ሃጸይ ዮሃንስ ገና ቅድሚ ሃጸይ ምባሎም ናብ ኤርትራ ብዙሕ ወራራትን ግፍዕታትን ከም ዝገበሩ ይፍለጥ። ነቲ ኣብ መንጎ ሃዘጋን ጸዓዘጋን ብቐዳሞት ደጓዑ (መሳፍንቲ) ሱር ተኺሉ ዝነበረ ምትህልላኽ ተጠቒሞም ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ብዙሕ ተንኮላት ፈጸሙ።
ንደግያት ሃይሉ ተወልደ መድህን ፈታዊኦም ተመሲሎም; ንደግያት ገብረ ተኽለ ዝተባህለ ትግራዋይ ንኽስልዮም ኣብ ጸዓዘጋ ክቕመጥ ለኣኽዎ። ንሱ ኸዓ ፈታዊ ተመሲሉ ኣብ መንጎ ደግያት ሃይሉ ብዙሕ ሰለያ እናካየደ ዝበልዎን ዝተዛረብዎን ስፍርን ቁጽርን ዘይብሉ ጸብጻብ ናብ ጎይታኡ የመሓላልፍ ነበረ።
ሃጸይ ቴድሮስ ምስ ሞቱ ኣብ ሳልስቱ ብ19 ሚያዝያ 1868 ካልእ ገዲፎም ንጸብጻብ ደግያት ገበረተኽለ ምርኩስ ብምግባር መረብ ሰጊሮም ኣብ ዓዲ ወደል መራጉዝ ዝተባህለ ዓዲ ሓደጋ ወዲቖም ንደግያት ሃይሉ ማሪኾም ን ኣይተ ወልደ ሚካኤል ሰለሙን (ራእሲ) ሹመትካ ደገዝምነት ግዝኣትካ “ምኽዓው ቆሎ” ምላሽ ሂበካ ኣለኹ ብማለት ነቲ ጽልኢ ክልተ ኣሕዋት ኣባልሕዎ።
ደግያት ገበረ ተኽለ ከኣ እሙን ኾንካ ስለ ዝተረኸብካ ግዝኣት ምሉእ ሰራየ ሂበካ ኣለኹ ብማለት ኣብ ዘይናቶም ዓዳላይ ኾይኖም ተረኽቡ።
ድሒሮም ንደግያት ሃይሉ ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ከይ ኣኽሎም፣ ሃጸይ ዮሃንስ ተመሊሶም ንደግያት ወልደሚካኤል ሻራ ሃጸይ ተኽለ ገርግስ እዩ ብዝብል ጉልባብ ንዓድዋ ምጻኒ ቢሎም ለኣኽሎም
“ገንዘብ ስርቕን ገንዘብ ልማኖን ክሳብ ዝቐትለካ ዝጠቕመካ ይመስል”
ከም ዝብሃል ዝሃብዎም ሹመት ናይ ሓቒ መሲልዎም “ብዓል መስቀል ብሓደ ኣብ ዓድዋ ከነብዕል” ኢሎም እዮም ብማለት ከድዎም። እንተኾነ ሃጸይ ዮሃንስ ሕጂ ዕድል ረኺበ ብማለት ተቐቢሎም ኣሰርዎም።
እቶም ክልተ ሓያላት መወዳድርቲ ኣሕዋት ከኣ ብዘይሓሰብዎ ብተንኮል ኣብ እምባታት ትግራይ ተኣስሩ። ዓደቦኦም ከኣ መጻወቲ ከም መዓል ዋግ ሹም ገብሩ፣ ብላታ ገበረኺዳን፣ ደግያት ጎልጃ ካሳ ኣባ ኸይሲ..ካልኦትን ዝ ኣመሰሉ ዓቀይትን ደርጎይናታትን ኮነ።
ወራራት ግብጺ ምስ መጸ ከኣ ሃጸይ ዮሃንስ ተመሊሶም ነቶም ኣሲሮሞም ዝነበሩ ደግያት ሃይሉን ደግያት ወልደሚካኤልን ፈቲሖም ሒዞሞም መረብ ሰገሩ። ኣብ ሕዳር 1875 ኣብ ጎዳ-ጉድ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ድማ ብዓቢ ብልሓት ደግያት ወልደሚካኤል ሰለሙን ምስ ብዓል ባሕሪ ነጋሲ ጎደፋን ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ኾይኖም መኺሮም ተዋጊኦም ሓይሎምን ክእለቶምን ኣመስኪሮም ኣዐወትዎም። በዚ ከኣ ደግያት ወልደሚካኤል ሰለሙን ፍሉይ ኣድናቆት ኣትሪፎም ካብቲ ዝተማረኸ ብርክት ዝበለ ዘመናዊ ኣጽዋር ወሰዱ።
ሃጸይ ዮሃንስ በቲ ዝነበሮም ዘይምትእምማን መስመር መረብ ከደልድሉ ንሰራየ ነቲ ዝነበረ ኣትሪፉ ደቀባት ኣንጻሩ ከይለዓሉ ዝቆጻጸሩን ሰለስተ ሹም ነጋሪት ደግያት ማሩ፣ ደግያት ገበረ ተኽለ፣ ፊተውራሪ ወልደገርግስ ዝብሃሉ ደቂ ትግራይ ሸይሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓቢ ክሕደት ፈጸሙ።
በዚ ከኣ ደግያት ወልደሚካኤል ብሓደ ወገን በቶም ካብ መግዛእቲ ትግራይ’ስ መግዛእቲ ግብጺ ይሓይሽ ዝብሉ ደቂ ዓዶም ብኻልእ ወገን ድማ ምስ ግብጺ ተመሓዚኻ ዝዓበየ ግዝኣት ምውሓስ ብዝብል ተስፋ ተመሪሖም ንግብጻዊያን ባዕሎም መሪሖም ኣብ መጋቢት 1876 ከኣ ኣብ ጉራዕ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ኣንጻር ሃጸይ ብትብዓት ተዋግኡ።
ብኡ ንብኡ ግን ሃጸይ ኩነታት ራእሲ ስለ ዘይተዋሕጠሎም ኣንጻሮም ምስ ካይሮ ኣብ ዘተ ኣተው። ንራእሲ ወልደሚካኤል ኣብ መጻወድያ ንምእታው ናብ ግብጺ ልኡኻት ሰደዱ።
ኣብ ልዕሊ’ዚ ዝተገልጸ ዘተ እናቀጸለ እንከሎ ብኻልእ ወገን ራእሲ ባይራኡ ዝብሃል ሹመይና ሃጸይ ዮሃንስ ኣመሓዳሪ ዓድዋ ዝነበረ ተዓጢቑ መጸ።
ነቲ ብጥንቲ ኣብ ድባርዋ ዝተሰረተ ቤት መጽሓፍቲ ገለ ክፋሉ’ኳ ዓንዩ እንተነበረ ገለ ተረፍ ስለዝነበሮ ነቲ ተረፍ መጽሓፍቲ ኣብ ቤት መቅደስ ንዘመናት ተዓቂቡ ድሕሪ ምጽንሑ ራእሲ ባይራኡ ነታ ከተማ ምስ ወረራ ‘ስለ ዝራሰያ እቲ መጽሓፍቲ ወን’ ኣካል ናይቲ ራስያ ኾነ።
ካብ ድባርዋ ቀጺሉ ብ20 ግንቦት 1878 ኣብ ናይ ሎሚ ቦታ ከባቢ ኣስመራ መጸ። ንደግያት ወልደሚካኤል ብዓቢ ብልሓትን ውሕልነትን ብሰሜን እናተጸበዮም ብደቡባዊ ምብራቕ ተዛዊሮም ሓሊፎም ብርቱዕ ውግእ ኣካይዶም ራእሲ ባይራኡ ተቐቲሉ ሹመት ዝቐተልካዮ ይውረስ ስለዝነበረ ድማ ‘ደግያት ወልደሚካኤል ‘ራእሲ ኣበሉ።
ኣብዚ ውግእ’ዚ ንሰራዊት ራእሲ ባይራኡ ሓዞ ሓዞ እናበሉ ኣ ኣረርኪቦም ወድእዎም። ካብዚ ዝተላዕለ ክሳብ ሎሚ ሓዝ ሓዝ ዝብል ስም ቦታ ኾይኑ ዝተረፈ ።
ሽዑ ካብ ዝተሓደመ ፣
ቀታሊ ባይሩ ቀታል ኣባ ጋላ
ከመይ ገበርካዮም ኣብ ኣስመራ
ገበርካዮም መስሓቕ ወኻርያ
ሓሪድካ ሃብካዮም ን ኣሞራ።
ወኻርያ ዓዲ ሰግዶ ጸጊብኪ’ዶ
ጸጊበ ወ ወልዱ ዝሓረዶ
ዓዓጽሙ ገዲፈ በብርንዶ
ዓጽሚ ኣዳም ሰሪሐዮ ኣጉዶ
ሰኣን ኣድጊ ንባሕሪ ተውርዶ
…………………………….. ወዘተረፈ
በዚ ነገር ኣዝዮም ዝሰንበዱ ሃጸይ ዮሃንስ ክልተ ወፍርታት ጀመሩ
ቀዳማይ
ምስ ምስራውያን ዝጀመርዎ ዘተ “እንኮስ ንወልደሚካኤል ኣረክቡኒ’ምበር ሓማሴን እገድፈልኩም” ዝብል ውዲት ክኸውን ከሎ።
ካልኣይ
ብሜላ ወይ ብክእለት ኣብ ቁጽጽሮም ዝእትውሉ መንገዲ ንከናዲ ነቲ ኣብ መሬት ብጎስ ዓይለት..ወዘተ ብዘካየዶ ግብሪ ሽበራ ዝተወርየ ‘ሸቓ ኣሉላ ሰዲዱ፣ እቶም ምስ ራእሲ ወልደሚካኤል ደሓን ሽርክና ዝነበሮም ግብጺ ከኣ ሓማሴን ክገዝኡ ስለ ዝሰስዑ ንራእሲ ብድሕሪት ጠለምዎም።
ነዚ ምስጥር’ዚ ምስ ሰምዑ ራእሲ ወልደሚካኤል
“ካብ ከዳዕ ምስራዊ መጺኡ ህዝበይ ዘበሳብስ ምስ ሃጸይ ምዕራቕ ይሕሸኒ” ኢሎም ምስ ሸቓ ኣሉላ ስምምዕ ገበሩ።
ተቐዳዲሙ ሰራዊትካ በትን ከኣ በሎም፣
ሰራዊተይ ክብትን እንተኾይነ ምድሪ ባሕሪ ነጻ ዝገድፈለይ እንተደኣ ኾይኑ” ምስ በልዎ።
“እዚ ደኣ ቀሊል” ቢሉ መሓለሎም።
“በሉ ንጎይታይ ክትርእይዎም ብሓደ ንኺድ” ቢሉ ምሒሉ ጥሒሉ ትግራይ ሰጊሮም ምስ ሃጸይ ተራኾቦም ንዓዶም ተምልሱ።
ራእሲ ወልደሚካኤል ከኣ ሓቂ መሲልዎም ንዓዶም ኣትዮም ብሰላም ተቐመጡ፣ ተንኮለኛ ራእሲ ኣሉላ ግን ንገሊኦም ደቂ ዓዶም ኣታሊሉ “ብሓሶት ኣንጻር ሃጸይ ክልዓል ይሓስብ ኣሎ” ዝብሉ ከሰስትን መስከርትን ጌይሩ ኣእሰሮም።
“እንቋዕ ደኣ ብዛብያ (ብኹናት) ኣይሓዝካኒ እምበር እዚስ ሰበይቲ እትገብሮ እዩ” ቢሎም ተኣስሩ።
ራእሲ ወልደሚካኤል ምስ ተኣስሩ ዋጥኦም፣
“ሓልሓል ከሎካ ልጉስ መሬት
በጎስ እንከሎካ ጽኑዕ መሬት
ሰምሃር ሰንሒት ከሎ እሙን መሬት
ወጨፎ ከሎካ ጽሩይ ብረት
ሰናድር ከሎካ ጽሩይ ብረት
ምስ ትንፋሱ ዘይትቀብሮ ኣብ መሬት
እንታይ ኣእተወካ ናብ ሰንሰለት
ኣየ ውርደት ኣየ ዓቢ ሕፍረት
ህዝብኻዶ ኢሉካ ኣይምክትን
ሹም ኣሕዋት’ዶ ኢሉካ ኣይምክትን
ሓሚቕካ ነፊዕካ ዘይትፍትን
ኣብ ምንቲ ምንታይ ንህዝብኻ ኣእተኻሉ ዝርግ ብትን
ኣብ ምንቲ ምንታይ ሰናድርካ ኣእቲካሉ ዝርግ ብትን
ሎሚ ደሞ ይሓይሽ ሰፊርካ ኣብ ጸልማትን በዓልትን
ሎሚ ደሞ ይሓይሽ ሓሳብካ ምስ በለ ዝርግ ብትን
ሰማዕ ክመኽረክ ኣይተስተንትን
ቀደም ሓሊፉ’ዩ ሓበንን ኩርዓትን
ህዝብኻ ተበታቲኑ እዩ ንላዕልን ንታሕትን
ሃገርካ ተሪፋ እያ ምስ ቆልዓን ሰበይትን
ይገዝእዋ ኣለው ጓኖትን ጸላእትን
ይበልዕዋ ኣለዉ ደረፍትን ሓሰውትን።
………………………………………..ቢሎም ክደርሱ ከለው
ኣዋልድ ትግራይ ከኣ
“ንጉስ ሓማሴን ዝዕዋኖ
ኣብ ኢድካ ከሎስ ኣብ ልማኖ
ኢለን ተዓዘራሎም።
መሳፍንቲ (ደጓዑ) ብወገኖም
“ሃሳስ ሓማሴናይ
ንበቕሊ ጥረ ሂብካ
ንጸላኢኻ ምሒልካ ጥሒልካ እዩ ዝተሓዝ እምበር”
ቢሎም ወርዘይሎም ይብሃል።
ዝኾነ ኾይኑ፣ ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ እንዳ’ባ ሰላማ ተምቤን “ህይወተይ ይፍታሕካ (ኣነ ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ) ቢሎም መታን ብኽፉእ ክጠፍኡ “ተምቤናይ ተመናይ” ከም ዝብሃል ኣብ ሓደ ዓቢ ገበል ዝነበሮ ብዓቲ ኣእተውዎም። ወዮ ገበል ክውሕጦም እንተመጸ ካብቲ ዝስሕንሉ ዝነበሩ መጋርያ ጓህሪ ኣኾሊሶም ቀተልዎ። በዚ ከኣ መሳፍንቲ ሃጸይ ዮሃንስ ኣዝዮም ተገረሙ ።
ራእሲ ብወገኖም፣
“ኣነስ ኣለኹ ሓዊ እስሕን
ጠላም ማሕላስ ግዲ ክንደይ ከይድሕን”
ከምኡ ወን፣
ኣነስ ኣለኹ ዓተረይ በሊዐ ማየይ ይጎስም
ጣላም ማሕላስ ክንደይ ከይቀስን’
እናበሉ መሰንቆኦም እናሀረሙ ኣሕለፍዎ።
ድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮሃንስ ‘ራእሲ ወልደሚካኤል ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም ምስ ራእሲ መንገሻ ተዓሪቆም ኣብ ከም ውግእ ኩዓቲትን ካልእን ሓቢሮም ኣንጻር ጣልያን ተዋግ ኡ ይብሃል።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ እንዳ ጸዮን ኣኽሱም ይቕመጡ ነበሩ።
ራእሲ ወልደሚካኤል ጣልያን ምስ መጹ ፍርዲናንዶ ማሪትኒ ኣብ ዕላታዊ መዝገቡ (ዳያሪኡ) ገሊጽዎ ከም ዘሎ ንዓደይ ክምለስ ኢሎም ብጽሑፍ ንጣልያን ሓተቱ እንተኾነ ግን ካልእ ናዕቢ ከየላዕሉሎም ፈሪሆም ኣበይዎም።
ኣብ መወዳእታ ብ1906 ኣብ መበል 83 ዕድሚኦም ኣብ ትግራይ ዓረፉ።
ክቡራት ኣንበብቲ፣ ኣብዚ ታሪኽ ሰፊሩ ዘሎ፣ ካብ መጽሓፍ ናብ መጽሓፍ ስለዝፈላለ ‘ሓፈሻዊ ኣምር ንምትሓዝ ደኣ’ምበር ዕሙቕ ብዝበል ስለዘይኾነ’ እቲ ተፍትሽ’ ታርኽ ሓርበኛታት ናባኹም እገድፎ። ካልእ መኣረምታ’ ወይ ውን ነቀፌታ እንተልይኩም ካብ ምጽሓፍ ኣይትብኮሩ።
መወከሲታት፣
“RAS ALULA & THE SCRAMBLE OF AFRICA A POLITICAL BIOGRAPHY”
እምቢ ያለ ወልዱ፣
ንግስነት ሃገረ ምድሪ ባሕሪ፣
‘ጥንታዊና ዘመናዊ ታሪኽ የኢትዮጵያና ኤርትራ
ታሪኽ ሃዘጋን ጸዓዘጋን ....ካልኦት ጭርምራምን
Write a comment
Hiyabu A (Wednesday, 08 May 2013 21:33)
Hello
This is one of interesting topics you publishing in your website, Rwyet, which is non-political. To my understanding almost all our website are working in issues related to politics. Of course politics is one of the most important parts of the social issues we need to raise and discuss. At the same time it is important as to not forget other issues: culture, tradition, religion, education, health, family, and other social issues as well.
I am so happy with what Viviana A. and Yohannes Z. doing and thank you very much.
Hiyabu A.
ኣበራ (Wednesday, 08 May 2013 22:23)
ምስጓናና ልዑል'ዩ ኣዳለውቲ ርውየት ኣብ ኩሉ ንጥፈታትኩም ድማ' ዓወትን ኣሳልጦን ይምነየልኩም
teklay gebremariam (Thursday, 15 June 2017 16:00)
ነንርእሱ ዝጋራጮ ሓሳባት ሒዝካ ካብ ታሪኽ እናመዘዝካ ንናይሎሚ ኤርትራዊ መንነት ኢኻ ት ሰፊ ዘልኻ ዕሙት
ከም እቲ ትብሎ ዘለኻ ውዲት ዝእለሞም ተነይሩ ራእሲ ወልደሚካኤል ስለምንታይ ኣብ ኣኽሱም ተቐመጡ ስለምንታይ ከ ብዙሕ ኩይናት ምስ ተጋሩ ኣሕዋቶም ኮይኖም ንባዕዲ ወጊኦም