ወርሓት ዓመት ብኣበሃህላ ሊቓውንቲን ጭዋ ሕብረተሰብናን

Saturday 29, December 2012, by Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

መእተዊ

ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ትርጉም ስም ክልተ መበቆል ኣለዎ። ቀዳማይ ናይ ሊቃውንቲ፣ ካልኣይ ከኣ ናይ ጭዋታትብሂል። ኣብቲ ቀዳማይ፣ ሊቃውንቲ ሃገርና ብፍካረ ከዋክብቲ ተመሪሖም፣ ካብ ግሪኻውያን፣ ዕብራውያን፣ግብጻውያን፣ ዓረባውያን ብዝረኸብዎ ትምህርቲ፣ ሓደ ዳርጋ ብርእሱ ዝቖመ ትርጉም ነብስ ወከፍ ወርሒየቕርቡልና። ናብ መንፈሳዊ ትርጉም‘ዩ ከኣ ዘድህብ። እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ዓለማዊ ትርጉም ዝዘንበለ ኮይኑጭዋታት ኣብ ዕለታዊ ትሕድርቶም ማሕረስ፣ መጓሰ፣…..ወዘተ ተመርኪሶም ኩነታት ነብስ ወከፍ ወርሒ ብምስላታትዘቕርብዎ’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ዓበይቲ ሰባት ተውኪስካ’ዩ ዝርከብ።

 

ወርሒ መስከረም  

መስከረም ዝብል ስም ብክልተ ቃላት ዝቖመ እዩ።መስ ካብ መሰየ ወጺኡ፣ ኣብ ልዕሊ ከሪም/ከረመወዲቑ ይርከብ። ስለዚ መስከረም “መሰየ ክረምቲ”  ተባሂሉ ይፍታሕ። መስከረም ጫፍ ክረምቲ፣መዛዘሚ ክረምቲ፣ መእተዊ ዘመነ መጸው/ ቀውዒ/ምዃኑ እዩ። 

“መስከረም ተዛራቢ ዝነበረ ኣፍ ይእረም” 

እዚ ምስላ’ዚ ንህዝቢ ከበሳ ኮነ ቆላ ኣብ ወርሒመስከረም ዝጓንፎም ዝነበረ ነገር እዩ ዝገልጽ።ብርቱዕ ክራማት ምስ ዝኸውን ንመስከረሙ ኣብፍቖዶ ሩባን ስንጭሮን ሕማቕ ማይ ዓቑሩ ጣንጡይበዝሑ። ብዙሕ ዓይነት ሕማም ተላገብ ከም እኒ ዓሶ፣ ጸለውታ ወይባ ይብርትዕ። ምናዳ ኣብ ቆላ መሬት ብሬሳ እዩ ዝመልእ ዝነበረ። ኣውያት ከይውጸ ብለይቲ ንኺድ እናተባህሉ’ዩ ከኣ ጋሕጋሕ ምድሪ ንበረኻ ዝውፈር። ግን ብጭካነ ዘይኾነ፣ ነቶም፣ ነቶም ቐባሮ ንባዕሎም ዘየላቡ ሕማም ተላገብ፣ ከም ኣንቅጺ ይውድኦም ስለዝነበረ’ዩ። ካልእ ምኽንያት፣ ወርሒ መስከረም ሻቑጥካ፣ኣኺድካ እኽሊ ዘይኣትወሉ ሓዲግ እዋን ስለዝኾነዋላ ሃብታም’ዩ ዝበትኽ። እተዘይሰኣነ ከኣ ከርሱንሓድሽ እኽሊ ስለ ዘይተቀባበሎ ከም ድላዩኣይበልዕን። 

  

“መስከረም ኣይበልዕን” 

“መስከረም ዝጋግን ስምዑኒ ኢሉ ዝናገርንኣይኽለኣና” 

  

ይምነዩ ዓበይቲ። 

  

“ኣጆኹም ቆልዑ ባልደንጓ ጨልጊዑ፣ 

ኣጆኩም ጓሶት ባልደንጓ ስወተ……” 

  

ተስፋ ይውሃሃቡ  

መንእሰያት ድማ 

  

ሆየ….ሆየ…. 

  

ይነጥፉ። 

  

ወርሒ ጥቕምቲ 

ጥቕምቲ፣ ካብ ጠቀመ ዝብል ዓንቀጽ ዝወጸ ቅጽል’ዩ። ካብ መሬት ብዙሕ ጥቕሚ ዝርከበሉ እኽልን ተኽልን ዝምጠወሉ፣ ጽገ ዝጽግየሉ፣ ፍረዝፈርየሉ፣ ሰዊት ዝስውተሉ ጻዕዳ እኽሊ ዝርከበሉ እዋን የመልክት። “ጥቕምቲ ንቐሽን ዛቑናይንሕስምቲ ንዓጻዳይ ሕስምቲ” ካብ ክፍላ ጥቕምቲንደሓር፣ ሳሕቲ ድማ ቅድሚኡ ናይ ዝሞቱ ሰባት:ዓሰር፣ ኣርብዓ፣ ተዝካር፣ መንፈቕ ዓመት…..ተባሂሉ ውራይ ይብዝሕ። ከም ስርዓቱ ድማኣቕሽሽቲ ዛቑኖቶም ኣኽሊሎም ኣብ ዘዝኸድዎ ገዛብዘይካ “ነፍስ ገብሩ” ወይ ነፍሰ ኣመቱ እገሊትይምሓር ንበል ኣውነ ዘብሰማያት..” ምባል ብዛዕባጨው በርበረ፣ እኽለ ማይ ኣይሕልዩን እዮም።ዓዃይ ግን ክዓጽድ፣ ቅሚጦ ክሽሚ ድኻሙከይጸብጸበ ምስ ግዜ ክቀዳደም ኣለዎ።እንተዘየሎ” ኣንታ ትማሊ ጾምካ ዚሐደርካ ሎሚድማ ከምታ ትማሊኻ” እዩ። 



 

ወርሒ ሕዳር፣ 

ሕዳር ካብ ሓደረ ዝብል ቃል ግእዝ ዝወጸ ኮይኑ።ምሕዳር ናብ ውሽጢ ምሕላፍ ምስ ሰብ፣ ምጽጋዕ፣ዓሰባ ምዃን፣ ምንባር ምጽናዕ፣ ምስምማዕ፣ ካብዓዲ ወጻኢ ገዛ ምስራሕ፣ ካብ ምሸት ክሳብ ጽባሕኣብ ሓደ ቦታ ምሕላፍ’ወን ከስምዕ ይኽእል። 

  

“ሕዳር   ኣብ ዝደለካዮ ምሕዳር” 

 

ሕዳር ካብ ኩለን ኣዋርሕ እታ ዝጠዓየት ዝጸፈፈትሕማም ዝጠፍ ኣላ ወርሒ እያ። ስለዚ፣ ቀዳሞት፣ጉርህኦም ክሕልዉ ኣጓዱን ሓዳጋትን ሰሪሖም ኣብበረኻ ይሓድሩ ነበሩ። እንተኾነ፣ ሓረስቶትግራተይ ኣብሊዕካለይ፣ ቅሚጦይ ኩልስስተይኣድፊርካለይ ተበሃሂሎም ክካሰሱን፣ ህውከትክኣጉዱን ስለዝውርሑ ወርሒ ሕዳር ነገርኣይፍለያን እዩ።

“ሕዳር መናገሪ ጥሪ መሳኸሪ”

ብዝብል ምስላ ከኣ የንጸባርቕዋ።

 

ወርሒ ታሕሳስ

“ታሕሳስ ኣብ ዝኾነ እኽለ ማይ ምፍሳስ”

ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ዝኸድካዮ ገዛ ሽሻይ መሊኡ፣ከም ልብኻ ብላዕ ወስተ’ዩ። ታሕሳስ፣ ካብ ሓሰሰዝብል ዓንቀጽ ዝወጸ’ዩ። ሓሰሰ ብቛንቋ ግእዝ ኮነትግርኛ ትርጉሙ። ደለየ፣ ጸረገ፣ ወልወለ፣ ለመነ፣ጠየቀ፣ ተፈላሰፈ፣ ፈተወ፣ ኣፍቀደ ከስምዕይኽእል። ኣብ ክልቲኡ ቛንቋታት ካልእ ትርጉምእወን ኣለዎ። ታሕሳስ ጣሕሺሹ፣ ቃል ብቓሉቀውዒ ተውዲኡ፣ ጉንካ ኣእካል፣ ዓጺድካተጠርሹ፣ ስድራቤት ሓደ ገዛ ጸኒቱ የመልክት። ንኣብነት፣ ምድሪ ምስ ኣጣሕሰስኹ ናብ ንግዲክኸይድ እየ።

 

ወርሒ ጥሪ

ጥሪ ዝብ ስም ካብ ጠረየ ዝብል ዓንቀጽ ግእዝዝወጸ ኮይኑ፣ ነውሐ ንላዕሊ ቆመተ፣ ወሰኸ፣ ነፈረ፣ሰማይ ጠንቆረ የመልክት።

 

“ጥሪ፣ ዘይኩሪ ዝነበረ ይኩሪ፣ ሓኽሊ ማሕጸይኸውን በትሪ”

ዓበይቲ ሰብኡት፣ ኣጓብዝ ኣብ ፍቆዶ ውራይዝግኒ፣ ዝሕላ ቅልዋ ስጋ፣ ቀሚሶም፣ ከርሶም ብስዋብርዚ፣ ሜስ ምስ ኣተርከሱ ጽጋቦም ምጻርይስእኑ።

“ልቢ ዝሓብኦ፣ ቡቑሊ ኣውጸኦ”

ከም ዝብሃል ከኣ፣ ይፈልጠካ‘ኳ’የ” “እንድዕላኖኻ”ተጀሚሩ እምባጋሮ ይለዓል። ብዝረኸብዎይተሃራረሙ።

“ለይቲ ጥሪ ተጠራጥረኒ በለት ጋል ላም”

ብርግጽ ንእሽቱ ጓሶት‘ወን ኣብ ፍቖዶ ጓይላደኺሞም ሰለ ዝሓድሩ፣ ንኸብቶም ካብ ደንቢአንብኣጋ ኣየውጽእወንን እዮም። ግን እቲ ምስላ ንጋልላም ጥራይ ዝተወሰነ ኣይኮነን። ግዚያቱ ግዜ መርዓስለዝኾነ ገለ ሰባት ንሓንቲ ጋል ሰብ ሃንደበትከይሓሰበቶ ስለዝዝርፍዋ’ወን እዩ።

 

ወርሒ የካቲት

“የካቲት ተጠንቀቂ በላ ንሰንካቲት”

 

ፍርቂ ዓመት ይኣቱ ስለዘሎ፣ ከምቲ ጸሓይ ካብፍርቂ መዓልቲ ንደሓር ሓይላ ዝደኽማ፣ ቆፋፉ’ወንኣብ ምጉዳሉ እዩ። ሰበይቲ ከኣ ንመግቢ ሓጋይ ኮነዘርኢ ክረምቲ ምእንቲ ክርከብ፣ ንእኽሊ በዚ ጥሕንበቲ ልንቕጥ ክትሕግዮ ኣይግባእን። የካቲት ካብከተተ ዝብል ዓንቀጽ ዝወጸ’ዩ። ኣከበ፣ ኣዳለወ፣ወሰኸ፣ ሓብአ፣ ፈጸመ ከኣ የስምዕ።

 

“የካቲት ኣብ ምእታዋ ወይ ኣብ ምውጻኣእንተዘይነጎደ ምድሪ ሰማይ ምተኣየደ”

 

ዝብል ምስላ ድማ ነቲ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዘህሉብርቱዕ ነቕጺ፣ ሃሩር ኣነጺሩ ይገልጽ።

 

ወርሒ መጋቢት

መበቆል እዚ ስም’ዚ መገበ ዝብል ቃል ግእዝ እዩ።መገበ ቃል ብቃሉ፣ ኣብልዐ፣ ኣስተየ፣ ሓለወ፣ተኸናኸነ፣ የመልክት። ኣበው ከኣ ንስድራ ቤቶምጥራሕ ምእንቲ ክከናኸኑ

 

“መጋቢት ኣይትለግሲ በላ ውሃቢት”

 

ብዝብል ምስላ የጠንቕቑ፣ ምኽንያቱ በቲ ሽዑዝርከብ ኣዝመራ ጥሪት ነብሲ ክመልሳ’ኳእንተጀመራ፣ ዋላ’ወን ዳጉሻ ዝዝረኣሉ ወቕቲእንተኾነ፣ እኽሊ ሻቑጥካ ዝብልዓሉ ኣዝዩ ርሑቕእዩ።

 

ወርሒ ሚያዝያ

እዚ ስም ወርሒ’ዚ ካብ “መሓዛ-መሓዛ” ኣሓዛዚብል ቃላት ግእዝ ዝወጸ ክኽውን ይኽእል።ምስጢሩ ከኣ ምዕባይ፣ ዓቕሚ ኣዳም-ሄዋንምብጻሕ፣ ምትዕርራኽ፣ ምፍቕቓር፣ እዩ ዘመልክት።ምስቲ ቀዳሞት ወለዲ ንደቓቶም ኣብዚ ወርሒ’ዚዘተሓጻጽይሉ፣ ሓቒ እንተኣገናዚብና ከኣ ብዛዕባርግጹነት መበቆሉ ንእሽትይ ጥርጣረ እዩ ዝገድፍ።

 

ወርሒ ግንቦት

ትርጉሙ ኣፍደገ (ጎር ክረምቲ) ድሮ፣ ባሕቲ ክረምቲከመልክት ይኽእል። ኣንስቲ ጥጥቖ ጠጢቐን፣ሽንፋእ ደቑሰን፣ ኣምላኽን ጽቡቕ ክረምቲክገብረለን ዝምህለላሉ ወርሒ። ሓረስቶትግራውቶም ዝቐራርቡሉን ዝሓርስሉን ወርሒስለዝኾነ ከኣ፣ ከም ወርሒ ሚያዝያ ብዛዕባ መሬትኣይማጎቱን፣ ኣይዋጠጡን። ካብቲ

 

“ቆልዓ ጉንበተ ሰነ ተወሊዱ ደርሆ መኸስተነ”

 

ኢሎም ዝምስልሉ ሃልኽ ዝምልኦ ነዊሕ መዓልቲምስ ተመልሱ እንጌራን ስዋን ጥራይ እዩ። ግን ከምልቦም ኣይረኽብዎን።

 

“ግንቦት ዝፍሰሰ ግለት፣ ተሳሊምካ ዝለዓል ከምታቦት”

 

ኢሎም ከኣ ይምስሉሉ።

 

ወርሒ ስነ

ሰነ ካብ ሰን፣ ሰነነ፣ ሰነየ ዝብሉ ቃላት ግእዝዝውጸ’ዩ ስነ ብትርጉሙ ሰናይ ፣ጽቡቕ ዘርኢምልስላስ መሬት ከምልከት ይኽእል። ወርሒ ዘርኢስለዝኾን ከኣ፣ ሓረስታይ፣ ካብ ጠጥዑሙከይተርፍ፣ ሓጋይ ሳእኑ ቀጺዑ ናብ ስደት ከይኸይድክሓርስን ክዘርእን ላዕልን ታሕትን’ዩ ዝብል። ነቲዝናብ ከይደንጉዮ ዝስምዖ ስግኣት ከኣ፣

 

“ሰነ ነግፈረግ እብል ኣነ”

 

ብዝብል ምስላ ይግልጾ።

 

ወርሒ ሓምለ፣

ካብ ሓምለ ዝብል ቃል ወጺኡ፣ ልምላመቆጽላውነት፣ ብሓበራ ንኹሉ ኣሕምልቲ የመልክት።

 

“ሓምለን መርዓትን ጳጳስን ታቦትን ኣይቅልዑ”

 

ኣብ ወርሒ ሓምለ ምድሪ ሰማይ ደበናእንተዘይተሸፈነት መርዓት ብመጋረጃእንተዘይተኸውለት፣ ጳጳስ እንተ ዘይተላበሰ፣ ታቦትእንተዘይተኸድነ ንቡር ኣይኮነን። ግን ኣብ ወርሒሓምለ ዝኾነት ገዛ ስኢና ተባሂላ ጉዳ ክትቅልዕ’ወንኣይትደልን እያ። ከመይ’ሲ

 

“ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዩ፣ ዝባንካ ወደ’ቦ ኣይርኣዮ”

እዩ።

 

ወርሒ ነሓሰ

ነሓሰ ብትርጉሙ ልዕልና፣ ልዕሊ ኩሉ ምዃን፣መወዳእታ፣ ጉልላት፣ መዛዘሚ ከስምዕ ይኽእል።

 

“ነሓሰ፣ ክንደይ ኣሎ ብጥሜት ዝፈለሰ”

 

እቲ ዝሓሰመ ጥምየትን ስእነትን ኣብ ውርሒነሓሰ’ዩ ዝርኽብ።

 

“ማይ ነሓሰ ጽሩይ’ሞ ኣይስተይን፣ ምኽሪ ድኻጽቡቕ’ሞ ኣይስማዕን”

 

ኣብዚ ዝበዝሐ ቀለብ ሓጋይ ተወዲኡ ሳሕቲ‘ወንብጥሜት ሰብ ዝሞተሉ ወርሒ’ዚ ከምቲ ምኽሪድኻ ዘይስማዕ፣ ማይ ነሓሰ’ወን ዝጸረ እንተጸረ ኣብጥራይ ከብድኻ ኣይስተን’ዩ።

 

ጳጉመን

ጳጉመን፣ ሱሩ ቛንቋ ግሪኽ ኮይኑ፣ ሄፓጉኣናይ ከኣይብሃል። ብትርጉሙ ወሰኸ እዩ ዘመልኽት።

 

ዝኸበርኹም ኣንበብቲ፣ ተወሳኺ፣ መአረምታ፣ ወይ’ወን ዝጎደለ ኣሎ እትብልዎ። ካብ ምጽሓፍ ዓዲኣይትውዓሉ።