ብዓለማዊ መለክዒ ቅኑዕን ጌጋን ክንብል ንኽእል ?

Sunday 16, December 2012, by Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ሕብረተሰብ ብመንጽር ግዜን ኩነትን፣ እቲ ምስ ኩነታቶም ዝሳነ ቅኑዕ እቲ ኣንጻር ውድዓዊ ኣተሓሳስባኦም ዝኾነ ድማ ጌጋ ክብሉ ሰሚዕና ወይ ወን ገጢሙና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብርግጽ ግን እዚ ኣበሃህላ ቅኑዕ (ቅቡል) ድዩ?

ብመንጽር ኣተሓሳስባን ባህላዊ ብዙሕነትን (ሰብ ካብ ሰብ) ሕብረተሰብ ክብ ሕብረተሰብ፣ ኣተሓሳስባ ኪፈላለዩ ተመልኪትና ኣሎና። ርሑቕ ከይኸድና ኣብ ሃገርና ዘሎ ባህላዊ ብዙሕነት ብመንጽር ኣተሓሳስባን ስረተ እምነትን ኣዝዩ ዝተፈላለ እዩ።

ምናልባሽ፣ ተወለድቲ ትግርኛ፣ ሕቶ ድንግልና ከም ሓደ ብርቒ ነገር ሓሲቦም ንጓል ኣነስተይቲ ግዳይ ብዝገብር መልክዑ፣ ጥርሓ ጸኒሓ(ክብራ ኣይዓቐበትን) ተባሂላ ወጮ ኣጎምጉሞም ብዝሓሰረ መልክዑ ኣብ ኣድጊ ወጢሖም ንዓዳ ይመልስዋ። ብቤተሰብን መቕርብን (ዓዳ) ድማ ክብራ ዘይዓቐበት ብዘስምዕ ኩነታት (ኣብ ምሉእ ህይወታ) ዘይሃስስ ቃላት እናገበሩ (ዒደረ) ክጎጥይዋ ንቡርዩ። እዚ ከምዚ ዘኣመስለ ባህሊ ኣብ ብሄረ ትግርኛ ቅቡልዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ወዲ ተባዕታይ ወን (ቅድሚኡ ትሃልል ንዝነበረት እንተተመርዕዩዋ ዝወርዶ ኣደራዕ ወይ ወርደት (ምግላጹ ኣየድልንን) ካባኹም ስለዘይኾነ። … Read More

ኣብ ብሄረ ኩናማ ድማ ኣንጻሩ፣ ሕቶ ድንግልና ከም ዛዕባ ብዙሕ ግምት ኣይወሃቦን። ከም ኩሉ ሕብረተሰብ በቲ ንቡር ተኸቲላ ድንግልናኣ እንተጸኒሐ (ኣብ ቅርዓት ከምታ ኣዲኣ ዝወለደታ ብምጉያይ ምስ ክብራ ምጽንሓ ተመልክት) ከም ክብሪ ድማ ኣኮኣ ቀምሽ ይገብረላ። (ድንግልና ግና ብዙሕ ግምት ኣይወሃቦን።

ከም ተወሳኺ ናይ ብሄረ ኩናማ’ (ቶባ ፋላ) ዝብሃለሉ ኩነታት ሕጸ ወን ኣሎ። ኣብ ግዜ ሕጸ ዘይ ከም ካልኦት ብሄራትና፣ ብባህሊ ኩናማ፣ ኣብ ዕለተ ሕጸ፣ ሕጸ ዘፍርሱ ወይ ወን ከም ሕማቕ ፋል ዝሕሰቡ ክብርታት ኣብ ዕለተ ሕጸ (ዝብኢ እንተነቕዩ፣ ቅርቅረ እንተነቑያ፣ ባዕድ (ጻጸ) ኣብቲ ዝተጾምቀ ስዋ (ዳጋ) እንተዓሲሉ ባርዕ ሓዊ እንተጋጢሙ ወዘተ….) ከም ሕማቕ ፋል ተሓሲቡ ሕጸ ፍሩስ ይኸውን። ብባህሊ ብሄረ ኹናማ ቅቡልዩ።

ካብዚ ዛዕባ ከይወጻእና ኣብ ብሄረ ዓፋር ድማ ሕቶ ድንግልና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለዩ። ኾይኑ ድማ፣ መርዓት ምስ ክብራ ምስ ዘይትጸንሖ መርዓዊ ዓው ኢሉ ከም ናይ ትግርኛ ኣይጸውየላን። ኣብታ ዕለተ መርዓ ዘላ ለይቲ ምስ ፈተሻ እሞ ምስ ክብራ ምስ ዘይትጸንሖ ንግሆ ካብቲ ተተር ኢሳትሉ ዝሓደረት መተርኣስ ቀዲዱ ጡጥ ብምውጻእ ኩነታት ይሕብር። ንሱ ድማ ዮኣዲ ይምለስ። ክሳብ ስለስተ ወርሒ ተጸብዮም ድማ (ዓቕድ) ቃል ኪዳን የፍርሱ። ምባልባሽ ድቒ ሒዛ ከይትኸውን (ሰለስተ ወርሒ ዝጽበዮ።

እዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ኩነታት ውሑድ ካብቲ ብዙሕ ፍልልይ ኣብ ብሄራትና ዘሎ ክብርታትን እዩ። እሞ?

ሕብረተሰባት ቅኑዕን ጌጋን (ቅቡል ዘይቅብሉን) ብዝብል ኣመለኻኽታ ኣብ ሓደ መደብደምታ ክበጽሑ ይኽእሉ? ንዓይ ከም ዝመስለኒ ወይ ወን ከም ዝተዓዘብክዎ ናይ ሓባር ረቛሒ ቅኑዕን ጌጋን (ቅቡልን ዘይቕብሉን) ክሻዕ ዘይሃለወ ኣብ ሓደ ክርዕም ዝከኣል ኣይመስለንን።

ካልእ ኣብነት ከኣ ንመልከት ሻቡ፣ ረጊእና ሓሲብና ዘሎና ኣመለኻኽታ ከነማእዝን። ኣብ ብሄረ ሕዳርብ፣ ኩነታት መርዓኦም ክሳብ ሽውዓተ መዓልቲ ዝቕጽል ድግስ) መርዓዊ ወን ኣብዚ ናይ መርዓ ሻብዓይ መዓልቲ ደኣምበር ቅድሙኡ ዘሎ ግዜ ኣይረኽባን። (ኩነታት ሕጽነቱ ግና፣ ዋላ ንጽባሒቱ መሮር ኪወፍር ይኽእል።

ኣብ ብሄረ ትግርኛ ሕጂ ሕጂ እናተረፈ ይመጽእ ኣሎ እምበር፣ ዝያዳ ዝውቱር ዕላልወይ ወን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ጎፍ ዝበለካ ባህሊ ኣሎ። ኣብ ሓደ ቤተ ተዓዲምካ ቡን ተቀልዩ ትሰቲ ግድን ጥዑም ክትብል ኣሎኻ። ጥዑም እንተዘይ ኢልካ ወያ ቀላዊት (ኣይጠዓሞምን’) ኢላ ዳግማይ ሳልሳይ ትቀሉ። ንሳ ባህላ ኾይንዋ ጥዑም ዘይበሉ ድማ ባህሎም ኣይኮነን” (ኣይለምድዎን)

ካልእ ተወላዲት ትግረ፣ ከም ናይ ትግርኛ ቡን ቀልያ (ጥዑም እንተ ኢልካያ) እወ ሽኮር እንድየ ገይረሉ እኝተበለትወን፣ ባህላዩ። ስለዚ ብመትከል’ (ከም ውድዓዊ እዚ ቅቡል ዘይቅቡል) ክንብል ንኽእል።

ምናልባሽ (ኣብ ብሄራት ትግርኛ ኣይኮነን ቤተሰንካ ሞይቱ (ጎረቤትካ ወን እንተተጎዲኡ) ሙዚቓ ኣይትወልዑ ይብሃል። ኣብ ብሄረ ትግረ መንሳዕ ግና (ኣንስቲ ተኣኪበን’ (ሄቦ) ዝብሃል ጓይላ እንተተጻወታ…………እንታይ ምበልኩም?

ስለዚ ከም ሓደ ውዱእ ዓለማዊ መለክዒ ወሲድና ቅኑዕ ጌጋ (ቅቡል ዘይቅቡል ክንብል ንኽእል? ንዓይ ኣይመስለንን። ሕበረተሰባት ነናይ ገዛእ ስረተ እምነትን ባህልን ስነምግባር ስለዘለዎ ንኹሉ ከም ቅቡል ክንወስዶ ይግባእ?
ንስኻትኩም? ዘለኹ ሓሳብ ከተካፍሉ ንዕድም።

Comments: 0