ጦማረ ማዕዶት

ጥንተ ማዕዶት ኣብ ብሉይ ኪዳን 

እስራኤላውያን ኣብ ዘመነ ብሉይ ካብቶምዘኽብርውም በዓላት ሓደ ማዕዶት እዩነይሩ። እኹል ምኽንያትን መበገስን ድማነበሮም። ኣቕድም ኣቢሉ አበ ብዙኃንዝተባህለ ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ከቢድ ድቃስውዲቑ ከሎ እግዚአብሔር ብራእይ ከምዚኢልዎ ነበረ። ንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮምስደተኛታት ኰይኖም ከም ዝገዝእዎምኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከምዜጨንቕዎም ኣርጊጽካ ፍለጥ። ነቲዝግዝእዎ ሕዝቢ ድማ ኣነ ኽፈርዶ እየ።ዘፍጥ ፲፭፥፲፫-፲፭ (15፥13-15) በዚ መሠረትድማ ዘይገብሮ ዘይዛረብ ነቲ እተዛረቦ ድማዘየትርፍ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔርምልኣት ጊዜ ምስ ኮነ ከም ቃሉ ኣብ ከነዓንኃያል ጥሜት ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜብምኽንያት ጥሜት ኵሎም እስራኤላውያንናብ ግብጺ ተሰዱ። ኣብ ከቢድንዘስካሕክሕን ኣርዑት መግዛእቲ ግብጻውያንድማ ተቖርኑ። እስራኤላውያን ድማኣእውያቶምን ጭንቆምን ናብ እግዚአብሔርከመልክቱ ድኅሪ ምጽናሕ መሓሪ ኣምላኽእግዚአብሔር ጸሎቶም ተቐቢሉኣእውያቶም ሰሚዑ ብዘድንቕ ትእምርትንተኣምራትን ካብ ኢድ ፈርዖን ሓራ ኣውጺኡባሕረ ኤርትራ ኣስገሮም። ስለዚ ነዚብምስጋር ባሕረ ኤርትራን ስጥመተ ፈርዖንንዝተዛዘመ ባርነትን ዝተረኽበ ናጽነትንዓመት መጸ ማዕዶት እናበሉ ውዕለትንመንክራትን እግዚአብሔር እናዘከሩየብዕልዎ ነበሩ። እሥራኤል ዘሥጋ ማዕዶትኢሎም ዘኽብርዎ ዝነበሩ ሥጋዊ ናጽነትስለዝረኸቡ ይኹን ደኣ እምበር ምሳሌነቱስነቲ ክመጽእ ዝነበሮ መንፈሳዊ ናጽነት ኮይኑጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስክሳብ ዝወልደሉ ዘመነ ሓዲስ ድማ ክኽበርጸኒሑ እዩ።

 

ማዕዶት ኣብ ዘመነ ሓዲስ

መድኅን ዓለም ክርስቶስ ከምቲ ኣቐዲሙ፥ዝተነግረሉ ትንቢትን ዝተቖጽረሉ ሱባኤንብፍጹም ተዋሕዶ ካብ ኣዴና ቅድስትድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብዚ ምድሪክመላለስን ብትምህርቱን ብተኣምራቱንንዝተበተኑ ኣባጊዑ ክምህርን ክእክብንድሕሪ ምጽናሕ ገይሩ ግበሩ እናበለ ኣርኣያኮይኑና፤ ንዝመጸሉ ቤዛ ዓለም ናይ ምዃንስራሕ ክፍጽም ድማ ብፍቓዱ ብኢድኣይሁድ ተታሒዙን ጸዋተወ መከራተቐቢሉን ምእንታና ብዕለተ ዓርቢ ኣብማእክለ ምድር ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ። ኣብመስቀል ከሎውን ካብ አብ ዕሪና ከይተፈልየብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ 5 ሺሕ 500ዘመን ኣብ ሲኦል ንዝነበሩ ነፍሳት እለውስተ ሲዖል ጻኡ ወእለ ውስተ ጽልመትተከስቱ ኣብ ሲኦል ዘለኹም ውጹ ኣብጸልማት ዘሎኹም ድማ ተገለጹ ክብልናጽነት ሰበኸሎም። ባርነቶም ቀንጠጢናጽነቶም ኣዊጁ ድማ ካብ ሞት ናብሕይወት ካብ ሲኦል ናብ ገነት ኣሰጋገሮም።በዚ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ብቃል ነቢያትዘዛረቦ ትንቢታትን ዝመሰሎ ምሳሌታትንፍጻመ ረኸበ። ቀደም እስራኤል ዘሥጋ ባሕሪተኸፊልሎም ብሲኦል ካብ ትምሰል ግብጺናብ ተስፋ ዝተዋህቦም ምድሪ ከምዝሰገሩኣብ ዘመነ ሓዲስውን ኣብ ሲኦል ዝነበሩነፍሳት ካብ ባሕረ ሲኦል ናብ ገነትዝተሰጋገሩሉ እናዘከርናን ምኽንያት ገይርናንማዕዶት ኢልና ነኽብሮ።

ማዕዶት ብዙኅ ምሳሌታት ኣለዋ። ኣዴናጽዮን ማርያም ባዕላ ማዕዶት ትበሃል። ንሳቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ብኅሊና ኣምላኽተሓሲባ ዝነበረት፤ ዓለም ንከድኅን ካብሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ክወሓሓድዝሓረያ ቅድስቲ ኣደን ድንግልን እያ።

እኳ ደኣ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ኣባሕርያቆስ ነዚ ኣመልኪቱ “ኦ ማዕዶትዘበኀቤኪ እደው አበው ቀደምት እሞትውስተ ሕይወት ወብኪ ተሐደሰ ቀዳሜ ኵሉፍጥረት” እቶም ዝቐደሙ ኣቦታት ካብ ሞትናብ ሕይወት ዝተሰጋገሩልኪ ድልድል ካብምድሪ ናብ ሰማይ እተብጽሒ መሳልል፣ቀዳማይ ኵሉ ፍጥረት ኣዳም ብኣኺተሓዲሱ” ቢሉ ኣሎ። ቅዳ ማር ቍ. (30)እቲ ሊቅ ከምዝበሎ ኣቦና ኣዳም ካብብልየት ናብ ሓዲስ ተፈጥሮ ዝተሰጋገረሉብምኽንያት ጌግኡ “ኣዳም ገብሩለዲያብሎስ” ዝብል ኣብ ሲኦል ዝነበረደብዳቤ ዕድኡ ዝተደምሰሰሉ ዕለት እዩ።ብሓቂ ድማ እመ ብርሃን ቅድስት ድንግልማርያም መሠረተ ሕይወት ኣዳምን ደቁንእያ።

 

ማዕዶትን ቤተ ክርስቲያንን

ዝተሰረዘ በደልን ዝተሰረየ ኃጢኣትን ናይኣዳም ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ኣዳም ጀሚሩክሳብ ዕለተ ዓርቢ ዝነበሩ ነፍሳት ኵሎምእዩ። ስለዚ ማዕዶት ኢልና ምኽባርና ደቂሰባት ካብ ሲኦል ናብ ገነት ካብ ሞት ናብሕይወት ዝተሰጋገርናሉ ዕለት ብምዃኑ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ቤተ ክርስቲያንና ነዚክቡር በዓል ሰኑይ ጽባሕ ትንሣኤ ተኽብሮ። ነቶም ደቃ ነዚ መልእኽቲ ትንሣኤ ንዘለዎዓቢ ዕለት ከኽብሩን ክዝክሩን መልእኽተትምህርቱ ድማ ወትሩ ከስተውዕልዎተዘካኽር። ዋና እዚ ዕለትን መልእኽቱንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብቅድስናምስኣ ክንነብር ቅድሚ ኵሉ ድማ ትንሣኤልቦና ክህልወና ትምዕደና። ነዚንምርድኡውን ኣቐዲምና ኣብ ዘመነ ሓዲስንእንርከብ ደቂ ኣዳም ኵልና ቅድስት ቤተክርስቲያንና ንኵሉ ጸጋታት እግዚአብሔርእተማእክል ዓውዲ ማዕዶትና ምዃናከነስተውዕለላ ይግባእ። ማዕዶት ሕይወትዝስበኸላን ዝርከባላን ዋናኣ ባዕሉእግዚአብሔር ዝኾነ ቤት እግዚአብሔርስለዝኾነት። ነዚ መልእኽቲ ትንሣኤ ዝሓዘለማዕዶት ሒዝና ክንጉዓዝን ክንነብርንዝግብኣና ድማ ንሕና ደቃ ኢና። ምእመናንካብ ገቢረ ሓጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ካብናይ ሞት ግብሪ ናብቲ ሰማያዊ ግብሪክንሰግር ካብ ጸጋም ናብ የማን ክንምለስብቃልን ሕግን እግዚአብሔር ተመሪሕናሃይማኖትና ኣጽኒዕና ብሰናይ ግብሪ ኣጊጽናኣሰር ኣቦታትና ከነጽንዕ ቅድስት ቤተክርስቲያን ማዕዶታዊ መልእኽታ እዩ።

ንሕና ብናይ ትንሣኤ ሕይወት ክንመላለስብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉዳትዝተሰመናን ብኣርባዓን ሰማንያን መዓልቲካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነዮርዳኖስ ዝተወለድና ኵልና እታ ንናፍቓንንትስፈዋን ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ተምሳላዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲማዕዶታዊ መልእኽታን ተልእኾኣን ክትጸንዕድማ ናይ ደቃ ጽኑዕ መንፈሳዊ ሕይወትንኣበርክቶን ድማ እምብዛ የገድሳ እዩ። ንሕናደቃን ኣዴና ቤተ ክርስቲያንን ድማሰሚርናን ሓቢርና ክንጉዓዝ እንተደኣክኢልና እግዚአብሔር ዘተስፈወና ክብሪብምሕረቱ ከምንረክብ እምንቶና ጽኑዕ እዩ።ይኹን ደኣ እምበር ኣቦታትና ኣዴታትናንብብዙሕ መንፈሳዊ ገድሊ ነዚ ሓድነት እዚበብዘመኑን ወለዶታትን ዓቂቦሞ ከምዝነበሩሎሚ ኣብዚ ወለዶ እዚ ከምቀደሙ ብወገንስዩማት ኣገልገልቲ ይኹን ምእመናንከምዝነበሮ ተዓቂቡ ኣሎ ማለት ንሓቂምዅናን እዩ ዝኸውን። ሓቂ እዩ ደቃእትሓቝፍ ኖላዊነ ኄር ዝኾነ ክርስቶስንዝገደፈላ ትምህርትን ኣብነትን ኣጽኒዓእትኸይድ ዝነበረት ማዕዶታዊትንሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመንና ብብዙኅ መገዲ ብናይ ፈተናማዕበል ትናወጽ ከምዘላ ካብ ኵሉዝተሰወረ ኣይኮነን። ምስቲ ዘመንን ወለዶንገጢማ ግቡእ ሓዋርያዊ ዕዮኣ ክትዓይይከቢድዋን ጸጊምዋን ኣብ ወሰን ግራት ከምዝበቖለት ሸዊት ካብ ትኸውን ዓመታትኣቝጺራ ኣላ። ወዮ ኣይተኻእሎምን ደኣእምበር በብዘመኑ ንምቕባራ ክንደይ ዓሚቕጕድጓድ ዘይተፋሕረ፧ ክንደይ ሳዕ መናገዲምድራውን ሓራጥቃዊ ዕላማታቶምክገብርዋ ዘይፈተኑ? ክንደይ ሳዕ ክንደይ“ይሁዳውያን” ዘይረኣየት? እዚ ኵሉ ግናክሳብ መኣስ፧

 

መልእኽተ ማዕዶትን ንሕናን

ክንዲ ዝኾነ ድማ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትንብዝኾነት ሃይማኖት ኣቦታትና ቅንኢ ኣሎናንብል ግዴና እንታይ ይኹን፧

ኵልና ከምንርድኦ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያንንዝተወሰኑ ኣካላት ጥራይ ዝግደፍን ነቲካልእ ድማ ብተዓዛብነት ዝውስኖንዘይምልከቶን ኣይኮነን፤ ጕዳይ ቤተክርስቲያን በብደረጅኡ ዝተሰየሙ ኣካላትብደረጃ ተሓታትነት ኃላፍነት ይሃልዎምእምበር ዋንነት ግና የብሎምን። ኣገልግሎትቤተ ክርስቲያንውን ንዝተወሰኑ ክፍልታትወይውን ኣቦታት ጥራይ ዝተሓዘአኣይኮነን። ቤተ ክርስቲያን ከም ግራትንጉሥ ደቃ ዘበሉ ኵሎም ከም ዓቕሞምንጸግኦምን ዝተወሃቦም ሥልጣንን ዝወፍሩላስለዝኾነት፤ ዋናኣ እግዚአብሔር ዓያይታድማ ኵሎም ደቃ እዮም። ኣማን ብኣማንቤተ ክርስቲያን ሰማያዊ ፍረ ዝእከበላሰማያዊት ግራት ኣብ ምድሪ እያ። ምእመናንበብደረጅኦም በብጸግኦምን ሰብ ማዕርግቤተ ክህነት ድማ ከምኡ ነናቶም ኣብዛግራት ከገልግሉ እዮም ተጸዊዖም፤ ዓስቦምድማ ኣብ መዓልቱ ዝህብ ሰማያዊ ንጉሥንመጋቢን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ።ፈጺሙ ክሰሓት ዘይብሉውን ኣሉ በሃሊውንዘይርከቦ እሙን ነገር ቤተ ክርስቲያን ናይእግዚአብሔር ቤት ምዃና እዩ።

ኮይኑ ድማ ንሕና ደቃ ስለቲ ቅኑዕ ምስግጋርዘድልዮ ዕብየታን ግቡእ ስርሓን ጕስነታንክንሓስብ ዘሎናዮ ዘመንን መድረኽንኣጥቢቑ ይሓተና ኣሎ። በዚ መንጽር ድማዕላማ መጽሔተ ማዕዶት ንጹር እዩ። ኣብኵሉ ኵርንዓት ዓለም ዘሎና ደቂ ተዋሕዶንኵለንተናዊ ትንሣኤን ዕብየትን ቤተክርስቲያንና ብሓድነት ንሰርሓሉ መላዘቢባይታ ምፍጣር እዩ። ብመንጹርውን ንቤተክርስቲያንና ብዝተፈላለየ ኑፋቄያዊትምህርቶምን ይሁዳዊ መጋብሮምንከዳኽምዋ ዝፍትኑን ንኣባጊዓ ዘባርሩንኵሎም ምቅላዕን ንምእመናን ድማምንቃሕን እዩ።

 

ብምዃኑውን ንኵለንተናዊ ትንሣኤ ቤተክርስቲያንና ኵልና ሰብ ትንሣኤ ኮይንናክንርከብን ብሓደ ልቢ ብሓደ ምኽሪ ስራሕትንሣኤውን ክንሰርሕ ክንመክርንክንላዘብን ነሕድሕድናውን ክንናቃቃሕንማዕዶት ልሳን ተዋሕዶና ክትኮነልና ኣሓዱኢልና ንጅምር ኣሎና። ኵልና ድማብጸሎትን ይጠቅም ብእንብሎ ኵሉ ዓይነትመንፈሳዊ ኣበርክቶን ጭውነትን ከነዕብያንዕላማኣ ከተሰላስልን ከም ኣቦታትና “ኦማርያም ሓግዝና” እናበልና ናብዚ ወፍሪወንጌል ንኣቱ ኣሎና። ከቢድን ገድላዊንመንፈሳዊ ዕማም ከምዝጽበየና ርዱእ ኮይኑናትና እምነትን ንዝሓቱናውን ምላሽና ግናሓደን ሓደ በይኑን እዩ። “ንሕና ባሮቱተንሢእና ኽንዓዪ - ኣምላኽ ሰማይ ድማኬቕንዓልና እዩ” ነህ ፪፥፳ (2፥20)።

 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።