ቪቭያና ኣማኑኤል
ቪቭያና ኣማኑኤል

Date: 15/12/2011

(ሕቡእ ጸጋ)

ንግደት ደዓሪት

ማርያም ደዓሪት ካብ ማእከል ከተማ ከረን፣ ኣስታት ሰለስተ ኪ.ሜተር ንሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቓ ትርከብ። እዛ ብእልቢ ዘይብሉ ኣእዋምን፣ ፍሩታታትን፣ ካልእ ነቲ ከባቢ ፍሉይ ግርማ ከም ዝዓስሎ ዝገበሮ መካበብያ ዝማዕረገት መካነ ንግደት። ኣሽሓት ምእመናንን ነጋድያንን ብዝሳተፍዎ ውዕዉዕ መንፈስ ድማ ዓመት መጸ ወርሒ ግንቦት ካብ 1881 ትንገድ ኣላ።

ንግደት ደዓሪት ግን ብኸመይ ጀሚሩ?

ኣቡነ ዩሴፍ ቱቤ ዝተባህለ ፣ኣቡን ነተን ኣብቲ ግዜ’ቲ ዘኽታማት ኣብ ምክንኻንን ጹጉማት ኣብ ምርዳእን ዝተዋፈራ ደናግል ንመነባብሮአን ሓገዝ እንተኾነን ብዝብል ቅዱስ ሓሳብ ነቲ ኣብ ገምገም ሩባ ደኦኣሪት ዝነበረ ሕርሻኦም ኣወፈዩለን። እተን ደናግል፣ ኣብቲ ዝተዋህበን መሬት ንግደት ክጅምራ መደብ ኣውጽአ’ሞ ነዚ መደብ ዝሰማማዕ፣ ድንቒ ዝኾነ ጓንጓ ዱማ ( ብዓቲ) ኸኣ ረኸባ። እቲ ዝተሓንጸጸ መደብ፣ ብወገን እቶም ኣብ ፈረንሳ ዝቕመጡ ኣሕሉቐን ፣ ተቀባልነት ረኺቡ። ሓንቲ ብኣስራዝ ዝተሰርሐት “ንሰይጣን ከም ዝስዓረት ንምዝካር፣ “ናይ እግዝእትነ ማርያም “ምስሊ ተኣምራታዊት ድንግል እተዘኻኽር ምስሊ ተላእኸትለን።

እታ ምስሊ ብ 18 ሓመ 1881 ዓ.ም ብኣቡነ ዩሴፍ ቱቢ ተባሪኹ፣ ኣብዚ ሕጂ እትርከበሉ ዓቢ ጓንጓ ዱማ ሰፈረት። ምስዚ ብተፈጥሮ ዝበቖለ ዱማ ዝተጸገዐት ንእሽቶ (ቤተክርስትያን) ድማ ኣላ።

እዛ ዱማ ሓጋይ ኾነ ክረምቲ ውትሩ እትጥጥዕ’ዩ ዝንገረላ። ዱማ ድማ ክሳብ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ክጸንሕ ዝኽእል ገረብ ምስ ሙዃኑ ፣ ምቹእ እዩ።

ካልእ ምስዛ ዓባይ ዱማ ማርያም ደዓሪት ተኣሳሲሩ ዝግለጽ ዕላላት ብዙሕ እዩ። ሓደ ካብኡ “ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብቲ ከባቢ ፣ ኣብ መንጎ እንግሊዝን ጣልያንን ይካየድ ። ምስቲ ዝነበረ ብርቱዕ ኩናት ፣ ውግእ ዝጻዕጽዖም ወተሃደራት ጣልያን ክዕቖቡ ናብ ዱማ ደዓሪት ኣተው። መድፍዕ እንግሊዝ ዕላምኡ ኣነጻጺሩ ኸኣ ኣብታ ዱማ ዓለበ እንተኾነ ግን፣ብዘይካ እቲ ክሳብ ሎሚ ተበሲዑ ዝርአ ዓቢ ውቓዕ ፣ ዱማ ደዓሪት ትኹን እቶም ኣብ ውሽጣ ተዓቒቦም ዝነበሩ ወተሃደራት ገለ’ኳ ኣይኮኑን።

____________________________________________________________

 

Date: 14/12/2011

(ሕቡእ ጸጋ)

መስጊድ ሸኽ ሓማል

ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ፊት ወደብ እትርከብ ጥንታዊት መስጊድ ብኹልንትንኣ ኣዝያ ውቕብትን መሳጢትን’ያ ። ኣብ ልዕሊቲ ህንጻ ብምስሊ ዝተዘርግሐ ኢድ ሰብ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ፣ መስለ ቅርጻ ቅርጺ፣ ካብ ካልኦት መሳጊድ ፍልይቲ ይገብራ። እቲ ብውሕልነት ኣብ መናድቓ ዝተወቐጠ ዝተፈላለየ ምስልታትን ቅርጽታትን፣ እታ መስጊድ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ከም እትሃንጸት ይሕብር።

ኣብ ውሽጢ’ቲ ቀጽሪ ፣ መቓብር ሸኽ ሓማል ምስ ብዓልቲ ቤቶም ይርከብ። እቲ መንደቕ ናይቲ መቓብር ብኢራናውያን ወይ ቱርካውያን ከም ዝተጻሕፈ ፣ ዝግመት ሓወልቲ ኣዝዩ ማራኺ’ዩ።

እቲ ጽሑፍ እንታይ ሙዃኑ ክንብቦን ክትርጉሞን ዝኸኣለ ሰብ ዛጊት ኣይተረኽበን።

ኣብታ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጥንታዊት ‘ታቦት’ ዑመር ኣልሸፊር ኣብ ዓስራይ ህጅሪ ኣብ ባጽዕ ሞይቶም ዝብል ጽሑፍ ብቛንቛ ዓረብ ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ ጽሑፍ “ ዑመር ኣልሸሪፍ ( ሸኽ ሓማል) ቅድሚ 430 ዓመት ከም ዝሞቱ’ዩ ዘመልክት። ሒደት ዓመታት ድሕሪ ሞት “ሸኽ ሓማል” ድማ እዛ ጥንታዊት መስጊድ ፣ ነታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ንእሽቶ ኣጉዶ ተኪኣ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ተሃንጸት።

ሸኽ ሓማል ፣ ( ዑመር ኣልሸሪፍ) ካብ መካ ስዑዲ ዓረብ’ዮም ናብ ባጽዕ ( ኤርትራ )ኣትዮም። ኣብዛ ከተማ ንነዊሕ ኣብ ዝተቐመጥሉ ድማ ንጽጉማት ይረድኡ፣ ከም ዝነበሩ ይግለጽ። ንኽብሮም ድማ፣ እዛ መስጊድ ቅድሚ 400 ዓመት ብስሞም ተስሪሐ ይብሃል።

ወደብ ባጽዕ ኣብ ግዜ’ቶም ኣብ 1500 ዓመተ ምሕረት መሬት ኤርትራ ዝረገጹ ፖርቱጋላውያን ምዕባለታት ከተርኢ ትጀምር ደኣ’ምበር ታሪኻዊ ድሕረ ባይተኣስ ምስ ወደብ ኣዱሊስ ዝተኣሳሰር’ዩ።

ኣማኢት ዓመታት ቅድሚ ምቕልቓል ፖርቱጋላውያን ፣ ሓያሎ ነጋዶ ስግር ባሕሪ ንግዳዊ ንጥፈታት የካይዱ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። እዛ ሕጂ ውሽጢ ባጽዕ እትብሃል ‘ከባቢ’ወን ካብቲ ግዜቲ ከም ወደብ ክትነጥፍ ጀሚራ።

ኣብ 1557 ቱርካውያን ኣብቲ ቦታ ምስ ሰፈሩ ድማ፣ ባጽዕ ርኡይ ምዕባለ ኣርኣየት። ቱርካውያን 300 ዓመት ስለዝተቐመጡ ፣ ትሕተ ቅርጻ ብተዛማዲ ማዕቢሉ ፣ ውቑብን ብሉጽን ህንጻታት ድማ ተሃኒጹላ። እቲ ናይ ሽዑ ምዕባለ ግናብ ውሽጢ ባጽዕ ጥራይ ‘ዩ ተደሪቱ ስለዝነበረ፣ እዚ ሕጂ ከተማ ምጽዋዕ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ስፍሓትን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ’ዩ ማዕቢሉ። እቲ ውሽጢ ባጽዕ ዘሎ ህንጻታት ብቕዲ ጥንታውያን ቱርካውያን እተሃንጸ’ዩ።

እዚ ሕጂ ብቱርካውያን ከም እተሃንጸ ዝንገረሉ ህንጻታት ውሽጢ ባጽዕ መዓስ ተሃዲሱ?

ኢጣልያውያን መልክዕን ቅድን ከይቀየሩ ፣ ከምቲ ዝነበሮ ኣገባብ ተጠንቒቖም ሃኒጸሞ። እተን ቅድሚ 400 ዓመታት ብቱርካውያን ዝተሰርሐ ፣ “ መስጊድ ሸኽ ሓማልን፣ ህንጻ ቤተ መንግስቲ ነበርን ግን ካብቲ ክልተ ሓደገኛ ባህርያዊ ተጻብኦታት ድሒነን’የን።

ካልእ ዳግማይካብ ዝተሃንጹ ጥንታውያን ህንጻታት “መስጊድ ሸፍዒ” ክትጥቐስ ትኽእል። እታ ቅድሚ 800 ዓመታት ኣብ ውሽቲ ባጽዕ እተሰርሐት መስጊድ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ከም ዝኾነት ድሕሪኣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ፣ ማሊን ማውሪታንያን መስጊድ ክህነጽ ከም ዝጀመረ ጽሑፋት ይሕብሩና።

ከም ኩሉ ድማ ኣብ 1930 ብኢጣልያውያን ዳግማይ ተሃኒጻ።

ከም ዝፍለጥ ወደብ ባጽዕ ክልተ ግዜ ምንቕጥቓጥ ምድሪ ኣጋጢምዋ’ዩ ፣ ቀዳማይ 1897 ፣ ብዙሓት ብውሕልነት ዝተሰርሐ ህንጻታት ከም ዝፈረሰ ይግለጽ። እታ ኣብ 1923 ዘጓነፋ ምንቕጥቓጥ ምድሪ ግን ንብምልእታ ከተማዳርጋ ኣዕንዩዋ’ዩ። ተሰሪሑ ዝነበረ ትሕተ ቅርጺ ብፍላይ ድማ ብሉጽ ህንጻታት ነበረ’ያ ነበረ ኾይኑ፣ ካብዚ ክልተ መዓት ‘ምንቕጥቓጥ ዝድሓና ፣ ክልተ ህንጻታት ኣለዋ። ኣብ ግራር እትርከብ “መስጊድ ሸኽ ሓማል፣ ኣብ ፊት ሆቴል ዳህላክ እትርከብ ህንጻ ቤተ መንግስቲ ነበርን እየን።

መስጊድ ሸኽ ሓማል ካብዚ መዓት’ዚ ፣ ካብ ናይ ደርጊ ደብዳብ ‘ወን ኣምሊጣ ፣ ብዘይካ ንጣር ፍጹም ኣይተተንከፈትን። ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ህንጻታት ዓንየን ክነሰን ንሳ ዘይምትንካፋ ኣዝዩ ዘደንጹ’ዩ። ዛጊት ተረጋጊጹ ካብ ዘሎ እታ እንኮ መበቆላዊት ህንጻ ናይ ቱርኪ ክትከውን ብምብቕዓ ድማ ኣብ ታሪካዊ ቅርሲ ሃገርና ፍሉይ ስም ሒዛ ኣላ።

እቲ ኣብ ውሽጣ ዝርከብ ልዕሊ 400 ዓመታት ዝገበረ ታቦት፣ ኣብ ወረቐትን ብራናን ብቛንቛ ዓረብ ዝተጻሕፈ ቁርኣን ፣ ካልእ ጥንታዊ ቅርሲታትን ድማ ካብ ዕንወት ድሒኑ ይርኸብ።

 

_____________________________________________________________________________________


Date: 13/12/2011

(ሕቡእ ጸጋ)

ሕቡእ ጸጋ ንኡስ ዞባ ቓሩራ

ደብር ገመል

ደብር ገመል ፣ ብጽሕዲ ኣውሊዕ፣ ናረት፣ ጉም ፣ዓጋም ፣ኣልጌን ፣ሕምርን በለስን ዝተሸፈን ጎቦ ገመል ፣ ኣብ ስንሰለታውያን ጎቦታት ዓይገት ጻዕዳ ዝርኸብ ዝበረኸ ጎቦ ናይ ንኡስ ዞባ ቓሩራ እዩ።ካብ ብምሉኦም ተረተር ሰንሰለታውያን ጎቦታት ዓይገት ጸሊምን ጻዕዳን ንመንጉድ ገመል ዝመስል ቅርጺ ሒዙ ስለ ዝወድእ ድማ” ገመል” ዝብል ስማ ተዋሂብዎ። ጎቦ “ገመል”፣ ካብቶም ኣብ ብረታዎ ቃልስና ንሬድዩ ርክብ ምቹኣት ዝነበሩ ቦታታት ሓደ እዩ።

 

ጎቦ ዓንበርበብ

ዓንበርበብ፣ ብቛንቋ ትግረ ሕብሪ ዝበዝሖ ማለት’ዩ። ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ኣእማን ብብዝሒ ስለዝርከብዎ ድማ፣ መስመይኡ ኮይኑ። እቲ ኣገዳሲ ትካላትን ኣብያተ ጽሕፈትን ህ.ግ ዝሓቖፈ ከባቢኡ’ወን ብስም ናይ’ዚ ጎቦ’ዚ ዓንበርበብ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ጎቦ ዓምበርበብ፣ እቲ ብተበላሓትነት .ህግሓኤ ዝተሰርሐ መስተንክራዊ ጽርግያ ብድድሆ ዝርኸበሉ ጎቦ’ወን እዩ።

 

ጎቦ እብን ንስር

ኣብ ሰንሰለታውያን ጎቦታት ዓይገት ጸሊም ዝርከብ ጎቦ “ እብን ነስሪ” ብብዝሒ ሳዕሪ ዝርከቦ ብምዃኑ ፣ ኣብቲ ጎቦ ሓያለይ ጤለ በጊዕንን ከብትን ዝጓሳያሉ ቦታ’ወን እዩ። “እብን ነስሪ “ብቛንቛ ትግረ ፣እምኒ ነስሪ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ጎቦ ብብዝሒ ንስሪ ዝርከባሉ ዓበይቲ ኣእማን ስለ ዝርከቦ ዝተዋህቦ ስም እዩ።

 

ጎቦ ኣባዓገር

ኣብ መንጎ ሩባታት ፣ ጥረትን ዔላ ሕርመትን ይርኸብ። ኣብዳድ ፣ብቛንቛ ትግረ ገፊሕ ማለት እዩ። እዚ ጎቦ ድማ ኣብ ዝባኑ ማይ ዘለዎ ገፊሕ ጎልጎል ስለዝርከቦ ፣ “ኣብዳድ ተባሂሉ ወን ይጽዋዕ እዩ።

_______________________________________________________________

Date: 12/12/2011

(ሕቡእ ጸጋ)

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ዝርከባ፣ ዳዕሮታት

ዳዕሮ ጽላል ሹም

እዛ ዳዕሮ’ዚኣ ሓንቲ ካብተን ታሪኻውያን ዳዕሮታት ሰገነይቲ ኾይና፣ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝነበሩ ተቐማጦ ከባቢ “ጸንዓ ደግለ” ዘማሓድሮምን ዝዳኖምን ሹመኛ መሪጾም ቆጽሊ ምእንቲ ከውድቕሉ፣ ባይቶ ዓዲ ተኺሎም፣” ኢሂን ምሂን” ዝብሉላ ዝነበሩ’ያ። ዕርቕን ፍርድን ክብይኑ እንተደኣ ደልዮም’ወን ኣብ ትሕቲዛ ንኽትሪኣ ባህ እተብል ግርምቲ ጽላል ዳዕሮ ተኣኪቦም ይዝትዩ ብምንባሮም ፣ ካብ ሽዑ ግዜ ጀሚራ “ዳዕሮ ጽላል ሹም” ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ።

 

ዳዕሮ ሓጻሮ

እዛ ኣብ ሓሙሽተ ናቕፋ ተሳኢላ ዘላ ፣ዳዕሮ ሓጻሮ፣ ብቑመት ዝሓጸረትን ነዊሕ ዕድመ ዘለዋን ኣዝያ ጎፍጓፍ ብዙሕ ጨናፍር ዘለዋ ፣ዳዕሮ’ያ። ብሕጽራ ድማ’ያ “ዳዕሮ ሓጻሮ“ ዝብል ስም ተሃዊብዋ ይብሃል።

 

ዳዕሮ ጣዕዋ ምለስ

እዛ ዳዕሮ’ዚኣ ኣብ ጥቓ “ዳዕሮ ሓጻሮ ፣እትርኸብ ኣስታት 250 ዓመታት ከም ዝገበረት ዝንገረላ ዳዕሮ’ያ። ስለምንታይ “ዳዕሮ ጣዕዋ ምለስ” ተባሂላ ንዝብል ሕቶ ዝምልሽ ፣ ሓደ ኣፈ ታሪኽ ኣሎ።

“ሓደ እዋን ኣብ ከባቢ ጸንዓ ደግለ ድርቒ ኣጋጢሙ ነበረ። ብሰንኺ’ቲ ድርቒ ጣዕዋኡ ክሸይጥ ናብ ሰገነይቲ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብኣይ ፣ ኣብዛ ዳዕሮ ብዝበጽሐ፣ ፍረታት ‘ዛ ዳዕሮ በሲሉን ዘቢቡን ረኸቦ። ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ካብታ ዳዕሮ ፍረታት ኣውሪዱ ክሳብ ዝጸግብ ተመገበ። ነቲ ጣዕዋኡ ሸይጡ እኽሊ ምስ ሸመተ መትሓዚ እኽሊ ኪኾኖ ሒዝዎ ዝነበረ ሎቖታ ኸኣ ብፍረታት ዳዕሮ ምልእ ምስ ኣቢሉ ኸኣ፣ “ደጊም ቀለብ ረኺበ ኣለኹ እንታይ ጣዕዋ ዘሽይጥ ኣለኒ።” ኢሉ ፣ ነታ ናብ ሰገነይቲ ገጹ ክኹብኹባ ዝጸንሐ ጣዕዋኡ ገጹ መሊሱ፣ ነቶም ከምኡ ጣዕዋታት ኪሸጡ ንሰገነይቲ ዝኸዱ ዝነበሩ ደቒ ዓዱ ድማ፣ ብበትሩ ናብታ ዝተመገበላ ዳዕሮ እናመልከተ “ጣዕዋ ምለስ….ጣዕዋ ምለስ” በሎም ይብሃል።

ድሕሪ’ዚ ድማ እታ ዳዕሮ “በዚ ስም” ዳዕሮ ጣዕዋ ምለስ” ተባህለት ይብሃል።

 

ዳዕሮ ስላስ

ቐደም ሓንቲ ስላስ ዝብሃላ ዓባይ ሰበይቲ፣ ኣብ ጥቓ’ዛ “ዳዕሮ ሰፊረን ነዊሕ ዓመታት ተቐሚጠን ነበራ። ፍረ’ዛ ዳዕሮ ይምገባ፣ ዝነቐጸ ዕንጸይቲ’ዛ ዳዕሮ ኣንዲደን ኣብ ትሕቲኣ ኾይን ቡን ይሰትያብምንባረን፣ እዛ ዳዕሮ ብስመን ተጸውዐት። እዘን ሰብይቲ ካብ ዝሞታ ዳርጋ ከባቢ ሓደ ዘመን ኣለወን።

 

ዳዕሮ ከንቲባ

ቀደም ሹመኛታት ናይዚ ከባቢ (ሰገነይቲ) ካብ ናብ ክገሹ ከለው ፣ ኣብ ትሕቲ’ዛ ግርምቲ ዳዕሮ ኣባቕሎም ፈቲሖም የዕርፉን ይዛነዩን ብምንባሮም፣ ብልምዲ እንትርፎ ሹመኛታት ካልእ ዘየዕርፉላ ብምንባራ ዳዕሮ ከንቲባ ተባህለት ይብሃል።

 

ዳዕሮ ምራውቲ

ብርጻ ካብተን ካልኦት ዳዕሮታት ዝተፈልየት’ያ። ጨናፍራ ከምተን ካልኦት ዳዕሮታት ኣብ ክንዲ ንላዕሊ ወይ ንጋድም ዝጥምት ልክዕ ከም ጠልጠል ዝበለ ገመድ ቑልቑል ተደፊኡ ምራን ስለ ዝመስል ፣ “ዳዕሮ ምራውቲ” ተባህለት ይብሃል።

 

ዳዕሮ ወዓጋት

ኣርባዕተ ዳዕሮታት ብሓባር ዝጽውዓሉ ስም እዩ።እዘን ዳዕሮታት ኮነ ኢልኻ ብትኹል መስርዕ ኣቐራሪብካ ዝተኸልካየን’የን ዝመስላ። ባህርያዊ ኣቐማምጣአን መሳጢ እዩ።

“ቀደም ኣብ ከባቢ ‘ዘን ዳዕሮታት ከም ሰሳሕ፣ ዓጋዜን ፣ጤለ በዱ..ወዓግ…ወዘተ….ፍረ ዘን ዳዕሮታት እናተመገቡ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ይዝንቶ። ሓረስቶት ናቲ ከባቢ እኽሊ ግራውቶም ከይብልዓሎም ከሳጉጉዎም ከለዉ ። ብዘይካ ወዓግ እቶም ካልኦት..ሰሳሕ ዓጋዜን ጤለበዱ ኣርሒቐን ይሃድማ ኔረን። ዋዓጋት ግን ናብተን ተር ኢለን ዘለዋ ዳዕሮታት፣ ይድይቡ’ሞ ፣ ዋላ እንተሳጎጉዎም፣ ካብ ናብ ዳዕሮ፣ እናበሉ ንሓረስቶት የረብርብዎም። ካብዚ ብምብጋስ ድማ፣ ሓረስቶት እቲ ከባቢ፣ “ዳዕሮ ወዓጋት” ዝብል ስም ከም ዘጠመቕዋ፣ ይዝንቶ።

 

ካልእ ኣብ ሰገነይቲ (ዳዕሮ መካኒኮ፣ ዳዕሮ ኣንጎሎ፣ ዳዕሮ ሽኮር፣ ዳዕሮ ኣድጊ፣ ዳዕሮ ጥጥያን) ዝተባህላ ዳዕሮታት ወን ኣለዋ። እዘን ዳዕሮታት፣ ብፍላይ ድማ እዘን ዳሕረዎት፣ “ዳዕሮ ሽኮር፣ ዳዕሮ ኣድጊ፣ ዳዕሮ ጥጥያን፣ በቲ ዝህበኦ መቐረት ፍረአን’ዩ ወጺኡ ኣስማተን።

ዳዕሮ ኣድጊን ዳዕሮ ጥጥያን ፍረታተን መቐረት ዘይብሉ፣ እንትርፎ ናን ኣድጊ ድማ ንሰብ ኣህ ዘየብል’ዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣእዱግ’ዮም ዝምገብወን።