Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኣብ ዝተፈለለየ ቦታታት ሃገርና ልቦና ሕብረተሰብና ዝገልጽ መስተንክር ዝኾነ ዛንታ ከም ዘሎ መቸስ ኣይትስሕትዎን። ምናልባሽ ከምዚ ሎሚ ናይ ምጽሓፍ ልምዲ ስለዘይነበረ። ነቲ ዝነበረ ጭውነት ዝመልኦ ዛንታት ዝገለጽ ሰናዲ ኣይረኸበን። ሎሚ እምበር ሒደት ካብቲ ብዙሕ ጭውነት ሕብረተሰብና ዝገልጽ ዛንታ ንቐደም በሉ።

ደግያት ባህታ ብዓልቲ ቤቶም ኣጎስማ ሔቦ ነበራ። ኣብቲ ዓዲ ስለስተ ርብዒ ክቢ ዝተሰርሓ ሓሙሽተ ላጌባ ህድሞ ናይ ኣሕማኦም ነበራ። (ክሳብ ሎሚወን ኣለዋ) ናብ ዓዲ ኣሕማኦም ምስ መጹ ደበብ ከኣ ንዓኦም ክደሊ በጋጣሚ መጸ። እቶም ዓዲ ንደግያት ባህታ ኣብታ ንሰሜን እትጥምት፣ ንደበብ ከኣ ኣብታ ንደቡብ እትጥምት ህድሞ ክልቲኦም ከይተፋለጡ ኣብ ሓደ ላጌባ ገዛ እናበልዑ እናሰተዩ ኣውዓልዎም። ኣማስያኡ ደበብ ንሰገነይቲ ገጹ ከደ። ገለ ሰባት

 

ኣይ ባህታ ደኣ ሓቢኦምልካመር ኣብቲ ዝወዓልካሉ ገዛ እንድዩ ውዒሉ በልዎ።

ሰንቢዱ ከኣ

ከመይ ዝበሉ ክልተ ሓዊ ኣብ ሓደ ገዛ ዘውዕሉ ጀጋኑ ዓዲ እዮም። ከመይ ዓደይ ይግበሮም። ንሓዴና ከቕትሉና እንተዝደልዩስ ኣብ ኢዶም ኔርና

በሉ ክብሉ ዓበይቲ ዓዲ ሔቦ ነዚ መስተንክራዊ ዝኾነ ጭዋ ታሪኽ የዘንትዉ።...[......]


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ከንቲባ ተስፋይ ወዲ ወልደሃንስ ገዛ ማይ ዔላ ሰገነይቲ (እንዳ ኣከለ ጉዛይ) ኣብ ማይ ሰራው ውዕሎ ጌሮም መን ይምርሓና ኣብ ዝብል፣ ምስምማዕ ምስ ሰኣኑ ከንቲባ ተስፋይ ተንሲኦም

ኣንታ እዚኦም መንዮም?” ...“ንጉሰይ!”

እዚኦም?” ...“ንጉሰይ!”

በሉ ኩላህና ነጋውስ። ንኺድ በቕለይ ጸዓነለይ ቢሎም ገዲፎሞም ክኽዱ ነቐሉ። 

ሓደ ተንሲኡ

ነዞም ቀይሕ ሰብኣይ ባዕልኻ ምረጸልና ቢልና ንምለሶ

ቢሎም መለስዎም ምረጸልና በልዎም። ንሶም ከኣ ንርእሰይ እንተበልክዋ? “ሰዳ ንሓወይ እንተበልክዎ? “ሃቦ ጥራይ ንዝደለኻያ ሃቦ በልዎም። ናይ ስልጣን ህርፋን ስለ ዘይነበሮም ከኣ ንኸንቲባ ትኩእ በዓል ኣብዓ (ሾሙ)

ካብዚ ዝተላዕለ ማይ ዔላስ ይሸሙ እምበር ኣይሽየሙን ዝብል ብሂል ኣሎ።...[......]


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

እዞም ደቂ ሓጎስ

ደቂ ሮማይ

ምስ ቀታሊ ኣብኦም

ዝሰትዩ ማይ

ደግያት ባህታ ወዲ ተራ ሓረስታይ ኮይኖም ኣብ ግዜ ብጽሕነቶም ኣቡኦም ኣብ ኣምባጋሮ (ባእሲ) ሞይቶም ነበሩ። ሓደ መዓልቲ (ደግያት) መርዓ ንማዕረባ ይወርዱ እሞ ከምቲ ልማድ ኣዋልድ ንወራዶ መርዓ ክጸርፋ ከለዋ፣ እዛ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዋ ዒደረ ምስ ዓደራሎም።ደግያት ባህታ ካብ መኣዲ ሌማት[1] ክበልዕዋ ተቐሪቦም ዝነበሩ ኩላሶ ድርብዮም ነቲ ዝጠርጠርዎ ሰብ በረኻ ከይዶም ቀተልዎ። በዚ ከኣ ኣብ ሰለድ ዝተባህለ ቦታ ሸፊቶም ይብሃል።


1~ መኣዲ ሌማት ዓቢ ቅርጫት ሸሞንተ እንጌራ ተተዓጺፉ ንጻሕሊ ኣኽቢቡ ዝቕረብ...[......]


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ካብ ጥንቲ ኤርትራ መሰረት ኢትዮጵያ ብምዃና መሰረት ዓሌት መብዛሕቲኡ ህዝብታት ከበሳ ኢትዮጵያ ሴማዊ ዝዓብለሎ ከም ምዃኑ መጠን፣ ሴማዊ ህዝቢ ከኣ ምድሪ ባሕሪ ቀጺሉ ኣብ ትግራይ እቲ ዝለዓለ ስልጣኔ ፈጢሩ ዝሳገመ ምዃኑ ዝተፈላለየ ባህርታት ንክፈጥር ምኽንያት ከም ዝኾን ክጥቀስ ይኽእል ከምቲ ካብ ክፈትውኻ ክፈርሁኻ ዝብሃል፣ ስለዝፋተዉ ወይ ዝፋለጡ ብዝይዳ ክረዳድኡን ክደፋፈሩን ኪኢሎም ገለወን ዓብለልቲ ኮይኖም ክወጹ ብምድላይ ንቐጻሊ ምትሕግጋዝን ወራራትን ክፈጥር ከኣለ።

እዚ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ህዝብታት ኣብቲ ዝኸድዎ ምጥዓም ምስ ዝስእኖም ተመሊሶም ናብቲ መበገሲኦም ክምለሱ ግድነት ነበረ። ሰኣን ጥልቕ ኢልካ ዘይምምርማር ከኣ ገለ ገለ ነቲ መሰረቶም (ምድሪ ባሕሪ ወይ ምድረ ሓማሴን) ኤርትራ ገዲፎም ሰኣን ምርዳእ ነቲ ዳሕረዋይ (ትግራይን ወይ ዓደምሓራ) ነይረሙሉ ዝተመልሱ መበቆሎም ምዃኑ ክምስክሩ ይስምዑ ምድሪ ባሕሪ መስረት ምዃኑ ብሰፊሑ ክንርእዩ እንትኾንና ገለ መጻንሒ ኣብነት ክንጠቕስ።

ህዝቢ ዓቓቢ ጥንታዊ ባህሉን ቋንቛኡን ብምዃኑ፣ ሊቃውንቲ ኢትዮጵያ ንቃላት ግእዝ መሰረት ነባር ዓንቀጹ ምስ ዝጠፍኦም ከምኡወን ትርጉም ቃላት ንምድላይ ንዓበይቲ ዓዲ ምድሪ ሓባብ ክሓቱ ይመጹ ከም ዝነበሩ ብዙሓት ዓበይቲ ደቂ እቲ ከባቢ የዘንትዉ።...[......]


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ሓደ ካብቶም ንከተማ ኣስመራ ዘወቀቡ ህንጻታት እዩ። 1937 ድማ ተሃኒጹ።

ህንጻ ሲነማ ኢምፐሮ ማርዮ መሲና ብዝተባህለ ክኢላ ተነዲፉ። እዚ ብሰለስተ ደረጃታት ዝተሃንጸ ህንጻ 1800 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ዓቢ ኣደራሽ ይርከቦ።

ብቕድሚ ወገን ህንጻ ብሰለስተ መስመራት ዝተኸፍለ ጻዕዳ ዝሕብሩ መንደቕ ክህሉ እንከሎ፣ ነፍሲ ወከፍ መስመር ዓሰርተ ሓሙሽተ መብራህቲ ኣለዎ። እቲ መብራህቲ ነቲ ብየማናይን ጸጋማይን ሸነኽ ዝርከብ ሲነማ ኢምፐሮ ዝብል ጽሑፍ ዓቢ ድምቐት ይህቦ።

ካብ ቀንዲ ድንቒ ስራሕቲ ህንጻ፣ ኣብ መንጎ መድረኽን ኮፍ መበሊ ናይ ተዓዘብትን ዘሎ ቦታ፣ ኣራእስ ናይ ኣንበሳ ዝተሃንጹ ዓንድታት፣ ሳዕሳዒት ኣፍሪቃ ዘንጸባርቑ ስእልታት፣ ተኽሊ ተምሪ ከምኡወን ቅርጺ ጠለበዱ ብናይ ኣርት ዴኮ ቅዲ ተቐሪጾም ምህላዎምዩ።

Source: Asmara Africa’s secret Modelist city

Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ሃጸይ ዮሃንስ ገና ቅድሚ ሃጸይ ምባሎም ናብ ኤርትራ ብዙሕ ወራራትን ግፍዕታትን ከም ዝገበሩ ይፍለጥ። ነቲ ኣብ መንጎ ሃዘጋን ጸዓዘጋን ብቐዳሞት ደጓዑ (መሳፍንቲ) ሱር ተኺሉ ዝነበረ ምትህልላኽ ተጠቒሞም ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ደግያት ሃይሉ ራእሲ ወልደሚካኤል ብዙሕ ተንኮላት ፈጸሙ።

ደግያት ሃይሉ ተወልደ መድህን ፈታዊኦም ተመሲሎም; ደግያት ገብረ ተኽለ ዝተባህለ ትግራዋይ ኽስልዮም ኣብ ጸዓዘጋ ክቕመጥ ለኣኽዎ። ንሱ ኸዓ ፈታዊ ተመሲሉ ኣብ መንጎ ደግያት ሃይሉ ብዙሕ ሰለያ እናካየደ ዝበልዎ ዝተዛረብዎ ስፍርን ቁጽርን ዘይብሉ ጸብጻብ ናብ ጎይታኡ የመሓላልፍ ነበረ

ሃጸይ ቴድሮስ ምስ ሞቱ ኣብ ሳልስቱ 19 ሚያዝያ 1868 ካልእ ገዲፎም ንጸብጻብ ደግያት ገበረተኽለ ምርኩስ ብምግባር መረብ ሰጊሮም ኣብ ዓዲ ወደል መራጉዝ ዝተባህለ ዓዲ ሓደጋ ወዲቖም ንደግያት ሃይሉ ማሪኾም ኣይተ ወልደ ሚካኤል ሰለሙን (ራእሲ) ሹመትካ ደገዝምነት ግዝኣትካ ምኽዓው ቆሎ ምላሽ ሂበካ ኣለኹ ብማለት ነቲ ጽልኢ ክልተ ኣሕዋት ኣባልሕዎ

ደግያት ገበረ ተኽለ ከኣ እሙን ኾንካ ስለ ዝተረኸብካ ግዝኣት ምሉእ ሰራየ ሂበካ ኣለኹ ብማለት ኣብ ዘይናቶም ዓዳላይ ኾይኖም ተረኽቡ

ድሒሮም ደግያት ሃይሉ ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ከይ ኣኽሎም፣ ሃጸይ ዮሃንስ ተመሊሶም ደግያት ወልደሚካኤል ሻራ ሃጸይ ተኽለ ገርግስ እዩ ብዝብል ጉልባብ ዓድዋ ምጻኒ ቢሎም ለኣኽሎም

ገንዘብ ስርቕን ገንዘብ ልማኖን ክሳብ ዝቐትለካ ዝጠቕመካ ይመስል

ከም ዝብሃል ዝሃብዎም ሹመት ናይ ሓቒ መሲልዎም ብዓል መስቀል ብሓደ ኣብ ዓድዋ ከነብዕል” ኢሎም እዮም ብማለት ከድዎም። እንተኾነ ሃጸይ ዮሃንስ ሕጂ ዕድል ረኺበ ብማለት ተቐቢሎም ኣሰርዎም [……]


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኣመጻጽኣ መርገም

ራእሲ ኣሉላ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብኽሳዱ እንተዘይኾይኑ ብጽዕነት ጨው ዝነገደ ከቢድ ፈሰስ ክኸፍል ምዃኑ ዘገደዱሉ እዋን ነበረ።

ህዝቢ ከኣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝባኑ ጨው ይነግድ ነበረ። ካብ ቀይሕ ባሕሪ ከበሳ ኣብ ዝባንካ ጨው ተሰኪምካ ክትነግድ ድማ እምብዛ መሪር ስለዝነበረ ሕሱምዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ነቲ ሕሱም ግዜ ንምግላጽ ወይ ድማ፣ ከም መርገም ክሳብ ሎሚ ብዝባንካ ጨው ንገድ” ይብሃል ኣሎ።...[......]


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኤርትራ (ብጽርኢ ወይ ብግሪኽ) ስም ባሕሪ ኾይኑ ካብ ፖርት ስዒድ ክሳብ ባሕሪ ህንዲ ወይ ከኣ ካብ ወደብ ስዩስ ክሳብ ባብ ኤል መንደብ ዘሎ ባሕሪ እዩ።

ኣወሃህባ ስሙ:-

ቀይሕ ዕንባባ ባሕርን መሬትን ስለ ዝረኣየሉ ቀይሕ ሰበባ ዘንሳፍፈሉ ቀያሕቲ ዓሳታት ዝውለድሉ፣ ካብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን ሕብሪ ዘለዎም ቅይሕ ዝበሉ ህዝብ ዝነብርዎ ቦታ ስለዝኾነ እዩ።

ነብይ ሙሴ፣ ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍ ክጽሕፍ እንከሎ ንቀይሕ ባሕሪ ብቋንቋ ኢብራይስጢ ያም ሱፍ ኢሉ ሰመያ

ያም:- ባሕሪ ኪኸውን እንከሎ፣

ሱፍ:- ድማ ቀይሕ ማለት እዩ

ኣብ መበል 150 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ሊቃናት ዝብሃሉ ንቅዱስ መጽሓፍ ካብ ኢብራይስጥ ናብ ግሪኽ ዝተርጎሙ ከኣ ንቀይሕ ባሕሪ ታላስ ኤርትሮስ ኢሎም ሰመይዎ።

ከምኡወን ኣብ ሃገረ ግሪኽ ኤርትራ ዝብሃል ዓዲ ወይ ቁሸት ኣሎ፣ ትርጉሙ ድማ፣ ቀይሕ ባሕሪ ቀይሕ ምድሪ ማለት እዩ።...[......] 


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ራእሲ ኣሉላ ኣብ ሓማሴን ሰፊሮም ከመሓድሩ ምስ ጀመሩ ነቲ ክቡር ባህልን ወግዕን ንምብልሻው መስደመም ዝኾነ ጽኑዕ ኣዋጅ ኣወጁ ገለ ካብቲ ብዙሕ ኣዋጆም።

  1. ሓደ ሰብ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኤርትራ እንተደኣ ተቐሚጡ ወደርብዓ ተባሂሉ ምሉእ መሰል ክውሃቦ ዝብል ነበረ። ጣልያንን ብድሕሪኡ ዝመጹ ገዛእቲ ሓይልታት ከም ቅቡል ወሲዶም ከኣ ኣጽደቕዎ። ሕጂወን ተኾነ ዳርጋ ከም ባህሊ ኾይኑ ኣሎ ክብሃል ይከኣል።
  2. ከምኡወን ገባር ኣብ ገዝኡ ሜስ ንመርዓ ንተስካር ወይ ከኣ ክሰትዮ ኢሉ ከየውድቕ ሜስ መስተ ንጉስን ራእስታቱን ጥራይ እዩ ኢሉ ኣወጀ። ነዚ ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ዓበይቲ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ልዕሊ ደጓዑ ቅልጽሞም ኣልዓሉ ካብቶም ቅልጽሞም ዘልዓሉ፣ ሓደ ከኣ ደግያት ሓድገምበስ ወዲ ከንቲባ ጉልወት ነበሩ።

ብተወሳኺ ራእሲ ኣሉላ ካብ ዝተኣተተውዎ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ሹም ጭቓ ገበሩ።

ጭቓ:- ከምቲ ጭቓ ንመንደቕ ዘጽንዖ ወይ ዘላግቦ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ዘላግቦ ማለት እዩ

ኣብ ቦታ ነበረ (ብዓል ቆጽሊ) ፈረሰኛ ወይ ምስሌነ ብተወሳኺ ብቀሊሉ ከም ዘይግዝኡ ዘስግኡዎም ዓድታት እንተሃልዮም ተሰሪ (ደርጎይና) ወይ ሕልፎት ማለት በላዕተኛ ስርዑ። ከምኡወን ኣብ ትሕቲኦም ግብርን ፈሰስን ዘዋጽኡ በብወረዳኡ ገበሩ። ልጅ ተስፋይ ኣጉዕዲ ጸንዓ ደግለ ብጀረንዲ ለወጣ ኣብ ደቂ ድግና ራእሲ ኣርኣያ ኣቦ ፊተውራረ እምባየን ደቡብን ኣብ ኩዓቲትን ከንቲባ በኺት ኣብ ካርነሽምወዘተ ገበሩ።...[.......]

Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ክቡራት ኣንበብቲ

ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብዋልታ መድሓኒት ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ጅግንነት ደግያት ኣበራ” ዝተጻሕፈ መመላእታኡ እዩ።

 

ደግያት ኣበራ ካሳ ወዲ ወዶም ንደግያት ሃይሉ ጸዓዘጋ እዮም።

ጣልያን 3 ነሓሰ 1889 ነስመራ፣ ምስ ኣተወ ሓያል ምዃኖም ኣጸቢቑ ፈሊጥዎም ስለዝነበረ፣ ምስሌነ ዝባን ሓማሴን ሸይሞም። ክጥብሮምን ከከባብሮምን ጀመረ። እቲ ንሓበሻ ዘይፈቐድ ዝነበረ ከም ጫማ ምውዳይ ከይተረፈ ፈቐደሎም። ካብኡ ሓሊፎ ወን ክሳዕ ኣብ መኣዶም ሓወስዎም እንተኾነ ግን፣ ሓያላት ዝኾኑ ይእሰሩ ብምንባሮም ካልኦት ደቂ ሃገር ውን ሓበሬታ ምስ ሃብዎም ምኽያት ፈጢሮም ስድራቤቶም ሒዞም ከይቐደምዎም ሃዲሞም ኣብ መሬት ዓንሰባ ዓረዱ

ጣልያን ከኣ ተቆጢዖም ሰራዊት ልኢኾም ብዙሕ ህዝቢ ኣጋፍዑን፣ ንብረት ወን ራሰዩ ካፒታን በቲኒ ዝብሃል ኢጣልያዊ ፈኪሩ ሰዓቦም መዓል ኣይተ ሓጎስ፣ ዓብደል ሓድሽ ዓዲ ዓንሰባ (ለመጨሊ) ካብ ዓዲ ሞቶ (ስኹን) ከምኡወን ተኸተልቲ ደግያት ሓድገምበስ ወዲ ከንቲባ ዓልወት ካብ ዓዲ ኤሎባ ዓዲ ተከሌዛን፣ ዝነበሩ ኾይኖም ተዓጢቆም ጸኒሖም ኣብ ዋልታ መድሓኒት (ደቂ ሸሓይ) 1892 ውግእ ገጢሞም ንካፒታኖ በቲኒ ቀተልዎ ብድሕሪ ብስውር ነስመራ ኣትዮም ኣጓዱ ዓስከር ጣልያን ሓዊ ኣዲዶም ንትግራይ ተሳገሩ ይብሃል።...[......]

Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

“ሽፋ” መሬት ኣሕዋት ኮይኑ በብጉጅለ ዝካፊልዎ መሬት

“ጉልቲ” ብዓል ስልጣን ንዝፈተዎ ዝዕድሎ መሬት

“ርስቲ” ካብ ወላዲ ናብ ውሉድ ዝመሓላለፍ መሬት

“ዲሳ” ርስቲ ዓዲ ኮይኑ ብማዕረ ዝምቀል መሬት

“ግብሪ” መኣዲ ንጉስ

“ጭዋ” ኣግዓዚ (ብግእዝ) ኣግ ኣዝያን (መውጻእቲ ሓራ)

“ሆብ” ወጠጦ ወይ ተባዕታይ ወዲ ጤል ዘይተቐጥቐጠ

“ሕደማ” ድርሰት ግጥሚ ማሰ ደርፊ

“ጎርዞ ጊላዋ” ኮታይቲ፣ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ መንአአያት

“ትውፊት” ካብ ወላዲ ናብ ውሉድ ዝሓልፍ / ዝውረስ ቃል

“ጥሽ ውባእ” መርዓ ንዝሓለፋ ጓል ከም ሓያም ተቖጺራ ኩሉ መሰላ ከም ዝሕለወላ ምግባር

“ስበት” ጥልቀት ሓደ ትልሚ ኣብ ማሕረስ

“ኮንሶ” ቀዳሞት ንሓጺር ሰብ ዝጽውዕሊ

“ነፍጢ” ተተዃሲ ብረት ...[......]


Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኣብ ታሪኽ መግዛእቲ ካብ 1875 ክሳብ 1895 ንዕስራ ዓመታት ዘኣክል ዝተፈላለየ ወራራትን ራስያን ዝነበሮ ውግኣት ተኻይዱ። እዞም ወራርትን ራስያን ዝነበሮም ውጉኣት ውሑዳት ኣሽቱ ገዲፍካ ኣብዞም ትሕት ኢሎም ዝግለጹ ዓበይቲ ውግኣት ይጠቓለሉ።

  1. ውግእ ጉንደት (ሕዳር 1875):- ኣብ መንጎ ምስርን ሃጸይ ዮውሃስን
  2. ውግእ ጉራዕ (መኣቢት 1876):- ኣብ መንጎ ምስርን ሃጸይ የውሃንስን
  3. ውግእ ክፊት (መስከረም 1885):- ኣብ መንጎ ማህዳውያንን ራእሲ ኣሉላን
  4. ውግእ ዶጎሊ (ጥሪ 1887):- ኣብ መንጎ ጣልያንን ራእሲ ኣሉላን
  5. ውግእ ኣቑርደት (ስነ 1892 -ታሕሳስ 1893):- ኣብ መንጎ ጣልያንን ማህዳውያንን
  6. ውግእ ኮዓቲት (ሰንዓፈ) ጥሪ 1895:- ኣብ መንጎ ጣልያንን ራእሲ መንገሻን
Akurdet - ኣቑርደት

ኣብ ግዜ ጣልያን ኣብ 1935 ከም ከተማ ተሃንዲሳ፣ ማእከላይ ቦታ ብምሓዝ ካብ ሓጋዝ ምዕራባዊ ገማግም ማርያ ንኹሉ ቆላታት ክሳብ ዶብ ከሰላ (ሱዳን) ከም ማእከል ንግድን ካልእ መራኸቢታት’ያ ኔራ፣ ኣቑርደት።

ኣብዚ እዋን እቶም ገዛእቲ ጣልያን ይኹኑ ደኣ’ምበር፣ ብኢድ ኣዙር ብመሳፍንቲ ደግለል ትመሓደር ኔራ። ኣብ ውሽጢ ከተማ ኽዕይኑ ንምሉእ ጎልጎል ባርካ ይብሕቱ ኔሮም። ስልጣን ደግለል ም ስዕረት ጣልያን ኣኽቲሙ።

ሓድሽ ሜላ መግዛእቲ እንግሊዝ መቓቒልካ ግዛእ ብምትእትታዉ ዝነበረ ምእከላ ምምሕዳር ኣብ ቀቢላታት ተበቲኑ።

ኣቑርደት ርዒማቶ ዘላ ስም ካብ ቀዳሞት ተቐማጦኣ ዝተዋህባ ኾይኑ ፣ ኣይ መጀመርታ ስማ “ኣውተት” ዝብል’ዩ ኔሩ። ብቋንቋ ሕዳርብ ድማ፣ “ቦታ መዓር” ማለት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ስም ኣብ ከባቢ መቓብር ሰማእታት ሰንበት ጸላም ተቀቢሮምሉ ዘለዉ ተወሲኑ ተሪፉ። ብቐንዱ ኣቑርደት መጽውዒ ስማ ካበይ ከም ዝነቐለ ብኣፈ ታሪኽ ክልተ መግለጺ ኣሎ።

ቀዳማይ፣

እዚ ቦታ ሳዕርን ማይን ዝርከቦ ዱር፣ ምቹእ ጥሪት ዝደሳሉ ቦታ ይኹን ‘ምበር ጓሶት ቁርዲድ ኣለዎ ኢሎም ይሓልፉ ነበሩ። ከም ቦታ ቁርዲድ ድማ ኣቑርደት ተባህለት ይብሃል።

ካልኣይ፣

ኣብዚኡ ቦታ ሓደ ዝገርገረ ኣንበሳ ኔሩ። ሰብ ማልን ገያሾን በዚ ቦታ ክመላለሱ ኣሸጋሪ ኮነ። ኣብቲ እዋን ከም ዓቢ ጅግና ዝነበረ ዘማት ወዲ እኹድ ዝተባህለ ፣ ጽኒሑ ብገዛእቲ ጣልያን ኣብ ናኹራ ተሓይሩ ዝተቐትለ፣ ጸገም ጓሶት ክፍታሕ ነቲ ኣንበሳ ቀተሎ። ምሉእ ሰብነት ኣንበሳ ቁርዲድ መሊኡ ስለ ዝነበረ ካብ ኣካላት ኣንበሳ ናብ መሬት ተዘርኡ ካብዚ እዋን’ዚ እቲ ቦታ ብቑርዲድ ፣ ስለ ዝተፈልጠ ብቋንቋ ትግረ ኣቑርደት ተባህለ ይብሃል።

ብኣጣቓላሊ ፣ እቲ ስም ምስ ብዝሒ ቑርዲድ ዝተኣሳሰረ እዩ።

ቀንዲ መለለዪ ከተማ ኣቑርደት ከም ኩለን ከተማታት ኤርትራ ኣሰር መግዛእቲ ጣልያን ዘለዋ ከተማ እያ። “እስታስዩኒ ባቡር ንገያሾ ዘእንግድ መስመር፣ ከረን ኣስመራ ዘገልግል ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ብዓል ሓደ ደርቢ ገዛ፣ ካብ መጀመርታ ጣልያን ዘሃነጾ ዘመናዊ ህንጻ ኣብ ኣቑርደት እዩ። እዚ ገዛ’ዚ ነቶም ናይ ዕድመ ጸጋ ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ተዘክሮ ይህቦም። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድማ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ። ከም ታሪኻዊ ቅርሲ ዝርአ ድማ’ እዩ።

ኣብ ጎቦ ተሃኒጹ ዘሎ ናይቲ ኣብ ደራቡሽ ዝተቐትለ ጣልያን ሓወልቲ መዘክር’ወን ካልእ መለለዪ እዛ ከተማ እዩ። እዚ ጎቦ’ዚ ከም ታሪኻዊ ታባ ኣብዚ እዋን’ዚወን ዝያዳ ተመክሮ ንምድማቕ ሽምዓ ሰማእታት ተተኽIልዎ ኣሎ።

ኣሰር ፍርስራስ ህንጻታት ናይ’ተን ኣንጀባን ሽሽታን ዝተባህላ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበራ ብዙሓት ሸቓሎ ዝሓቑፋ ዝነበራ ክልተ ፋብሪካታት’ወን ፍሉይ መለለዩ ናይዛ ከተማ እዩ። ሎሚ ትሒት መነባብሮ ዘለዎም ተቐማጦ ናይዛ ከተማ፣ ኣብቲ ቦታ ዝተፈላለየ ሸቐጣት የካይዱ’ለው። እቲ ስም ግን ክሳብ ሎሚ ኣይሃሰሰን ።

ዓቢ ድልድል “ትረሪ” ኣብ መስመር መንገዲ ባቡርዝርከብ መስመር ኾይኑ፣ መስተንክር ኣሰራርሓ ዘለዎ ንሩባ ባርካ ዝቖርጽ ድልድል እዩ። እዞም ክልተ ድልድል “ትረርን ቃረዕ ቦልን”፣ ኣብ 1936 ዓ.ም ብሚስተር ትረር ዝተባህለ መሃንድስ ዝተሰርሐ እዩ። ምሉእ ድልድል ብሓጺን ዝተተሓሓአ ስለ ዝኾነ ንረኣዩኡ ሰሓቢ’ዩ።

ብ1958 ዓ,ም ዝተሃንጸት መስጊድ ኣቑርደት፣ ብስፍሓትን ኣቀራርጻን ካብተን ካልኦት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ መሳጊድ ዝፈልያ ‘ኳ እንተዘየሎ። ኣብ ኩለን መሳጊድ ዘይርከብ ብደረጃ ኣህጉር ዝወዳደር 36 ሜትሮ ንሰማይ ዘንቃዕረረ ኣብ ልዕሊ እቲ ንውሒ ጥበብ ዝተሓወሶ ኣደናቒ መእዘኒ( ሙናራ) ዘለዋ መስጊድ ፍሉይ ቆላሕታ ዝሰርቕ መስጊድ’ዩ። እዚ ህንጻ ‘ዚ ኣብቲ ሰጣሕ ጎልጎል ባርካ ካብ ርሑቕ ስለ ዝርአ ኣቑርደት ምሳኻ እትዘውር ዘላ ኾይኑ ይስምዓኻ።

ሆስፒታል ኣቑርደት ኣብ ርእሲ ውሕልልነት ተደኩናትሉ ዘላ ቦታ ተሓዊስዎ ንሰማይ ትበርር መርከብ የምስላ። እዚ ብኹሉ ተዓዛባይ ኣድናቖት ዘትረአ ህንጻ ንሕሙም ጣይ ዘይኾነ ንበጻሕቲ’ወን ፍሉይ ጣዕመ ክሊማ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ ገምገም ሩባ ባርካን በሪኽ ቦታን ስለ ዝተደኮነት ልዑል ሙቐት ከተማ ኣቁርደት ኣይጸልዋን እዩ።

እዛ ቀንዲ ቁጠባዊ ምንጫ ሩባ ባርካ ዝኾነት ከተማ ኣቑርደት፣ ሰፊሕ ሩባ ባርካ ከም ቀንዲ ቁጠባዊ ምንጫ ወሲዶም፣ ብፍላይ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስቶም ተረፍ መረፍ ወጻእተኛታት ተሻሪኽዕም ፍርያት ባናናን በርበረን ንሰደድ ዝዓለመ ከፍርዩ በቒዖም ዝነበሩ ህርኩታት ነበርቲ’ዮም ዘለውዋ። ካብዚ ተበጊሶም ብመንገዲ ዲታ (ሃብታም) ደናኣይ ዝተባህለ ኢጣልያዊ፣ ባናና ንስዑድያን ዓዲ ጣልያንን ክሰድዎ ከለዉ በርበረ ድማ ብመንገዲ ኣየር (ባርን) ንጀርመን ይለኣኽ ኔሩ። እዚ ክሳብ ጸላም ሰንበት (09/13 /1975) ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ብዘይኻ’ዚ ኣቁርደት ማእከል ንግዲ ኣውራጃ ባርካን ክፍሊ ደቡባውን ምዕራባውን ሳሕል፣ ምዕራባዊ ሰንሒትን ከም ዝነበረት ይፍለጥ። ዝዓበየ ዕዳጋ ጥሪት ውን ኣብዛ ከተማ ኾይኑ፣ ብጋይት ዝተባህላ ዓይነት ከብቲ ካብ ታሕታይ ባርካ ሀደምደሚ፣ መጎሎ ፣ ጋሽ፣ ምዕራባዊ ገማግም ጎቦታት ማርያን ሰርሒትን ኣብዚ ይእከባ ኔረን። ካብዚ ጀሚሩ ክሳብ እዚ እዋን ዕዳጋ ጥሪት ሰሙናዊ ዘይኾነ መዓልታዊ ኾይኑ ኣሎ። ኢንኮዶ( ፋብሪካ ስጋ) ቀንዲ ዕዳጋ ኣቑርደት እዩ።

ኣቑርደት ብሃብቲ እንስሳ ዝተፈልጠት ከተማ እያ። ብጋይት ዝተባህላ ዓይነት ከብቲ ቆማታት፣ ጸፋሕቲ፣ ምስጉን ናይ ጡብ ጎሎ ዘለወንን ብዙሕ ጸባ ዝሕለባን፣ ብጸላኢ ብቀሊሉ ዘይድፈራ፣ ብሓብቫር ንተጻባእተን ዝከላኸላ ኾይነን፣ ኣብ ክሳዳ ቓጭል ብዝተኣሰራ መራሒት ላም ዝእለያ፣ ከይተደናገራ ዋንአን ዘለልያ ከብቲ እየን። ብፍላይ ኣብዑር ብጋይት ምስ ብጽሕና ገመል ዝዳረግ ኣካላት ኣለዎም። ልዕሊ ኩሉ ካብቲ ዘለወን ፍቕሪ ሙዚቓ ተበጊሰን ዋናታተን ሻንብቖ ክሃርሙ ከለው ልክዕ ዕስልየ …ዝተባህላ ጓይላ ክመስላ ኩለን ተኣኪበን ኣብ ልዕሊ ጓሰአን ክዳሩና ከለዋ ውላድ ሰብ እየን ዝመስላ። ካብዚ ተበጊሶም ብዙሓት ጓሶት ገጠምትን መስለትን ብዛዕባ ብጋይት ኣዚሞምን ግርማ ሞጎሰን ገሊጾምን እዮም።

ገመል ካብቲ ብብዝሒ ዝጓሰ ጥሪት ናዚ ከባቢ እዩ። ከም ቀንዲ መጽዓኛ ድማ የገልግል። ድራቤታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንብረትን ጠቕሊለን ክጉዓዛ( ክሳግማ) ከለዋ ነቲ መርከብ ምድረበዳ ሓዋይ ጽዒነን ኣብቲ ሰጣሕ ኣኣምእ ጽንኩር ጎልጎል ክንሳፈፋ መዓልታዊ ተርእዮ እዩ። ገመል ምቑር ጸባን ስጋን ስለ ዘለዋ ኣብ ዓቢ ወራያት ትሕረድ። መንጉድ ገመል ብዙሕ ስምብሒ ስለ ዝኽዝን መኺኹ ገረወኛታት እዩ ዝመልእ። እዚ ቅብኢ ‘ዚ ካብ ልኻይ ርእሲ ሓሊፉ ንዝተፈላለየ መዓላ ይውዕል።

ገመል ካብ ዕዳጋ ጥሪት ከተማ ኣቑርደት ተበጊሱ ንሃገረ ሱዳን ሰንጢቑ ኣብ ግብጺ ዓይኒ ዕዳጋ ኾይኑ ብክቡር ዋጋ ይሽየጥ ። ጠለ በጊዕ ድማ እተን ቀንዲ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ዝዋሳኣ ኾይነን ካብ ጸባአንን ስጋአንን ሽያጥ ዝርከብ እትት ውሑድ ኣይኾነን። ኣባጊዕ ናዚ ከባቢ ካብ ናይ ከበሳ ኣባጊዕ ፍልይ ዝበለ መልክዕን ቅርጽን ኣለወን። ነዊሕ ክሳድ፣ በሪኽ ቁመት ቶራም ኣፍንጫ፣ መሬት ዝጋሰስ ጭራ ዘለወን ኾይነን ተሓለብት ጸባ እየን።

ኣጣል እንተ ር ኢና’ወን “ ሌንገ ሓሰን” ዝተባህላ፣ ብዙሕ ጸባ ዝሕለባ፣ ድርብ) ማንታ ዝወልዳ) ምሩጻት እየን።

እንስሳ ዘገዳም ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ካብ ጥንቲ ዓዲ ነብርን ኣንበሳን ይብሃል’ኳ እንተነበረ ፣ ሎሚ ግን ዳርጋ የለዉን። ብብዝሒ ዝረኣዩ ዝብኢ፣ ማንቲለ ፣ ወኻርይ፣ ህበይ መፍለስ ቅንፍዝ፣ ኢራብ ገታእ ፣ ኣሰለት፣ ሰገን ካልኦትን ዝተፈላለዩ ኣዕዋፍን ይርከቡዋ።

ስለዚ፣ ኣብ ኣቑርደት ገጽና ዘውር ንበል።

ገረብ ዓርኮብኮባይ

By Viviana Amanuel January 01, 2012

ገረብ ዓርኮብኮባይ ብፍረ ዓካትን ቆጽሊ ላኻን ካብ ሃገር ሓሊፉ ብጎረባብት ሃገራት ዝተፈልጠ እዩ። ጥቕሚ ዓርኮብኮባይ ኣብ ብዙሕ መዓላ እዩ ዝውዕል። ከም መግቢ ክብላዕ እንከሎ፣ ብዕድመን ደረጃን ናይዚ ገረብ ትጥቐመሉ። ኣብ መጀመርታ ፍረ ዓካት ተዘሪኡ ክበቑል ከሎ፣ እታ ኣብ ማእከል ዓካት ዘላ ኮረር ስለ ትልምልምን ጻዕዳ መልክዕ ጻዕዳ ሕብሪ ምስ ሓዘት ሽኮራዊ መቐረት ትገብር። ኣብዚ እዋን “ ሽኩርቲት” ትብሃል፣ ከም መግቢ ድማ ትብላዕ።

ገረብ ዓርኮብኮባይ ፣ ፍረ ክትህብ ምስ ጀመረት፣ እታ ፍረ ዓካት ቀጠልያ ሕብሪ ትለብስ። “ ሽዶብ” ከኣ ትብሃል። ነቲ ፍረ ኣውሪድካ ኣብ ክልተ ብምጭዳድ ነቲ ማይ ትሰትዮ’ሞ፣ ነቲ ልኻይ ዝመስል ፍረ ድማ ትበልዖ። ካብዚ ሓሊፍካ ፣ ነቲ ማይ ሽዶብ ከም መድሃኒት ናይ ቆልዑ ሕማም (ቀጸጽ) ትጥቐመሉ።

ታሪኽ፣ ‘ከምቲ ሓንሳብ ምስ ተወስደ ኣብ ሓደ ደው ዝብል ስእሊ ኣይኮነን።

By Viviana Amanuel 30 July 2012

ወለዶታት በቲ ዝነብርሉ ታሪኽን ግዜን ኩነታትን መሰረት ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ። ናይስድራናን ናትናን ናይ ደቕናን ወለዶ ብመነባብሮን ኣተሓሳስባን እምነትን ሓደ ክኸውን ኣይኽእልን። ታሪኽ ኣብ ግዜ ከይማዕበለ፣ ኩነታት ከይተቐየረ፣ መነባብሮ ከይተመሓየሸ፣ ከምናይዚ ሳዕቤን ድማ ባህልን ባህላዊ ኣረኣእያን ሕብረተሰብ ከይተቐየረ ኣብዝተረፈሉ ኹነታት እንተ ዘይኾይኑ፣ ሓደ ወለዶ ምስቲ ኻልእ ብመነባብሮኡ ይኹን ብእምነቱ ሓደኪኸውን ከም ዘይኽእል ዝተፈልጠ እዩ። ታሪኽን ግዜን ኩነታትን ድማቅልጣፊኡ ከከም ደረጃ ምዕባለ ተኽኖሎጅን መራኸቢታትን ምጽልላው ስልጣኔታትን ቅልጡፍ ወይ ዝሑል ይኸውንምበር፣ ኣብ ቀጻሊ ለውጢ ዝርከብ። ከምኣብ ሓደ እዋን ዝተላዕለ ስእሊ ኣብ ሓደ ህሞት ደው ዝብል ኣይኾነን።

ብዛዕባ ለውጥን ፍልልያትን ክዝረብ ወይ ክጽሓፍ እንከሎ ኣውራ ብዛዕባ ቐዳመይ፣ ናይ ለውጢ መስርሕ ኣረዳድኣናን ከም መበገሲ ክንወስዶም ዘሎና ግምታትን ከነነጻጽር ግዲ ይኾነና። ብድሕሪ ብዛዕባቲ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝህሉ ፍልልያትን ሓድነትን ብዝዓሞቐ ደረጃ ክንግንዘብ ንኽእል። ኣብ መንጎ ወለዶታት ፍልልያትምበር ሓድነት ከም ዘየሎ ከም ግምት ወሲድና ምስ እንጽሕፍ ወይ ምስ እንዛረብ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ክንበጽሕ ንኽእል። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ መንጎ ነገራት፣ እዋናት ወይ ታሪኽ ዘሎ ዘይብተኽ ገመድ ስለ ዘይንርእዮ ወይ ስለ ዘይንግደሰሉ። ሓደ ናብ ክልእ ክሳገር ወይ ክምዕብል እንከሎ ኩሉ ግዜ ናይቲ ቐዳማይ ገለ ባህርያት ኣለዎ። ኣብ ሓድሽ ኩሉ ግዜ ናይ ኣረጊት ባእታሎ። ከምኡ ድማ ናይ ዝመጽእ ዘርኢ። ብዛዕባ ለውጥን ፍልልያትን ኣልዒልና ኣብ እንዛረበሉ ግዜ ነዚ ውሽጣዊ ምትእስሳር ናይ ነገራት፣ ነዚ ቐጻሊ ናይ ታሪኽ ገመድን ምትኽኻእን ክንዝንግዖ ኣይግባእን።
ኣብዚ ናይ ወለዶታት ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ራዕዲ፣ ጽቕጢ፣ ምስጓግ...ወዘተ ዝብሉ ቓላት ነቲ ኹነታት ብምልኣት ዝገልጽዎ ኣይመስሉን። እዚ ኣርዓድን ረዓድን፣ ጸቓጥን ተጸቓጥን፣ ሰጓግን ተሰጓግን ጸላውን ተጸላውን ከም ዘለዉ የርኢ። እቲ ኣብ መንጎ ዘሎ ድልድል? እዞም ኣምራትዚኦም ነቲ ኣሎ ዝብሃል ፍልልያት፣ ነቲ ኣሎ ዝብሃል ኣሉታ ይገልጹ፣ ነቲ ኻልእ መዳይ ናይቲ ሓቒ ማለት ነቲ ሓድነት፣ ነቲ ምትእስሳር፣ ነቲ ምምልላእ ግን ይጎስዮዎ። ነዚ ዳሕረዋይ ዝገልጹ ከም ፈትሊ፣ ምልጋብ፣ ምብህሃል..ወዘተ ዝብሉ ኣምራትነቲ ዘይተርፍ ፍልልይ ከይረስዑ ናብቲ ኽህልወና ዘለዎ ምሉእ ኣረዳድኣ ይእምቱ። ኣብ መንጎ ወለድን መንእሰያትን ደቆምን ዘሎ ዝምድና ናይ ረጽምን ጎነጽን፣ ናይ መላኽን ተመላኽን ወይ ናይ ኣኽባርን ተኸባርን ዝምድና ጥራይ ኣይኮነን። ናይ ሓልዮትን ፍቕርን፣ ናይ ምኽርን ማዕዳን፣ ናይ ምኹስኳስን ምዕባለን ዝምድናወንዩ። ትሕዝቶን እንታይነትን ናይቲ ዝመሓላለፍ ከከም ንቕሓትን መረዳእታን ወለዲ ዝፈላለ ይኹንምበር፣ ማለት ሕማቕ ጠባያትንወን ስለ ዝመሓላለፍ፣ ውሉዳት ኣብ መስራቲ ዕድሚኦም ካብ ወለድን ገዝኦምን ዝሰንቕዎ ትምህርቲ ኣዝዩ መሰረታዊ እዩ። ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ እቲ ትምህርቲ ኣብ ህይወቶም ይጸልዎም። እቶም ቆልዑ ምስ ዓበዩ እንታይ ዓይነት ሰባት ይኾኑ ኣብ ምውሳን ሓደወን እዚ ኣብ መስራቲ ዕድሚኦም ዝሰረጸ( ዝሰረበ) ጽልዋ እዩ። ወለዲ ንደቆም ክገብርዎ ካብ ዘለዎም ብዙሕ ነገራት ሓደ፣ ንህይወትን ሓላፍነትን ከም ዝቕረቡ ምግባርዩ። ኣብ ገዛ ናይ ስድራ ሓላፍነት ክወስዱ፣ስድራ ቤት ባህላውን ሃገራውን ክብርታትን ሓላፍነትን ምውሳድን እትምሃረላ ቀዳመይቲ ኣሃዱ ሕብረተሰብ ያ። ኣብ ገዝኡ ሓላፍነት ዘይወስድ፣ ንስድራ ቤቱ ፍቕርን ሓልዮትን ዘየርኣየ ሰብ ኣብ ደረጃ ኮምን ሃገርን ሓቐኛን ነፍሱ ዝረስዐን ፍቕሪ ኸርእን ሓላፍነት ክወስድን ኣጸጋሚ እዩ። ስድራቤትን ደቆምን ወይ ተኸታተልቲ ወለዶታት ኣብ ሓደ ውሁብ ታሪኻዊ እዋንዮም ዝዋስኡ። እቲ ውሁብ ታሪኻዊ እዋን ድማ እቲ ወለዶ መልሲ ኽህበሎም ዘለዎ ብዙሓት ብድሆታትን ዕማማትን ሒዙ ከም ዝመጽእ ዝተፈልጠ እዩ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ንድሆታት፣ ሃገር ናይ ምህናጽን ነጻ ናይ ምግባርን ብድሆ፣ ነዚ ነጻነት ናይ ምዕቃብ ብድሆ፣ ንናጽነት ናብ ራህዋን ጸጋይን ናይ ምቕያር ዕማም፣ መሰልን ማዕርነትን ክብርን ህዝቢ ናይ ምርግጋጽ ብድሆ፣ ኣብ ትምህርቲን ፍልጠትን ዝተመርኮሰ ዕብየት ማእቶታውነት..ወዘተ.. እዮም።ዕማማትን ብድሆታትን ኣዝዮም ብዙሓትዮም። እቲ ወለዶ ነዞም ዕማማትን ብድሆታትንዚኦም ከመይ ዝመሰለ መልሲ ይህብ ወይ ኣብቲ ቓልሲ ክዕወት ከ ይዕወት እቲ ወለዶ ዝፍተነሉ ባይታ እዩ። ቀዳማይ ወለዶ ንዳሕረዋይ እናመልመለ ከረክብ ዳሕረዋይ ወለዶ ድማ ነቲ ሓላፍነት ክርከብ ቅሩብነት ከርእይ የድሊ። ሓደ ዝሰርሖ እቲ ኻልእ (ከነኣእሶ) ንስርሓቱ ዘካፍእ እናመሰሎ ንናይቲ ወለዶ ናይ ኣበርክቶ ታሪኽ ክዘርጎ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ከም ዝተባህለ እቲ ታሪኽ ብቐጻሊ ንቕድሚት ዝጉዓዝ ሰንሰለት ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ኣብቲ መላግቦኡ እጃሙ ኣበርኪቱ ጥራይ ዝሓልፍ። እቲ ታሪኽ ኸኣ ናይ ህዝቢ ታሪኽዩ።

ተልእኾ ናይቲ ሓድሽ ወለዶ ድማ ነቲ ቐዳማይ ወለዶ ዝዓመሞ፣ ዝሃነጾ እንተላይ ነቲ ታርኹ ከም መሰረት ተቀቢሉ፣ ኣብ ልዕሊ መሰረት ብዘለዎ ሓድሽ ፍልጠትን ተኽኖሎጅን ምህናጽ ብምቕጻል፣ ነቲ ዝተረኽቦ ዕማምን ብድሆን ብዝቐልጠፈን ዝዓዘዘን ብልሓት ንቕድሚት ምድራኽዩ። ብዝኾነ ወለዶ ወይወን ብዝኾነ ሰብ ቅድሜኻ ዝተበርከተ ኣበርክቶ ከም ኣብ ሓደ መላግቦ ታሪኽ ዝተፈጸመ ፍጻሜ ምቕባል፣ ምምዝጋብ፣ ንዕኡ ዘዘኻኽር መዘከርታ ምህናጽ..ወዘተ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ከምኡ ምግባር ናይ ሃገርን ህዝብን ሃብቲ ምዕቓብ ማለትዩ። እዚ እንተ ደለኻ ከም ናይ ግዚኡ መሳርሒ እትጥቐመሉ፣ እንተደለኻ እትድርብዮ፣ እንተ ደለኻ ድማ ምእንቲ ረብሓኻ እትቕይሮ ወይ እተመሓይሾ ኣይኮነን። ናይ ሓደ ወለዶ ታሪኻዊ ኣበርክቶ ይትረፍስ ኣብ ሓደ ስራሕወን ምጽእ ምስ በልክ ነቲ እትሃንጸ ከተፍርስን ከተነውርን ምጅማር ጥዑይ ኣሰራርሓ ኣብ ርእሲ ዘይ ሙዃኑ ንታሪኽን ቀጻልነትን ናይቲ ካብ ህይወትካ ከም ሰብ መጠን ንላዕሊ ህይወት ዘለዎ ትካል ትሃስዮ ኣሎኻ ማለትዩ። ሎሚ እትሃንጾ ቐዳሞት ኣብ ዝነበርሉ ፈጺሙ ዝምድናን ርክብን ዘይብሉ ነገር ኣይኮነን። ከምዚ ኽብሃል እንከሎ ግን ነቐፌታዊ ኣጠማምታ የለን ማለት ኣይኮነን። ንሕሉፍ ይኹን ኣብ እዋንካ ንዝፍጸም ስርሓት ወይ ወን ነቲ ስራሕ ንዝመርሕ ዘሎ ሓሳባት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ምርኣይ ክህሉ ይኽእልዩ። እኳ ደኣ ከም ክህሉ ኣድላይ እዩ። ቅኑዓትን ግጉያትን ሓሳባት ክህልው ስለ ዝኽእሉ ወይ ከኣ ኣማራጺ ሓሳብን ኣማራጺ መገድን ክህሉ ስለ ዝኽእል፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ሓሳብ ሞኖፖሊወን ስለ ዘሎ፣ ኣብ ሓሳባት ምጉትን ነቐፌታን ምግባር ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክትዕወት እንተ ደሊኻ ግድነታዊወንዩ። ቕጥዑን ኣገባቡን ዝሓለወ ጥዕና ዘለዎ ናይ ሓሳብ ነቐፌታ፣ ምጉት ወይ ክትዕ ኣብ ምዕባለ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ምዕባለ ናይ ነዊሕ ዓመታት መስርሕ ስለ ዝኾነ ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ምግንዛብካ፣ ናብ ዕጹው ማዕጾ ዝውስድ መገዲ ሒዝካ ነዊሕ ብኽሳራ ከይትጉዓዝ የድሕነካ፣ ከይመርመርካ ወይ ከየጽናዕካ ቅድሚ ኣብ ዝተፈልየ ኹነታት ዘዐውተካ ሓሳብ ከይተዘትር ከይትጋገ የድሕነካ። ስለዚ ኣረካቢ ወለዶ ይኹን ተረካቢ ወለዶ፣ ቀሊል መልሲ ከም ዘየሎ ተገንዚቡ፣ ነቲ ዝዋስ ኣሉ ዘሎ ባይታ ይኹን ነቲ ሓድሽ ዝኣትዎ ዘሎ መድረኽ፣ ወይ ወን ነቲ ዝመርሓሉ ዘሎ ሓሳብ ጽቡቕ ገይሩ ክፈልጦ፣ ከጽንዖ፣ ነቲ መድረኽ ዝኸውን መርሓ ግብሪ፣ ነቲ እዋን ዝኸውን ታክቲክን ስትራተጅን ኣብ ፍልጠትን መጽናዕትን ተመርኩሱ ክስእል፣ ዝተሳእለ ከመሓይሽ ወይ ክቕይር ወይ ከቕንዕ ይኽእል። ምዕባለ ብዝሰነቕካዮ ሰብ ኣውን ፈናንሳውን ነገራውን ዓቕሚ እዩ ንቕድሚት ዝውንጨፍ። በቲ ሓንሳብ ዘስነቕካዮ ስንቒ ክኸይድ ጸኒሑ ኣብቲ ክበጽሖ ዝኽእል ዝለዓለ ቻፍ ወት ግራፍ ምስ በጽሐ ግን ካብኡ ንንየው ምዕባይ ዘይኽቕጽል ይኽእል ንጋድም፣ ወይ ወን መብዛሕትኡ ግዜ ንቑልቑል ክኸይድ ይጅምር። ኣብዚ ግዜ እቲ ኣረካቢ ይኹን ተረካቢ ወለዶ ኣቲ ምዕባለ ሓድሽ ኣበርክቶ የድልዮ ምህላው ክግንዘብ የድሊ። ኣረጊት ብልሓት ንክቕጽል ኣይክእልንዩ። ስለዚ ኸኣ ሓድሽ ሓርጭን ሓድሽ ሓሳብን ሓድሽ ብልሓትን ጥራይ ነቲ ሃፋኡ ዝወደአ ምዕባለ ኣጉዶ ከም ዝኽእል ይግንዘቡ። መንእሰያት ዝበዝሐ ገንዘብ ኣለዎም። ምናልባት ካበይ ዝመጸ እዩ ግን ... ኣፍራይነቶም ዝረኸብዎ ከም እንተ ኾይኑ እወታዊ እዩ። ንመንእሰያት ሃላፍነት መስዋእትነት፣ ጻዕርን ኣፍራይነትን ከነውርሶም ግድነትዩ፣ ዘሎካ ኢኻ እትወርሶ ድኽነት እንተወሪስናዮምወን ጻዕሪ ክስግርዎከም ዘለዎም ኢና እንምህሮም። ፈላጣትን ተመራመርትን ተባዓትን ክኾኑ ኢና እንምህሮም ዘሎና። ብውሑድ ባዕሉ ኦኣራቱ ዘንጽፍ፣ ባዕሉ ዝበልዓሉ ዘልዕል ቆልዓ፣ ብዓቢኡ ድማ ብጻዕሪ ኣታዊ ብምርካብ ንገዝኡ ዝሕግዝ መንእሰይ ወይ ወን እንተዘይ ሓገዘ ነፍሱ ዝኽእል፣ ሓላፍነት ኣብ ምውሳድ ኣብ ቅኑዕ መገዲ ስለ ዘሎ ከነተባባዕ ኣለዎ።

ኣብዚ ሕቶ' ኣታዊ ዘለዎ መንእሰይ ስራሕ ከይነዓቐ ዝሰርሕ ነፍሱ ዝሕግዝ ፡ዘፍሪ፡ ወይ ከኣ ነዚ ኣታዊ' ንምዕባይ ዘጽንዕ መጽሓፍ ዘንብብ ዝምርምር ንስራሕ ንጻዕሪ ንፍልጠት ዘኽብር ህይወቱን ገንዘቡን ብውሕልና ዘመሓድር ሓደ እዩ፥ ኣታዊ ኣብ ምርካብ ዘይሳፍ ግዚኡ ብድቓስ ብጸወታ ብሙዚቓን ፊልምን ዘባኽን ኣብ ምምሕዳርን ሓልዮትን ገዚኡ ዘይሳተፍ ናይ ኣተኣታትዋን ናይ ጻዕርን መገዲ ከይፈለጠ ክፈልጥ'ወን ከየተገደሰ ናይ ኣወጻጽ መገዲ ጥራይ ዝፈልጥ ንግዚ ንስራሕ ንጻዕሪ ንፍልጠት ፡ንምርምር፡ ንሓቒ ዘየኽብር ንስስዐ ንበለጽ ንትህኪት ንድንቑርና ዘይንዕቕ ተጸባይ ኾይኑ ጥራይ ዘይነብር ከኣ ካልእ' ኣዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ክልቲኡ ጠባያት ኣብ ኩሉ ሕብረተሰባት ዘሎኻ ኣንተኾነ እቲ ቐዳማይ ጠባያት ክኹስኾስ ፡እቶም ቅዳሞት ከኣ ዝብዝሑ ክኾኑልና ብኹሎም መኾስኾሲ ትካላት ምስራሕ ይድሊ፥ ፍልጠት ተመክሮ ልቦና ወዘተ ኣብ ዝመሓላለፈሉ ግዜ ኣብ መንጎ ኣቐባልን ተቀባልን ምትሕልላይን ምክብባርን ነቐፌታን ክርክርን ክህሉ ትጽቢት ዘረሉ እዩ፥ ማይ ንእንሰትየሉ ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ክግደሰላን ክትሕልዋን ግድነት' ካብ ዝሰተየ ኹሉ ድማ ብግዲኡ ብናይ ባህርን ታሪኽን ናይ ምትኽኻእ ሕጊ መሰረት ኣብ ግዚኡ ኣቐባልን ፈልፋልን ከይኮነ ኣይተርፍን።

ሌላ ምስ መሎቲ ኣስመራ

By Viviana Amanuel 29 January 2012

ኢጣልያዊ ወናኒ ኢንዱስትሪ ስኞር መሎቲ ፣ ካብ 1935 ክሳብ 1937 ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ፣ በቲ ህንጻ ናይ ምስራህ ሞይኡ ኣብ ኤርትራ ዋኒኑ ከውፍር ጀሚሩ። ብ 1939 ከኣ ካብ ፍረ ተምሪ ኣልኮል አፍሪ ተበጊሱ። ኣይጸንሐን ፣ ኣብ 1941 ናይ ፈለማ ፋብሪካ ቢራ ኣብ ኤርትራ ክተክል ከኣለ። ሾኡ ንሽዑ ክሳብ ንከባቢና ዝዝርጋሕ ክልእኽ ጀመረ። ናይ ጠራሙዝ ጠለቡ ንምምላእ’ወን ፣ ጎድኒ ጎድኒ ‘ዚ ቢራ ናይ ምፍራይ ተበግሳኡ ጠራሙዝ ዘፍርያ ማሽናት ኣተኣታተወ።

ኣብ 1946 ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፣ ሓዉ ስኞር ራዶልፎ ብኡ ንብኡ ነት መሎቲ ተኽልዎ ዝነበረ ዋኒን ከካይድ ጀመረ። ዩን እምበር ሰኞር ራዶልፍ’ወን ብ 1951 ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር ብሸፋቱ ምስ ተቐትለ፣ በዓልቲ ቤት ስኞር መሎቲ፣ ነቲ ተተኽሉ ዝነበረ ፋብሪካ ናይ ምክያዱ ሓላፍነት ወሰደት። ስኞር መሎቲ ብልግሳን ሓልዮ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ደሓን ስም ካብ ዘትረፉ ናይ ‘ቲ ግዜ’ቲ ሰብ ዋኒን ምንባራ ይግለጽ ። ኣብርእሲ’ዚ ጽንዕቲ ደጋፊት ናጽነት ኤርትራ ምዃናን ብዙሓት ናይ ሽዑ እዋን ሰባት ዝገልጽዎ ነጥቢ’ዩ። ስሮኣት ደርግ ብ 1975 ከም ኩለን’ተን ፣ ዝርካበን ተሪፈን ዝነበራ ፋብሪካታት ፣ እንዳ መሎቲ’ወን ምስ ሃገረ፣ ስኞራ መሎቲ ካብ ኤርትራ ጥEቕሊላ ወጺኣ። ሽሕ’ኳ እታ ፋብሪካ ተፍርዮ ዝነበረት ቢራ ጸኒሑ” ኣስመራ” ዝብል ስም ይውሃቦ’ምበር ኣብ ብዙሓት ግን እቲ መሎቲ” ዝብል ናይ ፈለማ ስሙ ገና ኣይሃሰሰን ኣሎ።

ያታውያን መሳርሒታት ሙዚቓ

By Viviana Amanuel 17 January 2012

 

ኣብ ሕብረተሰብ ካብ ቅድም ኣትሒዞም ዚዝውተሩ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ናይ ሙዚቓ መሳርሒታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፣ ከከም ዓይነቶም ናይ ሂምታ ዚንፋሕ ናይ ገመድ መሳርሒታት ተባሂሎም ኪኸፈሉ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ሂምታ መሳርሒታት

እቶም ኣዝዮም ግኑናት ናይ ሂምታ መሳርሒታት፣ ንጋሪት ፣ ከበሮ፣ ከምኡ’ወን ጸናጽል እዮም።

 

ነጋሪት

15 ሰንት ሜተር ዝኸውን ዝሰንጣቒቱ ካብ ዕንጸይቲ ወይ ከኣ ብረት ዚስራሕ ሓውሲ ንፍቀ ክባዊ ቅርጺ ዘለዎ ናይ ሙዚቓ መሳርሒ እዩ። ብላዕልን ብታሕትን ብዝለፍዐ ቆርበት ዝተደኮነ ኾይኑ፣ ብማእከሉ ብምራን ተወጢሩ ዝተኣስረ’ዩ። ነጋሪት ብመኾስ መሰል ዕንጸይቲ እናተሃርመ ኣብ ምምሕዳራውን ሃይማኖታውን ብዓላት፣ ንኣብነት ኣብ ቅዳሰ፣ ኣብ መርዓ ቀብሪ ካህናትን፣ ከምኡ’ወን ኣብ ከብካብን እዋን ክተትን ይዝውተር።

 

ከበሮ

ብቅርጹን ኣገልግሎቱን ዓቢን ንእሽቶይን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ኪኽፈል ይከኣል እዩ። ዓቢ ከበሮ’ እዚ ናይ ቤት ክህነት ሃይማኖታዊ ከበሮ እዩ። እዚ ከበሮ’ዚ ብክኢላታት ካብ ክልተ ወሰናስኑ ማዕረ ዘይኾነ፣ ጓንጋ ዝውሽጡ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ኾይኑ፣ ብክልተ ገጻቱ ብቆርበት ዝተሸፈነ ንክግተር ከኣ ብዙርያኡ ብምራን ዝተወጠረ’ዩ። መሓንገጢ ዝኸውን ገመድ ወይ ምራን ይግበረሉ’ሞ ብኽልቲኡ ገጻቱ ብኢድ እናተሃርመ፣ ኣብ ሃይማኖታዊ ፍጻሜታትን ብዓላትን ኣብ ናይ ካህናት ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓትን የገልግል።

 

ንእሽቶ ከበሮ 

እዚ ልክዕ ከም ናይ ዓቢ ከበሮ ኣገባብ ብክኢላታት ዚስራሕ ኾይኑ፣ ብበትሪ ወይ ብ ኢድ እናተሃርመ ንጓይላ ዘገልግል ኣዝዩ ዝውቱር መሳርሒ እዩ። እዚ መሳርሒ’ዚ ሓደ ሓደ ግዜ ነዳመቕቲ ተባሂሉ ኣብ ውሽጡ ዕንቑ ጸጸር ወይ ከኣ ፍረ እኽሊ ይኣትዎ እዩ።

ብዘይካ’ዞም ዝተጠሱ ናይ ሂምታ መሳርሒታት ንደውል ዘገልግል ዝነበረ ብጸፋሕቲ ድምጺ ዝህቡ ዝተጸርቡ ኣእዋም ዝተሰርሐ መጥቕዕ ዝተባህለ መሳርሒ’ወን ነይሩ እዩ።

 

ጸናጽል

እዚ ዕንጸይቲ ዝልዓቱ ብሓጺን ዝተሰርሐ መሳርሒ እዩ። እዚ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝመሓላለፍ ክልተ ቀጠንቲ ሓጻውን ኣለውዎ። ኣብ ውሽጢ’ዞም ሓጻውን እዚኣቶም ሓጨልጨል ዝብል ድምጺ ዚህቡ ዝተሸኹዑ ሓያሎ ባሊቓታት ኣለዉ። ጸናጽል ብፍላይ ኣብ ቤተክህነት ኣብ ትልሂት እዩ ዝዝውተር።

 

ዝንፋሕ መሳርሒታት

ካብቶም ኣዘውቲሮም ዝጽወቱ ተነፋሕቲ መሳርሒታት እትም ቀንዲ ኣገደስቲ ሻምብቆ (ዕንዱር)፣ እምብልታ፣ ከም ኡ’ወን መለኸት እዮም።

 

ሻምብቆ

እዚ ካብ ቃንጫ ወይ ብረት ዚስራሕ ሸሞንተ ወይ ሹድሽተ ነዃላት ዘለዎ ናይ ሙዚቓ መሳርሒ እዩ። እዚ ብኣፍ ብምንፋሕ ነቲ ነዃላት ብ ኣጻብዕ ብምዕጻውን ብምኽፋትን’ዩ ዝጽወት። ሻምብቆ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጉስነት እዩ ዝዝውተር።

 

እምብልታ

ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣርግዛና ዝብሃል ረጉድ ኣርቃይ ይስራሕ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ 1 ሜትሮ ንላዕሊ ብዝቑመቱ ኣስራዝ ወይ ሓጺን ይስራሕ ኣሎ። እዚ መሳርሒ’ዚ ብ ኣፍ እናነፋሕካ ብምውህሃድ ናይተን እናዓበስካን እናኸፈትካን ዝጽወት ሻንቒት (ንእሽቶ ሓንቲ ነዃል ዘላት) ደባይ ( ሸራፍ ወይ ናይ ሀ ቅርጺ መውጽኢ ድምጺ ዘለዎ ከምኡ’ወን ድፍን (ኣየር ብ ኣፍካ እትነፍሓሉ ጫፍ ንውሽጢ ቁሩብ ክብስ ዚበለ) እዚ ዝተባህለ ስለስተ ቱቦታት ብምውህሃድ’ዩ ዝጽወት። ተጻወቲ እምብልታ ነዘን ሰለስተ ዝተፈላለየ ድምጺ ዝህባ ቱቦታት እናወሃሃዱ እዮም ዝጻወቱ። እምብልታ ኣብ ጓይላ ጽወታታትን ኣብ ሃይማኖታዊ ብዓላትን ታቦት ንምዕጃብን ከምኡ’ወን ሳሕቲ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ እዩ ዝዝውተር።

እምብልታ ኣብ ታሪኽ ከም ዝንገር ቅድም ናይ ገላዩ መሳርሒ ተባሂሉ’ዩ ዝፍለጥ ነይሩ።

 

ታቱላ

ብዘይካ’ዘን ዝተጠቕሳ መሳርሒታት፣ ብቀርኒ ሓርሽ ወይ ኣስራዚ እትስራሕ ናይ ኢድ ነዃላት ዘለዋ ትራንፕት እትመስል ታቱላ እትብሃል ተነፋሒት’ወን ኣላ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ግዜ መርድእ፣ ኣብ ክንዲ ኣውያት ትዝውተር ነበረት። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት’ወን በገለ ወገናት ከም ዝንገር፣ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ብሕልፊ ከኣ ኣብ ጥምቐት፣ ተሓምበለ ኣብ ዝጽወተሉ ግዜ ምስ ጭራ ዋጣ ተሳንያ ታቦት ንምዕጃብ ትዝውተር ነይራ።

 

መለኸት

እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሻምብቆ ፣ ሳሕቲ ድማ ካብ ኣስራዚ ዝስራሕ ኾይኑ፣ ከም እምብልታን ሻምብቆን ብኣፍ ዝጽወት ምስ ትራምፕት ዚመሳሰል መሳርሒ እዩ። እዚ መሳርሒ’ዚ ኣብ ናይ ጓይላ ጸወታታትን ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓትን ይዝውተር። ቅድም እዚ መሳርሒ’ዚ እወን እንተኾነ ናይ ገላዩ መሳርሒ ከም ዝነበረ’ዩ ዝንገረሉ።

 

ናይ ገመድ መሳርሒታት

እቶም ቀንዲ ናይ ገመድ መሳርሒታት በገና፣ ክራር፣ ጭራ ዋጣን እዮም።

 

በገና

እዚ ናይ ሃረም ቅርጺ ዘለዎ ብሸሞንተ ወይ ዓሰርተ ኣውታርጅማት መዓንጣ ፣ ብዕንጸይትን ቆርበትን ዝተሰርሐ እዩ። በገና፣ ኮፍ ኢልካ ብ ኣጻብዕኻ ነቲ ዝተወጠረ ገመድ ሕዝ ግድፍ እናበልካ ዚጽወት እዩ። እዚ መሳርሒ’ዚ ምስቲ ናይ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ያታዊ ክራር ዝመሳሰል እዩ። በገና፣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን፣ ኣብ ግዜ ጾምን ካልእ ኣጋጣሚታትን እዩ ዝዝውተር። በገና ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ዝውታረኡን ኣገዳስነቱን እናነከየ ብምዃዱ ዝተረስዐን ዝተረፈን’ዩ።

 

ክራር (መሰንቆ)

እዚ ብሽዱሽተ ወይ ሓሙሽተ ዝተወጠሩ ጅማውቲ ብስልክታት ከምኡ’ወን ብቆበት ዝተሸፈነ ሒላብ መሰል ወይ ከኣ ሳንዱቕ መሰል ዝቕርጹ ማእከሉ ዝተጓሕጉሐ ዕንጸይትን ነቲ ጅማት ወይ ስልኪ ዚስከም ኣዕጻውን ዝተሰርሐ እዩ። እዚ መሳርሒ’ዚ ንበይኑ ወይ ብጭራ ዋጣን ከበሮን ተሰንዩ ዝኾነ ግዜ ተዘውቲሩ ዝጽወት ካብ ኩሉ ካልእ መሳርሒታት ኣዝዩ ዝተፈትወናይ ሕብረተሰብና ያታዊ ጊታር እዩ።

 

ጭራ ዋጣ

እዚ ናይ ኣልማዝ ቅርጺ ዘለዎ፣ ብቆርበት ምክትን ምራኽን ብዕንጸይትን ኣውሕን ሳግላን ብጭራ ፈረስን ዝስራሕ ናይ ሕብረተሰብናያታዊ ቫዮሊን እዩ። እዚ ብቐስቲ መሰል ዕንጸይቲ ብዝተሰርሐ መህረሚ እናተሃርመ ኣብ ጓይላ ፣ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ሃይማኖታዊ ቦኣላት ብምዕጃብ ዚዝውተር ድሕሪ ክራር ኣብ ኩሉ ቦታታት ዚፍቶ ህቡብ መሳርሒ እዩ። ጭራ ዋጣ ቅድሚ ሕጂ ብፍሉያት ክኢላታት ጥራይ ይጽወት’ኳ እንተ ነበረ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ብኹሉ እናተደፍረ ይኸይድ ኣሎ።


ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓይኒ ዝኣቱ ውቃበ

By Viviana Amanuel 14 December 2011

ምንጪ፣ Importance of red sea

ቀይሕ ባሕሪ፣ እቲ ንምብራቕ ኣፍሪቓን፣ ሓውሲ ደሴት ዓረብን ዘራኽብ፣ ሓደ ካብቶም ዓበይትን ኣገደስትን ማያውያን ክፍልታት ዓለምና ኮይኑ፣ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕዙዝ ኣገዳስነት ዝጸንሖ ስትራተጂያዊ ባሕሪ እዩ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ከም ዘረጋግጽዎ፣ ቅድሚ ዕስራ ሚልዮን ዓመታት ኣቢሉ፣ ኣብቲ ናይ ሎሚ ኣፍሪቃን ኤስያን ዝራኸበሉ ከባቢ (ምብራቕ ኣፍሪቃን ደሴት ዓረብን) ብዝተራእየ ክስተት “ ሃይድሮ ተርማል” እቲ መሬትዊ ክፍሊ ኣብ ክልተ ተተርግአ’ሞ፣ ቀስ ብቐስ ንክልቲኡ’ዚ ክፍሊ ኣህጉር ዝፈሊ ማይ መልአ በዚ ምኽንያት ድማ እዚ ሎሚ ቀይሕ ባሕሪ ናበልና እንጽውዖ ዘሎና ባሕሪ ክፍጠር ከም ዝኸኣለ ታሪኽ ይምስክር።

ቀይሕ ባሕሪ ኣስታት 2,250 ኪ.ሜ ንውሓት፣ ኣቢ ዝገፍሐ ሸነኹ 355 ኪ.ሜ ናይ 2,130 ሜተሮ ጥልቀት (ዕምቆት) እዚ’ወን እቲ ዝዓሞቆ’ዩ) ዝውንን ባሕሪ እዩ። ቀይሕ ባሕሪ፣ ብሃገራት ኤርትራ፣ ሱዳን ምስሪ፣ ስዑድ ዓረብን የመንን ዝተኸበበ ክኸውን እንከሎ፣ ብሰሜን ናብ መትረብ ስዌጽ ፣ ብምዕራብ ናብ ሲናይ፣ ብምብራቕ ናብ ወሽመጥ ኣቓባ፣ ብደቡብ ናይቲ ኣካል ባሕሪ ዓረብ ዝኾነ ወሽመጥ ዓደን ይራኸብ። ኣብዚ ርእሲ’ዚ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ኣካል ናይቲ ንመብዛሕትኡ ክፋል ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰናጢቁ ዝሓልፍ “ሃጓፍ” (rift valley) ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ወደባት ምስ እንምልከት ኸኣ፣ ምጽዋዕን ዓሰብን ናይ ኤርትራ፣ ፖርት ሱዳን ናይ ሱዳን፣ ስዌጽ ኣልቐሰይርን ናይ ምስሪ፣ ጂዳን ጀዛንን ናይ ስዑድ ዓረብ፣ ሑደይዳን ኣልማኻን ናይ የመን ..ይርከባአን።

ቀይሕ ባሕሪ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ፣ ካብን ናብን ኣፍሪቃ ይካየድ ንዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣዝዩ ኣገዳሲ መስመር ምንባሩ ፍሉጥ’ኳ እንተኾነ፣ ድሕሪ ምኽፋት መትረብ ስዌጽ ብ1869 ከኣ ፣ ኣገዳስነቱ ዝያዳ ክዓዝዝ ከኣለ። ምስ ምዕባይን ምስፍሕፋሕን ኢንዱስትርን ኢንዱስትሪያላውነትን ዓለም’ወን ኣድላይነት ነዳዲ ዘይቲ ይኹን ንመመስርሒ ዝተፈላለዩ ነገራት እዩ። ነዳዲ ማእከላይ ምብራቕ፣ ዕቑር ተፈጥረኣዊ ሃብቲ ኣፍሪቃ ፣ ዝተፈላለዩ ቀመማ ቀመማት..ወአተ ጠቓምነቶም ምስ ተፈልጠ፣ ካብን ናብን ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ምብራቕን፣ ርሑቕ ምብራቕን ኤስያ፣ ኣውሮጳ…ክካየድ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ መራኽብ፣ ግደ ቀይሕ ባሕሪ ወሳንን መሰረታውን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ሰሜናውን ደቡባውን ጫፋት ቀይሕ ባሕሪ ኣዝዩ ጸቢብ ስለዝኾነ ፣ ነዚ ናይ ባሕሪ መስመር ንምዕጋት ብዙሕ ኣየሸግርን። እዚ ባሕሪ ኣብቲ ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝጽንበረሉ መጻብቦ ባብኤል መንደብ ፣18 ኪ.ሜ ጥራይ ግፍሒ ኣለዎ። እዚ መጻብቦ’ዚ ካብ መሬት ኤርትራ ንምቁጽጻሩ ቀሊል ስለዝኾነ ን ኤርትራ ክብ ዝበለ ስትራጂያዊ ኣገዳስነት ይህባ።

ኤርትራ፣ ከም ምእተዊ ኣፍደገ ንኣፍሪቃ ኮይና ከተገልግል ምጽንሓ፣ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ የረጋግጸልና። በታ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዙላ እትርከቦ ከባቢ ዝነበረት ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ኣቢላ እያ ድማ፣ ነዚ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ወኒና ዝጸንሐት። ብሓፈሻኡ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ንዓለም ብጭቡጥ ክንግንዘብ ምእንቲ፣ ኤርትራ ብመንገዲ ወደብ ኣዱሊስ ኣቢላ ምስቲ ካልእ ዓለም ዝነበራ ዝምድና ምርኣይ እኹል ስእሊ ክህበና ይኽእል።

ኣዱሊስ ናይ ኣሽሓት ዓመት ታሪኽ እዩ ዘለዋ። ግብጻውያን ን ኣዱሊስ ኣብ ግዜ ፈር ኦናት ኣሽሓት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ጀሚሮም፣” ኣውትልት” ብዝብል ስም ይፈልጥዋ ምንባሮም መዝገብ ታሪኽ የረጋግጸልና። ቀዳሞት ሊቃውንቲ ጂኦግራፍ ኣብ ዝሰኣልዎ ካርታ ዓለም’ወን ኣዱሊስ ከም ዓባይ ወደብ ሰፊራ ትርከብ ።

ዝተፈላለዩ እንስሳታት፣ ማዕድናት፣ ብብዓይነቶም ክቡራት ኣዕጻውን ዕጣንን ናብ ግብጺ ኣጽዋር፣ ስልምትን መሳርሒታትን ከኣ ናብ ኣዱሊስ ምልውዋጥ ይካየድ ነይሩ። ኣብ 3ይ ዘመን ቅ.ል.ክ ኣዱሊስን ከባቢኣን ኣብ ትሕቲ’ቶም ግብጺ ዝገዝኡ ዝነበሩ ግሪኻውያን ምስ ወደቀ፣ እዚ ንግዳዊ ምንቅስቃስ’ዚ እንተላይ ንግሪኽ ገጹ ከምዘስፋሕፍሐ ይዝንቶ። ኣብ ርእሲ’ቲ ዝተጠቅሰ ነገራት ከኣ፣ ግሪኻውያን ካብ ኣዱሊስ ሓራምዝ ( ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኩናት ከም ታንኪ ዘገልግሉ ዝነበሩ ሓራምዝ’ዮም ነሮም) ይወስዱ ነይሮም።

ናብ ህንዲ ዝወስድ መንገዲ ባሕሪ ዳህሲሶም ምስ ረኸቡ ኸኣ፣ እዚ መስመር’ዚ ኣዝዩ ዓመረ። ኣዱሊስ ከኣ ካብ ክሊ ናይቲ ስልጡን ዓለም ናይ ዝመጹ ኣቑሑ መደበር ኮነት።

ግሪኻዊ ስልጣነ ፣ ብናይ ሮማ ስልጣነ ምስ ተዓብለለን ምስተተከኣን ከኣ፣ ዝምድና ኣዱሊስ ናብ ሮማ ገጹ ጠመተ። ኣብ ሞንጎ ኣዱሊስን ሮማን ውዕዉዕ ንግዳው ርክብ ኣብ ርእሲ ምምስራቱ፣ ኣዱሊስ ፣ ንምብራቓውን ምዕራባውን ዓለም እተራኽብ ዓባይ ወደብ ምዃና ቀጸለት።

ተመራመርቲ ታሪኽ ከም ዝገልጽዎ፣ ኣዱሊስ ምስ ጥንታዊት ቺና ንግዳዊ ዝምድና ነይርዋ’ዩ። ኣብ ግዜ ስርወ ንግስነት ሃን( 220-589) ድ.ል.ክ ) ቺናውያን ምስ ኣፍሪቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ምስቲ ንሳቶም ህዋንግ’ቺ ዝብልዎ ንግስነት ይነግዱ ከም ዝነበሩ ናይቲ ግዜ’ቲ ተመራመቲ ታሪክ ኣስፊሮሞ ኣለዉ። እቲ ቺናውያን ህዋንግ’ቺ ዝብልዎ ዝነበሩ ንግስነት ከኣ እቲ ኣዱሊስ ዝወደቡ ንግስነት ኣኽሱም’ዩ ዝብል ናይ ታሪኽ ግምት ኣሎ። ቺናውያን ካብ ኣዱሊስ ሓርሽ ብህይወቶም፣ ቀርኒ ሓርሽ፣ ከምኡ’ወን ድርዒ ጎብየ ፣ ስኒ ሓርማዝ ይሽምቱ ከም ዝነበሩ ኸኣ ይግለጽ። ነዚ ታሪኻዊ ሓቂ’ዚ ምርኩስ ብምግባር፣ ካብ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት’ወን እንተኾነ፣ ነዚ ዕዙዝ ኣገዳስነት ናይዚ ባሕሪ’ዚ፣ ብፍላይ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣፍሪቃ፣ ኤስያን ኣውሮጳን ብቐሊሉ ክንርድኦ ንኽእል።

ብፖሎቲካውን ወተሃደራውን መዳይ ክርአ እንከሎ’ወን ፣ ቀይሕ ባሕሪ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ኮይኑ ‘ዩ ዝርኸብ ዘሎ። ብፍላይ ኣብ እዋን ካልኣይ ኩናት ዓለምን ድሕሪኡን ኣብ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዝሑል ኩናትን ግደ ቀይሕ ባሕሪ ብቀሊል ዝጥመት ኣይኮነን። እዚ ባሕሪ’ዚ ኣብ ግዜ ካልኣይ ኩናት ዓለም ንሓያል ወትሃደራውያን መራኽብ ኣእንጊዱ’ዩ።

ድሕሪ መኽተምታ 2ይ ኩናት ዓለም ኣብ ዝነገሰ ፖለቲካዊ ሃዋሁ’ውን፣ ቀይሕ ባሕሪ ካብቲ ምጥምማትን ውድድርን ሓያላት ሃገራት ከም ዘየምልጥ ፍሉጥ ነበረ። ሕብረት ሰቭዮት ነበር፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ግዜ ካልኣይ ኩናት ዓለም ምስ ኣሜሪካ ብሪጣንያ ፈረንሳ፣ ኣንጻር ጀርመን ዝመስረተት ኪዳን፣ ኣብ ጽባሕ መወዳእታ ናይቲ ኩናት ምትእምማን ከም ዘይብላ ገለጸት። እዚ መግለጺ ሕብረት ሰቭየት ከኣ ምስቲ ክቀራረብ ዘይክእል ማሕበርነታውን ርእሰማላውን ስነ ሓሳብ ተደሚሩ፣ ነቲ ብዘይ ወተሃደራዊ ረምጺ ዝበላለዕ ዝነበረ “ ዝሑል ኩናት” ጋህዲ ገይርዎ’ዩ።

ኣብዚ መድረኽ’ዚ ኣሜሪካ ነቲ ንሳ እትመልኮ ርእሰማላዊ ( ዴሳዊ) ስነ ሓሳብ ናብ ኩሉ ዓለም ከተስፋሕፍሕ ትቃለስ’ያ ዝነበረት። እዚ ቃልሲ’ዚ ናይ ክልቲኣን ሃገራት ንምዕዋት ከኣ፣ ምቁጽጻር ቀይሕ ባሕሪ ከም ዓቢ ስጉምቲ’ዩ ዝውሰድ ዝነበረ። እቲ “ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይነቱግ” ተባሂሉ ተፈሪሑ ዝነበረ ኑክሌራዊ ውግእ ሓያላን ሃገራት’ወን፣ ንኸሳሲ ቀይሕ ባሕሪ ተቐሪቡ ዝነበረ’ዩ ዝመስል። ብፍላይ ኣሜሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ሰቭዮትን ረብሓታታን ብዓወት ንኽትወጽእ፣ ምቁጽጻር ናይዚ ባሕሪ’ዚ ካብ ፈለማ ከም ዘኣመነትሉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣዕራብ፣ ኣብቲ ኣንጻር እስራኤል ዘካይድኦ ዝነበራ ኩናት’ወን ኣአዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ኩቡር ግምት ጸኒሕዎ’ዩ። ነቲ ስሜናዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ብምቁጽጻር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክቢድ ጸቕጢ ክፈጥራ ጥራይ ዘይኮናስ፣ ነባሪ ዓወት ንምጉንጻፍ’ወን ቀሊል ከምዘኽውን እምነት ነይሩ። ነዚ ብምርዳእ ከኣ እስራኤላውያን፣ ነዚ ከባቢ’ዚ ንምቁጽጻርን ኣብ ኢዶም ንምእታውን ተረባሪሞምሉ’ዮም። እቲ ዝዓበየ ናይ ምኽልኻል ዓቕሞም’ወን ናብኡ ከውዕልዎ ከም ዝጸንሑ’ዩ ዝግለጽ።

“ግብረሽበራዊ ተግባራት” ኣንጻር ረብሓታት ኣሜሪካ ኣብ ዝዕምረሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ መራኽብ ኩናት ኣሜሪካ” ግብረ ሽበራውያን ንምህዳን” ምቁጽጻር ናይዚ ባሕሪ’ዚ መስረታዊ’ዩ ካብ ዝብል ፈሊጥ፣ ክሳድ ክሳድ ሓኒቐን ከንሳፍፋ ይረኣያ’ለዋ።

ከምዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ‘ምብኣር፣ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ታሪኽ ዓለም ንግዳዊ፣ ፖለቲካዊ ፣ ወተሃደራዊ ኣገዳስነት ከምዝጸንሖ ብሩህ’ዩ። እዚ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፣ ኤርትራ ሃገርና ድማ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪ.ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ናይዚ ኣገዳሲ ባሕሪ’ዚ ስለ እትውንን፣ ኣደኻኹናኣ ዝያዳ ኣገዳሲት ይገብራ።

ኣብ ዓይኒ ዘእቱ ውቃበ ስለ ዘለዋ ድማ’ያ ውርትግ ካብ ዓይኒ ዓበይቲ ሃገራት ክትእለ ዘይትክእል።

 

ዋልታ መድሓኒት

By Viviana Amanuel 10 December 2011

ኣውሮጳውያን፣ ን ኣፍሪቃ ክገዝኡ ከንግሁ ኸለዉ፣ ብድንቁርናን ጥሜትን ዝተሓመሰ ህዝቢ’ምበር፣ ኮማንደራቶም ብምንሽር ረጪኑ ክፍንሽር ዝኽእል ሰብ ዝጸንሖም ይመስሎም ኣይነበረን። ፍላይ ነታ ንሊብያ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትገዝእ ዝነበረት ኢጣልያ ዘጋጠማ ስዕረታት ካዕቦ እዩ ነይሩ። እቲ ዝ ኣክል ውዳበ ዘይነበሮ ተቓውሞ ኤርትራውያን፣ ኣብ ፈቐድኡ እስትሂና! ኣቢልዎም’ዩ። ዘማት ወድ ኡክድ ኣብ ላዕላይ ባርካ፣ ደግያት ኣበራ፣ ማሕራይን ኣባ ጥመርን ኣብ ከበሳታት፣ እኩ ተቓውሞ ዓሊ መሓመድ ዑስማን ቡሪ (ሰባር ናኹራን) ብጾቱን ካልኦትን ክንጠቅስ ንኽእል።

ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ ግን፣ ብዛዕባ ኣብ 1840 ኣቢሉ ኣብ ጸዓዘጋ ዝተወልደ ደግያት ኣበራን እታ ውዕሎኡ ዝፈጸመላ ዋልታ መድሓኒትን ኢና ክንርኢ። ደግያት ኣበራ ኣብ’ዛ ብዋልታ መድሓኒትን እትፍለጥ ኣብ መሬት ደቂ ሽሓይ (ምስ ቃል ነብሪ) እትርከ ቦታ ቅያኡ ምስ ፈጸመ ንደቡብ ገጹ እዩ ዶብ ሰጊሩ። ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሃጸይ ምኒልክ ተሰሊፉ ኸኣ ኣብ ኩናት ዓድዋ (1896) ውዒሉ። ንሃጸይ’ወን “ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ” ክሳብ ዝብሉ ገይርዎም’ዩ ይብሃል።

ደግያት ኣበራን ብጾቱን ጥልያን ነስመራ ክድይብ ከሎ ከይተረፈ ክዓግትዎ ፈቲኖም ነይሮም’ዮም። የግዳስ፣ ምስቲ ዝነበረ ዓቕሚ ጥልያን ክብድሁ ኣይከኣሉን። ድሕሪ’ዚ ድማ እዮም ናይ ደባይ ዝመስል ቅዲ ክኽተሉ ዝመረጹ።

በዚ ዝሰግአት መንግስቲ ጥልያን፣ ንደግያት ኣበራ ሓባቢላ ክትሕዞ ፈተነት። በታ ንብዙሓት ገርሀኛታት እተስድዕ ሽመት ከይተረፈ ኸኣ ፈተነቶ። ድግያት ግን ኣይተዳህለለን። ኣይተዳህለለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተገልቢጡ ንዓኣቶም ኣዳህሊልዎም’ዩ።

ሚእቲ ዝኾኑ ሰራዊት ጥልያን ካፒታኖ ቤቲኒ መሪሕዎም ናብ መሬት ደቂ ሽሓ ወሪዶም። ኣብዛ ዋልታ መድሓኒት ትብሃል ከኣ በጺሖም። ኣድብዩ ዝጸንሐ ድግያት ንውዮም ካፒተኖ ጥልያን ካብ ፈረሶም ጨርጊፉ ባይታ ኣዝበጦም። ወዮም ተኸቲሎም ዝነበሩ ሰራዊት ከኣ ብህድማ ፣ ድሕነት ካ እግሮም ደለይዎ። ፋሕ ጭንግራሕ ከኣ ኣተዎም። ካፒታኖ ኣየምለሱን። ኣብዛ ሕጂ” ሞት ቤቲኒ” ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ፣ ጥልያን ንዝኽሪ ኢሎም መስቀል ተኺሎምላ ዘለዉ ቦታ ዓረፉ።

“ሞት ቤቲኒ” ግን እቲ”ዋልታ መድሓኒት” ዝብል ጥንታዊ ስማ’ወን ብኸንቱ ዝወጸ ኣይነበረን። ኣብ ጥንቲ እቶም ኣዋልድ ብምፍታዎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ቱርካውያን፣ ንሓንቲ መድሓኒት ዝስመን ፈላሲት ኣጓይዮመን’ሲ ኣብታ ኣብቲ ከባቢ እትርከ ፍሉይ ቅርጺ ዘለዋ እምኒ ተዓቑበን ድሒነን ይብሃል። እዚ ድማ እዩ። “ዋልታ መድሓኒት ብዓልቲ ድርብ ቅያ” ዘብላ።

 

ተለፈሪካ፣ ኣስመራ ባጽዕ

By Viviana Amanuel 10 December 2011

ኣውሮጳውያን፣ ን ኣፍሪቃ ክገዝኡ ከንግሁ ኸለዉ፣ ብድንቁርናን ጥሜትን ዝተሓመሰ ህዝቢ’ምበር፣ ኮማንደራቶም ብምንሽር ረጪኑ ክፍንሽር ዝኽእል ሰብ ዝጸንሖም ይመስሎም ኣይነበረን። ፍላይ ነታ ንሊብያ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትገዝእ ዝነበረት ኢጣልያ ዘጋጠማ ስዕረታት ካዕቦ እዩ ነይሩ። እቲ ዝ ኣክል ውዳበ ዘይነበሮ ተቓውሞ ኤርትራውያን፣ ኣብ ፈቐድኡ እስትሂና! ኣቢልዎም’ዩ። ዘማት ወድ ኡክድ ኣብ ላዕላይ ባርካ፣ ደግያት ኣበራ፣ ማሕራይን ኣባ ጥመርን ኣብ ከበሳታት፣ እኩ ተቓውሞ ዓሊ መሓመድ ዑስማን ቡሪ (ሰባር ናኹራን) ብጾቱን ካልኦትን ክንጠቅስ ንኽእል።

ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ ግን፣ ብዛዕባ ኣብ 1840 ኣቢሉ ኣብ ጸዓዘጋ ዝተወልደ ደግያት ኣበራን እታ ውዕሎኡ ዝፈጸመላ ዋልታ መድሓኒትን ኢና ክንርኢ። ደግያት ኣበራ ኣብ’ዛ ብዋልታ መድሓኒትን እትፍለጥ ኣብ መሬት ደቂ ሽሓይ (ምስ ቃል ነብሪ) እትርከ ቦታ ቅያኡ ምስ ፈጸመ ንደቡብ ገጹ እዩ ዶብ ሰጊሩ። ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሃጸይ ምኒልክ ተሰሊፉ ኸኣ ኣብ ኩናት ዓድዋ (1896) ውዒሉ። ንሃጸይ’ወን “ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ” ክሳብ ዝብሉ ገይርዎም’ዩ ይብሃል።

ደግያት ኣበራን ብጾቱን ጥልያን ነስመራ ክድይብ ከሎ ከይተረፈ ክዓግትዎ ፈቲኖም ነይሮም’ዮም። የግዳስ፣ ምስቲ ዝነበረ ዓቕሚ ጥልያን ክብድሁ ኣይከኣሉን። ድሕሪ’ዚ ድማ እዮም ናይ ደባይ ዝመስል ቅዲ ክኽተሉ ዝመረጹ።

በዚ ዝሰግአት መንግስቲ ጥልያን፣ ንደግያት ኣበራ ሓባቢላ ክትሕዞ ፈተነት። በታ ንብዙሓት ገርሀኛታት እተስድዕ ሽመት ከይተረፈ ኸኣ ፈተነቶ። ድግያት ግን ኣይተዳህለለን። ኣይተዳህለለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተገልቢጡ ንዓኣቶም ኣዳህሊልዎም’ዩ።

ሚእቲ ዝኾኑ ሰራዊት ጥልያን ካፒታኖ ቤቲኒ መሪሕዎም ናብ መሬት ደቂ ሽሓ ወሪዶም። ኣብዛ ዋልታ መድሓኒት ትብሃል ከኣ በጺሖም። ኣድብዩ ዝጸንሐ ድግያት ንውዮም ካፒተኖ ጥልያን ካብ ፈረሶም ጨርጊፉ ባይታ ኣዝበጦም። ወዮም ተኸቲሎም ዝነበሩ ሰራዊት ከኣ ብህድማ ፣ ድሕነት ካ እግሮም ደለይዎ። ፋሕ ጭንግራሕ ከኣ ኣተዎም። ካፒታኖ ኣየምለሱን። ኣብዛ ሕጂ” ሞት ቤቲኒ” ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ፣ ጥልያን ንዝኽሪ ኢሎም መስቀል ተኺሎምላ ዘለዉ ቦታ ዓረፉ።

“ሞት ቤቲኒ” ግን እቲ”ዋልታ መድሓኒት” ዝብል ጥንታዊ ስማ’ወን ብኸንቱ ዝወጸ ኣይነበረን። ኣብ ጥንቲ እቶም ኣዋልድ ብምፍታዎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ቱርካውያን፣ ንሓንቲ መድሓኒት ዝስመን ፈላሲት ኣጓይዮመን’ሲ ኣብታ ኣብቲ ከባቢ እትርከ ፍሉይ ቅርጺ ዘለዋ እምኒ ተዓቑበን ድሒነን ይብሃል። እዚ ድማ እዩ። “ዋልታ መድሓኒት ብዓልቲ ድርብ ቅያ” ዘብላ።

 

ሓወልቲ ጥዋለት

By Viviana Amanuel

ባጽዕ ርእይዋ ዘይፈልጥ ወይ ወን ብዛዕባ ኣሰቃቒ ኩነታት ባጽዕ ሰሚዑ ዘይፈልጥ ሰብ (ኤርትራዊ) ኣሎ ዝብል ግምት የብለይን። ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ገድሊ፣ ወርሒ ለካቲት እንተ ተላዒላ እቲ ባብ ናጽነት ዘርሓወ “ስርሒት ፈንቕል” ክቕጀለና ግድን’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ዓለም ዘስተንከረ ስርሒት’ዚ ብዙሕ ክጽሓፍን ክትንተንን ከም ዝኽእል ፍሉጥ’ዩ። እምበኣር፣ ንሎሚ ኣካል ናይቲ ስርሒት ኮይነን ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፋ’ሞ፣ (በጃ) ዝኾና’ሞ ንዝኽሪ‘ዚ ስርሒት ተባሂለን፣ ኣብ ጥዋለት ከም ሓወልቲ ተሰቒለን ዘለዋ ስለስተ ታንክታት ፣ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ።

ቀዳመይቲ

ብወገን ስጋለት ቀጣን ዃንካ ነዘን ስለስተ ታንክታት፣ ፊት ንፊት ክትርእየን እንከሎኻ፣ እታ ኣብ ማእከል ዘላን ቁሩብ ብርኽ ዝበለትን፣ ኣብ መካናይዝድ ኣሃዱታት ህ.ሰ ብ (ኮማንደር ቁ’1) እትልለ፣ ቀዳመይቲ ብህ.ግ ኣብ ዓዶም ዘማት (ከባቢ ሰላዕ ዳዕሮ) ብ 1977 ዓ.ም ዝተማረኸት ታንኪ እያ ነይራ። ኣብቲ ዝተሰልበትሉ ግዜ፣” ንሕና ኢና ቐዲምና ማሪኽናያ፣ ንሕና’ባ” ብዝብል ዘረባታት፣ ኣብ መንጎ ኽልቲኣተን ወድባት፣ ተሓኤን ህ.ግ ዘየድሊ ምስሕሓባት ፈጢራ ምንባራ ይንገር። እዛ ሓርበኛዊት ታንክ’ዚኣ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ፣ ድሕሪ’ዚ ግዜ’ዚ ህ.ሰ ዘካየዶም ውግኣት ጠሓሒሳ ወጺኣ’ያ።

ኣብ ምስጋር ስጋለት ቀጣን ብ 11 ለካቲት 1990 ዓ.ም ኣብ ከባቢ’ዚ ሕጂ ከም ሓወልቲ ኮይና ተሰቂላትሉ ዘላ ቦታ (ጥዋለት) ተቓጺላ።

ካልአይቲ

ኣብዛ ዝተጠቕሰት፣ ማእከለይቲ ታንክ፣ ብወገን ጸጋም ኮይና ማዕረ’ታ የማነይቲ ተሰቒላ ዘላ ድማ ስማ፣(ጃጓር) ትብሃል። ኣብ ግዜ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ቅያታት “ኮማንደር ፈጺማ ድማ በዚ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ ግዜን ቦታን ጉዕዙኣ ብዓወት ዛዚማ። 

ሳልሰይቲ 

እታ ፍሉይ መለለዩ ቁጽሪ 795 ዝኾነት የማነይቲ ታንክ ኸኣ “ታይገር’’ ትብሃል። ኣብ ምድምሳስ “ናደው እዝ” ድማ ብ ህ.ሰ ካብ ጸላኢ ተሰሊባ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜን ቦታን ድማ ብጅግንነት ተቓጺላ።

እምበኣር እቲ “ሰብናን ታንክታትናን ንተሓዋወስ” ኢሉ ንጉላጉል ሰምሃር ዝወረድ ህ.ሰ ሰቡን ታንኩን መስዋእቲ ከፊሉ ነዚ ናይ   ሕጂ ናጽነት ተጎናጺፉ።

ካብ ኩሉ እቲ ዝምስጥ ናይዚ ሓወልቲ፣ እቲ ትማሊ ሓዊ ዝተፍእ ዝነበረ፣ ሻንብቖታተን፣ ማይ ክተፍእ እናክትርእዮ። መሳጢ ይገብሮ። 

 

ውጥን “በቪን-ስፎርሳ”

By Viviana Amanuel

ንኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ንምጥፋእ ዘይተኣልመ ውዲት ነይሩ ክብሃል ኣይከኣልን። ከምዛ ንበይና ንዓለም ዘጽበበታ፣ ማእለያ ዘይብሎም ውጥናት፣ ሽርሕታት፣ ተንኮላት… ተጠጂኦም፣ ንምጥፍኣ። ህዝብን መንነትን ግን ውዲታት ስለ ዝበዝሐን ስለ ዝተሓላለኸን ከም ጨው ሓቒቖም ክጠፍኡ ዝከኣል ኣይኮነን።

ሓንቲ ካብ መንጎ ከምዚ ዝመሰሉ ተንኮላት ኮይና፣ ብዛዕባ’ቲ ን ኤርትራ ከም ሕምባሻ ንግደት ናብ ክልተ ገሚዕካ ገግማዕካ ንምውሳድ ዝተተለመ ውጥን’ዩ።

ተደጋጊማ እትሕቶት ሕቶ፣ “ውጥን በቪን-ስፎርሳ” እንታይ ነይሩ? ይብል ሓታቲ።

“ውጥን በቪን-ስፎርሳ” ደኣ ን ኤርትራ ናብ ክልተ ምምቃል። እቲ ምዕራባዊ ቆላ፣ ምስታ ንሱዳን ተመሓድር ዝነበረት እንግሊዝ ክሕወስ። ከበሳታት ኤርትራ፣ ንምብራቓዊ ቆላታት ወሲኽካ ድማ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኣቱ። በዚ ድማ ኢትዮጳያ እቲ ናይ መዋእል ዝነበረ ሕልማ፣ ኣፍ ደገ ባሕሪ ትረክብ።” ዝብል ምላሽ ንረክብ።

“በቪንን-ስፎርሳን” ዝብላ ቓላት እንታይ ማለት’የን? ምንጨን’ከ ካበይ እዩ?

“ብምባል ካብቲ ቀንዲ ሕቶ ብዙሕ ዘይርሕቕ ጫሌዳ ምስ እትሓትት ግን፣ ደኒኑ ዘጽቕጥ ወይ’ወን ርእሱ ብምሕካኽ ሰማየ ሰማያት ዘማዕዱ ዜጋ ውሑድ ኣምበ ምኾነን። ክንደይ ካባና ኢና ምንጪ እዘን ቃላት እንፈልጥ?

ኣረነስት በቪን (እንግሊዛዊ)፣ ኮንተ ካርሎ ስፎርሳ ድማ ኢጣልያዊ እዮም። እዚ ስሞም ዝጽዋዕ ዘሎ፣ ውጥን (ስምምዕ) ከኣ፣ (ዋላ’ኳ ነዊሕ ዝርዝራት ክህልዎ ዝኽእል እንተኾነ) ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ብሪጣንያ ዝጸንሕትሉ ግዜ፣ ንምምቕቓላ ዝፈሓስዎ ውዲትዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ክልቲኣቶም ወጻኢ ጉዳያት ሃገራቶምዮም ነይሮም። ኣመሪካዊ መዘናኦም ጆን ፎስተር ዳለስን ካልኦት ሓያላ   ሃገራትን ኣእዳወን ዝጸንበራሉ ውጥን ድማ እዩ ነይሩ።

ይኹን’ምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ መርገጺታቱን ካልእ ፍልልያቱን ብዘየገድስ፣ ዋላ’ወን ነቲ ጸኒሓ   ነርወይ ዝኣመመቶ ተመሳሳሊ እማመ፣ ሓደን ስሙርን ድምጺ’ዩ ሂብሉ። “ኣይፋል ንምምቕቓል!” መንገዲ ድኽመትን ውድቀትን ስለዝኾነ። መንነት ህዝቢ’ወን ተደቑሱ ዝዳቐቕን ተበጽቢጹ ዝሓቅቕን ስለ ዘይኾነ።

 

“ጋኑ ኢሰክባ” ኣመጻጽእኡን

By Viviana Amanuel

“ጋን ኮይነ” ትብል ሓረግ ቋንቋ ትግርኛ፣ “ድንግርግር ኢሉኒ፣ ዓዊነ፣ ተሓዋዊሱኒ….” ንዝብል ተቓራራቢ ትርጉም ከም እተስምዕ ኩልና እንሰማማዓሉ ጉዳይ ይመስለኒ። ንሓደ ወይ ሓንቲ ውሪሕሪሕ ጥራይ ዝብል ፈዛዝ ሰብ’ወን፣” እንታይ’ዩ’ታ’ዚ ጋን ዳዕሮ!” እናበልካ ይጽረፍ’ዩ። እዛ “ጋን” እትብል ቃል ንውልቃ ግን እንታይ ማለት’ያ? ምስ ምዕዋንን ምፍዛዝን’ከ እንታይ የተኣሳስራ?   ነዚ መልሲ ንምእላሽ ንባብና ንቐጽል፣

ጋን ብቛንቛ ትግረን ገለ ምስኣቶም ዝዳወቡን ብሄራት (ንትግርኛ ወሲኽካን) ጉንጓ ማለት’ዩ። ብዝኾነ፣ ኣብ ቛንቋ ትግረ’ወን “ጋኑ ኢሰክባ” ማለት ከም ዘለዎ፣ ቃል ንቓሉ ክትርጎም እንከሎ፣ “ጉንጉኡ ኣይደቀሰን’ወይ’ወን ኣይቀሰነን” ዝብል ኣብሃህላ’ሎ። ብተወሳኺ፣ “ጋንካ ልሰከብ፣ ግኑ ሳክብ ኢሀላ፣ ጋንኩም ልሰከብ…..”ዝብል ዝውቱር ኣዘራርባታት’ወን ኣሎ። እዚ ብዙሕ ግዜ፣ ብህይወት ንዝሓለፉ’ኳ ዝብሃል ኣንተኾነ፣ ብህይወት እንከለዉ ካብ ዳሮምን ሓዳሮምን ዝረሓቑን’ወን ይብሃል’ዩ።

ምውትን ጉንጓን ወይ’ወን ሰዱድን ጉንጓን ግን እንታይ የራኽቦም?

እዚ ቕጺሉ ዝግለጽ ብሂል፣ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝርከቡ ሕብረተሰብ ትግረ፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ግዜ’ዚ፣ ሓቂ ዘይክመስል ይኽእል’ዩ። ኮይኑ ግን፣ ብመስረት ኣብ ጽሑፋት ጀርመናዊ ምሁር ኢኖ ሊትማንን፣ ወሃቢ ሓበሬታኡ ዝነበረ ኤርትራዊ ነፋዕ ወ ዕትማንን ፣ ሰፊሩ ከም ዘሎ፣ እቲ መበገሲኡ ብሕጽር ዝበለ እዚ ዝስዕብ’ዩ።

ቀደም ዘመን፣ ኣብዚ ሕብረተሰብ ሓደ ብሂል ምንባሩ ይዝንቶ። እዚ ጉንጓ (ጋን) ንብሎ ዘሎና ፍጥረት ከኣ ከም እንስሳ ጥራይ ይርአ ኣይነበረን። “ትንፋስ መወቲ እያ ናብ ጉንጓ ይቕየር” ዝብል ሱር ዝሰደደ፣ ብሂል ወይ እምነት ምንባሩ ድማ፣ እዚ ዝተጠቕሰ ጽሑፍ ይገልጽ።

በዚ ድማ፣ እቲ ትንፋሱ ናብ ጉንጓ ዝተቐየረት መዋቲ፣ ብድሕሪኡ ዘይቀሰነሉ ጉዳይ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ፣ ከም ዘይተፈደየ ሕነ፣ ጠዋሪ ዘድልዮም ዘኽታማት፣ ክብድ ዝበለ ለብዋ…ምስ ዝገድፍ’ሞ ፣ እቶም ብድሕሩ ዝተረፉ ደቁወይ’ወን መቕርቡ ምስ ዘይፍጽምሉ፣ እታ ትንፋሱ( ጋኑ ወይ ጉንጓኡ) ኣይትቐስንን። ብተወሳኺ’ወን ፣ እቲ መዋቲ ብሰንኪ ውላድ ዘይምሕዳጉ ርስቱ ብኻልኦት ምስ ዝውረስ፣ ትንፋሱ፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝሰረጸቶ ጋን ኮይና ፣ ክሳብ ሕኒኡ ዝፍደ ወይ ለበዋኡ ሓልፋይ ረኺቡ ዝፍጸም፣ ንጸለማኣ፣ ድቃስ ዘይብላ፣” እ..ም! እ..ም!” ዝብል ድምጺ ከተስምዕ ትነብር ይብሃል።

በዚ ኸኣ ፣ እቲ መዋቲ፣” ጋኒ ኢሰክባ” በቲ ምስጢራዊ ትርጉማ፣” መንፈሱ ወይ’ወን ሕልናኡ ኣይዓረፈን፣ ኣይቀሰነን” እናተባህለ ይዝከር።

ነዚ ብሂል’ዚ ዘራጉድ ካልእ ረቛሒ’ወን ኣሎ። ብዙሕ ግዜ፣ ጉንጓ( ጋን) ኣብ ከባቢ መቓብር ዝርከቡ ዓበይቲ ኣእዋም ምስፋር’ዩ ዝፈቱ። ኣብ ሰብ ዝነብረሉ ገዛውቲ መጺኡ ፍሉይ ድምጺ የስምዕ’ዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግረ ኸኣ፣ ጉንጓ መኒኡ ድምጺ ኣብ ዘስምዓሉ ከባቢ ዝሓመመ ሰብ እንተልዩ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ዝመውት ስለ ዝእመን ከኣ ሕማቕ ፋል ይቑጸር።

እቲ (ጋን ኮይኑ) ወይ ወን “ጋን ድዕሮ ዝብሃል ናይ ትግርኛ ሓረጋት ግን፣ ብግምተይ፣ ካብ ምስሊ( መልክዕ) ናይ ጉንጓ ዝነቐለ’ዩ ። “ጉንጓ ኣተኩርካ ናብ ገጹ ምስ እትጥምቶ፣ ብፍላይ እተን ውርሕሪሕ ዝብላ ናይ ድሙ ዝመስላ ኣዒንቱ፣ ገለ ነገር ኣጥፊኡ ዝተደናገረ ሰብ’የን ዘምስላኦ። እዚ ኣበሃህላታት ከኣ፣ ካብዚ ክውንነታዊ ሓቂ’ዚ ተበጊሱ ክኸውን ይኽእል’ዩ “ ኣይፋሉን” እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን” ዝብህ ኣራሚ ኣንተ ሃለወ ድማ ሃየ ወስ ይበል።

ወርሓት ዓመት ብኣበሃህላ ሊቓውንቲን ጭዋ ሕብረተሰብናን

መእተዊ

ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ትርጉም ስም ክልተ መበቆል ኣለዎ። ቀዳማይ ናይ ሊቃውንቲ፣ ካልኣይ ከኣ ናይ ጭዋታት ብሂል። ኣብቲ ቀዳማይ፣ ሊቃውንቲ ሃገርና ብፍካረ ከዋክብቲ ተመሪሖም፣ ካብ ግሪኻውያን፣ ዕብራውያን፣ ግብጻውያን፣ ዓረባውያን ብዝረኸብዎ ትምህርቲ፣ ሓደ ዳርጋ ብርእሱ ዝቖመ ትርጉም ነብስ ወከፍ ወርሒ የቕርቡልና። ናብ መንፈሳዊ ትርጉም ከኣ ዘድህብ። እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ዓለማዊ ትርጉም ዝዘንበለ ኮይኑ ጭዋታት ኣብ ዕለታዊ ትሕድርቶም ማሕረስ፣ መጓሰ፣…..ወዘተ ተመርኪሶም ኩነታት ነብስ ወከፍ ወርሒ ብምስላታት ዘቕርብዎ’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ዓበይቲ ሰባት ተውኪስካ ዝርከብ።

ወርሒ መስከረም 

መስከረም ዝብል ስም ብክልተ ቃላት ዝቖመ እዩ። መስ ካብ መሰየ ወጺኡ፣ ኣብ ልዕሊ ከሪም/ከረመ ወዲቑ ይርከብ። ስለዚ መስከረም መሰየ ክረምቲ”   ተባሂሉ ይፍታሕ። መስከረም ጫፍ ክረምቲ፣ መዛዘሚ ክረምቲ፣ መእተዊ ዘመነ መጸው/ ቀውዒ/ ምዃኑ እዩ።

መስከረም ተዛራቢ ዝነበረ ኣፍ ይእረም

እዚ ምስላ ንህዝቢ ከበሳ ኮነ ቆላ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝጓንፎም ዝነበረ ነገር እዩ ዝገልጽ። ብርቱዕ ክራማት ምስ ዝኸውን ንመስከረሙ ኣብ ፍቖዶ ሩባን ስንጭሮን ሕማቕ ማይ ዓቑሩ ጣንጡ ይበዝሑ። ብዙሕ ዓይነት ሕማም ተላገብ ከም እኒ ዓሶ፣ ጸለውታ ወይባ ይብርትዕ። ምናዳ ኣብ ቆላ መሬት ብሬሳ እዩ ዝመልእ ዝነበረ። ኣውያት ከይውጸ ብለይቲ ንኺድ እናተባህሉ ከኣ ጋሕጋሕ ምድሪ ንበረኻ ዝውፈር። ግን ብጭካነ ዘይኾነ፣ ነቶም፣ ነቶም ቐባሮ ንባዕሎም ዘየላቡ ሕማም ተላገብ፣ ከም ኣንቅጺ ይውድኦም ስለዝነበረዩ። ካልእ ምኽንያት፣ ወርሒ መስከረም ሻቑጥካ፣ ኣኺድካ እኽሊ ዘይኣትወሉ ሓዲግ እዋን ስለዝኾነ ዋላ ሃብታም ዝበትኽ። እተዘይሰኣነ ከኣ ከርሱ ንሓድሽ እኽሊ ስለ ዘይተቀባበሎ ከም ድላዩ ኣይበልዕን።

 

መስከረም ኣይበልዕን

መስከረም ዝጋግን ስምዑኒ ኢሉ ዝናገርን ኣይኽለኣና

 

ይምነዩ ዓበይቲ።

 

ኣጆኹም ቆልዑ ባልደንጓ ጨልጊዑ፣

ኣጆኩም ጓሶት ባልደንጓ ስወተ……”

 

ተስፋ ይውሃሃቡ

መንእሰያት ድማ

 

ሆየ….ሆየ….

 

ይነጥፉ።

 

ወርሒ ጥቕምቲ

ጥቕምቲ፣ ካብ ጠቀመ ዝብል ዓንቀጽ ዝወጸ ቅጽልዩ። ካብ መሬት ብዙሕ ጥቕሚ ዝርከበሉ፣ እኽልን ተኽልን ዝምጠወሉ፣ ጽገ ዝጽግየሉ፣ ፍረ ዝፈርየሉ፣ ሰዊት ዝስውተሉ ጻዕዳ እኽሊ ዝርከበሉ እዋን የመልክት። ጥቕምቲ ንቐሽን ዛቑናይን ሕስምቲ ንዓጻዳይ ሕስምቲ ካብ ክፍላ ጥቕምቲ ንደሓር፣ ሳሕቲ ድማ ቅድሚኡ ናይ ዝሞቱ ሰባት: ዓሰር፣ ኣርብዓ፣ ተዝካር፣ መንፈቕ ዓመት….. ተባሂሉ ውራይ ይብዝሕ። ከም ስርዓቱ ድማ ኣቕሽሽቲ ዛቑኖቶም ኣኽሊሎም ኣብ ዘዝኸድዎ ገዛ ብዘይካ ነፍስ ገብሩ ወይ ነፍሰ ኣመቱ እገሊት ይምሓር ንበል ኣውነ ዘብሰማያት..” ምባል ብዛዕባ ጨው በርበረ፣ እኽለ ማይ ኣይሕልዩን እዮም። ዓዃይ ግን ክዓጽድ፣ ቅሚጦ ክሽሚ ድኻሙ ከይጸብጸበ ምስ ግዜ ክቀዳደም ኣለዎ። እንተዘየሎ ኣንታ ትማሊ ጾምካ ዚሐደርካ ሎሚ ድማ ከምታ ትማሊኻ እዩ።

 

ወርሒ ሕዳር፣

ሕዳር ካብ ሓደረ ዝብል ቃል ግእዝ ዝወጸ ኮይኑ። ምሕዳር ናብ ውሽጢ ምሕላፍ ምስ ሰብ፣ ምጽጋዕ፣ ዓሰባ ምዃን፣ ምንባር ምጽናዕ፣ ምስምማዕ፣ ካብ ዓዲ ወጻኢ ገዛ ምስራሕ፣ ካብ ምሸት ክሳብ ጽባሕ ኣብ ሓደ ቦታ ምሕላፍወን ከስምዕ ይኽእል።

 

ሕዳር   ኣብ ዝደለካዮ ምሕዳር

 

ሕዳር ካብ ኩለን ኣዋርሕ እታ ዝጠዓየት ዝጸፈፈት ሕማም ዝጠፍ ኣላ ወርሒ እያ። ስለዚ፣ ቀዳሞት፣ ጉርህኦም ክሕልዉ ኣጓዱን ሓዳጋትን ሰሪሖም ኣብ በረኻ ይሓድሩ ነበሩ። እንተኾነ፣ ሓረስቶት ግራተይ   ኣብሊዕካለይ፣ ቅሚጦይ ኩልስስተይ ኣድፊርካለይ ተበሃሂሎም ክካሰሱን፣ ህውከት ክኣጉዱን ስለዝውርሑ ወርሒ ሕዳር ነገር ኣይፍለያን እዩ።

ሕዳር   መናገሪ ጥሪ መሳኸሪ

 ብዝብል ምስላ ከኣ የንጸባርቕዋ።

 

ወርሒ ታሕሳስ

ታሕሳስ ኣብ ዝኾነ እኽለ ማይ ምፍሳስ

 ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝኸድካዮ ገዛ ሽሻይ መሊኡ፣ ከም ልብኻ ብላዕ ወስተዩ። ታሕሳስ፣ ካብ ሓሰሰ ዝብል ዓንቀጽ ዝወጸዩ። ሓሰሰ ብቛንቋ ግእዝ ኮነ ትግርኛ ትርጉሙ። ደለየ፣ ጸረገ፣ ወልወለ፣ ለመነ፣ ጠየቀ፣ ተፈላሰፈ፣ ፈተወ፣ ኣፍቀደ ከስምዕ ይኽእል። ኣብ ክልቲኡ ቛንቋታት ካልእ ትርጉም እወን ኣለዎ። ታሕሳስ ጣሕሺሹ፣ ቃል ብቓሉ ቀውዒ ተውዲኡ፣ ጉንካ ኣእካል፣ ዓጺድካ ተጠርሹ፣ ስድራቤት ሓደ ገዛ ጸኒቱ የመልክት። ኣብነት፣ ምድሪ ምስ ኣጣሕሰስኹ ናብ ንግዲ ክኸይድ እየ።

 

ወርሒ ጥሪ

ጥሪ ዝብ ስም ካብ ጠረየ ዝብል ዓንቀጽ ግእዝ ዝወጸ ኮይኑ፣ ነውሐ ንላዕሊ ቆመተ፣ ወሰኸ፣ ነፈረ፣ ሰማይ ጠንቆረ የመልክት።

 

ጥሪ፣ ዘይኩሪ ዝነበረ ይኩሪ፣ ሓኽሊ ማሕጸ ይኸውን በትሪ

ዓበይቲ ሰብኡት፣ ኣጓብዝ ኣብ ፍቆዶ ውራይ ዝግኒ፣ ዝሕላ ቅልዋ ስጋ፣ ቀሚሶም፣ ከርሶም ብስዋ ብርዚ፣ ሜስ ምስ ኣተርከሱ ጽጋቦም ምጻር ይስእኑ።

 “ልቢ ዝሓብኦ፣ ቡቑሊ ኣውጸኦ

 ከም ዝብሃል ከኣ፣ ይፈልጠካ” “እንድዕላኖኻ ተጀሚሩ እምባጋሮ ይለዓል። ብዝረኸብዎ ይተሃራረሙ።

 “ለይቲ ጥሪ ተጠራጥረኒ በለት ጋል ላም

 ብርግጽ ንእሽቱ ጓሶትወን ኣብ ፍቖዶ ጓይላ ደኺሞም ሰለ ዝሓድሩ፣ ንኸብቶም ካብ ደንቢአን ብኣጋ ኣየውጽእወንን እዮም። ግን እቲ ምስላ ንጋል ላም ጥራይ ዝተወሰነ ኣይኮነን። ግዚያቱ ግዜ መርዓ ስለዝኾነ ገለ ሰባት ንሓንቲ ጋል ሰብ ሃንደበት ከይሓሰበቶ ስለዝዝርፍዋወን እዩ።

 

 

ወርሒ የካቲት

የካቲት ተጠንቀቂ በላ ንሰንካቲት

 

ፍርቂ ዓመት ይኣቱ ስለዘሎ፣ ከምቲ ጸሓይ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ንደሓር ሓይላ ዝደኽማ፣ ቆፋፉወን ኣብ ምጉዳሉ እዩ። ሰበይቲ ከኣ ንመግቢ ሓጋይ ኮነ ዘርኢ ክረምቲ ምእንቲ ክርከብ፣ ንእኽሊ በዚ ጥሕን በቲ ልንቕጥ ክትሕግዮ ኣይግባእን። የካቲት ካብ ከተተ ዝብል ዓንቀጽ ዝወጸዩ። ኣከበ፣ ኣዳለወ፣ ወሰኸ፣ ሓብአ፣ ፈጸመ ከኣ የስምዕ።

 

የካቲት ኣብ ምእታዋ ወይ ኣብ ምውጻኣ እንተዘይነጎደ ምድሪ ሰማይ ምተኣየደ

 

ዝብል ምስላ ድማ ነቲ ኣብዚ ወርሒ ዘህሉ ብርቱዕ ነቕጺ፣ ሃሩር ኣነጺሩ ይገልጽ።

 

ወርሒ መጋቢት

መበቆል እዚ ስም መገበ ዝብል ቃል ግእዝ እዩ። መገበ ቃል ብቃሉ፣ ኣብልዐ፣ ኣስተየ፣ ሓለወ፣ ተኸናኸነ፣ የመልክት። ኣበው ከኣ ንስድራ ቤቶም ጥራሕ ምእንቲ ክከናኸኑ

 

መጋቢት ኣይትለግሲ በላ ውሃቢት

 

ብዝብል ምስላ የጠንቕቑ፣ ምኽንያቱ በቲ ሽዑ ዝርከብ ኣዝመራ ጥሪት ነብሲ ክመልሳ እንተጀመራ፣ ዋላወን ዳጉሻ ዝዝረኣሉ ወቕቲ እንተኾነ፣ እኽሊ ሻቑጥካ ዝብልዓሉ ኣዝዩ ርሑቕ እዩ።

 

ወርሒ ሚያዝያ

እዚ ስም ወርሒ ካብ መሓዛ-መሓዛ ኣሓዛ ዚብል ቃላት ግእዝ ዝወጸ ክኽውን ይኽእል። ምስጢሩ ከኣ ምዕባይ፣ ዓቕሚ ኣዳም-ሄዋን ምብጻሕ፣ ምትዕርራኽ፣ ምፍቕቓር፣ እዩ ዘመልክት። ምስቲ ቀዳሞት ወለዲ ንደቓቶም ኣብዚ ወርሒ ዘተሓጻጽይሉ፣ ሓቒ እንተኣገናዚብና ከኣ ብዛዕባ ርግጹነት መበቆሉ ንእሽትይ ጥርጣረ እዩ ዝገድፍ።

 

ወርሒ ግንቦት

ትርጉሙ ኣፍደገ (ጎር ክረምቲ) ድሮ፣ ባሕቲ ክረምቲ ከመልክት ይኽእል። ኣንስቲ ጥጥቖ ጠጢቐን፣ ሽንፋእ ደቑሰን፣ ኣምላኽን ጽቡቕ ክረምቲ ክገብረለን ዝምህለላሉ ወርሒ። ሓረስቶት ግራውቶም ዝቐራርቡሉን ዝሓርስሉን ወርሒ ስለዝኾነ ከኣ፣ ከም ወርሒ ሚያዝያ ብዛዕባ መሬት ኣይማጎቱን፣ ኣይዋጠጡን። ካብቲ

 

ቆልዓ ጉንበተ ሰነ ተወሊዱ ደርሆ መኸስተነ

 

ኢሎም ዝምስልሉ ሃልኽ ዝምልኦ ነዊሕ መዓልቲ ምስ ተመልሱ እንጌራን ስዋን ጥራይ እዩ። ግን ከም ልቦም ኣይረኽብዎን።

 

ግንቦት ዝፍሰሰ ግለት፣ ተሳሊምካ ዝለዓል ከም ታቦት

 

ኢሎም ከኣ ይምስሉሉ።

 

ወርሒ ስነ

ሰነ ካብ ሰን፣ ሰነነ፣ ሰነየ ዝብሉ ቃላት ግእዝ ዝውጸ ስነ ብትርጉሙ ሰናይ ፣ጽቡቕ ዘርኢ ምልስላስ መሬት ከምልከት ይኽእል። ወርሒ ዘርኢ ስለዝኾን ከኣ፣ ሓረስታይ፣ ካብ ጠጥዑሙ ከይተርፍ፣ ሓጋይ ሳእኑ ቀጺዑ ናብ ስደት ከይኸይድ ክሓርስን ክዘርእን ላዕልን ታሕትን ዝብል። ነቲ ዝናብ ከይደንጉዮ ዝስምዖ ስግኣት ከኣ፣

 

ሰነ ነግፈረግ እብል ኣነ

 

ብዝብል ምስላ ይግልጾ።

 

ወርሒ ሓምለ፣

ካብ ሓምለ ዝብል ቃል ወጺኡ፣ ልምላመ ቆጽላውነት፣ ብሓበራ ንኹሉ ኣሕምልቲ የመልክት።

 

ሓምለን መርዓትን ጳጳስን ታቦትን ኣይቅልዑ

 

ኣብ ወርሒ ሓምለ ምድሪ ሰማይ ደበና እንተዘይተሸፈነት መርዓት ብመጋረጃ እንተዘይተኸውለት፣ ጳጳስ እንተ ዘይተላበሰ፣ ታቦት እንተዘይተኸድነ ንቡር ኣይኮነን። ግን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝኾነት ገዛ ስኢና ተባሂላ ጉዳ ክትቅልዕወን ኣይትደልን እያ። ከመይ

 

ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዩ፣ ዝባንካ ወደ ኣይር ኣዮ

 እዩ።

 

ወርሒ ነሓሰ

ነሓሰ ብትርጉሙ ልዕልና፣ ልዕሊ ኩሉ ምዃን፣ መወዳእታ፣ ጉልላት፣ መዛዘሚ ከስምዕ ይኽእል።

 

ነሓሰ፣ ክንደይ ኣሎ ብጥሜት ዝፈለሰ

 

እቲ ዝሓሰመ ጥምየትን ስእነትን ኣብ ውርሒ ነሓሰ ዝርኽብ።

 

ማይ ነሓሰ ጽሩይ ኣይስተይን፣ ምኽሪ ድኻ ጽቡቕ ኣይስማዕን

 

ኣብዚ ዝበዝሐ ቀለብ ሓጋይ ተወዲኡ ሳሕቲወን ብጥሜት ሰብ ዝሞተሉ ወርሒ ከምቲ ምኽሪ ድኻ ዘይስማዕ፣ ማይ ነሓሰወን ዝጸረ እንተጸረ ኣብ ጥራይ ከብድኻ ኣይስተንዩ።

 

ጳጉመን

ጳጉመን፣ ሱሩ ቛንቋ ግሪኽ ኮይኑ፣ ሄፓጉኣናይ ከኣ ይብሃል። ብትርጉሙ ወሰኸ እዩ ዘመልኽት።

 

ዝኸበርኹም ኣንበብቲ፣ ተወሳኺ፣ መአረምታ፣ ወይወን ዝጎደለ ኣሎ እትብልዎ። ካብ ምጽሓፍ ዓዲ ኣይትውዓሉ።