Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ዝበዝሐ ኣስማት ዓድታትን ከተማታትን ሃገርና ኤርትራ፣ ናይ ባዕሉ ታሪኽን ኣመጻጻኣን ትርጉምን ኣለዎ። ብዛዕብታ ታሪኻዊ ኣመጻጽኡ፣ ሰፊሕ ስለዝኾነ ካልእ እዋን ክንርእዮ ኢና። ንሎሚ ግና፣ ሒደት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ናይ ዝርከባ ዓድታት፣ ኣስማትን ትርጉማተን እንታይ ከም ዝመስል ክንገልጽ።

 

ካልኦት ግዱሳት ድማ፣ እትፈልጥዎ ካብ ምጽሓፍ ኣይትብኮሩ። መርበብና፣ መርበብ ሓበሬታ ርውየት ብዓንደ ርእሱ ዘሎና ኣፍልጦ ንካልኦት ብምክፋል ርውየት ክነርክብዩ። ስለዚ ሃየ እትፈልጥዎ ካብ ምጽሓፍ ኣይትቆጠቡ።

 

ኣስማ እዘን ዓድታት ብቛንቛ ኩናማ

 

ብኩናማ

ብትግርኛ

ኣንቶረ

ቀላጥ መሬት

ተኾምብያ

ማይ ውዑይ

ኡጋና

ዓዲ እምኒ

ኮቶብያ

ማይ ነብሪ

ኣውጋሮ

ጻዕዳ እምኒ

ባዱማ

ጸሊም እምኒ

ዳሰ

ሳዕሪ ሮማዲ

Write a comment

Comments: 0
Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

Date: 08/01/2012

(ባህላዊ ብዙሕነት)

ሳንጋኔኔ: ስርዓተ ዕርቒ፣ ብሄረ ኩናማ

ሳንጋኔኔ፣ ብቛንቛ ኩናማ ክልተ ቃላት ዝሓዘ ትርጉም’ዩ ዘለዎ። ሳንጋ( ዓጽሚ) ክኸውን ከሎ፣ ኔኔ ድማ( ዕርቂ) ቃል ብቃሉ ድማ ፣ ናይ ዓጽሚ፣ዕርቂ ኢልና ክንገልጾ ንክእል። ኣብ ብሄረ ኩናማ፣ ሳንጋኔኔ ተባሂሎም ዝጽውዑ ማይ ቤት ኣለዉ። ሳንጋኔኔ ንብዙሓት ክብሃል ከሎ፣ ( ሳንጋኔና ) ድማ ንሓደ ኣባል እቲ ማይ ቤት ኣብዚ ግና፣ ነቲ ዋና፣ ሓላፊ፣ ጥራይ’ዩ ሳንጋኔና ተባሂሉ ዝጽዋዕ። እቶም ካልኦት ግን፣ ዋላ ሓደ ሰብ ይኹን ሳንጋኔኔ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሳንጋኔኔ፣ ቅትለት እንተተፈጺሙ ዝዓርቕ ቤተሰብ እዩ። እዚ ኣገባብ ዕርቂ ‘ዚ ናይ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዕድመ ከም ዘለዎ ይግለጽ። ሳንጋኔኔ ቅድሚ መንግስቲ ዝብሃል ኣምር ምፍጣሩ፣ ንቕትለት መደቐሲ ንክኸውን ዝተደንገገ ፣ ስርዓት እዩ።

ኣብ ቅድሚ እዞም ማይ ቤት ፣ ሳንጋኔኔ፣ ክብሪ ዘጉድል ሕማቕ ተግባር ኣይግበርን። ዋላ ሰባት ክብ ኣሱ ወይ ወን ኪጸራረፉ ጸኒሖም፣ ሓደ ኣባል ሳንጋኔኔ እንተደኣ ይሓልፍ ኣሎ፣ ‘ሳንጋኔኔ መጺኡ ኢሎም ስቕ ይብሉ። ኣብ ቅድሚ እዞም ኣባላት ሳንጋኔኔ ጽዩፍ ዘረባ ኣይፍቀድን። ኣብ ዝኾነ ቦታ ከይዶም ፣ ኩቡራትን ተሓፈርትን እዮም።

ብደረጃ ስድራቤት ብዙሓት እዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ድማ ይርከቡ።ኣብ ከባቢ ፎዴ ሓደ ዘተዓርቕ ሰብኣይ፣ ከም ዝነበረ እፈልጥ። ኣብ ከባቢ ሶና ፣ጋሽ፣ ከባቢ ቢንቢና ኣለዉ። ኣብ ማርዴ ዝብሃል ቦታ ይርከቡ እዮም። ኣብ ዝኾነ ብሄረ ኩናማ ዘለውዎ ቦታ ሰብ እንተደኣ ተቐቲሉ ግን እቲ ርእሲ ( ማለት ሳንጋኔና) ኣብ ቢንቢና ዝርከብ’ዩ ዝዓርቕ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሓደ ሰብ ነይሩ( ሳንጋኔና) ዝኾነ፣ ብዘይክኡ ካልእ ሰብ ነቲ ኣገባብ ዕርቂ ክፍጽሞ ዝፍቀድ ኣይኮነን፣ ምናልባት ሳንጋኔና እንተሞተ ግን፣ ዝተመዘዘ ወራሲ ስለዘለዎም፣ እቲ ወራሲ ይቕጽሎ።

ሓደ ሰብ፣ ሰብ እንተደኣ ቀቲሉ፣ ኣብ ሓንቲ ናይ ሳንጋኔኔ ቤተሰብ ዝርከብ ቤት ሃዲሙ ይዕቖብ።

“ምናልባት ሰብ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ብባእሲ፣ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ሰብ ከቐትል ይኽእል’ዩ እቲ ትንፋስ ዘሕለፈ ምስ ኣረጋገጸ፣ እቲ ቀታሊ ኣብ እንዳ ሳንጋኔኔ ይዕቆብ፣ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፣ ቆልዓ ይኹን ዓቢ፣ ኮታ ዘመድ ቀታሊ ዝኾነ ኩሉ ናብ መዕቆቢ’ዩ ዝሃድም።’

( ኣብ ብሄረ ኩናማ ዝምድና ብ ኣደ’ዩ ዝኸይድ። ቀንዲ ዘመድ ዝብሃሉ፣ ልክዕ ከም ብሄረ ትግርኛ፣ ኩሉ ናይ መርዓ ስርዓት ይኹን ካልእ ሓወቦታት ዝፍጽምዎ። ኣብ ብሄረ ኩናማ ድማ፣ ኩሉ ብ እንዳ ኣደ እዩ ዝፍጸም፣ ቀዳሞት ኣዝማድ ዝብሃሉ ድማ፣ ሓትኖ፣ ኣኮ፣ ኩሎም ብኣደ ዘመድ ዝኾኑ እዮም።

እቶም ዘዕቁቡ፣ ነቲ ርእሲ ኩሉ ሳንጋኔና ይነግርዎ። ንሱ ድማ ነቶም ኣዝማዱ ኩሎም ይጽውዖም። ነቲ መዕቆቢ ኮይኑ ዘሎ ቤት ከኣ ከም ሓጹር ወይ ተኸላኸልቲ ኮይኖም፣ ነቲ ቀታሊ ሓደጋ ናይ ሕነ ከይወርዶ ይሕልውዎ።

ንጽባሒቱ፣ ነቶም እንዳ መዋቲን እንዳ ቀታልን ጸዊዑ ኩነታት ናይቲ ኣማውታ ከመይ ከምዝኾነ ክገልጽሉ ይሓትትን የጻርን።” ቀታሊ ኣብ ኢደይ ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ኣነ ሓላፍነት ወሲደ ኣለኹ። ምፍኽኻር፣ ወይ ታህዲድ ካባኹም ከይሰምዕ፣ ዕርቂ ክንገብር ኢና” ይብሎም። ኣብ ልዕሊ’ዚ ሰብ’ዚ ሕነ እንተፈድዮም ተሰከምቲ ሓላፍነት ምዃኖም የፍልጦም። ( ኣብ ብሄረ ኩናማ፣ ወዲ ተባዕታይ እንተደኣ ተቀቲሉ፣ እቲ ሕነ ዝፈዲ ወዲ ተባዕታይ’ዩ ዝቀትል፣ ከምኡ’ወን ጋል ኣነስተይቲ እንተደኣ ኮይና፣ ጋል ኣነስተይቲ)

እቲ ሓበሬታ ቅትለት ኩሉ ምስ ተኣከበ፣ እንዳ ቀተልቲ 15 ኣጣል፣ 12 ከብቲ፣ 8 ሜትሮ ዓለባ፣ 5 ጎጎ ትምባኾ( ትምባኾ ከም ጎጎ ነቒጹ’ዩ ዝሽየጥ) ይእዝዞም። ነዚ ጥሪት’ዚ ኣኺቦም ክሳብ ዝመጹ፣ ነቶም እንዳ ቀታሊ ዕድል ይወሃቦም። እቶም እንዳ መዋቲ ኸኣ ሕነ ክፈድዩ ኢሎም ከይትንክፍዎም፣ ዋላ ብጽፍሮም’ወን ይኹን ከይሕንጥጥዎም ሓደራ ለቢሶም ይኸዱ ። ስድራቤት( ኣዝማድ ቀታሊ ድማ ካብ መዕቆቢ ወጺኦም ክሳብ ግዜ ዕርቂ ስርሖም ክገብሩ ይፍቀደሎም።

ኩሉ እቲ ዝተባህለ ትእዛዝ ክሳብ ዝማላእ፣ በብእዋኑ እናመጹ” ከምዚ ገይርና ፣ ከምዚ ድማ ተሪፉና” እናበሉ ነቲ ሳንጋኔና ይሕብርዎ። ንሱ ኸኣ ናብቶም፣ ስድራ መዋቲ ብምኻድ፣ “ቐሪቦም’ዮም ተዓገሱ” ብምባል መራኸቢ ድልድል ኮይኑ የረዳድኦም። እቶም ቀተልቲ “ እቲ ዝኽፈል ክንከፍሎ ተዳሊና ኣሎና” ምስ በሉ መዓልቲ ዕርቂ ይውሰን።

መዓልቲ ዕርቂ ምስ ኣኸለ፣ ነፍሲ ወከፍ ነባሪ እቲ ዓዲ ንስራሕ ከይከይድ ይኽልከል። በታ መዓልቲ እቲኣ ኩሎም ኣብ ገዛ’ቲ ሳንጋኔና ይእከቡ። ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ጤል ( ወጠጦ) ተሓሪዱ፣ ቅሩብ ደም ኣብ ታፊራ( ኣብ ፍርቂ ዝተቆርጸ ንእሽቶ ሓምሓም) የዕቁሩ። ካብቶም ኣዝማድ እቲ ሳንጋኔኔ ሓደ ድልዱል ጎበዝ ተመሪጹ። ናብቲ ስድራ መዋቲ ዘለውዎ ከይዱ ነታ ደም ዝመልአት ታፊራ ናብቲ ኣጉዶ ይግጭባ። ንሶም ንዕኡ እንተቀቲሎሞ ሕኒኦም ፈድዮም፣ ተባሂሉ ኩሉ ነገር ይቛረጽ፣ ግን ክሳብ ለይተ ሎሚ፣ ብተግባር ንዕኡ ኣይቀተልዎን እዮም። ንሱ ከኣ ተጠንቂቁ ዝኸይድ። ትርጉም ናይዛ ተግባር እዚኣ ዕርቂ የድልዩ ኣለው ፣ ከኣ የመልክት። እታ ስርዓት እቲኣ ከኣ “ኮኮቦፋዳ” ትብሃል። ኮኮቦፋዳ ፣ ማለት ምድርባይ ደም ማለት እዩ።

እቲ ዕርቂ ኣብ በረኻ’ዩ ዝግበር። እቲ ሳንጋኔና ባዕሉ ስቡሕ ብዕራይ ኣብ በረኻ ወሲዶም፣ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ጻጸ ጉድጓድ ኣቕሪቦም፣ ብህይወት ከሎ ካብ ኣብራኹ ብሴፍ ኣቖርጽዎ። ምስ ወደቀ ፍርቁ ኣብቲ ዝተሓርደሉ ቦታ እቶም፣ ሰብኡት ይበልዑዎ። ፍርቁ ዓዲ ኣትዩ ፣ ዓዲ ይበልዕዎ።

ካብ እንዳ መዋቲን፣ እንዳ ቀታልን ክልተ ኣንስቲ ብዑንቂ ተሰሊመን ሓደ ዓይነት ቁኖ ተቖኒነን ይመጻ። ክቑነና ከለዋ ኣብ ጻዕዳ ተንኮበት፣ ናብ ምብራቕ ጠሚተን’የን ኮፍ ዝብላ። ክልተ ሰብኡት ድማ ካብ ክልቲኡ ቤተሰብ፣ ከምቲ ኣብ መርዓ ዝግበር ኣብ ኢዶም፣ ኣብ ቅልጽሞም ኣብ ክሳዶም ዑንቂ ተሰሊሞም ይመጹ። ናብ ምብራቕ ጠሚቶም ቅድምን ድሕርን ብሙዃን ይቕመጡ።

ክልቲኦም ቤተሰብ( መዋትን ቀታልን) ጠስምን ኩሕልን የቕርቡ። እቶም ክልተ ሰብኡት ተለዋዊጦም፣ ነንሓድሕዶም ይለኻኸዩ። ይዃሓሓሉ። እተን ኣንስቲ ኸኣ ይለኻከያ፣ይኹሓሓላ።

ላዕለዋይ ቅልጽም ናይቲ ብዕራይ ከይበሰለ ስጋ ከይተርፍ ኣጽሪኻ ይሕኸኽ። ንእሽቶ ጉድጓድ ይዃዓት፣ ንእሽቶ ቁራጽ ሓምሓም ( ታፊራ) ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉድጓድ ትቕመጥ። ኣብ ውሽጣ በቲ ሳንጋኔና ዝተቓመመ መድሃኒት ኣለዋ። እቲ ዓጽሚ ኣብ ልዕሊ እታ ታፈራ ብኽልቲኡ ወገን እምኒ ይጽቐጥ። ካብ እንዳ መዋቲን ቀታልን ሓሓደ ሰብ መጺኦም ጥራይ ዝባኖም፣ ስረ ጥራይ ለቢሶም ብኽልተ ሸነኽ ኩርሲ ተዋሂብዎም ተጠማሚቶም ኮፍ ይብሉ።

እቲ ሳንጋኔና ከይተሰብረት ዝጸንሓት፣ ክንዲ ዕማኾ ትኸውን ቆጽላዊት እምኒ፣ ካብ ሰብ ዝቕመጠሉ ዝነበረ ደምበ፣ ደልዩ ወይ ኣዳልዩ የምጸኣ። ኣብታ ፈውሲ ዝሓዘት ታፊራ ኸኣ ሰለስተ ግዜ ቱፍ ቱፍ ይብል። ኣብ መበል ራብዓይ ፣ ነታ ዓጽሚ በታ ቆጽለዊት እምኒ ይሃርማ፣ ትስበር። ካብቲ ዓጽሚ ኣንጉዕ ኣውጺኡ፣ ምስቲ ፈውሲ ይሓዋውሶ።

ነቶም ክልተ ሰባት ካብ ግንባሮም ክሳብ ደረቶም ይለኽዮም። ግንባር ንግንባር ፣ ኣፍንጫ ን ኣፍንጫ፣ ኣፍልቢ ን ኣፍልቢ ኣራኺቡ ኸኣ ከምዝፈሓፍሑ(ይሰሓስሑ) ይገብር። ብድሕሪኡ በቲ ቅብኣት እቲ እቶም ሰባት ፣ ኣዝማድ ኮይኖም ማለት’ዩ ባእሲ ድማ የለን።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ብድሕሪ ዕርቂ ባእሲ ምስ ዝፍጠር፣ መቕጻዕቲ ስለዘለዎ፣ እቲ ብመቕጻዕቲ ዝመጸ ክፍሊት ነቲ ሳንጋኔና’ዩ ዝውሃቦ።

ኣብቲ ግዜ ዕርቂ ከምቲ ኣብ ካልእ ፣ ብሄረ ኩናማ ዝገብርዎ ጽወታ ይኹን ደርፊ የለን።

ካብ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሕጂ፣ ብሕግን ስርዓትን ሳንጋኔኔ ኣርባዕተ ግዜ ዕርቂ ተኻይዱ። ብሕጂ’ወን ውሱን ግዜ ኣይተገብረን እምበር መስርሕ ናይ ዕርቂ ክግበር’ዩ።

እዚ ኹሉ ክግበር ግን እቲ ሓላፊ ( ርእሲ ኮይኑ ዝዓርቕ ሰብ ( ሳንጋኔና) ዝኾነ ይኹን ዝሓቶ ክፍሊት የብሉን። እቶም እንዳ መዋቲ ግን ካብቲ ዝውሃቦም ክፍሊት ( ካሕሳ) ሓሙሽተ ስኬና( ኣብ ፍርቂ ዝተቆርጸ ዓቢ ሓምሓም) ብላኻ ዝተሰርሐ መውረዲ ማይ ይህብዎ።

እዚ ባህሊ’ዚ ከም ንዕርቂ ዝተበገሰ ባህሊ መጠን፣ ብውልቀ ሰባት ይኹን ብዝምልከቶም ናይ ፍትሒ ትካላት ዓሚቕ መጽናዕቲ ተገይርሉ፣ ናብ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ተኣታትዩ፣ ክንጥቀመሉ እንተዝፍተን፣ ጽቡቕ ውጽኢት፣ ኣለዎ ዝብሉ ፈሊጣን ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮኑን።

ሳንጋኔኔ፣ ኣብ ናይ ዓጽሚ ዕርቂ ዝፍጠር ነቲ ብቀሊል ክፍታሕ ዘይክእል ናይ ደም ምፍሳስ ስምዒት ኣዝሒሉ፣ ናብ ልዙብ ዝምድና ዘምርሕ ኣገባብ ዕርቂ’ዩ። ንሕልና ሰባት ናብ ሰላም ኣምጺኡ ሕውነት ዝፈጥር ብምዃኑ ድማ ዝምስገን እዩ።

 

ወግዒ ቐምሽ ውሽጢ

By Viviana Amanuel 22 March 2012

 

ኣብ ብሄረ ኩናማ ኣብ ሰብ ሓዳር ይኹን ኣብ ዘይ ሰብ ሓዳር ሕቶ ኣቦነት ፣ ኣብ ምስሓሓብ እንተበጺሑ፣ እቲ ጥርጡር ኣብ ኢድ ኣኮታት ስለዝወድቕ ብዙሕ ግዜ ቕልጡፍ ፍታሕ ይረክብ። ብዓልቲ ሓዳር ሰበይቲ ንካልእ ሰብኣይ ውላድ ናትካ’ዩ ኢላቶ እንተክሒዱ……… ኣብ ክርክር ብዝያዳ እታ ሰበይቲ ተሰማዒት ትኸውን። ጓል ፣ ወይ ድማ ሓዳር ዘይገበረት ብዘይ ሕጊ እንተወለደት’ወን ዝሰመየቶ ሰብኣይ ኣቦነት ይቕበል። እንተከሓደ ከኣ …ኣብ ቅድሚ እኩብ ሰብ “ቐምሽ ውሽጢ” ኣውጺኣ ኣብ ርእሱ ትድርብየሉ። ትርጉሙ “ ሰለፈይ ዓንዲርካሉ ከተብቕዕ ጠሊምካኒ…ኣምላኽ ይጥለምካ” ማለት’ዩ። እዚ ነቲ ዝኸሓደ ዓብይ ጸርፍን ናይ ሕልና ወቐሳን ስለዝስዕበሉ፣ ውላዱ ንክቕበል ጸቕጢ ይኾኖ። በዚ’ወን እንተቕበጸ ሰበይቲ ምስ መሓለት ውላዱ ክቕበል ይግደድ ፣ ምኽንያቱ፣ ማሕላ ጓል ኣነስተይቲ ኣብ ብሄረ ኩናማ ከቢድ’ዩ ። ነታ ዝወለደት ከኣ ኣኮታታ ከም ካሕሳ መጠን “ መሸኸቡራ” ዝስመ ሕሩድ ይሓርዱላ።

ካብ ብዓልቲ ሓዳራ ሰሪቑ ዝወለደት ኣደ ህጻን ባዕላ ናይ መን ሙዃኑ ክሳብ ትነግር ፣ እቲ ዝጥነሳ ንዝኾነ ዘመድ ይኹን ፈታዊካብ እገሊት ወሊደ ኣለኹ። ክብል ነውርን ጽያፍን እዩ። በዚ ባህሊ’ዚ ከምዚ ዘኣመሰሉ ጉዳያት ተሰቲሮም ይዕቐቡ። ኣቦነት ድማ ንብዓል ሓዳር ይውሃብ፣ ይኹን ‘ምበር ሰብኣያ ፣ቆልዓ ተቀቢሉ ትም ክብል ስለዘይቀስን ነቲ ዝወለደላ ሰብኣይ ተኸታቲሉ ጉድኣት ከውርደሉ ወይ ክቀትሎ ይኽእል።

ብሓፈሻ ኣብ ብሄረ ኩናማ ብዛዕባ ኣቦነት .ክርክር ዘይለዓለሉ ምኽንያት፣ እቲ መጻምዲ ኣብ ዕለተ መርዓኦም ካብ ዝተሓርደ ብዕራይ ዝልከዮ ደም ከም ዓብይን ክብርን ናይ ዘይጥልላም ቃል ኪዳን ስለዝቑጸር እዩ ይብሉ። እዚ ባህሊ’ዚ ኣብ ቦታኡ ሃልዩ ሰብኣይ ኣይውላደይን ኢሉ ኣቕቢጹ እንተተረፈ ህጻን ን ኣኮታት ተዋሂቡ፣ ነቲ ዝኸሓደ ከኣ ኣቦታት ዓይኑ ብሻሽ ሸፊኖም ይገድፍዎ፣

ትርጉሙ ከኣ ስለዝጠለመ ዓይኑ ምስ ተሸፈነ ብእኡ ጌሩ ክዓውር’ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ስለዘለዎም እዩ።

 

“ሰብኣይ፣ ደም ይነትዕ፣ ጓል ኣነስተይቲ ግን ደምን ጸባን ትነትዕ” ኣበሃህላ ኩናማ።

By Viviana Amanuel 16 March 2012

 

ጋር ነብሲኣብ ዝበዝሓ ብሄራትና፣ ኣብ ዕድመን ጾታን ማሕበራዊ ቦታን…ወዘተ ፍልልይ የብሉን። ኣብ ብሄረ ኩናማ ግን፣ ንጓል ኣነስተይቲ ዝኽፈል ጋር ነብሲ ብተዛማዲ ካብ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዝኽፈል መጠን ብዝበዝሐ እዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፣ ““ሰብኣይ፣ ደም ይነትዕ፣ ጓል ኣነስተይቲ ግን ደምን ጸባት ትነትዕ” ኢሎም ስለ ዝኣምኑ’ዩ። ካልእ ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ፣ ነፍሰ ጾር እንተደኣ ኾይና ድማ፣ ናታን ፍርቒን ጋር ነብሲ በቲ ዝቐተለ ይኽፈል። ኣብዚ ግን፣ እቲ ዝቐተለ’ ውልቐሰብ ወይ ( ስድራቤት ) ጥራይ ኣይከፍሎን’ ብዓዋር/ ወኪል ቀቢላ፣ ቀቢላኡ ኣዋጺኣ ትከፍሎ።


“ኮይሻሻ”( ለበዋ)

By Viviana Amanuel 16 March 2012

 

ኣብ ብሄረ ኩናማ ለበዋ “ ኮይሻሻ” ይብሃል። ብለበዋ ከኣ ንብረት ክዕደል ይኸኣል። “ኣኮ”( ሓው ኣዴኻ) ክመውት ምስ ተቐራረብ ኣእምሮኡ ከይጎደለ እንከሎ ይፍጸም። ለበዋኡ ምስ ሞተ ኣብ ተዝካሩ ይሕበር።

ኣብ ብሄረ ኩናማ ተዝካር ክልተ ሳዕ’ዩ ዝግበር። እቲ ቀዳማይ ተዝካር ንዝኽሪ ናይቲ ዝሞተ ዝግበር ኾይኑ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ዝሞተ ለበዋ እንተነይርዎ ብዕሊ ዝንገረሉ ግዜ’ዩ።

ሽዑኡ ዕለት’ ማለት ኣብቲ ካልኣይ ተዝካር ሙዃኑ’ዩ “ እንታይ ኣሎ ንዓና ዘይተነግረና ወይ ኣፍሉጥናን ቅረቡናን “ ይብሃል። “እንፈልጦ ኣሎና ወይ ዝግብኣና ኣሎና” ዝብሉ እንተተረኺቦም ፣ ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ፣” እገለ ( መዋቲ ‘ሙዃኑ’ዩ) ነጊሩና ነይሩ “ ይብሉ። ኣብቲ ካልኣይ ተዝካር ( ምንጋር ለበዋ) ኩሉ ክንገር ኣለዎ። ሽዑ ዘይመጸ ወይ ዘይነገረ ግን ድሕሪኡ ሕቶ ከልዕል ኣይኽእልን።

ኣብቲ ናይ “ኮይሻሻ” ( ለበዋ) መዓልቲ ፣ ኣርባዕተ ዓበይቲ ዓዲ ዝብሃሉ ዝጸንሐ ዕዳ እንተሎ ንምርግጋጽ ኣብ ቕድሚ እኹብ ህዝቢ ንኽብሪ ስነ ስርዓት ዝሞተ “ኣቦሓጎና ዘለቕሓኹም ክትከፍሉና፣ ዕዳ ዘለኹም ድማ ክንኸፍለኩም ብዘይ ሕብእብእ ብቕንዕና ንረዳዳእ” ይብሉ። ሻቡ፣ ኩሉ ምስ ተወደአ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ተገይሩ   ስዋ፣” ዳጋ” ተሰትዩ ይፈላለዩ።


ንፍትሕ መን ተበግሶ ወሲዱ

By Viviana Amanuel 26 March 2012

 

ኣብ ብሄረ ኩናማ ጉዳይ ምንባይን ቐለብን ቆልዑ ፣ ንፍትሕ መን ተገብሶ ወሲዱ ኣብ ዝብል ዛዕባ እዩ ዝምርኮስ። ከም ኣብነት ኣብ ከባቢ ሰሶናን ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዝቕመጡን ኣባላት ብሄረ ኩናማ፣ ብተበግሶ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተተፈቲሓ “ ኣላፋዳ” ይብሃል። ኣደ ምስ ደቓ ጠቕሊላ ከኣ ናብ ኣኮ ደቓ( ሓዋ) ከይዳ ትቕመጥ። ፍትሕ ብተበግሶ ሰብኣይ እንተኾይኑ ግን፣ ደቓ ምስ ኣቦኦም ይተርፉ ንሱ ድማ ናይ ምንባይን ምቕላብን ሓላፍነት ይስከም።


ኣቓውማ ብሄረ ኩናማ

By Viviana Amanuel 11 March 2012

 

ኣብ ብሄረ ኩናማ’ ከም ኩለን ብሄራትና’ መሰረታዊት ኣሃዱ፣ ስድራቤት’ያ ። “ዱማ ኢታ” ድማ ትብሃል። ኣቦ ኣደ ቆልዑ (ደቆም) ድማ ትቐውም። “ዱማ” ሓዳር ኪኸውን እንከሎ፣ ዱማ ኢታ ድማ ስድራቤት እዩ። ድሕሪ “ዱማ ኢታ” ዘሎ ማሕበራዊ ውዳበ ከኣ፣ “ዳርካ ክሽ (ማይ ቤት) ተባሂሉ ይግለጽ። ብካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ወለዶ ኣሓት ወይ እናሓጎታት ድማ ይቐውም ( ኣብ ብሄረ ኩናማ ወለዶ ብእንዳ ኣደ እዩ ዝቁጸር) ብድሕሪኡ ዝመጽእ’ ውዳበ “ ኣፋክሽ” (ዓዲ) ኮይኑ፣ ካብ ሹድሽተ ክሳብ ሸውዓተ ኣሓት ብዝፈረያኦም ድማ ይቐውም።

“ኣፋክሽ” ዝርጋሐ ዘለዎ መቕርብ (extended family)ማለት እዩ። ብድሕሪኡ “ ድጉለ/ ድጉለይታ” (እንዳ/እንዳቦ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውዳበ ይመጽእ። ኣባላት ሓደ ድጉላ ኣብ ዝተፈላልየ ዓድታት ዝቕመጡ ኪኾኑ ይኽእሉ። ሓደ ድጉላ ብብዙሓት ኣኮታት ብዝመርሓ ንኡሳን “ ድጉላታት” ዝቖመ እምበር፣ ንሓደ “ድጉላ” ጠርኒፉ ዝመርሕ ኣኮ የለን።

ልዕሊ ‘ድጉላ” ዘሎ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ውዳበ “ኩሽራ ኩራ” ይብሃል። ሰረት ወይ መበቖል ማለት ድማ እዩ። “ኩሽራ ኩራ ነተን ኣርባዕተ ዓሌታት ብሄረ ኩናማ ( ሽዋ፣ ከረዋ፣ ሰርማ፣ ጉርማ) ድማ ይጠምረን። ናይ ኣርባዕቲኤን ዓሌታ ሓባርዊ መጸውዒ ድማ (ብሄረ ኩናማ) ወይ ድማ (ባዛ) ይብሃል።ካልኦት ምስ ኩናማ ዝጽብጸቡ ርሕቕ ዝበለ ዝምድና ዘለዎም “ድጉላ ከበሳ፣ ኩዳዳ ከበሳ፣ ባለይዳ ከበሳ” ዝብሃሉ ዓሌታት እወን ኣለው።

ኣብ “ዳርካ ክሽን (ማይ ቤት) ኣፍክሽን (ዓዲ) ዓበይቲ ኣኮታት የመሓድሩን ይሽምግሉ( ጉዳያት ይዳይኑ)። ኣኮ ንደቒ ሓውቱ ናይ ምእላይ ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ውርሻ ድማ ወራሲ እዩ። ንኹሎም ዓሌታት ብሄረ ኩናማ ሓደ ያታዊ ሕጊ ይጥርንፎም፣ “ ንኣፋክሽ (ዓዲ) ፣ “ሱካማና (ጭቓ) የመሓድሮ። ንኹሎም ዓሌታት ብሄረ ኩናማ ብመስመር ኣደ እናተወራረሰ ዝመጸ ሓላፍነትዝተሰከመ ዝለዓ ስልጣን ውን ኣለዎም ዝብሃሉ ሹመኛታት (ሳንጋኔና” ይብሃሉ። ጉዳያት ድማ ይፈትሑ (ንሳንጋኔና….ዝምልከት ኣብ ቅድመ ጽሑፋት ርውየት ተመልከቱ…………………።

ተወሳኺ

ብዘይካ ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ (ለጋኣይንና፣ ወይ “ለጋማና” ዝብሃሉ ኣብ ጉዳያት ፣እምነት ኣብ ምሕደራ ኣከባቢ መሬትን ሃብቲ እንስሳን፣ ጉድኣት ንዘወረዱ ፍርዲ ዝህቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣለዉ። ንኹሎም ኣባላት ብሄረ ኩናማ ብእምነትን ልምዳዊን ሕጊን ይጥመሩ። በበኸባቢኦም ምሕዝነት ኣብ ኩሉ መዳያት ምድግጋፍን ድማ የዘውትሩ። ኩሉ ሰብ ኣብ ቕድሚ ባህላን ልምዳውን ሕጊ ማዕረ እዩ። ኣብ ኩሉ ገዚፍ ይኹን ፎኪስ (ከም ቅትለት) ዘኣመሰሉ ጉዳያት ድማ ይቕረ ከቀድሙ ይግደዱን ፣ ይመርጹን።

ከም መግለጺ መንነትን ጥምረትን ሓድነትን ኣባላት ሓደ “ድጉላ” ኣብ ዓመት ሓደ እዋን ብሓባር መኣዲ “ሽንፋ ኮንፈ” (ገዓት) ይምገቡ። ሓደ ኣባል “ድጉላ’ (እንዳ) ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንእምነት “ድጉላ” ምስ ዝጥሕስ ወይ ኣንጻር “ድጉላ” ደው ምስ ዝብል፣ ከም መቕጻዕቲ፣ ዝግባእ ምትሕግጋዝ’ እቲ ሕብረተሰብ ይንፈጎ። ካብ ድግላ ክስጎግን ኣባልነቱ’ወን ክስረዝን ይኽእል።


ጋር ነፍሲ

By Viviana Amanuel 11 March2012

 

ኣብ ብሄረ ኩናማ ኣብ ጋርን ሕነ ምፍዳይን ብናይ እኖሓጎታት መስመር ዝጽብጸቡ ደቒ ሓትኖታት ብቐዳምነት ክትሓጋገዙ ግዴታ ኣለዎም። ሓደ ዓሌትንካልእ ዓሌት ኣብ ጋር ነፍሲ ምኽፋል ክተሓጋገዙ ቕቡል ኣይኮነን። ኣብ ዘይ ጉዳይኩም ኢድ ጸንቢርኩም ተባሂሎም ስለዝቐያይም ኣይፍቐድን።


ሕጽኖት ኣብ ብሄረ ኩናማ

By Viviana Amanuel 30 January 2012

 

ሕጽኖት ኣብ ብሄረ ኩናማ ኣብ እንዳ ጓል ኮይኑ፣ ካብ ዓመት ክሳብ ሰለሰተ ዓመት ክጸንሕ ይኽእል። እዚ ማለት ፣ መርዓዊ ኣብ እንዳ ሓሞኡ መንፍዓቱ ንኸመስክር ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣገልጋሊ ናይ እንዳ ሓሞኡ ኮይኑ፣ ኣብ ኩሉ ወፈራታት ይለኣኣኽ። በዚ’ዩ ከኣ እቲ ናይ ሕጽኖት ግዚኦም ዝውሰን።

መርዓት- (ሶላባ ኪሳ) መርዓዊ (ሶላባ ኣዳ) ይብሃሉ። ክዳውንቲ መርዓት፣ ካብ ኣፍልባ ንታሕቲ ዝዕጠቕ ጻዕዳ ነጸላ። ስልማት ፣ ኣብ ግንባራ ቀጣን ካብ ዝለፍዐ ቆርበት ዝተዳለወት ዕንቑ ዝተሰኹዓ (ጋርመዋ) እዚኣ ፍልይ ዝበለት ካበተን ዕንቑታት ናይ ግንባር ኮይና ክብርቲ’ያ- ዋጋ ሓንቲ በጊዕ ትኸውን። (ሳማይድርጋ -) ናይ ክሳድ ስልማትን ካልእን። ክዳውንቲ መርዓዊ፣ ጻዕዳ ( ቴትሮን) ጀለብያ።

መግቢ መርዓውቲ ካብ ኣመጋግባ ናይቲ ብሄር። መሓዙትን ኣዕሩኽን መርዓዊ ( ኮዳ) ይብሃሉ።

ሓማት ጓል-(ኤሳ፣) ሓማት ወዲ (ኤታ) ሓሙ(ኣይባ) ንዕልቲ ( ኤስያኪሻ) ሓሙት (ኣዳ) ዘማ ከኣ (ሳማ) ይብሃሉ።