ገዳም ደብረ ወርቅ

አብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ዝርከባ ጥንታውነት ዘለወን ታሪኽን ቅርሳ ቅርስን ዝዓቀባ አስታት 14(፳፭) ገዳማት ካልኣይቲ (2) ገዳም ደብረ ወርቅ እንዳ አቡነ ሊባኖስ እትብሃል አብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብወገን ደቡብ አብ ዶብ ኢትዮጵያ ትርከብ እያ፣፣ እዚ ገዳም’ዚ 523 ዓ.ም አቡነ ሊባኖስ መሥሪቶሞ።

ታሪኽ ሂወትአቡነ ሊባኖስ

ታሪኽ ህይወትናይ አቦና ቅዱስአቡነ ሊባኖስ እዚዝስዕብ ኢዩ። አቦኦምአብርሃም ይብሃል፣ አዲኦምከአ ንግሥት ማርያም/ባዚሊሳ/ ትብሃል። ትውልዲ ዓዶምቊስጥንጥንያ (ሮም) ርእሲከተማ ናይ ግሪኽዝነበረ ቀዳማይ ቊስጠንጢኖስዝኸተማ ኮይኑ ቆስጠንጢኖስናይ ሮማ ኢጣልያንጉሥ አብ ዝነበረሉእዋን።

ክሳዕ ማእከላይ ምብራቕንግሪኽን ናይ ግዝአትሥልጣን ስለ ዝነበሮ፣ስለዚ ነዛ ከተማእዚአ ከአ ብመልክዕከተማ ሮም (ፕላን) ተመሥሪታ ተፈጺማ ምስረኣያ፣ ሮም ኢሉከአ ሰመያ። በዚ ሽም’ዚብዙሓት አንበብቲ ተደናጊሮምኢዮም፣ ማለት አቡነሊባኖስ ሮማዊ 9ቱ ቅዱሳን ሮማውያን ዝብል ንባብ ስለዘሎ ከም ሮማውያን ይመስሎም።

ሮም ቊስጥንጥንያ በብግዚኡ ብዙሕ አስማት ተቐቢላ ኢያ። ካብ ቈስጠንጢኖስ ሮም ዝብል ክኸውን ከሎ ብድሕሪኡ ከአ ህዝቢ ብሽም እቲ ዝመስረታ ቆስጠንጢኖስ ቊስጥንጥንያ ኢሎም ሰመይዋ።

ድሕሪ ወራር ቱርኪ ከአ ኢስታምቡል ክትብሃል ጸኒሓ። ሕጂ ድማ አንካራ ትብሃል አላ።

እምበአር አቡነ ሊባኖስ አብዛ ዝተጠቕሰት ከተማ ካብ ዘርኢ መኳንንቲ አብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ አቦን አደን ተወልዱ፣ ዕድሚኦም ንምስትውዓል ምስ በጽሐ መንፈሳዊን ሥጋዊን ትምህርቲ ቀሰሙ።

አካለ መጠን ምስ በጽሑ ከአ ጓል ንጉሥ ቊስጥንጥንያ ተመርዓዉ፣ እንተኾነ ግና ናይ መንፈስ ቅዱስ መጸዋዕታ ኮይኑ ናብ ባሕታዊ አባ ጳኩሚስ ግበጺ አተው’ሞ ብብሕትውና ተጸምዱ።ኣርዑት ምንኩስናን አስኬማን ካብ አባ ጳኲሚስ ተቐቢሎም ብርቱዕ ተጋዳሊ ኮኑ። ሥርዓት ናይ አበውን ንብረት ሐድነትን ቀሲሞም ብፍቓድ ናይ መንፈስ ቅዱስ ወላዲኦም ንዓዲ አቢሲንያ (ብሔረ ኣግአዚ) ብመርሳ ተኽላይ ተሳጊሮም ኣብ ኤርትራ አተው። ካብኡ ንአስገደ ባቕላ ከይዶም አብ ፅኑዕ በዓቲ ብብሕትውና ተቐሚጦም አስታት 7 ዓመታት ገበሩ።

አብኡ ወንጌል ማቴዎስ ካብ ግሪክ ናብ ግእዝ ብምትርጓም ካብ ናይ ጥንቲ ቃላት ዓረብ መታ (መጣዕ) ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦም። ስለዚ ብክልተ ስም ሊባኖስ መጣዕ ይጽውዑ። አቡነ ሊባኖስ አብ ብዙሕ ቦታታት ኢትዮጵያ ብሓዋርያዊ ተልእኾን ብብሕትውናን ተዛዊሮም፣ አብ ዝረገጽዎ ቦታ ከአ ማይ ስለዝፍልፍል ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ድውያን እንዳፈወሰ ይነብር አሎ።

ደብረ ሊባኖስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢይ ገዳም ብብሕትውና አብኡ ዝቕመጥዎ ስለ ዝነበሩ ኢዩ ብስሞም ዝጽዋዕ ዘሎ።

አብ ወረዳ ጉሕጨዓ ንላቔን ክሳድ ዳዕሮ ብወገን ምብራቕ ዓበይቲ በዓቲ ዝርከብ ን70 ዓመታት ብተባሕትዎ ነበሩ። እቲ ቦታ ቅድስናኡ ሓልዩ ብዙሓት ሕሙማት ማየ ጸሎት እናተሓጽቡ ይፍወሱ ዓመት ዓመት ከአ ብ24 ሕዳር ብህዝቢ ወረዳ ጉሕጨዓ ብዓቢይ ድምቀት ይኽበር። አቦና ብድሕሪ’ዚ አብዚ ቦታ ምንባሮም ምስ ተሰምዐ አባ ኤልያስ መልእኽቲ ለአኹ’ሞ ካብ ጉሕጨዓ ናብ አኽሱም ከዱ። አብ መንጽር ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ዓቢይ ዱር ሐደኳ ከይፈለጦም ይነብሩ ነበሩ፣ ብሕቡእ ከአ ብዙሕ ተአምራትን መንክራትን ይገብሩ ኔሮም።

ካብ ዕለታት ሐደ መዓልቲ ብፁዕ አቦና ሊባኖስ ንጳጳስን ንኤጲስ ቆጶስን ካብ ቆሞስ ፫(3) ቅርሺ፣ ካብ ካህን ፫(2) ቅርሺ፣ ካብ ዲያቆን 1 ቅርሺ ግጻ /ጉቦ/ ክቕበሉ ረአዩ’ሞ ብዙሕ ተቖጥዑ። ከም ጴጥሮስ ሊቀ ሓዋርያት መዓት አውርደሎም በሉ፣ ንምንታይ ጉቦ ትቕበሉ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብናፃ ተቐቢልኩም ብናፃ ሃቡ ኢዩ ዝብል፣ አብ ማቴ ፲፣፰(10፦8) ንስኻትኩም ግና ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ተግባር ትፍጽሙ አለኹም ምስ በልዎም በዚ ነገር’ዚ ገበዝ አኽሱም ተቖጢዖሞ ካብቲ ቦታ’ውን አባረርዎም። ደረቓ አብ ዝተባህለ ቦታ (በረኻ) ከይዶም አብ ውሽጢ በዓቲ ንሰለስተ ዓመታት ተቐመጡ፣ ካብ ናይ በረኻ አግራብ ቋርፍ እናተመገቡ ብኸምዚ ዓይነት አብ በዓቲ መንፈሳዊ ተግባር ብምፍጻም ብጸጋ እግዚአብሔር ተቐመጡ። አክሱማውያን ግና በቲ ግፍዒ አብ ልዕሊ አቡነ ሊባኖስ ዝፈጸምዎ ንሰለስተ ዓመት ዝአክል ዝናብ ከይወረደ ስለ ዝተዓግተ ተሸገሩ ነንሕድሕዶም ከአ እንታይ ክንከውን ኢና ተበሃሃሉ። ንአባ አድኃኒ ከተዓርቅዎም ከአ ለመንዎም አባ አድኃኒ ድማ ከይዶም ሰአንዎም’ሞ ን፯(7) መዓልቲ ሱባኤ ገበሩ፣ ብሻብዓይ መዓልቲ ከአ ደው ኢሎም ክጽልዩ ረኸብዎም በልዎም ድማ፣ አቦና ንስኹም ስለ ዝሐዘንኩምን ስለ ዝተቖጣዕኩምን ስለ ዝተቐየምኩምን ምድሪ ጠፊአ ሕጂ ግና ከም አምላኽ መሓሪ ኩኑ ዝናብ ክዘንብ ከአ ጸልዩ በሎም። አቡነ ሊባኖስ ከአ በልዎም ንስኹም ክትዓርቁና ትደልዩ እንተኾንኩም ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ንጉሥን ካብ ካህናት ጉቦ አይቀበሉ፣ ብፍቓድ እግዚአብሔርን ሓዋርያት ብዝሰርዕዎ ሥርዓትን እንተኸይዶም ይቅሬታ ክገብረሎም።

ንሳቶም ድማ ሕራይ ኩሉ ዝአዘዝኩምና ንገብር በሉ። ንግዚኡ ከአ ዘነበ ቅዱስ አቡነ ሊባኖስ ከአ ብኸምዚ ግሁድ ተአምራት ንህዝቢ አኽሱም ካብ ጌግኡን ስሕተቱን ይምህርዎን ይእርምዎን ነበሩ።

ብድሕሪ’ዚ አቡነ ሊባኖስ ንነዊሕ ዓመታት ብገድልን ትምህርትን አብ ታሪኻዊት በዓቶም ካብ ናይ ጻዕርን ድኻምን ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ብድሕርዚ ቅድሚምሟቶም ንደቂ መዛሙርቶም ኃይልነ አብን ሜጦ መስቀልን ዝተባህሉ መራሕቲ ገደፉሎም (ሸሙሎም)። ለበዋ አቡነ ሊባኖስ ንድራር (ገብረ ክርስቶስ) አቡነ ሊባኖስ አብ አጋ ሞቶም ድራር (ገብረ ክርስቶስ) ንዝተባህለ ናይ መንፈስ ውሉዶም ንስኻ ኢኻ እትቐብረኒ ዝቕበረሉ ቦታ ከአ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ክትረኽቦ ኢኻ፣ ኢሎም ምስ ተላበውዎ አብ ምድሪ ሓራሳት ከአ ዓረፉ።

ምድሪ ሓራሳት አብ ጥቓ ዓዲ ግራት እትርከብ ዓዲ ኢያ። ቅዱስ አቡነ ሊባኖስ አብዚ ቦታ’ዚ ምስ ዓረፉ ማንም ሰብ አይረአዮምን አብቲ ዝወደቑሉ ቦታ ግና ሓንቲ ሓራስ ላም ትልሕሶም’ሞ ምሸት ደም ትሕለብ።

ዋና እታ ላም ደም ትሕለብ ዘላ አብ ምንታይ እንዳወዓለት እንታይ እንዳ በልዐት ኢያ ኢሉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነቲ ጓሳ ምሉእ መዓልቲ ካብአ ከይትፍለ ተኸታተላ ኢሉ ተላበዎ። እቲ ጓሳ ከም ለበውኡ ደድሕሪ እታ ላም ኮለል ክብል ውዒሉ እታ ላም ከም ልማዳ ትኽ ኢላ አብቲ ሬሳ አቡነ ሊባኖስ ዘለዎ ቦታ ከይዳ ክትልሕሶ ረኸባ፣ ነዚ ተዓዚቡ ነታ ላም ካብቲ ሬሳ ሰጐጓ፣ ምሸት ነዚ ተዓዚቡ ነቡኡ አዘንተወሉ።

ላም እንተተሓልበት ከም ቀደማ ደም ኮነ፣ ዋና ላም ሰብ አኪቡ አብቲ ጓሳ ዝሓበሮ እንተኸደ አቡነ ሊባኖስ አብኡ ሞይቶም ጸንሕዎ። ኩሎም ሰምቢዶም ከአ ካብቲ ዝወደቑሉ ከልዕልዎም ተጋደሉ፣ ሬሳ ግና ምንቕ እኳ ምባል አበየ፣ ተሓሊልዎም ከአ ገደፍዎ። ብድሕሪ’ዚ ንገብረ ክርስቶስ (ድራር) ብሩሑቕ ቀስተ ደመና ተራእዮ፣ ብቕልጡፍ ከይዱ አብቲ ትእምርቲ ዝረአየሉ ከአ በጽሐ፣ አቡነ ሊባኖስ ከኣ አብኡ ሞይቶም ከአ ጸንሕዎ። ካብ ምድሪ ሓራሳት ተሰኪሙ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ገዳሞም ደብረ ወርቅ አምጺኡ ከአ ቀበሮም። ምድሪ ሓራሳት ካብ ደብረ ሊባኖስ ናይ ምሉእ መዓልቲ መገዲ ኢዩ። እቲ ገዳም ክሳብ ሕጂ እዋን ግሁድ ትእምርትን ተአምራትን ይፍጽም ኣሎ። ቅዱሳን ብህይወቶም ከለዉን ምስ ዓረፉን ግብሪ ተአምራት ካብ ምፍጻም አየቛርጹን ኢዮም፣ ፪ይ ነገ ፳፫፦፴-፴፪ (2ይ ነገ12# 20-21) ተመልከት። አቡነ ሊባኖስ አባ ዮሐኒ በዓል ደብረ ሲናን፣ ብ፬çà(430) ዓ.ም ካብ ሃገር ግብጺ ብሣሕል ናብ ሃገረ ኤርትራ አትዮም ትምህርቲ እምነት ክርስትና እናሃቡ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ተዛዊሮም ወንጌል ሰቢኾም ምስ አእመኑ እቶም ዝአመኑ ድማ ፍጹማን ክርስቲያን ምስኮኑ ሥርዓተ ጳኩሚስ ምንኩስናን ገዳማትን ተኸሉ፣ ካብተን ዝተኸልወን ገዳማት ንምጥቃስ።

፪(1)፣- ገዳም ደብረ ሲና አብ ዞባ ዓንሰባ

፫(2)፣- እንዳ አባ መጣዕ ኣብ ዞባ ደቡብ ወረዳ ጉሕጨዓ

፬(3)፣- ደብረ ወርቅ አብ ዞባ ደቡብ ወረዳ ሰንዓፈ ካብዚ ሐሊፎም’ውን ንኢትዮጵያ ሰጊሮም ካብ ትግራይ ክሳብ ሽዋ ሃይማኖት ክርስትና እናሰበኹ ብዙሓት ገዳማት ከም ዝተኸሉ ገድለ አቡነ ሊባኖስ የረድእ።
ካብ
አቡነ ሊባኖስ ሥርወ ልደት ምንኩስና ዘለዎም መብዛሕትኦም አብ ኤርትራ ካብ ዘለው፣-

፪(1)፣- አቡነ ሊባኖስ

፪(2)፣- አባ አድኃኒ

፫(3)፣- አባ ኦፅ

፬(4)፣- አባ ጳላድዮን

፭(5)፣- አባ ቅቡእ እግዚእ

፮(6)፣- አባ አትናቴዎስ

፯(7)፣- አባ ይስሓቅ

፰(8)፣- አባ እምነ ሰንበት

፱(9)፣- አባ ዳንኤል

፲(10)፣- አባ ኤዎስጣቴዎስ ብምንኩስና ካብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝተወልዱ

፪(1)፣ አቡነ መርቆሬዎስ

፪(2)፣ አቡነ አብሳዲ

፫(3)፣ አቡነ ማቴዎስ

፬(4)፣ አቡነ በኪሞስ

፭(5)፣ አቡነ ማትያስ

፮(6)፣ አቡነ ገብረ አምላክ

፯(7)፣ አቡነ ገብረ ኢየሱስ ኢዮም።

ካብዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳን አቦታት ደቂ አቡነ ኤዎስጣቴዎስን ደቂ ደቆምን አብ ሃገረ ኤርትራ ዘለው አስታት 15 /፲፭/ ገዳማት አለው። ስለዚ ሃገርና ኤርትራ ብሓዋርያነት አቡነ ሊባኖስን ደቆምን ክሳብ ሎሚ ብእምነት ክርስትና ብሃይማኖታዊ ምግባር ጸኒዓ ትነብር አላ። ንኹሎም ቅዱሳን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ህያብን ዕድልን ይወሃቦም ኢዩ፣ ካብዚ አቡነ ሊባኖስ ዝረገጽዎ ባይታ ዋላ ከውሒ ይኹን ማይ ይነትዕ። ደብረ ወርቅ ገዳሞም ፍጹም ከውሒ ኢዩ ካብኡ ዝፍልፍል ማይ ተአምራታዊ ኢዩ።


አብ ከባቢ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ብዙሕ ናይ ቅዱሳን አስከሬን ከይፈረሰ ዝነብር አሎ ናይቲ ገዳም ጥንታውነት ዝሕብር ታሪኻዊ ቅርሳ ቅርስን ጽሑፍ እምንን አሳእልን`ውን ይርከብ። ምስ ገዳም ደብረ ወርቅ አብ ከባቢኡ ዝርከባ ጥንታውያን ገዳማት አስታት 7/፯/ አለዋ፣ ንሳተን ከአ እዘን ዝስዕባ ኢየን፣-

፪(1)፣- ሃዘሞ ደብረ ሰማዕት አናንያ፣ ወአዛርያ፣ ወሚሳኤል

፪(2)፣- አብ አከለ ጉዛይ አራ ደብረ መስቀል

፫(3)፣- አብ ጉሎ መኸዳ ደብረ ታህሰስ ኪዳነ ምሕረት

፬(4)፣- ገዳም አፈ ታቦት ቅዱስ ሚካኤል

፭(5)፣- ደብረ ማዕጾ ቅዱስ ዮሐንስ

፮(6)፣- ጉና ጉና እንዳ መስቀል ገዳም።

አቡነ ተክለ ሃይማኖት ወዲ አቡነ ሊባኖስ ኢዮም። ምስ ገዳም አቡነ ሊባኖስ ተደሚሩ 7/፰/ ገዳማት ይኸውን፣

አብ ዘመን አቡነ ሊባኖስ አብ ውሽጢ እዘን ገዳማት አስታት ሽሕ መነኮሳት ከም ዝነበሩ ገድለ አቡነ ሊባኖስ ይሕብር።
ናይ
፯(7) ገዳማት አበምኔታት ምንባሮም ዳርጋ ብሐደ ዓይነት ስለዝነበሩ ዕለት ፲፰(18) መስከረም አብ ዓዓመት እናተአከቡ ስለ ናይ ሃይማኖትን ስለ ሥርዓተ ምንኩስናን ስለ ገዳማት አመሐዳድራን ይምርምሩን ይውስኑን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ዓመታዊ ጉባኤ ዝካየደሉ ገዳም /ቦታ/ መነኩሰይቶ ገዳም ጉና ጉና ደብረ ተክለ ሃይማኖት ወዲ ሊባኖስ ኢዩ፣፣ አቡነ ሊባኖስ ናብ ሃገረ ኤርትራ ዝመጽኡሉ ዘመንን ግዜን፣ አቡነ ሊባኖስ አብ ሃገረ ኤርትራ ዝመጽኡሉ ዘመን 430 ዓ.ም ምዃኑ ቅድም ገሊጽና ኔርና ማለት ቅድሚ ተስዓቱ ቅዱሳን ኣብ ፭ይ(5) ክፍለ ዘመን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዙኅ ናይ ሃይማኖት ክርክርን ምፍልላይን ስለ ዝተፈጥረ ብናይ ሃይማኖት ስደት ምኽንያት ኢዮም ተሰዲዶም ናብ ኤርትራ ዝመጽኡ። እዚ ዘመነ ሊቃውንት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍለ ዘመን ኢዩ። ዘመነ ሰማዕታት ሐሊፉ ተተኪኡ ዝመጽአ ናይ ሃይማኖት ምፍልላይ ዝፈጠረ እዋን ኮይኑ ንዓለም ቅሳነት ከሊኡ ክሳብ ሕጂ አብ ውጥረት አብጺሑ መንፈስ ቅሳነት ከሊኡ ንአብያተ ክርስቲያናት ንዘለዓለም ህውከት ፈጢሩ ዘሎ ኢዩ። ነዚ ክፈጥሮ ዝኸአለ እቲ አብ ሚላኖ ብ፲፯(17) የካቲት ፫çÞ×(313) ዓ.ም ቈስጠንጢኖስ ዝሃቦ አዋጅ ቤተ ክርስቲያን ሕጋዊ ሰብነት ለቢሳ ብሕጊ መሰላ ዝተሐለወላ ኮይና ብዝኾነ ዓይነት ክርክር ብዘይ ወንጀል (ገበን) ብሓለፍቲ ቤተ ክርስቲያን (ኤጲስ ቆጶሳት) ክመሓደር ተአወጀ።

ኤጲስ ቆጶሳት ግና ነዚ ርትዓዊ አዋጅ አይተጠቕሙሉን ነንሕድሕዶም ሐላፊ ክብርን ሥጋዊ ሥልጣንን ንምጭባጥ አብ ፍኽክርን ውግዘትን አትዮም ነንሕድሕዶም ነታ ክርስቶስ ሓንቲ ዝገበራ ቤተ ክርስቲያን አብ ብዙሕ ከፋፈልዋ። ክሳብ ሕጂ ተሐኪሙ ዘይሐዊ ቁስሊ ኮይኑ ናይ ዓለም ክርስቲያናት ተፈላልዮም ይነብሩ አለው። እዚ ምሕታተይ እዚ ነዞም አብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቅዱሳን አቦታት ናብ ሃገርና ምምጻእ ምኽንያት ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ምፍልላይ ምዃኑ አየጠራጥርን። አብ ሱር ጉዳይና ክንምለስ በቲ ይኹን በዚ አቡነ ሊባኖስን ብመንፈስ ቅዱስ ደቆምን ናይ ሃገረ ኤርትራ ቀዳሞት ሐዋርያት ከም ዝኾኑ ይፍለጥ።

ገዳም አቡነ ሊባኖስ ብዙሕ ዘኹርዕ ታሪኽ ዝዓቀበ ኢዩ። እንተኾነ ግና እቲ ዝበዝሕ ታሪኹ ብዘማቶ አምሐራ ተዘሚቱ ኢዩ። አቡነ ሊባኖስ ገዳም አብ አከለ ጉዛይ ዝለዓለ መንፈሳዊ ሥልጣን ከምዝነበሮም አብ ወረዳ አምበሰት ተገለባ አብ ወረዳ ቤት መጣዕ አብ ወረዳ ሃም . . . ወዘተ ብዙሕ እቶት ከምዝነበሮም ይፍለጥ፣

ሽመ ዛና አኽራን መስሐል ደጊዐን እንዳ ዳሽም ዘርኢ ሞሲ ሎጎ ሳርዳ ወቦ. . . ደቡብ አከለ ጉዛይ ወረዳታት አብ ትሕቲ መንፈሳዊ ሥልጣን ናይ ጥንታዊ ዓቢይ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ኮይኑ ከየቋረጸ ቀጸለ።

ንጉሥ ገብረ መስቀል ንገዳም አቡነ ሊባኖስ አብ ውሽጢ 3 ዓመት ክሃንፃ ከሎ ንግሥቲ ከአ ብወገና ነዘን ዝስዕባ አብያተ ክርስቲያናት አህነጸትሉ።

፪(1)፣ አብ ፍቓዳ

፪(2)፣ አብ ፈጠርያ

፫(3)፣ አብ መርሐ ሰፊሕ ቀላይ

፬(4)፣ አብ መጽሐፍ

፭(5)፣ አብ ሳስዒት

፮(6)፣ አብ ጉና ጉና ከምኡ’ውን አብ ካልእ ቦታታት ንቅዱስ ሊባኖስ አቢያተ ክርስቲያን አሥርሐትሉ።

፳፫(23)፣ ንጉሥ ብወገኑ ነዘን ዝስዕባ አሥርሐ።

፪(1)፣ ንናዕለ

፪(2)፣ ንለሊዓ

፫(3)፣ ንጻዕዳ በዓቲ

፬(4)፣ ንማይ ቀበሮ

፭(5)፣ ንሃም

፮(6)፣ ንቡር . . . ወ.ዘ.ተ

ጉልቲ ብምሃብ ነቲ ገዳም አሃብቶሞ። እቲ ገዳም ናይ ግዜ ምግምጣል እንተበጽሖ እኳ ታሪኹን ቅድመ ቅርሱን ምስ ዓቀበ ኢዩ።

ኤርትራ ሃገርና ካብ ጥንቲ ናይ ስነ ጽሑፍን ታሪኻዊ ቦታታትን ዘለዋ ሃገር ኢያ፣ ግና ናይ ቀርኒ አፍሪቃ አፍደገ /በሪ/ ስለ ዝኾነት ብዙሐት ዝተፈላለያ ካብ ብዙሕ ኩርናዓት ወራርን መግዛእታዊ ሐይልን በጺሕዋ ኢዩ።

በበግዚኡ መግዛእቲ ዝተፈላለዩ ናይ ቅርሲ አቕሑት ከም መጽሐፍ ሐወልቲ አቕሐ መሬት አቕራሽ እምነ በረድ ዝአመሰሉ ከካብ ቦትኡ ተዃዒቶምን ተመንዚዖምን ብሐይሊ ዝተወስዱ ብዙሐት ኢዮም።ካብዞም ናይ ታሪኽ ቦታታት ሐደ አብ ወረዳ ሃም ዝርከብ ደብረ ሊባኖስ ኢዩ።

አቡነ ሊባኖስ ካብቶም ብሃይማኖት ምኽንያት ዝተሰዱ ቅዱሳን ቀዳማይ ኢዮም። ንሶም ንሃገርና ብኽልተ ወገን ረዲኦማ ኢዮም። 1ይ ብትምህርቲ እምነት ክርስትና። ፪ይ(2) ብዝተዋህቦም ተአምራታዊ ሥልጣን።

ሕሙማትን ድኑሳትን ብምፍዋስ ቀዋሚ ማየ ጸሎት ብተአምራት ዝፍልፍል አበየ ቦታኡ ዝጸለዩሉን ዝባሕተውሉን ከምኡውን እተቐብሩሉን ስለዘሎ ብሕማም ዝሳቐዩ ካብ ዝኾነ ቦታ መጺኦም ንዝተሐጸቡ ዝፍውስ ማየ ጸሎት ኢዩ። ቀዳሞት አቦታት ብእግዚአብሔር ዝአምኑን ምግባረ ሠናይ ዝፈትውን ስለ ዝነበሩ ዝንኦም ከአ አብ ዓለም ተዘንተወ። በዚ ዝና ‘ዚ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ተበጊሶም ብስደት ሃይማኖት ናብ ሃገርና ዝመጽኡ ቅዱሳን ብዙሐት ኢዮም። ንዓድና ኤርትራ’ውን እዚ`ዩ ጠቒምዋ፣ መዓርፎ ቅዱሳን ስለ ዝኾነት አቡነ ሊባኖስ ካብቶም ቅዱሳን ሐደ ኢዮም። አብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ በጽሑን ምስ ዞሩን ቅዱስ ዓጽሞም ግና አብ ኤርትራ ሃገርና ኢዩ ዓሪፉ። ከምኡ’ውን ከባቢ ገዳም አቡነ ሊባኖስ ዝርከብ ደብረ ሐዋርያት ዝተባህለ ናይ ብዙሐት ባሕታውያን አስከሬን አማእት ዓመታት ዝገበረ’ሞ ከይፈረሰ ምስ መግነዙን አካሉን ተኸሲቱ ንበጻሕቲ ብግልጺ ይረአ አሎ። እዚ ድማ ጥንታውነት ሃይማኖትናን ዘለና ናይ ቅዱሳን በረኸትን ዘረድእ ታሪኻዊ ቅርሲ ኢዩ።

አብ ገዳም ደብረ ወርቅ ሐደ ዘደንቕ ሥራሕ አሎ ንሱ ድማ ካብ ልሙጽ ጸድፊ ብውሕልነት ተዃዒቶም ዝተሰርሑ ጋህስታት ንመቓብር ዝጥቀሙሎም ኢዮም። ትኽክል ቅርጺ ናይ መስኮት ቁመቱን ጐኑን አስታት ፸(60) ሰንቲ ሜተር ኮይኑ ዝተሰርሑ እዮም። ብግዜ መን ከም ዝተሠርሑ ሓቲትና ብ5ይ ክፍለ ዘመን ብጊዜ ሐፀይ ገብረ መስቀል ከም ዝኾነ ይሕበር። እቲ አዚዩ ዘገርም ግና ካብ ሽዑ ጀሚሩ እናተቐብሩሉ ከይመልአ ክሳብ ሎሚ ይጥቀሙሉ ስለዘለው አብ ውሽጡ ክንደይ ዝአክል ስፍሓት ከምዘሎ እዩ።

ድራር /ገብረ ክርስቶስ/ አብኡ ከም ዝተቐብረ ይፍለጥ ካብ ድራር ክሳብ ሕጂ ፳፮(26) ትውልዲ ሓሊፉስ እዚ ዝአክል ዘመን መቓብር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኢዩ። ገዳም ደብረ ወርቅ እቲ ማየ ጸሎት ዝጥቀሙሉ ዝሰትይዎን ካብ እግሪ ከውሒ ዝፍልፍል ጽሩይ ማይ ኢዩ። ክትሰትዮ ከሎኻ ዘለዎ ጣዕሚ አይጽገብን ኢዩ። ህይወትካ የሕድስ። አብቲ አብያተ መነኮሳት ድማ ጊሔ ከም ድሙ ኢያ ተገልግል ካብ ሰብ አይትሃድምን ኢያ ኮረንሾን ዝወደቐን ትቛርፍ። ቦታኡ ብኹሉ ወገኑ ጸድፊ ስለዝኾነ ንጊሐታት ጥጡሕ ሰፈር ኢዩ።

ገዛ መነኮሳት ድማ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ንላዕሊ ዘስርሕ የብሉን። ጸቢብ መድረኽ አብ መንጎ ጸድፊ ዝተመስረተ ገዳም ስለዝኾነ እዞም ህልዋት እኳ ተለጋጊቦም አየር ብዘየእቱ ተጻቢቦም ኢዮም ሰፊሮም ዘለው።

ገዳም አቡነ ሊባኖስ ብኹሉ መዳዩ ቅያን ታሪኽን ዝተመልአ ምስተአምር ዝተተሐሐዘ ቅዱስ ቦታ ኢዩ።

ሕጂ’ውን አሰር ጥንታውነቱ ዘይበተኸ ኮይኑ መልክዕ አበው መነኮሳት አቦታት ከም ቀደም ይቕጽል ምህላዉ ኣዚዩ ዘሐጉስ`ዩ። ዓጽፊ ዝተኸድኑ ዳባ ዝተኸድኑ ብዙርያ እቲ ገዳም ካብ ደብረ ሐዋርያት ናብ ገዳም አቡነ ሊባኖስ ክትሰግር ከሎኻስ ናብ ኢድ የማን ዝተርፍ አብ እግሪ እቲ ጸድፊ ባሕታውያን ዝርከብዎ በዓትን ዱርን በቲ ግርማኡ ደስ የብለካ። ብኹሉ መዳዩ ካብ ዓዲ ዝረሐቐ ጭራሕ ምራሕ ዘይብሉ ጽምዊ ገዳም ስለዝኾነ ንሕሊናኻ የህድኦ መንፈስ ቅሳነት ይዓስለካ ሐጺር ጸሎት ከተብጽሕ ከአ ቃል ጸሎትካን ሐሳብካን ብሐንሳእ ንእግዚአብሔር ይልምኑ። አዒንትኻ በቲ መጋረጃ ጸድፊ ማንም ካብ ምርአይ ስለዝኽወላ ምስቲ ሐሳብካ ተመስጦ ይሕዘን ኩሉንተናኻ ከአ አብ ሐደ ውህሉል ይኸውን’ሞ ምስ አምላኽ ከም ትዛረብ ዘሎኻ ኮይኑ ይስምዓካ።

ገዳም ደብረ ወርቅ ብተፈጥርኡ ናይ ምናኔ ቦታ ኢዩ። አብቲ ትሕቲ ገዳም ዘሎ ጥጡሕ ናይ ሕርሻ ቦታ ኣለዎ።

ገዳም ደብረ ሊባኖስ ከም ኩሎም ገዳማት ኤርትራ ብማኅበራዊ ናብራ ማሕረስን ምርባሕ ከብትን ዝናበር ኢዩ።

እቶም ኣብቲ ገዳም ዘለዉ መነኮሳት አብ ስራሕን መንፈሳዊ ጸሎትን እዞም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ጽሙዳትን እዮም በዚ ከምዚ ኩነታት ገዳም አቡነ ሊባኖስ ተስፋ ዘለዎ ገዳም ኢዩ።