ዳስ ሓውያስ

“... ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ ነይርአና”

Thursday 03, January 2012, by Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

“ዳስ ሓውያስ ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ ነይርአና” ዝብል ምስላ፣ ብሂል እናሰምዐ ዚዓበየ፣ ኣበይ ዝነበረ፣ ዳስ ሓውያ? እንታዋይ እዩ’ኸ ሓውያ…? ኢሉ ኪሓትትን ኪመራመርን ግድን’ዩ። እቲ ነዚ ምስላ ዝወለደ ፍጻሜ ኣማኢት ዓመታት ስለዝገበረ’ሞ ኣብ እዋኑ ድማ ብጽሑፍ ስለዘይተሰንደ፣ ዛንታ ሓውያ ኣፈ ታርኽ፣ ያታ ኮይኑ’ እዩ ጸኒሑ። ኣብ መስረት’ዚ ታሪኽ’ኳ ዳርጋ ዝሰማምዑ እንተኾኑ፣ ዚተፈላለዩ ተረኽቲ ዝውስኽዎን ዝንክይዎን ፍጻሜታት ኣሎ። እዚ ኸኣ ናይ ኣፈ ታሪኽ ኣበር ክሳብ ዝኾነ፣ ብዛዕባ ሓውያ ከነንብብ እንከሎና ያታነቱ ከይዘንጓዕና ኪኸውን ይግባእ።

ቅድሚ ዛንታ ሓውያ ምጽዋይና፣ ታርኻዊ መንጸፍ’ዚ ያታ’ዚ ምድህሳስ ግዲ ይብለና። ንግሰነት ኣኹሱም እናተዳኸመ ምስ ከደ ኣብ ታሽዓይ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ፣ ኣቢሉ በለው ዝብሃል ሓደ ቀቢላ ናይ በጃ ንሰሜናዊ ግዝኣት ኣኹሱም ወረሮ፣ ጎይቶት ናይ’ዚ መሬት’ዚ ኮኑ። እቲ ፍሉጥ ዕብለላ በለው ድማ ኣብ ሰምሃር ብናይ ሕርጊጎ ሕጡምሎን ናይባት፣ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ብናይ ባርካ በለው፣ ኣብ ከበሳ ከኣ ብናይ ሰራየ በለው ዝውከል ነበረ። እዚ ሕጂ ንጸውየሉ፣ ናይ ከበሳ ብፍላይ ክኣ ናይ ሰራየ በለው እዩ።

ኣብዚ ናይ በለው ወራርን ዕብለላን እዋን፣ ኣኹሱም፣ ብደቡባዊ ግዝኣታ ዝመጸ ካልእ ቀታሊ ወራር ሓደጋ ወደቓ። ኣገው፣ ኣብ መበል ዓስራይ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ፣ ንግስነት ኣኹሱም መንዚዖም ኣብ ላስታ ቤተ ምንግስቶም ብምዱኳን “ዛጌ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሓድሽ ስርወ- ንግስነት መስረቱ። ንምውዳቕ ንግስነት ኣኹሱም ዝሓገዙ ካልኦት ምኽንያታት’ኳ እንተለዉ፣ ወራር በለው ብሰሜን ንምውዳቕ ንግስነት ኣኹሱም ዘቀላጠፈ ኪኸውን እንከሎ፣ ወራር ኣገው ብደቡብ ብቐንዱ ውድቀት ንግስነት ኣኹሱም ዘምጸአ ተርእዮ እዩ።

እዞም ክልተ ሓይልታት ንኣስታት ሰለስተ ዘመን ኣብ ዘዝሓዙዎ ስልጣን ምስ ጸንሑ ሓድሽ ፖሎትካዊ ሃዋህው ተፈጥረ። ወረስት ንግስነት ኣኹሱም ኢና ብሃልቲ፣ “ሕጋው” ንግስነቶም ከምልሱ ካብ ሸዋ፣ ሕጂ’ወን ካብ ደቡባዊ ወገን፣ ንግስነት ኣገው መጥቃዕት ፈነዉ። እዚ ናይ ሽዋ ወራር ካብ ኣገው ንግስነት ከሕድግ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፣ ብዙሓት ቀቢላታት ፣ (ስድራቤታት) ኣገው ንሰሜን ገጾም ክስደዱ’ወን ገዲዱ እዩ። እቲ ንሰሜን ብፍላይ ናብ’ዚ ሕጂ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ መሬት ናይ ምምጻኦም ምኽንያት ግን፣ እት ወራር ጥራይ ጌርካ ኪግለጽ (ክውሰድ) ኣይግባእን።

ዝኾነ ኮይኑ፣ ዛንታ ሓውያ ዝመርሓና ቀራና‘ዚ እዩ። ምርኻብ ናይ ከበሳ በለውን ካብ ላስታ ተፈናቒሎም ዚመጹ ኣገውን።

ዓመቱ ብልክዕ ንምሃብ ኣይከኣልን’ዩ፣ ግን ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ሙዃኑ ይግመት። “ደግያት ድዕቡል” ተባሂሎም ዝጽውዑ መስፍን በለው ንሰራየ ይገዝኡ ነበሩ። ምቕማጦም ዓዲ ጋውል፣ ሰራየ፣ ከይነበረ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ኸኣ ኣብ ዓድ ጋውል፣ ኣብ ወሰን’ት ዓዲ፣ “ዓዲ በለው” ዝብሃል፣ ቀዳሞት በለው ከም ዝነበሩ ዝእምት ኣሰራት ኣሎ። (ዝያዳ ተመራመርቲ ፣ የጉልሕዎ)

ደግያት ድዕቡል፣ ቅድስቲ ሃና እተባህለት፣ ሓንቲ ውላድ ነበረቶም። “ወዲ ጓልኩም ክወርሰኹም’ዩ….” ተባሂሉ ስለዝተማረተሎም፣ ብወዲ ጓሎም ንኸይውረሱ፣ ንቅድስት ሃና ጓሎም ኣይ ንመርዓ ኣይ ንውላድ ምስ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘይትራኸብ ጌሮም “ወሺቦማ” ይነብሩ ነበሩ ይብሃል።

ደግያት ድዕቡል፣ ሓደ ካብ ላስታ መጹኡ ዝብሃል ኣገው ከም ኣገልጋሊ ኣሕደሩ። ስሙ ብኽልተ መልክዕ እዩ ዝንገር። “ብመሰረት ዓሌት ህዝቢ መረብ ምላሽ” ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ፣ “ኣንበሳጅር” ተባሂሉ ክስመ ከሎ፣ “ዛንታ ኤርትራ” ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ፣ “ኣሞተጅር” ተባሂሉ ይጽዋዕ ከምዝነበረ ይግለጽ። ብዙሓት ዛንታ ሓውያ ይፈልጡ እዮም ዝብሃሉ ዓበይት ሰባት ድማ፣ በዚ ዳሕረዋይ “ኣሞተጅር” ይጽዋዕ ከም ዝነበረ ዝፈልጡ።

ቅድስቲ ሃና ን ኣሞተጅር ብማዕዶ ተፍቕሮ፣ ኣገልገልታ ብልዑል ጥንቃቐ ብሳዕሪ ገኒዞም ናብ መንበሪ ቤታ ከምጹኡላ ድማ ትእዝዞም። ወዮ ዝፈተወቶ ጎበዝ ከም ባህጋ ይመጽኣላ’ሞ ብስጋ ትራኸቦ። ድሕሪ ድላያ ምፍጻማ ከኣ፣ ኣገልገልታ፣ ብኸምታ ዝእተዉዎ ብቕጽበት የውጽእዎ። ኣዲኣ፣ ብዕድል ጓለን ይሓዝና ስለዝነበራ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ክትወስድ ከላ ኣተባቢዐንኣ እየን ይብሃል። ቅድስቲ ሃና ጥንስ ትሕዝ። ዒራ ተወሺባ’ላ ኢሎም ስለዝቐሰኑ ኣቦኣ ጥንሳ ከይፈለጡ ኣብ ሕርስ ትበጽሕ’ሞ ወዲ ትገላገል። እቲ ነገር ስለዝተሰትረ ጓሎም ምውላዳ ከይፈለጡ ቆልዓ ይዓቢ። ኣብቲ ከባቢ ዝተፈልጠ ተጻዋታይ “ጥምቢ፣ ቃርሳ፣ ሻኹ”…..ድማ ይኸውን።

ድግያት ድዕቡል ቆልዑ ክጻውቱ ከለዉ ምርኣይ ይፈትዉ ነይሮም ይብሃል። ሓደ መዓልቲ ከም ልማዶም ዝጻወቱ ቆልዑ ክርእዩ ይመጹ’ሞ፣ እዚ ኩሉ ግዜ ክስዕር ዝርእዩ ቆልዓስ ወዲ መን’ዩ በጃኹም? ኣየ’ዚ’ስ ወድ ወድኻ ወይ ወዲ ጓልካ እንተዝኸውን፣ ኢሎም ተገረሙሉ። ዓጀብቶም ከኣ ብሓደ ቃል፣” ጎይታይ፣ ዝበልናኩም ክትገብሩ መብጽዓ እተዉልንምበር ወድ መን ምዃኑ’ስ ምነገርናኩም” በልዎም።

“ደግያት ድዕቡል፣ ሕራይ በሉ’ሞ ፣ ዓጀብቶም፣ ገለ ነገር ከይገብሩ ቃል ኣእትይም፣ እት ቆልዓ ካብ ኣገልጋሊኦም “ኣሞተጅር” ‘ዝተወልደ ወድ ቅድስቲ ሃና ጓሎም ምዃኑ ገለጽሎም። ድግያት ነገራቱ ደንጽይዎም፣ ማንም ዓሰባ እሞ ኸኣ ዘይዓሌትና ንጓለይ ክእትዋ ኢሎም ካብ ዓቐን ንላዕል ሓረቑን ጎሃዩን።” እቲ ኹሉ ጓሎም ንኸይትወልድ ዝገበርዎ ጥንቓቐታት ብላሽ ምትራፉ ኣዕበድበዶም።

በዚ ዝኣክል ድማ፣ መብጽዕኦም ጠሊሞም ኣሞተጅር ክቕተል ኣዘዙ። እት ኣቀታትላ ብብዙሕ ዓይነት’ዩ ዝዝንቶ፣ ማዕረ ቁመቱ ኣብ ዘኹዓትዎ ጉድጓድ ኣእትዮም ብጠቕጣቕ (ኣራግጽ) ኣፍራስ ከም ዘቕተሉዎ ይግለጽ። እዚ ምስ ኮነ፣ ድግያት፣ ብዝገበርዎ ብዙሕ ተጠዓሱ’ሞ “ኣነ’ስ ጅረይ እንካ እየ ዝቐተልኩ” ሎም ንወዮ ወድ ጓሎም፣ ዝጽውዓሉ ዝነበረ ስም ኣትሪፎም ‘ጅር ገደላ” ክብሉ ስመዮዎ።

“ድግያት፣ ንነዊሕ መገሻ ነቐሉ። ክሳብ ዝምለሱ ንሓደ ዓመት ስልጣኖም ‘ጅር ገደላ ከጽንሖ ይሓስቡ’ሞ ነጋሪት ኣዋጅ ኣጸዊዖም ኣወጅ ይብሉዎ። ንሱ ግን፣ ነጋሪት ጋው ጋው ኣቢሉ ዝተባህሎ ገዲፉ፣ “ኣለም ንዘልኣለም ንጅር ገደላ” ኢሉ ኣወጀ ይብሃል። ንዓመት ይብልዎ፣ “ንዘልኣለም’ ይብል፣ መልስ ‘ንዓመት በል” ይብሉዎ “ንዘልኣለም” ኢሉ ይቅጽል….. ብኸምዚ ጎቦ ልቦም ይብገሱ፣ ከይተመልሱ ድማ ኣብ መገሻኦም ብሕማም ይሞቱ።

ጅር ገድላ ስልጣን ኣቦሓጎኡ ወሪሱ ገዛኢ ሰራየ ኮነ። ስልጣን ምስ ሓዘ ግን ኣይደቀሰን። ኣብ ኣቦኡ ዝተፈጸመ ግፍዐኛ ኣቀታትላ ኣብ ኩርምቱ ነኺስዎ እዩ ዓብዩ። ኣብ ልዕሊኡ፣ ወዲ ጓል ብወዲ ጓሉ ኸኣ ብሕጋዊ ኣገባብ ካብ ውሽጥ’ቲ ዓሌትን ማሕበራዊ ቦታን ዘይተወልደ ምዃኑ ንነብሱ ከም ምሉእ ወራሲ’ቲ ስልጣን ጌሩ ክወስዳ ውሕስነት ከልኦ። በለው፣ ስልጣኖም “ንማንም ወዲ ጓል” ተታሒዙ ንዊሕ ከምዘይዕገሱ ገምገመ። ሓሲቡ ሓሲቡ ድማ ነባሪ መደቀስ ዝኾኖ ምህዞ ኣምጸአ።

ሓደ ግዜ እዚ ዘይብሃል እኽለ ማይ ዝፈሰሶ ዓቢ ውራይ ኣዳለወ’ሞ ንኹሎም ዓሌት ኣዲኡ (በለው) ክበልዑን ክሰትዩን ዓደሞም። እንዳኖኡ ዘበለ፣ ሰብኣይ፣ ሰበይት፣ ቆልዓ ሓደ ከይተርፍ ተባሂሉ ብምንባሩ ብዓሌቶም ግምጥል በሉ ከምዝ ክብሃል ከሎ ግን፣ እቶም እቲ ስልጣን ዝብጽሖም ናይ ቀረባ ማይ ቤት ድግያት ድዕቡል’ምበር ብምሉኦም በለው (ሰራየ) እዮም ተጸዊዖም ማለት ኣይኮነን። እቲ ንዳስ ዝተመርጸሉ ቦታ፣ ካብ ዓድ ጋውል ንምዕራብ ርሕቕ ኢሉ ኣብ መሬት ዓዲ ጉረቶ ነበረ። ካብ መንደፈራ ንዓረዛ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ኪሎ ሜተር፣ ካብ ጽርግያ ኣስታት 400 ሜትሮ ንጸጋም ርሒቑ ዝርከብ ቦታ እዩ። እት ዳስ ጥቓ” ምድንባር ሩባ ማይ ጎሮንጓሕን፣ ሩባ ማይ መንጉዳን ተተኽሉ ነበረ። ብምብራቕ ብዓዲ ጋውል መጽእካ ክትርእዮ ከሎኻ ጎልጎል እዩ ። መእተዊኡ ድማ ብእኡ ነበረ። ምዕራባዊ ወገኑ ግን ደንደስ ሩባ ማይ መንጉዳ ህልም ዝበለ ገደል እዩ። እቲ ካልኣይ ኣፍደገ ናይቲ ዳስ ድማ ኣብዚ፣ ልክዕ ኣብት ገምገም ገደል ነበረ። እት ስግር ደንደስ ናይ ሩባ መንጉዳ ብብራኸ ማዕረ’ቲ ዳስ ዝተሰርሓሉ ገምገም ስለዝኾነ፣ ብወገን ምብራቕ ክትርእዮ እንከሎኻ፣ ክልቲኡ ዝተላገብ ጎልጎል ‘ምበር ብማእከሉ ሩባ ሰንጢቕዎ ዝሓልፍ ኣይመስልን።

እቲ ንምርጫ ናይቲ ቦታ ብጣዕሚ ኣደናቒ ይገብሮ።  

እቲ ጅር ገደላ ዘዳለዋ ሽሻይ መዓናጡ ዝቖራርጽ ሓሞት ሓርማዝ ኣትይዎ ኔሩ ይብሃል። በዝ ዘኣክል፣ እንዳኖኡ ብቕርጸት ለለው ክብሉ ኸለዉ በቶም ቀርቡዎም ዝጸንሐ ቀጥቀጥቲ እናኣጨፍጨፈ ናብት ኣስታት ሓምሳ ሜትሮ ዝምንውሑ ጸድፊ ሸለው ኣበሎም። ንርበቶም- ኣየናይ ህይውት በቲ ገደል’ቲ ጸዲፉ ክሰርር።

ካብ’ቶም ዕዱማት፣ ገብርሂወት ዕውር ዝብሃል፣ ብጎርዞ ጓሉ ተመሪሑ ድንጉዩ ዝመጸ ሰብ ነበረ። ገብርሂወት ዕዉር፣ ናብቲ ዳስ፣ ዝመርሕ ኣንፊ ቅልቕል ምስ በሉ፣” እንታይ ደኣሉ’ዚ ዳስ ሕልምልም ዝብል ዝመስል፣ ወጃዕጃዕ ኣይስምዕን ኣለኹ። እስኪ ርኣዩ” በላ ንጓሉ። ለተገርግስ እዩ ስማ ነይሩ ይብሃል ጓሉ። ነገራት ከስተውዕሉ ድማ ኮፍ በሉ። “ናብዛ ዳስ ዝኣቱ ‘ምበር ዝወጽእ ኣይርኣኹን ኣቦየ” ክትብል መለሽትሉ።” ኣሕ! ኣጥፊኡና’ዶ’ዚ ድቓላ፣ ንኺድ በሊ ሓፍተላይ!” ኢልዋ ካብቲ መቕዘፍቲ ክሃድሙ ተበገሱ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ እታ ቦታ ሓፍተላይ ትብሃል ኣላ።

ጅር ገደላ ካብ ዓሌት ኣዲኡ “ገብርሂወት ዕውርን ጓሉ ከምዝተረፉ ይፈልጥ’ሞ ቶሎ ካብ ዘለዎ ደሊኹም ኣምጹኡለይ” ኢሉ ብዙሓት ፈረሰኛታት ይልእኽ። ለተገርግስ ናብኣቶም ገጾም እናዳሮኑ ክምጹ ብርሑቕ ትርእዮም’ሞ ነቦኣ ትነግሮ። ካብ መንገዲ ኣላጊሶም ኣብ ሓደ ስንጭሮ “ውሓጥና መሬት” ኢሎም ይሕብኡ ። በዚ ምኽንያት’ዚ እታ ስንጭሮ “ማይ መሓጥ” ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ። እቶም ኣቦን ጓልን ነቶም ሰብ ኣፍራስ እናጋለቡ ክሓልፉ ከለዉ ንነፍስ- ወከፍ ጋላብ ፈረስ ድማ ጸጸር እናኣቐመጡ ቆጸርዎም። ኣርብዓ ኔሮም ድማ ይብሃል። ነዊሕ ከይዶም ስኢኖሞም ምስ ተገምጠሉ ከኣ ብፍቕዲ’ተን ጸጸር ኩሎም ከም ዝተመልሱ ኣረጋገጹ። ድሕሪ’ዚ ገብርሂወትን ጓሉን ካብ ግዝኣት ጅር ገደላ ወጺኦም ዝነብርሉ ዓዲ ንምርካብ ብእግረይ ኣውጽእኒ ገስገሱ። ኣብ ተራእምኒ ክበጽሑ ኸለዉ መስይዎም ዝተደረሩላ ቦታ “ደሪረ” ዝብል ስም ሒዛ ተርፋ ኣላ። ማዕረባ’ውን ምድር ዓሪብዎም ምስ ሓደሩ ዝወጸ ስም’ዩ ይብሃል። ኣብ መወዳእታ፣ ሰገነይቲ በጽሑ’ሞ ኣብዝ ሕጂ ዓሰርወ ዝብሃል ዘሎ በሪኽ ቦታ ሰፊሮም ከማዕድዉ ከለዉ ለተገርግስ ነቦኣ ዝባን ስራየ ይርኣየኒ ኣሎ በለቶ፣ እዚ “ዓሰርወ” ንጽውዖ ዘለና በረኻ ከኣ ካብታ ዝባን ስራየ ትብል ዘረባ ዝወጸ እዩ። ይብሉ።

ዓበይት ገዛ ሓውያ

“ኣብሓጎና ገብርህየት፣ ካብ ጅር ገደላ ዝኣኽለና ርሕቕና ኢና ኢሎም ኣብ ዓሰርወ ምስ ኣዕረፉ፣ ኣንበሳ ምስ ጓሎም ክውሕጦም ይደሊ። ካብ መዓት ጅር ገደላ ወጺእና እንተበሉ’ስ መዓት ኣንበሳ ከኣ ጸኒሕዎም። ብዝኾነ፣ ሓንካሾኦም ሰዲዶም እንተገደፉ፣ ብዕድል ኣምላኽ፣ ኣብ ጎሮሮኡ ሸኺሎምሉ፣ ኣንበሳ ጋሕ ይብል ኣሎ። ቅሻረቱ( ፈረኡ) ከኣ ቅልጥ ቅልጥ ኣቢሎም ይሕዙዎ። ሽዑ ሰገነይቲ ከም ዓዲ ኣይተጣየስን ዚነበረ። ዓሰርው ከኣ ምድር ድግራ ( ደግራ ልብአ) እዩ ዝነበረ።ጓሶት ደግራ ንወዮ ኣቦሓጎና ገብርሀየት ዝቐተልዎ ኣንበሳ ምስ ረኸቡ፣ ይርኣየሎም፣ ቆርበቱ ቀሊጦም “ኣንበሳ ቀትልና ‘ኢሎም ንደግራ ጓይላን ጨፈራን ይገብርዋ። ንሶም ከኣ ነዚ ምስ ሰምዑ ማንም ለማን ተመሲሎም ንደግራ ይኸዱ።’ እንታይ ዝገበሩ እዮም እዞም ሆ እናበሉ ጓይላ ዝጻወቱ ዘለዉ”ኢሎም ይሓቱ’ሞ ‘ኣንበሳ ዝቐተሉ እዮም” ዝብል ምላሽ ይወሃቦም።”ፈረኡ’ስኪ ኣርእዩና ‘በልዎም’ ኣቦሓጎይ ገብርህየት። ‘ፍረ እንተበልካ ፍረ ትመስክር። ከምዛ ‘ቲ ኣንበሳ ፍረ ዘይነበሮ ዕንይንይ ዕንይንይ ኮነ።

በሉ ኣንበሳስ ባዕለይ እየ፣ ቐቲለዮ ፣ እንሆ ከኣ ፈረኡ’ ኢሎም ካብ ለቖታኦም መሰስ ኣቢሎም ነታ ፍረ ኣርኣዮዎም ንደግራ። ደግራ፣ “ ናይ ኣንበሳ ዝቐተልካ በል ጓልን መሬትን ተቀበል’ ኢሎም ። እዚ ክሳብ ሎሚ “ ዓዲ ሓውያ” ዝጽዋዕ ዘሎ መረት ሰገነይቲ ሽዑ ነቦሓጎይ ገብርህየት ከም ዝተዋህቦም እዩ ዝዝንቶ። እታ ጓል ግን ዕውር ኮይኖምኒ ኢላ ኣብያ “ይብሃል።

   “ኣቦሓጎይ ገብርህየት፣ ካብ ምሉእ ዓሌቶም ንሶምን ጓሎምን ጥራይ ምትራፎም ድቓስ ከልኦም። ትውልዶም ከይጸንት ፈርሁ። ድሕሪ ብዙሕ ሓሳብ ከኣ ጓለይ መዓረይ፣ ጅርና ጸኒቱ ከይተርፍሲ ንዋሰብ’ በልዋ። ብጣዕሚ ሰንበደት። “ ኣቦን ጓልን’ዶ ይዋሰቡ፣ ሰብ’ከ እንታይ ይብለና?”” ከኣ በለቶም።…….ቆርበት ዝብኢ ተኸዲና ዕዳጋ ከም እትውዕል ገበሩ’ሞ ፣” እሂ እንታይ በለ ሰብ?” በሉዋ። ቆርበት ዝብኢ ምኽዳና ኣገሪምዎም ምሉእ ዕዳጋ ዋኒኑ ገዲፉ ንዕኣ ክርእን ብኣ ክዛረብን ከም ዝውዓለ ገለጸትሎም። ካልኣይ መዓልቲ ዕዳጋ ከኣ ሰደድዋ። ዝበዝህ ሰብ ወያ ናይ ብ ኣምሆይ እንዲያ ደኣ’ዚኣ ‘ኢሉ ሸለል ከም ዝበላ፣ ዝግደሱላ ከም ዝውሓዱ ነገረቶም። ሳልሳይ መዓልቲ ከኣ ከምኡ ዕዳጋ ኣውረድዋ። “ሎምስ ኣቦየ ዘቃልበለይ’ኳ ኣይረኸብኩን፣ ሰብ ውራይ ስርሑ ክገብር ውዒሉ” ከኣ በለቶም።” በሊ ካባይ ምስ ወለድኪ’ወን ከምኣ እያ፣ መጀመርታ፣ ካብ ኣቦኣ ወሊዳ ካብ ኣቦኣ ወሊዳ ‘ይብሃል፣ ድሐር ግን ሰብ ምስ ለመዶ ዝዛረበሉ’ኳ ኣይርከብን፣” ቢሎም፣ ኣረድእዋ ኣቦሓጎይ ገብርህየት፣ ረደየት’ሞ ሸውዓተ ወዲ ከኣ ወለዱ። ገለ ካብኣቶም ንሰራየ ተመልሶም ኣብ ጥሻ ኣቦሓጎታቶም ሰፈሩ። እዞም ሸውዓተ ደቒ ገብርህየት ዝፈረዩዎም ኣብ ሰራየ፣ ኣኮለጉዛይ ፣ ሓማሴን፣ መታሕት ከምኡ’ወን ትግራይ ፋሕ ኢሎም ኣለዉ።….እዞም ዘይሓውያ ‘ካብ ጓልኩም እንዳኣልኩም ትውለዱ” ኢሎም ይዋዘዩልና’ሞ፣”ዋላ ካብ ኣደና ንወለድ ኣታ ሳላ ከምኣ ዝገበረና’ስ እባ ከምኹም ንረግጻ ኣለና’ዛ መሬት’ ኢልና ስቕ ነብሎም። ይብሉ።

ዓበይቲ፣ ደቂ ሓውያ፣ ኣቦሓጎኦም ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኩርዓት እናተሰምዖም። ገሊኦም ሓውየቶት ከኣ፣ ነዚ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዝንቶ ፣ደቂ ሎጥ ካብ ኣቦአን ወሊደን ዘርአን ካብምጽናት ዘድሓን ኦ ኣመሳሲሎም ምክኑይን ቅዱስን ይገብርዎ።

ካብተን ሓውየቶት ዘለውወን ዓድታት፣ ዓዲ ጋውል ሰገነይቲ፣ ዓዲ ሓውያ፣ ዓዲ ቀ ተኹላ፣ ዓዲ ሕረት፣ እንዳ ኣማኑኤል፣ ኩዶ ፈላሲ፣ መፋልሶ፣ ወቀርቲ፣ ምኳነን ብዝርዝር ፣ እቲ ብጅር ገደላ ከጠፍእ ዝተፈርደ ዘርኢ፣ ብ ኣቦሓጎና ገብርህየት ዕውር፣ስለዝሓወየ እዩ ዓሌትና ሎሚ “ሓውያ ዝብሃል ዘሎ፣ ክብሉ፣ ዓበይቲ ተወለድቲ ሓውያ ብኩርዓት ይገልጹ።

እዚ ሎሚ፣”ዳስ ሓውያ’ዝብሃል ዘሎ ኣሰማምያ እምብኣር ኣብ እዋን’ቲ ፍጻሜ ኣይነበረን። እቲ ዓሌት፣ ኣቦን ጓልን ብዝገብሩዎ መውስቦ ስለዝተሰአ ወይ ስለዝሓወየ እዩ ካብቲ”ሓውያ’ ዝብል ድሓር ዝተዋህቦም ስም ሓውያ ምባል ዝመጸ እዩ። ኣብዚ፣ ዳስ ሓውያ፣ “ምቕጥቓጥ ደቂ ኣፎርታይ” ወን ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ይዕለል። “ኣፎርታይ” ንሓውየቶትዝወለደ ፣ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ደቂ ንጉስ ምጭ ምዃኑ፣ ንሱ ንደግያት ዓንደሃይማኖት፣ ደግያት ሓለንጋይ፣ ንደግያት ድዕቡል ከም ዝወለደ ድማ ይዝንቶ።

ጅር ገደላ ኣብ ልዕሊ ጎይትነት በለው ዘውረዶ ሱር በተኽ መጥቃዕቲ ስልጣን ናብ ኣገው ንኽመሓላለፍ ኣኽኢሉ። ኣድኸመ -ምልጋእ ዝብሃሉ ኣብ ሰራየ ዝዓብለሉ ኣገው ድማ ወረስቲ ናይቲ ስልጣን ኮኑ።

ዛንታ ሓውያ፣ ብሕሉፍ ፍትወት ስልጣን፣ ሕሉፍ ጽልእን ሕሉፍ መውስቦን ዝተኣለለመ ታሪኽ እዩ። ኒሕን ሕነን ከኣ ነዞም ሰለስተ ሕሉፋት ዘንቀሳቕሱ ናይቲ ታሪኽ ድረኽቲ እዮም። ዛንታ ሓውያ ኣብ መንጎ ዚተፈላለዩ ኣህዛብ ግኑን ዝነበረ ናይ ምትዕብላልን ህላዌኻ ምርግጋጽን ረጽሚታት በቲ ዝመረረ፣ ኣዝዩ ድራማዊ መልክዑ የንጸባርቕ ። ርግጽ፣ ኣብ ተረትን ዝናን ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ ሓያሎ ንምእማኑ ዘጸግሙ ባእታታት ኣለዉ። እቲ ዛንታ ገና መልሲ ዘይሃበሉ፣ ስለምንታይን ከመይን ከኣ፣ ምናልባት ዝብዓሞቑ ታሪኻዊ መጽናዕትታት ኣብ መጻኢ ይምለስ ይኸወን።

ኣብ ዕለታዊ ናብራና፣ ተቀልቂሉ ሽርብ ንዝብል ወይ ሓንሳብተራእዩ ድሓር ህጣሙ ንዝጠፍእ ነገር ብዳስ ሓውያ’ ንምስሎ። እዝቲ ምስላ ሓድጊ ናይ’ዚ ትራጀዲያዊ ፍጻሜ እዩ። ካብዚ ንእግሬ መንገድና ንመሃሮ ‘ምበኣር ፣ ዝኾነ ኣብ ያታና እንረኽቦ ምስላ ወይ ብሂል ታሪኻውን ማሕበራውን ሰራውር ከም ዘለዎ እዩ። እቲ ሰራውር ተመርሚሩ ቁምነገሩ ምስ ተፈልጠ እዩ ድማ ያታ ትርጉሙ ዝጎናጸፍ- ዘኹርዕ፣ ዘነይት ፣ ዛንታ ያታ ኣሎና ዘበል።

“ዳስ ሓውያ ‘ዘውኽኦ ዛንታ መስረት ዝኾነ ቦታ‘( ሃርፈ ጉረቶ) ፣ ኣብዚ ግዜ ‘ዚ፣ መደበር ጥዕና ተሰሪሕዎ ይርኸብ፣ እቲ ክንደይ ህዝቢ ንሞት ዝተፈርደሉ ቦታ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ማእከል ጥዕና ኪከውን ምምራጹ ፣ ዘደንጹ ኣጋጣሚ እዩ።

ቦታ ናይዚ ኩሉ ፍጻሜ ዝኾነት፣ ዓዲ ጉረቶ፣ ምስ ግዜ መስሕብ በጻሕቲ ከም እትኸውን ኣየጠራጥርን

መወከሲ

“መስረት ዓሌት ህዝቢ መረብ ምላሽ”

“ዛንታ ኤርትራ”

“ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ”

Write a comment

Comments: 1
  • #1

    ኣማኑኤል (Sunday, 14 April 2013 16:13)

    ' ሰላም ኣዳለውቲ rwyet.com እዚ ትገብርዎ ዘለኹም ንዓናን ንደቕናን ናይ ምምሃር ምስትምቃር ተበግሶ ኣብ ጎድንኹም ኣሎና፥


    ኣማኑኤል ( ኣምስተርዳም