Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ከንቲባ ተስፋይ ወዲ ወልደሃንስ ገዛ ማይ ዔላ ሰገነይቲ (እንዳ ኣከለ ጉዛይ) ኣብ ማይ ሰራው ውዕሎ ጌሮም መን ይምርሓና ኣብ ዝብል፣ ምስምማዕ ምስ ሰኣኑ ከንቲባ ተስፋይ ተንሲኦም

ኣንታ እዚኦም መንዮም?” ...“ንጉሰይ!”

እዚኦም?” ...“ንጉሰይ!”

በሉ ኩላህና ነጋውስ። ንኺድ በቕለይ ጸዓነለይ ቢሎም ገዲፎሞም ክኽዱ ነቐሉ። 

ሓደ ተንሲኡ

ነዞም ቀይሕ ሰብኣይ ባዕልኻ ምረጸልና ቢልና ንምለሶ

ቢሎም መለስዎም ምረጸልና በልዎም። ንሶም ከኣ ንርእሰይ እንተበልክዋ? “ሰዳ ንሓወይ እንተበልክዎ? “ሃቦ ጥራይ ንዝደለኻያ ሃቦ በልዎም። ናይ ስልጣን ህርፋን ስለ ዘይነበሮም ከኣ ንኸንቲባ ትኩእ በዓል ኣብዓ (ሾሙ)

ካብዚ ዝተላዕለ ማይ ዔላስ ይሸሙ እምበር ኣይሽየሙን ዝብል ብሂል ኣሎ።

ተወሳኺ ዛንታ ከንቲባ

ብዘይ መጠን ድኻ ነበሩ ሓደ መዓልቲ ኣጋይሽ መጺኦም ንዓዲ ኣሕድሩና በልዎም። ኣብ ገዛኦም ሓንቲ ሃንዛ ጥራይ ነበረቶም

ፍርቒ ንደቀይ፣ ፍርቒ ከኣ ድራር ጋሻ ቢሎም ኣረከብዋ ይብሃል።

ብተመሳሳሊ ከንቲባ ምስ ተባህሉ መኸብከቢ ስኣኑ ምሕሽ ቢሎም ከኣ ወዲ ቤተ..ወዲ ቤተ እንተሰኣንካ ተመግበተ (ተጣበብ) ሕጂ ከኣ ንዝበጽሐት ጓልካ እንታይ ትገብራ?

ጥሽ ተቡኣ ስለዚ ንኣይ ከኣ ጥሽ

ምለሱኒ ምስ በሉ ዓደቦ ኣኸብኮቦም (ከንቲባነቶም ጸንበለሎም)

እዚ ዛንታ ከንቲባ ኣብ ከባቢ 1800’


Write a comment

Comments: 0