Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ካብ ጥንቲ ኤርትራ መሰረት ኢትዮጵያ ብምዃና መሰረት ዓሌት መብዛሕቲኡ ህዝብታት ከበሳ ኢትዮጵያ ሴማዊ ዝዓብለሎ ከም ምዃኑ መጠን፣ ሴማዊ ህዝቢ ከኣ ምድሪ ባሕሪ ቀጺሉ ኣብ ትግራይ እቲ ዝለዓለ ስልጣኔ ፈጢሩ ዝሳገመ ምዃኑ ዝተፈላለየ ባህርታት ንክፈጥር ምኽንያት ከም ዝኾን ክጥቀስ ይኽእል ከምቲ ካብ ክፈትውኻ ክፈርሁኻ ዝብሃል፣ ስለዝፋተዉ ወይ ዝፋለጡ ብዝይዳ ክረዳድኡን ክደፋፈሩን ኪኢሎም ገለወን ዓብለልቲ ኮይኖም ክወጹ ብምድላይ ንቐጻሊ ምትሕግጋዝን ወራራትን ክፈጥር ከኣለ።

እዚ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ህዝብታት ኣብቲ ዝኸድዎ ምጥዓም ምስ ዝስእኖም ተመሊሶም ናብቲ መበገሲኦም ክምለሱ ግድነት ነበረ። ሰኣን ጥልቕ ኢልካ ዘይምምርማር ከኣ ገለ ገለ ነቲ መሰረቶም (ምድሪ ባሕሪ ወይ ምድረ ሓማሴን) ኤርትራ ገዲፎም ሰኣን ምርዳእ ነቲ ዳሕረዋይ (ትግራይን ወይ ዓደምሓራ) ነይረሙሉ ዝተመልሱ መበቆሎም ምዃኑ ክምስክሩ ይስምዑ ምድሪ ባሕሪ መስረት ምዃኑ ብሰፊሑ ክንርእዩ እንትኾንና ገለ መጻንሒ ኣብነት ክንጠቕስ።

ህዝቢ ዓቓቢ ጥንታዊ ባህሉን ቋንቛኡን ብምዃኑ፣ ሊቃውንቲ ኢትዮጵያ ንቃላት ግእዝ መሰረት ነባር ዓንቀጹ ምስ ዝጠፍኦም ከምኡወን ትርጉም ቃላት ንምድላይ ንዓበይቲ ዓዲ ምድሪ ሓባብ ክሓቱ ይመጹ ከም ዝነበሩ ብዙሓት ዓበይቲ ደቂ እቲ ከባቢ የዘንትዉ።

ብቀንዱ ሃጸይ ምንሊክ እንተኾነ እወን መሰረት ወለደኦም ክሓቱ ግራዝማች ዮሴፍ ዝተባህለ ተምሃራይ፣ ኣብ ውዕል ውጫለ ተርጓሚ ዝነበሩ፣ ናብ ኣባ ኪዳነ ቀሺ ወልደገርግስ ብዓል እንዳ ገርጊስ ማዔላ ሽሓግነ ትግራዋይ ቆሞስ ኣብ መድሃኔ ኣለም (ኣስመራ) ዝነበሩ፣ ተላኢኾም መጹኡ፣ ብምስጥር ድማ ምስ ዓበይቲ ሓማሴን ተራኸቡ። እንተኾነ ግን እንተስ ፈሪሖም እንተስ ብጉርሖም ኣይፈልጥን ቢሎም ከም ዘፋነውዎም ይፍለጥ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ገዳማት ዓደምሓራ ዝተቐመጡ ኤርትራዊ ካህን ባዕላቶም ኣምሓራ፣

ከትግረ የማይወለድ፣ ከሻንቅላወይ ከካይላ (ፍላሻ) ወይ ከጋላ (ኦሮሞ) ነው

ከም ዝብሉ የዘንትዉ ሃለቃ ታየ ኣብ መጽሓፉ

ቋንቋ ኣምሓርኛ፣ ዝመጸ ካብ እብራይስጣ ኣብሓጉኡ፣

ካብ ግእዝን ዓረብን ኣቦታቱ፣ ካብ ትግረን ትግርኛን ኣሕዋቱ

ምባሉ መሰረት ኣብዚ ምድሪ ባሕሪ (ኤርትራ) ምዃኑ የረደኣና።

መወከሲ

           ጥንተ ኣሚን ኢትዮጵያ ርእሰ ደብር ዕንቁ እንድርያስ ዓሰቡ


Write a comment

Comments: 0