Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ፍቑራት ህያባት ዝለዋወጥሉን ፍቕራዊ ቃል ኪዳኖም ዘሕድስሉን መዓልቲ ፍቑራት ዓመት መጸ ኣብ ለካቲት 14 እዩ ዝብዓል። ኣብ ሃገርና ወን ካብ ጽባሕ ናጽነት ብፍላይ ድማ ከኣ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት መዓልቲ ፍቑራት (valentine day) ሰፊሕ ተፈላጥነት እናጥረየ እዩ መጺኡ። ዝተፈላለያ ወሃብቲ ኣገልግሎት፣ ምቑር ሕብስቲ ቶርታ፣ ፍሉይ ናይ ሽምዓ ምሸትን ካልእ ነዛ መዓልቲ ዘንጸባርቕ ምድላዋት ምግባረንን ኣብያተ መጽሓፍቲ ፍሉይ ትሕዝቶ ዘለዎም ካርተሊናታትን ዕንባባታትን ብምድላወንን ኣፍልጦ መንእሰያት ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ክብ ከብሎ ክኢሉ እዩ። ከም ውጽ ኢቱ ከኣ ፍቑራት መንእሰያት ሃገርና ምስ ኣፍቀርቶምን ኣፍቀርተንን ብምዃን ነታ ዕለት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንምብዓል ከም ልምዲ ኣተኣታትዮም የብዕልዎ ኣለዉ። ንምዃኑ ኣፍልጦና ብዛዕባ መዓልቲ ፍቑራት ክሳብ ክንደይ እዩ?

ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ መዓልቲ ፍቑራት ዝጽወዩ ዛንታታት ኣብ መብዛሕትኡ ዝመሳሰሉ እንተኾኑ ኣብ ገለ ገለ ግን ፍልልያት ኣይሰኣኖምን። ታሪኻዊ ኣመዓባብላ መዓልቲ ፍቑራት ካብ 270 .. ንደሓር እዩ ጀሚሩ። ኣብ ፈለማ 4 ክፍለ ዘመን .. ጥንታውያን ሮማውያን ምስቲ ኣብቲ እዋን ዘምልኽዎ ዝነበሩ ጣኦት ሉፐርከስ ዝተኣሳሰረ ፌስቲቫል ሉፐርካልያ ዝፍለጥ ዓመት ዓመት ብዘይተመርዓው ኣባጽሕ ዝዝውተር ወግዒ ሕርያ መጻምድቲ ኔሩ። እቲ ወግዒ ዝካየደሉ ኣገባብ ድማ ኣስማት ጎራዙ ኣብ ጭራም ወረቐት ተጻሒፉ ኣብ ሳርማ ይቕመጥ ዝኾነ በጽሒ ናብ ውሽጢ ሳርማ ኢዱ ብምል ኣኽ ዕጭኡ የልዕል። ብድሕር እቲ በጽሒ ምስ ዕድሉ ዝሃበቶ ጎርዞ ተጸሚዱ ክሳብ ንዓመታ ብተመስሳሊ ኣጋጣሚ ካልእ ዕጫ ዝወድቕ ብሓንሳብ የሕልፍዎ። ብኡ ኣቢሎምወን ክሳብ ሓዳር ክምስርቱ ይኽእሉ። እዚ ወግዕ ካብ ዝጀመረሉ ድሕሪ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ቀዳሞት ሊቃውንቲ ጥንታዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ ከትርፍዎ ስለዝደለዩ፣ ከም መተካእታኡ ክኸውን ዝኽእል ንቐሺ ቫለንታይን ዝዝክሩላ መዓልቲ ምፍላይ ምዃኑ ተረዳድኡ ቐሺ ቫለንታይን ኣብ ድሮ ፌስቲቫል ሉፐርካል ዝበዓለሉ ዝነበረ መዓልቲ እዮም ዓሪፎም። ድሕሪ ዕረፍቶም ቫለንታይን ቅዱስ ተሰምዮም። ኣብቲ ድሒሩ ዝመጸ ዓመታት ንግስነት ሮማ፣ ንክርስትና ከም ሃይማኖት እናተቀበለ ኣብ ዝመጻሉ ፌስቲቫል ሉፐርካልያ ኣረማውያን ዘይክርስትያናውን ብምንባሩን ካህናት ኣብያተ ክርስትያን ሮማ ነቲ 15 ለካቲት እትበዓል ዝነበረት ብዓል 14 ለካቲት ብምትካእ ፌስቲቫል ሉፐርካልያ ብመዓልቲ ቫለንታይን ከም እትትካእ ገይሮም። በዚ ድማ ኣብዚ ግዜ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ክንዲ ብስም ጣኦት ሉፐርክስ ብስም ቅዱስ ቫለንታይን ትብዓል ኣላ። ኣብዚ ግን እቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኾነ ትርጉም ናይቲ መዓልቲ ወን እዩ ተለዊጡ ካብ መዓልቲ ኣምልኾ ናብ መዓልቲ ፍቕሪ።

ቐሺ ቫለንታይን ኣብ ጥቓ ሮማ ኣብ ዝነበረት ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ከም ካህን ኮይኖም የገልግሉ ከም ዝነበሩ ኣፈ ታሪኽ ይንገር። እቲ እዋን ሮማ ኣብ ደማውን ደገፍ ህዝቢ ዘይነበሮን ኩናት ተሸሚማ ብምንባራ፣ ብሰንኪ ኩናት ሰላምን ርግኣትን ንግስነት ሮማ እናተዘርገ ክኸይድ ጀሚሩ ከም ውጽ ኢቱ ከኣ ኣብቲ ግዝ ኣት ብዙሕ ለውጥታት ተራእዩ። ጉድለት ብቑዕ ምሕደራ ውሽጣዊ ሲቪላዊ ግጭት ኣለዓዒሉ። መጠብ ግብሪ ወሲኹ። ንግዲ ብሓደገኛ ኩነታት ኣናዛሕተለከይዱ ከም ወን ኣብ ስሜን ኣውሮጳን ኤስያን ካብ ዝመደበሮም ከም ጋውል፣ ስላቭ፣ ሃንስ፣ ቱርክን ሞንጎልያን ኣመሰሉ ኣታት ኣብ ዶባት ግዝ ኣት ሮማ ተጻብ ኦታት ክፈጥሩ ጀመሩ። እቲ ንግስነት ብሰንኪ ናይ ውሽጥን ግዳምን ተጻብ ኦታትን ብድሆታትን ውራዩ ገፍሖ። ናይ ምኽልኻል ኦኣቕሙ ክብ ንምባል ብቑዓት ዓሳክር ምምልማል ግድነት ስለዝኾኖ። ንጉስ ክላውድዮስ ሰብ ሓዳር ሰብ ኡት ተደናገጽትን ምስ ሓዳአኦም ፍሉይ ስምዒታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎምን ንዕስክርና ብቑዓት ክኾኑ ኣይኽእሉን እዮም ዝብል እምነት ስለዘሕደረ፣ ነቲ ብቑኦኣት ዓሳክር ናይ ምምልማል ጥሙሕ ግሁድ ንምግባር መሮኣ ዝእግድ ሕጊ ኣውጸአ። 

ኣብዚ ግዜ ቐሺ ቫለንታይን ተኻፋሊ ሽግ ፍቑራት ብምዃን ንፍቑራት ብምስጥር ቃል ኪዳን የእስሮም ነበረ። ንተግባራት ናዚ መሓዛን ተደናጋጽን ፍቑራት ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ካህን ዝሰምዐ ንጉስ ክላውድዮስ፣ ቫለንታይን ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽ ኣቱ ኣዘዘ። ንጉስ ከላውድዮስ ብግርማን ጽኑዕ እምነትን ቫለንታይን ተመሲጡ ጣኦት ሮማ ክገብሮ ሓሊኑ እንተነበረ ቐሺ ቫለንታይን ግን ንጣኦት ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ብምግላጹ ኣንጻሩ ደኣ ነቲ ንጉስ ካብ እምነቱ ክልውጦ ፈተነ። ከም ብምግባሩ ድማ ብጎመድ ክቕጥቀጥን ራሱ ተሰይፉ ህይወቱ ክትሓልፍን እቲ ንጉስ በየነሉ። ኣብ 270 .. ልክዕ ኣብ ለካቲት 14 ድማ ቫለንታይን ንስለቲ ኣምነሉ ዕላማ መስዋእቱ ፈጸመ። 

እቶም ምስ ኣፍቀርቶምን ኣፍቀርተንን ብቃልኪዳን ተኣሳሲሮም ናይ ምንባር ሕልሞም ክበንን ዝተራእዮም መናሰያት ሮማ ብሞት ቐሺ ቫለንታይን ብዙሕ ሓዘኑን ኣስተተኑን። ሓንቲ ንሓልዮት ቫለንታይን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሮማ ዝተገንዘበት ጓሉ ነቲ ቫለንታይን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሒዝዎ ዝነበረ ሓላፊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ንቫለንታይን ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ እናተመላለሰት ትበጽሖ ከም ዝነበረት ዝሕብር ኣፈ ታሪኽ ኣሎ። ቀቕድሚ ህይወቱ ዝሓለትላ ዕለት ቀሺ ቫለንታይን ብርዕን ወረቐትን ካብቲ ሓላፊ ብምውሳድ ናትኪ ቫለንታይን ዝብል ሓረግ ዝርከቦ ደብዳበ ነታ ጓል ጽሒፉላ ከም ዝነበረ ይንገር። ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚሩ እምበኣር መዓልቲ ቫለናይን ከም መዓልቲ ፍቑራት ክብዓል ዝጀመረ እዛ ናትኪ ወይ ናትካ ቫለንታይን እትብል ሓረግ ድማ ክሳብ እዚ እዋን ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ዝግበር ምልውዋጥ ፍቑራት መልእኽትታት ዝውትርቲ ሓረግ ኮይና ኣላ። 

ዝገምታዊ ይኹን ደኣምበር መዓልቲ ቫለንታይን ዳርጋ ኣብ መብዛሕት አን ሃገራት ዓለም ከም መዓልቲ ፍቑራት ተፈላጥነት ክረክብ ጀሚሩ እዩ። ለካቲት 14 ፍቑራት ፍቕራዊ መልእክትታት ይለዋወጡላን ቅዱስ ቫለንታይን ድማ ከም ንፍቑራት ዘጽለለ ብጹእ ሰብ ይወስድን ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ መንጎ ፍቑራት፣ ፍቕራዊ ግጥምታት ዕምባባታትን ካል ኦን ኣመሰሉ ህያባትን ብምልውዋጥ ትብዓል። ንኽብሪ መዓልቲ ተባሂሉወን ማሕበራዊ ምትእኽካብ ዝገበረሉ ከባቢታት ኣሎ። ብዘይካ ከምቲ ኣብ ልደት ዝግበር ናይ ካርተሊናታት ምልውዋጥ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣወን ካብ ዘይንእስ ነዛ መዓልቲ ዝምልከት ኣብ መንጎ ፍቑራት ምልውዋጥ ይግበር እዩ። ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ካርተሊናታት ቫለንታይን ምዃኑ ዝንገረሉ፣ መስፍን ንግስነት ኣርልያንስ ዝነበረ ንጉስ ቻርለስ ኣብ ኩናት ተማሪኹ ኣብ 1415 ዓመተ ምህረት ኣብ ግንቢ ለንደን(london tower) ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንበዓልቲ ቤቱ ዝለኣኾ ካርተሊና ከም ዝነበረ ታሪኽ የዘንቱ። እዚ ካርተሊና ኣብዚ እዋን ኣብ ቤተ መዘከር ዓባይ ብሪጣንያ ተዓቒቡ ይርከብ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መዓልቲ ቫለንታይን ብሰፊሑ ክብዓል ዝጀመረ ኣብ መበል 17 ክፈለ ዘመን እዩ። ኣብ መፋርቕ 18 ክፍለ ዘመን ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ደርብታት ዝነበሩ መሓዙትን ፍቑራትን ነናእሽቱ ፍቕራዊ ህያባትን ኢድ ዝተጻሕፈ መልእክታትን ክለዋወጡ ጀሚሮም። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 18 ክፍለ ዘመን በቲ ኣብ ሕትመት ዘተኣታተወ ሓድሽ ምዕባለ መሰረት ኢድ ዝጻሓፍ ዝነበሩ መልእክትታት ብመልክዕ ካርተሊና ክዳለዉ ጀመሩ ኣብቲ ስምዒትካ ብቐጥታ ክትገልጽ ዘይትተባበዓሉ ዝነበረ ዘመን ፍቕራዊ ትሕዝቶ ዝነበሮ ካርድ ዝተዳለወ ጽሑፍ ስምዒት ንምግላጽ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ እዩ ዝነበረ፣ ውሑድ ክፍሊት ፖስታ ብወገኑ ካብን ናብን ዝተፈላለየ ቦታታት ንዝግበር ምልውዋጥ ካርተሊናታት ቫለንታይን ካብ ዝተባብዑ ዝነበሩ ዓበይቲ ረቛሒታት ሓደ ምንባሩ ዝግለጽ  

መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብብዝሒ ፍቕራዊ ካርተሊና ዝሽየጠሉ መዓልቲ እዩ።l ኣብ መሸጣ ካርተሊና ዝተዋፈሩ ትካላት ብርክት ዝበለ እትዋት ዝረኽብሉ መዓልቲ ስለዝኾነ ንመዓልቲ ፍቑራት ምዕራባዊ ናይ ሸቐጥ ባህሊ እዩ ብምባል ኣብ ሃገሮም ንኸይዝውተር ዝኽልከሉ ወገናት ወን ኣለዉ። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ካርተሊና ቫለንታይን ክሳብ ማኣከላይ ክፍለ ዘመን ዝዝርጋሕ እንተኾነ ብጽሑፍ ዝተዳለወ ካርተሊና ቫለንታይን ግን ድሕሪ 1400 , እዩ ጀሚሩ። ኣብነት እቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ መሸጣ ዝውዓለ ካርተሊና ቫለንታይን ኢሰተር ሆውላንድ ዝተባህለት ጓል ኣነስተይቲ ኣብ 1840ታት ዝተዳለወ እዩ ነይሩ። እዛ ኣደ ቫለንታይ ዝብል ስም ዘትረፈት / ሆውላንድ እቲ ሽዑኡ ተዳልዎ ዝነበረት ካርተሊና ቫለንታይን ካብ ጨርቀ መርቒ ዝተዳለወ ዝረፍረፍ ሸራጥን ተፈላለዩ ስእልታትን ከም ዝነበረ ይዝንቶ።

መዓልቲ ፍቑራት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ 14 ለካቲት ጥራይ ኣይኮነን ዝበዓል። ኣብ ካልእ ዕለታን ወርሕን ዝበዓለሉ መዓልቲ ፍቑራት እወን ኣብ ካል ኦት ሃገራት ዝውቱራት እዮም። ገለ ካብኦም……

ኮርያ፣

ኣብ ሃገረ ኮርያ ብጸሊም መዓልቲ ዝፍለጥ ኣብ 14 ሚኣዝያ ዝውዕል ምስ መዓልቲ ቫለንታይን ዝተኣሳሰረ ሓደ ወግዒ ኣሎ። ኣብዛ መዓልቲ ኩሎም እቶም ኣብ መዓልቲ ቫለንታይን ካብ ዝኾነ ሰብ ህያብ ዘይተቐበሉ ደቂ ተባዕትዮ ከም መግለጺ ዝስምዖም ሕማቕ ስምዒት ጃጃንግሚዩን ዝተባህለ ባህላዊ ፓስታ መረቕ ቻይና ምስ ጸሊም ስጎ ሓዊሶም ንኽበልዑ ዝተኣኻኸቡላ መዓልቲ እያ። ብዘይካ ኣብ ደቡብ ኮርያ ብመዓልቲ ፐፐሮ ( pepero day) ዝፈለጥ ፍቑራት መንእሰያት ፍቕራዊ ህያባት ዝለዋወጥሉ ኣብ ሕዳር 11 ተዘኪሩ ዝውዕል ካልእ መዓልቲወን ኣሎ።

ቻይና

ኣብ ሃገረ ቻይና ምስ መዓልቲ ቫለንታይን ብማዕረ ዝጥመት ባህላዊ መዓልቲ ፍቕሪ ኣሎ። እዚ መዓልቲ ናይት ኦፍ ሰቨንስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ ብመሰረት ናይ ወርሒ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ሻብዐይቲ ናይ ሻብዐይቲ ወርሒ ዝብዓል እዩ። ካብዚ ብቑሩብ ዝፍለ ተመሳሳሊ መዓልቲ 7 ናይ ጸሓይዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዝበዓል መዓልቲ ወን ኣሎ።

ፐርሽያ

ብባህሊ ፐርሽያውያን ማለት ኢራናውያን እቲ ህቡብ መዓልቲ ፍቑራት ብፍቑራት መንእሰያት ናይታ ሃገር ብሱቱር ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ምኽንያቱ፣ እስላማዊ መንግስቲ ሃገር ንመዓልቲ ፍቑራት ( ቫለንታይን ደይ) ካብ ምዕራባዊ ዓለም ዝተኣታተወ ናይ ልቓሕ ባህሊ እዩ ኢሉ ስለዝነጽጎ

ኢስራኤል

ብመሰረት ያታዊ ባህሊ ኣይሁዳውያን ኣብ መበል 15 መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣቨ ቱባቭ ማለት ብናይ ጎሮጎርያን ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዝጽንበል ፌስቲቫል ፍቕሪ እዩ። ቀደም ዘመን ኣይሁዳውያን ጎራዙ ኣብዛ መዓልቲ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲነን ናብት ብዙሃት ኣባጽሕ ንዕአን ዝጽበይሉ ግራት ወይኒ እናኸዳ ይለሃያ ከም ዝነበራ ይዝንቶ። ኣብ ናይ ሎሚ ዘመናዊ ባህሊ ሃገር እስራኤል ድማ እዚ ህዝባዊ መዓልቲ ፍቕሪ ብልሳንካ ዝግለጸል፣ መውስቦ ዝሕተተሉ ከምኡወን ከም ካርተሊናን ዕምባባን ዘኣመሰሉ ህያባት ምልውዋት ዝግበረሉ መዓልቲ ኾይኑ ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ።

ብራዚል 
ኣብ ሃገረ ብራዚል መዓልቲ ፍቑራት ( ቫለንታይን ደይ ) ክንድቲ ፍሉጥ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ፣ ኣብ ሰነ 12 ዝኽበር ብዓልቲ ፍትወት ዝፍለጥ መዓልቲ ኣሎ። ኣብዛ መዓልቲ ሰብ ቃል ኪዳን ዝተፈላለየ ህያባት ከም ቸኮላት ካርተሊናን ሕቛፍ ዕንባባን ንሓድሕዶም ይዋሃሃቡ። እዛ መዓልቲ ኣብ ሰነ 12 ክትውዕል ዝተሓርየትላ ምኽንያት ምናልባት ኣብ ድሮ መዓልቲ ናይቲ ብራዚላውያን መልኣኽ መውስቦ እዩ ኢሎም ኣምኑሉ ቅዱስ ኣንቶንዮ ስለ እትውዕል ክኸውን ከም ዝኽእዩ ዝግመት። ጽባሕ እዛ መዓልቲ ማለት ሰነ 13 ዘይተመርዓዋ ብራዚልያውያን ደቂ ኣንስትዮ ንቅዱስ ኣንቶንዮ ሕያዋይ በዓል ንኽፈጥረለን ብሃይሞኖታዊ ብዓል ዘኪረንኦ ዝውዕላላ መዓልቲ እያ።

ስሎቬንያ

ኣብ ስሎቬንያ ስሎቫውያን ንቫለንታይን ዝምልከት ሓደ ብሂል ኣለዎም። ንሱ ድማ፣ ቅዱስ ቫለንታይን መፍትሕ ሰራውር ሒዙ ዝመጽእ። ስለዚ ድማ ኣብ ለካቲት 14 ኣትኽልትን ዕምባባታትን ክጥጥዑ ዝጀምሩ ይብሉ። ስሎቫውያ ንመዓልቲ ቫለናይን ከም ማእቶት ኣብ ግራውቲ ዝጅመረሉ መዓልቲ እዮም ዘኪሮም ዝውዕሉ ዝነበሩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣዕዋፍ ከይተረፉ ንመውስቦ ይተሓራረዩ ወይ ይዋሰቡ ዝብል እምነትወን ኣለዎም። መዓልቲ ቫለንታይን ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ ስሎቬንያ ከም መዓልቲ ፍቕሪ እናተፈልጠ ዝመጸ፣ ብዘይካ መዓልቲ ቫለንታይን ብመዓልቲ ቅዱስ ግሪጎሪ ዝፍለጥ ኣብ መጋቢት 12 ዝጽምበል ያትዊ ወግዒ ፍቕሪወን ኣሎ። ከምቲ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ቅዱስ ቫለንታይን ከም ኣበሳሪ ወቕቲ ጸድያ ዝውሰድ ስሎቫውያንወን ንቫለንታይን ናይ ፈለማ ቅዱስ ወቕቲ ጽድያ ክበሉ ይሰምይዎ።


Write a comment

Comments: 0