Zelalem Mihretaab ምድሪ ፑንቲ
Zelalem Mihretaab ምድሪ ፑንቲ

Date: 08/01/2012

(ግጥሚ)

ምድሪ ፑንቲ
ናይ ሎሚ ኤሪትራ ምድረ ፑንት ናይ ጥንቲ
ማእለያ ዘይነበሮ ባህርያዊ ሃብቲ
ጽዑቓት ኣግራብ ኣናብስ ኣናብርቲ
ብሰማያት ኣዕዋፍ ብምድሪ ለመምቲ
ክቡራት ኣእማን ብሩር ምስ ኣውርቕቲ
ስኒ ሕርማዝ ኩሕሊ ክቡራት ዕንጨይቲ
ሉላት ናይ ባሕሪ በብዓይነቶም ኣዕኑቕቲ
ምጋየሺት ፎርዖናት ገነት ለምለም ሰቲ

ምስ ጥንታዊ ኣዱሊስ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ
ናይ ስልጣኔ ሕመረት ማእከላይ ጓህሪ
ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ንግዲ መዋፈሪ
ካብ ህንዲ ቀመማት መግቢ መመቀሪ
ካብ ጪና ካይላታት ዓለባታት ሃሪ
ካብ ፋርስ ምንጻፋት በብዓይነቱ ሕብሪ
ካብ ግሪኽ መጻሕፍቲ ናይ ስልጣኔ ቦኽሪ
ካብ ሮማ ህንደሳ ብዝማዕበሉ ቁጽሪ
ጥንቲ ምድረፑንት ስልጡን ምድሪ ባሕሪ

ሰላም ድሕሪ ምንባር ንዘመናት ነዋሕቲ
ብራህዋ ቅሳነት ብንግዲ ብምህርቲ
ዘስፋሕፍሕ ነበረ ናይ ቱርኪ መግዛእቲ
ካብ ዘንበቦ ታሪኻት ካብ ቀዳሞት መጻሕፍቲ
ትዝ ኢሉ ተዘከሮ ሃብቲ ምድሪ ቱንቲ
ወራር ኣካየደ ንኽዘምት ሃብቲ
ምዕራፍ ተገንጸለ ቀዳማይ መግዛእቲ
እንተኾነ ሳላ ተባዓት ተቓለስቲ
ተሕጺሩ ተረፈ ኣብቲ ገማግምቲ

ዘልኣለም