ግዜ፣ ንስራሕን ጽወታን

By Viviana Amanuel June 17, 2012

ኩሉ ዓይነት ጽወታታት ምውዛይ ምድኣል፣ ምውስዋስ ወዘተ ከብልዓካን ከስትየካን ክልብስነካን ዝኽእል ስራሕ ምስ ፈጸምካ ዝጽወት ሙዃኑ ብተግባር ዝገልጹዎ ጥንታዊ ወለዲ፣ ኣብ ሓንቲ ዓመት ንዝርከቡ ግዜኣት ንስራሕን ዕረፍትን ከም ዝሰማማዑገይሮም ከፋፊሎም ይጥቐምሉ ነበሩ።

 

ናብራ ወለድና ብምሉኡ ኣብ ማሕረስ ዝተመስረተ ስለዝነበረ፣ ኣቦታትና ኣብ ዝኾነ ተግባሮም ንማሕረስ ቀዳምነት ይህብዎ ነበሩ። ክንዲ ዝኾነ፣ ንግዚኦም ብከምዚ ይኸፋፍልዎ ነበሩ።

 

ጽድያ

ጽድያ ዝተባህለ ክፍሊ ዓመት መሬት ብምግልባጥ ኣየርን ጽሓይን ከም ዘኣትዎ ዝግበረሉ፣ ኣብ ክረምቲ ስራሕ ዝውዕሉን ዝገልግሉን ናውቲ፣ ብሓፈሻ ዝቕረበሉን፣ ማለት ስለዝኾነ፣ ንማሕረስ ንኪሰማማዕ ብቑዕ ምቕርራብ እናተገብረ ስራሕ ዝጅመረሉ ግዜ እዩ።

 

ክረምቲ

 ክረምቲ መሬት ዝሕረሰሉ፣ ዘሎኻ ዘርኢ ናብ መሬት ዝዝርኣሉን ዝበቑለሉን፣ ጻህያይ ዝጽሃየሉን፣ ጎልጓል ዝጉልጎለሉን፣ ዝብላዕን ዝስተን ዝቑጠበሉ ብደመናን ብቑርን ብ ኣሳሒታን፣ ብዝናብን ብጸፍዕን፣ ብውሓይዝ ምብርታዕን ዝተላዕለ ዝኣሸኹ ከቢድ ሕርሻዊ ስራሕ ዝንቐሳቐሰሉ ብረሃጽ ገጽካ ብላዕ ዝብል ሓሳብ ብተግባር ዝግለጸሉ፣ ድሃይ ከበሮን ደርፍን ሳዕስዒትን ጸውታታትን ዘይስምዓሉን ዘይረኣየሉን ጽልሙት ክፍሊ ዓመት እዩ።

 

ቀውዒ

ቀውዒ ጽልሙትን ጽጉምን ክረምታዊ እዋን ሓሊፉ ራህዋን ታሕጓስን ዝዓሰሎ ብሩህ ግዜ ንምምናይ ዘብስሩ ዕንባባታት ዝራኣዩሉ ክፍሊ ዓመት ስለ ዝኾነ ብደሃይ ደርፊ ንምንቕስቓስን ንምድሳትን ምቅርራብ ዝግበረሉ፣ ብሕልፊ ኣዋልድ ጸሓይ ብምብራቑ….

 

ቅለዋልና ክብሉ ከሪሞም….

ከዓም ወለል በሉ ከም ስገም…”

ኣናበላ ነቶም ኣወዳት ኪደርፋሎም፣ ንሳቶም ድማ

 

ኣጆኽን ኣንስቲ ጻዕዳ ጣፍ ለወስቲ

ኣጆኹም ቆልዑ፣ ባልዶንጓ ጨልጊዑ፣

ኣጆኹም ጓሶት፣ ባልዶንጓ ሸወተ…’

 

እናበሉ ኩላቶም ድሃይ ደርፊ ዘስምዕሉ፣ ኣካላቶም ንጽወታ ጎረርኦም ንደርፊ ዝስሕልሉ፣ እቲ ጽማ ጻዕሪ ዝኾነ እኽሊ ዝዕጸደሉን ዝኽየደሉን ዝሕፈሰሉን ደስታ ዘበስር ግዜ እዩ።

 

ሓጋይ

ሓጋይ፣ መርዓ ዝፍጸመሉ ጓይላ ዝጽወተሉ፣ መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን ህጻናትን ኣዴታትን ዝተሰምዖም እናደረፉን፣ ዝደለይዎ በብዓይነቱ ጸወታታት እናተጻወቱን ዝንቐሳቐስሉ ዝበለጸ ግዜ ናጽነት ብተግባር ዝግለጽሉ እዋን እዩ።

 

ምንጪ፣ እዚ ጽሑፍ መምህር ኣስረስ ተሰማ ኣብ 1974-75 ዘቕረብዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝተወስደ እዩ።

ተፈጥሮን ምስትውዓልን

By Viviana Amanuel January 06, 2012

ስነ ፍጥረት ከም ዝብልዎ፣ ሰብ ብምስትውዓል’ዩ ዝዓይ’ እንስሳ ግና ብተፈጥሮ ወይ ከኣ ልምዲ።

“እታ ቤታ እትሰርሕን እተጽባብቕን እትስልምን ዑፍ፣ እቲ እትገብሮ ብልማድ’ዩ። እቲ መራሕኡ ዚመርጽ፣ ማይ ዚወርድ፣ ዕንዝራ ዝልኣኽ፣ ጽፈታት ዚኣሪ ብመስተንክር ዝኾነ መንገዲ ጥበብ ክኣ ስምዒን መዓርን ዘዳሉ ንህቢ፣ እቲ ዝገብሮ ኩሉ ብልማዲ፣ ወይ ክኣ ብተፈጥርኡ ስለዝኾነ’ዩ።

እቲ ቤቱ ኣወሺጡ ዝኹዕትን፣ ናብ ቤቱ ዜእቱ መንገዲ ዝጸርግ ንግዜ ዝናብ ቀለብ ኪኾኖ ብግዜ ቐውዒ በብዓይነቱ እኽሊ ዝኽዝን ዜገርም መንገዲ’ወን ዝክናኸኖ ጻጸ፣ እቲ ዝገብሮ ብተፈጥሮ’ዩ። “ሰብ ግን ግሩም ዝኾነ ህድሞ፣ ሰሪሑ ብሓመድ ወይ ብዝነቐጸ ዕነ ኪድብድቦ ‘ከሎ፣ እቲ ዝገብሮ እናኣስተውዓለ ብኣእምሮን ብልብን’ዩ ዝገብሮ ‘ ይብሉ። ሰብ ኣጉዶ ሰሪሑ ብጽቡቕ ሳዕሪ ኪኸድኖ ከሎ፣ ግድግዳ መሪዉ ድማ በቲ ልስልስ ዝበለ ዒባ ጽድያ ኪልብጦ ከሎ ብምስትውዓል’ዩ ዝገብሮ።

ግሩም ዝኾነ ድልዱል ንእዲ ዃንዩ፣ ዒባን ሓሰርን እትሓወሶ ግሩም ዝኾነ ጽብሪ ኸኣ ኺለክዮ ከሎ ብምስትውዓል’ዩ። እቶም ብልምዲ ብተፈጥሮ ዝነብሩ፣ ነቲ ካብ ወለዶም ዝውረስዎ ኬጥፍኡ ከቶ ኣይክእሉን። ሓንቲ ዑፍ ድንቑር እንተውዓለት ድንቑር እንተሓደረት፣ ቤታ ንምድላው ደቓ ምክንኻን ኣይጠፍኣን’ዩ። ሰብ ግን ቤት ምህሮ እንተዘይተመላሊሱ፣ ኣብ ርእሱ ድማ ልቢ እንተዘይሃልይዎ ቤቱ ንምስራዕ’ኳ ኣይኾኖን። እዚ ዛንታ ሓቒ ከም ዝኾነ ድማ፣ ነፍሲ ወከፍና ብገዛእ ኣዒንትና ርኢና ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ቤታ ንምስራሕ ጨኒቕዋ ኣብ ሌጣ ሓመድ ደቒሳ ዚሓደረት ዑፍ ከቶ የላን። ጎጆ ንምስራሕ ስኢኖም ኣብ ብዓቲ ዝሰፍሩ ብኣርኣያ ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ግና ብዙሓት’ዮም። ስለዚ፣ ነቲ ንማንም ዘይተዓደለ፣ ልብን ምስትውዓል፣ ንጠቐመሉ።

ምንጪ፣ ሰሙናዊ ጋዜጣ 1943