By Awet Mengstab on Thursday, 12 May 2011

ሓይሊ ሞት ተሳዕረ !

ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧

ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ።

ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ

ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

(1ቈረ.15.55-57)

ቀደም ቆልዓ ከለኹ ይዝከረኒ ዓርቢ ስቕለት ክኸውን እንከሎ፣ ኣዴና ናብ እንዳ መድሃኔኣለም ቤተክርስትያን ሒዛትና ትኸይድ ኔራ። ቆልዑት ስለ ዝነበርና ማይ ክንሰቲ ወይውን ገለ ነገር ክንበልዕ ይፍቀደልና እኳ እንተነበረ፣ እቲ ዓላማ ጾምካ ምውዓል እዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝዓበየ ሕቶ ዝኾነኒ ዝነበረ ስለምንታይ እዮም ንየሱስ ቀቲሎሞ፣ ገባሪ ጽቡቕዶ ኣይነበረን?” ዝብል እዩ ኔሩ። ንቐተልቱ ድማ እጸልኦም ኔረ። ዓርቢ ስቕለት ከም ናይ ጓሂ መዓልቲ ኮይና እያ ትስምዓኒ ኔራ። ከመይሲ እቲ ሕያዋይ የሱስ ስለ እተሰቕለን ዝሞተን። ንዕኡ ክሓስብ እንከለኹ ድማ ጓሂ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ ብዝተኻእለኒ መጠን ጾመይ ክውዕል እየ ዝፍትን ኔረ። ሰንበት፣ ትንሳኤ ወይ ፋሲካ ምስ ኮነ ግና እቲ ናይ ዓርቢ ስምዒታት ኩሉ ይጠፍእ።

ምልስ ኢልና ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ ኣብ እዋን ስቕለቱ፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከምዝነበሩ እስከ ንሕሰብ። ተስፋ ጌሮምዎ ዝነበሩ፣ ብዙሕ ድንቅን ተኣምራትን ዝገበረ መራሒኦም እዩ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፉ እተዋህበ። ከም ናብ ማሕረዲ እትኹብከብ በጊዕ ስቕ በለ እንበር ንርእሱ ክከላኸል ኣይፈተነን። ጴጥሮስ እኳ ኣይሰለጦን እንበር ክከላኸለሉ ፈቲኑ ኔሩ። ምስ ሞተን ምስ ተቐብረን ድማ ነገራቶም ኩሉ ምስኡ እዩ ተቐቢሩ ነይሩ። ትንሳኤ ይርኣዮም ኣይነበረን። ድሕሪ ደጊም እንታይ እዮም ክገብሩ፣ ናበይ እዮም ክኸዱ፣ ኣይፈልጡን ነበሩ። ኩሉ ነገራቶም ሓዲጎም እዮም ስዒቦሞ ኔሮም። ድሕሪ ግና ንቕድሚት ከኺዶም ዝኽእል ተስፋ ኣነበረን። ስለዚ ድማ ኩሎም ናብቲ ናይ ቀደም ተግባራቶም ክምለሱ ጀመሩ። ተስፋ ሃዋርያት ግና ጸልሚቱ ኣይተረፈን። እቲ ተስፋ ጌሮምዎ ዝነበሩ የሱስ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ኣይከኣለን። ንሞት ስዒሩ ተስኤ። ተስፋኦም ድማ ተሓደሰ።

ዓለም ብብዙሕ ነገራት ትናወጽ ኣላ። ምንቅጥቅጥ መሬት፣ ምዕልቕላቕ፣ ህቦብላ፣ ውግእን ናዕብን... ወዘተ መኽፈቲ ናይ ነፍሲወከፍ ዜና ዓለም እዩ ኮይኑ ዘሎ። ብዙሓት ጠፊኦም፣ ብዙሓት ዝነበሮም ስኢኖም፣ ብዙሓት ፈተውቶም ሓሊፎም። ህዝብናውን ካብዚ ኣደዳ መዓት ኣየምለጠን። ኣብ ፍቖዶ ባሕርን ምድረበዳን ይጠፍእ ኣሎ፣ ገለ ድማ ከርተት ይብል ኣሎ። ሞትን ስቓይን ዝነገሰ ዀይኑ እዩ ዝስምዓካ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ እንኮ ተስፋ ክኾነና ዝኽእል እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ እዩ። ጸላኢ ክሓርድን ከጥፍእን እዩ ዝመጽእ፣ ክርስቶስ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ክህብ እዩ ዝመጽእ። ከመይሲ ንሱ ንኹሉ ሓይሊ ሞት ስዒሩ እዩ።

ሓደ ታሪኽ ክነግረኩም። ሓደ ቆልዓ ምስ ኣቦኡ ይጓዕዝ ነበረ። ብድንገት ሓደ ንህቢ ናብታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ኣተወ። እቲ ቆልዓ ኣለርጂ ናይ ሕንዚ ንህቢ ስለዝነበሮ ክመጾ ዝኽእል ስቓይ ተረዲኡ ብራዕዲ ኣንቀጥቀጠ። ኣቡኡ ግና ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ንህቢ ቆለቦ። ንቕሩብ ደቓይቕ ድሕሪ ምዕሟኹ እንደገና ፈነዎ። ቁሩብ ሃዲኡ ዝነበረ ቆልዓ እንደገና እቲ ንህቢ ክበርር ምስረኣዮ ክርዕድ ጀመረ። ኣብኡ ግና ኣጆኻ ወደይ ኣይትፍራህ፣ ርኤ እቲ ሕንዚ ኣብ ኢደይ ኣትዩ እዩ፣ ደጊም ክጎድኣካ ኣይክእልን እዩ። ብምባል ኢዱ ዘርጊሑ ኣርኣዮ።

ክርስቶስ ብመስማር ክሽንከር እንከሎ እንበኣር ንሓይሊ እቲ ብሰንኪ ሓጥያትና ዝመጸ ሞት እዩ ካባና ዝወሰዶ። ነዚ እተረድኤ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፣ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።” (1ቈረ.15.55-57) እንብእርከስ ንዘክር፣ ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘሎና ነቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስኤን እንበር ንርእስና ምእንቲ ከይንነብር ኢሉ እዩ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ዝሞተ እሞ ብኹሉ ናብራና ንዕኡ ብምኽባር ንንበር (2ቈረ.5.15)

ጸሎት-

ኣምላኽ ብሞት ወድኻ ንሓጥያተይ ስለ ዝደምሰስካ ብትንሳኤኡ ድማ ሓድሽ ህይወት ስለ ዝሃብካኒ ኤመስግነካ። ብኹሉ ዕድመይ ንዓኻ እናኣኽበርኩ ክነብር መሪጸ እየ ብጸጋኻ ደግፈኒ። ብስም የሱስ ኣሜን!

Posted by Awet Mengstab

ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት የሱስ ኣብዚ ምድሪ ብኣካል ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ እዋን: ንብዙሓት ከም ዝፈወሰን እንጌራ ከም ዝመገበን: ካብ ማእሰርቲ ሓራ ዘዉጽ: ካልእ ብዙሕ ተኣምራትውን ከም ዝገበረን ኣብ ብዙሕ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ነንብቦ ኢና። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ብዙሓት ሰባ ይስዕብዎ ነይሮም። እንተኾነ የሱስ እቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ብዛዕባ መንነቱ ብትኽክል ዝተረድእዎ ከም ዘይነበሩ ስለ ዝፈለጠ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ከምዚ ኢሉ ክሓትት ከሎ ንርኢ: የሱስን ደቐ መዛሙርቱን ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናይ ፈልጶስ ከዱ፡ ነቶም ደቐ መዛሙርቱ ከኣ ኣብ መገዲ፡ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ ኣለው ኢሉ ሓተቶም (ማር 8:2) እቲ ዝገርም ድማ እቶም ሰባት ቅኑዕ ርድኢት ብዛዕባ የሱስ ስለ ዘይነበሮም ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ኤልያስ ካልኦትውን ሓደ ካብ ነብያት እዩ (ማር 828) ክብሉ ከለው ንርእዮም።

ሎሚውን እንተኾነ ብዙሓት ብዛዕባ መንነት የሱስ ብዙሕ ክብሉ ይስምዑ እዮም። ገሊኦም ነቢ ገሊኦም ድማ ልኡኽ ኣምላኽ: ኣብ ዘበኑ ካብ ዝነበሩ ሓደ ንፉዕ ፈላስፋ ዝብሉውን ኣይተሳኣኑን። ኣነን ንስኻትኩምን ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ከምቲ ንደቂ መዛምርቱ ዝሓተቶም ሕቶ እንተ ዝገጥመና፡ መልስና እንታይ ምኾነ፧ ካብዚ ቀጺልና እምብኣር ገለ ካብ ሓቐኛ መንነት ክርስቶስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

የሱስ ኣምላኽ እዩ

እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ምዃኑ ካብ ዝልለየሎም ባህርያት ሓደ ናይ ምፍጣር ሓይሉ: ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኩሉ ፍጥረትን ፈጠረ። ዘልኣለማዊ: መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ፡ ንጉስ ወይ ገዛኢ ኩሉ ምዃኑ፡ ከም ፈጣሪውን ክብሪን ኣምልኾን ምዉሳድ ከም ዝግበኦ ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ባህርያት እዚ ድማ ኣብ ሰብ ኮነ ወይ ኣማልኽቲ ተባሂሎም ካብ ዝጥቀሱ ኣስማት ዘይርከብ እዩ።

የሱስ ግን ኣምላኽ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ እዚ ባህርያት እዚ ከም ዘለዎ ንርኢ። ኣብ ዮሃ 11314 ከምዚ ይብል ''ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቃልዉን ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ኩሉ ኾነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን። እቲ ቃል ድማ ስጋ ኮነ። . . . ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዱ ነብኡ ረኤና። ኣብዚ ብዛዕባ ወዲ ማለት እቲ ስጋ ለቢሱ ዝመጸ የሱስ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ካብዚ ጽሑፍ ከም እንርድኦ ድማ እቲ ቃል (የሱስ) ብመጀመርታ ከም ዝነበረ: ኣምላኽ ከም ዝኾነን ፈጣሪ ኩሉ ምዃኑን ከኣ የርእየና። እዚ ማለት ኣምላኽ ኣብ ዘፍጥረት፡ ሰማይን ምድርን

ኣባታቶም ዘሎ ኩሉን ክፈጥር ከሎ ከምዚ ይኹን እናበለ ይፈጥር ኔሩ።

እዚ ድማ ኣብ እብራዉያን 12¸10 “ኣምላኽ ንኣና በቲ ወራስ ኩሉ ዝገበሮ ብእእዉን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና . . . ብተወሳኺ ብዛዕባ ወዱ፡ ንስኻ ካብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳዉካ እዮም እናበለ ይነግረና። ስለዚ ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ፡ የሱስ ፍጡር ወይ ልኡኽ ኣምላኽ ዘይኮነስ፡ ንሱ ፈጣሪ ኩሉ ሰማይን ምድርን ኣብኣቶም ዘሎን እዩ። ነዚ ኢና ድማ ንየሱስ እቲ ንኣምላኽ ዝተወሃበ ክብሪን ኣምልኾን እንህቦ። እግዚኣብሄር ኣቦ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ እዩ፡ መጀመርታ ይኹን መፈጽምታ የብሉን። ንሱ ዘሎን ንዘልኣለም ህያዉ ኮይኑ ዝነብርን ኣምላኽ እዩ። የሱስ ድማ ልክዕ ከም ኣቦ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ራኢ18 ከምዚ ዝብል ቃል ብዛዕባ እግዚኣብሄር (ኣቦ) ነንብብ፡ ''ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ: ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ልክዕ ከምቲ ንኣቦ ዝተዋሀበ መንነት እዚ መንነት ንክርስቶስ የሱስ ክወሃቦ ከሎ ድማ ኣብ ራእ 2213 ነንብብ። ''ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።'' ሓደ ግዜ እዉን እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ በረኻ ምስ ተገልጸሉ፡ ሙሴ ብዛዕባ ስሙ ወይ መንነቱ ክሓቶ ከሎ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ መሊስሉ ''... እቲ ዘሎኹ እየ ዘለኹ ...'' (ዘጽ 314) እዚ ድማ እቲ ቀደም ኣምላኽ ኣቦታቶም ማለት ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ይስሓቕ፡ ያእቆብ፡ ዝነበረ፡ ሕጂውን ህያዉ ከም ዝኾነ ክገልጸሎም ስለ ዝደለየ እዩ። ብተመሳሰሊ ድማ ጸሓፊ ናይ እብራዉያን የሱስ ህያዉን ዘልኣለማዉን ምዃኑ ክግልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፡ ''የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለም ንሱ እዩ። (እብ 138) እዚ ድማ ኣምላኽነት የሱስ ቅድሚ ናብ ምድሪ ምምጽኡ ወይውን ኣብዚ ምድሪ ክሳዕ ዝነበረ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሎሚዉን የሱስ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዘርእየና ዘሎ። እዚ ኣምላኽነት እዚ ኣብ ሞንጐ ዘቋርጽ ዘይኮነስ ንዘልኣለም ዝነብር እዩ። የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሓደ ጊዜ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ''... ኣቦይ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ክብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ (ዮሃ 175) ስለዚ የሱስ ኣብዛ ምድሪ ኣስታት 30 ዓመት እኳ ከም ሰብ እንተ ተመላላሰ፡ ዓለም ቅድሚ ምፍጣራ ምስ ኣቦ ብኣምላኻዊ ክብሪ ይነብር ከም ዝነበረ ካብቲ ጽሑፍ ንርዳእ። ናይ እብራዉያን ጸሓፊ ደጊሙውን ብዛዕባ የሱስ ንደቂ ሰባት ዘገልግሎ ኣገልግሎት ዕርቂ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፡ ''ከምኡ ድማ የሱስ መድሕን ዝሓሸ ኪዳን ኰነ። እቲኣቶምሲ ከይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ነበሩ። እዚ ግና ... ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ (እብ 722-24)'' ብተወሳኺ ከምዚ ይብል፡ ''መጀመርታ መዓልታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሊሱ ንሓዋሩ ካህን ኰይኑ ይነብር ኣሎ'' (እብ 73)

ካልእ ካብቶም ኣምላኽነት የሱስ ዝገልጹ ባህርያት፡ የሱስ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ገዛኢ፡ ጐይታ ወይ ንጉስ ስለ ዝኾነ እዩ። ጳዉሎስ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣቦ ክዛረብ ከሎ ሓደ ጊዜ ''እቲ ብጹእ በይኑ ከኣ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጐይቶትዉን ... '' (1ጢሞ 615) ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። የሱስ ድማ ባዕሉ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ከሎ፡ ''. . . ኣብ ሰማይን ምድርን ኩሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ።'' ኣብዚ ምድሪ ብዙሓት ሓያላት ሰባት ተንሲኦም እኳ እንተኾነ ከምዚ የሱስ ዝብሎ ጌሮም ግን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድሪን ክስልጥኑ ኣይተራኣዩን። ደጊሙውን የሱስ ሓደ ጊዜ ንጲላጦስ ከምዚ ኢሉ ክምልሰሉ ከሎ ነንብቦ፡ ''ጲላጦስ ድማ እምብኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ በሎ: የሱስ ከኣ ንጉስ ምዃነይስ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ'' (ዮሃ 1837) በሎ። ምናልባት ገሌና እሞ ኣብዛ ምድሪ ብዙሓት ጐይቶት ወይ ነገስታት ኣለዉን'ዶ፧ ክንብል ንኽእል ኢና። እቲ ዝገረም ግን ነቶም ዘለዉ ኩሎም ጐይቶት የሱስ ጐይቶኦም፡ ነቶም ነገስታት ድማ ንጉሶም ምዃኑ እዩ ቃል እግዚኣብሄር ዝነግረና። ነዚ ስለ ዝተረድኡ እዮም በዓል ዳዊት ኣብ ብሉይ ኪዳን ብመንፈስ ተደሪዀም ንክርስቶስ ጐይታይ እናበሉ ዝጽዉዕዎን ዘምልኽዎን ዝነበሩ (ማቴ 2241-46) ኣብ ሓድሽ ኪዳንዉን ሃዋሪያት ጐይታ እናበሉ ይጽዉዕዎ ጥራሕ ዘይኮኑን ''ጐይታይን ኣምላኸይን ''እናበሉ እዮም ዝስዕብዎ ዝነበሩ (ዮሃ 2028)

ኣምላኽነት የሱስ ካብ ዝገልጹ ካልኦት ባህርያት ድማ ሓጥያት ክሓድግ ስልጣን ስለ ዘለዎ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ''ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጥኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ክትፈልጡ ... (ሉቃ 524) የሱስ ሓጢኣት ሰባት ክሓድግ ምስ ረኣዩ፡ ስልጣን የሱስ ብግቡእ ስለ ዘየለለይዎ፡ ብዛዕባ መንነቱ ከም ዝተደናገሩ፡ ኣብ ሉቃ 748 ነንብብ። ''. . . ንኣኣ ድማ ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ በላ። እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ከኣ ብልቦም፡ እዚ ሓጥኣት ዝሓድግሲ መን እዩ ክብሉ ጀመሩ።''

ስለዚ የሱስ ነቢ ወይ ልኡኽ ኣምላኽ ጥራሕ ኔሩ እንተ ዝኸዉን፡ ሓጢኣት ክሓድግ ኣይምኻኣለን። ኣምላኽ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ግን የሱስ ንዓይን ንዓኻትኩምን ሓጢኣትና ክሓድገልና ብቑዕ ኾይኑ ኣሎ። ክብሪ ንስሙ ይኹን።

ኣቐድም ኣቢልና የሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ብዙሓት ጥቕስታት ካብ ብምጥቃስ ክንርኢ ጸኒሒና። እንተኾነ የሱስ ከም ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ወዲ ኣምላኽ ኮይኑውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቂሱ ኣሎ። እዚ ድማ ንብዙሓት ሰባት ንኽርድእዎ ኣሸጊርዎም ኣሎ። ንኣብነት ተኸተልቲ እምነት ምስልምና እንተ ረኣና፡ የሱስ ከመይ ኢሉ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ስለ ዘይተረድኦም ''ኣምላኽ ኣይውለድ ኣይዉለድ'' ይብሉ። እዚ ድማ የሱስ ብባህርያዊ መገዲ ዝተወልደ ስለ ዝመስሎም ክኸዉን ይኽእል እዩ። ገለ ጉጅለ ክርስትና ኢና ዝብሉ፡ ግናኸ ዘይኮኑ ድማ ከምኡ ዝመስል ምድንጋራት ኣለዎም። ንኣብነት ተኸተልቲ እምነት ሞርሞን ወይውን ንገዛእ ርእሶም ቤተ ክርስትያን ዳሕረዎት ቅዱሳን ናይ ክርስቶስ (The church of late saints of chrst) ብምባል ዝተጸወዑ፡ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ክዛረቡ ከለዉ፡ ክርስቶስ ካብቲ ዘልኣለማዊ ዝኾነ ኣቦ ብባህርያዊ መገዲ ከም ኩሉ ሰብ ካብታ ሰብ ዝኾነት ማርያም ከም ዝተወልደ ይነግሩ። መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ርኢና ግን ብዛዕባ ምዉላድ የሱስ ከምዚ ይብለና ''... ማርያም ድማ ሰብኣይ ከይፈልጥኩስ ከመይ ኢሉ ክኸዉን እዩ በለቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ እቲ ዝዉለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ክብሃል እዩ (ሉቃ134-35) ስለዚ የሱስ ዋላ ካብ ማርያም እንተ ተወልደ ኣወላልድኡ ብመንፈስ እምበር ብባህርያዊ መገዲ ከም ዘይነበረ ንርዳእ።

የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ ክንብል ከለና እምበኣር እቲ ኣምላኽ ዝኾነ የሱስ ኣብ ሰማይ ዝነበሮ ስልጣን ሓዲጉ፡ ከም ወዲ ንኣብኡ ዝለኣ ንእግዚኣሄር ኣቦ ከኽብር ስጋ ለቢሱ ከም ዉሉድ ኣብ ምድሪ ተገሊጹ። ''እቲ ቃልውን ኣምላኽ ነበረ . . . እቲ ቃል ስጋ ኮነ፡ ጸጋን መሊእዎ ከኣ ኣባና ሓደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነብኡ ርኤና (ዮሃ11-14) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ወደይ ወይ ዉሉደይ

ዝተባህሉ ኣለዉ።

ንኣብነት ኣብ ሆሴ 111 እግዚኣብሄር ንእስኤል ወደይ ክብሎም ከሎ ኣብ እዮ 16 ከምኡውን እዮ 387 ድማ መላእኽቲ ደቂ ኣምላኽ ተባሂሎም ክስመዩ ነንብብ። እዚ ድማ ኣምላኽ ዉሉድ ኢሉ ዝጸውዖም ብስጋ ስለ ዝወለዶም ዘይኮነስ ነቲ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ተገዚኦም ዝኸዱ ስለ ዝነበሩ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ድማ ወዲ ኣምላኽ ዝተባህለ ንኣቦ ዘኽብርን ዝእዘዝን ልኡኽን ተራ ሓደ ዉሉድ ዝጻወት ኣካል ናይ ስላሴን ስለ ዝነበረ እዩ።

የሱስ ኣብዚ ምድሪ ከም ዉሉድ ኮይኑ ክመላለስ ከሎ ኩሉ ነገር ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ተዋሂብዎ ነይሩ። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንሰባት ብዛዕባ እግዚኣብሄ ኣቦ ዝነበሮም ርድኢትን ፍልጠትን ነቶም ዝተኸተልዎ ዘበሉ ኩሎም ከብርሃሎም ከሎ ንርኢ። ''... ካብ ኣቦይ ኩሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ከኣ ብጀካ ወዲን እቲ ወዲ ክገልጸሉ ዚፈቱን ዝፈልጦ የልቦን (ማቴ1127) ደጊሙዉን ጸሓፊ መልእኽቲ ናብ እብራዉያን የሱስ ክርስቶስ ናይ ኣቦ ክብሪ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከም ዝኾነ ይነግረና (እብ13) ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ የሱስ ሓደ ጊዜ ሃዋርያት ነቦ ኣርእየና ኢሎም ምስ ሓተትዎ “... እቲ ንዓይ ዝርኣየ ነቦ ርኣየ'' ዝበሎም (ዮሃ 149) እዚ ማለት የሱስ ወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ነታ ኣብ ኣቦ ዝነበረት ብርሃን ንደቂ ሰብ ክርእዩ ጌርዎም። ኣምላኽ ሕያዋይን ፈቃርን ምዃኑ ድማ ብወዲ ጌሮም ሰባት ክርድኦም ክኢሎም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ እታ ቅድሚ ሕጂ ክትርከብ ዘይከኣለት ኣብ ኣቦ ዝነበረት ህይወት የሱስ ክርስቶስ ከም ወዲ ኣምላኽ ኮይኑ ምስ ተገልጸ ሰባት ነዛ ህይወት እዚኣ ክረኽብዋ ክኢሎም። ኣብ 1 ዮሃ 11-12 ከምዚ ይብል ኣምላኽ ናይ ዘልኣለም ህይወት ከም ዝሃበና እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሎ ግና ህይወት የብሉን።'' ስለዚ የሱስ ከም ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ወዲ ኣምላኽ ኮይኑ ምግላጹውን ከም ወዲ ኣምላኽ ጌርካ ምቕባሉን ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ። ከመይሲ ንወዲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ምድርን ኩሉ ስልጣን ተዋሂብዎ እዩ (ማቴ 2818) እቲ ስልጣን ድማ ማዕረ ኣቦ እዩ (ዮሃ 518-24) ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ንየሱስ ከም ወዲ ኣምላኽ እንተዘይተቐበልካ እግዚኣብሄር ኣቦውን ኣይቅበለካን እዩ። ንወዲ ምኽሓድ ድማ ንኣቦ ምክሓድ ማለት እዩ። ኣብ 1ዮሃ 223 ከምዚ ነንብብ “... ነቲ ወዲ ዝኽሕዶ ዘበለ ኩሉ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን ነቲ ወዲ እንተኣመነ ግና እቲ ኣቦ ኣለዎ።'' ነዚ ምእንቲ ከረድኣና ድማ እዩ ሓደ ግዜ የሱስ ከምዚ ዝበለ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም (ዮሃ 146-7) ስለዚ' እምበኣር ሓደ ሰብ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ክመጽእ ነቲ ኣብኡ ዘላ ህይወትውን ክረኽባን ብዛዕባ ኣቦዉን ክፈልጥ እንተደልዩ ብየሱስ ክርስቶስ (ወዲ ኣምላኽ) ክኣምንን ኣብ ልቡ ከኣ ከም ጐይታኡን ኣምላኽን ክቕበሎ ግድን ዝኾነ።

እሞ ንስኻ ነዚ የሱስ እዚ ተቐቢልካዮዶ፧ እንተ ዘይተቐቢልካ ሕጂ ከም ቶማስ ኣብ ዮሃ 2028 ንስኻ ጐይታይን ኣምላኸይን ኢኻ'' ብምባል ዝተቐበሎ ልብኻ ፊት ተቐበሎ። ተቐቢልካዮ እንተ ንካ ድማ ስለቲ የሱስ ዝገበረል ውዕለት ኣመስግኖ።

የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ ብዛ ምድ ጽእ ከሎ ድማ ከም ሓደ ንኣቡኡ ዝእዘዞ ወዲ ኣምላኽ ብምዃን ንኣቦ ከም ኽበሮን ዝተኣዘዞን ዲምና ርኢና። ኣብ ብዙሕ ቦታ ድማ የሱስ ንገዛእ ርእሱ ወዲ ሰብ እናበለ ክጽዉዕ ከሎ ንርኢ። ንኣብነት ብታ መበገሲ ቕሲ ናይ ጽሑፍ ምስ እንምለስ “... ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ኢሉ ሓተቶም ዝብል ኣብ ማቴ 1613 ነንብብ። ኣብዚ የሱስ ንርእሱ ወዲ ሰብ ኢሉ ክጽዉዕ ከሎ ነንብብ

እዚ ድማ ኣምላኽ ስጋ ምግላ (Incarnation) የርኢ። “... እቲ ቃልውን ኣምላኽ ነበረ ... እቲ ቃል ስጋ (ዮሃ11-14) ብተወሳኺ ኣብ እብ 105 ስለዚ ናብ ዓለም ክኣቱ ይብል ስጋ ኣዳሎኻለይ...'' ዝብል ንርኢ። ስለዚ የሱስ ንርእሱ ወዲ ሰብ ኢሉ ክጽውዕ ከሎ ስጋ ሰብ ለቢሱ ስለ ዝተመላለሰ እዩ።

ወዲ ሰብ ምዃን ንምንታይ ኣድለየ ኢልናውን ክንሓትት ህርያዊ ክኸዉን ይኽእል እዩ። እቲ ንያት ድማ ኣብ ቃል እግዚኣብሄር ንረኽቦ። ኣብ ታሪኽ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብ እንድሕር ኣብ ባርነት ወይ ነት ኣትዩ ሓራ ንኽወጽእ ሓደ ተበጃዊ ድልዮ። እዚ ተበጃዊ እዚ ድማ ብደም ወይ ብስጋ ዝምድና ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ዘሌ 2525-26 ከምዚ ዝብል ነንብብ ሓዉ እንተተገረ እሞ ካብ ርስቱ ገለ እንተሸጠ እቲ ዚቐርቦ ዘመዱ መጺኡ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ይበ... ኣብ ጥቕሲ 4849 ድማ ሓዉ እንተደኸየ እሞ ርእሱ ... ኣብ ዓሌት ጓና እንተሸጠ ... ሓደ ኣሕዋቱ ይበጀዎ ወይ ... ካብ ዓሌቱ ካብ መድ ስጋኡ ሓደ በጀ ... '' ከምኡ ድማ የሱስ ንዓና ደቂ ሰባት ካብቲ ዝነበርና ማእሰርትን ባርነት ክብጀወና እንተኾይኑ ናይ ግድን ሰብ ክኽዉን ስለ በሮ ንርእሱ ወዲ ሰብ እናበለ ዝጽውዕ ዝነበረ። ኣቐድም ኣቢሉውን ሓደ ንሰባት ዝተዋህበ ቃል ተስፋ ከም ዝነበረ ክንዝንግዕ የብልናን። ማለት ኣዳምን ሄዋንን ብሰይጣን ስሒቶም ሓጢኣት ብምግባሮም ካብቲ ዝነበሮም ክብሪ ድማ ምስ ዝወደ እቲ ዝነበሮም ክብሪ ብሓደ ካብ ዘርኦም ከም ምለስ ቃል ተስፋ ካብ ኣምላኽ ተዋሂብዎም ኔሩ ( 314-15) ነዚ እዩ ከኣ የሱስ ወዲ ሰብ ኮይኑ ዝተጋህደ

ጳዉሎስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝኾነ የሱስ ንምንታይ ወዲ ሰብ ከም ዝኾነ ርህ ከሎ ከምዚ ይብል ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክንሱ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣን። መል ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕ ሰብውን መሰለ ብንብረቱ ከም ሰብ ይኑ ተረኽበ። ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ (ፊሊ 26-8) ደጊሙዉን ንምንታይ ከም ተበጀወና ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ሓራ ምእንቲ ዉጽኣና ንርእሱዉን ንሰናይ ግብሪ ዝቐንእን ገንዘቡ ዝኾኖ ህዝቢ ምእንቲ ንጽህ ኢሉ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ (ቲቶ 214) ስለዚ የሱስ ወዲ ሰብ ኮይኑ ምምጽኡ ንዓይን ንዓኻን ክሕሸና እዩ ኔሩ

መዛዘሚ

ካብዚ ኩሉ ዝር በኣር የሱስ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ገዛ ሓያል ሓያላ ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጐይቶትን ዝኾነ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ጊዜ ከም ጐይታን ኣምላኽን ፍራ ክምለኽ ክኽበርን ይግበኦ። ኣብ ምድሪ ክመጽእ ከሎ ድማ ከምቲ ወዲ ንኣብኡ ዝእዘ የሱስ ከም ወዲ ኣምላኽ ብምዃን ንኣቦ ኣኽበረን ተኣዘዘን። ንዓና ሰባት ድማ ካብ ድኻምና ሓጢኣትና ወድቀትናን ክብጀወና ስለ ዝነበ ስጋ ሰብ ብምልባስ ወዲ ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ተመላለሰ። ነፍሱ ኣብ ክንዳና ብምሕላፍ ድማ ጽዋእ ሞት በጃና ወሰደ ነቶም ሓደ ጊዜ በቲ ንሱ ዝገበሮ ውዕለት መስቀል ኣሚኖም ከም ጐይኦም ኣምላኾም ዝተበልዎ ንኽወስድ ድማ ሓደ ጊዜ ብክብሪ ክገሃድ እዩ። ሎሚ የሱስ መን እዩ ምስ እትባሃል እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧