ሕልሚ ፈሪሕካ፣ ከይደቐስካ ኣይሕደርን

By Viviana Amanuel 30 January 2012

 

ሂትለር ዳርጋ ምሉእ ዕምሩ ከይተመርዓወ ሓሊፍዎ። ቅድሚ ነብሰ ቅትለት ምፍጻሙ ኣብ ዝነበራ ሰለስተ ሰዓታት’ዩ ተመርዕዩ። ቅድሚኡ ግን ምስ ዝኾነት ጓል ኣነስተይቲ ኣብ ሓደ ቤት ክቕመጥ ይፈቱ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ፣ እታ ዝምርዓዋ ሰበይቲ ዕስብቲ ( ሰላይት) ከይትኸውን’ሞ ኣብ እዋን ድቓሱ ከይትቐትሎ ይፈርሕ ስለዝነበረ እዩ።

ኣዕሩኽ’ወን እንተኾነ ኣይነበርዎን። ዕርክነት ምምስራት ማለት በቲ ሓቐኛ ትርጉሙ ኣብ ልዕሊ ካል ኦት ሰባት እምነት ምሕዳር ስለዝኾነ። ሂትለር ግን ነዚ ትዕድልቲ’ዚ ኣተዓደሎን። ኣዕሩኽ ከጥን ምስ ጓል ኣአስተይቲ ፣ ብፍቕሪ ክዛመድን ቅሩብ ኣይነበረን። ንክልቲኡ ብስግኣትን ኣሉታዊ ጎድኒን ይጥምቶ ስለዝነበረ እዩ።

ንሕና’ ኸ ከመይ ኢና?

ህይወት ውህደት ናይ ክልተ ጫፋት’ያ “ ክንዲ ዝኾነ ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቐስካ ኣይሕደርን። ንኹሉ ክትቕበል ድልው እንተዘይተኻኢሉ፣ ባዶሽ ምንባር። ንነገራት ኣብ ክንዲ ብ ኣሉታዊ ሸነኻቶም ጥራይ ምጥማት፣ ብእወታዊ ጎድኖም ክንርእዮም ክንክእል ኣሎና። እዚ ክወን ኪኸውን ድማ’ ተበግሶ ምውሳድ ፣ ተበግሶ ምውሳድ ጥራይ ግና ኣኻሊ ስለዘይኮነ፣ ብእወታ ምስላይ።

እቲ ንዓና ጽቡቕ ዝረኣየና ኣብ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ዘክኸውን ይኽእል’ዩ ። እዚ ግን ኣብ ናይ ካልኦት ስባት   ሓሳባት ምሉእ ብምሉእ ምርዓም ከስምዕ ኣይግባእን። ነቲ ዘድልየና ወሲድና ነቲ ዘየድልየና ድማ ብምግዳፍ’ምበር። በዚ ከኣ ሓንቲ ዓለም ሓደ ሕብረተሰብ ክንከወን ዘኽእል ባብ እዩ።


ግብርኺ የሰኒኺ

By Viviana Amanuel 16 January 2012

 

ጽውጽዋይ ኣብ ጽሑፍ

ካብ ንእስነቶም ብሓባር ሓመድ ቑሒሞም ዝዓበዩ፣ ንስለ ዕርክነቶም ጸጸር ዝውሓጡ፣ ሰብ ጸጋ እዮም። ንእስነትን ዕብዳንን ከየጋረዶም ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ሃብቲ ዘኻዕብቱ። ተማሕቢርካ ምሳሕ ብኣታቶም አጀሚሩ’ዩ ዚብሃል። ጠለ-በጊዕ እናጓሰዩ ዘጥረይዎ ልምዲ .. እማኑን ተማኑን እዮም ዝብሃሉ።

እማኑን ተማኑን ዓቕሚ ኣዳም ብዝበጽሑ ኣብ ንግዲ ዓለም ተዋፊሮም ይወናጨፉ ነበሩ። ወትሩ፣ ናብ ሓደ ቆፎ ካብ ሓንቲ መኣዲ ዝዕንገሉ። ሓደ ኻብቲ ሓደ ሕልፊ ዘይብሉ ዚናበሩ ዝለበስዎ ክዳን ዝረገጽዎ ጫማ ዘይፈላለ። ሓደ ኦኣይነት ሕብሪ። ዝፈላልዮም እንተነይሩ መዳቕስኦም’ዩ። ኣብ ሓደ እዋን ተመዕዪም ሓሓዳሮም ፈልዮም ስለዝነበሩ። ኣንስቶም’ወን ከምኦምየን ዝነበራ። ንሓድሕደን ዝከባበራ ፍቑራት ዘይገዳድዓ፣ ኪኖ ዝውንንኦ ዘይጥምታ።

ብፍቕርን ስኒትን ናይዞም ክልተ ግን ከኣ ሓደ ስድራ ዘይቀንእ ወዲ ዓዲ ኣይነበረን። ፍጹም ቅዱስ ቅንኢ ግን ኣይነበረን። እቲ ሓደ ቅንኢ ዚዕበልሎ ስሱዕ ቅንኢ።

እማኑን ተማኑን ኣርሒቖም ዝገሽሉ እዋን’ዩ ዝነበረ። ባሕሪ ዓዶም ንፈለማዮም ዝሰገሩ። ኣድክሚ ጉዕዞ’ዩ። ልዕሊኡ፣ ሃልከትከ ናይ ዝተዋፈርሉ ስራሕ ዝበዝሖ። ኣብቲ ዝደለይዎ ከተማ በጽሑ’ምበር ኣየዕረፈን። ዋኒኖም ንምስላጥ ከም ሰብ ኣይተዛነዩን። ወጊሓ ትዓርቦም። ኣህላኺ ስራሕ።

ሓንቲ መዓልቲያ፣ ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ሃልከትከት። እማኑን ተማኑን ናይ ዕላል ዕድል ረኺቦም ኮፍ ዝበሉላ ሰዓት ፣ ሳልሳይ ዘይብሉ ምዉቕ ዕላል ምስናይ ሰሓቕ። ኣብታ ህሞት’ቲኣ ዘይተሓስበ ድንገት ዱብ በሎም። ካበየናይ ከም ዝመንጨወ ዘይፍለጥ ሞሊቑ ዘረባ። ተማኑ’ዩ መልዓሊ ናይቲ ነገር፣ ኣንስቶም ኣልዒሎም እናዘከሩ፣ ነቲ ዓሚቕ ፍቕረን እናስተተኑ፣ ካብ ምሒር ናፍቖት ኣብ ባሕሪ ሓሳብ እናንሳፈፉ ሰይጣን ደፊእዎ። “ እማኑ ዓርከይ” በለ ተማኑ፣ ዝን ኢሉ ጸኒሑ ድምጹ ክብ ብምባል፣ ኣይወሓጦን፣ ክልተ ግዜ’ወን ኣይሓሰበን። በለ ደኣ፣ ‘እዘን ኣንስትናስ ብድሕሬና ሰብኡት ደኣ ከይለምዳ! በሊዐን በሊዐን ከይስውዳ…ኣነስ እጥርጥር ኣለኹ!”

እማኑ፣ “ነኢ እከይ ሓሳብ ብየማናይ ኢዱ ምልክት መንፈስ ቅዱስ ገይሩ” በስመኣብ” ነጸኦ። ተማኑ ግን ኣይተመልሰን። ኣብቲ ንጹህ ክንዲ ጣፍ ሕርኽርሕ ዘይነበሮ ልቢ ፣ እሾኽ ጨዓ ደኣ ነስነሰሉ፣ ዘድሚ።

“ኣነስ ንሰበይተይ ኣይኣምናን’የ…..ንስኻ ግን ይኣምና ካብ ትብል፣ ብካልኦት ዘይኾነ ባዕለይ መርትዖ ከቕርብ” በለ ተማኑ። ቅድሚ ሽዑ ብዘይነበረ ብህሪ ኣፍልቡ ነፍሐ። እማኑ፣ ነቲ ትዕግስቲ ዘይህብ ዘረባ ብልዝብ ከህድኦ’ካ እንተፈተነ ኣይኮነሉን። ‘እንተደኣ ሰበይተይ ከምዚ ትብሎ ምዃና ዘረጋግጽ መርትዖ ረኺበ ኩሉ ናይ ክልቴና ሃብቲ ንዓኻ ክኸውን ኣብ ቅድሚ ሓደ ኣምላኽ እምሕል “ በለ ኣማኑ። እምነቱ ከም ቀደም ኣንጺሁ።

ከምዚ’ያ ነይራ እታ መኻን መዓልቲ። ንኽልተ ፍቑራት ኣዕሩኽ ዝፈላለየት። ተማኑ መርትዖ ከምጽእ ንዓዱ ዝተመልሰላ።ጸይቒ ንምፍጻም ዝተበገሰ ሕልና ተንኮል ምምሃዝ መዘና የብሉን። ስለዝኾነ’ዩ ዚኸውን እታ ርህርህቲ ሰበይቲ እማኑ ዓርኩ ኣማዕድያ ኪመጽእ ምስረኣየቶ፣ ከምታ ገርሂ ቀደማ፣ ተቐቢላ ሰዓመቶ። ኣብ ጸጉሪ ርእሳ ዝነበረት መሰንተር ወለባ ብጥበብ መሺቱ ወሰዳ። ወለባ፣ በቲ ሽዑ እዋን ምልክት ቃል ኪዳን’ዩ ዝነበረ። እንትርፎ ምሸት ኣብ ቅድሚ ሰብኣያ ኣብ ንእዲ ካብ ጸጉሪ ርእሳ ዘይፍለ። ከም ዋልታን ጭማራን ናይ ቃልኪዳን ‘ዩ ዝነበረ።

በተንኮለ ዝዓገበ ተማኑ፣ በይኑ ናይ ምምላሱ ምኽኒት ኣቕረበ’ሞ ከይወዓለ ከይሓደረ ቀጸለ መገሻኡ። ተራኺቦም ምስ ዓርኩ ድሕሪ ሳምንቲ። ኣረከቦ’ታ ወለባ። ኣይተጠራጠረን ወለባ ብዓልቲ ቤቱ ምዃና እማኑ። ቃሉ ኣይዓጸፈን እቲ ናይ ክልቲኦም ሃብቲ ናይ ተማኑ ክኸውን ከተመሉ። ብዘይ ነግፈረግ ሓዲግዎ ኸኣ ተዓዝረ።

እማኑ፣ ናብ ካልእ ኣየበለን። ናብ ዕዱ’ዩ ተመሊሱ ። ገዛ ብዝኣተወ፣ ካልእ ቃል ኣየምሎቐን፣ ኣቑሕታ ክትጥርንፍ ነዊሕ መገሻ ከም ዝኸዱ ሓበራ- እታ ፍትውቲ በዓልቲ ቤቱ። ከምኡ ከኣ ገበረት ተተሓሒዞም ከዱ……ደንደስ ባሕሪ ድማ በጽሑ። እማኑ ዝቐረቦ ሳንዱቕ ነይርዎ። ኣብቲ ደንደስ ባሕሪ ኣብ ሑጻ ዝቐበሮ፣ ኣውጽኦ ከኣ። ንብዓልቲ ቤቱ ምስ ኣቕሑታ ኣብታ ሳንዱቕ ክትኣቱ ኣዘዛ። ምእዝዝቲ’ያ ። ከም ዝበላ ገበረት። ኣብታ ሳንዱቕ ሬሳ ኣተወት። ማይ ከም ዘይኣትዋ ገይሩ ሰመራ እማኑ። ብኹልንትንኣ ምስ ኣረጋገጸ ከኣ “ ግብርኺ የሰኒኺ” ኢሉ ናቢ ባሕሪ ደፍኣ። ሳንዱቕ ናብቲባሕሪ ጠለቐት። ጸንበለል እናበለት ከኣ ተዓዝረት።

ድሕሪ ነዊሕ ሳምንታት ኣብ ደንደስ ባሕሪ መሳይ ናይ ዝተባህለ ሃገር ንጉስ ፣ ዓሳክሩ ኣከቲሉ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ተወጢሑ ይኾልል ነበረ። ግዝኣቱ ንምቑጽጻር።

ባሕሩ ህዱእ’ዩ ዝነበረ፣ ምስቲ ንመንፈስ ዘዕግብ መዝሙር ናይ ኣዕዋፍ ምስቲ ባህታ ዚህብ ዕሙር ኣግራብ ናይ ደንደስ ፍስህቲ ንግሆ’ያ ዝነበረት።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት ፣ ኣብ ማእከል’ቲ ባሕሪ ፣ ሓደ ንእሽቶ ነገር ጸንበለል ክብል ረኣዩ። ሽሕ’ኳ ካብ ማዕዶ ኩሉ ንእሽቶ ኾይኑ ዝርአ እንተኾነ፣ መርከብ ከይትኸውን ኣይተጠራጠሩን። ናይ ገፈፍቲ ዓሳ ጃልባ ከይትኸወን’ወን ኣይተወላወሉን። መንፈስም ግን ምጭናቕ ኣይተረፎን።

እቲ ህዱእ ባሕሪ ሓይሊ ኣይነበሮን ቀልጢፉ ኣብ ጥቓኦም ክትበጽህ ኣይክኣለትን። ግዜ ተመጠጠ። ትርግታ ልቢ ንጉስን ዓሳክሩን ድማ ካብ ንቡር ዝያዳ ሃረመ። ኣብ ከምዚ ዘጨንቕ ኩነታት፣ ሓደ ወትሃደር ሓንቢሱ ከምጽኣ ፍቓደኛንነቱ ገለጸ። ካልኣይ ፍቓደኛነቱ ተኸተለ። ሳልሳይ ቀጸለ፣ ንጉስ ብትሃት ዓሳክሩ ተሓበነ። መርቑ ከኣ ኣፋነዎም።

ከቢድ ጻዕሪ’ዩ ሓያሎ ሰዓታት ዝወሰደ ። እቶም ስለስተ ፍቓደኛታት ከም ዕላማኦም ፈጸሙ። ነታ ሳንዱቕ ሒዞማ ኣብ ደንደስ ናይቲ ባሕሪ ና ዝነበረ ንጉስ ቀረቡ። ዝተሰመረ ብብልሓት ተፈንቒቑ ክኸፈት ኣዘዘ ንጉስ። ከምኡ ከኣ ገበሩ።

ንሳ’ያ እታ ጽብቕቲ ብዓልቲ ቤት እማኑ። ፍሩያት ኣኢንታ ቀባሕባሕ ይብላ፣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ትንፋሳ ተሓልያ፣ ንህየታ ጸኒሓቶም።

እዚ ተኣምር’ዚ’ሞ መን ይኣምኖ? ንጉስ ምስ ዓሳክሩ በብዘለውዎ ተዓንዱ። ፍጹም ደንጽይዎ ብልሓቱ። ንሰማይ ኣንቃዕሪሮም ንመሬት ጠሚቶም ምስጢሩ ዝነግር ሰኣኑ።

ማራኺ መልክዕን ቁመናን ናይታ ሰበይቲ ልዕሊ ኩሉ ነበረ ንንጉስ ዝሃወጾ። ኣይደንጎየን ትእዛዝ ንምምሕልላፍ..ክዳን ንግስቲ ንኽትክደን፣ ኣብ ሰረገላ ተወጢሓ ብፈረሰኛታት ተዓጂባ ቤተ መንግስቲ ክትኣቱ። ስለኣ ድግስተገቢሩ ትርሓሰና ኪብሉ መዃንንቲ ሃገር ተዓዲሞም።

ናይታ ዝኣተወትላ ምሸት ኣብ ዝፋን ተቐምጣ ኣኽሊል ደፊኣ። ንመዃንንቲ ተኸቢባ። ንዓኣ እዚ ኩሉ ሕልሚ’ዩ ዝነበረ።

ዕዱማት ምስ ተፋነዉ ንጉስ ናታ ንግስቲ ዝሰየማ ቀሪቡ ኢዱ እናነስአ፣ ናብ መዳቕሶ ክተምርሕ ሓበራ። ንሳ ግን ኣይተቐበለቶን። ፍቓደኛ ከም ዘይኾነት ኣትሪራ ገለጸት። ለዋህ’ዩ ንጉስ ። ንብዓታ ርእዩ፣ ኩልንትንኣ ተመልኪቱ ኣብ ውሽጣ ሓደ ምስጥር ኣሎ ኢሉ ስለ ዝሓሰብ፣ ንግዜ ክጽበ ደኣ ወሰነ። ሰይቲ ንጉስ ተባሂላ..ንግስቲ ተሰይማ፣ ብኡ ክትቕጽል ዝኾነ ምስጥር ከየምሎቐ ኪነብር ካ ብልቢ ኣመነ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ፣ ንግስቲ ኣብ ዕዳጋታት ናይታ እትንብረላ ርእሲ ከተማ ብፈረሰኛታት ተዓጂባ፣ ኣብ ሰረገላ ተወጢሓ ንኹሉ ኩነታት ህዝቢ ብ ኣንክሮ ትጥምቶ ነበረት። ኣብ መንጎ’ቶም ህዝቢ ብላይ ክዳን ዝተኸድነ ጸማልያ ንዚመስል ብትርኢቱ ኣዒታ ሰለባ ። መስኪን ድኻ’ዩ ። ብፍርሂ ኣንቀጥቀጠ ነብሰ ስጋኡ ፈረደ። ኣብ ቅድሚ ንግስቲ ቀሪቡ ርእሱ ኣድነነ።

ቃል ከየምሎቀት ኣብ ጎድና ኮፋቢላ ናብ ቤተ መንግስቲ ሒዛቶ ኣተወት። ንጉስ ገሪምዎ ብልሃቱ ጠፊእዎ ንየው ነጀው በለ።

ንሳ ግን..ድምጻ ክብ ኣቢላ ነቲ ድኻ ጋሻ ኩነታቱ ክገልጽ ኣጥቢቓ ሓተተቶ። እቲ ድኻ መን ምዃኑ ኪነግር ገበነኛ ከም ዝኾነ ኪምስክር እታ ዘላቶ በታ ዘላታ ..ታሪኹ ኪገልጽ ሓደ ክልተ በለ።

ድሕሪ ናይ ነቂሕ ዝርዝር ኣብ ሓንቲ ምዕራፍ ታሪኹ፣ ድምጹ ተለኽተ። ኣይከኣለን ኪቕጽል።

ኢልዋ ግን ነታ ቃል ..ሽዑ’ወን ደጊምዋ “ ግብርኺ የሰኒኺ


ጋማ ናይ ንግስነት ትእምርቲ

By Viviana Amanuel 16 January 2012

 

ዝኾነ ሰብ፣ እቲ ዝጀመሮ መጠነ ሰፊሕ ዋኒን ኣብ መፈጸምታ ኪበጽሓሉ እንድሕሪ ተረኺቡ፣ ተዓዊቱ ጋማ ኣሲሩ ይብሃል። ኩሉ ዝፈልጦ ዘበለ ኸኣ “እንቋዕ ሓጎሰካ” እናበለ ዩሃናኡ ይገልጸሉን ምስኡ ይሕጎስን። ኣብ መፈጸምታ ናይ ዝኾነ ውራይ ዚግበር ጓይላ፣ ኣታ ቀዳመይቲ ካብ ልቢ ፈልፊላ ባዕላ እትመጻ’ሞ፣ ነቲ ናይ ደስ ደስ ጽወታ እትኸፍቶ ደርፊ፣ እንቋዕ’ከ ከምዚኣ በለት’የ ጋማ ኣሰረት! እትብል ከም ዝኾነት ነፍሲ ወከፍና ዘይንፈልጣ የልቦን፣ ዋላ’ኳ እቲ ሓጎስ ናይ መርዓ እንተዘይኾነ።

ጋማ ግን እንታይ’እዩ? ጋማ ሓንቲ ንእሽትለይ ጻዕዳ ሻሽ ኣብ ርእሲ እትውደ እያ። ካብ ሓንቲ ሜትሮ ሻሽ ከኣ ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ጋማ ኪስራሕ ይኽእል። እቲ ክረአ ዘለዎግን እታ ንእስቶ ጻዕዳ ሻሽ ሒዛቶ ዘላ ትርጉም እዩ። ምስ ታሪኽን ባህልን ሕብረተሰብና ብዓሚቕ ዝተኣሳሰር ትርጉም ኣለዎ።

መበቆልን ኣመዓባብላን ጋማ ፣

መበቆል ጋማ ብዙሕ ፍሉጥ’ኳ እንተዘይኾነ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ከይኮነ ኣይተርፍን። ግሪኻውያን ካብ ኣፍሪቃ ሓያሎ ነገራት ተለቂሖም የዘውትሩ ምንባሮም “ ሆሮዶቱስ” የዘንቱ። ብዝኾነ ግን ጋማ ኣብቲ ናይ ግሪኻውያን ማራቶን እምብዛ ግኑን ነበረ። ግሪካውያን ተቐዳደምቲ እዚ ኹሉ ጎዩዮምን ላህሊሆምን፣ ሓንቲ ብቖጽሊ ኣውሊዕ ዝተሰርሐት ጋማ ንምጭባጥ እምበር ንኻልእ ኣይነበረን። እዛ ብውሊዕ ዝተሰርሐት ጋማ ጽንሕ ኢላ ናይ ነገስታትን ሃጸያትን ሮማ ኣኽሊል ኮይና ንረኽባ። እኝተኾነ ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃ ወን ነገስታት እወን ከም ናይ ንግስነቶም ምልክት ሓደ ሕብራዊ ጋማ የዘውትሩ ነበሩ። ነዚ ናይ ሎሚ ህዝብታት ዓፋር ዚመሳሰል። ካብ መርወ ሓሊፍና ናብዚ ናብ ነገስታት ሓበሻ እንድሕር መጺእና ከኣ ጋማ ብሰፊሕ ይዝውተር ነበረ፣ ወትሩ ንግስነታዊ ትርጉሙ እናቐጸለ፣ ካብ ነገስታት ሓሊፉ እወን ጋማ ምስ ምሉእ ንጉሰዊ ትርጉሙ ኣብ ባህልታት ህዝቢ ኪዝውተር ኣርኪብናሉ ንኸውን ኢና።

ራእስታት፣ ከንቲባታት ወዘተ……. ከኣ ከም ናይ ሽመት ምልክት፣ ምስታ ( ግምጃ እትብሃል ቀምሽ) ጋማ ኣዮም ዝቕበሉ ወይ ዝኣስሩ ዝነበሩ። ንኹሉ ኣብ ቅድሚኦም ዝጋጠሞም ተጻብኦታት ሰጊሮም፣ ነታ ጋማ ናብቲ ዝተወልደሉ ፣ ዓዲ ክእትውዋ ምስ ዘይክእሉ ፣ ሽመቶም ብላሽን ዘይሰርሕን ይኸውን ከም ዝነበረ ታሪኽ ሰኒድዎ ኣሎ።

ታሪኽ እወን ከም ዝምስክሮ፣ ደግያት ወልደንኪኤል ፣ ን ኣብነት፣ ንሃጸይ ዩሃንስ ኣይግዛእን ኢሎም፣ ንትግራዋይ ራእሲ ባይራኡ ምስ ሰራዊቱ ደምሲሶም ራእስነቶም ባዕሎም ኣወጁ’ሞ ነዚ ራእስነቶም ፈሊጥናልካ ኣሎና ምባልን ሓንቲ ሕብራዊት ጋማ ብወገን ናይ ባጽዕ ትርኩ -ግብጺ ከም ዝመጻኣቶም ያታ ይነግር።

ጸኒሓ ጋማ ( ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተጠቕሰ) ሃንቲ ንእሽቶ ብሻሽ ዝተሰርሐት ጻዕዳ ጨርቒ ኮነት። ትርጉማ ግን፣ እዚን ከምዝን ኢልካ ኪግለጽ ዘይከኣል ዓሚቑን ኣብ ህዝባዊ ኪነት ዝሰረጸን ነበረ። እቲ ኣውራ ትርጉሙ ጋማ ምስ ጅግንነትን ዓወትን ቀጥታ ዝተኣሳሰረ ነበረ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ጅግና ከከም ጅግንነቱ ዝፈላለ ጋማ ይቕበል ነበረ።

ጸላኢ ዝቐተለ፣ ኣንበሳ ዝቐተለ፣ ሓርማዝ ዝቐተለ፣ ጎባይ ዝቐተለ..ወዘተ..በብሕብሩ ዝፈላለ ጋማታት ይቕበል ። እቲ ሕብርታት ፣ ቀጠልያ ፣ ሰመያዊ፣ ቀይሕ ወዘተ……..ክነሱ ( መሲ) ብዝብል ኣሰያይማ ዚፍለጥ እዩ።

መሮኣዊ እወን ከም ጅግናን ንጉስን ስለ ዚውሰድ፣ ንሱን ብምሉኦም እቶም ዝሰንይዎን ወራድ መሮኣን ጋማ ምእሳር ጥራይ ዘይኾነ፣

“ኣለዎም’የ ጅግና ኣለዎም’የ!

ኣፍላየ.ኣፍላየ!

ዓሆሆሆሆ

ኣፍላየ ኣፍላየ!

ጅግና ኣለዎም’የ “ እናበሉ ይጭድሩን ይፍክሩን።

ንሱ ጥራይ ዘይኮነ መርዓዊ ብዓል ዘመን ተባሂሉ ‘ወን ይጽዋዕ። በዚ መሰረት ከኣ ወርሃት ሕጽነቱ ክሳብ ዝኣክል ኣይድፈርን ኣይክሰስን። ንመርዓዊ ዝደፈረ፣ ዝሃረመ ብሕጊ ይሕተት ። እቲ መርዓዊ ንጉስ በዓል ዘመን ስለዝኾነ ከኣ ፣ ኣብቲ ኣብ መንጎ መሓዙት ዚግበር ናይ ጽወታ መጎተ’ሞ ልክዕ ከምቲ ናይ ሓቐኛ መጎተ ኣከያዩዳን ወግዕን ዚፍጽም፣ ከም ዳይኛ ኮይኑ ዚሰርሕን ዚፈርድን መርዓዊ እዩ።

በቲ ሕብረተሰብ ዕዙዝ ክብሪ ብዘለዎ፣ ብመውስቦን ብውላድን ቀጻልነት ማይ ብየቱ ስለ ዘረጋገጸ፣ እዚ ኩሉ ክብረት ተዋሂብዎ ንጋማ ንንግስነትን በቒዑ ማለት እዩ።

ንግስነት ፣ ኣኽሊል ፣ ጋማ ፣ መርዓ ፣ ሓጎስ፣ ዓወት ጅግንነት ..ወዘተ ሓደ ኾይኑን ተኣሳሲሩን ቀሪቡ። እንታይ ምእንቲ ምባልን ኣብ ምንታይ ንምብጻሕን ኮን ይከውን? ዝብል ሓታታይ ኣይሰኣንን ይኸውን። ሕጋዊ ሕቶ’ዩ። እቲ መልሲ ከኣ ብዛዕባ መርዓን ዓወትን ጅግንነትን ንግስነትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ምዝራብን ምርድዳእን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድማ፣ 24 ግንቦት፣ ጋማ ሓርነት ዝኣሰረላ ዕለት ኮይና፣ ዓቢ ንእሽቶ ነዚ ዓወቱን ንግስነቱን ትእምርቲ ዝኾነት ጋማ ኣሲሩ፣

ዝኾነ ኮይኑ፣ ኣብቲ ኣሽሓት ዓመታት ኣቦሓጎታትን ኣቦታትን ዘዘውትርዎ ሓበሻዊ ክፋል ሕብረተሰብ ትርጉሙ ዘጥፈአ ወይ ዝተረስዐ ጋማ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ዓፋር ተዓቒቡን ዋዕዊዑን ኪዝውተር ይረአ ኣሎ።

ሓበሻዊ ሕብረተሰብ፣ ካብ ኣውሮጳዊ ባህሊ፣ ግልል ኢሉ፣ ነቲ ክብርን መንነትን፣ ጅግንነትን ንግስነትን፣ ሓጎስን ዝኾነ፣ ጋማ ናይ ንግስነት ትእምርቲ፣ ክምለሶ እላቦ። እትምንታይ’ሲ ጉዳይ መንነት ባህልን ስለዝኾነ።

ብርሃን ደኣ’ምበር፣ ጸላም ምንጪ የበሉን

By Vivana Amanuel February 12, 2012

ናይ ጽባሕ ሓጎስ ኣብ ሑቕፈ ናይ ሎሚ ጓሂ እዩ ዝሕባእ። ስቓይን መከራን ዘርኢ ዓወት እትዘር ኣሉ መሬት እዩ። እቲ ካብ ሰማይ ወሪዱ ንመገድኻ ዘዕኑ ኣይሂ .. ንእለቱ’ዩ ንመሬት ቀጠልያ ዝኸድናን ዘማእኩታን።

 

ኣብ ማህጸን ክስራን ዘርኢ መኽሰብ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ንዘሎ ፍጡር ዝድምስስ ህቦብላን መሸንቦባዊ ማዕበልን ከም ብሓድሽ ህይወት ንክትጥጥዕ’ወን የኽእል እዩ። እቲ ብኣርዓድቲ ሓሳባት ከም እትብህርር ዝገብረካ ለይቲ ንጽባቐ ናይቲ ብከዋኽብቲ ዝገረመ ደረት ሰማይ እወን እዩ ዘርእየካ።

ህይወት ከም ዝገበርካያ እያ።

ህይወት ከም ኣተሓሳስባኻ እያ።

ህይወት ከምቲ ክትኮኖ እትደልያ እያ።

ከምኡ’ወን ህይወት ከምቲ ንዝሓረኻዮም ሕብርታት ኣዋሲብካ ኣብ ጥርሑ ካንቫስ እተቑሞ ምስሊ እያ። ነቲ ክትርእዮ እትደሊ ጥራይ ኢኻ እትርኢ። ስለዚ እወታ ሕሰብ። ዋላወን ኣብ ግዜ ጸበባ ትብዓት ግበር። ኣብ ውሽጥኻ ነቕ ዘይብል እምነት ዓቑርካ ንኹሉ ሽግራትካ ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ። ጉዕዝ ድነን ጸላምን ወዲእካ ኣብ ብርሃን ከም ዝብጻሕ ብርግጹነት እመን። ንዓለም ብፍቕርን ድንጋጸን ተመሊእካ እንተነቢርካያ ኣብ ቅብጸተ ተስፋ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎኻ’ ጸቢብ እዩ። ንገዛእ ርእስኻ ትርዳእን ብዘይ ቅድመ ኩነት ተፍቕርን እንተኾይንካ ዘይሕጉስ ንክትከውን ዝገብር ምኽንያት የብልካን።

ክንደይ ካብ ህይወትና ኢና ዘይሕጉሳት ኾይና ነሕልፎን ዘይብቕዓትን ኮይና ዝስምዓናን? ክንደይ ግዜ ኢና ንነብስና ብነብሰ ነቐፌታ ነስክፋ? ክንደይ ግዜ ኢና’ኸ ገዛእ ሕልናና ኣዕሪብና መሊስና ንካል ኦት ኣብቲ ናትና ዓለም ከም ዝጥሕሉ ንገብሮም? ደለይቲ መንቅብን ነቀፌታውያንን ብምዃንና ጥራይ ክንደይ ዝምድናታት ከሲርና ኣለና? ኣስተውዕሉ ብእውታ ዝሓስብ ኣእምሮ ንኹሉ ዝኸውን ቦታ ኣለዎ። ንኹሉ ከኣ ይቕበል፣ እንተላይ ንዘይምእምእዎ ሓሳባት። ኣብ ውሻጠ ናይ ከምዚ ዓይነት ኣእምሮ ኩሉ ዓይነት ሓሳባትን ኣተሓሳስባታትን እዩ ዝእንገድ። ንኹሉ ድማ ክብሩ ከየጉደለ ግቡእ ቦትኡ የትሕዞ።

ብእወታ ዝሓስብ ኣእምሮ ሓራ ኣእምሮ እዩ። ናይ ብሓቒ ንመጻኢ ብተስፋ ምምዕዳው ክትክእል ድማ ንነብስኻ ካብ ኩሉ ዓይነት ነብሰ ፍትወትን ጸቢብነትን ሓራ ግበራ። ሓጎስ ናይ ኣእምሮ ምህዞ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ስለዚ ብእወታዊ ኣተሓሳስባ ኣቢልካ ኣብ ሕልሚ ቀትሪ ከይትሽመም ንቓልሲ ህይወት ኣትኪልካ ብምግጣም ሓጎስካ ምሃዝ።

ብሓደ ኩነት ወይ ፍቻመ ነብስና ከም እትሕጎስ ወይ ከም ዘይትሕጎስ ክንገብራ ንኽእል ኢና። ከም ኡ ናይ ምግባር ሓይልና ድማ ኣብ ኣተሓሳስባና እዩ ዘሎ። ብ ኣተሓሳስባኣ ጌርና ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ንዘጋጡና ፍጻመታትን ኩነታትን ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ኣለና። ኩሉ ሰብ ንህይወቱ ናይ ምፍጣር ባህርያዊ ትዕድልቲ ኣለዎ። ብሰንኪ ድኹም ኣተሓሳስባ ግን እዚ ትዕድልቲ’ዚ ናብ መርገም ተቐይሩ ንህይወት ኣብ ምዕናው ክውዕል ይረአ።

ተመክሮ ህይወትና ኣካል ናቲ ብዛዕባናን ከባቢናን ኣብ ኣእምሮና እንፈጥሮ ሒደት ልብ ወለድ እዩ። ኩነት ኣእምሮና፣ ብስምዒታትናን መንፈስናን ኣብቲ ካብ ህይወት እንምገቦ ጥረ ሓበሬታ ዘይኮነ ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ኣብ ኣእምሮና ንምስርሖን ንርድኦን እዩ ዝምርኮስ። ምሕጓስ ወይ ዘይምሕጓስ ፣ ድፍረት ወይ ሕንከት ፍቕሪ ወይ ጽልኢ፣ ኣብ ጉዕዞ ምንዳ ህይወትና እንፈጥሮም ናይ ገዛእ ርእስና መሕልማትን ሕንቃቐታትን እዮም። ብ ኣተሓሳስባ’ኮ ኢና ህይወትና ነማእዝን ፣ ከምኡ’ወን ውሳኔታትና ንትግብር፣ ሕልምታትና ክውን ክንገብር ንሕልን፣ ንደስታን ዕግበትን ህይወት’ወን እንብህግ።

ብእወታዊ ኣተሓሳስባዝምራሕ ሰብ ንኹሉ ፍጻሜታት ህይወት እወታዊ መልሰ ግብሪ እዩ ዝህብ። ንመልሰ ግብሩን ባዕላዊ ንታነታትን እናቖጻጸረ ድማ ንስምዒታቱን ድሌታቱን ይመልኽ። ንነብሱ ዝቆጻጸር ባዕሉ እምበር ከባቢኡ ከም ዘይኮነ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ። ሕጉስን ዕጉብን ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ንኽሎም ዘጓንፍዎ ፍጻሜታት ከከም ኣመጻጽኦም ተቀቢሉ ክሳስዮም ከም ዘለዎ ይኣምን። ንዝኾነ ዝመርጾ ምርጫን ሳዕቤናቱን ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ይወሰደሉ። ብሰንኪ ምርጫኡ ንዘጋጥም ፍሽለት ድማ ብምኽኒት ክጉልብብ ከይፈተነ ይቕበሎ። ዋልታ እወታዊ ኣመለኻኽታ ዓጡቑ ድማ ንነብሱ ካብ ኣሉታን ጎዳእቲ ነገራትን ይከላከለላ፣ ንጸላእቱን ነቐፍቱን ብእወታዊ ኣቀራርባኡ ረቲዑ መሊሱ ጸብለል ይብል። ዋላ’ወን ብጓሂ ተደኒሱ እንከሎ መንፈሱ ኣበሪኹ ካብ ድቁስ ህይወት ክገላገል ብምኽ ኣሉ ንነብሱ እንቋዕ ሃጎሰኪ ይብላ። ጽባቐ ብርሃን ምእንቲ ከለሊ ክሳብ ቻፍ እቲ ገለርያ ምጉዓዝ ኣየድልዮን። ኣብ ማእከል ጸላም ከዋኽብቲ ርእዩ ወጋሕታ ከም ዝቐረበ ምርግጋጽ’ወን ኣይእግሞን ዝርእዮም ከዋኽብቲ እንተዘየለው’ወን ብግርማ ይቲ ጽምዋ ለይቲ መንፈሱ ክዛነን ሩፍታን ሕውየትን ክስሞዖ ይኽእል።

እወታዊ ኣተሓሳስባ፣ ትምኒታዊ ኣተሓሳስባ ወይ ‘ወን ነብሰ ምትላል ኣይኮነን። ብእውታ ምሕሳብ ካብ ነብስካ ምህዳም ኣይኮነን። ብመሕልማት ነብስኻ ምድንግር’ወን ኣይኮነን። እወታዊ ኣተሓሳስባ ዝውንን ሰብ ንክውንነቱን ጸገማቱን ብከመይ ከም ዝግጥሞም ዝፈልጥ እዩ። ውጥናቱ እተጸብዮ ውጽኢት ምስ ዝኽልእዎ ነቲ ፍሽለት ይቕበሎ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሽግር ኣበይ ምህላዉ ኣለልዩ ንምእራሙ’ወን ይሓስብ። ኣሉታውያን ኩነታት ብተደጋጋሚ ምስ ዝሓልልዎ ከም ሻሙ ይቕበሎምን ንምግጣሞ ም ይሃልኽን። እዚ እዩ ከኣ ምስጥር እወታዊ ኣተሓሳስባ።

ኣእምሮኻ ብእወታዊ ኣተሓሳስባ ምልኣዩ ኣብ ህይወትካ ሰላምን ርግኣትን ምእንቲ ክዓስለካ ንኩሉ ነገር እውታዊ መልሰ ግብሪ ምሃብ ተማሃር። ዝኾነ እንተኾነ ጠመተካ ወትሩ ናብቲ ድሙቕ ሸነኽ ህይወት ኣቕንዓዮ። ኣብ ውሽጢ ኩሉ ዓይነት ኩነታት ንዘሎ ሕቡእ እውታን ጽባቐብ ኣድንቖ። ጥርጣረ ፣ ጭንቐትን ፍርሒን ንዘኣመአሉ ኣሏዊ ኣተሓሳስባታትካ ምስ ከም ተስፋ ትብዓት፣ ርእሰ ምትእምማንን ሓጎስን ዘኣመሰሉ እወታዊ ኣተሓሳስባታትካ ኣወድኖም። ብእወታዊ ኣተሓሳስባ እናተመራሕካ ምስ እትከይድ ከኣ እትነብሮ ዓለም መመሊሱ ዘሕጉስ ሕብራውን ምቹእን እናኾነልካ ይኸይድ ምህላው ክፍለጠካ እዩ።

ኣብ ልብኻ ዝዓቖርካዩ ብርኩት ፍቕሪ እንተዘይብልካ እወታዊ ኣተሓሳስባ’ወን ክህልወካ ኣይክእልን እዩ። ካብ መዓሙቕ ውሽጥኻ ፈልፊሉ ብዘይ ቅድመ ኩነት ዝውሕዝ ፍቕሪ እንተዘይብልካ ንሰባትን ኩነታትን ብእወታ ክትርድኦም ኣይትኽእልን ኢኻ። ንኻልኦት’ወን ብዘይ ቅድመ ኩነት ከተፍቕር እንተኾይንካ ክሳብ ንረብሓታትካ ምእንቲ ካልኦት ሸለል ንምባል ሩነት ክህልወካ ኣለዎ። ፍቕሪ ክትጎድእን ሕነ ክትፈድን ብዝደፋፍእ እከይ ውሽጣዊ ድርኺት ዘይሳቐ ናይ ሓዋሩ ጋሻ ልቢ እዩ።

ብስሱዕ ኣእምሮ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘመንጩ ኣእምሮ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣእምሮ ርትዓውን ሞራላውን ክመስል ዋላ እንተሃቀነ ንከንቱነቱን ኣጸያፊ ምስሉይነቱን ክኽዋውሎ ኣይክእልን ። ንካል ኦት እወታዊ ክትከውን መጀመርታ ምስ ነብስካ እወታዊ ምዃን ክትለምድ ኣሎካ። ንነብስካ ይቕረ ንምባል ፣ ሕሉፍካ ንምህዋይን ንነብስካ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ንምቅባልን ፍቓደኛን ቅሩብን ክትከውን ይግባኣካ። እቲ ንነብሱ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከፍቅር ዝኽእል። ቅድመ ኩነት ዘየቐምጥ ፍቕሪ ከኣ እዩ እወታዊ ኣመለኻኽታ ዝወልድ።

እወታዊ ኣመለኻኽታ ካብ ጸቢብ ቅድመ ፍርድታትን ኣድልዎታትን ሓራ ኣብ ዝኾነ ኣእምሮ እዩ ዝበቑልን ዝዓብን። ብቕድመ ፍርድታት ዝላደየ ኣእምሮ ምስ ገዛእ ቅድመ ፍርድታቱ ዝሰማማዕ እንተ ምስ ናይ ካል ኦት ግና ዝራጸም እዩ። ብጥርጣረታትን ምድንጋራትን እተከርደነ ኣእምሮ ከመ ኣቢሉ ብእወታ ክሓስብ ይኽእል? ብፍርሕን ዘይርግጹነትን ዝምራሕ ኣእምሮ’ኸ ንጣዕምን መቐረትን እወታዊ ኣተሓሳስባ በየናይ ዕድሉ ከስተማቕሮ ይኽእል?

እወታዊ ኣመለኻኽታ ንምውናን ኣብ ነብስኻ እምነት ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። ንብርሃን እምነት ናብ ጸላም ፍርሕካ ፈኒኻ ንፍርሕካ ኣምክኾ። እቲ ካብ ፍርሒ ፣ ስስዐን ጸቢብነትን ነጻ ዝኾነ ሰብ ‘ከምኡ’ወን እቲ ብእወታ ዘይቅድመ ኩነታዊ ፍቕርን ርህራሀን እተመልአ ኣእምሮ ዝውንን ሰብ እዩ ። ንነብሱን፣ ንካልኦትን ንህይወት ብዓባያን ብእወታ ክጥምቶም ዝኽእል እዩ።

Write a comment

Comments: 0