ያታዊ ወግዒ

By Viviana Amanuel 17 January 2012

 

ብዓልቲ ቤቶም ዝነዓቕኦም፣ ክመልክወን ዘይከኣሉ ሽማግለ፣ ብምስቑርቓር ንገዛእ ርእሶም ዝበልዎ:

እርጋን መጸት ከመይ ምዃናየ

ቁሊሕ እንተበልኹ ከዐሽዋ

ዓመት ሓረመኒ ዋንጫ ስዋ!

ቁሊሕ እንተበልኩ ክምኩሮ

ዓመት ሓረመኒ ጸብሒ ሽሮ!

ቁሊሕ እንተበልኩ ከም ዝመልኽ

ዓመት ሓረመኒ ጸብሒ ድልኽ!


ኣካ’ዚ ባህልና

ድንግልና

By Viviana Amanuel 16 March 2012

 

ኣብ ባህልን ልምድን ብሄረ ትግርኛ፣ ጉዳይ ድንግልና ዓብዩ ግምት ስለዝውሃቦ ኣብ ሕግታት እንዳባ ብስርዓት ዝሰፈረ እዩ። ድግልናኣ ዘይዓቀበት ጓል ኣነስተይቲ ውርደት የጋጥማ ንዘጋጠማ ጉዳይ ድማ ብስቱር ስለዘይሕዝዎ፣ ሓፋሽ ይሰምዖ’ሞ መርዓት ግዳይ ትኸውን።

ምስ ካልኦት ብሄራት ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ ኣብ ብሄረ ትግርኛ ዝከበደ ኾይኑ ንረኽቦ። እዚ ባህሊ /ልምዲ ሕጂ ተኾነ’ወን እቲ ዝነበረ ኣመለኻኽታ ብምሉእ ሃሲሱ’ዩ ክብሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

ሕጊ መውስቦ ፣ ሓደ ምስ ሓንቲ ስለዝብል፣ ኣብ ግዜ መርዓ’ ጓል ኣነስተይቲ ብድንግልናኣ ክትጸንሕ ትጽቢት ይግበረላ። ብድንግልናኣ ዘይጸንሐት ጓል ኣነስተይቲ ብሕጊ እንዳባ ይኹን ብሕጊ ሃይማኖት ተቐባልነት የብላን። መርዓዊ ኣብታ ፋልመይቲ ለይቲ ፈትሹ ምስ ክብረ ንጽንህናኣ እንተ ጸኒሓቶ፣ ንስድራን ኣዕሩኽን ይሕብር፣ ንምሸቱ ኸኣ ኣዕሩኽ ስጋ ሰለፍ ሒዞም ከበሮ እናወቕዑ

“ጓል ኣቦይ እገለ ተኣማኒት……” ኢሎም እናደረፉ መርዓት ብድንግልናኣ ከም ዝጸንሐት ንእንዳ ጓል ይኹን ዓዲ የበስሩ’ሞ ስልማት ሒዞም ድማ ይምለሱ።

መርዓዊ ፈትሹ ምስ ድንግልናኣ እንተዘይጸኒሓቶ፣ ቀልጢፉ ንወልዱ ይሕብር። ስድራቤት መርዓዊ ኸኣ ተቐላጢፎም ንስድራ ጓል ይነግሩ። ዘይምትእምማን እንተተረኺቡ( እንዳ ጓል ወይ እታ ጓል ..ጓልና ብድንግላ) እያ ዝብሉ እንተኾይኖም ፣ መርዓት ብዓበይቲ ኣዴታት ትኹለል። ምስ ድንግልናኣ ከም ዘይጸንሐት እንተተረጋጊጹ መርዓት ናብ ዓዳ ትምለስ፣።

ክትምለስ እንከላ ድማ ርእሱ ዝከኣለ ወግዒ ኣለዎ።

ኩሉ ስልማት ቐንጢጦም ወጮ ከዲኖም ኣብ ኣድጊ ወጢሖም ( ጽዒኖም) ይመልስዋ። ብ ኣረኣእያ ናይቲ ብሄር (ትግርኛ’ ሙዃኑ’ዩ) ክብረታ ኣጥፊኣ ስለዝጸንሐት መሰላ ክትግፈፍ ኣለዋ። ንዓኣ ንምቕጻዕ ጥራይ ዘይኾነ ካልኦት ኣዋልድ፣ ንዓኣ ርእየን ክልብማን ( ድንግልናአን ኪሕልዋን ተባሂሉ ዝፍጸም ወግዒ ሙዃኑ ይግለጽ።

ድንግልናኣ ኣፍሪሳ ዝጸንሐት ፣ ዕድሜኣ ምሉእ እናተሸቑረረት ተሕልፎ።ከቢድ ሞራላውን ኣእምሮኣውን ሳዕቤን የኸትለላ። ኣዋልድ ደቒ ዓኣ ድማ( ስማ እናኣልዓላ ይደርፋላን ይጸርፈኣን ( ዒደረ) ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ ጉዳያት ዓዲ ክትሳተፍ ድማ ጸገም የጋጥማ።

ኣካ‘ዚ ባህልና ………….


መልቐስ

By Viviana Amanuel 16 March2012

 

ሓደ ካርነሽማይ፣ ኣሪጎም ዓዲ ውዒሎም ብሕምም ተደኒሶም ኣብ ቤቶም ተዓጽዮም ይነብሩ ነበሩ። ኣብ መጠረሽታ፣ ክኣ ዓለም ኣርኪባቶም ሞቱ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቐብሮም ወገን ስኢኖም፣ (ዝበኽየሎም ተሳኢኑ) ከም ቐብሪ ሕኑቕ ኾይኑ ተራእየ’ሞ፣ ኣይተ ብድሆ ወዲ ዘመኑ ዝተባህሉ መላቓሳይ በዚ ተቖጢዖም።

 

“ኣንታ ወዲ ሰብ ከመይ’ሉ ተመኖ

ኣንታ ወዲ ሰብ ከመይ’ሉ ተመኖ

ሰይቲ ወዲ ‘ዶ የሎኽን ኢኺ እንተኸደንኪ ዲኖ

እንታይ ደኣ ኾይኑ ዓይንኺ ጸረር ዝሰኣኖ

ኣንታ ኣሕሙዶ የለውን’ዮም እኽሊ ዝጽዓኑ

እንታይ ደኣ ኾይኖም ትም ዝብሉ ርእሶም ዘድንኑ

ቐባራይ ሓመየኹም ድሓን ኩኑ”

 

ኢሎም ብዘልቐስሉ   እቲ ኪቐብር ተኣኪቡ ዝነበረ ሓፋሽ ተደፋኒቑ’ ከም ብሓድሽ “ ዋጭ ..ዋጭ” ኢሉ በኸየሎም፣ ውዑይ ሓዘይ ድማ መሰለ…።


ካብ ውዕሎ ሹም ፍረሓንስ

By Viviana Amanuel 29 January 2012

 

ሓደ እዋን ፣ ሓደ ሰብኣይ ፣ ነገር ሓደጋ ኾይንዎ፣ በጊዕ ናይ ሓደ ዓዃይ ቀተለ’ሞ፣ ቅድሚ ናብቲ ዋና በጊዕ ከይዱ እንታይ ከም ዝኽሕስ ምሕታቱ፣ ገጸ በረኸት ተማሊኡ ምኽሪ ክወስድ ናብ ሹም ፍረሓንስ ከደ። “ኣትንቱም ጎይታና ሹም ፍረ ሓንስ፣ በጊዕ ቀቲለ’ሞ ክንደይ ኮን ትግምገም?” ክብል ተወከሶም።

ሹም ፍረሓንስ፣ ግጭት ናይ ሰባት ክፈቱ ዘይጽገሙ ሰብኣይ ስለዝነበሩ፣ ኣብ ገሊኡ ንስለ ጭርቓን፣ ባዕሎም ሰባት ከጋጭዉ ይረኣዩ ነይሮም እዮም። “ ኦይ ፣ ኣንታ ወደይ፣ ስጋኣ ሌማ፣ ዓጽማ ከረማ-በጊዕ ደኣ እንታይ ክግምገማ?” ኢሎም መኽርዎ። ድሕሪ’ዚ ፣ ወይ በጊዑ ዝተቐትለቶ ሰብኣይ ከኣ፣ ናብ ሹም ፍረሓንስ ብተመሳሳሊ ዕላማን ኣገባብን መጸ’ሞ ክንደይ ዝኣክል ካሕሳ ክሓትት ከም ዘለዎ ሓተተ። ሹም ፍረሓንስ’ሆየ፣ ንዕኡ’ወን ፣” እዋእ ፣ ስጋኣ ቆጮ ፣ ቆርበታ ወጮ- ዋጋ በጊዕ ደኣ መን ክወጮ?” ቢሎም ፣ መኺሮም ሰድድዎ። ድሕሪ’ዚ እታ ነገር ተባላሊዓ፣ ናብ ሹም ፍረሓንስ ተመልሰት። ሹም ፍረ ሓንስ ከኣ፣ እቲ ቀዳማይ ምኽሮም ናይ ጭርቃን ምዃኑ ሓቢሮም ንክልቲኣቶም ሰብ ነገር ከም ዝግባእ ዓሪቆም ሰድድዎም።

ብቐጢን ኣውያታን ብዘፈር ንብዓታን

By Viviana Amanuel 25 March 2012

 

ኣብ ብሄረ ትግርኛ ኣብ ግዜ ዓመጽን ምግሳስን ዝያዳ ኣቓልቦ ይህብዎ። ብልምድን ብሕጊ እንዳባን ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ እንተተዓሚጻ ፣” ብቐጢን ኣውያትን ብዘፈር ንብዓታን “ ቐልጢፋ ተምልክት” ይብሉ። ዝተዓመጸት ኣብ ርእሲ ኣውያት ገለ ምልክት ሒዛ ክትመጽእ ትጽቢት ይግበረላ፣ ዕለትን ቦታን ፍጻሜ ዓመጽን ካልእ መርትዖ ሓበሬታ ከተቕርብ ድማ ይግባእ። ኩሉ’ዚ መርትዖ ናብ ሽማግለ ይቀርብ። ዓማጺ ከም ዝክሕስን ኣቦነት ከም ዝቕበልን ይግበር።

ኣብ ጥንቲ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ (ብፍላይ ድማ ደቡባዊ ምብራቕ) ናይ ዓመጽ ካሕሳ 15 ለጋዓት (ዝሕለባ ከብቲ) ከም ዝነበረ ይትረኽ።

“ሽማግለ ዘይብሉ ዓድን ንፋስ ዘይብሉ ዓውድን” ኢሎም ከም ዝምስልዎ ከኣ ኩሉ መስርሕ ብሽማግለታት ይፍጸም።


ያላኻ ምስ ጥዑም’ ውግዕታቱ

By Viviana Amanuel 29 January 2012

 

ጓሶት ብሄረ ትግርኛ፣ ኣብ መሮር፣ “የላኻ-የላኻ’ ወይ ኣብ መገዲ ጸኒሐን ገው የብላኻ” ወይ እንታይ ክብላኒ ንዓይ -ን ኣያኻ’ እናተበሃሃሉ ክጻወቱ፣ ዓበይቲ ወን ኣንተኾነ፣ ውርዝነት ብዝመልኦ ኣገባብ፣ ኣብ ባይቶ ፣ ኣብ እንዳ ሓዘንን ካልኦት ኣጋጣሚታትን፣ ንሓድሕዶም ‘የላኻ” ክበሃሃሉ ምርኣይ ልሙድ’ዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ጭርቃናዊ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ያታታት ብሄራትና ዘሎ’ዩ።

ኣብ መንጎ ተበሃሃልቲ ፣ ዝለዓል መጎተ ከኣ ፣ ገሃስቲ ወይ ሃሰይቲ ዘይኮኑ ምቁንጻባት ዝሓዘለ እዩ። ብሰንኪ የላኻ ኮርዩ “ኣይትሓዙኒ” ዝብል የለን። ሓይሊ ያላኻ ናይ ብጓቲ፣ ክልተ ጎድኒ ዝጥውቕ ምስ ዝኸውን’ወን ክኢልካ ኣይክኢልካ-ብተመሳሳሊ መገዲ “ ብየላኻ ‘ኢኻ ሕነኻ ክትፈዲ እትህቕን።

የላኻ ዝብል ቃል ላህጃኡ ናይ በለካ’ ዝብል ቃል እዩ። እዚ ጽወታ ብግጥማዊ ኾይኑ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ፣ ኣብ ኣበራት ናይ መቐናቕንቲ ዘተኮረ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ኣዚ ብኻልእ መዳይ ክትርጎም እንከሎ፣ ኣብ የላኻ ዝጽምድ ሰብ ኣንነታዊ ሸንኽ ባህይኡ እዩ ዘንጸባርቕ።

የላኻ ከም መልክዕ ምብህሃ፣ ክረኣ እንከሎ ግን፣ ጽልዋኡ ዳርጋ እወታ’ዩ። መንፈስ ኣብ መንጎ በሃልቱ ዝጸንሐ ናይ ፍቕሪ ምትእስሳር እዩ። ጓሶት ከም መዋዕልቲ መጠን፣ ብዛዕባ ፍቕራዊ ጉዳያቶም ይኹን ካልእ፣ እናተጎጣጠዩ ይዛናግዑ። የላኻ ዝብሃሃሉ ዓበይቲ’ወን ኣዕሩኽ ፣ መዛኑን ናይ ሓባር ተመክሮ ዘለዎም ኾይኖም ኢና እንረክቦም።

የላኻ ከም ጥበብ ወይ ከም መልክዕ ፣ ምስ እንርእዮ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብውሩያት ክኢላታት ኣፋዊ ስነ ግጥሚ ዝብሃል ከም ዘይኮነ ክንጠቅስ ንኽእል። ከም ኣውሎ መልቀስ ምስ ዝኣመሰሉ ኦኣይነት ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ብዙሕ ምትእስሳር ዘይብሎም ሰባት፣ “ተልመዴን’ ዝያዳ የተኩሩሉ ምንባሮም ይግለጽ።

የላኻ ዕላማኡ ፍቕርካ ምግላጽ እኳ እንተኾነ፣ ትሕዛቶኡ፣ ነቀፌታዊ’ምበር ወደሳዊ ኣይኮነን።

ኣብ ርእሲ’ዚ ብየላኻ ዝመላለሱ ሰባት፣ ብዛዕባ ናይ ግጥሚ ክእለቶም ክዛረቡ ኣይረኣዩን’ዮም። ኣብ የላኻ ዝዝውተር …ግጥሚ ፍኹስ ዝበለን ምቕሉልን እዩ። ውስጠዘ የበሉን።

የላኻ፣ ሓደ ኣብ ኮሙ ከም በቓቕ ዝፍለጥ እንተኾይኑ፣ ብየላኻ ፈራሕ እንተኾይኑ፣ ብየላኻ ይጨርቐሉ።

ሓደ እዋን ኣብ ዓዲ ባሕሮ ኣብ ዝተገብረ ጸበል ናይ ገርግስ ክንቲባ እምነቱ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ዓበይቲ ናይቲ ዓዲ ዝነበሩ- ኣይተ ገብርሄት ገብረስላሴን ፣ ብየላኻ ተጋጠሙ፣ ኣይተ ገብርሄት ንከንቲባ እምነቱ፣” ኣውሎ ክብለልኩም ደየ “ በልዎም ፣” እንታይ ክትብለኒ ደሊካ ወዲ ሓውቲ “ በልዎም።

በልኩኹም፣

ክንቲባ ኣምነቱ፣ ከንቲባ ኣምነቱ

ክንዲ ምስ ዝኸውን ቁመቱ

መላእ ማሕስእ ዝመስል ኩሊቱ

ገዛ ገዛ ዝክር ደኣ ይፈቱ።

 

ነዚ ዝሰምዑ ከንቲባ እምነቱ ብወአኖም ‘ ሃእ..ኣቤት ዘረባ” ኢሎም ሰሓቑ፣ ብጸጋማይ ኢዶም ጭሕሞም እናስሓቡ ከኣ “ኣነስ ዝበለኪ ‘ዶ ስኢነ ወዲ ሓውቲ” ክብሉ ንግብረ መልሲ ተዳለዉ።

“ንዓይ ንገብራይ ደኣ እንታይ ክትብለኒ?

ክንቲባ እምነቱ፣ ኣይተ ገብርሄት ምስ ጣልያን ክዕስክሩ ሓቲቶም ንዘጋጠሞም ኣሉታዊ መልሲ ኣልዒሎም‘ዮም ጨሪቆምሎም።

በል በልኩካ ወዲ ሓውቲ’

ህ..

ገብርሄት ወዲ ሓውቲ- ገብርሄት

ወዱ ሓውካ ‘ዶ ዘለአነ

ብክብረተ

ማርቱ ኣዴካ’ዶ ዘይለመነት

ብክብረት

ንጣልያን ኬድካዮ ብህውታተ’

ኣብ ዓዲ ዃላ በለካ ክተተ

ንመንደፈራ’ወን በለካ ኣቫንተ

ዓደልገስ ክትበጽሕ ዓይንኻ ጸልመተ

ደንጎሎ ክትበጽህ ኣካላትካ ሞተ

ሓምሳ ገሪፎም በሏ ኣስኩተ

ባዕልኻ’ዶ ኣምጺእካያ ንውርደተ

ውረ ዳሕራይ መዓልቲ ምስ መን ኢካ ክትዛተ?

ከም ትርእዮ ኣብ ምልልስ የላኻ ስለዝተተንከፈ ዝሓርቕ ሰብ ክህሉ ዘይክእል ኣይኮነን። እንተኾነ፣ ከምዚ ዓይነት ግርጭት፣ ብዙሕ ዘየጋጥምን፣ ከጋጥም ትጽቢት ዘይግበረሉን እዩ። ብሰንኪ ጌጋ ጨራቒ ወይ ብሰንኪ ኣረዳድኣ ናይ ተሸምጣጢ ድማ’ዩ ክስዕብ ዝኽእል። ዝጨረቐሉ ሰብ፣ ንኹሉ ከም ዕቱብ ዝወስዶን ዘይተጻዋርን ምስ ዝኸውን፣ ጌገኛ ክብሃል ይከኣል። ንዝመጾ መጉጠይቲ ናይ የላኽ ብተመሳሳሊ መግዲ ሕነ ክፈድየሉ ምስ ዘይክእል ከኣ’ዩ ኣብ ቁጥዐ ዝኣቱ ። ጨራቒ በቲ መዳይ መንነት መቀናቕንቱ ዝግህስ ፣ ክለዓል ዘይግብኦ ውልቃዊ ዛዕባ ምስ ዝትንከፍ ከም ጌገኛ ክውሰድ ይከኣል። እዚ ድማ ዳርጋ ደይ መደይ ኢልካ ዝፍጸም ሃስያ እዩ። በቲ ካልእ መዳይ ኣብ የላኻ ፈጺሞም መሰረት ዘይብሎም ወይ ኣጋንኖ ዝተሓወሶም ጠቐነታት ክለዓሉ’ወን ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሃዋህው ናይ የላኻ ፣ ምትሕርራቕ ክስዕብ ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ብሓፈሻኡ፣ ክለዓሉ ናይ ዘይግብኦም ጉዳያት ንጹር ዶብ ስለዘየለ ግን ስሕት ኢሉ ምስሕሓብ ከጋጥም ይክእል ነበረ። እንተኾነ ፣ ንኩሉ ግርጭት ያታዊ ፈውሲ ነይርዎ….ይቅረ ምብህሃል።

ተቐማጦ ኦኣዲ ጉልቲ ዝነበሩ ‘ኣቶ ስብሃቱ( ወዶ ጎርሸ)ን ባሻይ ኪዳነን ወልደሩፋኤልን፣ ናብ ዓረዛ-ናብ እንዳ ራእሲ ኪዳነ ማርያም ይኹን ናይ ዝተፈላለዩ እንዳ ዓበይቲ ዝገሹ ፍትዋት ክኢላታት ኣፋዊ ግጥሚ እዮም ነይሮም። እዞም ኦኣበይቲ ኣዕሩኽ ስለዝነበሩ፣ ምእታዎም፣ ምውጻኦም ኮነ ምጋሾም ፣ ብሓደ ‘ዩ ዝነበረ። ገለ ካብ ደቂ’ቲ ዓዲ ከኣ “ ኣቦይ ስብሃቱን ባሻይ ኪዳነን’ሲ ሓሶት እናወሰኹ ‘ኳ’ዮም ብዓበይቲ ዝፍተዉ ዘለዉ” ክብሉ ይሓምይዎም ነበሩ። ኣቶ ስብሃቱን ባሳይ ኪዳነን ድማ ብድሕሪኦም እንታይ ከም ወረየሎም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣቶ ስብሃቱን ባሻይ ኪዳነን ከም ልምዶም ናብ ሓደ ውራይ ናይ እንዳ ኦኣበይቲ እናገሹ ኣብ መንገዲ ኣቶ ስብሃቱ “ ኣንታ ኪዳነ ዓርከይ ምስ ሞትኩ ብልቢ ከልቅሰለይ ዝኽእል መቑሰይ ንስኻ ኢኻ’ሞ ነቲ ሽዑኡ እትገብረለይ መልቀስ እንዶ ሕጂ ኣስምዓኒ ‘ በልዎም።- ንባሻይ ኪዳነ፣ ባሻይ ኪዳነ ሆየ፣ ነቲ ናይ ስብእነት ቁምነገር ብመገዲ መልቀስ ምንጋር ገዲፎም፣ ን ኣቶ ስብሃቱ ከምዚ ክብሉ እዮም ብየላኻ ዝመለሱሎም።

“ኣንታ ጎይታ በዓል ጻማ፣ ጎይታ

በዓል ቡሰት

ኣንታ ልሳነ ድርሰት፣

እንተትመውት እወ እንተትግሕተት

ከረው ‘ተትብል እወ እንተትግሕተት

ኣበይ’ሞ..

መላግብ ከፊትካ ምወጻእካ መታን ሓሶት”

ድሕሪ’ዚ፣ ኣቶ ስብሃቱ “ ኣይ ..ኣንታ ወድ’ያ ወልደርፍኤል! ምንክል ደኣ የብካ’ምበር ፣ ኣነስ ካባኻ ክሕሱ? ምሳኻ ‘ዶ ኣይኮነን ምዓለይ? ክብሉ ሰሓቕU።

ባሻይ ኪዳነ ድማ ትቅብል ኣቢሎም፣ “ እወ ሓቕኻ፣ ቀትሪ ቀትሪ፣ ብማዕረ ኢና ንሕሱ ፣ ለይተ ለይቲ ግን ንስኻ ትገድድ” ክብሉ መለሽሎም።

 

ኣቶ መብራህቱ ሓይላይን ከንቲባ ክብረኣብ ገድላይን ዘካየድዎ የላኻ ድማ ንመልከት፣

“ የላኻ መብራህቱ የላኻ”

 

እንታይ ክብላኒ ንዓይ ነ’ያኻ

“ ሃሮዳ ወዲ ሓይላይ ሃሮዳ”

፣ሃሮዳ ወዲ ዕቑባይ ሃሮዳ

ብዘበን ደራቡሽ ዝለመዳ

በሊዕወን ዘይከፍል ዕዳ”

 

በል የላኻ ‘ታ ወዲ ገድላይ የላኻ’

ኣብ መገዲ ጸኒሐን ገው የባኻ

ኣንታ ወዲ ገድላይ ፣ዓርኪ ጭሩም

ኣንታ ዓርኪ ሰርባይ፣ ዓርኪ ጭሩም

ልቡ ጻዕዳ ‘ንከሎ፣ ገጹ ጸሊም

ፈትየ ከይጸል ኣካ ዓርኪ ሕሩም።”

 

እዛ መገዲ ጸኒሐን ገው የብላኻ” ዝብል ኣበሃህላ፣ ንደቒ ሕድርትና የመልክት።

 

በሉ ናይ የላኻ ጽዋታት….ንሎሚ ኣብዚ ይኣኽለና፣ ካልእ ግዜ ድማ ብካልእ