓላዋይ ይምዘዘሉን’ሞ ብመሰረት ሕጊ ንጸባን ቅዋም ዓድን ዓስቢ ሓላው-ሕዛእቲ ብዓይነትን ዓቐንን ተነጺሩ ይስላዕ። ኣብ እዋን ቀውዒ ኸኣ ካብ ነፍስ ወከፍ ገባራይ፣ ብዕራይ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፣ እቲ ስልዒት ይኸፍሎ። እቲ ክሕሎ(ተሓዚኡ) ዝኸረመን ዝሓገየን ሕዛእቲ ፣ ዓዲ ኣብ ዝመደበቶ ወቕቲ ወይ ወርሓት ናይታ ዓዲ ኣብዑር ብእኹብ ከም ዝበልዕዎ ይግበር። እቲ ብዕራይ ዘይብሉ ገባራይ ( ወዲ ዓዲ) “እቲ እጃመይ፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ክሕዛእ እትብልዎ ዘለኹም ዝርከብ መሬት፣ ንኻልእ ዘርብሓኒ መዓላ ከውዕሎ እየ። ብዕራይ ስለዘይብለይ ኣይሓዝእን..” ኣይብልን። ወይ ‘ወን “ኣነ ብዕራይ ስለዘይብለይ ዓስቢ ሓላው ሕዛእቲ ኣይምልከተንን ኣይከፍልን…” ኣይብልን።

ኣቲ ወናኒ ብዕራይ እንተኾነ’ወን ኣብታ ኩሎም ኣብዑር ዓዲ ንድኻታት ተመቃሪሖም ክሕረሱ ክውዕሉ ብ ኣነባበርቲ ዓዲ ዝተመደብት ዕለት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተጉላባነት ንኹሎም ብዝሒ ኣብዑሩ ከየጉደለ እዩ ዘረክብ። ሽማግለ ዓዲ ዘለው ብዝሒ ኣብዑር ናብቶም ድኻታት ብማዕረ ኣመቓሪሖም ምስ ወድኡ ናይ መነመን ኣብዑር ንመነመን ይወሃቡ መዲቦም ምስ ኣጻፈፉ፣ ቅድሚ’ቲ መዓልቲ ኣቐዲሞም ነቶም ተጸበይቲ “ ነዚ ዕለት፣ ክንድዚ ጽምዲ ኣብዑር ተመዲቦምልካ ስለዘለው ተዳሎ..” ብምባል ንኩሎም ይሕብርዎም። እዞም ዝተባህሉ ተጸበይቲ ብወገኖም መምስ ቤተሰቦምን ኣዕሩኽቶምን ተጣሊሎም ዘድሊ ናውቲ ማሕረስን ዘተሓርስዎም ሰባትን ዘርእን ቀሪቦም( ኣዳልዮም) ብምጽናሕ፣ (ግራውቲ) ይሓርሱን ይዘርኡን። በዚ ድማ ኣብቲ ወሳኒ ናይ ዘርኢ እዋን ናይ ኩላቶም ገራሁ ይዕመም።

 

ሓልፈ (ጽጉም ናይ ምንባይ፣ ባህሊ)

ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብና (ኤርትራ) ምልማን፣ ለማናይ ኾይንካ ብልማኖ ህይወትካ ምምራሕ፣ ኣዝዩ ነውሪ፣ ነቲ ውልቀ ሰብ ይኹን ንቤተ ሰቡ ንዓዱን ዘጽርፍ፣ ዘይቅቡል ስነ ምግባር’ዩ ዝነበረ። ከምኡ እንተገበረ ዘይኽፈኣሉ፣ ካብ ዓዱን ስድራኡን ርሒቑ ኣብ ትሕቲ ኣብ ገዳም ዘይተጠርነፈ መምህር ዝመሃር ዘሎ ናይ መንፈሳዊ (ሃይማኖታዊ) ተምሃራይ፣ ወይ ድማ ንክትሳለም (ክትነግድ) ናብ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዝርከብ ታቦት (ቤተ ክርስትያን) እትጉጓዓዝ ዘላ ስንቃ ክትጸውር ዓቕሚ ዘይብላ ናይ ገዳም ፈላሲት ጥራይ እዮም ነይሮም። ካልእ ዝኾነ ሰብ ክልምን እንተ ተራእዩ ግን “እንታዋይ እዩ…? ኣበይ እዩ ዓዱ..?” ተባሂሉ ይሕተተሉን ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት፣ ኣብ ከም ጓይላ፣ ወፈራ ስራሕ ..ዝመሰሉ እኩብ ሰብ ዘለዎም ዕላላት እታ ዓዱን ደቂ ዓዱን መጫረቕን መዛረብን ይኸውን።

ን ኣብነት፣ ኣብ ሓባራዊ ጓይላ፣ “ደቂ ዓዲ እገለ…..ደኣሓልፍኹም ዘይትናብዩስ ከመይ ቢልኩም ቅድሜና….ማዕረና ..ከበሮ ክትዕደሉ..” እናበሉ የካሻምሽዎም። እዚ ንባዕሉ ነቶም ደቂ’ታ ዝተጠቅሰት ዓዲ ሓያል ጸቕጢ እዩ ዝፈጥረሎም።

”ሓልፈ” ማለት፣ ሓደ ዝናበረሉ ሃብትን ጉልበትን፣ ናባዩ ውላድን መቕርብን ዘይብሉ ግዱዕ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓዲ እንተ ኣጋጠመ ናይ ምንባዩ ሓላፍነት ዓዲ ተሰኪማ በብተራ ኣብተን ስድራቤት ናይታ ዓዲ ነንሓደ መዓልቲ ኣብ ገገዝአን ተቐቢለን ክቕልባኦ ከም ዘለወን ብዝእዝዝ ልምዲ ተማእዚዘን ዝናብያኦ ሰብ እዩ። እዚ ሎሚ ምስ ሓንቲ ስድራ፣ ጽባሕ ድማ (ጽባሒቱ) ናብታ ተረኛ ጎረቤት ዘላ ስድራ ዝሓልፍ “ሓልፈ” ነፍሲ ወከፍ ተረኛ ስድራ “ጋሻ ሃደ መዓልቲ ኣይኸዓበካ” ብምባል ጽቡቕ ገይራ እያ እተውዕሎ። ከከም ስፍሓት ናይታ ዓዲ፣ ንሓንቲ ስድራ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ እዩ ድማ ክምለሳ ዝኽእል።

ብዛዕባ ክዳን “ሓልፈ’ ቤተ ክርስትያን ሓላፍነት ወሲዳ ፣ ካብ ዘለዋ ናይ ሞባእ( ኣምሃ) ኣታዊ ብስቱር ዝውሃብ ልብስ ክዳን ትህቦን። ብኸምዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ፣ ሃብቲ ፣ ጉልበትን ናበይትን ንዘይብሉ ወዲ ዓዲ እትናብየሉ ኣገባብ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ይስርሓሉ ነይሩ።

እዞኦምን ካልኦትን ከምዚኦም ዝበሉ ህዝቢ ዝነባበርሎም ሕግታት ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዳዕሮን መሰልቱ ዓበይቲን ፈረይትን ኣግራብን ተኣኪቦም እዮም በብሓጎታትና ዝሕገጉ ዝነበሩ።

እዚ ልምዲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዳርጋ ጠፊኦም እዮም።

 

ጸባ ዓርበ ረቡዕ (ናይ ስራሕ መንፈስ ዘዕቢ፣ ጭውነት)

ዝጠብዋ፣ ኣዴታተን ዝሕለባ ምራኹት ናይ ሓንቲ ዓዲ ብምሉአን ተጠርኒፈን ኣብታ ዓዲ ዘለው ድኻታት ቆልዑ፣ ብፍላይ ዘኽታማት ተመምዮም ከም ዝጓስይወን ይግበር። ከም ዓስቢ ናይ ሓላው ምራኹት ድማ ነቲ ጓሳ ምራኹት ሰሙናዊ ናይ መዓልቲ ረቡዕ ወይ ድማ ዓርቢ ሕልባት ጸባ ናይ ኩለን እተን ዝጓስዩወን ምራኹት ኣዴታት ተሓሊቡ ይወሃቦም። በዚ ድማ እቶም ድኻታት ቆልዑ ዓቕሞም ዝፈቕዶ ስራሕ ተኸፊትሎም ሰሪሖም ጸባን ወጽኢት ጸባን ረኺቦም መነባብሮኦም ይጽገን ( ይሕገዙ) ከም ባህሊ ድማ ናይ ተጸባይ ምጽወታ ዘይኮነስ ናይ ሰሪሕካ ብረሃጽካ ምንባር ባህሊ ከም ዝሰርጾም ኮይኖም ይዓብዩን ናይ ሰሪሕካ ህይወትካ ምምራሕ ኣተሓሳስባ የማዕብሉ።

 

ያታዊ ምሕደራ መሬት

ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ሕግታት እንዳባን ቅዋማትን ዓድታት ከባቢታትን ብስሩዕ መዝጊቡ ( ኣብ ደብተር ኣስፊሩ) ክሰርሓሎም ዝጸንሐ፣ (ኳሕ፣ ማሕጸ፣ ርስቲ፣ ጽልሚ፣ ዴሳ..) ዝተባህሉ ኣገባባት ዋንነት መሬት ከም ዝጸንሕዎ ዝተፈልጠ እዩ።

ካብዚኣቶም ዴሳ፣ ድሒሩ ዝኣተወ፣ ምዃኑ’ወን ይፍለጥ። ኣብሓጎታትና “ ንሰባት ድኻን ሃብታምን ካብ ዝገብርዎም ረቛሒታት ሓደ ስፍሓት ዝውንንዎ ትሕዝቶ መሬት ምዃኑ ተገንዚቦም፣” መሬት ኩላትና ተወሊድናላን ብሓባር ንነብረላን፣ እንተሞትና ንቕበረላን፣ ጸላኢ እንተ ወረረ’ወን ብሓባርን ንክላከለላን ንሞተላን ስለዝኾና ብሓባርን ማዕረን ክንጥቀመላ ይግባእ” ዝብል ኣተሓሳስባን እምነትን ስለዘማዕበሉ ፣ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ዓዲ መሬት ብምውናን ሓሪሱ ብቐለብ ነፍሱ ክኽእል ብምሕሳብን ምዝጉብን ንጹርን ናይ ምሕደራ መሬት ሕግታት ሓጊጎም ክሰርሑሉ ጸኒሖም። ንመሬቶም ከኣ በብዓዱ ደዊቦምን ቦታ ጤሳ ( እምባ ኾለሎ) መንበር ኣሕሳር፣ ቦታ ሕርሻ መጋሃጫ፣ ሕዛእቲ..ወዘተ ብምባል መዲቦምን የመሓድርዎን ነይሮም።

ብፍላይ ኣብ “ዴሳ” ዋንነት ዘለወን ዓድታት ነፍሲ ወከፍ ወዲ ዓዲ ማዕረ ዝሕረስ መሬት ይዕደሎን ድሕሪ ዘዝተወሰነ ዓመታት ድማ ሓደስቲ ሓዳር ውጻእ ዝዕደሉሉን ዝሓለፉ( ዝሞቱ) ዝግለፉሉን ዳግመ ምዕዳል ወይ ድማ” መለሳ መሬት) ዝካየደሉን ኣገባብ ተኸቲሎም፣ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ዘዝተዋህባ መሬት ሓሪሳ ብቐለብ ርእሳ እትኽእለሉ ምሕደራ ፈጢሮም።

ሓረስታይ ከኣ፣ ኣብታ ዝተዋህቦ ናይ ሕርሻ መሪት ብዝተካእለ መጠን እቲ ዝደልዮ ዘሪኡ፣ ነፍሱ ክዕንግል ይጽዕር። እዚ ድማ መሰረት ናይ ርእስኻ ምኸኣልን ርእሰ ተኣማንነትን ኣብ ሕብረተሰብና ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።

ርእስኻ ምከኣል ድማ፣ ጸኒሕ፣ ናይ ጭዋ ሕብረተሰብና ያታ እዩ።

 

“ዳሕራይካ ገዲዱ”

ሰበይቱ እትመልኮ ሰብኣይ ነይሩ ይብሃል። ሓደ ንግሆ ንማሕረስ ክነቕል እንከሎ፣” ሎሚ ምሸት ብዘይ መዲድ ትኣቱ፣ ምሸትኻ ክቐልጦ ‘የ” ብምባል ሰበይቱ ሃዲዳ ኣፋነወቶ።

ኣብዑር ቖሪኑ ክሓርስ ምስ ጀመረ፣ ኣብ መንጎ ዘረባ ብዓልቲ ቤቱ ትዝ በሎ።” ኣይ…ሎምስ እንካ ክትድረረኒ እያ። ቆርበተይ ክጽይቕ’የ” ብምባል ኸኣ፣ ኣብዑር ብቑሩናቶም አዲፍዎም ናብ ምንዳይ መዲድ ከደ።

ብኣጋ ስለ ዘይረኸብ ድማ ድንጎየ። ምድንጓዩ ዘሻቐላ ብዓልቲ እንድኡ፣ ናብ ግራት መጸት። ኣብዑር ተቖሪኖም፣ ሰብኣይ ግን ኣልቦ!

በቲ ግዜ’ቲ ፣ሸፋቱ’ወን ይፍርሁ ስለዝነበሩ ፣ ዓዲ ብዓዳ ናብ ምእላሹ ወፈረት። ክረኽብዎ ግን ኣይከኣሉን። ዝገብርዎ ጨነቕዎም ናብ ቤቱ ተመሊሶም ኮፍ በሉ።ከምዚ ኢሎም ኣብ ከቢድ ሓሳብ ከለው፣ ሰብኣይ ሃንደበት ህሩግ በሎም። ነቲ ተሰኪምዎ ዝመጸ መዲድ ‘ዱብ” ኣቢሉ ኸኣ፣ መዓልኩም የብላ፣ እንታይ ረኸበኩም የብላ? ምስኣቶም ሕውስ ኢሉ፣ ተቐመጠ።

ሽዑ ሓደ ኻብቶም ክጽበይዎ ዝወዓሉ ብመጋብሩ ኣስተንኪሩ፣ ብድድ በለ።

“ ….ኣንታ ኣይተ እገለ ንሓዳሩ ቑርዲድ ሰብኒ ናብ ምድላይካ ንስኻን ናብ መዲድ ካብ ቀዳማይካስ እባ ዳሕራይካ ይገድድ “በሎ ይብሃል።