ብራና ማለት ካብ ቆርበት ጤል፥ በጊዕ፥ ምራኽን ….. ወዘተ ዝዳሎ ከም ወረቐት ዘገልግል ዝነበረ ኮይኑ፥ ንኽትጽሕፈሉ፥ ክትስእለሉን ክትደጕሰሉን (ክትሽፍነሉ)

ተባሂሉ ብጥንቃቐን ርእሱ ብዝኽኣለ ብልሓትን ዝዳሎ ንስራሕ ጽሕፈት ዝጠቅም እዩ። ከምዚ ሎሚ ዓለምና ብወረቓቕቲ ከይመልኣት፥ ዘመናዊ ቤት ማሕተማት ከይተመሥረቱ፥ ናይ ጽሕፈት መኪናን ኮምፒተራትን ከይተማህዙ ከለዉ፥ ብሓፈሻ ናይ ወረቐት ስራሕን ዝተፈላለዩ መሣርሒ ሥነ-ጽሑፍን ከይማዕበሉ ከለዉ፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ንነዊሕ ዘመናት ብራና ይጥቀማ ከምዝነበራ ኣብ ማህደር ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ እንተ ኾነ’ውን ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፥ ንማሕበራዊ ናብራን ሕግታት እንዳባን ዝጥቀሙሎም ታሪኻዊ መዛግብቲ ኣብ ብራና ተጻሒፎም ንረኽቦም። ብሓፈሻ ብራና ብድሕሪ ደቂ-ሰባት ካብ ቀጸላ እምኒን ዕንጨይትን ምጽሓፍ ቀጺሎም ዘማዕበልዎ ኣገባብ መጽሓፊ ብራና ምዃኑ ይንገር። እስከ እምበኣር ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ኣብ ገዳማትን ኣድባራትን ኣብ ሓያሎ ቤተ መዛግብትን ተዓቂቡ ዝርከብ ጥንታዊ ቅርስናን ዕቁር ታሪኽናን ዝሓዘ መጽሓፈ- ብራና ዓቕምና ብዝፈቕዶ መጠን ዘዳለናዮ ሓጺር ጽሑፍ ንከታተል።

ብራና ክዳሎ ከሎ እቲ ቆርበት ብዕንጨይቲ ተወጢሩ፥ ጸጕሩ ተፋሒቑ፥ ብጨውን ዝተፈላለየ ቀመማትን ተነስኒሱ፥ ዓቐኑን ቅርጹን ተደላዲሉ ብግቡእ ምስ ተጻፈፈ ንዝኾነ ስራሕ ጽሕፈት ድልው ይኸውን። እዚ ከቢድ ድኻምን ረቂቕ ብልሓትን ዝሓትት ኣገባብ ሥነ-ጽሑፍ ብራና ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናማዕበለን እናሰፍሐን ንነዊሕ ዘመናት ቀጸለ። እቶም ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ብነዊሕ ጊዜን ኣድካሚ ኩነታትን ዝተዳለዉ መጻሕፍቲ ብራና ድማ ኩሎም ብዙሕ ጥንቃቐን ክንክንን ዘድልዮም እዮም። ምኽንያቱ ጽሑፋት ብራና ብማይ፥ ጠሊ፥ ሓዊ ባልዕን ሰረቕትን ብቐሊሉ ክበላሸዉን ክጠፍኡን ስለዝኽእሉ ብጥንቃቐን ሓላፍነታዊ ክንክንን ክትሓዙ ግድን ይኸውን። ብፍላይ ኣብተን ዓበይቲ ኦርቶዶክሳውያን ገዳማት ኤርትራ ብዝሒ ዓቕሚ ሰብን ነናቱ መደብ ዕዮን ስለ ዝነበረን፥ ብደረጃ ክፍሊ ሥነ-ጽሑፍ ብምቛም፥ ገለ ቆርበት ኣኪቦም ዘልፍዑን፡ ተመሳሳሊ ዓቀንን መስመርን ዘለዎ ጌሮም ዘዳልዉ፥ ገሊኦም ከኣ መጽሓፊ ዝኸውን በብዓይነቱ ቀለም ካብ ኣቝጽልትን ዝተፈላለየ ነገራትን ኣወሃሂዶም ዘቕርቡ፥ ገሊኦምውን እቲ ዘድሊ ኩሉ ጽሑፋት ብጥንቃቐ ጽሒፎም ብስእሊ ኣወቂቦም ገበር ናይቲ መጽሓፍ ደጕሶም (ሸፊኖም)፥ ሥርዓተ-ገዳሞም ከም ዝእዝዞ መደብ ዕዮኦም ፈጺሞም ንማሕበሮም ብትግሃት ዘረክቡ ዝነበሩ ኣበው ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብተወሳኺ እዞም ብራና ናይ ምጽሓፍ ፍሉይ ሞያን ብቕዓትን ዝነበሮም ኣቦታት በቲ ዘለዎም ተውህቦ ንቤት እግዚኣብሔር ከገልግሉን ፍቓድ ማሕበሮም ክፍጽሙን ደኣ እምበር ካብዚ ወጻኢ ዝደልይዎ ዝኾነ ውልቃዊ ረብሓን ዘየድሊ ዝናን ኣብ ሕይወቶም ዘይሕሰብ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ቅዱስ ወንጌል ‘’ወዘኣትሓተ ርእሶ ውእቱ ይከብር’’ ማለት ‘’እቲ ርእሱ ዘትሕት ልዕል ክብል እዩ’’ (ማቴ 23፡12) ክብል ዝገለጾ፥ እዞም እሙናት ኣቦታት ከኣ ብትሕትናን ፍቕርን ዝግለጽ ሕይወት ጥራይ እዩ ቀንዲ ዕላምኦም ዝነበረ። ካብቶም መንፈሳውያን ኣማሓደርቲ ኣቦታትና ድማ ‘’እግዚኣብሔር ዕሴተ ጻድቃን፥ ዓስበ ትሑታን ይኽፈልኩም’’ ተባሂሎም ብጸሎተ-ማሕበር ምርቓን ቡራኬን ይወሃቦም። እቲ ኣብ ብራና ዝተጻሕፈ ቅዱሳት መጻሕፍትን ገድለ-ቅዱሳንን ድማ ከከም ኵነታቱ ናብ ካልኦት ገዳማትን ኣብያተ-ክርስቲያናትን ብምልኣኽ ውሉደ-ክህነት ክረብሕሉን ህዝበ-ክርስቲያን ክባረኽሉን ይነብር። እቶም ዝተረፉ መጻሕፍቲ ብራና ከኣ ብግቡእ ክንክን እናተታሕዙ ንመንእሰያት መምሃርን ኣብ ቤት ንባብን ንመወከስን ተባሂሎም ይዕቀቡ። እዚ ሎሚ ኣሎና እንብሎ ኩሉ ጥንታዊ ቅርስታትን ታሪኻዊ መዛግብትን ከኣ ኣብ ብራና ተዓቂቡ ዝጸንሐ ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግባእን።

ንኣብነት ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ብ1492 ዓ.ም.ፈ ብከምዚ ኣገባብ ዝተዳለወ መጽሓፍ ሰማንያ ወኣሃዱ (፹፩) ዝበሃል፥ ጽዕነት ኣድጊ ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ እተን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና እትቕበሎም 81 ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ብራና ተጻሒፎም ከም ሓደ ዓቢይ መጽሓፍ ተጠርኒፉ ክትርእዮ ከሎካ፥ ብጣዕሚ ዘገርምን ዕጹብ ድንቂ ስራሕን ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ ዝበሃል ነገር የልቦን። ምኽንያቱ እዚ ብሉይ ኪዳን ምስ ሓዲሽ ኪዳን ዝሓዘ መጽሓፍ ሰማንያ ወኣሓዱ ዝበሃል ክሳብ ሎሚ ተወዳዳሪ ዘይተረኽቦ፥ በዓል ሰለስተ ዓምደ ጽሑፍ፥ 48 X 39 ሴንቲ ሜትር ዝመጠኑ፥ 45 መስመር ጽሑፍ ዘለዎ፥ 1152 ገጻት ዝሓዘ፡ ግዙፍ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝርኣየ ሰብ፡ ኣብቶም ቀዳሞት መንፈሳውያን ኣቦታትና ዝነበረ ጽንዓት እምነትን መንፈሳዊ ትግሃትን ብሓቂ ሠናይ ቅንኢ ዘሕድረልካ ግብራዊ ትምህርትን ኣብነትን እዩ። ስለዚ ንዝኾነ መንፈሳዊ ዕዮ ይኽበድ ወይ ይፍኮስ ብዘየገድስ ብእምነትን ሠናይ ድሌትን እንተ ተቐቢልካዮ ብደገፍ ኣምላኽ ዕዮኻ ሰሊጡ ንህዝብኻ ንበረኸትን ንመጻኢ ወለዶታት ድማ ዓቢይ ክብረት ይኸውን። ስለዚ ክቡር ታሪኽን ጥንታዊ ቅርስን ኣሎና ክንብል እንተ ደኣ ኮይንና ዝሓለፈ ብምዕቃብን ንመጻኢ ተጊህካ ብምስራሕን ጥራይ እዩ መጻኢ ወለዶና ካብ ቤተ ክርስቲያኑ ክረብሕ ዝኽእል።

መጽሓፈ--ብራና

ኣብ ጥንታዊ መጻሕፍቲ ብራና እምበኣር ቅዱሳት መጻሕፍቲ፥ ታሪኽ ሕይወት ቅዱሳን፥ መንፈሳዊ ተኣምራት፥ ናይ ደቂ ሰብ ወለዶታት፡ ዘመነ-መንግሥታት፥ ኣገደስቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት፥ መግለጺ ናይ ቦታታት፥ ኣቃውማ ዓድታትን ከተማታትን …….. ወዘተ ሰፊሕ ዓውደ ትምህርትን ምንጪ ሥነ-ፍልጠትን ዝኾኑና ብጽሑፍን ስእልን ተሰኒዶም ንረኽቦም። ኩሎም ጥንታዊ ናይ ብራና ጽሑፋትና ድማ መሠረት ናይዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎ ዘመናዊ ሥነ-ፍልጠትን ደረጃ ምዕባለን ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኩልና ከም ንፈልጦ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ መንፈሳዊ፥ ማሕበራዊ፥ ባህላውን ታሪኻውን ሕይወት ህዝብናን ሃገርናን ዘበርከተቶም ነገራትን ቅርስታትን ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። ተገዲሱ ሕሉፍ ታሪኹ ዘይፈለጠ ህዝቢ ድማ፥ መጻኢ ሕይወቱን ክብሪ መንነቱን ብግቡእ ዘይፈልጥ ስለ ዝኸውን፥ ጥንታዊ ቅርስታትናን ብዋጋ ዘይሽነን መንፈሳዊ ንብረትናን ብጥንቃቐ ዓቂብና ብሓላፍነታዊ መገዲ ምጥቃም ናይ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ሞራላውን ማሕበራውን ሕድሪ ምዃኑ ክንፈልጦ የድሊ።

ኣብ መደምደምታ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለዶ ጢሞቴዎስ ወዱ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ‘’ክትመጽእ ከሎኻ እቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ቀርጳ ዝሓደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትን፥ ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ’’ በሎ (2ጢሞ 4፡13)። ካብዚ ጥቕሲ እዚ ክንርድኦ ከምንኽእል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቅድም ኣብ ብራናታት ከም ዝተጻሕፉን ብጽቡቕ ስለ ዝተዓቀቡውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶታት እናተሰጋገሩ፥ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተተርጕሞም ብርሃን ወንጌል መገዲ ሕይወትን ክንፈልጥ ይጠቕሙና ኣለዉ። ንሕና ድማ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ዝርከቡ ኩሎም መጻሕፍቲ ብራና ብዘተኣማምን ደረጃ ንምዕቃቦም ዓቕምና ብዝፈቕዶ መጠን ዘድሊ ጻዕርን ወፈያን ክንገብር በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽር ንደሊ። ብተወሳኺ ከኣ ኣብ ኣባይቲ ውሉደ ክህነትን ዓበይቲ ዓድን ዝርከቡ ብራናታት ብግቡእ ተታሒዞም ንመጻኢ ወለዶና ኣብ ምስግጋር እጃምና ከነበርክት ከምዝግብኣና ኣይንዘንግዕ። ስለምንታይሲ ብጽሑፍ ዝተዓቀበ ታሪኽ ፍጹም ዝመውት ኣይኮነን። ብትሕትና ሠናይ ነገር ንኽንሰርሕ ኣምላኽ ልብና የነቓቕሕ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ጸሎት፣

መንፈሳዊ ትሕዝቶ አቡነ በሰማያት (አብ ሰማያት ትነብር አቦና)፣ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ንኽኸውን፣ ጸሎት መፍትሕ ኣገልጋልን ተገልገልትን ኣገልግሎትን እዩ፣

ክፍልታት ጸሎት።

ዓይነት ጸሎት።

ጊዜያት ጸሎት።

ኣገባብ ኣጸላልያ።

ጥቕሚ ጸሎት።

ውጽኢት ጸሎት።

ብኸመይ ንጽሊ፨

ጸሎት ቅዱሳን ክቡር እዩ።

ጸሎት ክንጽሊ እዙዛት ኢና።

ዝተመለሱ ጸሎታት።

ፍረ ጸሎት።

መንፈሳውን ሥጋውን ሓይሊ ጸሎት።

መግለጺ።- አቡነ ዘበሰማያት (ኣብ ሰማያት ትነብር አቦና) ማቴ.6።9-13።

ኣብዛ ሓጻር ጸሎት ዝርከቡ ሓሙሽተ ስነ ምግባራት ኣለዉ ንሳቶም ከኣ።- ሃይማኖት (እምነት)። ተስፋ።

ፍቕሪ። ትሕትና። ጸሎት እዮም፣

  1. ሃይማኖት(እምነት)።- ብዓይኒ ሥጋ ከይረኣናዮ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ኢልና ምጽላይና እዩ፣
  2. ተስፋ።- መንግሥትኻ ትምጻእ ኢልና ምጽላይና፣
  3. ፍቕሪ።- ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና ኢልና ምጽላይና ሓደ ንብዙኃት ምጽላይ እዩ፣
  4. ትሕትና።- በደልና ሕደገልና ምባል እዩ። ዝበቕዐን ዘይበቕዐን ኵሉ በደልና ሕደገልና እዩ ዝብል እምበር ኣብ አቡነ ዘበሰማያት በደለይ ሕደገለይ ኢልካ ብግልኻ ኣይጽለን ኣዩ፣
  5. ጸሎት።- ናብ ፈተና ኣይተእትወና ኢልና ምጽላይና

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ብርግጽ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” (1 ዮሓ 4፡8) ከመይ ኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ ኣምላኽ ኩሉ ሰናይ ዘበለ ቀሪቡ ብቅዱሳን ኣእዳው እቲ ዝዓዘዘ ፍቕሪ “ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር” ዝብል ናይ ኣጋእዘት ዓለም ጥዑም ቃል እዩ ነይሩ (ዘፍ 1፡26)። ጣዕሙ ኣብ ምድሪ ከም መዓር ኣብ ሰማያት ከኣ ከም ያም እዩ። መልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ክበሃል ከሎ ደጋዊ መልክዕን ምስልን ማለት ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝገለጸሉ ገለ ንምጥቃስ፡ ንጽህና፡ ዘይውዳእ ብርሃን፡ ዘለኣለማዊነት፡ ቅድስና፡ ፍጹምነት፡ ፍቕሪ እዩ። ኣዳም ከም ዝሓጥእ እግዚኣብሔር ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሰብ ክርስዖ ዘይብሉ ግና ነጻ ፍቃድ ተዓዲሉ ምንባሩ እዩ። ብየማን ህይወት ብጸጋም ከኣ ሞት ማለት እዩ። ነጻ ፍቃድ ዝነበሮ ኣዳም ብገዛእ ምርጭኡ ንሞት መረጸ። ሕጂ’ውን ድሕሪ ሞት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣይተለወጠን። ነዚ ዝምስክር ሓቂ ከኣ ፍቕሪ ከመግቦ ድሕሪ 5500 ዓመታት ብዘደንቕ ነገረ ተዋህዶ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣደና ድንግል ማርያም ሓዲሩ ካብ ስግኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ንዓለም ኣብረሃ። እቲ ዘይጭበጥ ዘይድህሰስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቅዱሳን መላእክት ኣብ ቅድሚኡ ቆይሞም “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” ኢሎም ክውድስዎ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ገጾም ክሽፍኑ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ኣእጋሮም ክኽውሉ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ከኣ ክነፍሩ ተዓዲሎም እምበር ክርእይዎ ኣይተፈቕደሎምን። ኣብ መብልዕ ማል ብነገረ ስጋዌ ምስ ተጋህደሎም ግና ሰብን መላእክትን ሓቢሮም “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ (ሉቃ 2)። ፍቕሩ ንኹሉ ምዃኑ ክነግር’ውን ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። ህዝብን ኣህዛብን ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ሓደ ምዃኖም ብምስጢረ ጥምቀት ውሉድነት ክንቅበል ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስን ምንጻህ ማይን ዳግም ምውላድ ግዲ ኮነ (ዮሓ 3)። እዚ ፍቕሪ ንይሁዳ መዓርገ ሓዋርያነት ክቅበል ፈቀደ። ይሁዳ ማለት ወላዲኡ ዝቀተለ ምስ ኣዲኡ ክድቅስ ዘይሓፈረ ንጎይትኡ ብ30 ቕርሺ ብሩር ዝሸጠ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ነፊጉ ክንዲ ንስሓ ንሓንቲ ምስጢር ሒዙ ቅድሚ ጎይታናን መድሓኒናን ትንፋሱ ከሕልፍ ዝሃቀነ እዩ። ፍቕሪ ብፍቕሪ እምበር ፍቕሪ ብጥበብ’ዛ ዓለም!፤ ኣይግድን። ካብ “ህያው ክትከውን ኢኻ” ዝብል ግርማ ዝመልኦ ድምጺ እግዚኣብሔር እንታይ ዝዓቢ ኣሎ፤ ፍጹም የለን ኣሕዋተየ። እንትርፎ ንገዛእ ነፍስና ክንብድል እምበር ንእግዚኣብሔር ዝግባእ ፍቕሪ ሂብናዮ ኣይንፈልጥን። ኣብ ቅዱስ ቃሉ (1 ዮሓ 4፡15) “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር” ይብለና። እስከ ንሕተታ ንነፍስና “ኣበይ ክትነብሪ ትደልይ” ንበላ፤ እታ ካባና ዝደልያ እግዚኣብሔር “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር”” ትብል እያ (ሉቃ 10፡27)። ብምሉእ ልብኻ ማለት፡ ንኣብነት፡ ሓደ ካብ ባሕታውያን ኣቦታትና እናኸደ ይጽሊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሃንደበት ክልተ ማላእክት ሓደ ብየማኑ ሓደ ብጸጋሙ ይኸዱ ከምዘለው ኣስተውዓለ። ናብ ሓዲኦም ክርኢ ኢሉ ግን ኣይሓሰበን። ምኽንያቱ ምስ ልዑል ባህሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይዛረብ ምንባሩ፡ ልቡ ምስ እግዚኣብሔር ብጸሎት ዓሪጋ ስለዝነበረት እዩ። ብሕልንኡ ከምዚ እናበለ ከኣ ንነፍሱ ይዛረባን ይወቕሳን ነበረ “መላእክት ይኹኑ ሊቃነ መላእክት ካብ ክርስቶስ ኣምላኸይ ዝፈልየኒ የለን!” (ብፁእ ቅዱስ ኣቡነ ሽኖዳ-3ይ)። ምኽንያቱ ብምሉእ ልቡ ምስ ክርስቶስ ስለዝነበረ። ሓንቲ’ኳ ከየትረፈ ምስ ጎይትኡ ነበረ። ምሉእ ማለት ጎደሎ ዘይብሉ ማለት እዩ። ስለዚ “ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” (ዮሓ 3፡16) ዝብል ቅዱስ ፍቕሪ ስለዝሃበካ ንስኻ ፍቕርኻ ክትህቦ እንታይ ምኽንያት ኣለካ፤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተግባር ዝመሃረና ”ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኮኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ (ማቴ 5፡44) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጸላእቱ መጀመርያ ኣፍቐረ። ኣይሁድ ንበርባን ክፍተሓሎም ኣብ ክንድኡ ከኣ ኣበር ዘይብሉ ንጹህ ገንሸል “ይሰቐል፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” (ማቴ 27፡20-25) ኢሎም ክጭርሑ ከለው ጎይታ ግና ብኣንጻሩ ንድሕነቶም ይጽሊ ነበረ “ኦ ኣቦይ ዚገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” (ሉቃ 23፡34)። ጎይታናን መድሓኒናን ክኹንኖም ኣይሓለነን፡ ብደም ዝረኸሰ ኣእዳዎም ኣይራኣየን። ምሉእ ፍቕሪ ግና ሃቦም። ክድሕኑ ክመሓሩ ናብ’ቲ ስፈር ቅዱሳን ክኣትው ጸለየሎም። ናይ ክርስቶስ ቤተ-ሰብ ክንበሃል እንተኾይና እምበኣር ምሉእ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምስ ዝህልወና ጥራሕ እዩ። ነዚ ዓቢ ጸጋ ንዓቅቦ። በዚ ከኣ ጸላኢ ዝበሃል ብዘይካ ድያብሎስ ካልእ ኣይክህልወናን እዩ። ብኻልእ ወገን ነዚ ዘገርም ፍቕሪ ዘስተማቐረ ቅዱስ ለንጊኖስ ንውሰድ። ቅዱስ ለንጊኖሰ ማለት ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹናት ዝወግኦ ወትሃደር እዩ ነይሩ(ዮሓ.19፡34)። ንቕሩብ እሞ ነስተውዕል ክርስቶሳውያን! ጎይታ ፍጹም ፍቕሪ ስለዘለዎ እዚ ወተሃደር’ዚ ቅዱስ ለንጊኖስ ክበሃል በቒዑ። ንምንታይ እንተ ኢልና፡ ብሓቂ ጻድቕ ምዃኑ ስለዝመስከረን (ሉቃስ 23፡47)፡ እቲ ዘቃጽል ፍቕሩ ስለዝተመገበን እዩ። "ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ" (1 ጰጥ 1፡16) ቅዱስ ስለ ዝኾነ ኩሎም ሕሩያቱ ቅዱሳን ክኾኑ ዕድል ሃበ። ኣየናይ ፍቕሪ ኢና ነፍቕር ዘለና፤ ካልእ ዓይነት ፍቕሪ ይጽነሓልና። ምኽንያቱ ካልእ ፍቕሪ እንተ ኣእቲና ንኣምላኽ ንኽሕዶ ኣለና። ኣቦና ኣብርሃም ዓርኪ እግዚኣብሔር ክኸውን ዝበቐዐ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ” ምስ በሎ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ስለዝሓደሮ ዓቢ ባህታ ተሰመዖ (ዘፍ 12)። ኣቦና ኣብርሃም መስዋእቲ ቀሪቡ ንእግዚኣብሔር ክጽበ ምሉእ

መዓልቲ ኳኻት ክሰጉግ ይውዕል ነይሩ። ከይተሃከየ ንእግዚኣብሔር ይጽበ ነበረ።ኣብ ካልእ’ውን ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ከይተቀበለ እኽሊ ኣይለክፍን ነበረ። ድያብሎስ ጽቡቕ ነገር ስለዘይፈቱ ናብ ኣብርሃም ዝመጹ ሓለፍቲ መንገዲ (ኣፍቀርቲ ኣብርሃም) ብሓሶት ርእሱ ዝተፈግአ ሰብ መሲሉ “ኣብርሃም ሃሪሙኒ” ብዝብል ሓሶት መገዶም ከምዝቕይሩ ይገብር ነበረ። ኣብዚ’ውን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ፍሉይ ምዃኑ ክገሃድ ንኣቦና ኣብርሃም ብሰለስተ ስላሴ ተገልጹሉ። እግዚኣብሔር ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ንኣብርሃም ጋሻ ኾኖ። እዝስ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ እዩ፤ ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ መሃልየ መሃልይ 6፡3 “ኣነ ናይ ፍትወይ እየ ፍትወይ ከኣ ናተይ እዩ” እናበለ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝገለጸ፡ ንሕና’ውን “ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ” ዝብል ቅዱስ ዜማ ፍቕሪ ብውሽጢ መዓሙቕ ልብና ንደጋግሞ!!! ንሱ’ኮ’ዩ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጸኣኒ፡ ፍቕሩ እምበር ፍቕረይ ኣይኮነን ካብ ሰማይ ዝሰሓቦ። ቶማስ “እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እነተ ዘይርኣኹ ኣብ ጎድኑ ኢደይ እነተ ዘየእቶኹ ኣይኣምንን እየ” ምስ በለ፡ ጎይታ ንቶማስ “ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ እሞ፡ ናብ ጎድነይ ኣእትዋ ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉ ብሓቂ ጓሳ ኣባጊዑ ምዃኑ ኣብረሃሉ። ቶሞስ ብኣጻብዑ ዝተንከፎ ዘቃጽል መለኮት እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ኸኣ ቶማስ “ጎይታይን ኣምላኸይን በሎ” (ዮሓ 20፡25-27) እዚ ዘቃጽል መለኮት ፍቕሪ’ዶ ኣይኮነን። ኣምላኻዊ ፍቕሪ’ኳ ደኣ። ነቶም ዓሰርተ ሓዋርያት መጀመርያ ዝተገልጸሎም ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ንቶማስ “ኣይኣምንን እየ” ዝበለ። ዘቃጽል ፍቕሪ ስለዝነበሮ ንኹሎም ተገለጸሎም። እግዚኣብሔር ኣምላኽናስ ከመይ ዝበለ ፍጹም ፍቕሪ ኣለዎ፤ በረድን ሓዊን ኣንጻር እዮም። በረድሲ ኣይንኹን። ተኽሊ ምስ ኮስኮሰካያ ትዓቢ ንሕና’ውን ኣብ ፍቕሩ ክንዓቢ ኣሎና። ኣብ በረድ ህይወት የለን። ስለዚ ነዚ ህወት ዘለዎ ፍቕሪ ንጠቐመሉ። ሓዊ እንተዘይተጠቂምካሉ ሓምኹሽቲ ይኾውን እምበር ዝጠቕሞ የብሉን። ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እዚ ሓዊ እዩ። ብኡ ጌርና ነኣሕዋትና ነቃጽሎም። ፍቕሪ እግዚአብሔር ነፍልጦም፡ ቅዱስ ቃሉ ንመግቦም። ናይ ኩልና ሓላፍነት ስለዝኾነ። ኣብ ልዕሊ ከውሒ ዝተሃንጸት ቤተክርስትያን ኣይክትናወጽን እያ ፍጹም ኣይክትወድቅን ከኣ እያ። ፍቕሪ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን። ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ጸሎቶም፡ ጥርጥር ዘይብላ ንጽህቲ ቅድስቲ እምነቶም ኣባና ጸኒዓ ትንበር። ስለ ቅዱስ ቃሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወወላዲቱ ድንግለ

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ሓጻር እኳ እንተዀነት ኵሉ እቲ ናይ ጸሎት መሰረታዊ ነገር ጠርኒፋ ትርከብ። እዛ ጸሎት እዚኣ ሽዱሽተ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። እተን ሰለስተ ሓሳባት ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሔር ይገልጻ። እተን ዝተረፋ ሰለስተ ከኣ ብዛዕባ ጥቅሚ ሰባት ይገልጻ፣

ሀ) ብዛዕባ ኽብሪ እግዚኣብሔር ስሙ ምቕዳስ። ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ምምናይ። ፍቓዱ ምልማን እየን፣

ለ) ብዛዕባ ጥቅሚ ሰባት ከኣ እንጌራ ዕለት ምርካብ። ይቅሬታ ምርካብ። ካብ ክፉእ ምድሓን ትዝርዝር እታ ጾሎት ኣብዚኣ ብውዳሴ ኣምላኽ ትድምደም፣ ግቡእ ጸሎት ወይ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ንኽኸውን።፣

1) ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም ቅድስት ሥላሴ ኣሚንና ክንጽሊ ይግባእ፣ ማቴ.28።19-20፣ 1ዮሓ.5።7-8፣ ቆሮ.13።13፣

2) ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ኣሚንና። ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጽሊ ይግብኣና። ዮሓ.14።6-13፣

3) ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንጽሊ ይግብኣና፣ 1ዮሓ.5።14-15፣

4) እንጽልዮ ጸሎት ብሕብረት መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ይግባእ። ይሁ.1።20፣

5) ብዘይንስሓ ጸሎት ቅቡል ስለዘይኮነ ሓጢኣት ከኣ ካብ ኣምላኽ ዝፈልየና ከልካሊ ናይ ጽልኢ መንደቕ ስለ ዝኾነ ንመንደቕ ኃጢኣት ብንስሓ ኣፍሪስና ክንጽሊ ይግብኣና፣ ኢስ.59።1-3፣ ኤፌ.2።14-16፣ መዝ.66።18-20፣ ማቴ.5።23-24፣

6) ንዝበደሉና ኵሎም ከም ዮሴፍ ከም ነብዪ ሙሴ ከም ቅዱስ እስጢፋኖስ ምሉእ ምሕረት፣ ይቅሬታ። ምሉእ ለውሃትን ድንጋጸን ክንገብረሎም ይግብኣና፣ ዘፍ.50።18-21፣ ዘጸ.32።32፣ ዘጸ.9።1-29፣ ግብ.7።6፣ ሉቃ.15።20- ይሁ.1።20-23፣

7) ኩሉ ግዜ ጸሎት ብዘይ ትህኪትን ምስልካይን ብዘይምቁራጽን ክኸዉን ይግባእ፣ ሉቃ.11።5-13፣ ምሳ.6።6-11፣ 10።26፣ 13።4፣ 15።19፣ 19።24፣ 22።13፣ 24።30-34፣ 26።13-16፣ ኣብ ጸሎት ኣብነትና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን። እቶም ኣሰር ኣሰሩ ዝሰዓቡ ቅዱሳንን እዮም፣ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ መዛሙርቲ ክመርጽ ከሎ ኣብ ከረን ደይቡ ኣብ ጸሎት ሓደረ፣ ሉቃ.6።12-13፣ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ምስ ተጠምቀ ጸለየ። ሉቃ.3።21-22፣ ቀቅድሚ ምትሓዙ ኣብ ደብረ ዘይት ይጽሊ ነበረ፣ እናጸለየ ከኣ ተታሕዘ፣ ሉቃ.22።39-46፣ ኣብ መንጎ ኣገልግሎቱ ናብ በሪኽ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ፣ ሉቃ.5።15-16፣ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ንህዝቢ ምስ ኣፋነወ ማቴ14።22-23፣ ቅድሚ ኣገልግሎት ምጅማሩ ኣንጊሁ ወጺኡ ስርሑ ብጸሎት ንምጅማር ኣብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ይጽሊ ነበረ፣ ማር.1።35፣ ጸሎቱ ምስ ወድአ ኸኣ ኣገልግሎቱ ብስብከትን ብገቢረ ተኣምራትን ጀመረ፣ ማር.37።39፣

8) ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግብሪ ዝመሃረና ህዝቢ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣብ ኵሉ ቦታ ብኵሉ ኩነታት ኣብ ራህዋ ኮነ ኣብ ጸበባ ኣብ ጽጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት ኣብ ሽመት ኮነ ኣብ ስዕረት ክጽልዩ ይግባእ። ፊል.4።6-7፣ ኤፌ.5።20፣ 2ቆሮ.11።24-29፣ ማቴ.6።25-34፣1ጴጥ.5።7፣

9) ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኵሉ ሰብ ማለት ምእንቲ ኣማኒ ምእንቲ ከሓዲ ምእንቲ ጻድቕ ምእንቲ ሓጥእ ምእንቲ ንጹሕ ምእንቲ ርኹስ ምእንቲ ጎይታ ምእንቲ ጊልያ ምእንቲ ሕሙማት ምእንቲ ጥዑያት ምእንቲ ድኻታት ምእንቲ ሃብታማት ምእንቲ መራሕቲ ሃይማኖት ምእንቲ መራሕቲ ሃገር ምእንቲ ኵሉ ክጽሊ ይግባእ፣ ቅድሚ ኵሉ ግን ምእንቲ ሕይወቱን ድሕነቱን ክጽሊ ይግባእ፣ ማቴ.16።24።26፣ ይሁ.1።20-25፣ 1ጢሞ.2።1-4፣ መዝ.72።1-4፣ ኢሳ.62።6-7፣ ኤር.29።7፣

10) ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ወይ ግዜ ማለት ኵሉ ግዜ ክንጽሊ ይግባእ፣ 1ተሰ.5።17፣ ሮሜ12።12፣ 1ተሰ1.3 2።13፣ ሮሜ1።9-12፣ ኤፌ.6።18፣ ቈላ.1።3-4፣ 2ጢሞ.1።3-5፣

11) ኣብ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን (ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር) ዝጸለዩ ጸሎታት።-

ሀ. በእንተ ኵሉ ግብር (ስለ ኵሉ ግብሪ) ፊል.4።6-7፣ ኤፌ.5።20፣

ለ, በእንተ ድዉያን (ስለ ሕሙማት)፣ ያዕ.5።13-16፣ 2ቆሮ.11።29፣

ሐ, በእንተ እለ ይነግዱ (ስለ ነጋዶ (ገያሾ)፣ ምሳ.3።6፣ ግብ.27።9-26፣

መ, በእንተ ዝናማት (ምእንቲ ዝናም)፣ 1ነገ.17።1-18፣ 1።45፣ ያዕ.5።17-20፣

ሠ, በእንተ ፍሬ ምድር (ምእንቲ ፍረ ምድሪ)፣ ዕብ.6።7-8፣ መዝ.107።33-34፣

ረ, በእንተ ማያተ ኣፍላግ (ምእንቲ ዓይኒ ማያት)፣ መዝ.107።33-34፣ ዘጸ.7።14፣

ሰ, በእንተ ንጉሥ (ምእንቲ ንጉሥ)፣ መዝ.72።1-4፣ 1ጠሜ.2።1-4፣ ኤር.29።7፣

ሸ, በእንተ እለኖሙ (ምእንቲ ዝደቀሱ (ዝሞቱ)) ዘዳ.33።6፣ 1ቆሮ.5።1-6፣ ሉቃ.16።27-28፣

ቀ, በእንተ ንኡሰ ክርስቲያን (ምእንቲ ሓደስቲ ኣመንቲ)፣ ሉቃ.12።32፣ ማቴ.18።6፣

በ, በእንተ ሰላም (ምእንቲ ሰላም)፣ ኤር.29።7፣ ኢሳ.48።18፣ ዮሓ.14።27፣

ተ, በእንተ እለ ያበውኡ (ምእንቲ መባእ ዘምጽኡ)፣ መዝ112።5-10፣ ማር.12።41-44፣ ሉቃ.21።1-4፣ ዮሓ.8።20፣ 2ቆሮ.8።12፣ 2ቆሮ.9።6-15፣

ቸ, ኣብ ጸሎተ ኪዳን። ጸሎተ ቡራኬ። ጸሎተ ንስሓ። ወዕቀቦሙ። በእንተ ቅድሳት። ፍትሓት ዘወልድ ዝሎ ጸሎት ከኣ ስለ ኩሉ ህዝቢ ዝጽለ ጸሎት እዩ፣

ትርግኛ

ተራ ቁ.

በዓል

ዕለት ብግእዝ

1

ልደት

ታሕሳስ 28

2

ግዝረት

ጥሪ 6

3

ጥምቀት

ጥሪ 11

4

ጾመ ነነዌ

የካቲት 4-6

5

ዓብዪ ጾም

የካቲት 21

6

ሆሣዕና

ሚያዝያ 9

7

ስቅለተ ክርስቶስ

ሚያዝያ 14

8

ትንሣኤ

ሚያዝያ 16

9

በዓለ ዕርገት

ግንቦት 25

10

በዓለ መንፈስ ቅዱስ

ሰነ 5

11

ጾመ ኃዋርያት

ሰነ 6

12

ጾመ ፍልሰታ

-ነሓሰ 1-15

13

ደብረ ታቦር-

ነሓሰ 13

14

ርእሰ ዓውደ ዓመት

መስከረም 1

15

መስቀል

መስከረም 17

16

ጾመ ነቢያት

ሕዳር 17 - ታሕሳስ 28

English

Sr.No

Fast or Feast

Date

1

The Holy Nativity Feast-

January 7

2

The Circumcision Feast

January 14

3

The Holy Epiphany

January 19

4

Jonah's (Nineveh) Fast

February 14 - 16

5

Holy Great Fast

February 28

6

Hosanna Sunday

April 17

7

Good Friday

April 22

8

Feast of the Resurrection

April 24

9

The Holy Feast of Ascension

June 2

10

The Holy Pentecost Feast

June 12

11

The Apostles' Fast

June 13 - July 11

12

St. Mary's Fast

August 7–21

13

Transfiguration Feast

August 19

14

St John Feast

September 12

15

The Feast of the Cross

September 28

16

The Holy Nativity Fast

Nove 26–Janu 6