ገለ ካብ ብሀራት ኤርትራ

ተዝካር ኣብ ብሄራት ኤርትራ

By Viviana Amanuel June 23, 2012

 

ሓደ ሰብ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፣ ኣብ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ቀዳማይ ዝውሰድ ስጉምቲ፣ ስነ ስርዓት ቐብሩ እዩ። ሬሳ ብባህሉን ልምዱን እምነቱን፣ ጸሎት እናተገበሉን እናተለቕሰሉን፣ ብ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ቤተሰቡን መቕርቡን ደቒ ዓዱን ተዓጂቡ ይቕበር።

ድህሪ ውሱን መዓልታት ሓዘን፣ ምጽንናዕን ምስጋናን ቤተሰቡ ይስዕብ። እዚ እናተገብረ እንከሎ ኸኣ ውጥን ተዝካር ይዝተየሉ።

ተዝካር ኣብ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ዝፍጸም ልሙድ ተግባር እነት እዩ። ኣብዚ ድማ ናይ ተዝካር ፍልልይ ግዜ ኣሎ። ኣብ ምስልምና ዝኣምኑ፣ ሳሆ፣ ትግረ፣ ራሻይዳን ዓፋርን ተዝካር ድሕሪ ሞት ኣብ ሳልስቱ ክፍጸም እምነቶም ይእዝዞም ኣብ ብሌን ድሕሪ ኣርብዓ መዓልታት፣ ኣብ ትግርኛ ከኣ ካብ 12 መዓልቲ ክሳብ ሓደ ዓመት ክምጠጥ ይኽእል። ኣብ ብሄረ ሕዳርብ ድማ ኣብ 3ይ ወይ 7ይ መዓልቲ፣ ከምኡ’ወን ኣብ 7ይ ወርሒ ክፍጸም ይኽእል።

ኣብ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ኣብ ተዝካር ዝብላዕ ዝስተ እንግዶት ይቕረብ፣ ኣብ ዓይነትን ብዝሕን ዝሕረድ ጥሪት ግን ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ብሄረ ናራ፣ ኣብ ከባቢ ኮይታ ላም ወይ ድማ ብዕራይ ይሕረድ። ኣብ ከባቢ ህግር ሞጎራይብ ዝርከቡ ድማ 2 ክሳብ 3 ከብቲ ይሕረዳ። ኣብ ብሄረ ብሌን ቀደም ዘመን ማዕረ 120 ከብቲ ይሕረዳ ከም ዝነበራ ይዝንቶ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ሓንቲ ላም ጥራይ’ያ ትሕረድ።

ኣብ ብሄረ ዓፋር፣ ቐደም ብብዝሒ ኣግማልን ከብትን ኣጣልን ይሕረዳ‘ኳ እንተነበራ፣ ሎሚ ክሳብ 3 ኣጣል ብምሕራድ’ዩ ውራይ ተዝካር ዝፍጸም።

ኣብ ሕዳርብ ክሳብ ሕጂ ብብዝሒ ጥሪት ይሕረዳ እየን። ተፈላጥነትን ማሕበራዊ ቦታን ናይ መዋቲ ከኣ ንዝሕረዳ ብዝሒ ይውስኖ። ይኹን እምበር ኣብዚ ብሄር ሓዘን ካብ 8 ኣዋርሕ ክሳብ ዓመት ስለዝምጠጥ መጠን ዝሕረዳ ጥሪት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።

ብ “ከይብሉና” ዝብል ወግዒ ጥሪት ብምሕራድ ስድራቤታት መዋቲ ናብ ደረጃ በተኽ ዘውርድ’ይ ብተዛማዲ ኣብ ብሄረ ራሻይዳ ፍልይ ዝበለ ውግዒ ተዝካርዩ፣ ኩሉ ዘመድ ከከም ክእለቱን ዓቕሙን ጥሪት ንተዝካር የዋጽእ ገለ ይሕረዳ ገለ ድማ መጸገኒ ስድራቤት መዋቲ ይኾና።

 

ተወሳኺ መቑሽሽ

ኣብ ብሄረ ትግረ፣ ትግረ ቤት ኣስገደን ትግረ መንሳዕን ኣብ ግዜ ተዝካር፣ ኣንስቲ ከበሮ እናሃረማ ይስዕስዓ እዚ ጽወታ‘ዚ ድማ (ሄቦ) ይብሃል።

መመላእታ እንተደኣ ሃልይኹም ለኣኹልና’ ከነእንግዶ ድልዋት ኢና።

 

ካብ ባሕሪ ብጭልፋ

By Viviana Amanuel June 23, 2012

 

ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝርከቡ ምዕራፋት ታሪኽ ብዙሕ ሕብርታት ዘለዎም፣ ተደራረብትን ልዑል ኣገዳስነት ዝውንኑን’ዮም። ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል ዝርከቡ ፍርስራሳት ጥንታውያን ህንጻታት፣ ገለ ካብቶም ኣብዚ ዞባ ዝርኸቡ ዘይተዳህሰሱ ሃብታማት ማዕከናት ታሪኽ’ዮም። ብዛዕባቲ ኣብ ማይ ኣዋልድ ዝርኸብ ፍርስራስ ጥንታዊ ህንጻ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ጽጹይ ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፣ ኣብቲ ብቛንቛ ብሌን “ቦታ ዓራታት ንምባል (ዓራቱዃ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦኣ ነቲ ቦታ ሽሙ ዝሃቦ ሸሞንተ ዝበጽሕ ብገምጋም ናይ ሓደ ሜትሮን ብ 1.50 ሜትሮ ርጉድን ዘለዎ ጽሩብ ጸፋሕቲ ኣእማን ኣብ ጸፍሒ መሬት ጉዳጉዲ ሸፊኑ ይርከብ። ብደቐቕቲ ኣእማን ዝተሰርሑ እናጸበቡ ዝበረኹ ኣዝዮም ገፋሕቲ መናድቕ ነዞም ጸፋሕቲ ኣእማን የኽብብዎም። ኣሰር ብኸምዚ ዝተሰርሑ ብዙሓት ህንጻታት ነቲ ኣብዚ በሪኽ ብታ ርከብ ጎላጉል መሊኦም ይርኣዩ። ስብርባር ናይ ብልዕሊ 10 ዝተፈላለዩ መገድታት ዝተሰርሑ ዓይነታት ዓበይትን ን ኣሽቱን ዓታሩን ኣምፎራታትን፣ ብዙሓት መጥሓናትን ብጻዕቒ ዝርአ ኣብ ጥንታዊ እዋናት ከም በሊሕ መሳርሒ ኣገዳሲ ነበረ ኣብ ሲድያን ወን ኣሎ።

ትርኢት ናይዞም ፍርስራሳት ኣብኦም ዝርከቡ ምልክታትን ምስ’ተን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኤርትራ ዝርከባ ጥንታውያን ከተማታት ኣዝዩ የመሳስሎ። ዝተሰባበረ ፣ ኣዕጽምቲ እንስሳታትን ስብርባር ቀጠልያ ጠራሙዝን ድማ ብምብራቓዊ ሸነኽ ዓራቱ’ዃ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ብጻዕቒ ይርአ።

ካብ ማይ ኣዋልድ ንደቡብ ዝርከብ ሓያሎ ፍርስራሳታ ህንጻታትን መቓብራትን ዝርኣዮም፣ ነዚ ሓፈሻዊ ጥንታዊ ቦታ ዘቖሙ ሰፈር ስልጣን ንምባሉ “ሱልጣኑ”ከከምኡ’ወን እንዳ ማርያም ዝነበሮ ንምባል “ማይ ራምሩኽ” ዝተሰምየ ቦታታት ተመሳሳሊ ዝርአ ብዝሒ ጠራሙዝ ኣብቲ ከባቢ ዝርአዩ ዘይመበቆላውያን ኣግራብን ኣብ ገለ እዋን ቱርኻውያን ወተሃደራት ዝቕመጥሉ ሰፈር ኔሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእምት። ነዊሕ ዘመን ቅድሚ ቱርኻውያን ትሕዝቶ ኣለዎም፣ በመሰረት ኣብዚ ከባቢ ዝቕመጡ ዝነግርዎ ዛንታታ እዚ ቦታ ቱርኻውያን ዝቕመጥሉ ዝነበሩ’ዩ፣ እቲ ስልጣን ዝብል ቓል’ወን ካብቲ ቱርኻውያን ህላው ዝወጸ ምዃኑ ይዝንቶ።