Monday 10, December 2012, by Viviana Amanuel ዘይምሰጡ ዝምስጣ
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዝተፈላለየ፣ ንኹነታት ዝገልጹ ዛንታታት ኣለዉ። ኣፈ ታሪኽ ብሙዃኖም ምስ ምንዋሕ ግዜ፣ ካብ ናብ ክሰጋገሩ
ኪሸራረፉ፣ ይኽእሉ ምስ ሙዃኖም፣ ዓቢ ጸገም እዩ። ክንዲ ዝኾነ እዚ ትሕት ኢሉ ዝግለጽ ዛንታ ወይ ታሪኽ ወን፣ ኣፈ ታሪኽ ምስ ምዃኑ፣ (ኣብ ሰዓቱ ስለዘይተሰነደ፣ ሃጋፍ ኪህልዎ ስለዝኽእሉ ከም ሓደ ውዱእ) ዕለቱን ወርሑን ዓመቱ ኪግለጽ ኣጸጋሚ’ዩ።
ኣብ ኣከለ ጉዛይ ዝፍለጥ ከባቢ ስፍሕ ዝበለ ኣንጻር ግብሪ ዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ምንቕስቓስ ኔሩ። ብዛዕባ’ዚ ኣገዳሲ ዝመስል ምንቕስቓስ /ተቓውሞ’ዚ ምሉእ ሓበሬታ ኣይረኽበ ደኣ’ምበር፣ ጨራም’ሲ ኣሎ። ካብ ትም ምባል፣ ምባል፣ ኢልካ ድማ ነቲ ጭርምራም ክለቓቕቡ ዓቕሚ ዘለዎ ንከስፍሕዎን ከረጋግጽዎን ባይታ
ስለዘጣጥሕ’ ከም ጽቡቕ ኪግለጽ ይከኣል።
እቲ ፍጻመ ድሕሪ ኣብያ ደግያት ባህታ ‘ዩ ኔሩ ። ኢጣልያውያን ነቲ ህዝቢ፣ ኣብ ዓዓመት “ብዕራይ ከዋጽእ ስለዝጠለቡ፣ ህዝቢ ንክመክር ፈለማ ኣብ “ማይ ምሕማስ ዝተባህለ ሩባ ኣብ ወረዳ መጽሐ፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ ቀንጠጠፈ ዝብሃል ዓዲ ወረዳ ዘርኢ-ሰናይ ተኣከበ። ድሕሪ’ዚ ኣኼባ’ዚ ነቲ ጠለብ ንምቕዋም ሰብ ኡት ዘበሉ ተኣኻኺቦም መረብ ሰጊሮም ንከለሊዕ ከዱ። ስለዚ ኣንጻር ኣብዑር ከም ግብሪ ምኽፋል ዝተገብረ ተቓውሞ ስለዝኾነ ኸኣ “ኹራ ብዕራይ” ተባሂሉ ይግለጽ። ኣብ መወዳእታ ግን ኢጣልያውያን፣ ብሽማግለታት፣ ከም ዝምለሱ ገበርዎም ይብሃል።