Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ኣዴታት ንዕሸላት ክሳብ ደቂ ሽዱሽተ ወርሒ ዝኾኑ፣ ጸባ ጡብ ጥራይ ንኽምግባኦም ኣተምህሮ ምሃብ፣ ዓመታዊ 1.3 ሚልዮን ህጻናት ካብ ሞትን ሕማማትን ከም ዘድሕን ውድብ ጦና ዓለም ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓለም ትሕቲ 40% ኣዴታት ጥራይ ንዕሸላተን ካልእ መግቢ ከይወሰኻ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ወርሒ ጸባ ጡብ ከም ዝምግባኦም ዝሓበረ መጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ብፍላይ ቦካራት ኣዴታት ብዛዕባ ጥቕሚ ጸባ ጡብ ዝገልጽ ሓበሬታ ስለዘይወሃበን ቀልጢፈን ከቋርጸኦ ከም ዝርኣያ ገሊጹ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ፣ ብዙሓት ህጻናት ብዕሸሎም ንዝተፈላለየ ሕማማት ከም ዝቃልዑ እቲ ውድብ ኣብ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ።

ጸባ ጡብ ኣደ ናይ ዘይምምጋብ ተርእዮ ኣብ ሃብታማት ን ድኻታትን ሃገራት ዝርአ ዘሎ ጸገማት ምዃኑ ዝጠቐሰት፣ ኣባል ውድብ ጥዕና ዓለም ኮንስታንዛ ባለንሲን፣ ቦኮራት ኣዴታት ብዛዕባ ኣገዳስነት ጸባ ጡብ ሓበሬታን ሓገዝን ካብ ሆስፒታላት ፣ መደበራት ጥዕናን ማሕበረኮምን ክግበረለን ትጽውዕ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዕሸል ምስ ተወልደ ድሕሪ ሰዓትን ፈረቓን ጂሚሩ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ማይ ይኹን ካልእ መስተን መግብን ከይሓወሰ ጸባ ጡብ ጥራይ ክምገብ ከም ዘለዎ’ዩ ዝጉስጉስ። ንሽዱሽተ ወርሒ ጸባ ጡብ ጥራይ ዝተመገበ ህጻን ፣ ሓያልን መኣዛታትን ስለዝዕቅብ፣ ካብ ሕማም ተቕማጥን ነድሪ ሳንቡእን ልዑል ናይ ምክልኻል ብቕዕእት ከም ዘጥሪ ክ ኢላታት ይገልጹ።

ዓለማዊ ቅነ ምምጋብ ጸባ ጡብ ኣደ ካብ 1-7 ነሓሰይካየድ።  ........ ‘ሞ’ኸ?


Write a comment

Comments: 0