ጸናጹ ጸባ ናብ ዝነጠበ ነቑጣ

(ባህሊ ተፈጥሮ ኣይኮነን)

Tuesday 01, January 2012, by Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ

ዝኾነ ውልቀ ሰብ ብባህሉ ኪሕበንን፣ ብባህሉ ኪኾርዕ ይግባእ እዩ። ብባህሉ ኪጀሃርን ብባህሉ ብደዐ ከርእን ባህለይ ካብ ካልኦትባህልታት ይበልጽ ኪብል ግን ከቶ ኣይግባእን። የግዳስ ኣብ ክንዳኡ፣ ኣብ ዓለም ዝርከብ ኩሉ ባህልታት ማዕረ ክብርን ማዕረ ሞያን ከም ዘለዎ ኪኣምን ብተግባር ከኣ ኪገልጾ የድሊ። ባህለይ ዝበለጸ እዩ ዝብል ስምዒት (Ethnocentrism) ይብሃል።

ባህሊ፣ ብመልክዕ፣ ጠባይ፣ ልምዲን ድሌትን ደቂ ሰብ ዝትምብሃሉ ረቒቕ ሓይሊ ኪኸውን ከሎ፣ ንሰባት ከም ዝንቀሳቀሱን ስምዒቶምን ሃረርታኦምን ፍቕሮምን ሓዘኖምን ታሕጓሶምን ከም ዝገልጹ ዝገብሮም፣ብግዙፍ ዘይረአን ዘይድህሰስን ብርቱዕ ድፍኢት እዩ። ባህሊ እንታይ?” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ጋዜጣ ሕብረት ብሚካኤል ንጉሰ (24 ነሓሰ 1965 .) ዝቐረበ ጽሑፍ ከምዚ ይብል። ባህሊ፣ መልክዑን ጠባዩን እናለወጠ ብግዜን ቦታን ኪንቀሳቀስ ኪለዋወጥ ዝነብር፣ ሓደ ሕብረተሰብ ካብ ካልእ ሕብረተሰብ፣ ሓደ ነገድ ካብ ካልእ ነገድ ዝፍሊ ካብ ቋንቛን ሃይማኖትን ታሪኽን ኣካባቢ ዝነቕል፣ መልክዕ ናብራ እዩ፣ ስለዚ ምበኣር ሰብ እንታይ ይመስል?” እንተበልና፣ ሰብ ንባህሉ ይመስል ዝብል መልሲ ንረክብ።

እምበኣርከስ፣ ባህሊ ብሓጺሩ፣ ሰብ ተኣኪቡ ብሓባር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ዝህነጽ ግን ድሕሪ ነዊሕ ጊዝያት ኣብ ልዕሊ ሰባት ተግባርን ስምዒትን ዝንቀሳቀስ ፍረ ናይ ሓባር ስምምዕ እዩ ኪብሃል ይከኣል።

ሽሕ ውልቀ ሰብ ኣብ ዝኾነ ቦታ፣ ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ ናብራ ነቲ ዝነብረሉ ማሕበራዊ ምንቕስቓስ ንምምሳል በቲ ኣካባቢኡ እንተ ተገደደ፣ ባህሊ ተፈጥሮ ከም ዘይኾነ፣ የግዳስ ሰባት ሓቢሮም ንባህሊ ከም ዝፈጥርዎምበር፣ ባህሊ ንሰባት ከም ዘይፈጥሮም ግሉጽን ሓበሬታ ዘየድልዮን ኾይኑ ንረኽቦ። ስለዚ ሰባት ንባህሊ ንግዜን ኩነታትን ምንቕስቓስን ተመርኩሶም ከይተፈለጦም ካብ ስርሕዎ ንሱ ከኣ ንግዜን ኩነታትን ምንቕስቓስን ተመርኩሱ ንኪልውጥዎን ከመሓይሽዎን ከም ዝገደዶም ኪእመን ይግባእ።

ባህሊ፣ በቲ ዘለዎ ሰራጺ ሓይሊ ኣካል ወዲ ሰብ ካብ ዝነደቑ ረቐቕቲ ማሕበራዊ ቀመማት ሓደ ከም ምዃኑ መጠብ፣ ካብ ስምዒት ሰብ ወጺኡ ብኻልእ ባህሊ ንኪትካእ ወይ ኪመሓየሽ ነዊሕ ግዜ ኪወስድ ምተገበኦ ነይሩ። እንተኾነ ተክኖሎጂ፣ ዘመናዊ ፍረ ጥበብን ትምህርትን ዝተባህሉ ንውርድን ንቑመትን ኣተሓሳስባን ሰብ ብሓጺር ግዜ ከም ዝነውሕን ከም ዝሰፍሕን ናይ ምግባር ክእለት ስለ ዘለዎም እኖሆ ቀዳሞት ብተግባር ዝገልጽዎ ባህልታት፣ ደቒሎሚ ከትርፍዎምን ኪልውጥዎምን ከመሓይሽዎምን ይረኣዩ ኣለዉ። ስለዚ ትማሊ ጣዕሙ ምቑርን ዝፍቶን ዝመስል ዝነበረ፣ መሪርን ዝጽላእን ኾይኑ ይርከብ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እቲ ናይ ትማሊ ምስ ናይ ሎሚ እዚ ናይ ሎሚ ከኣ ምስቲ ናይ ትማሊ ዘይሰማማዕ እዩ ክንብል ንኽእል። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ ሓደስቲ ናይ ኦድዩ ቪዥዋል መጽሓፍቲ ናይ ሎሚ ወለዶን ናይ ቀደም ባህልን ፈጺሞም ኣይሰማምዑን እዩም እናተባህሉ ተኽኖሊጂ ዘኸተሎ ሳዕቤን ዝገልጹ ዘለዉ።

እንተኾነ ኣብዚ መንጎ ሓደ ዘይተርፍ ናይ ሓባር ህልውና ኣሎ። ንሱ ድማ፣ ኣብ ዝሓለፈን ኣብ ዘሎን ኣብ ዝስዕብን ግዜ፣ ወዲ ሰብ ስምዒታዊ ምንቕስቓሱ ዝገልጸሉ ባህላዊ ተግባር ከም ዘይሓድግ እዩ።

ቀደም ዘመን ንመርዓት ገጻ ብሻሽ ሸፊንካ፣ ሓቑፍካ ኣብ በቕሊ ሰቒልካ ዝፍጸም ዝነበረ ባህሊ መርዓ፣ ሎሚ ገጻ ከየተሸፈነት ብእግራ ተንቐሳቂሳ ናብ መኪና ከም እትድይብ ናብ ምግባር ዝጉዓዝ ዘሎ ሓድሽ ባህሊ፣ ምናልባት እቲ ኣብ መንጎ ገጠርን ከተማን ዘሎ ፍልልይ እናጸበበ ብዝኽደ፣ እዚ ሓድሽ ባህሊ ነቲ ዝጸንሐ ባህሊ ይዕብልሎ ይኸውን። ከም ወን ከምኒ ሻኩ፣ ቃርሳ ዘኣመሰሉ ጽውታታት ብባዕዳዊ ጽውታ ኩዕሶ እግርን ኩዕሶ ሰኪዐትን ካልኦትን ዝማረኹ ስፖርታዊ ባህልታትን ይትኽኡ ስለ ዘለዉ ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ነባር በዚ ድሽ ከም ዝዕብለል ዝተፈልጠ እዩ።

በቲ ካልእ መዳይ ድማ፣ ንሕና ካብ'ቶም ባዕዳውያን ቀዲምና ክሳብ ሎሚ ማዕቢልና ሰልጢናን ኔርና እንተንኸውን ግን፣ ንሳቶም ነቲ ባህሎም በቲ ዝተመሓየሸ ባህልና (ንከመሓይሽዎ) ህርድግ ምበሉ ነይሮም። ነዚ ግን ጌና ኣይ በቓዕናን። ብሓጺሩ ነፍሲ ወከፍና ቁሊሕ ኢልና ካብ ርእስና ክሳብ ጽፍሪ እግርና ለቢስናዮን ወዲናዮን እንጥቀመሉ ዘሎና መሳርያታትን ንመልከት። ትምኒትናን ሃረርታናንወን ንገምግም ካብቲ ባህሊ ኣባሓጎታትና ክሳብክንደይ ኣክል ርሒቕና ኣሎና? ደይመደይ ኢልና ዲና ተቐቢልናዮ ወይ ከኣ ሕማም ትኽስ ከይ ተፈለጠና ተወንዚፍናዮ? እምበኣር እቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስክዎ ነዚ ሕቶ ንምምላሽ ዝፍትን እዩ ብቑዕን ሰፊሕን መልሲ ከም እትውስኽሉ እኣምን።

እዚ ኪኸውን ከሎ ግን ንነባር ባህሊ ኣይትፍለጦ፣ ኣይትዘክሮ እዝንኻወን ብዛዕባኡ ኣይስማዕ ዝብል ሓድሽ ባህሊ ዘሎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ከኣ ሓድሽ ዘበለ ኩሉ ኣብ ነባር ከይ በቆለ ንነባር ከይተመርኮሰ ህልውና ኪረክብ ከምዘይክእል ግሉጽ ስለ ዝኾነ። ከምኡ ድማ ሓድሽ ባህሊ ንኸይ ኣቱ ዝኽልክል ኣረጊት ባህሊ ኣይመስለንን። እንተተፈተነወን ከም ዘይኮነሉ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ቅድም ኣብ መሮር፣ ዓይንና ልሙዕ ኣግራብን በብዓይነቱ ሕብሪ ዝተሰለሙ ዕንባባታትን እንስሳታትን ኪርኢ፣ እዝኒ ከኣ መዝሙር ኣዕዋፍን ድምጺ ወሓይዝን መንጫዕጫዕታን ኪሰምዕ ዕድል ዝነበሮ ከምኡወን ብእምነታዊ ባህሊ ዝንቐሳቀሱ ዝነበሩ ህዋሳት፣ ሎሚ እዚ ኹሉእናተረፈን እናረሓቐን ወይ ንሕና እናረሓቕናን ጸናጹ ሰባ ናብ ዝነጠበ ነቁጣ ከም ዝዕስል፣ ሰባት ከኣ ተክኖሎጂ ናብ ዝዓመረሉ ኪጉዓዙ ግዲ ስለዝኾኖም ተፈጥረኣዊ ስምዒት ሓዲጎም ተክኖሎጂ ዝዓብለሎ ባህላዊ ሓይሊ ኪኽተሉ ይረኣዩ ኣለዉ።

በሓደ ሸነኹ ንሕና ናብ ስልጥንቲ ዓለም እናቀረብና በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ስልጥንቲ ዓለም ናባና እናቀረበት ተመጽእ ስለ ዘላ ክተሓዋወስ ግዲ ይኾኖ።

Write a comment

Comments: 1
  • #1

    Awet (Wednesday, 02 January 2013 20:31)

    Nice!