Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኤርትራ (ብጽርኢ ወይ ብግሪኽ) ስም ባሕሪ ኾይኑ ካብ ፖርት ስዒድ ክሳብ ባሕሪ ህንዲ ወይ ከኣ ካብ ወደብ ስዩስ ክሳብ ባብ ኤል መንደብ ዘሎ ባሕሪ እዩ።

ኣወሃህባ ስሙ:-

ቀይሕ ዕንባባ ባሕርን መሬትን ስለ ዝረኣየሉ ቀይሕ ሰበባ ዘንሳፍፈሉ ቀያሕቲ ዓሳታት ዝውለድሉ፣ ካብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን ሕብሪ ዘለዎም ቅይሕ ዝበሉ ህዝብ ዝነብርዎ ቦታ ስለዝኾነ እዩ።

ነብይ ሙሴ፣ ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍ ክጽሕፍ እንከሎ ንቀይሕ ባሕሪ ብቋንቋ ኢብራይስጢ ያም ሱፍ ኢሉ ሰመያ

ያም:- ባሕሪ ኪኸውን እንከሎ፣

ሱፍ:- ድማ ቀይሕ ማለት እዩ

ኣብ መበል 150 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ሊቃናት ዝብሃሉ ንቅዱስ መጽሓፍ ካብ ኢብራይስጥ ናብ ግሪኽ ዝተርጎሙ ከኣ ንቀይሕ ባሕሪ ታላስ ኤርትሮስ ኢሎም ሰመይዎ።

ከምኡወን ኣብ ሃገረ ግሪኽ ኤርትራ ዝብሃል ዓዲ ወይ ቁሸት ኣሎ፣ ትርጉሙ ድማ፣ ቀይሕ ባሕሪ ቀይሕ ምድሪ ማለት እዩ።

እዚ ብዝተፈላለየ ጸሓፍቲ ሓማሴን ምድሪ ባሕሪ ነጋሲ ምድሪ ባሕሪ ምድሪ ሓበሻ ምድረ ኣግ ኣዝያን ..ወዘተ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ መንግስቲ ጣልያን ወሪሩ ኣስመራ ድሕሪ ምሓዙ 3 ነሓሰ 1889 ኣዋጅ ኤርትራ ኢሉ እቲ ዝነበረ ዝተፈላለየ ኣስማት መዓልቦ ገበረሉ

ተወሳኺ ኣዕራብ ካብ ጥንቲ ንቀይሕ ባሕሪ ካብዚ ዘለዎ ጀሚሩ ክሳብ ዛንዚባር ባሕሪ ኣልሓበሽ ኢሎም ይሰምይው ነበሩ። ምኽንያቱ ወዲ ኤርትራ በቲ ዓብላሊ ኮይኑ ዝወጸ ሴማዊ ህዝቢ ስሙ ሓበሻ ኣግ ኣዝያን ሳባውያን ከም ዝነበረ ምርዳእ የድሊ ካብ ግዜ ነቢይ መሓመድ ንደሓር ግን እታ ኣልሓበሽ እትብል ስም ኣላ-ኣሕመር በልዋ። ምክንያቱ እዚ ህዝቢ ማእከላይ ሕብሪ ስለዘለዎ ኣብ መንጎ ጸዓድን ጸለምትን ኣህዛብ ዝነበር ማለት ስለ ዝኾነ እዩ ይብሃል።


Write a comment

Comments: 2
  • #1

    shewit (Thursday, 02 May 2013 19:05)

    nice zeymsetu zmsta.

  • #2

    awet tesfay (Friday, 03 May 2013 14:02)

    nice