ትንሣኤ Resurrection

(መዝ 11824)

1. ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን

2. በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን

3. ኣሰሮ ለሰይጣን

4. ኣግኣዞ ለኣዳም

5. ሰላም

6. እምይእዜሰ ይኩን ፍሥሓ ወሰላም።

 

Easter Sunday Abba Awte Woldu, O.Cist.

ትንሣኤ ... ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት ሞትን መሠረት ኃጢኣትን ሞትን ዝኾነ ሰይጣንን ንዝተዓወቶ ዓወት ብዓቢይ ታሕጓስን ኣድንቆትን ምስጋናን ነብዕለሉ ዝዓበየ ናይ ክርስትና በዓል ኢዩ።

ትንሣኤ- ብክርስቶስን ምስ ክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ኦሞት ኣበይ ኣሎ ኃይልኺ እናበልና ብምሥሩት እምነትን፡ ብጭቡጥ ተስፋን፡ ኣብ ልዕሊ ሞትን ምኽንያት ሞትን፡ ንምክሐሉ ዕለትን ተፍጻሜትን ኢዩ።

መሠረት ጽልእን ፍልልይን ዝኾነ ኃጢኣት ተሳዒሩ፡ ሰላምን ዕርቅን ራህዋን ዝተኣወጀልና፡ ካብ ባርነት ኃጢኣት ናብ ናጽነት ውሉድ ኣምላኽ ዝተሳገርናሉ፤ ከምቲ ሕዝበ እስራኤል ንባሕሪ ኤርትራ ተሳጊሮም ናጽነትን ራህዋን ቅሳነትን ዝረኸቡ፡ ብትንሣኤ ክርስቶስ ብዝረከብናዮ ዓወት፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጊርና፡ ዓቢይ ሰላምን ዕርቅን፡ መንፈሳዊ ቅሳነትን ዝረኸብናሉ ኩነት ኢዩ።

 

ዓቢይ ሰላምን ዕርቅን ክኸውን ዝኸአለ-

ሓቂ ኣብ ልዕሊ ሓሶት

ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት

ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት

ጽድቂ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት

ሓዲስ ኣዳም ኣብ ልዕሊ ድያብሎስ ዓወት ስለዘመዝገቡ ኢዩ። (ዮሓ 16 4 ርአ)

 

ዓቢይ ሓጐስ ዝኾነሉ ምክንያት ክርስቶስ ክሳብ ሞት ተአዛዚ ብምዃን፡-

ንምሥጢረ ፍቅሪ ኣምላክ ስለዝገለጸልና

ኃይሊ ፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ስለዝረኣና

ንልቢ ደቂ ሰባት ስለዝለወጠ

ሞት ተሳጊርካ ሕይወት ከምዘሎ ስለዝተረጋገጸልና

ሰማይን ምድርን መላእክትን ደቂ ሰባትን ኣብ ሰማያት ክብሪ ንእግዚኣብሔር ኣብ ምድር ከዓ ንደላይ ደሓን ዘበለ ሰላም ይኹን እናበልና ነመስግን ንሕጐስ።

 

እምነትናን ትንሣኤ ክርስቶስን

ትንሣኤ ክርስቶስ ኣኽሊል ክርስትናን መሠረት እምነትናን ኢዩ። ታሪኽ ሕይወት ክርስቶስ ብሓሰውቲ ምስክራት ተኸሲሱ ብዘስካሕክሕ ሞት መይቱ። ኣብ ብምባል ደምዲሙ እንተዝከውን፣ እምነት ሃይማኖት ክብሪ ኣምላኽ ዝበሃል ነገራት ጽውጽዋይ ኮይኑ ምተረፈ ኔሩ። ብትንሣኤ ክርስቶስ ኢና መለኮታዊ ባህሪ ክርስቶስ ዝተረጋገጸልና።

.. ብርቱዕ ቃሉን ብመስተንክር ዝኾነ ተኣምራታቱን ሰማያውን ምድራውን ሓቅታት ክገልጽ ከሎ፡ ምእማን ንዝኣበዩ፡ ከም መጨረሻን ሰጋእ መጋእ ዘየብልን መረጋገጺ፡ መለኮታዊ ኵነቱ መቃባር ፈንቂሉ፡ ንሞት ሥዒሩ፡ ክትንሥእ ምዃኑ ከም ቈጸራ ይህቦም ነበረ።

1. ነዚ ቤተመቅደስ ማለት ነቲ መኅደር መለኮት ኮይኑ ዘሎ ሰብአዊ ኵነቱ ኣፍርስዎ (=ቅተሉኒ) እሞ ብሠለስተ መዓልቲ ክሓንጾ (=ክትንሥእ) ኢየ፣ (ዮሓ219)

2. ንኣኻትኩም ዝህቦ ምልክት እዚ ጥራሕ ኢዩ ከምቲ ዮናስ ነቢይ፡ ኣብ ከርሢ ኣንበሪ፡ ሠለስተ መዓልቲን ሠለስተ ለይትን ዝገበረ፡ ወዲ ሰብ ከዓ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለየትን ኪገብር ኢዩ። (ማቴ1240) ኢሉ ቈጸራ ትንሣኤኡ ሂቡዎም ነበረ። ሣልስቲ ኣቋጺርዎም ከምቲ ፍቃድ ኣምላኽን ትንቢት ቅዱሳት መጻሕፍቲን ንነፍሱ ምእንቲ ኵልና ብፍቃዱ ከም ኣወፋይን ተወፋይን ከም ሰዋዕን መስዋዕትን ከም ወሃብን ተቀባልን ኮይኑ ተሠወዓልና።

 

ከምቲዝበሎን በቲ ዝተቋጸሮን ድማ፡-

ሕይወት ብርእሱ ድኾነ ክርስቶስ፡ ብዕዳ ኃጢኣት፡ ብሞት ተኣስሩ ክተርፍ ስለዝከኣለ፡ መሬት ኣንቀጥቂጡ፡ መቃብር ፈንቂሉ፣ ተንሥአ። ናይዚ ሓቅነት፡ ኣውራ በቶም ጸላእቱን ቀተልቱን ኢዩ ተዓቂቡን ተመስኪሩን ተኣዊጁን ዝርከብ።

ክርስቶስ ምስ ሞተ፡ መቃብሩ ብዓቢይ እምኒ ተዓጺዩ፡ ብዕጡቃት ወተሃደራት ተሓሊዩ፡ ብማኅተም መንግሥቲ ተዓሺጉ ክሕሎ፡ ሊቃነ ካህናት ብዝሓተትዎ መሠረት፡ ገዛኢ ብዝሃቦ ፍቃድን ትእዛዝን ብጥብቂ ተሓሊዩ ኢዩ።

ንመለኮታዊ ኃይሊ ... ይትረፍዶ እምኒ መቃብርን ኃይሊ ብረትን፡ እቲ ንዅልና ደቂ ኣዳም፡ ኣብ ትሕቲ ግዝአታን ቍጽጽራን ተምብረና ሞትውን ከይተረፈት፡ ክትገዝኦ ስለዘይከኣለት፤ መሬት ፈውሲ ሞት ንዝኾነ ክርስቶስ ውሒጣ ዝነበረት፡ ከምቲ ብትእዛዝ እግዚኣብሔር፡ ዓሣ ንዮናስ ነቢይ ብሕይወቱ ኣብ ስግር ባሕሪ ዝተፍኦ፡ ኣብ ሳልስቲ ስግር ሞት ክትተፍኦ ተረኽበት።

ብትንሣኤ ክርስቶስ

1. መለኮታዊ ርትዒ ኣብ ተግባር ተራኢዩ ምእንቲ ኣምላኽ ንርእሶም ዘትሕቱ ኣምላኽ ክብ ከብሎም ርቱዕ ኢዩ። ንኃያላት ካብ ዙፋኖም ገምጠሎም ንትሑታት ከዓ ክብ ኣበሎም (ሉቃ 152) ኢላ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እኖና እግዚእትነ ማርያም ከምዝዘመረት፡ ክርስቶስ ብፍቅሪ ኣቡኡን ፍቃድ ኣቡኡ ጥራሕ ክፍጽም ብምድላየን ክሳብ ኣብ መስቀል ተንጠልጢልካ ምማት ንርእሱ ኣትሓተ (ፊል 26-11 ርአ) በዚ ኣብ ልዑል ክብሪ ትንሣኤ ክለዓል ርቱዕ ነበረ።

2. እምነትና ጸኒዑ ክርስቶስ፡ ብኃይሊ መለኮቱ ንሞት ሥዒሩ ብምትንሣእ፡ ንኃጢኣትናን ድኻምነትናን ለቢሱ እዃ እንተተሰቅለን እንተሞተን፡ ብኃይሊ መለኮቱ ሕያው ኮይኑ፡ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ኣብ ይነግሥ ኣሎ ሓዋርያ ጳውሎስ ክርስቶስ ዘይትንሥአ እንተኾይኑ ስብከትና ንእምነትናን ከንቱኢዩ /ምኾነ ይብለና። (1ቆሮ.1414) ክርስቶስ፡ ከም ኩሉ ሰቡ፡ ትሕቲ መቃብርን ትሕቲ ግዝአት ሞትን ዝተርፍ እንተዝኸውን፡ ደሙ ምእንታና ምፍሳሱ ዋጋ ኣይምሃለዎን፤ ምኽንያቱ፡ ብዕዳ ኃጢኣት ዝኾነት ሞት ዝእሠር እንተኾይኑ፡ ካብ ሞት ከድኅነና ኣይምኸኣለን። ሥጋኡ ትሕቲ መቃብር እንተዝብስብስ፡ ከመይ ገሩ ንኣና ካብ ምብስባስ ከድኅነና ምኸኣለ? ሎሚ ግን ንትንሣኤ ክርስቶስ ርኢና ብትንሣኤ ሙታን ንአምን።

3. ተስፋ ትንሣኤናኣብ ተግባራዊ ሐቅነትተመርኵሱ ርእስና ዝኾነ ክርስቶስ ስለዝተንሥአ፣ ሰውነቱ ዝኾና ኵልና ከምንትንሥእ ዘየጠራጥር ሓቂ ኢዩ። ድኅሪ ትንሣኤ ክርስቶስ፡ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ከምዘለዎ ብምርግጋጽ፡ ኣብ መጨረሻ፡ ካብ ትሕቲ መሬት ጸዊዑ ከምዘትንሥአናን፡ ንኣኡ ገጽ ንገጽ ከምንርእዮን፡ ብሓቅን ሕይወትን ትንሣኤን ዝኾነ ክርስቶስ ዝተረጋገጸ ተስፋ ኣሎና። (1ቆሮ. 1912) ትንሣኤ ክርስቶስ ርኢና ብርግጽ ከምንትንሥእ ንትስፎ። ኣብ ሓዲሽ ሕይወት ምስኡ ክንንቀሳቀስ ኢና። (ሮሜ. 64)

4. ጕዳይ ድኅነትናኣብ ዕላማኡ በጺሑ ክርስቶስ፡ ሥጋና ዝለበሰን፡ ምእንታና ሓሳረ መከራ ጸጊቡ፡ ኣብ መስቀል፡ ኣብ ማእከል ክልተ ሰረቅቲ ተሰቂሉ ዝሞተን፡ ካብቲ ዝነበርናዮ ናይ መቅጻዕትን፡ ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ኣብ ጸልማት ምንባርን፡ ምእንቲ ከድሕነና ኢሉ ኢዩ። ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ ምእንቲ ጽድቅና ከዓ ተንሥኤ (ሮሜ. 425)

 

ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ንመሃሮ ትምህርትን ንለብሶ ኃይልን

1) ብሰንኪ ኃጢኣትና፡ ብመንፈስ መትና እንትለና፡ ብጣዕሳን ንሥሓን ክንትንሥእ ከምዘሎና ንመሃር። ካብ ግብሪ ጸልማት ዝኮነ ኃጢኣት፡ ናብ ብርሃን ጽድቂ ክንሳገር የስተምህረናን ይሕግዘናን። . ጳውሎስ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር፡ ካብ ምውታትውን ተንሥእ፡ ክርስቶስ ከዓ ከብርሃልካ ኢዩ (ኤፈ.514) እናበለ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ክንሰጋገር ይምዕደና።

ከምኡ .ዮሐንስ ኣብቲ ቀዳማይ ትንሣኤ ዚሳተፉ፡ ብፁዓንን ቅዱሳንን ኢዮም። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ ምስ ክርስቶስውን ክነግሡ ኢዮም። እቲ ካልእይ ሞት ኣብዚኣቶም ሥልጣን የብሉን (ራዕ.206) እናበለ ሎሚ ምስ ዝተንሥአ ክርስቶስ፡ ሕያው ክርስቶሳዊ ናብራ ክነብር የተሓሳስበና።

2) ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ፡ ካብ ኃጢኣትና ቀልጢፍና ክንትንሥእ ከምዝግበኣና ንመሃር። ክርስቶስ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ዝተንሥአ፡ ንሕና ጊዜ ሞተይ የርክበሉ፤ እናበልና ብመንፈስ መትና ከይንነብር፡ ብዝቀልጠፈ ክንትንሥእ፡ ከምዝግበኣና ንከረደአና ቢሉ ኢዩ። ናብ እግዚኣብሔር ንምምላስ አይትደንጕ፡ ሎሚ ጽባሕ እናበልካ እውን ኣይነድኃርኅር........... “(ጥበብኢያሱ ወዲ ሲራኽ57) ብጽኑዕ ሕማም መስተተሓዝና፡ ንድኅነትና ዝኸውን ንምሕሳብ ዕድል የብልናን። ኣብ ሓጢኣትና ብምጽናዕ፡ ካብቲ በረኸት ትንሣኤ ተፈሊና ከይንነብር ንጠንቀቅ።ንነውሕ ዓመታት ካብ ዝገዝአና ጐይታ ብቅልጡፍ ክንላቀቅ ከይጽገመና፡ ካብ ሕጂ ንአምላኽ ንገዛእ።

3) ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ፡ ንመሠረት ሞት ዝኾነ ኃጢኣት ካብ ሕይወትና ኣወጊድና፡ ጽኑዕ ፍቃድ ገርና፡ ምስ ክርስቶስ ሕያው ሕይወት ክንጅምር ከምዝግበኣና ንመሃር። ከምቲ ሞት ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ሥልጣን ዘይብሉ፡ ኃጢኣት ኣብ ሕይወትና ሥልጣን ክህልዎ የብሉን። ከመይ፡ እቲ ካብ ምውታት ዝተንሥኤ ክርስቶስ፡ መሊሱ ከምዘይመውት

ንፈልጥ ኢና፣ ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ሥልጣን የብሉን (ሮሜ69) ቀጺሉ፡ ንኣና ብዝምልክት፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኃጢኣት ከይትገብሩ ከምዝሞትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላክ ሕያዋን ከምዝኾንኩም፡... ርእስኩም ንአምላኽ ወፍዩ እምበር ኣካለትኩም መሣርሒ ክፍአት ኪኸውን ንኃጢኣት ኣይትሃብዎ፡ ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ክኸውን ንአምላኽ ደኣ ወፍይዎ። (ሮሜ6 11-13)

4) ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ፡ ኣብ ሓዲሽን ልዑልን ናብራ ትንሣኤ ኣቲና፡ ካብ ምክንያት መንፈሳዊ ሞትና ዝኾነ ሓራ ምውጻእ ንመሃር። .ጳውሎስ እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ፡ ብኽብሪ ኣቦ ካብ ምውታት ዝተንሥኤ፡ ከምኡ ከዓ ንሕና ንሓዳስ ሕይወት ምእንቲ ክነብር፡ ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቀበርናን ይብል (ሮሜ 64) እዚ ሓዲሽ ሕይወት ንነፍስና ኣሐዲሱ ኣብ ናይ ዘለዓለማዊ ክብሪ ይመርሓና።

 

ኣብ ቅድሚ እዚ ሐቅታት ትንሣኤ ክርስቶስ

- ክርስቶስ ስለዝተንሥአ፡ ኵልና ኣብ ሞቱን ትንሣአኡን ዝተጠመቅና ዘበልና፡ ምስኡ መስቀልና ጸርና ምስኡ እንተሞትና፡ ምስኡ ከምንትንሥእ ርግጸኛታት ኢና።

- ድሕሪ ትንሣአ ክርስቶስ፡ ሕይወትና፡ ኣብ ክርስቶስ ዝተመሥረተ ዓወት ዝተስፋኡ ኮይኑ ክንጐዓዝ፡ ጸዋዕታ ክርስትያናዊ ኵነትና ኢዩ።

- ብሳላ ሞትን ትንሣአን ናይ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሞት፡ ትርጉሙ ቀይሩ፡ ናብ ሕይወት ዝወስድ ኣፍደገ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ንሞት ዘይኮነ ንሓጢኣት፡ ነቲ ንኽርስቶስ ዝኣክል ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ክሳብ ሙማት ዘብጽሐ፡ ከንፈርሕ የድልየና።

- ንትንሣኣ ክርስቶስ ብሓቂ ከነስተማቅር፡ ነቲ ንልብናን ነእምሮናን ዝጸቅጥን ዝደፍንን እምኒ ሓጢኣት፡ ብንሥሓ ኣንኰራሪና ክንትንሥእ የድሊ።

- ዝተሐትመ መቃብር ዘየትርፎ፡ ሐለውቲ መቃብር (ዕጡቃት ወተሃደራት) ዘይቘጻጸርዎ፡ ዝተዓጽወ ማዕጾ ዘይክልክሎን፡ ነዚ ኵሉ ሥዒሩ ሰላም ዘበስር ኣምላኽ ኢና ነምልኽል።

-ሎሚ፡ ነፍስወከፍና፡ ሓጢኣትናን፡ እምቢነትናን፡ ጥልመትናን፡ ኣብ መቃብር ክርስቶስ ቀቢርና፡ ማሕላ ጥምቀት ኣሓዲስና ምስኡ ምትንሣእ ኢዩ ዕላማ ኣበዓዕላናን እምነትናን ኣብዚ ናይ ምርካብና ቀንዲ ምኽንያትን።

- ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ተረኺቡ ኢልና ኽንዝክር ዘይኮነስ፡ ነቲ ዓወት እቲ ናትና ክንገብሮ ኢና ኣብዚ ንርከብ ዘሎና። ኣብዚ ሞት ብትንሣአ ኣብ ዝተዋሕጠሉ መዓልቲ፡ ካብ ሞት ሐጢኣት ክንትንሥእ ንሓጢኣትን ንሞትን ኢድና ከይንህብ፡ ቍርጺ ፍቃድና ነሓድሰሉ መዓልቲ፡ ብሞት ተገዛእቲ ከምዘይኮና ፈሊጥና፡ ኣተሓሳስባናን ተስፋናን ርግጽነትናን፡ ናብቲ ዝተንሥአ ክርስቶስ ጥራሕ ገርና ንካየድ።

- ተስፋና ነሓድስ፡ ደጊም ሞትን ሓጢኣትን ኣብ ልዕለይ ሥልጣን የብሉን፤ ንዝብል ርግጽነት ተዓጢቅና፡ ንክብሪ እግዚኣብሔርን ንድሕነት ነፍስናን፡ ብፍቅርን ብሠናይ ምግባርን፡ ነንሕድሕድና ንምትሕንናጽ ንተዓጠቅ።

- መንነትናን ክብርናን፡ ብሞትን ትንሣአን ናይ ክርስቶስ ተነጺሩልና ኢዩ። ኣምላኽ ዝኣክል፡ ምእንቲ ከድሕነና ክንድ ዝአክል ውርድት ዝተቀበለልናስ፡ ክንደይ ክብርን ዕቤትን ዓዲሉ ዝፈጠረና ፍጡራት ምዃና የረጋግጽ። ክቡር ደም ክርስቶስ ዝዋጋኣ ነፍሲ ዘላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክብርን ሞገስን ዘሎና ፍጡራት ኢና።

ሎሚ መን ምዃና ብዘየገድስ፡ ሳላ ዓወት ክርስቶስ፡ ነቲ ክንኮኖ ዝግብአና ናይ ምዃን ዕድልና፡ ደሙ ኣፍሲሱ ብዘረኸበልና ዓወት፡ ተረጋጊጹ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቅድሜና፡ ዘለዓለማውን፡ ዘይውዳእን፡ ምልኣት ፍቅሪ እግዚኣብሔር ዘንጸባርቅ ጐደና ሕይወት ተዘርጊሑልና ኣሎ።

 

ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን

- ዝተንሥአ ክርስቶስ ሕይወትና ስለዝኾነ

- ሞት ኣብ ልዕሊ ሕይወት ሥልጣን የብሉን

- ጸልማት ኣብ ልዕሊ ብርሃን ግዝአቱ ኣብቂዑ ኢዩሞ ንተሓጐስ ንዘንር ነመስግኖ።

ታሕጓስና ምሉእን ነባርን ክኸውን ግዳ፡ ነቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ክንለብሶ፡ መገዲናን ሐቅናን ሕይወትናን ከምዝኾነ ፈሊጥና፡ ምስኡ ክንጐዓዝ የድሊየና።

ነቲ ትንሣአ ክርስቶስ ዘምጻኣልና ሕይወት፡ ርስትና፡ ሃብትና፡ ምዃኑ ንገንዘብ፤ ብኡ ከዓ ንመራሕ።ርሑስ በዓል ትንሣአ ይግበረልና፡ ኵልና ክርስቶስ ብዘምጽአልና ሰላምን ደሓንን፡ ንምራሕን ንነብርን ይግበረና። ኣብ መወዳእታ ጕዕዞና ድማ ብርሃን ትንሣአ ለቢስና ተሳተፍቲ ክብሩ ይግበረና። ኣሜን።

ትንሣኤከ ለእለ ኣመንነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ።

ርሑስበዓልፋሲካይግበረልና።