ንግስነት ርሓይታ

By Viviana Amanuel May 07, 2012

 

ርሓይታ ዝብል ቓል መጸውዒ ናይታ “ርእሲ ከተማ” ንግስነት ርሓይታ ዝኾነት ዓዲ’ወን እዩ። ንሳ ካብ ገምገም ባሕሪ ኣስታት ክልተ ኪ.ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

ንግስነት ርሓይታ ጽላል ናይቶም ብተጀራ፣ ጎቦዓድ፣ ኣውሳ’ ወይ ከለው፣ ከምኡ’ወን፣ ብዓርፎ ወይ ቢሩ ዝጽውዑ፣ ኣብ ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ዝርኸቡ ካልኦት ንግስነታት ብሄረ ዓፈር ከም ዝኾነ፣ካብ ኩሎም ዝዓበየ ዝና ከም ዘለዎን’ዩ ዝፍለጥ። እቲ ምኽንያት ርሓይታ ምስ ሓውሲ ደሴት ዓረብን ካልኦት ምዕቡላት ናይ ስግር ባሕሪ ከባቢታትን ንኣብነት፣( ኣልደውላ ኣልዑስማንያ ወይ ቱርኪ) ብቐሊሉ ንምርኻብ ዘኽእል ኣፍደገ ባሕሪ ስለዘለዎን፣ ኣብ ከባቢ’ቲ ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቕያኖስን ዘራኽብ ብ’ባብ ኤል መንደብ” ዝፍለጥ ስትራተጂካዊ ቦታ ስለ እትርከብን ምኻኑ ይንገር።

ንግስነት ርሓይታ ን36 ቀቢላታት ብሄረ ዓፈር ዘጠቓልል ግዝኣት እዩ። እቲናይ ምንጋስ መሰል ግን ኣብ ሓንቲ (ዓድ ዓሊ) ተባሂላ እትጽዋዕ ቀቢላ ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ።

ቀቢላ ዓድ ዓሊ፣ ዳኒቴን ቡርሃንቶን ኣብ ዝተባህለ ክልተ እንዳታት ዝተኸፋፈለት እያ። እቲ ንግስነት ከኣ ነዘን ክልተ እንዳታት በብተራ ይበጽሐን ። እዚ ህልው ንጉስ ንኣብነት፣ ( ወግዓዊ መጸውዑ ደርደር) ካብ እንዳ ዳኒቴን እዩ። ምክልትሉ ድማ ወግዓዊ መጸውዒኡ (ቦይነታ) ኮይኑ፣ ካብ እንዳ ቡርሃንቶ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ (ደርደር፣ ሱልጣን ካብ ዳኒቴ እንተኾይኑ፣ ቦይነታ ምክትሉ ካብ ቡርሃንቶ ክኸውን’ዩ ቐዋሚ ሕጊ ዝእዝዝ። ከምኡ’ወን ብኣንጻሩ።

ደርደር እንተደኣ ሞይቱ ብቦይነታ እዩ ዝትካእ ብከምዚ ከኣ ንግስነት ካብ ሓንቲ እንዳ ናታ ካልአይቲ ይሰጋገር። እዚ ምስግጋር ንግስነት’ዚ እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ምምቕራሕ ስልጣን ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ እንዳታት እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ።

 

ምሻም ደርደር

ደርደር ፣ ተወከልቲ ናይቶም ኣብ ጅቡቲ ፣ ኢትዮጵያ ፣ ኤርትራ ዝርከቡ ንግስነታት ብሄረ ዓፈር ከይተረኡ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ (ካላውታ) ዝተባህለ ኣኽሊል ብምድፋእ እዩ ዝሽየም። ( ካላውታ) እቲ ዝሽየም ደርደር ፣ ንጉስ ኣብ ርእሱ ዝወድያ ቆቢዕ እያ። ደርደር ምስ ተሾመ ፣ ካብታ ዝተሾመላ መዓልቲ ጀሚሩ ዝኾነ ሰብ ሴፍ፣ ካራ፣ በትሪ ይኹን ዝኾነ በሊሕ ነገር ሒዙ ሳእኒ ወድዩ ናብ እንዳ ንጉስ ክኣቱ ኣይፍቐድን። ብጌጋ ወይ ከኣ ብካልእ ምኽንያት ነዚ ሕጊ ጥሒሱ እንተደኣ ኣትዩ ከኣ ብከቢድ ይቕጻዕ።

 

ፊዕማ

ፊዕማ ኣብ ውሽጢ’ዚ ንግስነት ዝሰርሓሉ ነቲ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ዝህብ ዓይነት ማሕበራዊ ውዳቤ’ዩ። እዚ ውዳቤ’ዚ ንዝኾነት ወዲ 15 ዓመት ዝኣኸለ ወዲ ተባዕታይ ብኣባልነት የጠቓልል። ኣብ ክልተ ክፍልታት ከኣ ይምቐል።

ሀ) ፊዕመት ፈንተባ

ለ) ፊዕመት ረይቢስ

 

ኣብ ኩናት ይኹን ባእሲ ኣብ ፊዕመት ፈንተባ እቲ ቀንዲ ኣጥቓዒ ሓይሊ ክውደብ እንከሎ፣ ኣብ ፊዕመት ረይቢስ ድማ እት ካብ ጸላኢ ዝከላኸል ሓይሊ ይውደብ። ኣብዚ ውዳቤ’ዚ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሓንቲ ካብዘን ጉጅለታት’ዚኣተን ክምደቡ ኣይፍቐደን።

ኣብ ክልቲኤን ክመቓቐሉ ናይ ግድን ይኾኖም። እዚ ሕጊ’ዚ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ይምልከቶ።

ብዝሒ ኣባላት መሪሕነት ናይ’ዚ ውዳቤ’ዚ ሸሞንተ እዮም። ኣርባዕተ ንነፍሲ ወከፍ ፊዕመት ። ብዘይካ’ዚኣቶም ንፊዕማ ዘመሓድሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ‘ወን ኣለዉ።

ሀ) ኢቦ፣ ጠቕላሊ ሓላፊ ፊዕማ

ለ) ማላኽ፣ ም/ጠቕላሊ ሓላፊ ፊዕማ

ሐ) ማካባንቴ, ናይ መንጎኝነትን ኣተዓራቕን ዝተዋህቦ ሰብ

መ) ጉማገረስ፣ ንገበነኛታት ናይ ምቕጻዕ መዝነት ዝተዋህቦ ሰብ፣

እዞም ነዚም መዝነታት’ዚኣቶም ዝምረጹ ሰባት ካብ መንጎ ‘ተን 36 ቀቢላታት’ዮም ዝምረጹ።

  

ዕላማታት ፊዕማ

ሀ) ንጽጉማት ምሕጋዝ፣ ( ንዝሓተቱ ይኹኑ፣ ተጸጊሙ ንዝርኣካዮ)

ለ) ኣብ ግዜ መርዓ ንብዓል ውራይ ምሕጋዝ( እዚ ሓገዝ’ዚ ‘ ሓራዋ” ይብሃል።

ሐ) ኣብ ግዜ ሕእዘን ንሓዘንተኛ ምሕጋዝን ምጽንናዕን ( እዚ ሓገዝ’ ‘ቦይኑን” ይብሃል።

መ) ንዝኾነ ማሕበራዊ ጻዊዒት ቕሩብ ኮንኻ ምጽናሕን ምብጋስን

ሰ) ኣብ ግዜ ወራር ንጸላኢ ምክልኻል

 

ዲንካራ

ዲንካራ ኣብ ቤት ንጉስ እትቕመጥ ፍልይቲ ዓይነት ከበሮ ወይ ነጋሪት እያ። ኣብ እትህረመሉ ግዜ ብቦይነታ ትእዛዝ ይውሃብ።

ዲንካራ እትህረመሉ ግዜ

ሀ) ኣብ ግዜ ሰላት ዓሱር ሰዓት 3,30 ናይ ስግደት ሰዓት

ለ) ቅድሚ ሰላት ኣልጁምዓ ( ቅድሚ ናይ ዓርቢ ስግደት)

ሐ) ብ ኣቛጻጽራ ህጅርያ ሓዳስ ወርሒ ኣብ እትኣትወሉ ግዜ ( ባሕቲ)

መ) ኣብ መርዓን ብዓላትን

ሰ) ኣብ ግዜ ክተት

ረ) እት ንጉስ ኩነታት ናይቶም ዘመሓድሮም ሰባት (ሕብረተሰብ) ንምፍላጥ ክደሊ እንከሎ (መጸዋዕታ ዲንካራ ኣብ እትህረመሉ ግዜ ኩሉ ሰብ ቀልጢፉ ኣብቲ ቦታ ክርከብ ኣለዎ።

 

ኣብቲ ዝድለ ቦታ እናሃለወ ድንጉዩ ኣብ ልዕሊ ዝመጸ ሰብ ከኣ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ መቕጻዕቲ ይውሰነሉ።

ሀ) ኣብ እዋን ኣኬባ ፣ ዘተ፣ መኣዲ ..ወዘተ ብምቕራብ የሳሲ

ለ) 12 ኣጣል ይኸፍል

ሐ) ሓንቲ ኣነስተይቲ ገመል

መ) ንእስ ዝበለ ካሻ ተምሪ (ቆስራ)

 

እዚ ዓይነት መቕጻዕቲ (ዔራና) ይብሃል። ካልእ ብዛዕባ ዲንካራ ክብሃል ዝከኣል ኣገዳሲ ነገር እንተሃልዩ፣ ዝኾነ ብደል ወንጀል ዝፈጸመ ሰብ ሃዲሙ ኣብታ ዲንካራ (ከበሮ) ዘላቶ ቦታ እንተደኣ በጺሑ ብሓይሊ ዘይትንከፍ ምዃኑ’ዩ። ሽዑ ንሽዑ ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ምውሳድ ክልኹል ይኸውን።

እንታይ ደኣ? ጉዳዩ ብሕጊ ይርኣየሉ።

ብዘይካ’ዚ ደርደር ኣብ ዝሞተሉ ግዜ ዲንካራ ሓንቲ ሞት ደርደር እተርድእ ኩሉ ሰብ ዝፈልጣ ፍልይቲ ህራም ትህረም። ብድሕሪ’ዚ ብኻራ ትቕደድ። ኣብቲ ደርደር ዝነበረሉ ዝነበረ ገዛ ‘ወን ትቕበር። ድሕሪ ሓደ ዓመት ሓድሽ ደርደር ኣብ እተሾመሉ ግዜ ጥራይ ከኣ ትወጽእ። ኣብዚ’ ግዜ’ዚ ከም ብሓድሽ ተሰሪሐ ነቲ ሓድሽ ደርደር ትውሃቦ’ሞ ኣብ ገዝኡ ትኣቱ።

 

መገን

እዚ ዝኾነ ነገር ንኸይትፍጽም ዝከላኸል መጠንቐቕታ ቓል’እዩ። መገን ደርደር እንተደኣ ተባሂሉ ( ዝባን ደርደር) ማለት’ዩ። እቲ’ነዛ ቓል ዝስምዔ ሰብ ዞነ ነገር ካብ ምፍጻም ይግዘት። እዛ ቓል’ዚኣ ብዓበይቲ ዕድን መሻይኽን ዝያዳ ትዝውተር።

 

ባንታ

ባንታ ክልተ ብቐርኒ ዓጋዜን ዝተሰርሑ ጥሩምባታት’ዮም። ሓደ ቀርኒ ( ባንታ) እጃም ፊዕመት ፊንተባ ኪኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ እጃም ፊዕመት ረይቢስ እዩ። ዝኾነ ንህዝቢ ዘገድስ ጻውዒት ክግበር ኣብ ዝድለየሉ ግዜ ከኣ ይንፋሑ። ሓደ ካብቶም ክልተ ኣቕርንቲ ኣብ ኣፍ ናይ ንሓስ ምልክት ኣለዎ። ከም መፍለይ ኣብ ሓድሕዶም ከኣ የገልግል።

ነዞም ክልተ ኣቕርንቲ እት ዝነገሰ ደርደር’ዩ “ ንኢቦ” (ጠቕላሊ ሓላፊ ፊዕማ) ዘረኽቦም፣ ይኹን ‘ምበር ምቕማጦም ኣብ እንዳ ደርደር ኾይኑ ናይ ምዕቓቦም ሓላፍነት ፣ ንኢቦ ይምልከት።

ባንታ ብጥንቓቐ ክዕቐቡ ዘለዎም ንብረት ‘ዚ ንግስነት’ዮም። ኣብ መሬት (ባይታ) ክቕመጡ’ወን ኣይፍቐድን። ፍሉይ መቐመጢ ቦታ ስለዘለዎም ብኣገባብን ስርዓትን ኣብኡ ክቕመጡ ይግባእ።

ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ ባይታ ወይ ካብ መቐመጢኦም ወጻኢ ዘቐመጦም ሰብ እንተተረኺቡ ከኣ ሓሙሽተ ኣግማል ይቅጻዕ።

ብዘይካ’ዚ ባንታ ተነፊሑ እናሰምዐ ዘይመጸ እንተተረኺቡ ብውሑድ ናይ 12 ኣጣል መቕጻዕቲ ይብየነሉ።

 

ዝኽበርኩም’ ኣንበብቲ፣ ካብቲ ብዙሕ ናይ ብሄረ ዓፋር ባህልን ኣነባብራን ክጽሕፍ ፈቲነ ኣለኹ። ካልኦት ፈላጣት ድማ፣ ዝጎደሎ ክትምልኡ፣ ጌጋ እንተደኣ ኣልዩ ድማ፣ መኣረምታ ክትህቡን ብትሕትና እሓትት።

 

By Viviana Amanuel, Friday 9, December 2011

ያታዊ መርዓ ብሄረ ዓፋር

መርዓ ብሄረ ዓፋር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቀቢላ ዝፍጸም ኮይኑ፣ ርሒቑ እንተተባህለ ብገለ ኣጋጣሚታት ኸኣ ሓንቲ ቀቢላ ምስ ካልእ ቀቢላ ክግበር ይኽእል።

ደቒ ተባዕትዮ መርዓ ክሓስቡ ከለው፣ ካብ ደቒ ሓወቦታቶም ይመርጹ። እተን ደቒ ኣንስትዮ ግን ክመርጻ ዕድል ስለ ዘይውሃበን ወለደን ዘምጽኡለን ይምርዓዋ። ከምዚ ይኹን ምበር እታ ጓል ኣነስተይቲ ፍቓድኛ እንተዘይ ኮይና ኣይትግደድን።

መስርሕ መርዓ ብሄረ ዓፋር፣ ሓደ ሓወቦ ንስድራ ቤት እንዳ ጓል ብሽማግለ ዓበይቲ ልኢኹ የዘራርብዎም፣ ትብጻሕኩም ተባሂሉ ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ፣ኣግማል ፣ከብቲ ወይወን ኣጣል ንእንዳ ጓል ይዋሃቦም። ብከምዚ ድማ ይሕጸዩ።

ሕጺያት ዝመራዓውሉ ግዜ ምስ ኣኸለ ብክልቲኡ ሸነኽ ምቕርራባት ይጅመር። ኣብዚ ምቕርራብ ንመርዓ ዘድሊ ወጻኢታት እንዳ ጓል፣ ብእንዳ ወዲ ይሽፈን። እንዳ ጓል ብወገኖም ንመሕጸኒ ዝኸውን ኣዩንታ ዝተባህለ መዘናግዕን መደቀስ መርዓውትን ኣብ ክልተ ዝተኸፍለት ከቢብ ቅርጺ ዘለዋ ብተንኮበትን ዕንጸይትን ዝተሰርሐት ቤት መርዓውቲ ይሰርሑ።መርዓ ኣብ ዝቀራረበሉ ግዜ፣ ሕጽይቲ ካብ ሳላሳ (30) ክሳብ ስሳ (60) መዓልታት መርዓዊ ንኸይርእያ ትሕባእ።

ኣብ ዕለተ መርዓ መርዓዊ ቅድሚ ናብ እንዳ ጓል ምኻዱ፣ ብኣዕሩክቱ ጸጉሪ ርእሱ ይላጸ። ኣካላቱወን ብሒና ይሕጸብ። ያታዊ ልብሲ መርዓዊ ለቢሱ ድማ ናይ ክብሪ መርዓዊ ብትሪ ብዓበይቲ ዓዲ ይውሃብ። ንመስጊድ ብምዃድ ብቓዲ ምስ ተባረኸ፣ (ሆራ መላቦ፣ ትርትራ፣ ደበልን፣ ዲንካራም) ብዝተባህሉ ጽወታታት ብሄረ ዓፋር እናተጻወቱ ናብ እንዳ ጓል ይጓዓዙ።

ኣብታ ንክልተ ወርሒ ዝሕጸነላ፣ኣዩንታ” (ቤት መርዓዊ) ምስ በጽሐ፣ ኣብ ኣፋፌት ኣዩንታ ንክብሪ መርዓዊ ወጠጦ ይሕረድ። መርዓት ተሰሊማ ኣብ ውሽጢ ክፋሊ ኣዩንታ ትጸንሖ። መርዓዊ ነቲ ዝተሓርደ ወጠጦ ሰጊሩ ንውሽጢ ፣ኣዪንታ ይኣቱ ምስ መርዓቱ ይራኸብ።

ሕጽነቶም ድማ ኣሃዱ ኢሎም ይጅምርዎ።