ናይ ዓቢይ ጾም (ጾም 40) ሰናብቲ ኣስማትን ሓጺር ትርጉምን

 

ተ.ቑጽሪ

1

ስም

ዘወረደ

ናይ ዕለቱ ወንጌል

ዮሐ 3፥13 – 21

ሓጺር ትርጉም

 

እግዚኣብሔር ኣምላኽ በቲ ንኣዳም ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን መሰረት፥ ንድሕነት ደቂ ሰባት ካብ ሰማያት ምውራዱ።

 

ተ.ቑጽሪ

2

ስም

ቅድስት

ናይ ዕለቱ ወንጌል

ማቴ 6፥16 – 24

ሓጺር ትርጉም

ዕለተ ሰንበት ብእግዚኣብሔር ዝተቐደሰት ምዃና።

ተ.ቑጽሪ

3

ስም

ምኵራብ

ናይ ዕለቱ ወንጌል

ዮሐ 2፥12 – 25

ሓጺር ትርጉም

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ ምስትምሃሩ።

ተ.ቑጽሪ

4

ስም

መጻጉዕ

ናይ ዕለቱ ወንጌል

ዮሐ 5፥1 – 18

ሓጺር ትርጉም

ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማት ምፍዋሱን ምንጽሁን።

ተ.ቑጽሪ

5

ስም

ደብረ - ዘይት

ናይ ዕለቱ ወንጌል

ማቴ 24፥1 – 35

ሓጺር ትርጉም

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ስለ ዳግማይ ምጽኣቱ ምስትምሃሩ።

ተ.ቑጽሪ

6

ስም

ገብርሄር

ናይ ዕለቱ ወንጌል

ማቴ 25፥14 – 30

ሓጺር ትርጉም

 

ናይ ጎይታ እሙንን ርህሩህን ዝኾነ ኣጋልጋሊ ናብቲ ዓሚይ ሓጎስ እቶ ተባሂሉ ከም ዝተመጎሰ ዝንበብሉ ሳምንቲ።

 

ተ.ቑጽሪ

7

ስም

ኒቆዲሞስ

ናይ ዕለቱ ወንጌል

ዮሐ 3፥1 – 12

ሓጺር ትርጉም

ካብ ፈሪሳውያን ወገን ዝኾነ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ጎይታ ኢየሱስ መጺኡ ስለ ዳግማይ ምውላዱ ምምሃሩ።

ተ.ቑጽሪ

8

ስም

ሆሳእና

ናይ ዕለቱ ወንጌል

ማር 11፥1 – 10

ሓጺር ትርጉም

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝባን ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምእታዉ።

ተ.ቑጽሪ

9

ስም

ትንሳኤ

ናይ ዕለቱ ወንጌል

ዮሐ 20፥1 – 19

ሓጺር ትርጉም

ኢየሱስ ክርስቶስ ስልጣንን ሓይልን ሞት ስዒሩ ካብ ሞት ምትንስኡ።