Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ክቡራት ኣንበብቲ

ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብዋልታ መድሓኒት ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ጅግንነት ደግያት ኣበራ” ዝተጻሕፈ መመላእታኡ እዩ።

 

ደግያት ኣበራ ካሳ ወዲ ወዶም ንደግያት ሃይሉ ጸዓዘጋ እዮም።

ጣልያን 3 ነሓሰ 1889 ነስመራ፣ ምስ ኣተወ ሓያል ምዃኖም ኣጸቢቑ ፈሊጥዎም ስለዝነበረ፣ ምስሌነ ዝባን ሓማሴን ሸይሞም። ክጥብሮምን ከከባብሮምን ጀመረ። እቲ ንሓበሻ ዘይፈቐድ ዝነበረ ከም ጫማ ምውዳይ ከይተረፈ ፈቐደሎም። ካብኡ ሓሊፎ ወን ክሳዕ ኣብ መኣዶም ሓወስዎም እንተኾነ ግን፣ ሓያላት ዝኾኑ ይእሰሩ ብምንባሮም ካልኦት ደቂ ሃገር ውን ሓበሬታ ምስ ሃብዎም ምኽያት ፈጢሮም ስድራቤቶም ሒዞም ከይቐደምዎም ሃዲሞም ኣብ መሬት ዓንሰባ ዓረዱ

ጣልያን ከኣ ተቆጢዖም ሰራዊት ልኢኾም ብዙሕ ህዝቢ ኣጋፍዑን፣ ንብረት ወን ራሰዩ ካፒታን በቲኒ ዝብሃል ኢጣልያዊ ፈኪሩ ሰዓቦም መዓል ኣይተ ሓጎስ፣ ዓብደል ሓድሽ ዓዲ ዓንሰባ (ለመጨሊ) ካብ ዓዲ ሞቶ (ስኹን) ከምኡወን ተኸተልቲ ደግያት ሓድገምበስ ወዲ ከንቲባ ዓልወት ካብ ዓዲ ኤሎባ ዓዲ ተከሌዛን፣ ዝነበሩ ኾይኖም ተዓጢቆም ጸኒሖም ኣብ ዋልታ መድሓኒት (ደቂ ሸሓይ) 1892 ውግእ ገጢሞም ንካፒታኖ በቲኒ ቀተልዎ ብድሕሪ ብስውር ነስመራ ኣትዮም ኣጓዱ ዓስከር ጣልያን ሓዊ ኣዲዶም ንትግራይ ተሳገሩ ይብሃል


Write a comment

Comments: 0
Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኣውሮጳውያን፣ ን ኣፍሪቃ ክገዝኡ ከንግሁ ኸለዉ፣ ብድንቁርናን ጥሜትን ዝተሓመሰ ህዝቢ’ምበር፣ ኮማንደራቶም ብምንሽር ረጪኑ ክፍንሽር ዝኽእል ሰብ ዝጸንሖም ይመስሎም ኣይነበረን። ፍላይ ነታ ንሊብያ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትገዝእ ዝነበረት ኢጣላ ዘጋጠማ ስዕረታት ካዕቦ እዩ ነይሩ። እቲ ዝ ኣክል ውዳበ ዘይነበሮ ተቓውሞ ኤርትራውያን፣ ኣብ ፈቐድኡ እስትሂና! ኣቢልዎም’ዩ። ዘማት ወድ ኡክድ ኣብ ላዕላይ ባርካ፣ ደግያት ኣበራ፣ ማሕራይን ኣባ ጥመርን ኣብ ከበሳታት፣ እኩ ተቓውሞ ዓሊ መሓመድ ዑስማን ቡሪ (ሰባር ናኹራን) ብጾቱን ካልኦትን ክንጠቅስ ንኽእል።

ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ ግን፣ ብዛዕባ ኣብ 1840 ኣቢሉ ኣብ ጸዓዘጋ ዝተወልደ ደግያት ኣበራን እታ ውዕሎኡ ዝፈጸመላ ዋልታ መድሓኒትን ኢና ክንርኢ። ደግያት ኣበራ ኣብ’ዛ ብዋልታ መድሓኒትን እትፍለጥ ኣብ መሬት ደቂ ሽሓይ ( ምስ ቃል ነብሪ) እትርከ ቦታ ቅያኡ ምስ ፈጸመ ንደቡብ ገጹ እዩ ዶብ ሰጊሩ። ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሃጸይ ምኒልክ ተሰሊፉ ኸኣ ኣብ ኩናት ዓድዋ( 1896) ውዒሉ። ንሃጸይ’ወን “ ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ” ክሳብ ዝብሉ ገይርዎም’ዩ ይብሃል።

ደግያት ኣበራን ብጾቱን ጥልያን ነስመራ ክድይብ ከሎ ከይተረፈ ክዓግትዎ ፈቲኖም ነይሮም’ዮም ። የግዳስ፣ ምስቲ ዝነበረ ዓቕሚ ጥልያን ክብድሁ ኣይከኣሉን። ድሕሪ’ዚ ድማ እዮም ናይ ደባይ ዝመስል ቅዲ ክኽተሉ ዝመረጹ።

በዚ ዝሰግአት መንግስቲ ጥልያን፣ ንደግያት ኣበራ ሓባቢላ ክትሕዞ ፈተነት። በታ ንብዙሓት ገርሀኛታት እተስድዕ ሽመት ከይተረፈ ኸኣ ፈተነቶ። ድግያት ግን ኣይተዳህለለን። ኣይተዳህለለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተገልቢጡ ንዓኣቶም ኣዳህሊልዎም’ዩ።

ሚእቲ ዝኾኑ ሰራዊት ጥልያን ካፒታኖ ቤቲኒ መሪሕዎም ናብ መሬት ደቂ ሽሓ ወሪዶም። ኣብዛ ዋልታ መድሓኒት ትብሃል ከኣ በጺሖም። ኣድብዩ ዝጸንሐ ድግያት ንውዮም ካፒተኖ ጥልያን ካብ ፈረሶም ጨርጊፉ ባይታ ኣዝበጦም። ወዮም ተኸቲሎም ዝነበሩ ሰራዊት ከኣ ብህድማ ፣ ድሕነት ካ እግሮም ደለይዎ። ፋሕ ጭንግራሕ ከኣ ኣተዎም። ካፒታኖ ኣየምለሱን። ኣብዛ ሕጂ” ሞት ቤቲኒ” ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ፣ ጥልያን ንዝኽሪ ኢሎም መስቀል ተኺሎምላ ዘለዉ ቦታ ዓረፉ።

“ሞት ቤቲኒ” ግን እቲ”ዋልታ መድሓኒት” ዝብል ጥንታዊ ስማ’ወን ብኸንቱ ዝወጸ ኣይነበረን። ኣብ ጥንቲ እቶም ኣዋልድ ብምፍታዎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ቱርካውያን፣ ንሓንቲ መድሓኒት ዝስመን ፈላሲት ኣጓይዮመን’ሲ ኣብታ ኣብቲ ከባቢ እትርከ ፍሉይ ቅርጺ ዘለዋ እምኒ ተዓቑበን ድሒነን ይብሃል። እዚ ድማ እዩ። “ዋልታ መድሓኒት ብዓልቲ ድርብ ቅያ” ዘብላ።

ብልክዕ መዓስ ከም ዝተፈጸመ እንተዘይተረጋገጸ ሽዑ ናይ ኤርትራ ገዛኢ ዝነበረ ( ጀነራል በራቴሪ) ብዛዕባ ሞት ካፒታኖ ባቲኒብ 18 መጋቢት 1892 ናብ ኢጣልያ ሚኒስተር ኩናት ዝጸሓፎ ጸብጻብ ስለዘሎ እቲውግእ ካብ መጀመርያ መጋቢት 1892 ዝድሕር ኣይመስልን።


Write a comment

Comments: 0