ጭርቓን ማሰኛታት

ጭርቓን ማሰኛታት

By Viviana Amanuel 29 January 2012

 

እቶ ምስ ኣሉታዊ ልምድታት እነጸግዖም ሓደ ሓደ ተርእዮታት ንጎድኒ ገዲፍና ፣ ብዓድታት ( ከባቢ ደርጃ ዛየዱ ዝነበሩ ናይ ጥዑይ ሃቀነ ጭርቃናት’ወን ዝውቱራት እዮም።ሰብ ገጠር፣ ንሰብ ከተማ ( ብማሰ ይጨርቕሎም፣ ኣመጋግባ ካብ ከባብ ናብ ከባቢ ክፈላለ ባህርያዊ ስለዝኾነ፣ ሓረስቶት ሃገርና፣ ብመሰረት ኣመጋግባኦም ወይ ጸጋታት ናይ ከባቢኦም ክጫረቑ ባህርያዊ ነይሩን ኣሎን። መጠን ስቡሕ መሬትን ኣቀማምጣን ናይ ዓድታት፣ ካብ ሓድሕዱ ዝፈላለ ምዃኑ ‘እዚ’ወን ካልእ ፣ ኣብ ሚዛን ናይ እወታ ምውርዛይ ክመጽእ ዝኽእል ረቛሒ እዩ። እዞም ኩሎም ዛዕባታት፣ ብመልክዕ ኮማዊ ጭርቃን ክልዓሉ ዝኽእሉ እዮም።

ሓደእዋን ፣ ሓደ ማሰኛ፣ ንተቐማጦ ሓደ ከባቢ፣” ኣንቱም በላዕቲ ስገም “ ክብል ምስ ጨረቐሎም፣ ግራዝማች ሓድጉ ዝሃብዎ ምላሽ፣

“ ኣንቱም ቆላሉ ..ቆላሉ

ከመይ ኢኹም ኣንቱም ቆላሉ

እንታይ ዃንኩም ደኣ ስገም ተቃልሉ

ስገም እንደኣሉ ርእሲ ኩሉ

ኣብ ርእሲ ጻዕዳ ጣፍ ዝምዓሉ

ኣብ ርእሲ ዕፉን ዝምዓሉ

እንተሓመምኩም’ሲ ስገም’ዶ ኣይኮንኩም ትብሉ?

ወዮ’ቲ ልብኹም ደኣ ኮይኑ ዕሽው ኢሉ።

እምበር ፣ ስገም’ዶ’ታ ተቃልሉ?

 

 

ካልእ ፣ ወግዒ

ማሰኛታት ነጋሽ ሳግላን ኣቶ ሓድጉ ስዮምን- ሓዲኦም ወዲ ከበሳ ሓዲኦም ከኣ ወዲ ቆላ ምዃኖም እዮም፣ ኣብ መስሓል ወደከለ ተራኺቦም። ኣብ ሓደ ገዛ ብሓባር ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ፣ ኣቶ ሓድጉ፣……..

“ኣንታ ከብትሲ ኣብ ቆላ ይበዝሓ

ጤለ -በጊዕ’ወን ኣብ ቆላ ይበዝሓ

እዛ ጽብሕኹም ክትጥዕም ክትጸብሓ

ጥሕሎኹም ትመጽእ መኽደን ኣወጢሓ

ጥዕምቲ ኢልካ’ሞ ትምስሓ

ኣብ ከብድኻ ትውዕል ኣሳፊሓ

እምበይተየ፣ እምበይተየ…

ደገ በጺሕና ክሻብ እንመጽእ

ሓንሻብ ጽንሓ”

ክብሉ ማሰ በሉ’ሞ ኣቶ ነጋሽ ሳግላ ድማ፣ ከምዚ ኢሎም መለሽሎም።

“ቆላሉ’የ ቆላሉየ

መሬትኩም ዝልሶ ጽብሕኹም ዝዓወሶ

ንሱ ኣንድዩ ንነብስኹም ዘሕፍሶ

ብእኡ እንድዩ ዝሕዘኩም ዓሶ።”

ድሕሪ’ዚ ኣቶ ሓድጉ “ዘረባኹም ኣይተኻእለን ብዘስምዕ’ ቃና፣

“ ነጊሽ’የ ፣ ነጊሽየ ሳግላ

ነጊሸ’የ ነጊሽ ሳግላ

ኣንታ ኣንታይ ኢኻ ዘልካያ ነዛ ቆላ

እዛ መልሓስካ ኣብ ውሽጢ ኮይና

ለውለው ትብል ኣላ

በጃኻ ‘ንዶ ተዓገሲ በላ

ትፈልጦ’ዶ ኢኻ ‘ከ ነታ ኣብ እግራ ዘላ?

ክብሉ ናብታ ኣብ እግሮም ዝነበረት በትሪ ኣመልከትሎም።

 

ተወሳኺ፣

ውሩይ ማሰኛን ኣላቃሳይን ኣቶ ገብረመድህን ብስራት፣ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ንሰብ ኣስመራ ዝገበሩሎም ማሰ’ውን ክንጠቕስ፣

ንሓደ ኣብ መሮኣ ዝረኸብዎ ብዓል ኣስመራ ክረኽቡ ዝበለዋ ማሰ’ያ እቲ ብዓል ኣስመራ ፣ ንኣቶ ገብረመድህንን ኣቶ ሓጎስን ንዝተባህሉ ዓርኮምን ፣ ብምኽንያት ዝረስሐ ክዳኖም ክጽይኖምን ክፍኽነነሎምን ተራእየ’ሞ ። ኣቶ ገበረ መድህን ኣውሎ ክብሉ ምስ ተንስኡ በቲ ጉዳይ ጀመሩ፣

“ ከመይ ኢኻ ሓጎስ ወዲ

ይዋእካ ወዲ ገጠር ወዲ ዓዲ

እናሓሎኻ ከክልተ ጽምዲ

እናሓለኻ ሓሓደ ጽምዲ

ቅድም ኢልካ ኣስመራ ክይተናዲ

ከይትመሃር ብዘመን ባእዲ ( ባዕዲ)

ምስ ምህሮ ክይትገብር ንግዲ

ምህርቲ’ኳ ውሑድካ ኣብ ዓውዲ።

በል ርኣዮ ኣስመራ-ጻዕዳ ዓዲ

ኣብ ባይታ ዝበጽሕ ኣኽብዲ

ማሕጺ ዘይፈግኦ ክሳውዲ”

በሉ ይብሃል።


ገጽኺ ኣበይ ኣሎ?

By Viviana Amanuel 29 January 2012

 

ሓደ እዋን’ዩ፣ ሓደ ኣቦ ዝኣኸለ ውላዶም ከመርዕውዎ ይደልዩ። ኮነ ድማ፣ “ወደሺ ደጊም በጺሕካ ኢኻ” ኢሎም መዋስብቶም ካብ ዝኾኑ ቤተሰብ፣ ጓል የምጽእሉ። ተመርዓወ። “ናይ ደስታ ግዜ ተዛዚሙ፣ ኩሉ መምህረሲኡ ምስ ሓዘ፣ መርዓዊ ፣ ልቦና ብዓልቲ ቤቱ ክምርምር፣ ንመርዓት “ኣበይ ኣሎ ገጽኪ” ኢሉ ሓተታ። ጓልያት ብ ኣመልካቲቶ ኣጻብዓ እናጠወቐት ኣመልከተትሉ።

መርዓዊ፣ ከምቲ ዝደልዮ ምላሽ ብዘይምርካቡ፣ እናጉሃየ፣ ኣንጊሁ ኣፋነዋ።

ዳግማይ እወን ኣቡኡ፣ ብተግባሩ እናጉሃዩ …መናብርቲ እትኾና ካብ ምእላሽ ከይሰልከዩ ኣመርዓውዎ። እዛ ካልኣይቲ እወን ዕጫ ቀዳመይቲ ገጢምዋ፣ ድሕሪ ናይ ሓደ ለይቲ ሕድሮ ኣሰራ ደኣ ሰዓበት።

ኣቦ መርዓዊ ብተግባራት ውልዶም ጎሃዩን ተቖጥዑን፣ “ወደሺ ክልተ ሳዕ ንዓኻ ዝኾና መርዑት ኣናድየ ኣምጽኤልካ። ግዳ እንተስ ብ ኣኻ እንተስ ብ ኣኣተን፣ ኣይተቓደኹምን ድሕሪ ደጊም ንዓኻ ትኸውን ባዕልኻ ኣልሽ ደኣ’ምበር ኣነስ ኢደይ ኣልዒለ ኣለኹ” በልዎ።

ወዲ ልቡ እትመልኣሉ፣ ንምእላሽ ቤተሰቡ ተፋንዩ ንነዊሕ መገሻ ደኣ ነቐለ።

ኣብ ጉዕዛኡ ድማ ፣ መቸስ መንገዲ ኣርብዓ ኩሉ ተጎዓዚኡ እዩ። ሓደ ሽማግለ፣ ኣብ መንገዲ ተጋነፍዎ። እቶም ሽማግለ፣ ከመይ ንቡር ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ፣ “ወደይ ናበይ ኢኻ ሓደ ስለን ክንብል” ኢሎም ከምቲ ንቡር ጠየቕዎ።

ንሱ ድማ፣ “ንቕድመይ ‘ ኢሉ ሓጻርን ካብ ባህሊ ናይቲ ሕብረተሰብ ወጻኢ ብዝኾነ ኣመላልሻ ደኣ መለሸሎም። ብዘረባኡ ዝተገረሙ ሽማግለ፣ ሓንቲ ቃል ከየምለቑ ነዊሕ ብሓደ ተሳለዩ።

ኣብ መንገዶም ድማ ቐባሮ ስለዝተጓአፍዎም፣ እቶም ሽማግለ ፣ “ ወደይ ንስለ ነብሲ ጽባሕ እወን ናባና’ያ ንቕበር” ኢሎም ንክቐብሩ ተማሐንዎ።

“ሕራይ ፍታውኩም ይኹን ግዳ ሕቶ ኣሎኒ” በሎም። እቶም ሽማግለ ፣ ብክፉት ልቢ፣ “ግርም እንታይ እዩ ሕቶኻ ?” በልዎ ከዳምዎ እናተሃንጠዩ።

“እዘን ዝሞታ ሰበይቲ ቀደም ድየን ሞይተን ዋላስ ሎሚ” ቢሉ ስጊንጥር ሕቶ ሓተቶም።

እቶም ሽማግለ፣ ቅድሚ ሽዑ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ተጓኒፍዎም ስለዘይፈልጥ፣ ብጥዕናኡ ተጠራጠሩ፣ ግዳ ክምልሽሉ ስለዘለዎም፣ “ ወደሺ ሕራይ’ዶ ከይኾንካ፣ ቐባሮ ሕጂ እናረኣና’ስ ፣ …..ቐደም እንተዝሞታ’ስ ቀደም ምተቐብራ” ቢሎም ደኣ ምላሽ ሃብዎ።

ዝኾነ ኾይኑ፣ ነዊሕ ብዝተጓዕዙ፣ ኣብ ደረት ዓዲ በጽሑ’ሞ፣ ኣብቲ ቅድሚኦም ድማ፣ ሓንቲ፣ ኣዝያ ውቕብቲ ልምዕቲ ግራት መሸላ ረኣዩ’ሞ፣ “ እዚ ብዓል ግራት፣ ብህይወት ኣሎ ‘ዶ ዋላ ሞይቱ’ዩ” ኢሉ ከም ናይ ቀደሙ ስጊንጥር ሕቶ ሓተቶም። ብስጊጥራዊ ሕቶታት ልቦም ዘጥፋኣሎም ሽማግለ “ ብህይወት ኣሎ “ ኢሎም ሓጻር ምላሽ ሃብዎ።

ኣብ መወዳእታ፣ ዓዲ ዝበጽሑ፣ ቅድሚ ምፍናዎም፣ “ ኣቦ ክሕንግረኹም’ዶ ዋላ ሕንጉሩኒ ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ሽማግለ፣ ጌጋ ቅድሚኡ ብዝሓተቶም ሕቶታት’ ብዛዕባ ጥዕናኡ እናሰላሰሉ፣ ተመሊሱ ከምዚ ዘኣመሰለ፣ ስጊንጥር ሕቶ፣ ምድጋሚ እናተገረሙ፣ “ ኣይሕንግረካ ኣይትሕንግረኒ፣ እንተደለካ ግን ኪድ ኣብ እንዳ እቶ በሎ “ ኢሎም ተሰናበትዎ።

እቶም ሽማግለ፣ ዘፍቕርወን ዘፍቕረኦምን ሽውዓተ ኣዋልድ ነበራኦም ቤቶም ብዝኣተዉ፣ እታ ሓንቲ ንእግሮም ማይ፣ እታ ሓንቲ፣ ቅያር ክዳን ትቕርብ’ ፣ እታ ሓንቲ፣ መግቢ ተዳሉ፣ ኣብ መንጎ’ዚ ብዛዕባ፣ ጉዕዞኦም ይሓተኦም ነበራ።

እቶም ሽማግለ፣ “ ከም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጉዕዞይ ተጋጢሙኒ ኣይፈልጥ…” ቢሎም ዘረባ ብዝጀመሩ። ኩለን ደቆም ነቲ ጽዋ ክሰምዓ፣ “እንታይ ተጋኒፉኻ….” በላኦም።

“ሎሚ መዓልቲ፣ ሓደ መንእሰይ፣ ኣብ መንገድ ተጋኒፉኒ፣ ናበይ ሙዃኑ ድሕሪ ምሕታተይ …ብሓደ ሰለ ክንብል…….ተማሕጸንክዎ፣ እዚ መንእሰይ ግን…….. ጊንጥ’ዩ? ኢሎም ኩሉ’ቲ ኣብ ጉዕዞ ዝተብሃሃልዎ’ ብዝርዝር ንደቆም ነገርወን። ካብቶም ደቆም ሓንቲ መስተውዓሊት፣ ነበረት’ሞ፣ ኩሉ’ቲ ዝርዝር….ሕቶታት እቲ መንእሰይ’ ሓደ ብሓደ መለሸትሎም፣

“ኣብ መጀመርታ፣ ናብይ ኢኻ’ ምስ በልካዮ፣ ንቕድመይ ምባሉ፣ ሓቑ’ዩ’ ናብ ዓዲ እገለ ኪከይድ እየ ኢሉ ኣየንቀደን፣ ክልተ ግዜ ተመርዕዩ’ እተን ዘእተወን. ደቒ ኣንስትዮ፣ ስለዘቀዳዋኦ…ንቕድሚኡ እዩ ዝከይድ ነይሩ፣ እዚ’ዩ ዝብሎ ዕላማ ኣይነበሮን።

ካልኣይ፣ ብዛዕባ’ እንተን ሰበይቲ፣ “ቀደም ድየን ‘ሞይተን ሕጂ “ ኢሉ ዝሓተተካ’ ወሊደን እንተደኣ ኾይነን’ ሕጂ ‘የ ሞይተን፣ ውላድ እንተዘይብለን ግን፣ ቀደምየን ሞይተን ንምባል’ዩ” በለቶም

ሳልሳይ፣ “ብዛዕባ’ታ ልምዕቲ ግራት መሸላ፣ ዋናኣ ብህይወት ኣሎ’ዶ ሞይቱ ዝበለካ’ ዕዳ እንተደኣ ኣለዎ’ ሞይቱ፣ ዕዳ እንተዘይብሉ ግን፣ ብህይወት ክነበር’ዩ ንምባል’ዩ“ በለቶም።

ራብዓይ፣ “ክሕንግረኩም’ዶ ዋላ ትሕንግሩኒ “ኢሉ ዝሓተተካ’ ብዓንተብኡ ፣ ናብዚ ኢሉ ስለዘይነቐለ፣ መእተዊ ቤት ኣይነበሮን፣ ክንዲ ዝኾነ፣ ክትማልኡኒ’ዶ ዋላስ ኣነ ንቕድመይ ክማልኣኩም ንምባል’ዩ። ኢላ ኩሉ እት ዝርዝር፣ ገለጸትሎም።

ሕጂ ኣበይ ኣሎ? ኢላ ድማ ሓተተቶም፣ ኣብቲ ዘለዎ ቦታ ሓበርዋ’ ጸብሒደሆ ሰርሐ ድማ’ ብ ሰራሕተኛኦም ገይራ ለኣኸትሉ። ኣብ መንገዲ ግን፣ ወያ ሰራሕተኛ’ካብቲ፣ ሃዋ ሃዋ ዝመልስ፣ ጸብሒ ደርሆ’ ሓንቲ ዓጽም በልዐት፣ እቲ ተረፍ ድማ’ ነቲ መንእሰይ ሃበቶ።

ወዮ መንእሰይ፣ ነተን ዝተረከበን ዓጽሚ፣ ብፍቕዲ ከዋክብቲ’ ተርጉሙ’ ክንድዚ ተረኪበ ኢሉ መለሲ ለኣኸላ’ ንጋል እቶም ሽማግለ።

እታ ለባም ጓል ‘ቶም ሽማግለ ድማ’ እታ ሰራሕተኛ ሓንቲ ከም ዝበለዐት ተገንዘበት……………

ኣብ መዛዘሙ’ ኣብ ቤት እቶም ሽማግለ ተዓዲሙ’ ምስታ፣ ናይ ልቡ ጓል ተራኸበ። ተመርዓዋ ።

“ገጽኺ ኣበይ ኣሎ?”

ንስኻ!


ያላኻ ምስ ጥዑም’ ውግዕታቱ

By Viviana Amanuel 29 January 2012

 

ጓሶት ብሄረ ትግርኛ፣ ኣብ መሮር፣ “የላኻ-የላኻ’ ወይ ኣብ መገዲ ጸኒሐን ገው የብላኻ” ወይ እንታይ ክብላኒ ንዓይ -ን ኣያኻ’ እናተበሃሃሉ ክጻወቱ፣ ዓበይቲ ወን ኣንተኾነ፣ ውርዝነት ብዝመልኦ ኣገባብ፣ ኣብ ባይቶ ፣ ኣብ እንዳ ሓዘንን ካልኦት ኣጋጣሚታትን፣ ንሓድሕዶም ‘የላኻ” ክበሃሃሉ ምርኣይ ልሙድ’ዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ጭርቃናዊ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ያታታት ብሄራትና ዘሎ’ዩ።

ኣብ መንጎ ተበሃሃልቲ ፣ ዝለዓል መጎተ ከኣ ፣ ገሃስቲ ወይ ሃሰይቲ ዘይኮኑ ምቁንጻባት ዝሓዘለ እዩ። ብሰንኪ የላኻ ኮርዩ “ኣይትሓዙኒ” ዝብል የለን። ሓይሊ ያላኻ ናይ ብጓቲ፣ ክልተ ጎድኒ ዝጥውቕ ምስ ዝኸውን’ወን ክኢልካ ኣይክኢልካ-ብተመሳሳሊ መገዲ “ ብየላኻ ‘ኢኻ ሕነኻ ክትፈዲ እትህቕን።

የላኻ ዝብል ቃል ላህጃኡ ናይ በለካ’ ዝብል ቃል እዩ። እዚ ጽወታ ብግጥማዊ ኾይኑ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ፣ ኣብ ኣበራት ናይ መቐናቕንቲ ዘተኮረ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ኣዚ ብኻልእ መዳይ ክትርጎም እንከሎ፣ ኣብ የላኻ ዝጽምድ ሰብ ኣንነታዊ ሸንኽ ባህይኡ እዩ ዘንጸባርቕ።

የላኻ ከም መልክዕ ምብህሃ፣ ክረኣ እንከሎ ግን፣ ጽልዋኡ ዳርጋ እወታ’ዩ። መንፈስ ኣብ መንጎ በሃልቱ ዝጸንሐ ናይ ፍቕሪ ምትእስሳር እዩ። ጓሶት ከም መዋዕልቲ መጠን፣ ብዛዕባ ፍቕራዊ ጉዳያቶም ይኹን ካልእ፣ እናተጎጣጠዩ ይዛናግዑ። የላኻ ዝብሃሃሉ ዓበይቲ’ወን ኣዕሩኽ ፣ መዛኑን ናይ ሓባር ተመክሮ ዘለዎም ኾይኖም ኢና እንረክቦም።

የላኻ ከም ጥበብ ወይ ከም መልክዕ ፣ ምስ እንርእዮ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብውሩያት ክኢላታት ኣፋዊ ስነ ግጥሚ ዝብሃል ከም ዘይኮነ ክንጠቅስ ንኽእል። ከም ኣውሎ መልቀስ ምስ ዝኣመሰሉ ኦኣይነት ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ብዙሕ ምትእስሳር ዘይብሎም ሰባት፣ “ተልመዴን’ ዝያዳ የተኩሩሉ ምንባሮም ይግለጽ።

የላኻ ዕላማኡ ፍቕርካ ምግላጽ እኳ እንተኾነ፣ ትሕዛቶኡ፣ ነቀፌታዊ’ምበር ወደሳዊ ኣይኮነን።

ኣብ ርእሲ’ዚ ብየላኻ ዝመላለሱ ሰባት፣ ብዛዕባ ናይ ግጥሚ ክእለቶም ክዛረቡ ኣይረኣዩን’ዮም። ኣብ የላኻ ዝዝውተር …ግጥሚ ፍኹስ ዝበለን ምቕሉልን እዩ። ውስጠዘ የበሉን።

የላኻ፣ ሓደ ኣብ ኮሙ ከም በቓቕ ዝፍለጥ እንተኾይኑ፣ ብየላኻ ፈራሕ እንተኾይኑ፣ ብየላኻ ይጨርቐሉ።

ሓደ እዋን ኣብ ዓዲ ባሕሮ ኣብ ዝተገብረ ጸበል ናይ ገርግስ ክንቲባ እምነቱ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ዓበይቲ ናይቲ ዓዲ ዝነበሩ- ኣይተ ገብርሄት ገብረስላሴን ፣ ብየላኻ ተጋጠሙ፣ ኣይተ ገብርሄት ንከንቲባ እምነቱ፣” ኣውሎ ክብለልኩም ደየ “ በልዎም ፣” እንታይ ክትብለኒ ደሊካ ወዲ ሓውቲ “ በልዎም።

በልኩኹም፣

ክንቲባ ኣምነቱ፣ ከንቲባ ኣምነቱ

ክንዲ ምስ ዝኸውን ቁመቱ

መላእ ማሕስእ ዝመስል ኩሊቱ

ገዛ ገዛ ዝክር ደኣ ይፈቱ።

 

ነዚ ዝሰምዑ ከንቲባ እምነቱ ብወአኖም ‘ ሃእ..ኣቤት ዘረባ” ኢሎም ሰሓቑ፣ ብጸጋማይ ኢዶም ጭሕሞም እናስሓቡ ከኣ “ኣነስ ዝበለኪ ‘ዶ ስኢነ ወዲ ሓውቲ” ክብሉ ንግብረ መልሲ ተዳለዉ።

“ንዓይ ንገብራይ ደኣ እንታይ ክትብለኒ?

ክንቲባ እምነቱ፣ ኣይተ ገብርሄት ምስ ጣልያን ክዕስክሩ ሓቲቶም ንዘጋጠሞም ኣሉታዊ መልሲ ኣልዒሎም‘ዮም ጨሪቆምሎም።

በል በልኩካ ወዲ ሓውቲ’

ህ..

ገብርሄት ወዲ ሓውቲ- ገብርሄት

ወዱ ሓውካ ‘ዶ ዘለአነ

ብክብረተ

ማርቱ ኣዴካ’ዶ ዘይለመነት

ብክብረት

ንጣልያን ኬድካዮ ብህውታተ’

ኣብ ዓዲ ዃላ በለካ ክተተ

ንመንደፈራ’ወን በለካ ኣቫንተ

ዓደልገስ ክትበጽሕ ዓይንኻ ጸልመተ

ደንጎሎ ክትበጽህ ኣካላትካ ሞተ

ሓምሳ ገሪፎም በሏ ኣስኩተ

ባዕልኻ’ዶ ኣምጺእካያ ንውርደተ

ውረ ዳሕራይ መዓልቲ ምስ መን ኢካ ክትዛተ?

ከም ትርእዮ ኣብ ምልልስ የላኻ ስለዝተተንከፈ ዝሓርቕ ሰብ ክህሉ ዘይክእል ኣይኮነን። እንተኾነ፣ ከምዚ ዓይነት ግርጭት፣ ብዙሕ ዘየጋጥምን፣ ከጋጥም ትጽቢት ዘይግበረሉን እዩ። ብሰንኪ ጌጋ ጨራቒ ወይ ብሰንኪ ኣረዳድኣ ናይ ተሸምጣጢ ድማ’ዩ ክስዕብ ዝኽእል። ዝጨረቐሉ ሰብ፣ ንኹሉ ከም ዕቱብ ዝወስዶን ዘይተጻዋርን ምስ ዝኸውን፣ ጌገኛ ክብሃል ይከኣል። ንዝመጾ መጉጠይቲ ናይ የላኽ ብተመሳሳሊ መግዲ ሕነ ክፈድየሉ ምስ ዘይክእል ከኣ’ዩ ኣብ ቁጥዐ ዝኣቱ ። ጨራቒ በቲ መዳይ መንነት መቀናቕንቱ ዝግህስ ፣ ክለዓል ዘይግብኦ ውልቃዊ ዛዕባ ምስ ዝትንከፍ ከም ጌገኛ ክውሰድ ይከኣል። እዚ ድማ ዳርጋ ደይ መደይ ኢልካ ዝፍጸም ሃስያ እዩ። በቲ ካልእ መዳይ ኣብ የላኻ ፈጺሞም መሰረት ዘይብሎም ወይ ኣጋንኖ ዝተሓወሶም ጠቐነታት ክለዓሉ’ወን ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሃዋህው ናይ የላኻ ፣ ምትሕርራቕ ክስዕብ ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ብሓፈሻኡ፣ ክለዓሉ ናይ ዘይግብኦም ጉዳያት ንጹር ዶብ ስለዘየለ ግን ስሕት ኢሉ ምስሕሓብ ከጋጥም ይክእል ነበረ። እንተኾነ ፣ ንኩሉ ግርጭት ያታዊ ፈውሲ ነይርዎ….ይቅረ ምብህሃል።

ተቐማጦ ኦኣዲ ጉልቲ ዝነበሩ ‘ኣቶ ስብሃቱ( ወዶ ጎርሸ)ን ባሻይ ኪዳነን ወልደሩፋኤልን፣ ናብ ዓረዛ-ናብ እንዳ ራእሲ ኪዳነ ማርያም ይኹን ናይ ዝተፈላለዩ እንዳ ዓበይቲ ዝገሹ ፍትዋት ክኢላታት ኣፋዊ ግጥሚ እዮም ነይሮም። እዞም ኦኣበይቲ ኣዕሩኽ ስለዝነበሩ፣ ምእታዎም፣ ምውጻኦም ኮነ ምጋሾም ፣ ብሓደ ‘ዩ ዝነበረ። ገለ ካብ ደቂ’ቲ ዓዲ ከኣ “ ኣቦይ ስብሃቱን ባሻይ ኪዳነን’ሲ ሓሶት እናወሰኹ ‘ኳ’ዮም ብዓበይቲ ዝፍተዉ ዘለዉ” ክብሉ ይሓምይዎም ነበሩ። ኣቶ ስብሃቱን ባሳይ ኪዳነን ድማ ብድሕሪኦም እንታይ ከም ወረየሎም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣቶ ስብሃቱን ባሻይ ኪዳነን ከም ልምዶም ናብ ሓደ ውራይ ናይ እንዳ ኦኣበይቲ እናገሹ ኣብ መንገዲ ኣቶ ስብሃቱ “ ኣንታ ኪዳነ ዓርከይ ምስ ሞትኩ ብልቢ ከልቅሰለይ ዝኽእል መቑሰይ ንስኻ ኢኻ’ሞ ነቲ ሽዑኡ እትገብረለይ መልቀስ እንዶ ሕጂ ኣስምዓኒ ‘ በልዎም።- ንባሻይ ኪዳነ፣ ባሻይ ኪዳነ ሆየ፣ ነቲ ናይ ስብእነት ቁምነገር ብመገዲ መልቀስ ምንጋር ገዲፎም፣ ን ኣቶ ስብሃቱ ከምዚ ክብሉ እዮም ብየላኻ ዝመለሱሎም።

“ኣንታ ጎይታ በዓል ጻማ፣ ጎይታ

በዓል ቡሰት

ኣንታ ልሳነ ድርሰት፣

እንተትመውት እወ እንተትግሕተት

ከረው ‘ተትብል እወ እንተትግሕተት

ኣበይ’ሞ..

መላግብ ከፊትካ ምወጻእካ መታን ሓሶት”

ድሕሪ’ዚ፣ ኣቶ ስብሃቱ “ ኣይ ..ኣንታ ወድ’ያ ወልደርፍኤል! ምንክል ደኣ የብካ’ምበር ፣ ኣነስ ካባኻ ክሕሱ? ምሳኻ ‘ዶ ኣይኮነን ምዓለይ? ክብሉ ሰሓቕU።

ባሻይ ኪዳነ ድማ ትቅብል ኣቢሎም፣ “ እወ ሓቕኻ፣ ቀትሪ ቀትሪ፣ ብማዕረ ኢና ንሕሱ ፣ ለይተ ለይቲ ግን ንስኻ ትገድድ” ክብሉ መለሽሎም።

 

ኣቶ መብራህቱ ሓይላይን ከንቲባ ክብረኣብ ገድላይን ዘካየድዎ የላኻ ድማ ንመልከት፣

“ የላኻ መብራህቱ የላኻ”

 

እንታይ ክብላኒ ንዓይ ነ’ያኻ

“ ሃሮዳ ወዲ ሓይላይ ሃሮዳ”

፣ሃሮዳ ወዲ ዕቑባይ ሃሮዳ

ብዘበን ደራቡሽ ዝለመዳ

በሊዕወን ዘይከፍል ዕዳ”

 

በል የላኻ ‘ታ ወዲ ገድላይ የላኻ’

ኣብ መገዲ ጸኒሐን ገው የባኻ

ኣንታ ወዲ ገድላይ ፣ዓርኪ ጭሩም

ኣንታ ዓርኪ ሰርባይ፣ ዓርኪ ጭሩም

ልቡ ጻዕዳ ‘ንከሎ፣ ገጹ ጸሊም

ፈትየ ከይጸል ኣካ ዓርኪ ሕሩም።”

 

እዛ መገዲ ጸኒሐን ገው የብላኻ” ዝብል ኣበሃህላ፣ ንደቒ ሕድርትና የመልክት።

 

በሉ ናይ የላኻ ጽዋታት….ንሎሚ ኣብዚ ይኣኽለና፣ ካልእ ግዜ ድማ ብካልእ

 


ካብ ውዕሎ ሹም ፍረሓንስ (ጭርቃ)

By Viviana Amanuel 29 January 2012

 

ሓደ እዋን ፣ ሓደ ሰብኣይ ፣ ነገር ሓደጋ ኾይንዎ፣ በጊዕ ናይ ሓደ ዓዃይ ቀተለ’ሞ ፣ ቅድሚ ናብቲ ዋና በጊዕ ከይዱ እንታይ ከም ዝኽሕስ ምሕታቱ፣ ገጸ በረኸት ተማሊኡ ምኽሪ ክወስድናብ ሹም ፍረሓንስ ከደ። “ ኣትንቱም ጎይታና ሹም ፍረ ሓንስ፣ በጊዕ ቀቲለ’ሞ ክንደይ ኮን ትግምገም?” ክብል ተወከሶም።

ሹም ፍረሓንስ፣ ግጭት ናይ ሰባት ክፈቱ ዘይጽገሙ ሰብኣይ ስለዝነበሩ፣ ኣብ ገሊኡ ንስለ ጭርቓን፣ ባዕሎም ሰባት ከጋጭዉ ይረኣዩ ነይሮም እዮም። “ ኦይ ፣ ኣንታ ወደይ፣ ስጋኣ ሌማ፣ ዓጽማ ከረማ-በጊዕ ደኣ እንታይ ክግምገማ?” ኢሎም መኽርዎ። ድሕሪ’ዚ ፣ ወይ በጊዑ ዝተቐትለቶ ሰብኣይ ከኣ፣ ናብ ሹም ፍረሓንስ ብተመሳሳሊ ዕላማን ኣገባብን መጸ’ሞ ክንደይ ዝኣክል ካሕሳ ክሓትት ከም ዘለዎ ሓተተ። ሹም ፍረሓንስ’ሆየ፣ ንዕኡ’ወን ፣” እዋእ ፣ ስጋኣ ቆጮ ፣ ቆርበታ ወጮ- ዋጋ በጊዕ ደኣ መን ክወጮ?” ቢሎም ፣ መኺሮም ሰድድዎ። ድሕሪ’ዚ እታ ነገር ተባላሊዓ፣ ናብ ሹም ፍረሓንስ ተመልሰት። ሹም ፍረ ሓንስ ከኣ፣ እቲ ቀዳማይ ምኽሮም ናይ ጭርቃን ምዃኑ ሓቢሮም ንክልቲኣቶም ሰብ ነገር ከም ዝግባእ ዓሪቆም ሰድድዎም።