ዓቢይ ጾም Lent

መባእታ

ዓቢይ ጾም ካብቲ ኣብ ሃገርና ዚዝውተር 7 ኣጽዋማት፤ ማለት፦

1. ጾመ ነቢያት
2.
ጾመ ገሃድ
3.
ጾመ ነነዌ
4.
ዓቢይ ጾም (ኅርቃል፤ ጾመ ዓርብዓ፤ ሕማማት)

5. ጾመ ሓዋርያት
6.
ጾመ ፍልሰታ
7.
ጾመ ዓርበ-ሮቡዕ

ሓደ ኰይኑ፤ ቅድስት ቤተክርስትያን ንኣሠር እቲ ምእንቲ ድሕነትና ጾምን ጸሎትን፡ ሥቃይን መከራን፤ ስቅለትን ሞትን፡ ኣሕሊፉ ኣብ ዓወት ትንሣአን፡ ምሕረትን ድሕነትን ዘብጸሐና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸቲላ ነቲ ንሱ ብክንገር ዘይካኣል ጻዕሪ ዝረኸበልና መሰል ናጽነት ደቂ ኣምላኽ፡ ናትና ክንገብሮን ናቱ ኪገብረና ንዝመጸ ኣምላኽ ናቱ ኰና ክንርከብን ስጋና፡ ታቦት ኣምላኽ ኮይኑ ንኽርከብ፤ ብጾምን ብጸሎትን ከነሰናድዎ፡ ንነፍስና ከዓ ካብ ኣምላኽናን መድኃኒናን ካብ ዝፈልየና ዘበለ ርሒቅና ምስ ኣምላኽና፡ ምስ ሓውና፡ ምስ ብጻይና ዕርቅን ሰላምን ገርና ሕይወትና ኣብ ቀጻሊ ሰላምን ድሕነትን ጽድቅን ኣሰጋጊርና ክነብር ቢላ ንደቃ እትሰርዖ ሕሩይ ግዜ ተሓድሶ መንፈስ ኢዩ። ዓቢይ ጾም ሾመንተ ሰናብቲ ዘጠቃልል 55 መዓልታት ጾምን ጸሎትን ስግደትን ኣሰተንትኖን ሠናይ ተግባራትን ብፍሉይ ኣገባብ እነዘውትረሉ ጊዜ ንሥሓን ጊዜ ኣብ ፈቃርን መሓርን ዕጉስን ኣምላኽና ንምለሰሉ እዋንን ኢዩ። ሰንበት ዘዘውረደ

መዝሙር፡- ተቀነዩ ለእጊኣብሔር በፍርሃት ወተሐሰዩ ሎቱ በረዐድ:

ተደጋጋሚ፡- እስመ ለዐለም ምሕረቱ ለትውልደ ትውልድ ጽድቁ ንሕነሰ ሕዝቡ።

ባኡ ቅድሜሁ በተጋንዮ ወውስተ አዕፃዲሁ በስብሐት እመንዎ። እስመ ለዐለም ....።

ንጹም ፆመ ወናፈቅር ቢጸነ ወንትፋቀር በበይናቲነ፡ እስመ...

አክብሩ ሰንበተ ተፈበሩ ጽድቀ እስመ ሰንበትሰ በእተ ሰብእ ተፈጥረት፡ እስመ ...።

ምሕረተ ወፍትሐ አኀሊ ለከ፡ እዜምር ወእሌብይ ፍኖተ ንጹሐ ለዐለም ምሕረቱ፡ ለትውልደ ትውልድ ጽድቁ፡ንሕነሰ ሕዝቡ ኣጋብዐ መርዔቱ።

አራራይ፡- መሐረነ ንጉሠ ስብሐት፡ ተሰሀለነ ኣግዚኦ ለሰንበት ወኣቡሃ ለምሕረት፡ አሀበነ ጾመ ለንስሐ በዘይሠረይ ኀጢአት።

ዕዝል፡- አልጸቀ ሳውል ሀገረ ደማስቆ ግብተ በረቀ መብረቅ ዲቤሁ እምሰማይ፡ ወይቤሎ ሳውል እኁየ ተፈኖኩ ኀቤከ እንግርከ ወእዜኑከ ንዋየ ኅሩየ ረሰይኩከ፡ ከመ ትጹር ስምየ በውስተ አሕዛብ በሎ ይቤለኒ፡ ዝኩአ ዘትካት ይሰደድ ይእዜ ይሜህር ሃይማኖተ በከመ ይቤ በወንጌል፡ ወካልአተኒ አህጉረ ሀለወከ ትዜኑ ውእቱ ዜነዎ ለጳውሎስ እንዘ ይብል፡ ናግርር ርእሰነ ለጽድቅ፡ ኢንሑር ብትምይንት ወኢንትመየኖ ለቃለ እግዚአብሔር፡ ንክብር ሰንበቶ በጽድቅ።

ሰላም፤ ይቤ እግዚአብሔር አክብሩ ሰንበትየ ወዕቀቡ ቃለ ሰላምየ ትርከቡ ሕይወተ ዘለዓለም።
መዝሙር፡
- ምሕረኡ ንዘለዓለም፡ ለውሃቱ እውን ንዉሉድ ወለዶ ኢዩ፡ ንሕና ከኣ ሕዝቡ ኢና እሞ፡ ብፍርሓትን ብራዕድን ንእግዚኣብሔር ነገልግሎ። ብኣኡ ድማ ባህ ይበለና። ኣብ ቅድሜኡ ብምስጋና ንቕረብ፡ ኣብ ኣድባራቱ ከዓ ብውዳሴ ንለምኖ። ጾም ንጹም፡ ንብጾትና ነፍቅር፡ ነንሕድሕድና'ውን ንፋቀር። ሰንበትስ ምእንቲ ሰብ ኢያ ተፈጢራ እሞ ሰንበት ነኽብር። ንጽድቂ ንጽዓር። ንጹሕ መንገዲ ኣስተውዒልና ንምሕረቱን ፍትሑን ነመስግንን ንውድስን ኣሎና። ምሕረቱ ንዘለዓለም፡ ለውሃቱ'ስን ንውሉድ ወለዶ ኢዩ። ንሕና መዓ ንዘልዓለም ሕዝቡን ኣባጊዕ መጓሰኡን ኢና።

ኣራራይ፡- ኦንጉሠ ስብሓት መሓረና፡ ጐይታ ሰንበትን ኣቦኣ ንምሕረትን ዝኾንካ ተዓረቐና፡ ሓጢኣት ዚድምስስ ጾም ንስሓ ግበረልና።

ዕዝል፡ - ኣብ መንገዱ ንደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ እሞ፡ "ሳውል፡ ኃወይ፡ ስመይ ናብ ኣሕዛብ ንከተብጽሕ ምሩጽ ኣቕሓ ንክትኮነኒ ከምዝተመረጽካ ክነግረካን ከበሥረካን ተላኢኸ ኣሎኹ፡" በሎ በለኒ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዚብሎ "እቲ ቅድም ዜሳድደና ዝነበረ ሕጂ ሃይማኖት ይምህር ኣሎ" እትሰብኮ ካልእ ዓድታት ኣሎካ። ርእስና ንጽድቂ ነትሕት፡ ሰንበት ደኣ ነኽብር እምበር ብተንኰል ኣይንመላለስን፡ ንቃል አምላኽ ድማ ኣይንጋገ።

ሰላም፡ - "ሰንበተይ ኣኽብሩለይ፡ ቃል ሰላመይ ድማ ሓልዉ ደኣ ሓልዉ እምበር ዘለዓለማዊ ሕይወት ክትረኽቡ ኢኻትኩም" ይብል እግዚአብሔር።

 

Hymn:- Serve the Lord with fear; with trembling bow down in homage.

Response: for his mercy lasts for all eternity and his mercy is his holiness.

We are his people. Enter his presence with songs and his courts with joy. Trust him. R/Lets observe a fast and love our neighbour and love one another. R. Honour the Sabbath, Ezl - On his journey as he was nearing Damascus a light from the sky suddenly flashed around him saying to him: Saul, my brother, I have been sent to you to let you know and announce to you that I have made of you a chosen vessel to bring my name to the gentiles." The one who used to persecute us now is preaching the faith, as it is written in the gospel: "There are other places where you will be preaching." He told Paul: "Let us bow our head for holiness, let us not act deceitfully or falsifying the word of God, let us honour his Sabbath with justice. Selam - God says: "Observe my Sabbath, and keep my word of peace, and you will find life everlasting."

 

ቅዱስ ያረድ ነዚ እዋን እዚ ዝኸውን ጸሎታት ኪደርስ ከሎ ምስ ብሉይ ኪዳንን ምስ ሓዲስ ኪዳንን ኣገናዚቡ ብሓቂ ንጹር ዝኾነ ትምህርትን ጸሎትን ኣስተንትኖን ሰሪዑ ገደፈልና። ንነፍስ ወከፍ ሰንበት ፍሉይ ሽምን ትርጕምን ብምሃብ ከዓ ዓሚቚ ትርጕም ዝሓዘለ መዛሙር ሰሪዑ ይርከብ።

 

1ይቲ ሰንበት፡ ናይዚ ዘመን’ዚ ዘኅርቃል ወይ ከዓ ዘወረደ ተባሂላ ትጽዋዕ።

ዘሕርቃል ዝተባህትሉ ምኽንያት ንጽባሒቱ ጾመ ኅርቃል ስለዝኣቱ ኢዩ። ኅርቃል (Emperor Heraklius) ዝተባህለ ናይ ቢዛንታይን ንጉሥ፡ ብዘመነ መንግሥቱ፡ ናይ ሃገረ ፋርስ ሓያላን ነገሥታት ንኢየሩሳሌም ወሪሮም፡ ነቲ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቅለሉ መስቀል ከይተረፈ ወሲዶሞ ስለዝነበሩ። ንጉሥ ሕርቃል፡ ንእግዚኣብሔር ጸግዑን ዋልታኡን ብምግባር፡ ኣንጻር ነገሥታት ፋርስ ተዋጊኡ፡ ንመስቀል ካብ ኢድ ነገሥታት ፋርስ መንዚዑ ንኢየሩሳሌም ስለዘምለሰ፡ ሕዝቢ ተሓጕሱ ብሕርቃል ጌሩ ድንቅ ዝኾነ ነገር ንዝፈጸመ ኣምላኽ ንምምስጋንን፤ ምኽንያትን መጋበርን ናይዚ ዓወት’ዚ ንዝኾኑን ንጉሥ ሕርቃል መዘከርታ ጾመ ሕርቃል ተባሕሉ ተሠርዐ።
ብኣሠያይማ
ቅዱስ ያረድ ግን ሰንበት ዘወረደ ተባሂላ ትጽዋዕ። ምኽንያቱ ድማ፡ በዛ ሰንበት ክርስቶስ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ወሪዱ ምእንታና ሥጋ ምልባሱን ምስቃዩን ምማቱን ክነስተንትን ንጽዋዕ ስለዘሎና ኢዩ።
መዝሙር
ናይዛ ሰንበት እዚኣ “ንእግዚኣብሔር ብፍርሐት ኣገልግሉ” ብምባል ቀዳማይ ጥበብ ብዝኾነት ብፍርሓት እግዚኣብሔር ተመሪሕና ብተጋድሎን ብንሥሓን ናብ ኣምላኽና ክንምለስ የስተምህረናን ተሓሳስበናን። ፈሪሃ እግዚኣብሔር ማለት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብቅንዕና ምምልላስ ማለት ኢዩ። እዚ ዝፍጸም ከዓ ሓሳብናን ቃልናን ግብርናን ብፍቅሪ እግዚኣብሔር ኪግዛእን ኪምራሕን ከሎ ኢዩ’ሞ፤ ናይ ኵሉ ሕጊ ፍጻሜ ብዝኾነት፡ ብፍቅሪ ኣምላኽናን ብፍቅሪ ብጻይናን ብዝርኢ ንዘሎና ጕድልነት ኵሉ በዚ ሕሩይ ጊዜ ተሓድሶን ጊዜ ንስሓን ኣብ ሓቁን ቁምነገሩን ንምለሶ። ንባባት ሰንበት ዘወረደን መንፈሱን መልእኽቱን፡ 1 ነባብ: - ዕብራውያን 13፡7-17

 

ብኣባ ዓውተ ወልዱ ማ.ሲቶ (የካቲት 27 - ሚያዝያ 22፡ 2006)

... ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ንሱ ኢዩ። በብዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ። በቲ ነቶም ዝሰዓብዎ ሓንቲ ዘይጠቀሞም ናይ መብልዕ ሥርዓት ዘይኮነ፤ ልብኹም ብፀጋ እንተ ጸንዐ ሠናይ ኢዩ።
ሓድነት ፍቅሪ ኣመላኽ ኣብ መንጎ ኣገልገልትን ተገልገልትን ኬንጸባርቕ፡ ክርስቶስ ከዓ ከምቲ ትማሊ ሎሚ፤ ከምዚ ሎሚ ድማ ንዘለዓለም ሓቅናን መገድናን ሕይወትናን ኮይኑ ንዘለዓለም ዚነብር ስለዝኾነ፡ እቲ ዝመሃረና ትምህርቱ’ውን ብጊዜ ዘይለዋወጥ ዘለዓለማዊ ሐቂ ብምዃኑ ሓዲስ ትምህርቲ ዘይኮነስ፡ ብሓዲስ መንፈስ ነዚ ሓቂ’ዚ ናትና ገርናዮ ክንርከብ የስተምህረና። ነዚ ኸዓ ኢና መሪሕ ምሕዳስ መንፈስና ገርና ክንካየድ ዘሎና በዚ እዋን ተሓድሶ-መንፈስ ኢላ ቅድስት ቤተከርስትያን ሠሪዓትልና ዘላ ጊዜ።

2 ንባብ፡ - ያዕቆብ 4፡6 - ፍጻሜ

ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም ንትሑታት ድማ ፀጋ ይህቦም… እምባኣርሲ ንኣምላኽ ብፍርሓት ተገዝእዎ፤ንድያብሎስ ተጻረርዎ ንሱ ኸዓ ካባኻትኩም ኪሃድም ኢዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፤ ንሱ ድማ ኪቀርበኩም ኢዩ።…

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትሕት በሉ፤ እናበለ ናይ ጥፍኣት መገዲ ንዝኾነ ትዕቢት ደርቢና ትሕትና ከነጥሪ ይምዕደና፤ ከመይ ኣምላኽ ንጸጋታቱ ነትሑታት ጥራሕ ኢዩ ዝህብ ከምኡ ድማ በቲ ዝተገብረልና ናይ ድሕነት ዕድመ መሠረት ናብ ኣምላኽ እንተቀረብና ኣምላኽ ድማ ኣባና ኪመጽዕን ማሕደሩ ኪገብረናን ኢዩ።
ቀጺሉ
ብፍቅሪ ሓድሐድ፤ ነነድሕድና ናይ ሠናይ ተግባር መጋበሪ ክንከውን እምበር ብምንቅቃፍ ነታ ናይ ኵሉ ሕግን ጽድቅን ኣኽሊል ዝኾነትት ፍቅሪ ከይነጕድል ይምዕደና።

ኣብ መወዳኢታ ክፋሉ ድማ ሰብ ናተይ ዚብሎ ካብ ኣምላኹ ዘይተቀበሎ ነገር ስለዘይብሉ ብትሕትና ንኣመላኽ ከመስግንን ፍቃድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ ኣብ ምድሪ ኵላን ኣብ ሕይወት ነፍስ ወከፍናን ኪፍጸም ኪምህለልን ኪጽዕርን ከምዝግባእ የስተምህረና።

3 ንባብ፡ -ግብሪ ሓዋርያት 25፡13- ፍጻሜ ከም ሓዋርያ ጰውሎስ ምእንቲ ክርስቶስ ክስን ማእሰርትን መከራን ሓሳርን ምቅባል ዕጫ ኵልና ተኸተልቲ ክርስቶስ ምዃኑን፤ ኣምላኽ ነቶም መሰኻኽሩ ኮይኖም ንዝቆሙ ባዕሉ ትብዓትን ቃልን ከምዝህቦምን ዘዘኻኽር ኮይኑ ንነፍስወከፍና ሕያው መሰኻኽር ክርስቶስ ኰና ክንርከብ ከምዝግበኣና የዘኻኽረና።ካብ ንሰብ ንእምላኽ ክንፈርህን ከነገልግልን ንሕይወትና ምእንታኡ ከነሕልፍን ጸዋዕታ ክርስትናና ኢዩ።

4 ንባብ፡-

ካብ ወንጌል ዮሓንስ 3፡10–25 ድሕነትና ምእንቲ ኪፍጸመልና

ሀ. ብወገን እግዚአብሔር-ኣብ ወሰን ዘየብሉ ፍቅሪ (16)

ለ. ብወገን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥቃይን፡ መከራን፡ ስቅለትን፡ መሥዋዕትነትን፡ ክሳብ ሞት ታኣዛዚ ኰንካ ምርካብን፡ ኣድሊዩ (14-15) ብወገና ድማ፦

ሐ. ሰጋእ ዘይብል እምነት፤ (18)

መ. ኣብ ግብሪ ዝትርጐም ሕያው እምነት የድሊ። (19-21) ንፍቅሪ / ፈሪሃ-እግዚኣብሔርን ሥቃይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነት ተቐቢልና ኣብ ግብሪ ንምውዓል ነዚ ሕሩይ ዘመን ንተሓሓዞ ኣሎና።

ፍቅሪ እግዘኣብሔር ኢዩ ንድሕነትናን ንመሥዋዕትነት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተግባራዊ ዝገብሮ።ስለዘፍቀረና ኢዩ ምእንቲ ድሕነትና ኪብል ንሓደ ወዱ በጃና ኪኸውን ኣሕሊፉ ዝሃቦ። ነዚ ፍቅሪ እዚ ተቀቢልና ክንክእልን መስዋዕትነት መ.ኢ.ክ ከዓ ኣብ ቁምነገሩ ኪበጽሕ፡ ማለት ነፍስወከፍና ድሒናን ተቀዲስናን ክንርከብ፡ በታ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት መዘምር ገሩ “ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ መጀመርታ ጥበብ ኢያ” (መዝ. 111፡ 10) ቢሉ ዘስተምህረና፤ ብፈሪሃ እግኣብሔር ክንካያድ የድልየና። ፈሪሃ-እግዚኣብሔር ንክርስትያን ካብ ኣምላኽን ቃል ኣምላኽን ዝተኣዘዘ፡ ብመንፈስ ውሉድነት ዝተሰነየ ኣኽብሮን ተኣዝዞን ዝሓትት መንፈሳዊ ተግባር ኢዩ።ብሓልዮት ኣምላኽን፡ ብፍቅሪ ኣምላኽን፡ ብምሕረት ኣምላኽን እናተደነቅካ፡ ከም መስዋዕቲ ምስጋና ዝቀርብ ውዳሴን ኣምልኾን ኣኽብሮን ከዓ ኢዩ ተግባራዊ ዝገብሮ። እምበኣርከስ ኣብዛ ቀዳመይቲ ሰሙን ጾመ ኣርብዓን ዝተረፈ መዋዕል ሕይወትናን ውራይ ድኅነትና ስለዝኾነ ብዓቢይ ተገዳስነት፦

ሀ. ኣብ ቅደሚ ኣምላኽ ብፍርሓት/ብፍቅሪ ክንመላለስ

ለ. ንግሥተ መንፈሳውያን ሓይላት ንዝኾነት ትሕትና ዋና ረቛሒት መንፈሳዊ ሕይወትና ገርና ክንካየድ፤

ሐ. እምነትና ብጊዜን ብኵነታትን ዘይለዋወጥ ኣብቲ ሓቂ ብርእሱ ዝኾን ክርስቶስ ዝተመስረተ ብምዃኑ ንእምነትና ንፍለጦን ካብ ብለን ዓይንና ንላዕሊ ገርና ንሓልዎን፡

ሠ. ክብርናን ሞገስናን ካብኡን ብኣኡን ስለዝኾነ፡ ኃይሊ ክርስቶስ ምሳና ክሳብ ዘሎ ካብ ክርስቶስ ዝኽእልየና ዝኽእል ኃይሊ ከምዘየሎ ተገንዚብና ብሞት ኮነ ብሕይወት ምስኡ ክንርከብ ንትጋህ፡

ረ.ንኽብሪ ግዚኣብሔር ዝተፈጠርና ክቡራት ፍጥረት ስለዝኾና፡ ነዚ ክብሪ’ዚ ብዘንጸባርቅ መገዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ንመላለስ፡

በ. መሥዋዕትነት ክርስቶስ ኣብ ሕይወተይ ግቡእ ፍሬኡ ኪፈሪ ለይቲ ምስ መዓልቲ ንጽዓር፡

ተ. ንዝሓለፈ ሕይወትና መርሚርና ንኽበሪ እግዚኣብሔርን ንጽድቅናን ዘይበቅዕ ወገኑ ብንሥሓ ገርና ነሓድሶ፡

አ. ቍርጺ ፍቓድና ኣሓዲስና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ምስ ዝተሳገሪ ክርስቶስ ካብ ሞት ሓጢኣት ናብ ትሕድስቲ ሕይወት ተሳጊርና ቅዱስ ፋሲካ ንምብዓል ንሰናዶ።

ወላዲተ ኣምላኽ እግዝእትነ ማርያም ረዳኢትናን ኣማላዲትናን በዚ ቅዱስ ጊዜ እዚ ተሰንየና። ኣሜን።