Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ብዙሕ ግዚ ጥቕሚ፣ ትዕቢት፣ ርእሰ ምልዓል፣ ገንዘብን ካልእን…. እቶም ቀዳሞትን ብሉጻትን መሻርኽታ’ዮም። ኣብ ክንዲ ብርእሳ ትሓስብ፣ ብጅማውታ ክትሓስብ ይደፋፍእዋን የገድድዋን። ንሳ’ውን ብዘይ ምውልዋል ከም ኣማራጺ “ኣሜን” ኢላ ትቕበሎ። ንኽትሓስብን ትግባሬኡን ግዜን ዕድልን ኣይትህብን። በዚ መጽእ ኢላ ቅጽበታዊ ውሳኔ ትወስድ። ንመሻርኽታ ባእታታት ባህታ ንኽትፈጥር።

ኣማራጺ የለን። ንሕና ደቂ ሰባት ተዓዲልና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ከም ውህቦቶ ለጊባ -ዓለምን ሕብረተሰብን ተሳቑ ሓደገኛ ሓማም’ያ። ተላጋቢት ኣይኮነትን። ክኢላ ሕክምና ክፍውሳ ዘይክእል ኣዝያ ስውርቲ’ያ። መድሃኒት የብላን። ሓኪማ፣ መድሃኒታ ባዕሉ ሰብ’ዩ። ሕልናኡ ኣስርሑ ንነገራት ብደቂቕ ጠሚቱ ልቦና እንተዕብዩ፣ እታ ሕማም ተፈዊሳ ንሰባትን ሕብረተሰብን ትፍውስ። እንተዘይተፈዊሳ፣ ንዝለኸፈቶ ጥራይ ኣይኮነትን ኣብ ህጉምን ሓደጋን ትድርቢ። ንኹሉ ኣብ ከባቢኣን ምስኣ ዘሎ ሕብረተሰብን ሓሊፋ’ወን ዓለም ብዓለማ ግዳይ ትገብር።

ነዛ ሕማም እዚኣ ኩላህና ፍጡራት ካብ ርእስና ከነርሕቓ ንብህጋ’ያ ። ኩሉ ግዜ ግን ምሳና ኣላ። ካባና ዘይትፍለ፣ መፋጥርትና’ያ። መካይድትና’ውን። እንተደንቆርና፣ እንተሃብተምና፣ እንተደኸና፣ እንተተመሃርና …ኩሉ ግዜ ኣብ መገድና ምሳና። ካብዛ ዓለም ክንሓልፍ ከለና ግን ንሳ ኣይትሓልፍን። ምስቶም ዘለዉ ፍጡራት ዕንክሊል ትብል። ንዐኦም’ወን ኣብ ፈተነን ሓደጋን ተእትዎም።

ግጥም ኣብ መንጎ ህይወትን ሕልክላኽን ይኸውን። ንሳ ኩሉ ግዜ ቅንዕቲ ሓቀኛ፣ ምቅልልቲ ምዃና’ያ ትኣምን። ንነብሳ’ወን ብዓሰርተ ኣጻብዕቲ ትምስክረላ። እምነታ ኣዝዩ ጽኑዕ ‘ዩ ጽንዓታ ድማ ንሰባት ኣብ ህግምን ሓሳረ መከራን ይድርብዮም። ዝኣምና የብላን። ንሳ ትፈልጦን ትውንኖን ሓይሊ ንሱ’ዩ መላኺኣ ርእሳ’ዩ ። ንሳ ዚጸረቶ ርእሲ።

እዛ ሕማም እዚኣ ደጋሲት’ያ ። ኣፍና መሊእና ክንምጉት ትደፍኣና።” ኣጆኻ! ኣጆኻ፣ ጽቡቕ ኣለኻ። መርገጺኻ ፈትየዮ ኣለኹ፣ ኩሉ ናትካ ቅኑዕ’ዩ” ትብለና። ኣብ ገለ እዋን ብዛዕብኡ ክንሓስበሉ ኣድቒቕና ምስ እንፍትን ንድሕሪት ተመሊስና ሓሳባትና ምስ ንግምግም ሒዝናዮ ዘለና መርገጺ ከነደልድሎን ቀጥ ክንብልን ትመኽረና።

ምስ ሰባት ኣብ ንዘራረበሉ ወይ ንምጉተሉ እዋን፣ ናይ ደቃይቅ ዕድል ሂብና እንተተመሊስና ናብ ዕዱር መደረ ተእትወና። ትብሎ እንተዘይኾይኑ ዚብልዋ ኣይትሰምዕን። ምስኡ’ወን ፈኸራን ምጉዕባዕን ትሕውሰሉ፣ ኣይትሕባእን’ያ ግዚኣ ሓያልትወጽእ። ኣብ መገዳ ቃላት ቀዳምነት መሳርሒ ናታ’ዮም። ተግባር’ወን ምስኡ። ንሱ’ዩ ትዕድልታ እንታይ’ሞ ክንገብር..ናህና ኮይና ንመን ክንህባ፣ ፈቲና ጸሊእና ንሕና ንሳ-ንሳ ድማ ንሕና። ስለዝኾነት ድማ ህዝቢ ዓለምን ተሳቂ ኣብ ጭንቀት ትድርቢ ዘላ ኣዝያ ሓድገኛ ‘ያ።

ንሳ ኣብ ኩሉ ቦታን ጽፍሕን’ያ ትርከብ። ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ትዋሳእ። ናብራ፣ ሓዳር ስራሕ ፣ፍቕሪ ስነ ጥበብ፣ ስፖርት…… ብዓቢኡ’ወን ነቲ ንምሉእ ዓለም ዝጸሉ መሳርሒ ፖለቲካ ጾራ ጌራ፣ ብኣዝዩ ተኣፋፊ ፈተነኣን ሓደጋኣን ናብ ህዝብታት ሰፍ ዘይብል ሕልና’ውን ማሕበራውን ስምብራታት ጉድኣትን ተውርድ። ንህዝቢ ዓለም ናብ ስደትን ምምዝባልን ተምርሖ። ህዝብታት ከምዚተፋነኑ ትገብር። ዝምድና ትበትኽ። ስምዒት ተግባራን ጨካን’ያ ኩናት ወላዳ’ያ ። ንጽቡቕ ዘይትመርሕ ናይ ጥፍኣት ፍኖት’ያ።

ነዛ ሕማም ዓማዊላ ብዙሓት ኢና። ዳርጋ ብዙሕ ህዝቢ ዓለም፣ ቁጽሪ ናይ ሕሙማታ ብደቂቕ ክትዛረብን ከተቅርብን ኣጸጋሚ’ዩ ። ኣዝዮም ውሑዳት ዕውታት ኣይሳኣኑን። ኣብ ቅናኣ ዘውርወር ዘይብሉ። ንሳቶም ድማ ካብ ሕሉፍ ናይ ህይወት ተመክሮኦምን ኣካይዳኦምን እናበልሑ እናተፈወሱ ዚኸዱ ይኾኑ። ገለ ካብኦም ኣብ ርእሲ ተመክሮኦም መጽሓፍቲ እናንበቡ እወታ ኣሉታ ጎድንታት እናመመዩ ካብኣ ዚተገላገሉ ፍጡራት ኣለው።

ሰባት ነዛ ሕማም ፣ ኣብ ገለ ገለ እዋን ከም ግቡኡናን ግዴታናን ጌርና ንቅበላ ግዚኣት ኣሎ። እቲ ናታ ሳዕቤን ኣብ ህይወትና ርኡይ ስቅያትን ሓደጋን ምስ ኣውርደ ክንቅበላ ንቅሰብ። ፈቲና ኣይኮናን፣ ሳዕቤን ብቅሉዕ ኣብ ህይወት ስምብራቱ ምስ ተራእየ ንኣምን። ክንክውላ እንተፈተና ስለዘይትኽወል።

ምልክትን ሳዕቤንን ናታ ኣብ ህይወት ብጋህዲ ምስ ዘይረአ፣ ኣብቲ ዓንኬል ከም ዘለኻ ኣይተኣምንን። ፍጹም ምኻንካ ትዛረብ። ኩሉ ተገብሮን ትሰርሖን ብናይ ሕቶ ምልክት(?) ሓጺርካዮ ኣይትፈልጥን። ንነብስኻ ኣይትሓታን፣ በብዝመጻልካ ሓሳባት ከም ሓያል ውሕጅ መገድኻ እናጸረግካን ኣብ ሓደጋ እናኣተኻን እናእተኻን ንሰባት ትኸይድ።

መስርሕ’ዩ። እወ መስርሕ ናይ ህይወት ትቅበሎ። ንሕና ደቂ ሰባት ፣ “ ኣነ’ኮ…..! ዚዓይነቱ ርእሰ ምልዓልን ‘መን ከማይ “ ዘስምዕ ሓሳባት እናደርጓሕና፣ እዛ ንኹላህና

እትኣኽል ዓለም፣ ከም ትጸበናን ንኽነብረላ ከም ትጨንቀና፣ ተዘራሪብና፣ ተረዳዲእና ከም ዘይንኸይድ ዚገበረትና ሕማም ‘ያ። ኩላህና ፍጡራት ኣብዛ ናይ ዕግርግር ዓለም ተዋሳእቲ ኢና። ንዕግርግራ፣ ጫው ጫዋ በብዓቕምና ናይ ህውከትን ረበሻን ገጸ በረኸት ነበርክተላ። ንሳ ድማ ሰባት ንቅበሎ ዓለም’ወን ዕረ እናጠዓማ ትቕበሎ ኣላ። ትንፋስን ህይወትን ዘለዎም ፍጡራት ጥራሕ ዘይኾኑ ፣ ዘይብሎም’ወን ኣደዳ ሳዕቤና ይኾኑ። ግድን በዚ ክንሓልፍ ከም ዘለና’ወን ከም ሰባት ባዕልና ንባዕልና ንወሓሓጥ።

ትማሊ ዚተገብረ..ሎሚ ክግበር ኣይግባእን። እንተኾነ ድማ ትማልን ሎምን ዚተገብረ..ጽባሕ ክግበር ከም ዘይብሉ ይሕበር፣ እቶም ነዚ ሕማም ካብ ሕሉፍ መገዶም እናተማህሩን እናፈለዩን መጻኢኦም ዘጣጥሑ፣ ኣካይዳኦም ዘመዓራርዩ፣ ኣብ ህይወት ናይ ዓወት ሽግ ዚጨበጡ’ዮም። መጻኢኦም ድማ ውሕሱን ብሩህን’ዩ።

እንተ እቶም ትማሊ፣ ጽባሕ ኩሉ ግዜ እናሓመምና፣ እና….ንሽገር ሰባት ምስ እምኒ ንመሳሰል። እምኒ እንተቖጠኻዮ ኣይስምዕን’ዩ። መሊሱ’ኳ ደኣ የሕመካ። ስለዚ ንሕና’ወን ንህይወትናን ሰብናን ኣብ ሽግርን ዘይውዳእ ዓዘቕቲ ንእቱ።

ንሕና ፍጡራት ብፈተና ተኸቢብና ንነብር ኣለና። ኣብዛ ንነብረላ ምድራዊት ዓለም፣ ኣብ ክንዲ እፎይ ምባል ከብድና ሓቑፍና ንውዕል ንሓድር። ጓህን ስቕያትን ሰኒቕና ጉዕዞ ህይወት ንመርሕ። ሰኣን ምርድዳእን ስኒትን ንሕናን ዓለምና ክንነብራ ተፈሪድና ኣለና። ንሳ ድማ “ጌጋ” ያሕማም ናይ ዓለምናን ደቂ ሰባትን።

ኣጋጣሚ’ወን እዚ ዚጸሓፍክዎን ዚብሎ ዘለኹን መን ይፈልጥ “ጌጋ” ይኸውን።

Write a comment

Comments: 1
  • #1

    tsegabrhan (Tuesday, 30 April 2013 21:08)

    ጥበብ ኣጸሓሕፋ ፣ ካናኺ እምሃር ኣለኹ ። ኣዝየ ድማ የመስግነኪ ሓደ ነገር ግና ይገርመኒ’ መን ኢኺ ብዛዕባ ድሕረ ባይታኺ ገለ እንተትብልና ግርም ነይሩ