ትሕዝቶ’ እምበር መትሓዚ ኣገዳስነት የብሉን

By Viviana Amanuel January 01, 2012

“ፍልስፍና ከጽንዕ ፣ ምስ መደብኩ፣ ስድራቤተይ ፈጺሞም ኣይተቐበልዎን። ወግሐ ጸብሐ ድማ፣ ኣይትኺድ እናበሉ ክገንሕኑን ካብ ዕላማይ ዘልሓጥ ከብሉንን፣ ይጽዕሩ ነይሮም። ኣብታ ዝቕመጠላ ከተማ፣ ብዙሓት ፍልስፍና ዘጽንዑ፣ ኣያታተይ ድሕሪ ምምራቖም ብዘይ ስራሕ ነዊሕ ኮፍ እዮም ዝብሉ። ስራሕ ብዘይምርካቦም ድማ፣ ሓልዮት ምባሉ’ዶ እሓይሽ………..እንድዒ ፍልስፍና ከየጽንዕ ጸቒጦም እመኽሩኒ ነበሩ። ግዳ ረጊእና እንተደኣ ኣስተውዒልና፣ ኩሎም ዞም ዝፈልጦም ፍልስፍና ዘጽንዑ፣ ቀንዲ ስራሕ ዘይመርከቢኦም፣ ኣብቲ ዝተማሕረዎ ዓውዲ፣ ጥሙሕ ካብ ዘይምህላው እዩ ዝነቕል። ንስለ ምምሃር ጥራይ ትምሃር እንተደኣ ኾይንካ ከም ቢልካ፣ ‘ሞ ስራሕ ክትረክብ።”

“ ሓደ ቀረባ ቤተሰበይ፣ በዚ ዓውዲ( ፍልስፍና) ተመሪቑ፣ ስራሕ ብዘይምርካቡ፣ እቲ ኣብኡ ዘጋጠመ፣ ስእነት ስራሕ ኣባይ ከየጋንፍ፣ ኣመና’ዩ ዝፈርሓለይ’ ወርትግ ድማ፣ “ንዓይ ርአ፣ ኣነ ብዘይ ስራሕ ነዊሕ ዓመታት ኮፍ ኢለ ስለዚ ….ብዙሓት ኣብነታት እንከሎና፣ ከመይ ቢልካ፣ ነዚ ስራሕ ዘይርከቦ ዓውዲ ክትምሃሮ ትመርጽ” እናበለ፣ ስድራቤተይ ፍቓድ ንከይህቡኒ፣ ኣብ ቕድሚ ስድራቤተይ፣ ይተኻትኾኑ ነበረ።”

“ኣቦይ ድማ ሓቑ’ዩ ከመይ ቢልካ ነዚ ስራሕ ዘይርከቦ ዓውዲ ትምህርቲ ትመርጾ “ በለኒ። ብኩሉ ሽነኽ ዝመጽእ ምዕዶታት ኣመና ስልችይኒ።

“ሰብ ግን ንምንታይ ‘ዩ ዝምሃር፣ ስራሕ ክፈጥር’ዶ ስራሕ ክረክብ?” ምህሮ ስራሕ ፈጢርካ፣ ዓለምካ፣ ንምምችቻእ ዝድርኽ’ዶ ኸይኾነ።

ክንዲ ዝኾነ፣ ነቦይ “ ኣነ ዓለመይ ክፈጥር’የ ዝደሊ ኣብ ዓለምኩም ፣ ምንባር ኪሕ ኢሉ

ምናልባት ወን፣ ናይ መጀመርታ፣ ምሩቕ’ ዓውዲ ፍልስፍና ስራሕ…ዝረኸብ ( ስራሕ ዝፈጠረ) እብሃል እኸውን” በልክዎ።

ስድራቤተይ ድማ፣ ባህ ከይበሎም፣ ብጎነጽ ውሽጥዊ ስምዒተይ ናብቲ ዩንቨርስቲ ሰደዱኒ። እታ ናይ መጀመርታ፣ ባህታ ልበይ ክስማዕ መንገዲ ዝኸፈተትለይ መዓልቲ ስለዝኾነት፣ ካብተን ኣብ ምሉእ ዕምረ ዝሕጎሰለን መዓልታት’ያ።

ምህሮ ተጀሚሩ።

እቶም ፕሮፌሰራት ናይቲ ዩኒቨርስቲ ቅድሚ፣ ኣጥቢቖም ስርሐይ፣ መጽናዕተይ ክከታተሉ ምጅማሮም።” እቶም ንቑሓት ዘይከማኻ፣ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ስነቑጠባን’ዮም ዘለዉ። ንስኻ እንታይ’ዩ ጸገምካ፣ ነዚ ዋላ ሓንቲ ዘይኾነ ዓውዲ ክትምሃሮ ዝመረጽካ፣ ግዜኻ፣ ከተባኽን “ እናበሉ ከቛሽሹኒ ጀመሩ።

ሓቖም’ዮም፣ ዓውዲ ፍልስፍና፣ ኣብታ ዝነብረላ ከተማ ብዘይካ ድቂ ኣንስትዮ ካልእ ዝምሃሮ ኣይነበረ። ንሳተን እንተኾና’ወን፣ ድሕሪ ምረቓ፣ ናብ መርዓ’የን ዘቃምታ። ኩሉ ዘዝተመረቑ ብዘይ ስራሕ ዘዘው ይብሉ ስለዝነበሩ’ዩ። ክንዲ ዝኾነ፣ ነቲ ዓውዲ ትምህርቲ ከም ቑሪ ክፈርሕዎን፣ ሰብ ከየርጾን ክጉስጉሶ ።

ግዳ፣ እቲ መሰረታዊ ነገር፣ ተገዳስነት’ዩ፣ ተገዳስነት እንተደኣ ሃልዩካ፣ ንዓኻ’ ዝጠቕምን ዘይጠቕምን ኣለሊኻ፣ ውሽጥኻ’ ካብ ምስማዕ፣ ዝዓግተካ’ ሓደ’ኳ የልቦን።

ውሽጥካ’ ሰሚዕካ፣ ትሳለ እንተደኣ ኾይንካ ድማ፣ በቲ ዝተምሃርካሉ ዓውዲ፣ ስራሕ ካብ ከተናዲ፣ ስራሕ ክትፈጥር’ ዘሎ ተኽእሎ እዓቢ። ኪንዮ’ዚ፣ ውሽጥኻ’ ኣብ ዘይኣምነሉ፣ ናብራኻ፣ ከተካውን፣ እንታይ ኣሎ ስራሕ ዝርከቦ ዓውዲ ምህሮ እናበልካ፣ ትእልሽ እንተደኣ ኾይንካ፣ ውትሩ እናማረርካ ፣ ምንባር’ዩ እቲ ዕጫ።

ወረቐት ንምሓዝ ኣይንምሃር፣ መጀመርታ እዚ ንምሃሮ ዓውዲ እንታይ’ዩ ፋዕርኡ? ወረቐት ስራሕ ኣይፈጥርን’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ፣ ድሕሪ ምምራቐይ’ወን እንተኾነ፣ እቲ ናይ ፈተወተይ ሻቕሎት’ሲ ኣየቓረጸን። ኩሎም ዓዲ ክቕይር እመኽሩኒ ደኣ ነበሩ። ኣነ ግና፣ “ ኣይፈለጥኩምንን፣ እቲ ክምሃሮ ዝነበረኒ ዓውዲ ንሱ’ዩ ( ፍልስፍና) ካልኦት ዘይደፈርዎ ድማ፣ ተማሂረዮ። ስለዚ ሕጉስ’የ ደኣ በልክዎም። ነቶም ከምዚ ከማይ ብጽልዋ ከባቢ ውሽጣዊ ጥምሖም ፣ ከለልዩ ዘይተተባብዑ ከተባብዖም’ዩ ድማ ስርሐይ “ በልክዎም።

ኩሉ ሕብረትሰ፣ ብጣዕሚ’ዩ ዝሓልየልና፣ ዘሰልችውን፣ ካብ ድላይካ፣ ምክኒት እናፈጠረ ከጎናድብ ደኣ ‘ምበር ከተባብዕ ዝብገስ ውሑድ’ዩ። ንኹሉ ከይተገደስካ፣ ድጊሞም ምስሎም ክርእዩ እንተደኣ ኣኽ ኢልካዮም፣ ኩሎም ኣባኻ’ዮም ዝዓስሉ።

ብርግጽ ግን፣ ኣብዛ ዓለም እንታይ’ዩ ዝገድስ፣ “ትሕዝቶ’ዶ መትሓዚ ፣”? ንዓይ ትሕዝቶ ደኣ’ምበር፣ መትሓዚ ኣገዲሱኒ ኣይፈልጥን’ዩ። እቲ ሓቒ’ከኣ ንሱ’ዩ።

ንሕና’ ከም ሰብ ሓቐኛ ምስሊ ኣተሓሳስባና ደኣ’ምበር፣ ከም ሰብ፣ ናውቲ ኣካላት ምውናና’ ኣይኮነን።

ክንዲ ዝኾነ ውሽጥና ንፈትሽ፣ ውሽጥና ንስማዕ፣ ኣብ ሓቐናን ጣዕሚ ዘለዎን ህይወት መታን ክንነብር።

ምንጪ ካብ ጽሑፋት osho