ኣጸደ መስፍን (ኤም ሲስተርስ)

Monday 12, November 2012, posted by Yohannes Zewde,

ኣጸደ መስፍን (ኤም ሲስተርስ)

ምንጪ: ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ መን ክብል? ብ ገብሩ ክብርኣብ

ምሉእ ስም፡- ኣጸደ መስፍን ተኽላይ

ዝተወልደትሉ ዓመት፡- 1964

መበቈል ዓዲ፡- ቁስሞ ዶንጎሎ (ዞባ ደቡብ)

ሞያ፡- ድምጻዊት፡ ጸሓፊት፡ ሙዚቀኛ፡ ተዋሳኢት

ኣጸደ መስፍን ተኽላይ ካብ ኣቦኣ መስፍን ተኽላይ፡ ኣደኣ ታበቱ ገረዝጊሄር 1964 ኣብ ቁስሞ ዶንጐሎ ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተወሊዳ። ኣብ ፈለማ ናይ ህጻንነት ዕድመኣ ንጥፍትን በላሕን ምዃና ክትልለ ግዜ ኣይወሰደትን። ገና እግሪ ተኽሊ ከላ

ካብ ደረጃ ዕድመኣ ዝሰጐመ ዕዮታት ትፍትን ነይራ። ብልሓን ተገዳስነታን ዝረኣዩ ወለዳ ድማ ብኣጋኡ ናብ ቤት ትምህርቲ ለኣኽዋ። እታ ህርፋን ትምህርቲ ዝነበራ ኣጸደ ድማ ናይ መባእታ ኣካዳምያዊ ትምህርታ ክትጅምር እንከላ ኣብ ውሽጣ ዝሰራሰር ሓጐስ ነበራ።

ኣብቲ እዋን ምጭውትን ፍትውትን ቈልዓ ዝነበረት ኣጸደ፡ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርታ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረላ በላሕ ኰነት። ንመማህርታ ጸብልል ትብሎም ስለዝነበረትውን ብመምሃራና ፍሉይ ክንክን ይግበረላ ነበረ። ኣብ ዝኾነት ትኹን ክፍሊ ብልጫ እናወሰደት ድማ መባእታ ኣካዳምያዊ ትምህርታ ዛዘመቶ።

እዋኑ 1977’ዩ፡ ኣጸደ ምስተን ደቂ ጐደቦኣ መቑርሳ ክትላዘብ ቀንያ። ኣብቲ እዋን ኣጸደ ዕድመ ኩትትና ረጊጻ ነበረት። ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብዙሕ ባህ ዘብል ሓቅታት ይንገር ብምንባሩ፡ ኣጸደን እተን ካልኦት መቑርሳን ንሜዳ ክወጻ ሰማይ ዝደረቱ ሃረርታ ነበረን። ሓደ ንግሆ ኣብቲ እዋን ንኣጸደ መማህርታ ዝነበረት ከምኣ ጎርዞ፡ ናብ እንዳ ኣጸደ መጸት ምስ ኣጸደ ሕቱኽቱኽ ክብላ ጀመራ። ሽዑ መዓልቲ ድማ ተተሓሒዘን ንሜዳ ወረዳ።

ፍጥር ክትብል ካብ እግራ ዘይተፈልየት ምንኣስ ሓብታ ክብራ መስፍን፡ኣጸደ ምስታ መማህርታ ሕቱኽቱኽ ክብላ እንከለዋ ብጉንዲ ማዕጾ ኮይነ ትጸናጸነን ነበረት። በቃ ንውጻእ - ንኺድ ክበሃሃላ እውን ሰሚዓተን። ብድሕሪኡ ኣይጸንሓን ወጺአን። ናበይ ምዃነን ትፈልጦ ኣይነበራን። ግዳ ኣጸደ ሓብታ ዘይብሉ ገዛና እንታይ ክነብረሉ ብምባል ደድሕሪአን ነቒላ - ናብቲ ትርጉሙውን ብዙሕ ዘይርደኣ ዝነበረ ሜዳ!

ኣጸደ መስፍን ንሜዳ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ምስ ወረደት ግቡእ ወተሃደራዊ ታዕሊም ድሕሪ ምውሳድ ናብ ማሕበራዊ ጉዳይ ተመደበት። ኣብ ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታት ዓየየት። ክሳብ ብደረጃ መራሒት መስርዕ ኮይና ዘገልገለትሉ እዋንውን ነይሩ። ብዘይካ ተጋዳሊት ኣጸደ ኣብ ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ባና ሓርነት ተባሂለን ይፍለጣ ንዝነበራ ጉጅለ ኣብ ምእላይን ምምራሕን ነጢፋያ። ዝበዝሐ ግዜኣ ንጉጅለ ባና ሓርነት ኣብ ባህላዊ መዳይ ኣብ ምሕግዝ ተሕልፎ ነይራ። ኣብቲ እዋን ዝደረሰቶ ግጥምታትን ዜማታትን ጽቡቕ ግብረመልሲ ምስ ረኸበ ድማ ኣብ ስነጥበብ ንዝነበራ ተውህቦ ግርም ገይራ ዘለለየቶ። ተጋዳሊት ኣጸደ መስፍን ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ሰሪሓ። ከም ሻድሻይ ወራር ኣብ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ውግኣት ድማ ተሳቲፋ። ናጽነት ምስ ኮነ ምስታ ደድሕሪኣ ንሜዳ ዝወጸት ሓብታ ተጋዳሊት ክብራ መስፍን ብምዃን ብሓባር ክሰርሓ መደባ - ክልተአን ካብ ሜዳ ዘምጸእኦ ክእለት ሒዘን። ኣብቲ ግዜ ተጋዳሊት ኣጸደ መስፍን ድምጻዊት፡ ሙዚቀኛን ደራሲትን ክትከውን በቒዓ ነበረት። ተጋዳሊት ክብራ መስፍንውን ኣብ ሰዉራ ናይ ምድራፍ ክእለትን ወኒን ኣማዕቢላ ነይራ።

ኣብ እዋን ናጽነት ኣጸደን ክብራን በየናይ ኣንፈት ተጓዒዘን ህይወተን ከም ዝመርሓ ንግዜኡ ግር ኢልወን ነይሩ። ምኽንያቱ ኣባል ጉጅለ ባህሊ ዝነበረ ይጣየስ ብምንባሩ፡ እንተኾነ ምስ ተጣየሳ ኣጸደ ሓደ ሓሳብ ብልጭ በላ - ደርፍታት ኣኻኺብካ ካሴት ምስራሕ።

ለይትን ቀትሪን ዓይየን ድማ ፈጸማኣ። ምእንታኺ ብዝብል ኣርእስቲ ከሕትማ ምስ በላ ግን ጉዳይ ስም ሒደት ኣዛረበ። መፍለዪ ክኾነን ዝኽእል ስም ክመርጻ ንገለ እዋን ምስ ተላዘባ ኸኣ። ኤም ሲስተርስ ትብል ስም ሰዓረት። ሲስተርስ ሓደ ካብቲ ሽዑ ክጽወዓሉ ዝሓሰባኦ ስም ነይሩ። ምእንታኺ ትብል ዘሕተምኣ ኣልቡም ካብ ሰማዕቲ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኸበት። ነቲ ዝድለ ዝነበረ ኣንፈትውን መገዲ ጸረገትለን።

ንሓንቲ ህሞትውን እንተኾነ ሓርኮትኮት ምባል ዘይትገድፍ ስነጥበበኛ ኣጸደ መስፍን፡ ድሕሪታ ምስ ሓብታ ሓቢራ ዝዓየየታ ቀዳመይቲ ናይ ደርፊ ካሴት ንነዊሕ እዋን ዓቚራቶ ዝነበረት ዛንታታት ኣብ ሓደ ኣኻኺባ ኣዳለወቶ። ነታ እኽብካብ ጽሑፋት ዝሓዘለት ጥማር ድማ ብመልክዕ መጽሓፍ ኣዳለወታ። ምስ ናፍቖተይ ዝብል ኣርእስቲ ተዋሂብዋ ድማ ንሕትመት በቕዐት። ከም ደራሲት ድማ ቀዳማይቲ መጽሓፋ ኰነት። እታ ኣብ 1996 ዝተሓትመት ምስ ናፍቖተይ ዘርእስታ መጽሓፍ ስነጥበበኛ ኣጸደ መስፍን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝጸሓፈተን ሓሙሽተ ሓጸርቲ ዛንታታት ዘካተተት ነበረት።

ስነጥበበኛ ኣጸደ መስፍን ኣብ ዓንኬል ድራማውን ሰናፍ ኣይነበረትን። ርግጸኛ ኣይኮንኩን ኣብ ትብል ድራማ ከም ኣደ፡ የፐ ወዲ ጎቦ ኣብ ትብል ጽቡቕ ስም ዘትረፈት ናይ መድረኽ ድራማ ድማ ከም ቀንዲ ጠባይ ሒዛ ተዋሲኣያ።

ኣብ 1998 ሓደጋ ወራር ምስ ተላዕለ ኣብ ትሕቲ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ብምዃን ብሞያኣ ከቲታ ኣንጻር ወራር መኪታ። ኣብቲ ግዜ ድማ ኣዘኪርካኒ ንገረኒ’ ‘ወሓዚት ሩባ’…ዝብላ ንጽል ደርፍታት ብሓባር ምስ ሓብታ ኮይነን ብምስራሕ ንህዝቢ ኣቕሪበን። ስነጥበበኛ ኣጸደ መስፍን ምስ ሓብታ ስነጥበበኛ ክብራ መስፍን ሓቢራ ኣብ ዓመተ 2000 ‘ልብና ሰፈራ ዘርእስታ ካልአይቲ ካሴት ኣሕተማ።

ጐኒ ጐኒ ምግጣምን ምዝያምን ብርዒ ሒዝካ ዛንታታት ምሕንጣጥ ተዘውትር ዝነበረት ኣጸደ፡ ኣብ 2001 ‘ህያብ እትብል ናይ ፊልም ዛንታ ደሪሳ ንኣፍቀርቲ ፊልም ንምርኢት ኣቕሪባ። ከምዚ ኢላ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስነጥበብ ኩርናዕ ደድሕሪ ባህጋ ክትከይድ ድሕሪ ምጽናሓ ሕጂውን ምስ ሓብታ ብምዃን መልክዓኛ ብዝብል ኣርእስቲ ካልእ ካሴት ኣሕተማ።

እንትርፎ ሞራልን ተስፋን ሕማም ይኹን ጸገም ዘይነበራ ስነጥበበኛ ኣጸደ መስፍን፡ ቀዳመይትን ካልአይትን ክፋላት ዝሓዘት ወይዘሮ ጉዕመሽ ዘርእስታ ኮመድያዊት ድራማ ምስ ዓየየትያ ሃንደበት ናይ ሕማም ምልክት ዝተራእያ። ናብ ሕክምና ከይዳ ሓካይም ሕማማ መንሽሮ ምዃኑ ምስ ነገርዋውን እንተኾነ ተስፋ ኣይቈረጸትን። ምስቲ ሕማም እናተቓለሰት ድማ ደርፍታትን ኮመዲታትን ዝሓዘለት ኣልቡም ሰርሐት። ብድሕሪ እቲ ዝነበራ ሕማማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ብምኻዱ ክትሕከም ንወጻኢ ሃገር - ናብ ኢጣልያ ኣበለት።

ንሓደ ዓመትን ክልተ ወርሕን ኣብ ኢጣልያ ሕክምና ክትከታተል ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ናብ ዓዳ ተመልሰት። ኩነታት ጥዕናኣ ክመሓየሽ ብዘይምኽኣሉ ግን 10 ሕዳር 2011 ተሰዊኣ። ብሕክምና ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝጸሓፈታ ቀማማት ህይወት እትብል መጽሓፍውን ከምለበዋኣ ብድሕሪኣ ተሓቲማ ኣብ ቤት መጽሓፍቲ ንኣንበብቲ ተዘርጊሓ ትርከብ ኣላ።

ማሕበራዊ ህይወት

ኣጸደ መስፍን ካብታ ብጠቕላላ ዓሰርተ ደቂ ዝፈረየት ስድራ ኣቶ መስፍን ራብዐይቲያ። ኣዱሊ ሓኪም ዝስሙ ሓደ ቈልዓ ገዲፋ ድማ ካብዛ ዓለም ተፈልያ።