ነኣምን በኣሓዱ ኣምላክ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ኣሃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ወነኣምን በኣሓዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ፡ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም፡ ብርሃን ዘእምብርሃን ኣምላክ ዘእምኣምላክ ዘበኣማን፡ ዘተወልደ ወኣኮ ዘተገብረ፡ ዘዕሩይ ምስለ ኣብ በመለኮቱ፡ ዘቦቱ ኩሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ ኣልቦ ዘኮነ፡ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ፡ ዘበእንቲኣነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ እምሰማያት፡ ተሰብኣ ወተሰገወ እመንፈስ ቅዱስ ወእማርያም እምቅድስት ድንግል፡ ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲኣነ በመዋእለ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ሓመ ወሞተ ወተቀብረ፡ ወተንሥኣ እሙታን ኣመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅድሳት መጻሕፍት፡ ዓርገ በስብሓት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ ኣቡሁ ዳግመ ይመጽእ ብስብሓት ይኴንን ሕያዋነ ወሙታነ ወኣልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ። ወነኣምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሰረፀ እምኣብ፡ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ ኣብ ወወልድ ዘነበበ በነቢያት። ወነኣምን በኣሓቲ ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን እንተ ላዕለ ኩሉ ጉባኤ ዘሓዋርያት። ወነኣምን በኣሓቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢኣት። ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም። ኣሜን።

ኩሉ ብዝሓዘ ሰማያትን ምድርን ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ፡ ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ንኣምን። ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ ኣብ ዋሕድውን ንኣምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፡ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፡ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፡ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ፡ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ምድሓንና፡ ካብ ሰማያት ዝወረደ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ፡ ሰብ ኮነ፡ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘበን ጰንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ፡ መከራ መስቀል ተቐበለ፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ተንሥአ፡ ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ፡ ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ንሙታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ ኢዩ፡ ንመንግሥቱ ድማ መወዳእታ የብሉን። ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ፡ ካብ ኣብ ዝሰረፀ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን፡ ምስ ኣብን ወልድን ክንሰግደሉን ከነመስግኖን ብነቢያት ዝተነግረ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ብዝኾነት ናይ ሓዋርያት ጉባኤ፡ ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣምን። ሓጢኣት ንምስትሥራይ ብሓንቲ ጥምቀትውን ንኣምን። ትንሣኤ ሙታንን ንዘለዓለም ዝመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር፡ ኣሜን።


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ጸሎት፣ መንፈሳዊ ትሕዝቶ አቡነ ዘበሰማያት (አብ ሰማያት ትነብር አቦና)፣ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ንኽኸውን፣ ጸሎት መፍትሕ ኣገልጋልን ተገልገልትን ኣገልግሎትን እዩ፣

  • ክፍልታት ጸሎት።
  • ዓይነት ጸሎት።
  • ጊዜያት ጸሎት።
  • ኣገባብ ኣጸላልያ።
  • ጥቕሚ ጸሎት።
  • ውጽኢት ጸሎት።
  • ብኸመይ ንጽሊ፨
  • ጸሎት ቅዱሳን ክቡር እዩ።
  • ጸሎት ክንጽሊ እዙዛት ኢና።
  • ዝተመለሱ ጸሎታት።
  • ፍረ ጸሎት።
  • መንፈሳውን ሥጋውን ሓይሊ ጸሎት።

መግለጺ:- አቡነ ዘበሰማያት (ኣብ ሰማያት ትነብር አቦና) ማቴ.6።9-13።

 

ኣብዛ ሓጻር ጸሎት ዝርከቡ ሓሙሽተ ስነ ምግባራት ኣለዉ ንሳቶም ከኣ።- ሃይማኖት (እምነት)። ተስፋ። ፍቕሪ። ትሕትና። ጸሎት እዮም። 

 

  1. ሃይማኖት(እምነት):- ብዓይኒ ሥጋ ከይረኣናዮ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ኢልና ምጽላይና እዩ፣
  2. ተስፋ:- መንግሥትኻ ትምጻእ ኢልና ምጽላይና፣
  3. ፍቕሪ:- ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና ኢልና ምጽላይና ሓደ ንብዙኃት ምጽላይ እዩ፣
  4. ትሕትና:- በደልና ሕደገልና ምባል እዩ። ዝበቕዐን ዘይበቕዐን ኵሉ በደልና ሕደገልና እዩ ዝብል እምበር ኣብ አቡነ ዘበሰማያት በደለይ ደገለይ ኢልካ ብግልኻ ኣይጽለን ኣዩ፣
  5. ጸሎት:- ናብ ፈተና ኣይተእትወና ኢልና ምጽላይና፣