ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

 

ብርግጽ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” (1 ዮሓ 4፡8) ከመይ ኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ ኣምላኽ ኩሉ ሰናይ ዘበለ ቀሪቡ ብቅዱሳን ኣእዳው እቲ ዝዓዘዘ ፍቕሪ “ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር” ዝብል ናይ ኣጋእዘት ዓለም ጥዑም ቃል እዩ ነይሩ (ዘፍ 1፡26)። ጣዕሙ ኣብ ምድሪ ከም መዓር ኣብ ሰማያት ከኣ ከም ያም እዩ። መልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ክበሃል ከሎ ደጋዊ መልክዕን ምስልን ማለት ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝገለጸሉ ገለ ንምጥቃስ፡ ንጽህና፡ ዘይውዳእ ብርሃን፡ ዘለኣለማዊነት፡ ቅድስና፡ ፍጹምነት፡ ፍቕሪ እዩ። ኣዳም ከም ዝሓጥእ እግዚኣብሔር ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሰብ ክርስዖ ዘይብሉ ግና ነጻ ፍቃድ ተዓዲሉ ምንባሩ እዩ። ብየማን ህይወት ብጸጋም ከኣ ሞት ማለት እዩ። ነጻ ፍቃድ ዝነበሮ ኣዳም ብገዛእ ምርጭኡ ንሞት መረጸ። ሕጂ’ውን ድሕሪ ሞት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣይተለወጠን። ነዚ ዝምስክር ሓቂ ከኣ ፍቕሪ ከመግቦ ድሕሪ 5500 ዓመታት ብዘደንቕ ነገረ ተዋህዶ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣደና ድንግል ማርያም ሓዲሩ ካብ ስግኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ንዓለም ኣብረሃ። እቲ ዘይጭበጥ ዘይድህሰስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቅዱሳን መላእክት ኣብ ቅድሚኡ ቆይሞም “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” ኢሎም ክውድስዎ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ገጾም ክሽፍኑ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ኣእጋሮም ክኽውሉ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ከኣ ክነፍሩ ተዓዲሎም እምበር ክርእይዎ ኣይተፈቕደሎምን። ኣብ መብልዕ ማል ብነገረ ስጋዌ ምስ ተጋህደሎም ግና ሰብን መላእክትን ሓቢሮም “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ (ሉቃ 2)። ፍቕሩ ንኹሉ ምዃኑ ክነግር’ውን ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። ህዝብን ኣህዛብን ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ሓደ ምዃኖም ብምስጢረ ጥምቀት ውሉድነት ክንቅበል ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስን ምንጻህ ማይን ዳግም ምውላድ ግዲ ኮነ (ዮሓ 3)። እዚ ፍቕሪ ንይሁዳ መዓርገ ሓዋርያነት ክቅበል ፈቀደ። ይሁዳ ማለት ወላዲኡ ዝቀተለ ምስ ኣዲኡ ክድቅስ ዘይሓፈረ ንጎይትኡ ብ30 ቕርሺ ብሩር ዝሸጠ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ነፊጉ ክንዲ ንስሓ ንሓንቲ ምስጢር ሒዙ ቅድሚ ጎይታናን መድሓኒናን ትንፋሱ ከሕልፍ ዝሃቀነ እዩ። ፍቕሪ ብፍቕሪ እምበር ፍቕሪ ብጥበብ’ዛ ዓለም!፤ ኣይግድን። ካብ “ህያው ክትከውን ኢኻ” ዝብል ግርማ ዝመልኦ ድምጺ እግዚኣብሔር እንታይ ዝዓቢ ኣሎ፤ ፍጹም የለን ኣሕዋተየ። እንትርፎ ንገዛእ ነፍስና ክንብድል እምበር ንእግዚኣብሔር ዝግባእ ፍቕሪ ሂብናዮ ኣይንፈልጥን። ኣብ ቅዱስ ቃሉ (1 ዮሓ 4፡15) “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር” ይብለና። እስከ ንሕተታ ንነፍስና “ኣበይ ክትነብሪ ትደልይ” ንበላ፤ እታ ካባና ዝደልያ እግዚኣብሔር “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር”” ትብል እያ (ሉቃ 10፡27)። ብምሉእ ልብኻ ማለት፡ ንኣብነት፡ ሓደ ካብ ባሕታውያን ኣቦታትና እናኸደ ይጽሊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሃንደበት ክልተ ማላእክት ሓደ ብየማኑ ሓደ ብጸጋሙ ይኸዱ ከምዘለው ኣስተውዓለ። ናብ ሓዲኦም ክርኢ ኢሉ ግን ኣይሓሰበን። ምኽንያቱ ምስ ልዑል ባህሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይዛረብ ምንባሩ፡ ልቡ ምስ እግዚኣብሔር ብጸሎት ዓሪጋ ስለዝነበረት እዩ። ብሕልንኡ ከምዚ እናበለ ከኣ ንነፍሱ ይዛረባን ይወቕሳን ነበረ “መላእክት ይኹኑ ሊቃነ መላእክት ካብ ክርስቶስ ኣምላኸይ ዝፈልየኒ የለን!” (ብፁእ ቅዱስ ኣቡነ ሽኖዳ-3ይ)። ምኽንያቱ ብምሉእ ልቡ ምስ ክርስቶስ ስለዝነበረ። ሓንቲ’ኳ ከየትረፈ ምስ ጎይትኡ ነበረ። ምሉእ ማለት ጎደሎ ዘይብሉ ማለት እዩ። ስለዚ “ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” (ዮሓ 3፡16) ዝብል ቅዱስ ፍቕሪ ስለዝሃበካ ንስኻ ፍቕርኻ ክትህቦ እንታይ ምኽንያት ኣለካ፤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተግባር ዝመሃረና ”ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኮኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ (ማቴ 5፡44) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጸላእቱ መጀመርያ ኣፍቐረ። ኣይሁድ ንበርባን ክፍተሓሎም ኣብ ክንድኡ ከኣ ኣበር ዘይብሉ ንጹህ ገንሸል “ይሰቐል፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” (ማቴ 27፡20-25) ኢሎም ክጭርሑ ከለው ጎይታ ግና ብኣንጻሩ ንድሕነቶም ይጽሊ ነበረ “ኦ ኣቦይ ዚገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” (ሉቃ 23፡34)። ጎይታናን መድሓኒናን ክኹንኖም ኣይሓለነን፡ ብደም ዝረኸሰ ኣእዳዎም ኣይራኣየን። ምሉእ ፍቕሪ ግና ሃቦም። ክድሕኑ ክመሓሩ ናብ’ቲ ስፈር ቅዱሳን ክኣትው ጸለየሎም። ናይ ክርስቶስ ቤተ-ሰብ ክንበሃል እንተኾይና እምበኣር ምሉእ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምስ ዝህልወና ጥራሕ እዩ። ነዚ ዓቢ ጸጋ ንዓቅቦ። በዚ ከኣ ጸላኢ ዝበሃል ብዘይካ ድያብሎስ ካልእ ኣይክህልወናን እዩ። ብኻልእ ወገን ነዚ ዘገርም ፍቕሪ ዘስተማቐረ ቅዱስ ለንጊኖስ ንውሰድ። ቅዱስ ለንጊኖሰ ማለት ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹናት ዝወግኦ ወትሃደር እዩ ነይሩ(ዮሓ.19፡34)። ንቕሩብ እሞ ነስተውዕል ክርስቶሳውያን! ጎይታ ፍጹም ፍቕሪ ስለዘለዎ እዚ ወተሃደር’ዚ ቅዱስ ለንጊኖስ ክበሃል በቒዑ። ንምንታይ እንተ ኢልና፡ ብሓቂ ጻድቕ ምዃኑ ስለዝመስከረን (ሉቃስ 23፡47)፡ እቲ ዘቃጽል ፍቕሩ ስለዝተመገበን እዩ። "ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ" (1 ጰጥ 1፡16) ቅዱስ ስለ ዝኾነ ኩሎም ሕሩያቱ ቅዱሳን ክኾኑ ዕድል ሃበ። ኣየናይ ፍቕሪ ኢና ነፍቕር ዘለና፤ ካልእ ዓይነት ፍቕሪ ይጽነሓልና። ምኽንያቱ ካልእ ፍቕሪ እንተ ኣእቲና ንኣምላኽ ንኽሕዶ ኣለና። ኣቦና ኣብርሃም ዓርኪ እግዚኣብሔር ክኸውን ዝበቐዐ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ” ምስ በሎ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ስለዝሓደሮ ዓቢ ባህታ ተሰመዖ (ዘፍ 12)። ኣቦና ኣብርሃም መስዋእቲ ቀሪቡ ንእግዚኣብሔር ክጽበ ምሉእ መዓልቲ ኳኻት ክሰጉግ ይውዕል ነይሩ። ከይተሃከየ ንእግዚኣብሔር ይጽበ ነበረ። ኣብ ካልእ’ውን ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ከይተቀበለ እኽሊ ኣይለክፍን ነበረ። ድያብሎስ ጽቡቕ ነገር ስለዘይፈቱ ናብ ኣብርሃም ዝመጹ ሓለፍቲ መንገዲ (ኣፍቀርቲ ኣብርሃም) ብሓሶት ርእሱ ዝተፈግአ ሰብ መሲሉ “ኣብርሃም ሃሪሙኒ” ብዝብል ሓሶት መገዶም ከምዝቕይሩ ይገብር ነበረ። ኣብዚ’ውን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ፍሉይ ምዃኑ ክገሃድ ንኣቦና ኣብርሃም ብሰለስተ ስላሴ ተገልጹሉ። እግዚኣብሔር ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ንኣብርሃም ጋሻ ኾኖ። እዝስ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ እዩ፤ ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ መሃልየ መሃልይ 6፡3 “ኣነ ናይ ፍትወይ እየ ፍትወይ ከኣ ናተይ እዩ” እናበለ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝገለጸ፡ ንሕና’ውን “ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ” ዝብል ቅዱስ ዜማ ፍቕሪ ብውሽጢ መዓሙቕ ልብና ንደጋግሞ!!! ንሱ’ኮ’ዩ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጸኣኒ፡ ፍቕሩ እምበር ፍቕረይ ኣይኮነን ካብ ሰማይ ዝሰሓቦ። ቶማስ “እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እነተ ዘይርኣኹ ኣብ ጎድኑ ኢደይ እነተ ዘየእቶኹ ኣይኣምንን እየ” ምስ በለ፡ ጎይታ ንቶማስ “ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ እሞ፡ ናብ ጎድነይ ኣእትዋ ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉ ብሓቂ ጓሳ ኣባጊዑ ምዃኑ ኣብረሃሉ። ቶሞስ ብኣጻብዑ ዝተንከፎ ዘቃጽል መለኮት እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ኸኣ ቶማስ “ጎይታይን ኣምላኸይን በሎ” (ዮሓ 20፡25-27) እዚ ዘቃጽል መለኮት ፍቕሪ’ዶ ኣይኮነን። ኣምላኻዊ ፍቕሪ’ኳ ደኣ። ነቶም ዓሰርተ ሓዋርያት መጀመርያ ዝተገልጸሎም ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ንቶማስ “ኣይኣምንን እየ” ዝበለ። ዘቃጽል ፍቕሪ ስለዝነበሮ ንኹሎም ተገለጸሎም። እግዚኣብሔር ኣምላኽናስ ከመይ ዝበለ ፍጹም ፍቕሪ ኣለዎ፤ በረድን ሓዊን ኣንጻር እዮም። በረድሲ ኣይንኹን። ተኽሊ ምስ ኮስኮሰካያ ትዓቢ ንሕና’ውን ኣብ ፍቕሩ ክንዓቢ ኣሎና። ኣብ በረድ ህይወት የለን። ስለዚ ነዚ ህወት ዘለዎ ፍቕሪ ንጠቐመሉ። ሓዊ እንተዘይተጠቂምካሉ ሓምኹሽቲ ይኾውን እምበር ዝጠቕሞ የብሉን። ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እዚ ሓዊ እዩ። ብኡ ጌርና ነኣሕዋትና ነቃጽሎም። ፍቕሪ እግዚአብሔር ነፍልጦም፡ ቅዱስ ቃሉ ንመግቦም። ናይ ኩልና ሓላፍነት ስለዝኾነ። ኣብ ልዕሊ ከውሒ ዝተሃንጸት ቤተክርስትያን ኣይክትናወጽን እያ ፍጹም ኣይክትወድቅን ከኣ እያ። ፍቕሪ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን። ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ጸሎቶም፡ ጥርጥር ዘይብላ ንጽህቲ ቅድስቲ እምነቶም ኣባና ጸኒዓ ትንበር። ስለ ቅዱስ ቃሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወወላዲቱ ድንግለ

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!