Strength In Faith

ጸንዐ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ እዩ። ትርጉሙ ኸኣ ምጽናዕ፡ ምኅያል፡ ምጽንካር፡ ምብርታዕ፡ ምትራር፡ ምጥንካር ወዘተ ዝብል ኮይኑ ከከም እቲ ኣተኣታትውኡን ኣጠቃቕምኡን ዝተፈላለየ ግና ተወራራሲ ትርጉም ይህብ። ብባህላዊ ኣገባብውን ጽንዒ ብዘይካ እቲ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ ትርጉም፡ ፍሉይ ዓይነት ሳዕሪ ንዝርከበሉ ስፍራ መጸውዒ ኮይኑ የገልግል እዩ። ሓሓንሳብውን ነቲ ኣብዚ እዋን መስቀል ኣብ ርእሲ ንዝግበር ዝተጠምረ ሳዕሪ፡ ጽንዒ ኢልና ክንጽውዖ ንርከብ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዕለተ ሆሳዕና እንገብሮ ስየ፡ ከምኡውን ኣብ ዕለተ ቀዳም ስዑር ኣብ ርእስና እንኣስሮ ሰቲ ነናቱ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሠረትን ትርጉምን ከምዘለዎ ዝተፈልጠ እዩ። ሕጂ ግና ብፍሉይ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ ንትምህርቲ ክኾነና፡ ምስቲ ዘሎናዮ እዋን መስቀልን እቲ ጽንዒ ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ቃልን ምሳሌያዊ ተዛምዶን ምትእስሳሩን ገለ ክንብል።

ኣብ እዋን መስቀል ኣብ ርእሲ ከም ኣኽሊል ዝእሰር ሳዕሪ ጽንዒ ተባሂሉ ክጽዋዕ ምስማዕ ልሙድ ነገር እዩ። ዓቢይ ንእሽቶይ፤ ሰብኣይ ሰበይቲ ከይፈለየ ኵሉ እኳ ዝገብሮ እንተኾነውን ብፍላይ ግና ኣዋልድ ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝበቝል እምባባታት ገልገለ መስቀል ብምጥማር ኣኽሊል ሰሪሐን ኣብ ርእሰን ክገብርኦ ይረአ፤ መልክዕ ድማ ይህብ እዩ።

ምትእስሳር በዓል መስቀልን እዚ ሳዕሪን ኸኣ ትርጉም እቲ ቃል ዘመንጨዎ እዩ። መስቀል ናይ ክርስቲያናት ጽንዓትን ኃይልን ምዃኑ ርጉጽ ነገር እዩ። ስለዚ ኸኣ ወትሩ መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ ንብል። ብተምሳሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ርእሲ ተጠሚሩን ተተቲዑን ዝግበር ሳዕሪ - ሳዕሪ ጽንዒ ኢልና ንጽውዖ። ጸናዕቲ ኢልና እንጽውዖ ብቐሊሉ ዘይርከብ፡ ክትበጽሖውን ዘጸግም ጸዳፍን፤ ንኽትሕዅሮ ዘሸግርን ዘይጥዕምን ቦታ ማለት እዩ። እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸዳፍ ቦታ ዝበቝል ሳዕሪ ኸኣ ጥሪት ብቐሊሉ ከርክቦኦ ስለ ዘይክእላ ሳዕሪ ጸናዕቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ጽኑዕ ዝሰፈረ፤ ንኽትበጽሖውን ጽንዓት ዝሓትት ማለት እዩ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሳዕሪ ዓቢይ ጥቕሚ ዝህበሉ ጊዜ ኣለዎ። እዋን ሓሲሙ ደርቅን ጥምየትን ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ወይውን እቲ ኵሉ ብቀሊሉ ክርከብን ክብላዕን ዝኽእል ተወዲኡ ጥሪት ዝብላዕ ምስ ሰኣና፡ ሰብ ጥሪቱ ከዕንግል ተጣቢቡ ናብቲ እንሰሳታት ክበጽሐኦ ዘይከኣላ ጸናዕቲ በጺሑ፡ ነቲ ተዓቂቡ ዝጸንሐ ሳዕሪ ዓጺዱ ቀለብ ከብቱ ይገብሮ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እዮም ማሰኛታት ንገለ ሰባት ክውድሱ ከለዉ ከም ሳዕሪ ጸናዕቲ ትኾኑና ንሕሱም መዓልቲ እናበሉ ዝገጥሙ።

በዚ መሠረት ኸኣ ነቲ ኣብ ጽኑዕ ስፍራ ንዝርከብን፤ ንክትረኽቦ ጽንዓት ንዝሓትትን፤ ንጊዜ ጸገም ንዝኸውንን ሳዕሪ - ሳዕሪ ጸናዕቲ ተባሂሉ ምጽውዑ ናይ ጽንዓት ምሳሌ ኮይኑ ስለዝተረኽበ እዩ። መስቀልውን ናይ ክርስቲያናት ጽንዓት፤ ኣብ ኵሉ መከራኦምን ፈተናኦምን መጽንዒ ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር ኸኣ ኣዋልድ ኣብ ጊዜ መስቀል ብሳዕሪ ገይረን ኣኽሊል ድኅሪ ምስራሕ ኣብ ርእሰን ክገብርኦ ይረኣያ። መስቀል ጽንዕና፡ መስቀል ኣኽሊልና ንምባል እዩ።

ብሓደ ወገን ኸኣ በረኸተ መስቀል ንምርካብ ብሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ጸኒዕካ ምንባር ከምዝግባእ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ ጐይታ ክስቀል ዝመረጸሉ ስፍራ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቀራንዮ ስለዝኾነ። እዚ ኸኣ ወትሩ መስቀል ቀራንዮ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሠረት ስለዝኾነ፤ ቤተ ክርስቲያን ክትሥረት ከላ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝበረኸ እምባ እዩ። ምሳሌኡ ትርጉሙን ኸኣ ብዙኅ እዩ። ብሓደ ወገን ጐይታ ምሥጢራቱ ክፍጽምን ከርእይን ዝመረጾም ስፍራታት ኣብ እምባታትን ደብርታትን እዩ። ደብረ ሲና፡ ደብረ ዘይት፡ ደብረ ታቦር፡ ደብረ ቆሮንቶስ ወዘተ ምጥቓስ ይከኣል። ከምቲ ደብሪ ንምድያቡ ጻዕርን ጽንዓትን ዝሓትት ምሥጢር ንምርካብን በረኸቱ ንምስታፍን ጻዕሪን ተጋድሎን ከምዝሓትት ዘመልክት እዩ። ድኅሪ ኵሉ ጻዕሪ ኣብ ላዕሊ ምስ ደየብካ፡ ኵሉ ኣብ ትሕቴኻ ዘሎ ብቀሊሉ ክትርእዮ ከምእትኽእል፤ ብጽንዓት ኣብ ሃይማኖቱ ዝተጋደለ ኸኣ በረኸትን ጸጋን ምስ ረኸበ ኵሉ እቲ ዝሓለፎን ዝፍትኖን በቲ ሓደ፡ ነቲ ከቢድ ምሥጢራት ኵሉ በቲ ኻልእ ብቀሊሉ ክርድኦ ከምዝኽእል ዘመሳኽር እዩ። እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ምትእስሳር ከኣ ይርከቦ።

ስለዚ ባህልና ምስ ሃይማኖትና ዘለዎ ዝምድና ጥቡቕ ምዃኑ ፈሊጥና ምዕቃቡ ዝግባእ እዩ። ብተወሳኺውን ምስዚ ብምትሕሓዝ ኸኣ እዚ እዋን መስቀል ምድሪ ብዝተፈላለየ ሳዕርን እምባባታትን ዝኽደነሉን ዝውቅበሉን እዋን ስለዝኾነ፤ ነዚ ክፍለ ዓመት ብዝዘካኽር ኣገባብ በዓለ መስቀል፤ ብኸምዚ ሳዕርን እምበባን ደሚቑ ክረአ ንርእዮ። ምኽንያቱ እዋን ልምላመ ናብ ደረጃ ጽጌ (እምባባ) ከምዝበጸሐ ዘርእይ ስለዝኾነን በዓለ መስቀል ድማ ኣብዚ እዋን ጽጌ ከምዝኽበር ንምርዳእ እዩ።

እምበኣርከስ ንሕና በቲ ትሑት ዓቕምና፡ ነቲ ምሳሌ ዘለዎ ትውፊታዊ ምልክት ሳዕሪ ብኸምዚ ኣገባብ ከምዝኽበር ጠቒስና ኣሎና። ብወገንኩም ድማ እትፈልጥዎ ትምህርቲ እንተሎ ክትውስኽሉ ንላቦ።

 

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ መስቀሉ ምሳና ጸኒዑ ይንበር።

ቡሩኽ በዓለ መስቀል ይግበረልና።


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብዙኅ መንፈሳዊ ገድሊ ካብ ዝፈጸሙ ቅዱሳን እቶም ሓደ፡ ሎሚ መስከረም ዕረፍቶም እዩ። አቡነ አንበስ ኸኣ ይብሃሉ። ጥንታዊ ገዳም ዝነበረ ሎሚ ግና ናብ ደብሪ ተቐይሩ ዘሎ ብስሞም ዝጽዋዕ ቅዱስ ስፍራ ኸኣ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ይርከብ። እቲ ቦታ ኸኣ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ብወገን ደቡብ ኣብ ፲፭ . ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ እቲ ከባቢ ኸኣ ሰጣሕ ጐልጐል ዝዓብለሎ እዮ።

 

ክብረ በዓሎም ኸኣ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ሃገር ዝመጹ ምእመናን ዝሳተፍዎ ኮይኑ ክብ ብዝበለ መንፈሳዊን ባህላዊን ኣገባብ ብድምቀት ይኽበር።

 

እዚ ደቡባዊ ክፋል ሃገርና ብዙኅ ጥንታዊን ታሪኻዊን ቅዱሳት መካናት ሓቝፉ ዝርከብ ከም ምዃኑ፡ ብዙኅ ክጽንዓን ኣጸቢቕና ክንፈልጦን ዝግባእ እዩ። ናታትኩም ምትሕብባር እንተደኣ ረኺብና ድማ ከም ፈቓደ እግዚአብሔር መዛግብት ታሪኽ እናፈተሽና በብእዋኑ ናባኹም ከነቕርብ ተስፋ ንገብር።

 

ንሎሚ ግና ምስ ሕጽረት ጊዜ ታሪኽ እዞም ሎሚ ዕረፍቶም ዝኾነ ቅዱስ ኣቦ ብሰፊሑ ከነቕርቦ እኳ እንተዘይከኣልና፡ ከም ፈቓደ እግዚአብሔር ካልእ ጊዜ ክንምለሶ ተስፋ ንገብር።

 

ሰላም ለአንበስ በፍኖተ ፃማ ወሥራሕ

ዘይፄዓን ዘልፈ ዲበ አንበሳ መፍርህ

ለዘይጸድቅ ብእሲ እስከ ይገብእ ፍትሕ

ማይ ኢያጥፍኦ ወርደተ ዝናም ብዙኅ

ለአሰረ ደሙ ቀይሕ ዘሀሎ በኰኵሕ።

 

በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።


Meaning of Gospel

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ሓጻር እኳ እንተዀነት ኵሉ እቲ ናይ ጸሎት መሰረታዊ ነገር ጠርኒፋ ትርከብ። እዛ ጸሎት እዚኣ ሽዱሽተ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። እተን ሰለስተ ሓሳባት ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሔር ይገልጻ። እተን ዝተረፋ ሰለስተ ከኣ ብዛዕባ ጥቅሚ ሰባት ይገልጻ፣

ሀ) ብዛዕባ ኽብሪ እግዚኣብሔር ስሙ ምቕዳስ። ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ምምናይ። ፍቓዱ ምልማን እየን፣

ለ) ብዛዕባ ጥቅሚ ሰባት ከኣ እንጌራ ዕለት ምርካብ። ይቅሬታ ምርካብ። ካብ ክፉእ ምድሓን ትዝርዝር እታ ጾሎት ኣብዚኣ ብውዳሴ ኣምላኽ ትድምደም፣ ግቡእ ጸሎት ወይ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ንኽኸውን።፣

1) ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም ቅድስት ሥላሴ ኣሚንና ክንጽሊ ይግባእ፣ ማቴ.28።19-20፣ 1ዮሓ.5።7-8፣ ቆሮ.13።13፣

2) ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ኣሚንና። ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጽሊ ይግብኣና። ዮሓ.14።6-13፣

3) ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንጽሊ ይግብኣና፣ 1ዮሓ.5።14-15፣

4) እንጽልዮ ጸሎት ብሕብረት መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ይግባእ። ይሁ.1።20፣

5) ብዘይንስሓ ጸሎት ቅቡል ስለዘይኮነ ሓጢኣት ከኣ ካብ ኣምላኽ ዝፈልየና ከልካሊ ናይ ጽልኢ መንደቕ ስለ ዝኾነ ንመንደቕ ኃጢኣት ብንስሓ ኣፍሪስና ክንጽሊ ይግብኣና፣ ኢስ.59።1-3፣ ኤፌ.2።14-16፣ መዝ.66።18-20፣ ማቴ.5።23-24፣

6) ንዝበደሉና ኵሎም ከም ዮሴፍ ከም ነብዪ ሙሴ ከም ቅዱስ እስጢፋኖስ ምሉእ ምሕረት፣ ይቅሬታ። ምሉእ ለውሃትን ድንጋጸን ክንገብረሎም ይግብኣና፣ ዘፍ.50።18-21፣ ዘጸ.32።32፣ ዘጸ.9።1-29፣ ግብ.7።6፣ ሉቃ.15።20- ይሁ.1።20-23፣

7) ኩሉ ግዜ ጸሎት ብዘይ ትህኪትን ምስልካይን ብዘይምቁራጽን ክኸዉን ይግባእ፣ ሉቃ.11።5-13፣ ምሳ.6።6-11፣ 10።26፣ 13።4፣ 15።19፣ 19።24፣ 22።13፣ 24።30-34፣ 26።13-16፣ ኣብ ጸሎት ኣብነትና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን። እቶም ኣሰር ኣሰሩ ዝሰዓቡ ቅዱሳንን እዮም፣ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ መዛሙርቲ ክመርጽ ከሎ ኣብ ከረን ደይቡ ኣብ ጸሎት ሓደረ፣ ሉቃ.6።12-13፣ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ምስ ተጠምቀ ጸለየ። ሉቃ.3።21-22፣ ቀቅድሚ ምትሓዙ ኣብ ደብረ ዘይት ይጽሊ ነበረ፣ እናጸለየ ከኣ ተታሕዘ፣ ሉቃ.22።39-46፣ ኣብ መንጎ ኣገልግሎቱ ናብ በሪኽ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ፣ ሉቃ.5።15-16፣ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ንህዝቢ ምስ ኣፋነወ ማቴ14።22-23፣ ቅድሚ ኣገልግሎት ምጅማሩ ኣንጊሁ ወጺኡ ስርሑ ብጸሎት ንምጅማር ኣብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ይጽሊ ነበረ፣ ማር.1።35፣ ጸሎቱ ምስ ወድአ ኸኣ ኣገልግሎቱ ብስብከትን ብገቢረ ተኣምራትን ጀመረ፣ ማር.37።39፣

8) ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግብሪ ዝመሃረና ህዝቢ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣብ ኵሉ ቦታ ብኵሉ ኩነታት ኣብ ራህዋ ኮነ ኣብ ጸበባ ኣብ ጽጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት ኣብ ሽመት ኮነ ኣብ ስዕረት ክጽልዩ ይግባእ። ፊል.4።6-7፣ ኤፌ.5።20፣ 2ቆሮ.11።24-29፣ ማቴ.6።25-34፣1ጴጥ.5።7፣

9) ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኵሉ ሰብ ማለት ምእንቲ ኣማኒ ምእንቲ ከሓዲ ምእንቲ ጻድቕ ምእንቲ ሓጥእ ምእንቲ ንጹሕ ምእንቲ ርኹስ ምእንቲ ጎይታ ምእንቲ ጊልያ ምእንቲ ሕሙማት ምእንቲ ጥዑያት ምእንቲ ድኻታት ምእንቲ ሃብታማት ምእንቲ መራሕቲ ሃይማኖት ምእንቲ መራሕቲ ሃገር ምእንቲ ኵሉ ክጽሊ ይግባእ፣ ቅድሚ ኵሉ ግን ምእንቲ ሕይወቱን ድሕነቱን ክጽሊ ይግባእ፣ ማቴ.16።24።26፣ ይሁ.1።20-25፣ 1ጢሞ.2።1-4፣ መዝ.72።1-4፣ ኢሳ.62።6-7፣ ኤር.29።7፣

10) ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ወይ ግዜ ማለት ኵሉ ግዜ ክንጽሊ ይግባእ፣ 1ተሰ.5።17፣ ሮሜ12።12፣ 1ተሰ1.3 2።13፣ ሮሜ1።9-12፣ ኤፌ.6።18፣ ቈላ.1።3-4፣ 2ጢሞ.1።3-5፣

11) ኣብ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን (ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር) ዝጸለዩ ጸሎታት።-

ሀ. በእንተ ኵሉ ግብር (ስለ ኵሉ ግብሪ) ፊል.4።6-7፣ ኤፌ.5።20፣

ለ, በእንተ ድዉያን (ስለ ሕሙማት)፣ ያዕ.5።13-16፣ 2ቆሮ.11።29፣

ሐ, በእንተ እለ ይነግዱ (ስለ ነጋዶ (ገያሾ)፣ ምሳ.3።6፣ ግብ.27።9-26፣

መ, በእንተ ዝናማት (ምእንቲ ዝናም)፣ 1ነገ.17።1-18፣ 1።45፣ ያዕ.5።17-20፣

ሠ, በእንተ ፍሬ ምድር (ምእንቲ ፍረ ምድሪ)፣ ዕብ.6።7-8፣ መዝ.107።33-34፣

ረ, በእንተ ማያተ ኣፍላግ (ምእንቲ ዓይኒ ማያት)፣ መዝ.107።33-34፣ ዘጸ.7።14፣

ሰ, በእንተ ንጉሥ (ምእንቲ ንጉሥ)፣ መዝ.72።1-4፣ 1ጠሜ.2።1-4፣ ኤር.29።7፣

ሸ, በእንተ እለኖሙ (ምእንቲ ዝደቀሱ (ዝሞቱ)) ዘዳ.33።6፣ 1ቆሮ.5።1-6፣ ሉቃ.16።27-28፣

ቀ, በእንተ ንኡሰ ክርስቲያን (ምእንቲ ሓደስቲ ኣመንቲ)፣ ሉቃ.12።32፣ ማቴ.18።6፣

በ, በእንተ ሰላም (ምእንቲ ሰላም)፣ ኤር.29።7፣ ኢሳ.48።18፣ ዮሓ.14።27፣

ተ, በእንተ እለ ያበውኡ (ምእንቲ መባእ ዘምጽኡ)፣ መዝ112።5-10፣ ማር.12።41-44፣ ሉቃ.21።1-4፣ ዮሓ.8።20፣ 2ቆሮ.8።12፣ 2ቆሮ.9።6-15፣

, ኣብ ጸሎተ ኪዳን። ጸሎተ ቡራኬ። ጸሎተ ንስሓ። ወዕቀቦሙ። በእንተ ቅድሳት። ፍትሓት ዘወልድ ዝሎ ጸሎት ከኣ ስለ ኩሉ ህዝቢ ዝጽለ ጸሎት እዩ፣


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

 

ኣብ ሃገር ጼዴንያ ሓንቲ ኅርይትን ሃብታምን ማርታ እትብሃል ሰበይቲ ነበረት። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ከም ኵሉ ዓለም ገንዘባ ከንቱን ጠፋእን ምዃኑ ሓሰበት ንነፍሰይከ እንታይ ይጠቕመኒ፧ ! ከምቲ ወንጌል ንሰብከ ኵሉ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ አጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ። ሰብ በጃ ነብሱ እንታይ ዘይምሃበ” (ማር ፰፥፴፮/836) ድማ በለት። እዚ ነገር እዚ ሓሲባ ብገንዘባ ሰናይ ግብሪ ክትገብር ድማ ካብ ኵሉ ሰናይ ዝኾነ ነገር እንታይ ከም ዘሎ ተመልከተት፤ በታ ሰዓት እቲኣ ንአብርሃም ዓርኪ እግዚአብሔር፡ ጋሻ ንምቕባል ድልው ከምዝነበረን ንሥሉስ ቅዱስ ክቕበል ከም ዝበቕዐን፡ ሎጥውን ብፍቕሩ ክልተ ሊቃነ መላእክት ኣብ ገዝኡ ከም ዝኃደሩ ዘከረት። (ዘፍ ፲፰፥፩-/181-5 ፲፱፥፩/191) ኃውቲ አልኣዛር ማርታ ነዳያን ከም ትቕበልን፡ ፍረ ናይዚ ድማ ንጐይታናን መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ኣብ ዝመላለሱሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ቤታ ክትቕበሎ ከም ዝበቐዐት ዘከረት። (ሉቃ ፲፥፴፰/1038)

ናይዞም ሠለስተ ሰባት ሰናይ ግብሪ ካብ ልቢ ፈሊጣ ድማ ሰፊሕ ቦታ (ማኅደሪ) ኣጋይሽ ኣኅነጸት። ካብታ ዕለት እቲኣ ከምቲ ንጉሥ መርዓ ወዱ ጌሩ ዘብዕሎ ጌራ መኣዲ ምስራዕ ተተሓሓዘቶ፤ ንሳ ድማ ንርእሳ ሰማያዊ ሓሳብ ገበረት። ዕለት ዕለት ምቕባል ኣጋይሽ ኣብዝኀት፡ ነቶም ኣጋይሽ ኣብ ቤታ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ኵሉ እንግዶት ምስ ረኸቡን፡ ነገረ መለኮትን ናይ ዝቐደሙን ኣቦታት ዜናን ትሓቶም ነበረት። ብኸምኡ ድማ ብዙኅ መንፈሳዊ ፍልጠት ተዋህልል ነበረት።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ኣጋይሽ ከም ልማዶም ኣብ ቤታ ኽሓድሩ ተኣከቡ። ንሳ ኸኣ ከም ኵሉ ዕለት ጥቕሚ ዘለዎ ሕቶ ሓተተቶም። ሽዑ ንሳቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ናይታ ብክልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ኣደ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥዕሊ ዝሥዕሉ ከም ዘለዉ፡ በዛ ሥዕሊ እዚኣውን ኵሉ ዝልምንዎ ከም ዝግበረሎምን፡ ካብቲ ኵሉ ዝከኣሎ ወዳ ለሚና ዝሰኣና ከም ዘየሎን ነገርዋ። ማርታ ነዚ ሰሚዓ ብፍቕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ልባ ነደደት፤ ካብቶም ዝሥዕሉ ሠዓልቲ ናይ ድንግል ማርያም ሥዕሊ ገዚኡ ከምጽኣለይ ዝኽእል ገንዘብ ክህቦ እንዶ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኸይድ እንተሎ በጃኹም ድለዩለይ እናበለት ብንብዓት ለመነቶም። ሓደ አባ ቴዎድሮስ ዝተባህለ መነኮስ ኣብ ኣደ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዋ ፍቕሪ ርእዩ፡ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እየ ብገንዘበይ ገዚኣ ከምጽኣልኪ፤ ደኃር ናባኺ ምስ ተመለስኩ ናይ ዝገዛእክዋ ዋጋ ካባኺ እቕበል በላ ሽዑ እግሩ እናሰዓመት፡ ኣጥቢቓ ኣማኅፀነቶ።

ንጽባሒቱ ኣንጊሁ ተንሢኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከደ። ኣብቲ ዝደልዮ ቦታ ምስ በጽሐ ከኣ ካብተን ቅዱሳት መካናት ተባሪኹ፡ ነቲ እታ ሰበይቲ ዝበለቶ ረሲዕዎ እናኸደ ከሎ፡ ንምንታይ እታ ሰበይቲ ዝበለትካ ረሲዕካ ዝብል ኅሊናዊ ቃል ሰሚዐ። በዚ ኸኣ ሰምቢዱ፡ ናብቲ ቤት መሸጣ ከይዱ ንምርኣያ ጽብቕቲ ሥዕሊ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ረኺቡ ዓደጋ። ብንጹሕ ኣልባስ ጌሩ ድማ ጠቕለላ፡ እታ ሥዕሊቲኣ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ከም ዝሠዓላ ይንገር። እቲ መነኮስ (አባ ቴዎድሮስ) ነታ ሥዕሊ ኣብ እንግድዓኡ ጌሩ መገዱ ናብ ሃገረ ጼዴንያ ኣምርሐ። ኣብ መገዲ እናኸደ ከሎ ኣንበሳ ክቐትሎ ደልዩ ኣናጓዘመ መጾ። እቲ መነኮስ ነቲ ኣንበሳ ግርማኡ ርእዩ ኣዝዩ ፈርሀ። ኣብ ፍርሃት ከሎ ድማ እታ ሥዕሊ ካብቲ ድምጺ ናይቲ ኣንበሳ ሸውዓተ ዕጽፊ ብዝኾነ ድምጺ ኣስምዓቶ። ብኡ ብኡ ኸኣ እቲ ኣንበሳ ከም ሓደ ፈረሰኛ ዝሃድኖ ዘሎ ብቕጽበት ሃደመ። ጸኒሖምውን ቅትለትን ምዝማትን ዝልማዶም ፈያት ምስ ረኸብዎ ድማ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ተኣምር ከም ነጐዳ ድምፂ ተዳህየት። ካብ ፍርሃት ዝተላዕለ ኸኣ እዚ ድምፂ ካበይ ከም ዝኾነ ከይፈለጡ ሃደሙ።

እቲ መነኮስ ነዞም ዘገርሙ ተኣምራት ርእዩ ብልቡ ከምዚ ኢሉ ሓሰበ ከምዚ ሕጂ ዝረኣኽዎ ክልተ ዓበይቲ ተኣምራት፡ ናብ ዓደይ ምድረ አግዓዚ ረዳኢት ክትኮነኒ ክወስዳ እየ በለ። ንሱ ግና እታ ሥዕሊ ብፍቓዳ ከም ዝመጸትን ካብ መዓሙቕ ልቢ እታ ሰበይቲ (ማርታ) ዝተላዕለ ምስኣ ክትነብር ከም ዝኾነትን ኣይፈለጠን። ከም ካልኦት ኣቕሓ ካብ ነጋዶ ከም ዝሽየጥ ብዘይ ፍቓድ ብገንዘቡ ከም ዘምጽኣ መሲልዎ ነበረ። ከምዚ እናመኸረን እናሓሰበን ከሎ ኣብ ገምገም ባሕሪ በጽሐ። ብዙኃን መራኽብ ረኺቡ ድማ ነቶም ሰብ መራኽብ ናበይ ዓዲ ኢኹም እትኸዱ? ኢሉ ሓተቶም። ሓደ ካብቶም ሰብ መርከብ ንጼዴንያ ዝበሎ ኃዲጉ፡ ናብቲ ብኻልእ መገዲ ናብ ምድረ አግዓዚ እየ ዝኸይድ ዝበሎ በዓል መርከብ ደየበ። ኣብታ መርከብ ተሰቒሉ ኣብ ማእከል (ፍርቂ) ባሕሪ ምስ በጸሐ ድማ ብርቱዕ ንፋስ ተላዕለ። ብዘይ ድሌቱ ከኣ ናብ ናይ ጼዴንያ ዝበጽሕ ወደብ ወሰዶ። በዛ መገዲ እዚኣ ገይሩ ድማ ከይፈተወ ናብ ቤት ማርታ ብልቡ ከምዚ እናበለ ኣተወ እታ ሥዕሊ ክገዝኣላ ዝተማኅፀነትኒ ሰበይቲ ኣነ ምዃነይ ኣበይ ከይትፈልጠኒ በለ፤ ምስቶም ነጋዶ ተሓዊሱ ድማ ናብ ቤታ ኣተወ። ብሕቡእ ናብ ዓዱ ክኸይድ ብጊዜ ሠርክ ክወጽእ እንተበለ ከኣ ምውጻእ ሰኣነ። በዚ ከምዚ ከኣ ንሠለስተ መዓልትን ለይትን ፈቲኑ ምዃን ኣበዮ። ምኽንያቱ ማዕፆ ተኣምር ኣደ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚኡ ስለዝተዓፅወ እዩ። ኣፍደገ ማዕፆ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝኣተዉን ዝወጹን ርኅው ነበረ። ኣንፈቱውን ኣይተለወጠን።

ማርታ ኵሉ ጊዜ ነቶም ዝኃደሩ ኣጋይሽ ክሳብ ኣፍደገ ማዕጾ ምፍናው፡ ነቶም ንመገዶም ስንቂ ዘይብሎም ድማ ኣስኒቓ ምፍናው ልማድ ነበራ። ነዚ መነኮስ እዚ ክወጽእ እናደለየ ምውጻእ ግና ዘይክእል ኮይኑ ረኣየቶ። አባ እንሆ ከምዝሓመመ ሰብ ኮይንካ እርእየካ ኣሎኹ ሎሚ ኅደር እሞ ጽባሕ ትኸይድ፤ ቤተይ ኣጋይሽ ንምቕባል ስሩዕ እዩ በለቶ። ንሱ ድማ ሕራይ በላ። ንጽባሒቱ ክኸይድ እንተበለ ከም ናይ ቀደሙ ምኻድ ሰኣነ መሊሳ ከኣ ኣኅደረቶ። አባ እንታይ እዩ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ ነገር?” በለቶ። አባ ቴዎድሮስ ኣፍ ከፊቱ ብሕፍረት ከምዚ በላ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከለኹ ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ከምጽኣልኪ ዘማኅፀንክኒ ኣነ ምዃነይ ኣይዘከርክንን ዲኺ?” በላ። ንሳ ድማ ናብ ቤት ዝኣትዉን ዝወጹን ብዙኃን እዮም ከመይ ገይረ ከለልየካ በለቶ። ድኅሪ ነታ ሥእሊ ካብ ዝገዝኣ ኣትኂዙ ክሳብ እታ ሰዓት እቲኣ ኵሉ ኣብ መገዲ ዝረኣዮ ተኣምራት ነገራ። እዚ ምስ ነገራ ነታ ሥእሊ ካብ ትሕቲ ሕቝፉኡ ኣውጺኡ እንሆ እዛ ኣደናቒት ዝኾነት ሥእሊ እንኪ ኢሉ ንማርታ ሃባ። እቲ ዘደንቕ ነገር፡ እታ ሥእሊ ሥጋ ዝለበሰት ትመስል ነበረት፤ ማለት ከምቶም ሰብ ጥበብ ምስ ፍቁር ወዳ ዝረኸብዋ እያ ትመስል። ማርታ እዚ ነገር እዚ ሰሚዓ ካብ ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተላዕለ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኣባ ቴዎድሮስ ሰገደት። ካብ ኣእዳዉ ነታ ሥዕሊ ተቐቢላ ከኣ ከም ንግሥቲ እሌኒ በቲ ናታ ዕልልታ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኵሎም ክሳዕ ዝእከቡ ብሓጐስ ዕልል በለት። ቤት ሠሪሓ ድማ ብዓቢይ ክብሪ ኣቐመጠታ። ኵሉ ጊዜ ብየማናን ጸጋማን፡ መዓልትን ለይትን ዘይጠፍእ መብራህቲ ተብርሃላ ነበረት። ኣብ ቅድሚኣ ኮይና ትሰግድን ሰላም ለኪ እናበለት ክትድቅስ እኳ ካብኣ ኣይተፈልየትን። ሰብ ከይተንክፋ ኢላ ከኣ መጋረዲ ሓጺን ገበረት። ምእንቲ እቲ ቅብኢ (ርሃጽ) ካብታ ሥዕሊ ዝነጥብ ዝነበረውን ኣብ ሓደ ምእንቲ ክእከብ ኣብ ትሕቲ እታ ሥዕሊ ጻሕሊ ገበረት።

እቲ መነኮሳውን ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ነታ ሥዕሊ ምስ ማርታ ኮይኑ ይሕልዋ ነበረ። ኣብ ኵሉ ዓለም ድማ እዛ ሥዕሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ጼዴንያ ዓዲ ማርታ ኣብ መስከረም ከምዝበጽሐት ተሰምዐ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ሊቀ ጳጳሳት ዜናኣ ምስ ሰምዐ ኤጲስ ቆጶሳትን ካህናትን ኵሉ ሕዝብን ኣኸቲሉ ናብኣ መጸ። ነታ ሥዕሊ ምስ ረኣይዋ ልክዕ ሥጋ ከም ዝለበሰት ኮይና ረኸብዋ። በዚ ኣምላኻዊ ሥራሕ ድማ ኣዝዮም ተገረሙ። ሽዑ ካብቲ ንብዓትን ርሃጽን እናቐድሑ ብዙኃን ብሕማም ተታኂዞም ዝነበሩ ሕሙማት ሓወዩ። ካልኦትውን ንበረኸት ወሰዱ፤ እቲ ቅብኢ ድማ ይመልእ እምበር ቀልጢፉ ኣይጐድልን ነበረ። ነዛ ሥዕሊ እዚኣ ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዝዋ ምስ ደለዩ ድማ ኣብ ጼዴንያ ዓብይ ዕልቕልቕ ኮነ። ብዙኃት ሰባትውን ሞቱ። እዛ ሥዕሊ እዚኣ ክሳዕ ሕጂውን ኣላ። ሊቃነ ጳጳሳት ነዛ ዕለት እዚኣ ከነኽብራ ግዘት ሰሪዖሙልና እዮም።

ጸሎታን በረኸታን፡ ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን።

ሰላም ለሥዕልኪ እንተ ሠዓላ በእዱ
ሉቃስ ጠቢብ እም ወንጌላውያን አሐዱ
አመተቀብዑ ማርያም እምሐፈ ሥዕልኪ ቅብዐ ናርዱ
በሕማም እኩይ እለ ደወዩ ወውኅዱ
ጽዑራነ ምድር ጥዕዩ ወጥቀ ፈድፈዱ

እዚኣ ዕለት እዚኣ ማለት (10) መስከረም ካብተን 33 ዓበይቲ በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ እያ።