Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ቦኔልያ ኣገራሚ ፍጥረት

ኣብዛ ዓለምና ዝነበሩ ህይወት ዘለዎም ፍጥረታት ብሚልዮናትዮም ዝቑጸሩ። እዚ ይኹንምበር፣ ኣፈጣጥራኦም ዝተፈላለየ ብምዃኑ ኣገባብ ኣነባብራኦምን ዝነበርሉ ስፍራን ዝተፈላለየ ገሊኦም ኣብ ማይ ገሊኦም ኣብ ኣየር፣ ገሊኦም ድማ ኣብ ኣግራብን ትሕቲ መሬታን ይነብሩ። ኣብ ውሽጢ ኣካል ካልእ እንስሳ ዝነበር ፍጥረት ኣሎ እንተዝብልኹም?

ዝኾነ ኾይኑ እዚ ኣብ ውሽጢ ኣካል ካልእ እንስሳ ዝነበር እንስሳ ቦኔልያ ይብሃል እዚ ካብ ዓይነታት ሓሽራት ዝኾነ እንስሳ ዝነበረሉ ቦታ ጨዋም ማይዩ።

ኣነስተይቲ ቦኔልያ ቁመታ ብገምጋም 7.5 .ሜተርዩ። እቲ ተባዕታይ ግን ኣዝዩ ደቒቕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ብሓገዝ ማይክሮስኮፕ ጥራይ ክርአ ዝኽእል። ዝነበረሉ ቦታ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣፍ ወይ ማህጸን ናይታ ኣነስተይቲ ቦኔልያ እዩ፣ በዚ ድማ፣ እታ ኣነስተይቲ ናብ ዝተጓዕዘቶ ቦታ ሒዛቶ ትጉዓዝ። ብዓልቲ ቤት (ተባዕታይ ቦኔልያ ምዃኑ) ድማ፣ በዓልቲ ቤቱ ብህይወት ክሳብ ዘላ ብርሃን ኮነ ጩራ ብርሃን ከይረኣየ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ይነበር።

ምንጪ ናሽናል ጂኦግራፊ

 

 


Write a comment

Comments: 0

ሓዳግ ልቢ ጾር ይድርቢ

By Viviana Amanuel July 24, 2012

ኣብ ዝምድናታት ተመርኹሶም ዝተኻየዱ መጽናዕቲ ከም ዝሕብርዎ፣ ሕድገት ፣ ካብ ሕርቓን፣ ቂምን ቅርሕንትን ዝወርድ ስቕያት ፈውሲ እዩ። እቲ ስቕያት ኣካላዊ ጉድኣት’ወን የስዕብ። ጸቕጢ ደምን ሆርሞናዊ ምምዝባልን ኣስዒቡ ናይ ልብን መትንታትን ዕማማት ከሰናኽል ይኽእል።

ሓዳግ ልቢ ምስ ዝህልወካ ካብ ጠንቕታት’ዚ ሕማም ናይ ምድሓን ዕድል ብሚእቲ ሚእታዊት ይዓቢ። ሕድገት፣ ጾር ይድርቢ -ጾር ናይ ቒመኛታት ስቕያት።

ምኒን ዘዘውትር ፣ ድድሕሪ ቂም ዝጉዓዝ ሰብ ብማሕበራዊ ተነጽሎ ይሳቐ። ሓዳግ ልቢ ዘላቶ ሰብ ግን ብዙሓት ፈተውቲ፣ መናብርትን ቤተ ሰብን የጥሪ። ምሕረት ዘዘውትር ሰብ ኣብ ውሱን ኣጋጣሚታት ዝፍጸሞ ዘይኾነ ሰብኣዊ ባህርያትን ልምድታትን ጌሩ ይወስዶ። ሕርቃን ኣካል ባህርያት ወዲ ሰብ’ዩ ። ሓሪቕካ ምንባር ግን ጎዳኢ እዩ። ምሕረት ምግባር ክብሃል ከሎ፣ ንበደለኛ ጽቡቕ ገይርካ ምባል ወይ ድማ ምስ በደሉ ምትዕራቕ ማለት ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ ሕርቓንን ቂምን ካብ ነፍስኻ ኣውጺእካ ምርሳዑ እዩ። ሕኒን እናበልካ፣ ብእሕታን ፈኸራን፣ ወገናዊ ሕነ ምፍዳይን እናሓለንካ ካብ ምንባር ሓራ ናይ ምዃን ዘይበርስ ልምዲ ምጥራይ ማለት’ እዩ።

ጥንታዊ ሃይማኖታዊ መራሒቻይና( ኮንፈዮሽስ) “ መዋእሉ ሕነ ኣብ ምፍዳይ ዝዕጠቕ፣ ክልተ ጉድጓድ (መቓብር) ክፍሕር ኣለዎ።” ኢሉ ይብሃል። ካብ ቅርሕንቲ እትእለየሉ ምኽንያት፣ ካብ ፍርሒ ዝነቐለ ክኸውን ዘይግባእ’ኳ እንተኾነ፣ ለኻኺምካ ናይ ምጥፋእ ሕልና’ወን ዝጠቕም ኣይኮነን። መበገሲኻ፣ ሃይማኖት፣ ልቢ ምዕባይ ወይ ድማ ንቕሓት ክኸውን ይኽእል ። ሓዳግ ልቢ ድማ ጾር ይድርቢ።

ፉል

By Vivana Amanuel July 15, 2012

ኣብ ኤርትራ ካብ 1940ታት ጀሚሩ ከም ዝተኣታተወ መዛግብቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ ይሕብሩ። ብፍላይ ድማ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኩናት ዓለም ብወገን ምዕራባዊ ቖላታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ብዝነበረ ዘይስሩዕ ርክባት ንግድን ሕርሻን ብዶባት ሱዳን ኣትዩ፣ ብዝያዳ ኣብ ከባቢ ሰንሒት( ዞባ ዓንሰባ) ብሰፊሑ ክልመድን ክዝራእን ጀሚሩ፣ ካብ ፈለማ 1960ታት ጀሚሩ ከኣ እቲ ኣፍልጦን ተመኹሮን እናዓበየ ስለ ዝኸደ ብዝያዳ ኣብ ውሱን ከባቢታት ናይ ሽዑ ኣውራጃ (ሰንሒት) ነበር( ሓጋዝን ሓመልማሎን፣ ከምኡ’ወን ኣብ ከባቢ ኣውራጃ ኣቑርደት ነበር ፣ ከርከበት፣ ናይ ሎሚ ጋሽ ባርካ ከባቢታት ሂምቦል፣ ቃርዑበል ክሳብ መንሱራን ሕርኮኽን ዘሎ ቕናት፣ ከባቢ ተኹምብያ፣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ከባቢ ገለትን ቃርዖበልን፣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ከባቢታት ሽዕብን ጋሕቴላይን ይዝራእ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ሕርሻ ፉል፣ ብደረጃ ሃገር’ኳ መጠናዊ ዝርጋሐ እንተ ነበሮ ኣብቲ ሕርሻን ዕዳጋን ፉል ዝያዳ ኣጉላዕሊዕሉ ዝነበረሉ መድረኽ፣ ካብ 1960ን ክሳብ መፋርቕ 1970ታት ኣብ ዞባ ዓንሰባ ( ኣውራጃ ሰንሒት) ነበር ሕልፊ ነይርዎ፣ ወጻእተኛታትን ሃገራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ከባቢታት ሺተል፣ ጀንገረን፣ ምሩኒ፣ ኣይመነኖ፣ ኣሸራን ብብዝሕን ብውዱብን ኣገባብ ከልምዑ ብምጅማሮም ብዘይካ’ቲ ካብ ኣታዊኡ ዝርከብ ቁጠባዊ ረብሓ ንኣሽሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከፊቱ ምንባሩ ብእወታ ዝዝከር’ዩ፣ኣብ ምዝራእ፣ ምጽሃይ፣ ምኹስኳስ፣ ምንቃልን ምቕንጣስን ከምኡ’ወን ኣብ ምጭጫፍ ዝዋፈር ዝነበረ ዓያይ ጉልበት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ ነይሩ፣

ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ ዝዓበየ መኻዚኖታት ንፉል ዝተሰርሐን ፉል ዝዕቅብ ዝነበረን’ዩ፣ ብጉልበት ሰብ ዞኣያ ጨፍጨፍቲ ፉል ማሽናት ብብዝሒ ነይረን፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ሕርሻ መሬት ፉል ብኮንቸስዮነ ክትሓዝ ጀሚሩ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ንንጥፈታት’ቲ ስራሕ ንምሕያልን ንምትብባዕን ናይ ኣፍረይቲ ፉል ማሕበር ተመስሪቱ ክሳብ 1977ን የገልግል ምንባሩ ይግለጽ።

ፉል ሃብታም መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ዘይቲ (ቅብኢ) ዘርኢ እዩ። ኣብ ምዝራኡ ግን ካብቲ ካልእ ዓይነት ኣእኻል ብዝተፈልየ ዝያዳ ክንክንን ምክትታልን ስለ ዝደሊ ንዓያይ ጉልበት ሰብ ዕድል ስራሕ ዝከፍት’ዩ። ብደረጃ ስድራቤትን ሃገርን’ወን ምንጪ ቁጠባዊ ረብሓ ክኸውን ዝኽእል ኣታዊኡ ፍቱንን ውሑስን’ዩ፣ ዝድርበ ነገር የብሉን፣ ቆጽሉን ቅራፉን መግቢ እንስሳ እዩ፣ ስለዚ ፉል ብዘይካ’ቲ ከም መግቢ መሮር ድሉው መግቢ ቆሎ ኾይኑ ዘግልግሎ፣ ኣብ ፋብሪካ ኣትዩ መኣዛዊ መግቢ ህጻናት( ዲ ኤም ኬይን። ዘይቲ ብልዕን፣ ዝተጣሕነ መመቀሪ መግቢ ፉል መደመስ፣ ከም ኑቴላ ዝመስለ ማልማላታ ይኸውን።

ብደረጃ ሃገር ክርአ እንከሎ ኣብ ዓዲ ጓዕዳድ እትርከብ መግቢ ህጻናትን ዘይቲ እተዳሉን ፋብሪካ፣ ከምኡ’ወን ኣብ ድባርዋን ኣስመራን ዘይቲ ዘዳልዋ መጠነ ንኡስ ትካላት ውልቓውያን ኣውፈርቲ ኣለዋ፣ እንተኾነ ብዙሕ ኣድማዕቲ ኣይኮነና።

ሕርሻ ፉል ብደረጃ ሃገር ክርአ እንከሎ ሕጂ’ወን ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝፈሪ ፉል 83’64% ክሽፍን እንከሎ እቲ ዝተረፈ 16.36% ከኣ ካብ ዞባ ደቡብን ካልኦት ዞባታትን ይርከብ። እዚ ቅድሚ 40 ዓመታት ጽቡቕ ንጥፈትን ዕቤትን ኣርእዩ ዝነበረ ሕርሻን ኣታውን ፉል፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣድማዕነቱ ትሑት’ዩ ዘሎ ክብሃል ይከኣል።

ኣብ ኤርትራ ዝፈሪ ዝፈሪ ፉል ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦትን ክነጻጸር እንከሎ፣ ብብዝሒ ዝሕዞ ዘይትን ግዝፍን ቁሩብ ትሕት ዝበለ እኳ እንተኾነ ኣብ መቐረት፣ ትሕዝቶ መኣዛዊ ኣብ ሓንቲ ቆፎ ፉል ካብ 4-5 ብዝሕዞ ብዝሒ ፍረን ግን ዝያዳ ብልጫ ኣለዎ። እዚ ብልጫታት’ዚ ከኣ ኣብቲ ናይ 1960ታት ዕዳጋታቱ ተመራጺ ስለዝነበሮ ናብ ዓዲ እንግሊዝ የመንን ካልእን ብቐጥታ ይለኣኽ ከም ዝነበረ። ናይ ሽዑ ሰነዳት ይሕብረና።

ጸብጻባት ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ዓንሰባ ከም ዝሕብርዎ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት( ካብ 2001-2007) ስፍሃት ናይ ዝሕረስ መሬት ደኣ ከከም ኩነታቱ ክብን ለጠቕን ይብል እምበር እቲ ፍርያት ንኹሉ ዘጋጥም ባህርያዊ ጸገማት እናተጻወረ ይኣቱ’ሎ፣ ዳርጋ ብምሉእ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ሕርሻ ፉል።ልክዕ ከምቲ ካልእ ዓይነት ኣእካል ናይ ክራማት ዝናብ ተጸቢኻ ዝግበር ልምዳዊ ኣገባብ ኣትሓራርሳ እዩ። ዕዳጋኡ’ወን ውሑስ ስለዘይኾነ ኣፍረይቲ ፉል። ኣይተባባዑን ኣለዉ።

ኣብ ሓሙሽተ ንኡሳን ዞባታት ዞባ ዓንሰባ ካብ ሓጋዝ። ሓመልማሎ። ሃበሮ። ዒላበርዕድን ከረንን ዝኣተወ ምህርቲ ፉል 143,744 ኩንታ’ዩ፣ እዚ ምስቲ ኣብ ሱሳታት ዝነበረ ምህርቲ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት’ዩ፣

ፉል ። ብደረጃ ዓለም’ወን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ከም ዝኾነ ይፍለጥ። እዚ ዝርኢ’ዚ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ብፍላይ ኣብ ዶባት ብራዚል።ፓራጓይን ቦሊቭያ ክዝራእ ምጅማሩ። ቀጺሉ’ወን ኣብ ኣርጀንቲና ብምልሓም ኣብ መላእ’ቲ ኣህጉር እናተለምደ ከም ዝከደ ይዝንቶ፣ ብድሕሪ’ዚ ብናይቲ ዘመን’ቲ ንጡፋት ነጋዶ ዓለምና ዝነበሩ ፖርቱጋላውያንን ስጳኛውያንን ኣብ ክፍለ ዓለማት ኣውሮጳ። ኤስያን ኣፍሪቓን ድሕሪ ምዝርጋሕ ብሰፊሑ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ’ወን ተዘርግሐ፣ ጸብጻባት ኦኣለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን ከም ዝሕብሮ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ሹድሽቲአን ኣሁጉራት ዓለምና ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዓሰርተታት ሚልዮናት ቶን ዝግመት ምህርቲ ፉል ይሕፈስ፣ ይኹን እምበር ብደረጃ ዓለም’ኳ ዝዝራእን ዝፍለጥን እንተኾነ እቲ ዝበዝሐ ሚእታዊት ናይቲ ምህርቲ ካብ ኤስያን ኣፍሪቃን ዝርከብ’ዩ።

ክንዲ ዝኾነ ። መንግስቲ ይኹን ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዝነጥፉ ኣካላት’ ግቡእ ቆላሕታ ኪገብርሉ ተስፋ ናይ ኩልና’ዩ።


ብሂል ቐዳሞት

By Viviana Amanuel August 05, 2012

  • ሓላዊት ዑፍ እንተ ገበርክዋስ ፣ ኣራይ እምኒ ቆጸረትኒ
  • ሓወይ ኢልካ ሰብ ኣይትእመን ድሙካ’ዃ ተምጽኣልካ ተመን።
  • ሓወይ ኢልካ ኣይትህቦን ዘይናቱ፣ ጓና ኢልካ ኣይትኸልኦን ናቱ።
  • ሓቢርካ ምዕባይ የነዓዕቕ፣ በበይንኻ ምዕባይ የረሓሕቕ።
  • መን ኣሎ ዘይደሊ ናይ ዓለም፣ መን’ከ ኣሎ ዘይገብር ቃልዓለም።
  • መን ይፍቶ ዝተሾመ መን’ከ ይጽላእ ዝደኸመ።
  • ብወደን ከየማርራ ብሰይቲ ወደን ዒራ ዘይናይ ከብደን።
  • ከልቢ ጎይታኡ እምበር ጎይታ ጎይታኡ ኣይፈልጥን።
  • ካብ ስርናይ ክርዳድ፣ ካብ ብሱል ጥረ ኣይሰኣንን።
  • ዘይሞተን ዘይደቐሰን ብዙሕ ይርአ።
  • ውሕጅ ንዝቐደመ ግዳይ ንዝፈለመ።
  • ተጎልቢቡ ዝበልዕ ተጎንቢሕካ እተዎ።
  • ጥሜት ንዓቢ ተኾርዮ ንንእሽቶ ተብኽዮ።
  • መጎጎ ድኻ ኣብ ምርሳኑ ይቕህም፣
  • ኣድጊ ከም ትሕለብ ቀቕድሚ ኣሓ ትቕረብ።

ልቢ ሰባት እንተኣሚኑ………!

By Viviana Amanuel July 24, 2012

ሓንሳብ ሸይጣናዊ መንፈስ ምስ ሰፈነ፣ እንትርፎ ዕግርግር ካልእ ዝስዕበካ የለን። ካብ መጀመርታኡ እንትርፎ ነውጺ ካልእ ኣይነበሮን። ሓንሳብ ኣብ ከባብየይ ዘሎ ፈሳሲ ምስ ሽፈነኒ ብነፋይ ገይረ ‘የ ዘስተንፍስ ነይረ። ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላ ወርሒ ነጽበራቕ ብርሃን ክትደጉሕ እንከላ ኣብ ልዕሊኣ ግን ልሙዕ ኣግራብን ዕግርግርን ነይሩ።”

“ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት ኣንጻር፣ ፍልልይ፣ ሕጫጨ፣ ምጸት ጥራይ እዩ ዝርኣየኒ ነይሩ። ዝዓበየ ጸላኢየይ ውሽጠይ ነይሩ። ክገብሮ ዝሃርፎ ነገር ዋላ ሓንቲ እኳ ኣይዝከረንን። ገና ካብ ቆልዓይ ኩሉ ነገር ገዲፈ ክመውት ጥራይ እመርጽ ነይረ። ትርጉም ቃልሲ ህይወት ስለ ዘይተረደኣኒ፣ ንሞት ኢደይ ክህብ እህንጠ ነይረ። ኣብቲ ብምርጫይ ዘይተጸንበርኩዎ ህይወት ምቕላስ ዝምልእ፣ ዘጉድል፣ ዝመቕል ኣይመስለንን። ኣብ ከባብየይ ብምሉኡ ውድቐት ጥራይ እዩ ዝረኣየኒ ዝነበረ። ምናልባት ውድቐት እንተ ዘይኾይኑ ኸኣ ኣዝዩ ዘገርም ነገር። ብሕልፊ እቶም ዕውታት ዝብሃሉ ወትሩ ምስ ኣስሓቑኒ እዮም። ከምኣቶም ዘሰልቹ ፍጥረት’ወን ገጢሙኒ ኣይፈልጥን። ምስ ጌጋታት ይደናገጽ ነይረ። ናብ ከምኡ ዘብጽሓኒ ግን ምድንጋጽ ኣይኮነን። ናብኡ ዘብጽሓኒ ምድንጋጽ ኣይኮነን። ናብ ዘብጽሓን’ስ እቲ ኣብ ማእከል ፍጥረት ሰባት ዘጉላዕልዐ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ኣብ ጽቡቕ ንኽበጽሕ ዝሓገዝኩዎ ኣካል የብለይን። ምናልባት ክሕግዝ እንተ ኾይነ’ወን ካልእ ክገብር ዕድል ኣብ ዘይነበረኒ ኩነታት ክኽውን ኣለዎ። ካብ ምሉእ ልበይ ክልወጥ ዝኽእል ነገር ዘሎ ኣይመስለንን ነይሩ። ልቢ ሰባት እንተ ኣሚኑ ክልወጦ ዝኽእል ሓይሊ’ኸ ኣበይ ክርከብ?”

ካብ Tropic of capricom እትብል መጽሓፍ ሀንሪ ሚለር’ ዝተቆንጨለ ዛንታ

መንእሰይ ምስ ሓድሽ መንፈሱ ነቲ ዝነበረ ኣካይዳ ዘሊሉ ክኸይድ ክፍትን እንከሎ ባህታ ዝፈጥር’ዩ። ሓደ ኻብቲ ብልጫ መንእሰያት ነድሪ ስለ ዝህልዎም ነገራት ሰባቢሮም ክኸዱ ዝደልዩ ምዃኖም‘ዩ ።

እቲ ዓቢ ወለዶ ኸኣ በቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ ክኸይድ ይመርጽ። ናይ መንእሰያት ንዱር ሓይልን ንድሕሪት ዘይምጥማትን እንተ ዘይነበር ክዕወት ዝኽእል ሰውራ ኣይሃለወን። ነዚ ምስ ተዓዘበ “ ኒዛር ቓባኒ” ዝተባህለ ገጣሚ፣ ከምዚ ዝበለ” ንሰማይ ዝሓርስ ፣ ኣረጊት ሓሳባት ዝድምስስ፣ ሓድሽ ታሪኽ ዝፈጥር፣ ምድርን ዘይፈልጥ፣ ምሕረት ዘይገብር፣ ገዚፍ፣ ሓድሽን ነዳርን ወለዶ የድለና ኣሎ።” ብነድሪ ዝብገስ ወለዶ እንተ ዘይተፈጢሩ ከኣ ሓደስቲ ሓሳባት ክውለዱ፣ ፍሉያት ኣረኣእያታት ክመጹን ኣይክእሉን’ይም። ከምዚ ግራት ከይተነቕለ ጽቡቕ ፍረ ክህብ ዘይኽእል፣ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባታት’ወን ከም ብሓድሽ ከይተነቕሉ ክዕረዩ ኣይኽእሉን’ዮም። ነዚ ክነቕል ዝኽእል ድማ ራእይ ዘለዎ መንእሰይ እዩ። ራእይ ዘለዎ መንእሰይ ድማ፣ ብዛዕባ ንዋይ ዘይኾነ ፣ ከም ውዑያት ሓይሊ መጠን ኣብ ከባቢ መኣዲ ፍልጠት ክጨቓጨቑን ፣ ትርጉምን ፍልስፍናን ህይወት ተረዲእዎም ክበላሓቱን ክኸራኸሩን ክትርእዮም ትብህግ።

መንእሰይ ብሉጽ ራእይ ክሕዝ ዝሕግዝዎ በበይኖም ረቛሒታት ኣለዉ። ብቐንዱ ስልጡን ሕብረተሰብ፣ ኣርኣያ ወላዲ፣ ንፉዕ ኩስኳሲ መምህር የድልዮ። እንተስ ሰኣን ኣፍልጦ ወይ ከኣ ብኻልእ ተደራራቢ ምኽንያታት ግን ንፉዓት ኣርኣያ ክኾኑ ዝኽእሉን ናብ መገዲ የማን ዝመርሑን እናውሓዱ ዝኸዱ ዘለው እመስለኒ። ንሓደ መንእሰይ ካብ ገደል ካብ ከተውጽኦ ከተጽድፎ ውሑድ ክእለትን ዓቕምን የድሊ። ብሰንኪ ምውሓድ ዓቕሚ ካብ ዘሎ ዓዘቕቲ ከውጽኡ ዝኽእሉ እምበኣር ኣዝዮም ሒደት ዮም። እቶም ዝበዝሑ ግን ሰኣን ኣፍልጦ ዝሕንኩሉን መርበቦም ዘርጊሖም ከይትሓልፍ ዝጠፍሉን ይኾኑ።

ስለምንታይ ኢኹም እትርእዩ?

ከምቲ ሀንሪ ሚለር ራእይ ዘይብሎ ሰባት ምስ ተዓዘበ ዝበሎ፣” ኣብ ከባብየይ ዝርእዮም ሰባት ዳርጋ ኩላቶም ኣብድታት እዮም። ክትግበር ዘይኽእል ኮንቱ ሓሳባት ብኣኣቶም ‘ዩ ዝብገስ። ናይ ቅንዕና’ን ጽፈትን’ ተበግሶ ኣለዎም። ከም ኣረዳድአኦም ኣዝዮም ጽፉፋት’ዮም። ብውሽጦም ግን ከምኣቶም ዝጨኑ የለን። ንሓንሳብ’ወን ትኹን ናብ ውሽጢ ወኖኦም ወይ መንፈሶም ዝመርሕ በሪ ክኸፍቱ ፈቲኖም ኣይፈልጡን። ኣብ ምሉእ ዕምሮም ነቲ ዝጋረዶም ጸልማት ክሰግሩዎ ኢሎም ኣይህቕኑን። ዝበልዕሉ ድስቲ ሓጺቦም የቐምጡ፣ ዘንበቡዎ ጋዜጣ ብግቡእ ይስንዱ፣ ዝሓጸቡዎ ክዳን ኣስታሪሮም የቐምጡ…ኩሉ ነገራቶም ንጽባሕ እዩ፣ ጽባሕ ግን መጺኣቶም ኣይትፈልጥን።”

ኩሉ ኩነታት ተደማሚሩ ፣ ናይ ርሑቕ ራእይስ ይትረፍ’ ኣብ እግርኻ ዘሎ ነገር ንምጥማት ክሳዕ እትሽገረሉ ግዜ’ወን ኣሎ። ንቕድሚት ከይትርኢ ዝጋርዱ ኸኣ ኣብ ፈቐዳኡ’ለው። እቶም ፍልስፍና ህይወት ክምሩን ኣንፈት ከትሕዙን እትጽበዮም፣ ናብቲ ዝኸፍአ ሸነኽ ክመርሑ ንርእዮም ኣሎና።በዚ ንኸዶ ዘሎና እንተቀጺልና ከኣ ኣንፍና ንምፍላጥ’ወን ክንሽገር ንኽእል ኢና።

ኩሉ ጽባቐን ፍልስፍናን ህይወት ክምህር ዝፍትን መምህር፣ ወላዲ፣ መራሒ …ወዘተ ክንደይ ኮን ይኸውን ለምንታይ ከም ዝርእይ ዝተሰወጦ?